መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣኼባን ባህላዊ ምሸትን
Tuesday, 31 March 2015 16:17 Written by ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከለንን ከባቢኡን
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ዝመርሖ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ንዕለት 11 ሚያዝያ 2015 (11.04.2015) ኣብ ከተማ ከለን ክካየድ ኢዩ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ሃገርን ሰዲህኤን መብርሂ ከቕርብ ኢዩ።
ድሕሪ ኣኼባ ድማ፡ ብወናማት ሙዚቀኛታት ሰላም ዑቕባይ፡ ኢዮብ ተስፋማርያም፡ ሰሚር ክፍላይ፡ ሰናይ መሓርን ኣለም ኣሰፋውን (ዕምባባ) ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ ምሸት ተዳልዩልኩም ኣሎ።
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለንን ከባቢኣን ንዅሉ ግዱስ ዜጋን ወጻእተኛን፡ ኣብ'ዚ ዕለት'ዚ ተዳልዩ ናይ ዘሎ መደባት ተኻፋሊ ክኸውን ብትሕትና ይዕድም።
ህዝባዊ ኣኼባ ዝጅመረሉ ግዜ፡- ሰዓት 14፡00 ( ወይ ሰዓት 2፡ ድሕሪ ቀትሪ)
ኣድራሻ ወይ ቦታ ኣኼባ፡- Quäker Nachbarschftsheim
Kreutzerstrße 5-9
50672 köln
መጓዓዝያ፡- U-bahn 5 ካብ köln HBF ይጽዓኑ። ኣብ ( Haltestelle ) Hansbockler platz ይወርዱ። ንቕድሚት ምስ ወጹ፡ ናብ ቦታ ኣኼባ ዝሕብር ምልክት ተኸቲሎም ናብ ቦታ ኣኼባ ከበጽሑ ይኽእሉ።
ብደሓን ምጹ!!!
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከለንን ከባቢኡን
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብ27 መጋቢት 2015 ዝተረኽበ፡ ናይ ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ዜና ዕረፍቲ ብመሪር ሓዘን ተቐቢልዎ። ተጋዳላይ ተስፋማርያም፡ ወልደማርያም ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኣቦ መንበር ከይኑ፡ ንነጻነት ኤርትራ ዝተቓለሰን ተመሃሮን መንእሰያትን ኣብ ምውዳብ ዝተዋፈረን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፈ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብሓላፍነት ዘገልገለ ተጋዳላይ እዩ። ብ1975 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከኣ፡ ኣባል መሪሕነት ኰይኑ ከገልግል ተመርጸ'ሞ ክሳብ 1981 ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ናይ ቤት ጽሕፈት ዜና ሓላፊን ኰይኑ ኣገልገለ። ተሓኤ ናብ ሃገር ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ፡ ተጋዳላይ ተስፋማርያም ከም ሓያሎ ተጋደልቲ ናብ ስደት ኣምሪሑ፡ ኣብ ሃገር ኣመሪካ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ሰላማዊ መነባብሮኡ ከካይድ ጸንሐ። ተጋዳላይ ተስፋማርያም ከም ናይ ተሓኤ ሓላፊ ዜና መጠን ኣብ ስነ ጽሑፍ ኰነ ኣብ መዳይ ፖሊቲካዊ ሓሳባዊ ዕቤት ሰውራና ኣሰር ዝገደፈ ተጋዳላይ ምዃኑ ይዝከር። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ዕረፍቲ ተጋዳላይ ተስፋማርያም፡ ንመላእ ስድራቤቱን፡ ንመቓልስቱን ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እናገለጸ፡ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንስድራቤትን ፈተውትን ድማ ጽንዓት ይሃብ፡ ይብል።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
መጋቢት 28, 2015
ሽግርና ምልኪጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎ፧ (ራብዓይ ክፋል)
Tuesday, 24 March 2015 23:38 Written by መድሃኔ ሃብተዝጊራብዓይ ክፋል
ኣብ መዛዘሚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ብሔረ ትግርኛን ተወላዲ ከበሳን እውን ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሔራትን መታሕታውያንን ብኽልተ ምኽንያት እምነት ከምዘጕደለ ውስ ኣቢለ ኣቋሪጸ ነይረ: ክቕጽል እምበኣር::
እቲ ብሔረ ትግርኛን ከበሳውን ኣብ ልዕሊ መታሕታውያንን፣ ካልኦት ብሔራትን፣ ሃይማኖት ምስልምናውን ከይተረፈ እምነት ከምዘጉድል ክገብሮ ዝገደዶ ምኽንያታት ብቀንዱ ክልተ እየን:: ንሳተን ድማ ፖሊሲ መንግስቲ እትዮጵያን ኣብ ሊዕሊ ኤርትራን ምስኡ ተዛሚዱ ዝመጸ ምስሳን ብሔራውያንን ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያን ውድባትን፣ መታሕታውያን ብከበሳውያን ተበዲልና ዝብል ሓዲሽ ናይ መታሕታውያን ክስን ምውድዳብን እዩ::
ሕማቅ ዕድል ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን ኮይኑ፣ ዕርክነት ስርዓታት ኣዲሳበባን ኣስመራን ኣብ 1998 ናብ ጽልኢ ምስ ተለወጠ፣ ክሳብ ሎሚ ዝቅጽል ዘሎ ጻዕርታት ክልቲኦም መንግስታት፣ ሓደ ነቲ ሓዲ ንምዕናውን ንምድምሳስን ኮነ:: ነቲ ኣብ ጽባሕ ዓወታቶም ብቃሎም ብደም ዝተፈራረምናሉ ዘይጥለምን ዘይሕከኽን ምሕዝነት ኣሎና ዝበልዎ፣ ድሕሪ 7 ዓመት ዳግማይ ኲናት ብምብራዕ ብደም ንጹሓት ዜጋታት ሓኺኾም ናብ ጉሁር ጽልኢ ቀየርዎ:: እቲ ላዕለዋይ ሽፋን መወሊዒ ኵናት ናይ ክልቲኦም መንግስታት ዶባትን ልዑላውነትን ሃገር ዝብል እኳ እንተነበረ፣ ሓቁ ግን ካልእ ከምዝኾነ ታራ ሰብ እውን ዝርድኦ እዩ:: ክፋል መሬቱ ዝተመንዘዐን ልዑላውነት ሃገሩ ዝተደፍረን ህዝን መንግስትን እንተተኻእለ ብልዝብን ሕግን፣ በዚ እንተዘይተኻእለ ድማ ብቃልሱ ይግበኣኒ እዩ ዝምሎ ዝተመንዝዐ መሬቱን ልዑላውነቱን ክመልስ ንቡርን መሰሉን እዩ:: ኣብ ስርዓታት ኣዲሳበባን ኣስመራን ግን ከምኡ ኣይተራእየን:: ነቲ ድሕሪ ምፍሳስ ደምን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ክልቲአን ሃገራትን ዝተበጽሐ ስምምዓቶም ኮነ ከም ሳዕቤኑ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝበየኖ ናይ ዶባት ፍርድውን ክቅበልዎን ከኽብርዎን ኣይተራእዩን:: ኣብ ክንድኡ ገና ሓደ ንህልውና ናይቲ ካልእ ካብ ገጽ መሬት ክጥፍእ ብዝዓቅሙ ይቃለስ: ይፍክር እውን::
ኣብ ከይዲ ኲናት ኢትዮ - ኤርትራ 1998 - 2000 ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንመግስቲ ኤርትራ ከም መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ዕቡይ ሓይሊ ከበሳን ብሔረ ትግርኛን ክገልጽዎ ተረኽቡ:: ኣብ መደረታቶም እውን ነዚ ትዕቢት ከበሳውያን ክነምበርክኾን ክነምክኖን ኢና ዝብል ናይ ኣይትሓዙኒ ፈኸራ ኣስምዑ:: ጋናውን ይቅጽሉ ኣለዉ:: ክሳብ ሕጂ ንስርዓት ኢሰያስ ዋላ ኣስመራ ኣትዮም ብዝኾነ ከውድቅዎ እንተዘይኮይኑ ዝኸሰርናዮን ዘኽሰርናዮን ይኣክል፣ ከም ቃልናን ስምምዕናን ሕጊ ዝሃበና ብጽሖትና ወሲድና፣ ዶባትና ክንሕንጽጽ እሞ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት እፎይታ ረኺቡ ንቡር ህይወት ከስተማቅር ክነፍቅደሉ ዝብል ነገር ኮታ ኣብ ሓንጎሎም እውን የለን:: መራሒ ሰርዓት ኣስመራ ብወገኑ፣ ነቲ ብምኽንያት ዓንዳሪ ኣካይድኡ ካብ ህዝብን መንግስታት ዓለም ኣጋጢምዎ ንዘሎ ተነጽሎ ከመኽንየሎ፣ ንዝምድናን ርክባትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ዝተረፈ ክፍሊ ዓለም ብመጋበርያነት ጥራሕ ክገልጾ ይርከብ:: ንመንግስትን መራሕትን ኢትዮጵያ ኮራኹርን መጋበርያን ናይ ምዕራባውያን እዮም ዝብል ብደዐ ዝመልኦ ዘረባ መኽፈትን ኣፍን ቀንዲ መልእኽቲ ነፍሲ ወከፍ መደረ ፕረሲደንት ኢሰያስን እዩ::
