ስደት ሕጂ’ውን መፍትሒ ኣይኮነን

2015-04-07 12:34:20 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2856 times

ሳዕቤናት ብኩራት ደሞክራኢያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ምብዛሑ፡ ሓደ ክልተ ኢልካ ዝዝርዘር ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ንህልውና ናይታ ክቡርን መሪርን መስዋእትነት ዝተኸፍላ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ጉዳም ተርእዮ እዩ። ብሰንኪ ደሞክራስያውነት በዂሩ ዲክታተርነት ምስዕራሩ፡ ኤርትራዊ ኩለመዳያውነት ኣብ ሕማቕ ዘይኮነስ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕን ኣስጋእን ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ እዩ። ካብ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ስእነት ሕክምና፡ ካብ ግዱድ ዕስክርና ክሳብ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ካብ ህልቂት ዓዲ ኣብየቶ ክሳብ መቕዘፍቲ ላምፐዱሳ፡ ካብ መስርዕ ንባኒ ክሳብ መስርዕ ንመጐዓዝያ፡ ካብ መሬት ምዝማት ክሳብ ምፍራስ ኣባይቲ ኣንዳበልካ፡ እንተዘርዚካዮ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነስ ዘዕብድ እዩ። ኩነታት ናይቲ ናብ ብርሰት ገጹ ዝምዕብል ዘሎ ስደት እንተወሲኽካሉ ድማ ክሳብ ክንደይ መጻኢ ህዝብናን ሃገርናን ጸልማት’ኳ ተዘይበልናዮ ድብዙዝ ምዃኑ ምርድኡ ዝእግም ኣይኮነን።

ጉዳይ ስደትን መጻኢ ዕድል ሃገርናን፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ንዓና ነቶም ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሰብኣዊ ማሕበራትን ኣዝዩ ኣሰካፍን ድቃስ ዝኸልእን ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ገሊኡስ ንሕና ምስቲ ዘስካሕክሕ ተረኽቦ ግዲ ተለማሚድና ካባና ንላዕሊ ዝሻቐሉ ዘይኤርትራዊ ወገናት ይረኣዩ እዮም። “ወዮ ናይ ጸላኢ ዕርድታት ብምጥሓስ ዝፍለጥ ዝነበረ ኤርትራዊ ትብዓትን ኒሕን ዶባት ጥሒስካ ናብ ስደት ብምውሓዝ እምበር ተደዊኑ” ዝብሉ ወገናት እውን ብዙሓት እዮም። ንሕና ግና ወይ ከምቲ “ መነባብሮይ እንተ ኢልካዮስ መቓብር እውን ይመውቕ” ዝብልዎ ግዲ ኮይኑ ነቲ ጸገም ናትና ኢልናዮ፡ እቲ ስደት ክንድቲ ክንስከፎ ዝግበኣና ዘሻቕለና ዘሎ ኣይመስለንን።

ቅድሚ ሕጂ ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸን እቶም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ እውን ከምዘይስሕትዎ፡ ስደት ናይ ተቓውሞ መግለጺ እምበር መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ወፍሪ ኣይኮነን። እቲ ንክትስደድ ጠንቂ ዝኾነካ ምኽንያት እንተዘይፈቲሕካዮ፡ ኣብቲ ዝተሰደድካዮ እውን ደድሕሬኻ እንዳኸደ እዩ ዘሰኩነካ። እዚ ሓቂ’ዚ እቶም ካብ ኤርትራ ኣሸሓት ማይላት ርሒቕም ተሰዲዶም ክነሶም ዘይረሃዎም ኤርትራውያን ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። እቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዓሪዱ ዘሎ ጉሒላ ጉጅለ እንተዝውገድ ግና እታ ንምድላያ ነዊሕን ዘይውሑስን ማይላት ንጐዓዘላ ዘለና “ራህዋ” ኣብ ኤርትራ ከካብ ገዛና ከይወጻእና እውን መረኸብናያ። እዚ ጠንቂ ስደትን ብርሰት ኮይኑ ዘሎ ብውሑዳት ጐሓላሉ ዝተደኰነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብቃልሲ ጥራይን ጥራይን እዩ ዝውገድ። ዓዲ ገዲፍካሉ ምኻድ ግና መሊሱ ከም ዘሻድኖ ባዕሉ በብግዜኡ ብኣዝዩ ጽዩፍ ቃላት ይገልጸልና ኣሎ። “ሓተላ” እትብል ቃል ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣይንረስዕ። እምበኣር እቶም ነዚ ዘርኢ መርገም ክቃለስዎ ዝግበኦም ብሓፈሻ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓትን ራህዋን ክኾኑ እንከለዉ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ግደ ግና ብፍላይ መሪሕ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ካብ ውድቀት እቲ ጉጅለ መሪሕ ተረባሕቲ እውን ንሕና ኢና።

