ሽግርና ምልኪጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎና፧ (ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

2015-04-04 16:27:09 Written by  መድሃኔ ሃብተዝጊ (LLM) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2642 times

ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ኣብ ዝሓለፉ 4 ክፋላት ጽሑፋተይ ካብ ውልቀ ትዕዝብተይን ተረድኦይን ተበጊሰ፣ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምልኪ ወይ ስርዓት ህግዲፍ ጥራሕ ዝተደረተ ከምዘይኮነ፣ እኳ ድኣ ብቀንደርእሱ ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን ከምዘሎ ኣብሪሀ:: ኣብ ባህርያት ስርዓት ኣስመራ መጺእካውን፣ ከምቲ ካልኦት ዝርድኦዎ ናይ ብሔረ ትግርኛን፣ ከበሳውያንን፣ ክርስትያንን ከምዘይኮነ፣ በንጻሩ ግን ስርዓት ህግዲፍ ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ዞባ፣ ወዘተ ዘይፈልጥን ዘይብሉን፣ ሓደ ኣረሜናዊ ስርዓት ከምዝኾነ፣ ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ መታሕታውን መለለይታት ዘለወን ፖለቲካውያን ናይ ተቃውሞ ውድባትን ማሕበራትን ንምህላው ዘገደደ ኩነታት እውን ብስርዓት ኢሰያስ ኣሉታዊ መልሲ ዝረኸበ መሰረታዊ ሕቶ፣ ሕቶ ምስ መንነትካን፣ ዋንነትካን፣ መለለዪታትካን ምንባር ከምዝኾነ፣ እንተኾነ ንብሔረ ትግርኛን ከበሳዊ ተቀማጣይን ምስ ስርዓት ህግዲፍ ወጊንካ ምርኣይ ግጉይ ተረድኦን ዝዓበየ ክፋል ጸገምናን ከም ዝኾነውን ተንቲነ ነይረ:: ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ብዝምልከት እውን ንፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ፈኸራ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝሰነየ ዝመስል ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ዞባውን ኣወዳድባ ደምበ ተቃውሞን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመጽዋትነቱ፣ ኣንጻር ዕላምኡን ኣንጻር ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራን ዝኾነ ንናይ ምጉጅጃል መስርሕ ክሳብ ናይ ምንጻል ርእሰ ውሳኔ ከም ዲሞክራስያዊ መሰል ተቀቢሉ፣ ኣፍልጦ ዝሃበ ኤርትራዊ ዋዕላታት ኣብ ኢትዮጵያን፣ ውጺኢቱ ዝኾነ ንምንባርዉ ውን ጥዕና ዝጎደሎ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ልውጥኝ ብሓፈሽኡ ንስግኣት ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ኣብ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ኢሰያስ ኣዝዩ ከምዘበረኾ፣ ንብሔረ ትግርኛን ንከበሳዊ ዘርእን ድማ ኣመና ከም ዘሰምበዶ::

እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ብግዲኡ ብሓደ ወገን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ሲኢኑ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ልኡም ኮይኑ ከምዝተርፍ ከምዝገበሮ: ንገሊኡ ለውጢ ከምጽእ እንዳተቃለሰ ምርድዳእ ስኢኑ ኣብ ዓሰርተታት ተጎጃጂሉ ካብ ሰጓምን ተዓዋትን ቃልሲ፣ ፈራይን ነባርን ቃልሲ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ከምዝገበሮ፣ ገለውን ምስዚ ተስፋ ዘይህብ ደምበ ተቃውሞ ተወጊኑ፣ ነቲ ስርዓት ህግዲፍ ዝምጥዎ መጠበሪ ዝኾነ ናይ ዕለቱ ሓለፋታት ከየምልጦ ኢሉ፣ ናይቲ መላኺኡ ዝኾነ ስርዓት ጎኒ ንኽሕዝ ከምዝገደዶ፣ ነቲ ገባትን መላኽን ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ድማ ኣብ ስልጣን ከም ዝነብር ገይርዎ ከም ዘሎ ሓቢረ ነይረ::

