ልኡላውነት ካበይ ናበይ

2015-04-04 19:08:54 Written by  ብድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3232 times

ሓንቲ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ብመሰረቱ ኣብ ትሕቲ ምሉእን ዝለዓለ ሓላፍነት ናይ ህዝባ ኢያ ትኸውን። ምእንቲ ሃገር ኢሉ ደሙ ዘፍሰሰ ኩሉ ብዘይ ኣድልዎ ዓሌት፡ ሃይማኖት ኣውራጃ ወይ ብሄር፡ ውልቀመላኺ፡ ዲሞክራሲያዊ ..ወዘተ፡ ዋና እዛ ሃገር ምዃኑ ድማ ዝከሓድ ኣይኮነን። ልኡላውነት ሃገርን ልኡላውነት ህዝብን ተባሂሉ ድማ ኣብ ክልተ ክምቀል እኳ እንተተኻእለ፡ ኣብ ነንሕዳሕዱ ግን ዝተኣሳሰረን ዝተወሳሰበን ኢዩ። ከመይሲ፡ ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይ ሃገር ክቐውም ኣይክእልን ኢዩ።

እዛ ከም ሃገር እትቐውም መንግስቲ ኣለዋ። እዚ መንግስቲ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝጥቀመሉ ሕጊ ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎ፡ እዚ ከኣ ‘’ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ መሬታዊ ልኡላውነት’’ ‘’Territorial sovereignty’’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ማለት ዋንነትን ንብረትን ናይ መሬት ወይ ግዝኣት ዝምልከት ኮይኑ፣ እቲ መንግስቲ ስልጣንን ምሕደራን ኣብ ልዕሊ እቲ መረት ክጥቅም ማለት ኢዩ።

ትርጉም ልኡላውነት ብምሰረቱ ዝለዓለ ሓላፍነት ወይ ህዝባዊ ስልጣን ኢዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ምስ ናጽነት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ብዓለም ለኻዊ ድማ ኣብ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ብዘይካ ስምምዕ ናይታ ደውላ ዝኾነ ይኹን ተጽዕና ክግበር የብሉን ማለት ኢዩ። እቲ ህዝባዊ ስልጣን ዝብል ከኣ እቲ ቅዋም ኢዩ ልዕሊ ኩሉ። ካብዚ ነቐሉ ድማ እቲ ልኡላውነት ህዝብን ልኡላውነት መሬት ወይ ሃገር ዝበሃል ዘይፈላለ ኣብ ነንሓድሕዱ ውስጠ-እስስር ዘለዎ ኢዩ። ስለዚ ሃገርዶ ትቕድም ወይ ህዝቢ ኢልና ክንዛረብ ከሎና ደርሆዶ እንቋቁሖ ኢዩ ክኸውን ነገሩ። እዚ ማለት ሓደ ብዘይካ እቲ ሓደ ህይወት የብሉን ስለዝኾነ፡ ልኡላውነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ፈጺሙ ነጻጺልካ ዝረአ ኣይኮነን።