እዚ ብመርሕነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኣስመራ ከም ናይ ከመሳን ናይ ብሔረ ትግርኛን ዕቡይ ሓይሊ ገርካ ናይ ምግላጽ ስጉምቲ እምበኣር፣ ምስቲ ብብሔረ ትግርኛ ተወሪርና ተዓብሊልናን ዝብል ናይ ውሽጢ ሃገር መረረ ተሳነየ:: ንብሔረ ትግርኛን ከበሳዊ ክፋልን ድማ ምስ ዝነበሮ ተደሚሩ ኣዝዩ ኣሻቀሎ:: በዚ ውን ግን ኣይተረፈን::
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ኢትዮ - ኤርትራ እተን ካብ 10 ዘይበዝሓ ዝነበራ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ብሔራውን፣ ዞባውን፣ ሃይማኖታውን፣ መልክዓት ሒዘን ናብ 30ታት ደየባ:: መጨጪሒ ቦትአንን፣ ኣብያተ ጽሕፈተንን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ:: በንጻሩ ሃገራዊ መልክዕ ዝለበሳ ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝድለ ቦታ ኣይረኸባን:: እቲ ንኤርትራዊ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ኣወሃሂዱ ብምቅላስ፣ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከቀላጥፍ ትጽቢት ዝተነብረሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንለውጢ እውን፣ ንዝተጫጭሓ ብሔራውያንን፣ ሃይማኖታውያንን፣ ዞባውያንን ውድባት ክሳብ ምግንጻል ንዝብል ጠለባተንን፣ ኣብ ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ዞባውን ከናለታት ተጎጃጂለን ንምህላወን ተቀባልነት (legitimacy) ዝህብን ንዝያዳ ምስሳነን ዝተባብዕን ኮይኑ ምርካቡ እውን ተደራቢ ስግኣት ፈጠረ:: እዚ ተርዮዚ ግን ንብሒረ ትግርኛን ከበሳን ብቀንዱ ኮይኑ ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራውን ኣብ ናይ ስኽፍታ ቃላይ ኣስጢምዎ ይርከብ::
ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይዚ ኩሉኸ እንታይ ነይሩ እንተበልና ከምዚ ዝስዕብ ይመስል:
- ኣብ መንጎ ከበሳን መታሕትን፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ምስልምናን ክርስትናን፣ ኣብ መንጎ ብሔረ ትግርኛን ካልኦት ብሔራትን ምትእምማን ጎዲሉ:
- ኣብ መንጎ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዘለወንን ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ከባቢያውን ፖለቲካዊ መድብ ዕዮ ዘለወንን ፖለቲካውያን ማሕበራት ምትእምማን ጎዲሉ:
- ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብሔረ ትግርኛ ድማ ብፍላይ ምስ ስርዓት ኣስመራ ክቱር ጽልኢ እኳ እንተሃለዎ፣ ዝዓበየ ስኽፍታኡ ግን ካብዘን ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበረን ብሔራትን፣ ሃይማኖታትን፣ ዞባታትን ዝውክላ ውድባትን ሰልፍታትን ኮይኑ፣ ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝበኣሰት ከይትኾኖ ፈሪሒ ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽሲ እትፈልጦ ሰይጣን ኣብ ምባል በጺሑ ይርከም: ከም ሳዕቤኑ ድማ
- ኩሉ ኤርትራዊ ንለውጢ በሃንቀውታ እንዳተጽበየ፣ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን መብዛሕትኡ ልኡም (silent majority) ኮይኑ ተሪፉ:: ገሊኡውን ካብ ናይ ለውጢ ተቃለስቲ ኢና በሃልቲ ወገናት ናይ ለውጢ ጩራውን ክርኢ ስለዘይከኣለ፣ ስርዓት ኢሰያስ ዝጥቀመሉ ናይ ምትላል ረብሓታት ንኸይሓልፎ ከይፈተወ ናይቲ ስርዓት ጎኒ ክሕዝ መረጸ:
- ካብዚ ዝተበገሰ፣ ድምበ ተቃውሞ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን እቃለስ ኣሎኹ እንዳበለ ሰብኣውን፣ ንዋታውን፣ ሞራላውን ሓገዝ ናይቲ ለውጢ ዝምነት ህዝቡ ተሓረሞ:
- ውጺእት ናይዚ ኹሉ ድማ እቲ ብህዝቡ እውን ዝተጸልአን ዝተነፍገን ስርዓት ህግዲፍ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ገደብ ንላዕሊ ተማጠጠ: ከመይሲ ህዝቢ ብሓደ ወገን ንስርዓት ኢሰያስ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ክርእዮ እንከሎ ንድምበ ተቃውሞ ግን ካብኡ ብዝገደደ ንኽትፋእ ዕለቱ ዝኣኸለ ሃገራዊ ኢሳተ ጎሞራ ገይሩ እዩ ዝግምቶ::
እዚ ውድዓውነትዚ ኣበይ ገጹ እዩ ክወስደና፧
- ከምቲ ወገናት ድለይቲ ፍትሒ ዝብልዎ ንስርዓት ኣስመራ ካብ ሱሩ ምሒካ ኣብ ምእላይን ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ኣብ ምፍጣር፧
- ወይስ ከምቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝመነዮ ደምበ ተቃውሞ ኣብ ናይ ጋእ ማን ቃልሲ፣ ሃዝቢ ኤርትራ ኣብ ስኽፍታን ሽቁረራን፣ ንሱ ኣብ ስልጣኑ ዝነብረሉ ሃዋህው
- ወላስ ከምቲ ስኽፍታ ዝበዝሐ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ምስ ወደቀውን ኣብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽን ሕድሕዳዊ ጎንጽን እዩ ከምርሓና ንግዝየ ዝግደፍ እዩ::
ግዜ ኣብ ዘፍቀደሉ ካብ ሰለስቲኡ ዕጫኻ ክትቅበል መጽባይ ግን ናይ ሰነፍ ህዝቢ መለለዪ ባህርያት እዩ:: እቲ ክግበር ዘለዎ ከሎ ጋን ንዘይ ቅድው ኩነታት ኣሊኻ፣ ብህግኻን ድሌትካ ብዝተወሃሃደ ቃልስኻ ምርግጋጽ እዩ:: ከመይ ገርና እሞ ነዚ ኣብ ሊዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ድነ ሞት ደመናታት ክንኣልዮ ንኽእል፧ መንከ መርሕ ታራ ክጻወት ኣለዎ ንዝብሉ ሕቶታት ኣብ ዝቅጽል ሓምሻይ ክፋል ጽሑፈይ ክምልሶ ክፍትን እየ::
ንሎሚ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!
መድሃኔ ሃብተዝጊ
(LLM)
ኣብዚ ሎሚ እዋን ዝተወሰነ ጉጅለ፡ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበር ወይ ውልቀ-ባእታ ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ በይኑ ከዕውቶ ዝኽእል የለን። ብመንጽር’ዚ ሓደ ኣካል ናቱ ርኢቶ፡ ድሌትን ስምዒትን ናይ ብዙሓት ከም ናቱ ረብሓ ዘለዎም ወገናት እምነት ከም ዝኸውን ናይ ምግባሩን ምስፍሑን ሓልፍነትን ተሓታትነትን ኣለዎ። ነዚ ናይ ምስፋሕ ዕማም ኣብ ግብሪ ምውዓል ካብ ዝኽእለሎም መንገድታት ሓደ ድማ ምጥቃም መራኸቢ ብዙሓት (ሚድያ) ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብ ዕማማት ሚድያ ሓደን ቀንድን ሓበሬታ ምዝርጋሕን ምብጻሕን እዩ። ሓበሬታ ከዓ ኣገዳሲ ሓይሊ እዩ። ነዚ ሓይሊ እዚ ዘባጽሕ ሚድያ ከዓ ሎሚሎሚ ኣድላይነቱ ኣዝዩ ኣብ ዝዓዘዘሉ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ወሳኒ ኣድላይነቱ ብምንቃል፡ ሚድያ ማዕረ’ቶም ሰለስተ መንግስታዊ ኣካላት ማለት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ክስራዕ ይግበኦ ኢሎም ዝከራኸሩ ወገናት እንዳበዝሑ ኣብ ዝኸድሉ ኩነታት ኢና እንርከብ ዘለና። ብፍላይ ድማ ኣብ ከምዚ ንሕና ኤርትራውያን ካብቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝኾነ ህዝብና ርሒቕና ንቃለሰሉ ዘለና መዋእል፡ ሚድያ ክልቴና ሰብ ሓደ ዕላማን ድሌትን ኣብ ምርኻብ ዝህልዎ ግደ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ንሚድያ ክንድቲ ወሳንነቱ ናብዚ ከተብቅዖ ዝሓቶ ዋጋ ክቡር ምዃኑ’ውን ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።