ዓበይቲ ካድራትን ኣመትቲ ውጽኢት ህልው ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ብዘለዎም ርኢቶ ኣብ ክልተ ይጉጀሉ: ገሊኦም ስርዓት ኢሰያስ ጥራሕ ይልገሰልና: ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ይርኢ: እንተገደደ ድማ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ኣይክኸፍኦን እዩ ይብሉ:: ገሊኦም ድማ ፍልልያትና ከየጸበብና፣ ንናይ ጽባሕ ኩነታት ንምቁጽጻር ዘብቅዕ ኩልንትነኣዊ ምድላው ከይገበርና ውድቀት ስርዓት ኢሰያስ እንተ ኣጋጢሙ ኩነታት ዝበኣሰ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ:: ወነንቲ ናይዚ ዳሕረዋይ ሪኢቶ ምስ ርኢቶ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝመሳሰል ርኢቶ ኣለዎም:: ማለት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታትንን ዘቁሰለን ዘይምትእምማንን ዘይምርድዳእን ሰፊኑ ካብ ሃለወ፣ ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝበኣሰት ክትከውን ትኽኢል እያ ዝብል ስኽፍታ ኣለዎም:: ደራሲ ናይዚ ጽሑፍ እዝውን እንተኾነ ካብዚ ዳሕረዋይ ርኢቶ ዝፍለ የብሉን:: ከመይሲ ብቀረባ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን እንተጠመትና ብብሔር፣ ብዓሌት፣ ብዞባ፣ ብእንዳ፣ ብሃይማኖት ወዘተ ተወዳዲቦም ነንሕድሕዶም ዝፋለሱ ኣህዛብ ከምዘለዉ መዓልታዊ ንዕዘብ ኣሎና:: መጀመሪኡ ከምዚ ናትና ወይ እውን ካብዚ ናትና ዝነኣሰ ጉዳያት ነይሩ ክኸውን ይኽእል:: ኣብ ምጅማሩ ግቡእ ምእላይ ዘይረኸበ ሃገራዊ ጉዳያት ካብ ሰረት/እያድ ናብ ባርዕ ተቀዪሩ መዓልታዊ ህይወት ኣሽሓት ንጹሓት ዜጋታት ክቀዝፍ ይርከብ ኣሎ:: ህልው ኩነታት ደምበ ተቃውሞ ከምዚ ከየስዕበሉ ዝሰግአ ሓያል ክፋል ህዝብና ድማ ኣይ ምስ ስርዓት ኣይምስ መንኮርኮር ለውጢ እየ ዝበለ ደምበ ተቃውሞ ከይተወገነ ስቑታ መረጸ::

እቲ ሕቶ እምበኣር ንህዝብና ከመይ ገርና ካም ምልኪ ስርዓት ህግዲፍ ነናግፎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ከመይ ገርናውን ካብ ናይ ጽባሕ ስኽፍታኡ ነውጽኣዮ እውን እዩ:: እዚ ሃዋህው እዚ ደምበ ተቃውሞ ንሕሉፍን ህልውን ታሪኹን ኣቃውማኡን ግምገማ ብምግባር መሰረታዊ ጽገና (essential reformation) ክገብር ይጠልቦ ኣሎ:: ብወገነይ ስዒቡ ንዝጥለብ ዘሎ መሰረታዊ ጽገና ንምርግጋጽ እዞም ስዒቦም ዘለዉ ነጥብታት ክውሰዱ ካብ ዘለዎም ስጉምትታት ገለ እዮም.

