ምትእስሳር ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለወጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ኣብ ሃገር ሽወደን ንክብርቲ መዓልቲ ነጻነት 2015 ብሽምዓ ምዉላዕን ኣስተምህሮን ሕድሕድ ልዝብን ኣኽቢሮምዋ ኣምስዮም።

2015-05-27 05:24:48 Written by  ምትእስሳር ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለወጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ኣብ ሃገር ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2103 times

Guthenberg230515 1

ብዕለት 23 ግንቦት 2015 ዓ.ም.ፈ. ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲምክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ ሰዓት 24.00 ኣብ ኣደራሽ ኤርትራዊ ባህላዊ ማእከል ባካቨገን 7. ኣብ ትሕቲ ልዕላውነት ሃገረ ኤርትራ መተካእታ የብሉን ዝብል መሪሕ ጭርሖ ብሙዉቅ ዕዙዝ ክብሪ ብሽምዓ ነጻነት ዝብል ጽሑፍ ብምዉላዕን ኣገዳሲ መግለጽን ኣስተምህሮን ልዝብን ኣኽቢሮምዋ ኣምስዮም።

Guthenberg230515 2

ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ ምሸት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ መንእሰያትን ዓበይትትን ዝተሳተፍዎ ናይ ከተማ ዮተቦርግ ናይ ዉህደት ፖሊስ ኢንስፐክተር ኣቶ ኡሉፍ ቦስትሩምን ናይ ከተማ ዮተቦርግ ናይ ውህደት ማእከል ኣማእካሊ ኣቶ ቶማስ ማግንሶን ተሳቲፎም። ድሕሪ ኣገዳሲ ሰፊሕ መግለጺ ማሕበር ምስ ተዋህበ ኢንስፐክተር ኦሎፍ ቦስትሩም ሓደ ሓጺር መሳጢ መደረ ኣስሚዔ። ኢንስፐርክተር ኦሎፍ ከምዚ ይብል ብጀመርታ ንኽብሪ ዝኽሪ በዓል ነጻነት ሃገርኩም እንቋዕ ደስ በለኩም፡ ምስኡ ከኣ እቲ ለባም ሃገራዊ ሓልዮት ኣሕዋትኩም ከማኹ ኣብዚ ክመጹ ዝፈተኑ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ተኻፋልነቱ ገለጸ። ቀጺሉ ዕላማ ማሕበርኩም ዕላማታት ፖሊስ ሃገር ሽወደንን ሓደ ስለ ዝኾነ ማሕበርኩም ዉሑስን እሙን ኤርትራዊ ደምበ ክኸውን እዩ። ብርግጽ ከኣ ሓቋፍን ዓንጋሊ ማእከል ንዲሞክራስያዊ ሂወት ኣብ ከትማ ዮተቦርግ ክኸውን እዩ ኢሉ ሙሉእ ምትሕብባር ክገብር ምኻቍኑ ቃል ኣትዩ ዘረባኡ ብጥቂዒት ዛዘመ። ቀጺሉ እቲ ዝኽሪ ብሙዑዝ ድራር ጀሚሩ ብተኻታተሊ ብሓያሎ ግጥምታትን ልዝብን ክሳብ ሰዓት 24.00 ብደስታ ቀጸለGuthenberg230515 3


ብተወሳኺ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ነጻነትና ናይ ምሕዝነትን ተኻፋልነቱን ንምግላጽ ህቡብ ሙዚቀኛ ሽወደናዊ ጎረበት ኤርትራዊ ባህላዊ ማእከል ዮሃን ብዘደንቅ ክእለቱ ክልተ ሙቁራት ደርፍታት ብቋንቋ እንግሊዝ ብምዝምዝር ዓቢ መዓርግ ሂብዎ ኣምሰየ። ብቀጻሊ ኩሉ ተሳታፍይ እናኣዋግዔ ከ ናይ መዛናግዒ ሎቶሪ ንዕድለኛታት ሰለስተ ብልጫታት ተዓዲሉ እቲ ናጽነታዊ መቀረት ብልዝብን ሰላማዊ ሕውነታዊ መንፈስ ክሳብ 24.00 ቀጸለ።

Guthenberg230515 4


Last modified on Wednesday, 27 May 2015 07:45