ኣብዚ ልዕልና ደሞክራሲ ንክብርኽ ሓያል ቃልሲ ዝካየደሉ ዘሎ መዋእል ኣድላይነትን ዕቤትን ሚድያ’ውን፡ ከም መሰል ምውዳብ፡ ኣብዘሓ ሰልፍን ልዕልና ሕግን ዕዙዝ እጃም ኣብ ዝተዋህበሉ መድረኽ፡ ጽልዋኡ ኣብ ምውሳን ባህርያት ሓደ ስርዓት ቅድሚት ዝስራዕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ማለት ደሞክራሲያዊ ስርዓታትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ደሞክራሲያዊ መንነቶም ንሚድያ ብዝህዎ ቆላሕታ ዝምዘን ክኸውን እንከሎ፡ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ጸረ ደሞክራስን ፍጹማት መለኽቲ ኣካላትን ድማ ካብቲ ዝቃልዕሉ መርኣያ ሓደ ኣብ ሚድያ ዘለዎም ኣተሓሕዛ እዩ። ናብ ጉዳይና ክንምለስ እንከለና፡ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ሚድያ ዘይምህላዉ፡ እቲ ዝርካቡ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዘሎ ሚድያ ድማ ናይ ህዝቢ ድሌትን ስምዒትን ዘየንጸባርቕ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊኡ እምነት ኮነ ዕግበት ከም ዘየብልና ደጋጊምና እንብሎ እዩ። ንሕና ጥራይ ዘይኮና ሕብረተሰብ ዓለም እውን ንጸረ ህዝብነት ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣብነት ካብ ዝጠቕሶም ቀንዲ መርኣያታት፡ ኣብ ልዕሊ ሚድያን ናይ ሚድያ ሰራሕተኛታት ዝወስዶ ዓመጽን ክሕደትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝተዓዘብናዮ እዩ። ኤርትራ ካብተን ብዝሒ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቅድሚት ዝስረዓ ሒደት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ክጥቀስ እንከሎ ድማ ነዚ ዘርኢ እዩ።
ንሚድያ ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ግዜ ካብ ዘከራኽሩ ጉዳያት ሓደ “ዘይሻራዊ ሚድያ ኣሎዶ የለን?” ዝብል ሕቶ እዩ። ምናልባት ነጻ ፕረስ ዝበሃል ነገር ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ከም ናቱ ርኢቶ ዘየብሉ ሚድያ ጌርካ ክውሰድ ይረአ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ናቱ ከዕውቶ ዝደሊ ርኢቶ ዘየብሉ ንኹሉ ብማዕረ ከሕጉስ ኢሉ ዝስለፍ ሚድያ ክህልው ከም ዘይክእል ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ናቱ ርኢቶ ከዕውት እንከሎ፡ ናይ ካልኦት ርኢቶ ብምኽባር ሚዛናውነቱ ዝሕልው ሚድያ ክህሉ ግና ዘጸግም ኣይኮነን። ምናልባት ነጻ ሚድያ ማለት ብመንግስቲ ዘይውነን ማለት እንተኾይኑ ተቐባልነት ኣለዎ። ብመንግስቲ ዘይውነን ማለት ግና ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ንሚድያ ብዝምልከት ብዘወጸኦ ናይ ሚድያ ሕጊ ዘይግዛእ ማለት ኣይኮነን። ስርዓታት ንሚድያ ብዝምልከት ዘውጽእዎ ሕጊ ከዓ ከምቲ ካልኦት ሕግታት፡ ካብቲ ባህርያቶም ዝነቅል እምበር ካብኡ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ደሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ዘውጸኦ ናይ ሚድያ ሕጊ ደሞክራስያዊ፡ ሕገመንግስታውን ረብሓ ህዝቢ ዝማእከሉን ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ዘይደሞክራሲያዊ ስርዓታት ግና፡ ወይ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ንርእዮ ዘለና ከም ቋንቋ’ውን ንናይ ሚድያ ሕጊ ኣይጠቕስዎን። ንይምሰል እንተጠቐስዎ ድማ ማዕረ’ቲ ባህርያቶም ዘይደሞክራሲያዊ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።
ጸረ ደሞክራሲ ዝኾኑ ስርዓታት ናይ ሚድያ መድረኽ ካብ ዘጽብብሉ ብዙሕ ምኽንያታት ሓደ፡ ኣብቲ ዘመሓድርዎ ህዝብን ሃገርን “ልዕሌና ንህዝብን ሃገር ዝሕለቕ የለን” ዝብል ትምክሕቲ ስለ ዘስክሮም እዮም። እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ካብቲ ንሳቶም መመቲሮም ዝህብዎ ዕረ ይኹን መዓር ዝምቓረቱ ፖሊሲ ንላዕሊ ካልእ ምርጫ ክቐርበሉ የብሉን ኢሎም ስለ ዝኣምኑ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ወጻዕቲ ኣካላት ውሽጦምን ግብሮምን ስለ ዝፈልጡ ህዝቢ ንሳቶም ብዘይቆጻጸርዎ ሚድያ ከተንፍስ እንተኽኢሉ ንረብሓኦም ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈልጡ፡ ኣብ ክንዲ ብሚድያ ኣንጻሮም ዘዝተወለዐ ሓዊ ከጥፍኡ ዝሃልኩ እቲ ሓዊ ከምዘይእጐድ ንምግባሩ እዩ። ኣብዚ ህዝቢ ዝማእከሉ ሚድያ ክንብል እንከለና ንህዝቢ ዝጥቅም ዝዝረበሉ፡ ዝጸሓፈሉን ዝረኣየሉን ጥራይ ማለትና ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ባዕሉ’ውን ዝሳተፈሉ ማለትና ምዃኑ ከይዝንጋዕ። መራኸቢ ብዙሓት ዘብሎ እውን እዚ ጠባዩ’ዚ እዩ።
ናብቲ ዝነቐልኩሉ ክምለስ። ኣብ ትሕቲ ጸረ ደሞክራሲ ስርዓት ዝመሓደር ሚድያ ጸረ ደሞክራሲ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። መርኣይኡ ድማ ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ ሃገርና ኤረ-ቲቭን ድምጺ ሓፋሽር ምዕዛብ ጥራይ ይኣኽለና። እዘን ሚድያታት ተልእኾአን ምግልጋል እቲ ጸቢብ ጉጅለ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ መብዛሕትና ኤርትራውያን ከም መግለጺ ኣብ ልዕሊአን እምነት ምጉዳልና፡ “ነታ መደብ ተለቪኝ ርእየያ’ኳ ኣይፈልጥን፡ ነታ ሬድዮ ሰሚዐያ’ኳ ኣይፈልጥን” ክንብል እንስማዕ። ዝምድናና ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እውን ከምኡ እዩ። ናታተን ቅዳሕ ስለ ዝኾነት። እዚ ድማ ብንጹር እቲ ነቲ ሚድያ ዝውንን ዘመሓድርን ስርዓት ወይ ትካል ኣብ ዘይቀርዓየሉ፡ ቅርዑይ ሚድያ ክህልው ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዘይፍጠር ዘብረሃልና እዩ። ማለት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወሉ ባህርያት ሚድያ ኣብ ኤርትራ’ውን ኣይክቕየርን እዩ። ሚድያን ዘመሓድሮ ስርዓትን ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተገጻት ስለ ዝኾኑ።
እዚ ኣብ መንግስቲ ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትካል፡ እንተላይ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብግብሪ ዝተራእየ ተመኩሮ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣድላይነት ሚድያ ክርዳእ ናይ ግድን ነይሩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ቅድም ምሕዝነት ደሓር ድማ ኪዳን ብዝብል ስያመታት መጽሐታት ኣዳልዩ ክዝርግሕ ዝፈተነ። ኣድማዕነቱ ግና ትሕቲ ትጽቢት ምንባሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግዜ ምሕዝነትን ኣብ ግዜ ኪዳንን መዓልታዊ እሞ ድማ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝፍኖ መደባት ሬድዮ እውን ነይሩ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ “ደሃይ ኤርትራ” ዝስሙ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሰዓት ፍርቁ ብትግርኛ ፍርቁ ድማ ብዓረበኛ ዝዝርጋሕ መደብ ተለቪዥ እውን ነይሩ። እዚ ሚድያታት’ዚ ካልእ ምንእኣሳት ክይወሰኽካ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣየድመዐን። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ዝተኻየዱ ገምጋማት ድማ ጠንቂ ናይቲ ትሕቲ ትጽቢት ምዃን፡ ነዚ ሚድያ ዝመርሑ ዝነበሩ ትካላት፡ ምሕዝነት ኮነ ኪዳን ብቑዓት ፖለቲካዊ ጽላላት ብሰንኪ ዘይምንባሮም ምዃኑ ነጺሩ እዩ።እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ካልእ ሕጽረታት እውን ግደ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን።