  1. ግቡእ ተረድኦ ባህግን ድሌትን ህዝብና፣ ሓንትን እንኮን ድሌት መላእ ህዝቢ ኤርትራን ነፍሲ ወከፍ ብሔርን ብሔር ብሔራዊ መንነቱን፣ ዋንነቱን፣ መለለዪኡን ዓቂቡ ምስ ዝተረፉ ካልኦት ብሔራት ብስኒትን ምክብባርን ዝነበረላ ሓድነታን ልዑላውነታን ዘረጋገጸት ኤርትራ ምውናን እዩ:: እዚ ማለት ብሓደ ሸነኽ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ብሔራዊ መንነቱ ኣሕሊፉ ዝህብ ህዝብን ብሔራትን ኣይኮነን:: ብኻልእ ሸነኽ ድማ ብዋጋ ሃገራውን ህዝባውን ሓድነቱ ብሔራዊ መሰላቱ ከረጋግጽ ዝህንጠ ናይ ንዓይ ይጥዓመኒ (egoistic) ባህርያት ዘለዎ ህዝቢ ኣይኮነን:: ስለዚ ንብሔርና፣ ሃይማኖትና፣ ዞባና፣ ጥራሕ ዝውክል ፖለቲካዊ ኣወዳድማ ምስ ህዝብና ኣይሰርሕን እዩ::
  1. ግቡእ ተረድኦ ባህርያትን ኣካይዳን ስርዓት ህግደፍ፣ ንስርዓት ኣስመራ ከም ናይ ከበሳ፣ ብሔረ ትግርኛ፣ ሓማሴን፣ ክርስትያን ገርካ ምውሳደን ምርዳእን ዓቢ ጌጋ እዩ:: ውጺእቱ ውን ንሎሚ ዘይምትእምማን ንጽባሕ ድማ ቂመ በቐል ምዝራእ እዩ:: ክሳብ ዕለተ ሎሚ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ኢሰያስ መጋበርያ ዝኾኑ ውልቀሰባት ንጎኒ ገዲፍካ እንትርፊ ማዕረ ግፍዕን ወጽዓን ብዝኾነ ምኽንያት ሓለፋን ጉነዖን ዝረኽበ ዞባ፣ ብሔር ኮነ ሃይማኖት ኮታ የልቦን:: ስርዓት ኢሰያስ ንኹሊ ፖለቲካውን ባህላውን መሰላት ህዝብን ብሔራትን ብ ሃገራዊ ባህሊ ተኪኡ፣ ንኹሉ ቁጠባዊ ጸጋታት ገቢቱ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝደሊ ስርዓት እዩ:: ነዚ ዕላማዚ ንምትግባር መጋበሪ ዝኾነ ጥራሕ እዩ ድማ ናቱ:: ማንም ብሔር ግን ፍቃደኛ ኣይኮነን ነዚ ዕላማዚ::
  1. ናይ ዝኾነ ብሔርን፣ ዞባን፣ ሃይማኖትን ሽግር ኮነ ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕቶ ከም ሃገራዊ ሽግር ድኣምበር ከም ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ኣካልን ዞባን ጥራሕ ከረአ ከምዘይብሉ: ብትሕተ ሃገራውነት ዝልለን ዝግለጽን ኣወዳድባን ቅርጻን ክህልወና ካብ ዝገደዱ ኩነታት ቀንዲ እዚ ጸገምዚ እዩ:: ንሽግራት ሃይማኖታትን እምነታትን ከም እኒ ጅሆባ፣ ምስልምና፣ ሓደስቲ ምንቅስቃሳት ክርስትና፣ ከም ኡውን ተወጺዕና ወይ ዝያዳ ተገፊዕና ናይ ዝብሉ ብሔራትን ክፋላትን ሕቶ ኣብ ክንዲ ከም ሃገራውያን ጸገማት ገርካ ምርኣይን፣ ሃገራውን ሓባራውን ፍታሕ ክትረኽበሎም ምፍታንን፣ ንነፍሲ ወከፍ ውጹዕ ክፋል ዝውክል ዝተጎዛዘየ ኣቃውማ ኣቊምካ፣ ብሔራዊ ጽገም ብብሔራዊ ውደባ፣ ሃይማኖታዊ ጸገም ብሃይማኖታዊ ውደባ፣ ከባቢያዊ ጸገም ድማ ብከባብያዊ ጸገም ከም ዝፍታሕ ኣሚንካ ንዑኡ ዝውክል ኣሰላልፋ ምትእትታው ኣዝዩ ሃስዩና:: ካብ ሕሉፍ ጌጋን ዘስዓቦ ኣሉታን ተማሂርና ክንእረመሉ ከምዘሎና ድማ ግዜን ኩነታትን ይጠልበናሎ:: እምበኣር ድሕነት ህዝብና ዝቀላጠፈሉ ዓወት ቃልስና ዝረጋገጸሉ ብኩልንትነኣዊ ሃገራዊ ኣረኣእያ ብዘለዎም ኣብ ሓድነትን ሃገራውነትን ዝተደኮነ ውደባን ኣሰላልፋን ብዘለዎም ማሕበራት እምበር ኣካላውን መንፈሳውን ውህደት ብዘይብሎም ኣብ ትሕቲ ምሕዝነት፣ ኪዳን፣ ሃገራዊ ባይቶ፣ ወዘተ ዝብሉ ጽላላት ዘጽለሉን ዝተሻረኹን ውድባትን ማሕበራትን ኣይኮነን:: ስለዚ ፈቲና ጸሊእና ዘዕውተናን ዘዋጽኣናን ሎሚ ኣብ ግዜ ቃልሲ ጽባሕ ድማ ኣብ ግዜ ዓወት ንነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታውን፣ ብሔራውን፣ ከባብያውን ሕቶን ጸገምን ከም ሃገራውን ሓባራውን ጸገም ተሸኪሙ ሃገራውን ሓባራውን ፍታሕ ንምርካብ ሓላፍነት ዝወስድ ንኹሉ ዝውክል ሃገራዊ ኣወዳዳ ከምዝኾነስ ናተይ ማዕዳ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ እዩ::