ሓንቲ ሃገር ናጽነታ ተጐናጺፋ ልኡላውነታ ኣውሒሳ ክበሃል ከሎ፡ እቲ መሬት ምስ ኩሉ ዶባቱን ኩሉ እቲ ህዝብን፡ ባህሪያዊ ሃብትን እንተላይ ጎቦታቱን ስንጭሮታቱን ወሓይዙን፡ ቀቢላታቱን፡ እንዳታቱን ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ነዚ ንምምሕዳር ወይ ምምእካል ዝለዓለ ሓላፍነት ዘውስድ ድማ እቲ መንግስቲ ኢዩ። ኣመጻጽኣ እዚ መንግስቲ እዚ ኣብ ክልተ ክኽፈል ይከኣል። ንሱ ድማ ብኢደወነኑ ወይ እውን ብቃልሲ ኣቢሉ ነቲ ስልጣን እናጨበጦን እናመርሖን ክመጽእ ዝጸንሐን፡ ወይ እውን ብህዝባዊ መረጻ ኣቢሉ ካብቲ ህዝቢ ውክልና ዘወሰደ ክኸውን ይኽእል። እዚ ኮይኑ እቲ ግና እታ ሃገር ናይ መንግስቲ ዘይኮነትስ ናይ ኩሉ እቲ ዜጋ ኣባኣ ዝቕመጥን ዝተተኽለ መንግስትን ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ እታ ሃገር ናይ መንግስትን ናይ ህዝብን ተባሂላ ኣብ ክልተ ክትምቀል ኣይትኽእልን ኢያ። ምኽንያቱ ዋና እታ ሃገር እቲ ህዝብን ካብቲ ህዝቢ ዝወጸ ብኢደ ወነኑ ይኹን ብህዝቡ ዝተመርጸ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎን ኢዩ። ኣብዚ እቲ መንግስቲ ነታ ሃገር ክከላኸል ጊዴታ ኣለዎ፡ ይኹን እምበር ነታ ሃገር ክከላኸል እንተኾይኑ ህዝቢ ሒዙ ኢዩ ክከላኸል ዘለዎ። እቲ ህዝቢ እውን ንሃገሩ ክከላኸል ግዴታ ኣለዎ፡ ንሃገሩ ከከላኸል እንተኮይኑ ድማ መንግስቲ ሒዙ ኢዩ ንሃገሩ ዝከላኸል። ስለዚ እቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት ኢዩ ብዘየገድስ ኣብ ምክልኻል ሃገር ክመጽእ ክሎ ቅድሚት ዝስራዕ እቲ ሃገር እምበር እቲ መንግስቲ ኣይኮነን። እቲ ምክልኻል ከበሃል ከሎ እምበኣር ንምእንቲ ህላዌ እቲ መንግስቲ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ምእንቲ እቲ ሃገርን ህዝብን ዘሎ ልኡላውነት ንኸይገሃስ ኢዩ።

መዐቀኒ ሃገር ንምክለኻል እምበኣር እቲ ዘሎ ስርዓት መላኺ ዲዩ ወይ ዲሞክራሲያዊ ኢዩ ተባሂሉ ዝውሰን ኣይኮነን። ሃገርን መንግስትን ህዝብን እኳ ፈላሊኻ ክርአ ዘይብሉ እንተኾነ፡ እቲ ዶባት እታ ህዝቢ ዝቕመጠላ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዋንነት ናይ ህዝቢ ደኣ እምበር ዋንነት ናይ መንግስቲ ንበይኑ ኣይኮነትን። እቲ መንግስቲ ከማእክል ደኣ ኢዩ ስልጣኑ እምበር ውሕስነት ናይ ቀጻልነትን ዶባታ ሓልያ ናይ ምንባርን ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኢዩ እቲ መንግስቲ ድማ መላኺ ይኹን ዲሞክራሲያዊ ኣካል ናይቲ ህዝቢ ኢዩ።