ኣብ ከምዚ ብምሕዝነት ወይ ብጽላል ዝውነን ሚድያ እቲ ዋንኡ ጥዕና እንተዘየልይዎ፡ ሓደጋኡ ዘይምድማዕ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣብ መንጎ ነቲ ጽላል ዘቖሙ ኣካላት ዝጸንሐ ፍልልያትን ምስሕሓብን ኣባሊሑ ዝያዳ ዘናቑት ናይ ምዃኑ ዕድል እውን ሰፊሕ እዩ። ገለገለ ግሩሃት ግና እቶም ናይቲ ጽላል ተዋሳእቲ ዝየመሓደርዎ ፍልልያት “ናይ ሓባር” ዝበሃል ሚድያ ሰለ ዝወነኑ ጥራይ ዝፍታሕ ይመስሎም ይኸውን። ብተግባር ግና ሚድያ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እምበር ፖለቲክኛታት ክዓምዎ ዝግበኦም ዕማም ዝዓምም ኣይኮነን። እዚ ናይ ሚድያን ዋናታቱን ዘይምቅዳው፡ ብደረጃ ውልቀ ውድባትን ዝውንነኦ ሚድያታትንን እውን ዝተራእየ እዩ። ብዙሓት መርበባትን ካልእ ሚድያታትን ካብ ዝተወሰነ ግዝያዊ ሙቖት ምስ ነቐሉ፡ ምቕጻል ስኢኖም ክዳኸሙ ጥራይ ዘይኮነስ ጠቕሊሎም ክዕጸዉ ተዓዚብና ኢና። ናይዚ ሚድያታት ምድኻም ድማ መግለጺ ምድኻም ናይቲ ዝውንኖም ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር ምዃኑ ክንቅበሎ’ሞ ብጽሞና ክንሓስበሉ ዝግበኣና ሓቂ እዩ። ስለዚ ክስከሞ ዝኽእል ፖለቲካዊ ባይታ ኣብ ዘይጣጠሓሉ ንርኣዩለይ ስምዑለይ ጥራይ ሚድያ ምውናን ዘየኽስብ ጥራይ ዘይኮነስ ብቐሊሉ ክሓዊ ዘይክእል ክሳራን እምነት ምጉዳልን ከም ዘስዕብ እውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ “ሚድያ ብልሑ ክልተ እዩ። በቲ ሓደ የልምዕ በቲ ሓደ የጥፍእ” እንብል። ሰደህኤ መራኸቢ ሓፋሽ ብጥንቓቐ እንተዘይተታሒዙ ክልተ ብልሒ ከም ዘለዎ ብምርዳእ፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ግደ ዜናዊ መዳይ (ሚድያ) ልሉይ ብምዃኑ ሰደህኤ ፍሉይ ትዅረት ክገብረሉ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ስለዚ ሚድያ ብፖለቲካዊ ኣምሳል ወናኒኡ ዝግለጽ እምበር፡ ተረኽበ ኢልካ እትዕጠቖ ከም ዘይኮነ ክንርድኦ ይግበኣና እብል።
21 መጋቢት 2015
ሽግርና ምልኪጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎ፧ (ሳልሳይ ክፋል)
Wednesday, 18 March 2015 07:53 Written by መድሃኔ ሃብተዝጊ
ሳልሳይ ክፋል
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ምልኪ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንድኡ ዓቢይ ሽግር ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን ብሔራት ሰፊኑ ከምዘሎ ኣብሪሀ:: ኣስዒበውን ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ፣ እዚ ንብሔራትና ኣብ ዘይ ምትእምማን ዘብጽሐን እቲ ንመንነታዊ ህልውና ብሔራትና ኣጥፊኡ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባህልን ሃገራውነትን ጨፍሊቁ ከእቱ ዝሃቀነ እሞ ንብሔረ ትግርኛ ናይ ዓብላልነት ዕድል ዝኸሰተን፣ ዘይሓላፍነታውን ዘይፍትሓውን ኣዋጃት ስርዓት ኣስመራን ትግባረኦምን ምዃኑ ገሊጸ:: ኣብ መወዳእታውን ካብ ብኩራት ግቡእ ተረድኦ ኣካይዳ ስርዓት ህግዲፍ ብሔራትና ኣብ ዘይምትእምማን ኣትየን ከምዘለዋ ወስ ኣቢለ ነይረ::
ሕጅውን እንተኾነ ከም መብጽዓይ እንታይ እዩ እዚ ጊጉይ ተረድኦ ብሔራት፧ ካብ እንታይ ዝነቀለ እዩ፧ ንምዕባለ ናይዚ ዘይምትእማማን ብሔራትን ዞባታትን ንምብራኽ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮ ኩነታትከ ነይሩዶ፧ እንታይከ ኩንይኸውን ንዝብሉ ሕቶታት ክምልስ ክፍትን እየ::
ከም ተረድኦ መብዛሕትና ስርዓት ኢሰያስ ሃይማኖት፣ ብሔር፣ ዞባ፣ ዓዲ፣ ወገን ዘይፈልጥን ዘይፈልን ገባትን መላኽን ጥራሕ ዘይኮነስ ወረ ኣረሜናዊ ስርዓት እውን እዩ:: በዚ ናይ ሎሚ ኣካይድኡስ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ሃገራውነት ዓለዎ ኢልካ ንኽትዛረብ እውን ዘድፍር ኣይኮነን:: ምእንቲ ምንታይሲ ንብርሰትን ዕንወትን ህዝቡን ሃገሩን ዘቀላጥፍ ሃገራዊ ስርዓት ኮነ መንግስቲ ኣብ ዓለምና ኣይተራእየን::
ኣቀዲመ ከምዝገልጽኩዎ ግን ትግባረ ናይቲ ዘይፍትሓዊ ኣዋጃቱ ንገለን ዕድል ዘርሑ ንገለን ዕድል ዝነፍግ ኮይኑ:: እቲ ንዘለዎ ይውሰኸሉ ንዘይብሉ ግን እታ ዘላቶውን ይሕደገሉ ዝብል ጽሕፍ ብርግጽ ኣብ ከርሰ ኤርትራ ግብራውነት ረኸበ:: እቲ ፍርዲ ግን ከምቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ህርኩትነትን ትህኪትን ወይ ምስ ጉርሕን የዋህነትን ብሔራት ኮነ ውልቀሰባት ዘራኽቦ ነገር ኣይነበረን::
ናይዚ ዝተኽስተ ዕድል ተጠቃማይን ተዓዋተይን ንምዃን ካብ ዜጋታት ዝጥለባ ዝነበራ ክልተ ነገራት እየን:: ሓደ ናይቲ ስርዓት እሙን መጋበሪ ምዃን: ካልኣይ ድማ ቁጠባውን ኪኢላውን ዓቅሚ ምውናን:: ካብዚ ሓሊፉ ግን ካበየናይ ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ዞባ፣ ዓዲ፣ ዓሌት ኢኻ ብኢሰያስ ኮነ ብስርዓቱ ዋጋ ዝወሃቦም ኣይነበሩን: ኣይኮኑን እውን:: ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፣ ክንደይ ሃብታማትን ለባማትን ተወለድቲ ከበሳን ብሔረ ትግርኛን ድሕሪ ናጽነት ሃገሮም ከማዕብሉ ካብ ወጻኢ ጠቅሊሎም ኣትዮም፣ ነቲ ስርዓት ኣምልኾ ስለዘይሃቡ ብበትረ ሓጺን ተጸፊዖም ዳግማይ ንሃገረ ስደት ዘይተመልሱ:: ክንደይ ምሁራትን ለባማትን፣ ሃብታማትን ብሔረ ትግርኛን ተወለድቲ ከበሳንከ ዋላ ድሕሪ ነጻነት ሃገር ገዲፎም ምስ ንብረቶም ኣብ ዓዲ ጓኖት ሰፊሮም ብዘለዎ ቁጠባውን ክኢላውን ዓቅሚታቶም ዓዲ ጓኖት የማዕብሉ ዘየለዉ:: ወረ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን እንተኾነ ክንደይ ምሁር፣ ክንደይ ለባም፣ ክንደይ ሃብታም ተወላዲ ከበሳን ተወላዲ ብሔረ ትግርኛን እሙን መጋበሪ ናይዚ ስርዓት ስለዘይኮነ ኣብ ማሕዩር ዘይበለየን፣ ተዓፊኑ ሃለዋቱ ዘይጠፍአን::
እቲ ሓቂ እዚ እንክንሱ ግን ነዚ ስርዓት እዚ ከም ናይ ከበሳ ስርዓት፣ ከም ናይ ብሔረ ትግርኛ ስርዓት፣ ከም ናይ ክርስትና ስርዓት ገርካ ክትርእዮን ክትገልጾን ምፍታን ንሓቀኛ ባህርያትን ኣካይዳን ናይቲ ስርዓትን ብግቡእ ዘይምግንዛብ እዩ ጥራሕ እየ ክብሎ ዝኽእል ብወገነይ:: ዕድል ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ነተን ዝጥለባ ክልተ ረቋሒታት ካብ ዘማልኡ ብዙሓት እውን እቶም ዝበዝሑ ብሔረ ትግርኛን ተወለድቲ ከበሳን ከይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ:: ውጽእት ጽጹይ መጽናዕቲ ዝኾነ ሓበሬታ ኳ እንተዘየለ ንኣቃውማን ተቕዋምን ናይቲ ስርዓት ኣብ ጋድማውን ትኹላውን ጽፍሕታቱ፣ ቁጠባዊ ጽላታቱ፣ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታቱ፣ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ትካላቱን ካልእን በመን ተወኪሉ ኣሎ ምስ ዝበሃል፣ ካብ ሓቂ ዘይረሓቀ ግን ከኣ ግምታዊ መልሲ 80% ብብሔረ ትግርኛ ተሓብሪሩ ይርከብ:: እዚ ግን ስርዓት ኢሰየስ ኣብ ልዕሊ ብሔረ ትግርኛ ብዘለዎ ፍቅርን ሓልዮትን ወይ እውን ብሔረ ትግርኛ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ብዘለዎ ፍቅሪ ዝተረኽበ ጉነዖ ዝተጨበጠ ዓወትን ኣይኮነን: ኣጋጣሚ ዝፈጠሮ ዕድል እዩ:: እዚ ማለት ድማ ብሓደ ወገን ምስ ታሪኻዊ ኣመሰራርታን ኣመዓባብላን ናይቲ ሎሚ ስርዓትን መንግስትን ኮይኑ ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ግንምባ ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ምስቲ ብሔረ ትግርኛ ወኒንዎ ዝጸንሐ ዓቅማዊ ብቅዓት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ይረኣየኒ:: ኣብ እንተ ኣቲና ንሓቅነት ናይዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድል ክነዛምድ ንፈትን እስከ:: ነዚ መርሕነት ውድብ ህዛውዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ዝረኸቦ ናይ ዓወት ዕድል፣ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ጀብሃ ረኺብዎ ነይሩ እንተዝኸውን እሞ ነጻነት ሃገረ ኤርትራ በዚ ዳሕረዋይ ውድብ ተረጋጊጹ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ባይታ ሎሚ ከመይ መሃለወ ነይሩ ኢልና ንሕሰብ እስከ:: ንኣቃውማን ተቅዋምን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ምስቲ ሓዉ ዝኾነ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጎንጺ ከይኣተወን ናይ ሰፊሕ ግዝኣተ መሬት ኪሳራ ከየጋጠሞን እንከሎ ዝነበሮ ስእሉ ካብ ሰነዳቱ ንርኣዮ:: 80% ክንብል እኳ እንተዘይደፊርና ሊዕሊ ፍርቒ ዝኾነ ሕብረ መልክዑ ግን መታሕታውን እስላማውን ከምዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን:: ውድብ ጀብሃ በቲ ዝጸንሖ መልክዑ ንነጻነት ሃገር በቂዑ እንተዝኸውን እምበኣር እዚ ሎሚ ንከበሳውያንን ተወለድቲ ብሔረ ትግርኛን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዓብላልነት ዕድል ምናልባት ንመታሕታውያንን ንኣመንቲ ምስልምናን ተኸሲቱ መሃለወ ኣብ ዝብል መደምደምታ ክንበጽሕ ንኽእል::
እዚ ኮነ እቲ ግን ሃገራዊ ፖለቲካና ገና ሓቀኛ መስመሩ ከምዘይሓዘ እዩ ዘአንፍት:: ንሱ ድማ፣ ክሳብ ሕጅውን እንተኾነ እቶም መስረትን መራሕትን ንውድባትን ሰልፍታትን ካብ መስመር ሃገራውነት ጠሊፎም ዞባውን፣ ሃይማኖታውን፣ ብሔራውን፣ ዓዳውን፣ ቀቢላውን ኣንፈታት ከምዘትሕዝዎ ክንግንዘብ ንኽእል::
ነዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድልዚ እየን እምበኣር ብሔራት ከምኡውን መታሕታውያን ብግቡእ ክርድእዎ ዘይከኣሉ:: ኣብ ክንድኡ ዕብላለን ንሁር ምስፍሕፋሕ ብሔረ ትግርኛ ኣብ ኩሉ ዞብባታት ብምዕዛብ ነቲ ብሔርን ነቲ ስርዓትን ከም እድን ጓንትን ገይሮም ክርእይዎ ፈቲኖም:: እዚ ሓቂዚ ዋላ ብዕሊ ዝእወጅ ኣይኹን እምበር፣ ኣብ መዓልታዊ ታራ ፖለቲካዊ ዕላል ብሔራትን ወክልቲ ብሔራት ዝኾና ፖለቲካውያን ውዳትን በርገሳውያን ማሕበራትን ወትሩ ዝስማዕ እዩ:: ካብ ሸፋፍንካን ተኸዊልካን ምዝራብ ግን ብጋህዲ ምዝራብ ከቀራርበናን መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክሕግዘናን ይኸእል እዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ::
ብወገነይ እቲ ግጉይ ተረድኦ ናይ ሔራትን መታሕታውያንን ዝብሎ እምበኣር፣ ሓደ ነቲ ሓቀኛ ባህርያትን ኣካይዳን ናይቲ ስርዓት ብግቡእ ዘይምርዳ፣ ካልኣይ እቲ ነቲ ስርዓት ኣቊሙ ካብ ዘሎ 80% ብሔረ ትግርኛ፣ ኣብ ቁጽሪ ብሔረ ትግርኛ 20% ናይቲ ብሔር እውን ክኸውን ከምዘይክእል ዘይምግማት፣ ሳልሳይ ነዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድል ምስ ታሪኽ ሰውራን ታሪኽ ምዕባለ ብሔራትን ሃገርን እውን ኣዛሚድካ ብዓይነ ልቦና ዘይምርኣይ እዩ ክብል እደፍር::
እተን ዘተረፋ ብሔራት ኮነ መታሕታውያ ኣብ ልዕሊ ብሔረ ትግርኛ ከምዚ ዓይነት ጊጉይ መረዳእታ ንኽህልወን ግን ዝኾነ ካልእ ምኽንያትን ድርኺትን ኣይነበረን ክብል ኣይክእልን:: እተን ብትግባረ ናይቲ ዘይፍትሓዊ ኣዋጃት ዝያዳ ዝተጎድኣ ብሔራትን መታሕታውያንን፣ ምስ መንነትናን ምስ ዋንነትናን ናይ ምንባር መስልና ይተሓለውልና ብምባል ናይ ተቃውሞን ኢምቢታን ቃል ክስምዓ እንከለዋ፣ በቲ ዘይሓላፍነታዊ ዝኾነ መራሒ ስርዓት ኣስመራ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ጸለመን ዘለፋን መግለጺታት ኮነ ዝውሰድ ዝነበረ ኣረሜናዊ ስጉምትታት በቲ 80% ክፋል ተቅዋሙ ዝኾነ ደገፍ ምርካብን ከም ቅኑዕን ሓቀኛን ገርካ ምውሳድን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት እዩ::
ሕቶ ምስ መንነትካን ምስ ዋንነትካን ምንባር መሰረታዊ ሕቶ ህልውናን ቀጻልነትን ብሔራትን ጉጅለታትን እዩ ነይሩ:: ንሱ ድማ ጅሆባ ከም ጅሆባ፣ ኣስላም ከም ኣስላም፣ መታሕታውያን ከም መታሕታውያን፣ ኩናማ ከም ኩናማ፣ ሳሆ ከም ሳሆ፣ ዓፋር ከም ዓፋር፣ ብሊን ከም ብሊን ናይ ምንባርን ምምዕልን መሰል ኣሎናሞ፣ መንግስቲ ግን ነዚ መሰረታዊ መሰልዚ ይግህሰናሎ እዩ:: እንተኾነ ነዚ መሰረታዊ ሕቶዚ ዘልዓለ ኣማኒ ጅሆባ እንተኾነ ከም ዘይሃገራዊ፣ ኣማኒ ምስልምናን መታሕትን እንተኾነ ከም ጀሃድን ግብረሽበራውን፣ ኩናማ እንተኾነ ከም ከዳዕን መርገጺ ኣልቦን፣ እቶም ዝተረፉ ካልኦት እውን እንተኾኑ ብደዐ ብዝመልኦ ነናቶም ናይ ዘለፋ መግለጺታት የወሃቦም ነይሩ:: ከምቲ ‘ክበልዕዋ ንዝደለዩ ኣባ ጉምባሕሲ ዛግራ ይሰምይዋ’ ዝበሃል፣ ፕረሲደንቲ ኢሰያስ እውን ክቀትለካን ከቅትለካን ምስዝደሊ ኣቀዲሙ ኣብ ገርሀ ልቢ ተቀባልነትን ሓቅነትን ዝረክብ ናይ ገበነኛ፣ ጸረሓድነት ሃገር፣ ተጻብኦ ሃገራዊ ምዕባለ፣ ትሕተ ሃገራውነት ወዘተ ዝብሉ ኣስማት የጠምቀካ:: ካብቶም ገርሂ ልቢ ዝኾኑ መምለኽቱ ሞራልን ደገፍን ድሕሪ ምቕሳም ድማ ኣስዒቡ ይሃድነካ:: ሃለዋትካውን ይጠፍ:: እቲ ዝተረፈ ድማ ርዒዱ ይተርፍ:: ኣብ ክንዲ ንበዳሊ ዓገብ ምባል፣ ናይ ዘይሓላፍነታዊ ልሳን ህግዲፍ መጕሊሕን መባዝሕን ኰንካ ድዲሕሪ ኢሰያስ ንዝተበደሉን ውጹዓትን ወገናት ከም ከሓድቲ፣ ግብረ ሽበራውያን፣ ከደዓት ወዘተ ክትገልጽ ምፍታን ግን ነተን ካልኦት ብሔራት ካብ ብሔረ ትግርኛ እምነት ከምዘጕድላ ገይርወን::
ከም ሓደ ናይ ቀረባ ኣብነት ናይዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ሃገራውያን ዋዕላታትን ዝተዋህቦም መግለጺታትን ንውሰድ:: ብርግጽ ክልቲኡ ሃገራዊ ዋዕላታት ብዕላምኦም ክንመዝኖም እንተዀና ንሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ሃገር ኣወሃሂድካ፣ ንዝድለ ለውጢ ንምቅልጣፍ እዩ ነይሩ:: ኣብ ኣድማዕነት ናይ ክልቲኡ ዋዕላታት ተመርኲስና እንክንዛረብ ግን፣ ኣብ ምድላዋቱ ኮነ ኣብ ከይዱ ብዙሕ ጉድለታትን ኣበራትን ስለዝነበሮም፣ ሽትኦም ከም ዘይወቅዑ ፍሹላት ዋዕላታት ክግለጹ ይከኣል:: ኣብ ክንድኡ ግን ገና እቲ ዋዕላታት እንዳተኻየደ ቁጽሪ ክርስትያንን ኣስላምን፣ ቁጽሪ ከበሳውያንን መታሕታውያንን፣ ቁጽሪ ተወልድቲ ብሔረ ትግርኛን ካልኦት ብሔራትን ኣረጋጊጽካ ድሕሪ ምፍላጥ ተሳትፎ ብሔረትግርኛን ኣመንቲ ክርስትናን ውሒዱ ስለዝተራእየ ወይ ዓብላሊ ኮይኑ ስለዘይተረኽበ እዩ ይመስለኒ እቲ ዋዕላታት፣ ዋዕላታት ጨሓማትዝብል ስያምየ ተዋህቦም:: ናይ ሳዕቤቱ ሓላፍነት ናይ ዘይስምዖም ወገናት ሰንካም ኣበሃህላ! እዚ ድማ መቀጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ተበዲልና ንዝብሉን መሰሎም ንዝጠልቡን ኣካላት ዝወሃብ ናይ ትሕቲ ሃገራውነት መግለጺታት እዩ:: እዚ ኣጋጣሚዚ ነቲ ዋዕላታት ጨሓማትንዝብል ንጎኒ ገዲፍካ፣ ሚዛን ሓይሊ ሃይማኖታትናን ብሔራትና ኣብ ፖለቲካዊ መሳርዕና መን ኣበይ ከምዝርከብ ሓደ ጭቡጥ መርትዖ እዩ::
ንብሔራትን፣ መታሕታውያንን ንብሔረ ትግርኛን ከበሳውያንን ምስ ስርዓት ኢሰያስ ክውግንዎምን ኣብ ሊዕሊኦም እምነት ንኸጕድሉን ዘገደዶም እምበኣር እዚ እዩ ብወገነይ::
ብሔረ ትግርኛውን ከበሳዊ ወገንን እውን ብወገኑ ብኽልተ ብቁዕ ምኽንያታት በዞም ኣብ ልዕሊኡ ዝሕንሕኑ ዘለዉ ወገናት ሰጊኡ ኣብ ልዕሊኦም እምነት ኣጕዲሉ ይርከብ:: እቲ ሓደ ምኽንያት ብሔራውን ሃይማኖታዋን ውደባታት ደምበ ተቃውሞ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምድና እዘን ውድባትን እዩ:: ነዚ ነጥቢዚ ኣብ ዝቅጽል 4ይ ጽሑፈይ ኣስፊሐ ክገልጾ ክፍትን እየ:: ንሕጂ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!