ካብዚ ዓዲ ውዒል ገሩና ዘሎ ሕሉፍ ጌጋታትና ተኣሪምና፣ ቅኑዕ ተረድኦን ኣብ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝተደኮነ ሃገራዊ መልክዕ ዝሓዘ ኣሰላልፋ ወኒና ንዓወትን ዲምክርስያዊ ለውጥን ክንበቅዕ ግን ናይ መን ታራ እዩ፧ በርግጽ መልሱ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ:: ግን ንእመት እውን ስድሪ ኣላታ ከም ዝበሃል፣ ኩሉ ዜጋ ማዕረ ሓላፍነት ሃልይዎ፣ ምሁራውን ዓቅማውን ብቕዓት ዝወነኑ ዜጋታት ግን ኣብዚ ጉዳይዚ ዝያዳ ሓላፍነት ኣለዎም::

  1. እጃም ኤርትራዊ ምሁራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምምጻእ ዲሞክራስያዊ ልውጥን ምርግጋጽ ሓድነት ህዝብን ሃገርን፣ ምሁር ክበሃል ከሎ ካብ ታራ/ዘይተማህረ/ ሰብ ዝፈልዮ ነገር እንተሎ እቲ ዝቀሰሞን ዝወንኖን ልዑል ኣፍልጦ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዝስከሞ ዝያዳ ሓላፍነት እውን እዩ:: ኣብ ምውጋድ ሃገራውን ከባብያውን ጽገማት፣ ኣብ ምርግጋጽ ፍትሕን ሰላም ኮነ ኣብ ምዕዋት ልምዓታውን ቁጠባውን መደባት ምሁር ካብ ዘይምሁር ዝያዳ ከበርክትን መርሕ ታራ ክጻወትን ትጽቢት ይንበረሉ:: ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ሃዋህው ቁልሕ ኣብ ትብለሉ ግዜ ግን፣ ብኽልተ ምኽንያታት ምናልባት ኤርትራዊ ምሁራዊ ማሕበረሰብ ንጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ብዝምልከት ምሁራዊ ሓላፍነት ኣብ ምውሳድ ዘንጊዑ ከይህሉ ትጠራጠር:: ክሳብ ሕጂ ዝተወሃሃደ ናይ ኤርትራዊ ምሁራዊ ማሕበረሰብ ግብራዊ ስጉምቲ( action) ጋና ኣይተወስደን:: ዝበዝሐ ክፋሉ ከምቲ ታራ ዜጋ ስቁታ ዝመረጸ፣ ገለ ክፋሉ ምስ ስርዓት ህግዲፍ ተወጊኑ ንዓዕናዊ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ክድግፍ ዝርከብ ኮይኑ ገለ ዝወሓደ ክፋሉ ድማ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣፋውን/መደረኣዊን ጽሑፋውን ቃልሲ ዝተደረተ እዩ:: ብሓደ ወገን እዚ ጸጋ ህዝብን ሃገርን ዝኾን ምሁራዊ ዓቅሚ ከምቲ ኣብ 2014 መንፈሳውያን ኣበው ዝወሰድዎ ግብራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ሰሚሩን ሓቢሩን እዚ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ናይ ምብትታንን ምጭኽኻንን ሃዋህው፣ ብቅጽበት ደው ክብልን፣ ህዝቢ ሰላምን እፎይታን ረኺቡ ትረጋጊኡ ንቡር ህይወት ዝመርሓሉ ሃዋህው ንኽፍጠር ድማ እንተ ዝጠልብ፣ ኣብ ሊዕሊ እቲ ዓንዳሪ ስርዓት ስግኣት መሕደረ፣ ንህዝቢውን ተስፋን መበራበርን መኾነ:: ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቃልብቦ ከምዝረክብ እውን ምገበረ ነይሩ:: ብኩራት ምሁራዊ ዓቅሚ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ግን በዚ ዝተሓጽረ ኣይኮነን:: ምሁር ኣካል ምሁራዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ እንተዝዋሳእ ነቲ ልውጢ ከምጽእ እንዳተመነየን እንዳጸዓረን ኣብ ፍልልያት ዝነብር ንዘሎን ደምበ ተቃውሞ እውን ምስ ኣተዓራቅን ጸጋንን ሓሳባትን እማመታትን እንተዝቀርብዎ፣ ደምበ ተቃውሞውን ክሳብ ሕጂ እንተዘይተዓወተውን መንገዲ ዓወት ሒዙ ክጐዓዝ መተረኽበ ነይሩ:: እዚውን ግን ኣይተረኽበን::
  1. ዓቅማዊ ክፋል ደምበ ተቃውሞ/ብናይ ዕድመ ጸጋ ምኽንያት ናይ ግብርን ክለሰሓሳብን ተመኩሮ ዝደለቡ ዜጋታት/ እንተኣይ እዩ እጃሙ፧ ብጀካ እዚ ድሒሩ ዝተቀልቀለ ዘይተጠርነፈን ግቡእ ቅርጻ ዘይሓዘን መንእሰያዊ ምንቅስቃሳት፣ ብበርገሳውን ፖለቲካውን ምሓበራት ዝፍለጥ ብ10ታት ዝቁጸር ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምንቅስቃሳትን ናይ ምሕዝነትን ሽርክነትን ጥርናፌታትን ኣሎ:: መርሕነታትን ባእታታትን ናይ ነፍሲ ወከፍ በርገሳዊ ኮነ ፖለቲካዊ ምሕበራትን ጥርናፌታትን ድማ ውጺኢት ናይ በቢእዋኑ ምጉጅጃላት እዮም:: ገሊኦም ብፍላይ ድማ ኣብ ዝዓበየ ናይ መርሕነት ጽፍሕታት ዝርከቡ ኣባላት ንፖለቲካ ኤርትራ ካብ ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣትሒዞም ዘሰንይዎ እንክኾኑ፣ ዝበዝሑድ ኣማ ንሰውራ ኤርትራ ቅድሚ ኲናት ሕድሕድ ዝተጸበርዎ እዮም:: እዚ ነገርዚ ፍልላያት ከብ እንታኣይን ብኸመይን ከምዝመጽእን ከምዝምዕብልን ንኽፈልጡ ኮነ ውጽእት ምፍልላይን ምጉጅጃልን ክሳብ ክንደይ ሃሳዪ ከምዝኾነ ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጡን ብግብሪ ዝረኣዩን እዮም::