ሎሚ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ስልጣን ናይ ሓደ ውልቀመላኺ ስርዓት ከምዘሎ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ይኹን እምበር እቲ ሃገር ብጓና ክውረር ከሎ እቲ ስርዓት መላኺ ኢዩ፣ ወይ እውን ንሱ ብዝበደሎ ተባሂሉ እቲ መሪት ክድፍር ዘይግበኦ ኢዩ። ናጽነት ህዝብን መሬትን ካብቲ ስርዓት ፈሊኻ ምጥማት ዝተሳእኖ ሰብ ግና፡ ሃገር ትጥፋእ ደይ እቲ ስርዓትሲ ዘጥፋኣ ዘሎ ኢልካ ናይ ይበተኹ ዝዓይነቱ መረረ ተደሪኽካ ሃገር ካብ ምክልኻል ሓሊፉ ኢድካ ኣጣምርካ ምርኣይ፣ እቶም ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ኩሎም ናይ ውልቀመላኺ ስርዓት ኣገልገልቲ ኢዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ሓደ መንግስቲ ውልቀ-መላኺ ይኹን ወይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብዝገብሮ ጉድለታት ወይ እውን ንዝተሰማማዓሉ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣህጉራዊ መቕጻዕቲ ዳኣ ኢዩ ዝብየነሉ እምበር ንልኡላውነት ( ናጽነት) እታ ሃገር ጥሒስካ ከከም ሓይሊኻ ክትደፍር ፈጺሙ ፍቑድ ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ ንኹሉ ስራሓት ብብቕዓት ክገጥሞ ክእለት ክህልዎ ይግባእ፣ ነዚ ዘየተግብር እንተኾይኑ ግደን ስልጣንን ናይ ህዝቢ ኢዩ ነዚ መንግስቲ ክቕይሮ። ከመይሲ ነቲ ስርዓት ንምልጋስ ዝምልከት ዋንነት ናይ ህዝቢ ደኣ እምበር ናይ ካልእ ወጻእተኛ ኢድ ምትእትታው ክኸውን ፈጺሙ ክፍቀድ ዝይግበኦ ኢዩ። ብዓይኒ ሓቂ እቲ ናይ ባድመን ናይ ዶብ ምሕንጻጽን ብኣህጉራዊ ብይን ተበይኑ ከሎ ንኸይትግበር ዝሕንግድ ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ምዃኑ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ከምኡ እውን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ሓደ ነቲ ሓደ ዝቃወም ሓይልታት የተባብዕን ይሕግዝን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት ዶብ ሓንቲ ሃገር ብኻልእ፡ እሞ በታ ነቲ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ደው ኣቢላ ዘላ ሃገር መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከላ ሕራይ ገበረት ዝብል ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዶባት ሃገረ ኤርትራ ጥሒሳ ኣብ ክልተ ቦታ ደብዳብ ኣካይዳ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፣ ገለ ካብ ኤርትራውያን ሕራይ ገበርዎ፡ ይበልዎ ደኣ፣ ዝበሉ ነይሮም። ኢሳያስ ዲዩ ተሃሪሙ? መን ኢዩ ተሃስዩ? እቲ ሓቂ ከይንዛረብ ክንብል ነቲ ዋጋ ዝኸፍልናሉን ነቲ ሃገራውነት ዝህስስ ሱቕ ኢልና ክንቅበሎ ኣይግባእን። ደሓርከ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ኢያ ኣብዚ ግዜ እዚ ነዚ መጥቃዕቲ ክትወስድ ተገዲዳ ክንምልስ ይግባእ። ካብ ስርዓት ኢሳያስ ብርግጽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህድድ ተግባራት ገይሩ ዲዩ ዝብል ሕቶ ኣይኮነን ኢዩ እቲ መልሱ። እቶም ደምሒት ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ኣዕቍቡ ንስርዓት ኢትዮጵያ ንምግምጣል የዳልዎም ስለዘሎ ኢዩ እንተኾይኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያስ ንተቓወምቲ ኤርትራዊ ሓይልታትሲ ኣዕቍባ ተዳልዎምዶ የላን ኢያ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኢሳያስ ተዳኺሙ ኢዩ ዝብል ሚዛን እናሃለዋ፣ ንዝተዳኸመ ሓይሊ ዶብ ጥሒስካ ደብዳብ ርትዓዊ ዲዩ? ጽባሕ ንግሆኸ እቲ ድኹም ነቲ ናይ ኣባይ ግድብ እንተጥቅዖኸ ከምቲ ክቡር ጠቕላይ ሚኒስተር ኣቶ ሃየማርያም ደሳኣለኝ ዝበልዎ’’ተጠቒዐ ዝብል ኣካል እንተዘይሃልዩ፡ ንሕና ክንብሎ እንኽእል ነገር የለን’’ እንተተባህለ ኢድ ሸናሒት ጸናሒትዶ ኣይከውንን? ደሓር ከኣ ንረብሓ ክልቲኡ ኣህዛብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዲዩ? ዝብሉ ሕቶታት ብልቦና ክስተብሃለሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። እንቲ ንሕና ኤርትራውያን ግና ነቲ ንሃገርና ዝሃሲ ብቕንዕናን ርትዓውን እንተገለጽና ህግዲፍ ኢዮም ከይንበሃል ክንብል ሓቂ ደፊናያ ንጎዓዝ ኣለና።

ስርዓት ኢሳያስ ብዝገብሮ ዘሎ ማንም ኤርትራዊ ሕጉስ ኣይኮነን። ነዚ ስርዓት'ዚ ናይ ምቕያር ድማ ናይ ኤርትራውያን ሓላፍነት ኢዩ። ጎረባብትና ክድግፉና እምበር ኣብ ክንዳና ኮይኖም ስርዓት ክቕይሩልና ቅቡል ኣይኮነን።

ስለዚ ነቲ ናይ ወጻኢ ኢድ ምትእትታው ሰለስተ ዓይነት ከምዘለዎ ምሁራት ክገልጽዎ ከለዉ ከምዚ ይብሉ።’’ ንሱ ድማ ሓደ ናይ ወጻኢ ኢድ ምትእትታው ብእወንታ ዝድግፉ ምእንቲ ናይ ቍጠባን ፖለቲካዊ ረብሓኦም ከም ናይ ዒራቕ ሊብያ ምእንቲ ነዳዲ ክብሉ ዝገብርዎ ምትእትታው። ካልኣይ ንቁጠባውን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁጽጽር ናይታ ሃገር ክኸስቡ ክብሉ ኣንጻር ምልኪ ተዓጢቖም ዝኣትዉዎ፡ ከም ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝግበር ዘሎ ኩነት። እቲ ሳልሳይ ድልዱል ተቓውሞ እንተልዩ ኣብ መጻኢ ረብሓኦም ዝተመርኮስ ክኸውን።’’ ስለዚ ናይ ኢድ ምትእትታው ንፍቶ ንጽላእ ከይዱ ከይዱ ጐበጣ ኢዩ። ብውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ምጽናት ፖሊሲ ንዘተግብር ስርዓት ንምልጋስ ዝውሰድ ስጕምታት ጥራሕ ኢዩ ሕጋውነት ዝህልዎ።

ስለዚ ሃገርን መንግስትን ህዝብን ፈላሊኻ ዝረኣየሉን ዘይረኣየሉን ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝተመርጸ እንተኾይኑ ህዝብን መንግስትን ሃገርን ሓደ ኢዮም ክትብል ትኽእል ኢኻ። ምኽንያቱ ሰለስቲኦም ሓደ ብዘይካ እቶም ክልተ ክነብር ኣይክእልን። እዚ ማለት እቲ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኮይኑ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም ወይ ዘርብሕ ክገብርን ከመሓድርን ፍቓድ ህዝቢ ኣማሊኡ ንዘሎ ቅልውላው እውን መገዲ ከትሕዝ ስለኾነ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኣዋን እዚ እታ ሃገር ክትውረር ከላ ወይ ዶባታ ክጠሓስ ከሎ ህዝቢ ምእንቲ ሃገሩን ምእንቲ ክብሩን ምእንቲ ህላዌ መንግስትን ክቃለስ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ከም ውልቀመላኺ ማለት ብህዝቢ ዘይተመርጸን ንሕጊ ዘይግዛእን ምስ ዝኸውን ግን እቲ ህዝቢ ምስቲ መረት ደኣ እምበር ምስቲ መንግስቲ ወይ ስርዓት ዝተኣሳስሮ ፈትሊ የልቦን። ስለዚ ወራር ክመጽእ ከሎ ምእንቲ ክብሪ ልኡላውነት ሃገሩን ንነፍሱን ክከላኸል እምበር ነቲ ስርዓት ኢሉ ከምዘይለዓል ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ብምኽንያት ኢሳያስ ዝገብሮ ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ካብ ዘሎ ግፍዕን ተደሪኽና ንልኡላውነት ሃገር ናይ ኢሳያስ ወይ ናይ ደምበ ተቓውምቲ ኢልና ኣብ ክልተ ክንመቅል ኣይከኣልን ኢዩ። ንስርዓት ኢሳያስ ሽሕ ግዜ ንጽላኣዮ ልኡልውነት ግን ክድፈር የብሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ሓንቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ልኡላውነት ውልቀመላኺ ኣብ እትህልወሉ ግዜ ምስ እትውረር፣ ብሰንኪ እቲ ክፉእ ተግባራት ናይቲ ስርዓት ልኡላውነት ክድፈር ቅኑዕ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ቃልሲ ኣንጻር እቲ ዝወርር ዘሎ ባዕዳዊ ክቐንዕ ከሎ ነቲ ስርዓት ከደልድል ኢሉ ከምዘይኮነ ርዱእ ክኸውን ይግባእ።

ብድራር መንታይ

Last modified on Saturday, 04 April 2015 21:10