መድሃኔ ሃብተዝጊ
(LLM)
ናይ ስደተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ምዕሩግ በዓል ተኻይዱ
Tuesday, 17 March 2015 11:52 Written by ሽማግለ በዓላት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ ክርስትያን ከሰላብዕለት 10 .03 2013 ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፈን ኣብ ቀጽሪ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዕውት መዛዘሚ ናይ 2014-2015 ዓመተ ትምህርት በዓልን መመረቕታ ናይቶም 12 ክፍሊ መበል 15 ዙርያን ድርብ በዓል ኣኻይደን። ኣብዚ በዓል እዚ ዕድመ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሃይማኖት ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ሓው እስታዝ ዑመር መሓመድ ኸሊፋ ኣማሓዳሪ ዘይማንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ከሰላ (ሞዲር ተርቢያ ዎ ታዕሊም ቀር ሕኩሚ ፊ ውላየት ከሰላ) ማሕበረ ኮማት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ህንዳውያን ወለዲ ተማሃሮን ተሳቲፎም።

መድረኽ ልኽዕ ሰዓት 2፣00 ድ.ቀ. ብመምርህ ወልድሂወት ቀለታ ተኸፊቱ። መምህር ወልድሂወት ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ሰላምታን ብምሃብ፣ ክሳብ ሰዓት 6፣00 ድ.ቀ ዘሎ መደባት ብኽልተ ቛንቛታት ማለት ትግርኛን ዓረበኛን ጌሮም ንመድረኽ ዝመርሑ ክልተ ተማሃሮ ኣረኪቡ። ኣለይቲ መድረኽ ነቲ ካብ ተማሃሮ ዝተዋጽኡ ኣባላት ክፍሊ ባህላዊ ጉዳያት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ብሽማግለ መማህራን ተመልሚሎም ዘዳለውዎ መልእኽቲ ሓዘል ተዋሶኦታትን መዛሙርን ደርፍያትን ዋዛ ምስ ቁም ነገርን ብቛንቛታት ትግርኛ ዓረበኛ ብትግሬ ብሌን ናራ ኩናማ እንግሊዘኛ ከምኡውን ብኣምሓሪኛን ናይ ሁኑድ ባህልታት ተቐሪቡ ከምዘሎ ብምግላጽ ተሳተፍቲ ሑጉሳት ኮይኖም ከምስዩ ብምትምናይ ፣ተቐሪቡ ዘሎ መደባት ክሳብ ዝዛዘም ብትዕግስቲ ክከታተሉ ተላቢዮም። መኽፈቲ ናይቲ በዓል ከኣ ብህጻናት ተማሃሮ ሰላም ሰላም ዘኣርእስታ መዝሙር ቀሪቦም።

ኩሉ እቲ ብተማሃሮ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ቁምነገር ሓዘል ትምህርቲ ዝህብ መደባት ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ዝነበረ ተዋስኦ ብትግርኛ ገለ ስድራቤታት ካብ መርዓ ደቂ ኣንስትዮ ደቆም ገንዘብ ዝጽበዮ ምህላዎም፣ ድሌቶም ንምምላእ ከኣ ንጓሎም ኣታሊሎም ኣብ ዘይተጸንዕ መውስቦ ይጸምድወን እሞ ደሓር ኣብ ተጣዒሶም ክመልሱዎ ዘይክእሉ ደረጃ ከምዝበጽሕ፣ እዚ ትምህርቲ ንኻልኦት ክኸውን ይላበው። ከምኡ’ውን ብእንግሊዘኛ ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ርእሲቲ ሽጋራ ዘትኽኽ ዘሎ ሰብ ኣስዕቦ ዝተፈላለየ ሕማማት ንኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣየር ስለ ዝብክል ብሕጊ ከምዘኽስስ ተንጸባርቕ ነይራ።ከምኡ’ውን ነዞም ኣብ ቦታ ስደት ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለው ህጻናት ካብ ባህልታት ናይ ሃገሮም ንኸይርሕቁ ዝዓለመ ዝተፈላለየ ካብ ባህልታትና ቀሪቡ። ኣብ መንጎ ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ናይ ተማሃሮ ከኣ ቃል መማህራን ፣ቃል ኣማሓዳሪ ዘይ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ከሰላ ፣ ቃል ኣማሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ኣባ ገብራይ ብኢደማርያም ተዋሂቡ።
ቃል መማህራን ብዓረበኛ ብመምህር ኣለም ዘርኣይ ብትግርኛ ከኣ ብመምህር ወልደየሱስ ሃብተ ቀሪቡ። ብትሕዝትኡ ብዙሕ ዘይፈለለ ኮይኑ እነሆ ነቲ ብትግርኛ ዝቐረበ ትሕዝቶ ነቕርብ።

ዝኸበርኩም ኣባ ገብራይ ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብየት ትምህርቲ ከሰላ፣ ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃይማኖት ዝኸበርኩም ዳይረክተራት; ዝኸበርኩም መማህራን ;ዝኸበርኩም ኣጋሽናን - ወለድን - ፍቁራት ተማሃሮ ደቅናን ; ዓመት ዓመት ነዛ ዕለት እዚኣ ንመናፍቅ ። እነሆ ከኣ እታ ብሃንቆውታ እንጸበያ ዝጸናሕና ዕለት ናይ 2014-2015 ዓመታዊ ትምህርቲ ምዕጻው ኣብየተ ትምህርቲ ካቶልካዊት ቤት ክርስትያን ከሰላ ብንጹር ኣዘራረባ መባእታ - ማእከላይን - ላዕላዋይን ተጠርኒፈን ኣብዛ ግርማ ዘሎም ሽልምቲ ጽላልና ተኣኪብና፣ ነቲ ኣስታት ናይ 10ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መማህራን ተማሃሮን ወሃብ ስራሕን ፍልጠት ንተማህራይ ንምሃብ ኣብ ዝተገበረ ናይ እንካን ሃባን ርብርብ ኩሎም ውጺኢት በብስራሖም ፍረ ጻማኦን ዝርእዩላ ዕለት ንርከብ። ኣብዚ ርብርብ እዚ ተዋሳእቲ በብደረጃኦም ይሰርዑ፣፣ መምህር ፣ ተማሃራይ ፣ ወለዲ ፣. ወሃብ ስራሕን ነዚ ዕማም እዚ ዘሰላሰሉ ማሕበር ሰብ ኢዩም።
ክቡራት ተኻፈልቲ፣-
ዘሎናዩ ዘመን - ዘመን ምዕባሌ ኢዩ። ዘሎናዩ ዘመን - ዘመን ተክኖሎጂ ኢዩ።ዘሎናዩ ዘመን ንኽትነብር ረቒቅ ሜላ ተጠቅምካ ናይ ትምህርቲ ፍልጠት ሒዝካ ናብራኻ ክትመርሕ ወይ ክትሰርዕ ዝሓተካ ዘሎ ዘመን ኢዩ። መምህር ካብ 5 (ሓሙሽተ ) ሰዓታት ዘይበዝሕ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓበሬት ዝህብ ኣካል እምበር እቲ ዝያዳ ናይ 19 ሰዓታት ክፍሊ ግዜ ሓላፍነት ተማሃራይ ኣብ ወለዲ ዝተመርከሰ ኢዩ ። ኩሎም ወለዲ ኣባላት ሽማገለ ናይ ቤት ትምህርቲ ኢዮም። ወላዲ ንምክትታል ደቆም ክሕግዝዎ ዝኽእል ነጥብታት …. መዓስ የጽንዕ . መዓስ ይድቅስ . መዓስ ይዘወር . ምስ መን ይዛወር . መዓስ ይኣቱ፣. መዓስ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድ፣ መዓስ ይምለስ . ግዜ ትምህርቲ ክንደይ ሰዓት ኢዩ፣ . እንታይ ተማሂሮ ፣. እንታይ ውጺኢት ኣብ ፈተነታትን መርመራን ረኺቡ …….. ዝኣመሰለ ኢዮም። ወለዲ እዚ ምክትላል እዚ ከዘውትሩ ኣለዎም። መንእሰይ መንእሰይ ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ እሞ “ቈልዓ ብኑኡሱ ቈርበት ብርሑሱ” ተሪር ምሰላ ኣቡታትና ተጠቅምና ኣብ ግብሪ ነውዕሎ “ ነዚ ዝተርጎመ ዕውት ኢዩ “። ግዜና ግዜ ሃውኪ ኮይኑ ኣሎ ፣ ሓንጎል ተማሃሮን ወለድን ከም ቈጸራ መርዓ ሸበድበድን ዓቅሊ ዝበትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ዕለታዊ ርሱን ዜና ኰይኑ ኣሎ ። እዚ ሃዋሁ እዚ ወይ እዚ ነውጺ እዚ ናይ ብሓቂ ኣቃልቦ ፍልጠት ደቅና ንድሕሪት ጐቲትዎ ኣሎ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቅና ኣይመስለነን። ነዚ ኣብ ገምጋም ኣእትና ድማ ቡሉጻት ተማሃሮ ንምጥራይ ዳርጋ ማህሚኑ ይርከብ ኣሎ። ነዚ ቅድሚ ሕጂ ዝምእረር (ዝእከብ ) ዝነበረ ናይ ተማሃሮና ዝነኣድ ዉጺኢት ዘመዝግቡ ዝነበሩ መማህራን ሕጂ እውን ኣሎዉ።
ኦ ወለዲ ተሪር ገዛ ኣብ ከውሒ ምስ ዝስረት ነባሪ ኢዩ።ንፉዕ ተማሃራይ ከኣ ንኡድ ምክትታል ምስ ዝህልዎ፣ ጻዕቂ ትምህርቲ ምስ ዝፈቱ ጥራሕ ኢዩ ዕውት ዝኸውን።ሕማቅ ተማሃራይ የሎን። በብዝንባሌኡ ኩሉ ንፉዕ ኢዩ። ሕማቅ ተማሃራይ ዝበሃል ብተፈጥሮ ናይ ኣእምሮ (ሓንጎል) ጭንቀት ምስ ዝህልዎ ጥራሕ ኢዩ። ኣብዚ ናይ 2014-2015 ዓመተ ትምህርቲ ኣብ መባእታ 247 ተማሃሮ ፣ኣብ ማእከላይ ደረጃ 207 ተማሃሮ፣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ከኣ 166 ተማሃሮ፣ብድምር 620 መዝገብ ተበጊስና። ኣብጉዕዞ ከኣ ገለ ስድራቤታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ስደት ስለዝኸዳ ኣብ መወዳእታ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተማሃሮ 565 ኢዮም። ናሳቶም ከኣ 297 ደቂ ተባዕትዮ 268 ደቂ ኣንስትዮ ኢዮም። እቶም ዕውታት ኮይኖም ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ዝተሰጋገሩ 88.3% እዮም። እቶም 10.7% ኣብቲ ዝነበርዎ ክፍሊ ደጊሞም ኣለው።
ኣብ መጻእታ ክብሉ ዝድሊ እንተሎ ነዚ ዕለት እዚ ብኸምዚ ብዝድንቅ ኣገባብ ከብሩ ንኽውዕል ዘዳለዉ ተዋሳእቲ መማህራንን ተማሃሮን ብልቢ የመጉስ ።
ስደተኛ ክመሃር ኣሎዎ ብምባል ነውሕን ኣድካምን ዝኾነ ንቤት ትምህርትና ምወላ እተበርክት ዘላ ማሕበር ካቡቺኒ ብሰመይን ብስም መማህራን የመጉስ ።
እቶም ካብ ድሮ ጀምርኩም ስራሕ ዳስን ብምቅራብ ልስሉስ መስተን ብተወሳኺ ኣብ መንጎ መማህራን ኰንኩም ዘርኣኹምዎ ድስፕልናዊ (ሰነስርዓት ) ምትሕግጋዝን ንወለዲ ፉሉይ ምስጋና የመጉስ ።ንክትቅጽልዎ እላቦ።
ነዚ መቃረንቲ ዘይብሉ ለይቲ ምስ መዓልቲ ተማሃሮ ፍልጠት ክቀስሙ ኣሎዎም ኢልካ ትሰርሕ ዘሎኻ መምህር ኣብ ምድሪ ብሰብ ኣብ ሰማይ ድማ ብኣምላኽ ንክትከብር የምንየልካ።