ኮይኑ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንተቃለሳይ ድማ ብፍላይ ጋና በቲ ንሊዕሊ ፍርቂ ዘመን ተኸቲሎም ዘይተዓወቱሉ ናይ ምጉጅጃል ስልቲ ክመርሕዎን ከቃልስዎን ይርከቡ ኣለዎ:: እዞም ሰብ ዕድመን ሰብ ተመኩሮ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህልን ዝኾኑ መርሕነታት ፖለቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ካብ ሕሉፍ ጌጋታት ተማሂሮም፣ ኣብ ክንዲ ምሕዝነት፣ ኪዳን፣ ሃገራዊ ባይቶ ወዘተ እንዳበሉ ንነፍሶም ዘተዓሻሽዉን ንህዝቢ ዘድክሙን፣ ስልቲ ምጉጅጃል ቀይሮም ኣብ ግምባር ስምረትን ሓድነትን ክመጹ ትጽበዮም:: እዚውን ግን ጋና ኣይተረኽበን:: ኣብ ክንድኡ ወግሐ ጸብሐ ሓዲስ ምጉጅጃላት እንዳተፈጥረ ሓድነት ህዝብን ሃገረን ኣዝዩ ተቋሲሉ ይርከብ:: ንውጺእት መሰረት ኣልቦ ዝኾነ ምፍንጫል ሰውራና ኣብ ታሪኽ ብውግእ ሕድሕድን ኣብ ምድንጓይ ነጻነት ሃገርን ጥራይ ኣይንለክዓዮ:: ሎሚ ካብ ትማሊ ብዝገደደ መልክዑ ንመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ሓይልን ድርዕን ኮይኑ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ተስፋ ኣቍሪጾ፣ ካብ ሕድሕድ እውን እምነት ከምዘጉድል ገይርዎ ይርከብ:: ስለዚ ኩሎም እዋናውያን ሃንደስቲ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ዓሚቍ ሃገራዊ ዘተ ተጸሚዶም ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ድማ ብሓላፍነት ዝምልስ ግምባር ኣብ ምቛም ወሳኒ ታራ ክጻወቱ ትጽቢት ይንበረሎም ኣሎ::    

መድሃኔ ሃብተዝጊ

(LLM)

Last modified on Saturday, 04 April 2015 18:29