ድሮ ርብዒ ዘመን ዝኸውን ብንእስነትኩም ጀምርኩም ደኽመ ከይበልኩም ስደተኛ ክመሃር ኣሎዎ ኣብ ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ተመርኩስኩም ከም ወሃብ ስራሕን ጠቅላላ ኣማሕዳርን ኰንኩም ተዋሰኡ ዘሎኹም ሓው ኣባ ገብራይ ብ\ማርያም ፍሉይ ምስጋና የቅርበልኩም ። ይኣክል ስደት እትብል ቃል ክሳብ ትመጽእ ድማ ንክትቅጽልዎ እላቦ።
ኣብ መጨረሻ ቃለይ ነዚ ነጻ ምምሕዳርን - ምምሃርን ዕድል ዝሃበና ሓዉ መንግስቲ ሱዳን ብልቢ የመጉስ።
እቶም ናይዚ ዓመት እዚ 12 ክፍሊ ዝነበርኩም ኣብ ተቀሪኩሙሉ ዘሎኹም ናይ 12 ክፍሊ መዛዘሚ መርመራ ዓወት ይምንየልኩም ። ስምኩም ስም ቤት ትምህርትኹምን ሓፍ ንክተብሉ ድማ በርትዕኩም ክትሰርሑ የተባብዓኩም። ብምባል ቃሉ ዛዚሙ።
ብድሕሪ ናይ ናራ ባህሊ ብምቕራብ ፣ መድረኽ ነቶም 12 ክፍሊ ናይ ቤት ትምህርቶም ምስክር ወረቐት ምዕዳል ኮይኑ። ንዑ ንምዕዳል ከኣ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፣ሓው እስታዝ ዑመር መሓመድ ኸሊፋ ኣማሓዳሪ ዘይመንግስታዊ ኣብያተ ትምህርት ኣብ ዞባ ከሰላ። ዳይረክተራት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ኣብ መድረኽ ብሓባር ደይቦም።

መጀመርያ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ማለት ኣብ ስፖርቲ ባህሊ ናይ ሕርሻ ስራሕት ከም መራሕቲ ጉጅለታት ኮይኖ ብብቕዓት ከገልግሉ ዝወርሑ። ቀጺሎም ከኣ ነቶም 12 ክፍሊ ብምልኦም ምስክር ወረቐት ዓዲሎም። ቀጺሉ እስታዝ ዑመር መግለጺ ሂቡ። ንሱ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ዕውት ሰራሕ ዓመት መጸት ምሳኹም ኮይነ ንኸብዕል ሓጎስ ይስመዓኒ። ንሕና ሓንቲ ስድራ ኢና። እናተረዳዳእና ከኣ ንኾነ ሽግራት ክንፈትሖ ኢና። ከምቲ ትዝክርዎ ዓሚ ናይ ተማሃሮ 12 ክፍሊ መሳተፊ ዝነበረ ክፍሊት ካብ መጠን ንላዕሊ ከቢድ ስለዝነበረ ተጋይና ፍታሕ ረኪብናሉ። ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርትኩም ኣብ ዕልሚ (ሳይንስ) ጥራይ ዘተኮረ ነይሩ። ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ግን ብጻዕሪ ናይ ኣባ ገብራይን ናትናን ነቶም ብኣደቢ (ኣርት) ክቕጽሉ ዝደልዩ ተማሃሮ ክንከፍተሎም ኢና። ንሓደ ህጻን ኣብ ምእላይ ዝለዓለ እጃም ዘለዎም ስድራኡ እዮም። ብጽቡቕ ተርብያ (ኣተዓባብያ) ክህልዎ ወለዲ ደቕኩም ክትካታተሉ ትጥለቡ። ከምኡ ውን ተማሃሮ ዘረባ ወለድኹምን ምኽሪ መማህራንኩምን ክትሰምዑ ኣለኩም። ብፍላይ ከኣ እዞም ሕጂ ክንምርቐኩም ዝጸናሕና ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ተካይድዎ ናይ ሱዳን ሰርቲፊከይ መርመራ ዕውታት ኮንኩም ክትርከቡን። ኣብ ዩኒቨርስታት ናይ ሱዳን ትምህርትኩም ከቕጽሉ ትምኒተይ ደረት የብሉን። ድሮኻ ካባኻትዱም ክልተ ተማሃሮ ኣብ ዓለምለኻዊ መርመራ ተሳቲፎም ዕድል ናይ ምንሓ ድራስያ ( እስኮላር ሽፕ) ረኺቦም ኣለው።እዚ ድማ ነዚ ኣብያተ ትምህርትኹምን ንዓና ንሱዳናውያን ዘኹርዕ ኢዩ። ሰለዚ ኣጀኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና። ብምባል መልእኽቱ ዛዚሙ።
ቀጺሉ ድሕሪ ገለ መደባት ናይ ጉጅለ ባህሊ መድረኽ ንኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ተዋሂቡ። ንሶም ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ምውቕ ሰላምታ ብምሃብ፣ኣብዚ ክቡር ኣድራሻ ዳስና ነዛ ዕለት ናይ ደቅና ዉጺኢት ስራሕ ናይ 2014-2015 ምዕጻው ናይ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ኣብየተ ትምህርቲ ከሰላ ነቲ ምሉእ ዓመት ዘመዝገብዎ ፍረ ንምእካብ ዕድል ዝሃበና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ።
እዛ ዕለት እዝኣ ኣብ ታሪኽ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ኣገዳሲ ታሪኽ ኣሎዎ ፣ ንሳቶም ድማ ፣-ውሕዳት (ስምረት) ናይ ሰለስትኡ ኣብየት ትምህርቲ ተርኢ።ስምረት መማህራን ናይ ሰለስትኡ ኣብየት ትምህርቲ ተርኢ።ስምረት ወለዲ ብሓደ ተጠርኒፎም ብምምጻእ ድሌት ትምህርቲ ከም ዘሎዎም ተርኢ።

ኩልና ከምእንርድኦ እዚ ዘሎናዩ ዘመን ወዲ ሰብ ኣብ ዕምቈት ናይ ፍልጠት እናተባለሐተ ዝኸዶ ዘሎ እዋን ኢዩ። በዚ መነጻር እዚ ድማ ደቕና ነዚ ምህዞ እዚ ቀሲሞም ናይ ዝመጽእ ናብራኦም ክመርሑሉ ዝኽእሉ ዓቅሚ (ፍልጠት ) የድልዩም። ብምባል ዓቅምና ብዝፍቅድ ብዘይ ናይ ወገን፣ ሃገር፣ ቈርበት ኣፈላላይ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ነዚ ገዚፍ ዕማም ካብ ኣዚለ ጀሚራ ክሳብ 12 ክፍሊ ምስ ምምጻእ ስደት ጀሚራ ኣብያተ ትምህርቲ ከፊታ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ብዑቱብነት ተካየድ ኣላ። ከተካይድ እዉን እያ ።መርኣያ ናይዚ ውጺኢት ድማ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ዝተማሃሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ተዘርጊሖም ጥጡሕ ናብራ የሕልፍ ኣሎዎ።
ኣብዚ ክዝክሩ ዝሎዎም ነዚ ኣድካምን ዓቅልን ዝሓትት ስራሕ ንደቅና ዘቕስሙ ዘሎዉ መማህራን ናይ ሰለስቲኡ ኣብየተ ትምህርቲ ዓቢ ዝናን መጎስን ካብ ልቢ ዝነቀለ ምስጋናይ ክቅርበሎም እፈቱ። ሓድናታዊ ስምረቶም ቀንዲ መግለጺ ናይ ስራሖም ኢዩ። ነዚ ዝገልጽ ህያው ምስክር ድማ ሎሚ ዕለት ኩሎም ተጠርንፎም ምስ ወለድን ተማሃሮን ምስ ክቡራት ኣጋይሾም ብዘድንቕ ኣገባብ ከብራ ዘላ ዕለት መርኣያ ናይ ስምረቶም ዘርኢ ምስክርነት ኢዩ።
ዝከበርኩም ወለዲ ከምኡ’ውን ተማሃሮ ፣ ኩልና ኣብ ትምህርቲ ሓባራዊ ጥቅሚ ኣሎና ። ወለዲ ብምልኡ ሓላፍነት ኣብ ደቆም ዓወደ ትምህርቲ ተሓተቲ ምዃኖም እንተዘንጊዖም ታሪኽ ይሓቶም ። ስለዚ ምክትታል እቲ ቀንዲ ንተማሃራይ ዓወት ዘጐናድፍ ኢዩ።
ዘሎናዮ እዋን ዘናውጽ ግዜ ኢዩ። ኩሉ ሰብ ንሳልሳይ ስደት ዝኸደን ፣ ክኸይድ ኣብ መንገዲ ዘሎን ፣ ንክኸይድ ሃንቈውታ ዘሎዎን ኰይኑ ፣ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት መቅልና እንጐዓዞ ግዜ ብምዃን ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ናይ ሓንጉል ዘይቅሳነትን፣ ዘይምርግጋእን ይፈጥር ስለዘሎ ኣብ ዘሎናዮ ቦታ ንኣምላኽ ሰላምን ቅሳነትን ጥዕናን ክልግሰልማ ንለምን። ኩሉ ቦታ ቦታ ኣምላኽ ከምዚኾነ ፈልጥና ዕለታዊ ናብራና ከይተሸበርና ክንመርሕ ይግበኣና።
ብዛዕባ ውጺኢት (ፍረ) ስራሖም ናይ ተማሃሮ ብዝምልከት ከምቲ ኣብ ቃል ናይ መምህራን ዝተነበ ወይ ዝሰማዕናዩ ዋላ እኳ ትሑት መሕለፊ ነጥቢ ይኹን እንበር ዝሓለፉ ተማሃሮ ክብ ዝበለ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ካብቲ ዘሐጉስ ከኣ ካብዞም ናይ ሎሚ ዓመት 12 ክፍሊ ክመሃሩ ዝሓገዩ ፣ ኣብ ዓለምለኻዊ መፈተኒ መርመራታት ተሳቲፎም ጽቡቕ ነጥቢ ሰለዝረኸቡ ኣብ ክልተ ሃገራት እስኮላር ሽፕ ( መንሓ ድራስያ) ምርካቦም ኢዩ። ተማሃሪ ሄለን ተስፋማርያም መንግስቲ ሆላንድ ክትቕበላ ከላተማሃራይ ሄርሞን ወረደ ከኣ መንግስቲ ኣርማንያ ተቐቢላቶ ኣላ። ኣብ ዝኸድዎ ናይ ትምህርቲ ዓለም ዕውታት ኮይኖም ክርከቡ ኣምላኽ ክሕግዞም እምነየሎም።

እዚ ስእሊ ናይ 2014 – 2015 ዓመተ ትምህርቲ ናይ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ክብሉ ዝደሊ እንተሃሊዩ፣-ክሉኹም መማህራን ፣ ተማሃሮ ፣ ወለዲ እንቋዕ ኣምላኽ ናይ 2014-2015 ፍጻመ ትምህርቲ ኣብጻሓንኩም ፣ ብዘርኣኽምዎ ዝነኣድ ስራሕኩም የመጉሰኩም።ኩሉኹም ወለዲ ዕላማ ትምህርቲ ተረዲእኩሞን ኣሕድሪኩም ኣብ ምእላይ ድቕኹም ኣተኪሮ ንኽህልወኩም ይላቦ።ንሓዉ ምንግስቲ ሱዳን ንምምሃር ነጻ ዕድል ዝሃቡና የመጉሶም። ነዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብምሉእ ሕልናኦምን ጐልበቶምን ዝሕግዙና ዝነበሩ ነፍስ.ሄር ኣባ ማሪኖ በዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕለት ኣምላኽ ኣብ መንግስተ ሰማይ ከንብሮም ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ይላቦ። ከም ቀደምና ከኣ እቲ ስሩዕ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ግዚኡ ክንጅምሮ ምዃና እሕብር። ይቀንየለይ ብምባል ካብ መድረኽ ወሪዶም።
መድረኽ ሕጂውን 20 ደቒቕ ዝኣክል ንኣባላት ጉጅለ ባህሊ ተማሃሮ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ኢዩ። ኣድናቆት ዘትረፈ ባህላዊ ምርኢት ድሕሪ ምቕራብ ከኣ ሰዓት 6.00 ናይ ምሸት ምሳኸለ ኣብ ምዕዳል ብልጫታት ናይቶም ካብ ነፍስ ወከፍ ክፍሊ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ ንፍዓት 42 ተማሃሮ ፍሉይ ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐት ብኢድ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ብምዕዳል ናይቲ በዓል መዛዘሚ ኮይኑ።

እዚ ገለ ናይቲ ዝተኻየደ ናይ ተማሃሮ ንጥፈታት ዘርኢ ስእሊ ኢዩ። ሰላም ዎ ሰናይ ንኹልና!!!
ሽማግለ በዓላት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ ክርስትያን ከሰላ
ካብ ጋዜጣ ሽወደን ስቨንስካ ዳግ ብላደት ዕለት 17 መጋቢት ዝተተርጎመ።
GUNILLA VON HALL This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ትርጕም ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
እታ ሃገር ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋያ። እሱራት ዝቕጥቀጡላ: ዝሃድሙ ብዘይ ምሕረት ብተዂሲ ዝቕተሉላ: መንእሰያት በስገዳድ ዝሰርሑላ ተባሂላ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሙሽን መጽናዕቲ ጸብጻባት ትግለጽ ኣላ ኤርትራ። ኣብዚ ጸብጻብ ግን ጉዳይ ጋዘጠኛ ዳዊት ኢሳቕ የለን ይብል እዚ ሎሚ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ዝረክብ ኣቦ መንበር ናይዚ ኮሙሽን። ኣብ ወርሒ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ጉዳይ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽናዕ ዝዕላምኡ ዝቖመ ሽማገለዩ። ኤርትራ እታ ኣብ ዓለም ዝኸፈአ ስብኣዊ መሰላት ዝገሃሰላ ሃገርያ። ካብ 2001 ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዘጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩላ ዘሎ ሃገር። ሽማገለ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ንመጀምርያ ግዜ ኣብ ጀነቭ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ን 500 ዝኾኑ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝገበሮ መሕትት ውሽጣዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ነቲ ብዝተራቐቐ መንገዲ ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘርኢዩ።
ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ እቲ በስገዳድ ዝግበር ወታሃደራዊ ኣገልግሎትን ፍጹም ስእነት ገለጻ ርእይቶን ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ዘይሕጋዊ ዝግበር ማእሰርትንዩ። ኩሎም ካብ 17 ዓመት ንላዕሊ ዝርከቡ መንእሰያት ብኣስገዳድ ናብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ምእታዎም ምወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሂወይ ኣብኡ ይባኹኑ። ካብ 2 ዶላር ንታሕቲ ንመዓልቲ ተኸፊሎም ብዘይካቲ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ካልእ ስራሕ ይውዝዑ ይብል እዚ ነቲ ሽማገል ዝመርሕ ማርክ ስሚዝ ምስዚ ጋዜጣ ቃለ መሕትት ዝገበረ። ሓድሽ መልክዕ ዘለዎ ባርነትዩ። ትእዛዝ እተዘይኣኽቢሮም ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ተኣሲሮም ኣብ ገረብ ተንጠጢሎምዮም ዝቕጽዑ።
መሰል ርእይቶ ምግላጽ ባዶዩ። ሓንቲ ቅንጣብ ነቐፈታ ከተቕርብ ዕድል የለን። ሰለይቲ ኣብ ኩሉዮም ይብል ስሚዝ። እሱራት ፍጹም ገሃነብዩ ሂወቶም። ኣብ ገሊኡ እሱራት ዝሓዘ ኮንትይነር ኣብ ትሕቲ መሬት ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ኣብ ርሱን ዋዒ ጸሓይ ድሕሪ ምቕጥቃጥ ብእሱራቶም ይጽጥሑ። ብግምት 10000 ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣለው። ኣብ ኤርትራ ዝበዝሑ ኤርትራውያን መጻኢ ተስፋ የብሎምን። በዚ ምኽንያት ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ 4000 ሰባት ካብታ ሃገር ይስደዱ ይብል ስሚዝ። እዚ ናይ መጽናዕት ሽማገል ሎሚ ሰሉስ ኣብ ሽወደን ብምምጻእ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ቃለ መሕትት ክገብርዩ። ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ከጽንዑ ስለዘይተፍቕደሎም ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብውን ሸመንተ ሃገራት ብምኻድዮም መጽናዕቶም ዘካይዱ ዘለው። ኣብ ዝመጽእ ሰነ መጀምርያ ሰፊሕ ጸብጻቦም ከቕርቡዮም።
8 መጋቢት መጺኣ መዓልታ ጸብጺባ
ሃየ ንቀበላ ብዕልልታ ብጨብጨባ
ክብርቲ መዓልቲ ኢያ ዓወት ዝተረኽባ
መሰል ጓልኣንስተይቲ ክሕሎ ኣንቂሓ ወዲባ
ታሪኻዊት ዕለት ኢያ ንበላ መርሓባ
እንቋዕ ሓጎሰኪ አርትራዊት ኣደ
ዑዙዝ አዩ ሞያኺ አቲ ዝኸበደ
መኪትዮ ኩሉ ብሓባር በቢ ሓደ
ንድርብ ወጽዓኺ ሸፊኑ ዝጋረደ
ንሞያ ቃልስኺ ፍጹም ዝኸሓደ
ሃየ መክትዮ ከይመጽእ ዝገደደ
መፍትሒ ርኽብሉ ሱር ከይሰድደ
ኣሎኪ አዩ ተሞክሮ ዓቢ ግደ
ከይርሳዕ ኩሉ ታሪኽ ጉዑዞኺ
መስዋእቲ ከፊልኪ ሃገር ዝሰራሕኪ
መኣስ ተሪፍኪ ካብ ጎኒ ብጾትኪ
ሰጊርክዮ ኩሉ ባህርያዊ ጸገምኪ
ኤርትራ ትመስክር ኣሎ እንድዩ መቓብርኪ
ንሱ አዩ መንነትኪ መሰረት ሞቦቆልኪ
ንመሰልኪ ምቅላስ ሕጂ አውን ቀጽሊ በርትዒ
ኣሎና ኣብ ጎድንኺ ኣብ መትከልኪ ጽንዒ
ጽረግዮ ኩሉ ጭቆና ግፍዒ
ኣይተረኽበን ራህዋ ጽላል መጸግዒ
ክንደይ ግዜ ድኣ ክትሓዝኒ ክትነብዒ
ኤረ ክሳብ ክንደይ ኢኺ ከኩፉኡ ክትሰምዒ
ከይበርስ ሞቦቆልኪ ኣስተውዕልሉ
ባህልኺ ከይበርስ ጥንቃቐ ግበርሉ
ምክብባር ጠፌኡ አዚ ግዜ እንድዕሉ
ናትኪ ግደ አዩ ኮፍ ኢልኪ ዘትዩሉ
ይደልድል ሓድነትኪ ጻማ ክትረኽብሉ
ኣርሒቂ ጠምቲ ንቕሓት ወስኹሉ
ኣንቲ የዋህ ኣደ ወላዲት ኩሉ
ኩርኳሕ አያ ዓለም ንስኺ ዘይብሉ
ንጡሙይ ተዔንግሊ ሽግሩ ትፈትሕሉ
ንሓጎስ ተዕልሊ ንሑዙን ትበኽይሉ
ሰፊሕ አዩ ሞያኺ ቃላት ሲኢነሉ
ክቡር ህያብ አዩ ዘይርከብ ብቐሊሉ
እወ ንስኺ ወላድት ጀጋኑ
ንዓለም ዝፈረኺ በቢ አዋኑ
መብራህቲ ገዛ ንኹሉ ዘዕነኑ
ንስኺ ዘይብሉ ስድራ ይተርፍ ተበቲኑ ።
8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ
ንዘላኣለም ከቢራ ትንበር
ካብ ዘርኤ ትርፈ ስያትል