ሎሚ ኣብ ፈቐዶ ኩርናዓት ዓለምና ኣደዳ ኩሉ ሳዕቤናት ስደት ኮይኖም ዘለዉ ኤርትራውያን እውን፡ እቲ ፍታሕ እዚ ኣብ ላዕሊ ትጠቒሱ ዘሎ ምዃኑ ኣይክሕድዎን እዮም። ምረት ስደት ዕረ ከም ዝጥዕም ኣስተማቒሮም ናብ መድረኽ ቃልሲ ዝምለሱ ኣዝዮም ውሑዳት ምህላዎም ድማ ናይዚ ምስክረነት እዩ። ብሓፈሻ ግና ነቲ ግንዛበኦም ኣብ ምትግባሩ ዘለዎም ትግሃት ኣዝዩ ትሑት እዩ። ነዚ ጉጅለ ከይቃለስዎ ኣጸጊሞሙና ዝብልዎም፡ ካብ ምንቃፍ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ጀሚርካ ብዙሓት እዮም። ካብቶም ከም ዕንቅፋት ዝዝርዝርዎም መብዛሕትኦም ዘይከሓዱ’ኳ እንተኾኑ፡ ተቓሊስካ ዘይዕረዩ ግና ኣይኮኑን። ምቅላስ ማለት ኣብ ዝተጸርገ መንገዲ ምምራሽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ምጽራግ መንገዲ ቃልሲ ዘጠቓልል እዩ። “ድሌትን ድልውነትን እንተልዩ፡ እቲ መንገዲ ኣሎ” ከም ዝበሃል።

ዝተወሰና ሃገራት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት በብዝጥዕመን ብምትንታን፡ ኤርትራውያን ብዘይካ ህርፋን ቁጠባዊ ረብሓ ክስደዱ ዘገድድ ፖለቲካዊ ጸገም ስለ ዘይብሎም፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ክብላ ይደናደና ኣለዋ። ኣብዚ ገለ ኣካላት መንግስቲ ደንማርክን ዓባይ ብሪጣንያን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ሕብረት ኤውሮጳ እውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ዘይሓሊ ገሃሲ ኩሉ ምሰላት ምዃኑ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖሙ ኣጻረይቲ ኣካላት ንዝሃብዎ ምስክርነት ጓስዩ፡ ጁባ ናይቲ ጉጅለ ክመልእ ይወጣወጥ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ነዚ ንህልዊ ኩነታት ክሒድካ ምስ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ናይ ምምጽዳቕ ተግባራት፡ ናብ’ዞም ዝጠቐስኩዎም ዘይኤርትራዊ ኣካላት ጥራይ ነላግቦ ኣይኮነን። ኣፍራሲ ግደ ናይቶም ኣብ ሃገርና ምንባር ስኢና ኢሎም ናይ ሃገራት ናይ ምንባር ውሕስነት ምስ ረኸቡ፡ ኣብ ኤምባስታት ናይቲ ጉጅለ ከይዶም ጉንብሕ ጥልዕ ዝብሉ ኣካላት ብጽሒት እውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እቲ ሓደ እንዳሃነጸ እቲ ሓደ ኣፍራሲ ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ማእከል ተጠቃሚ እቲ ጉጅለ ምዃኑ ከዓ ክንዝንገዖ ዝግበኣና ኣይኮነን። ሕማቕ ምስሊ ናይቶም ናይ ብሓቂ ስደተኛ መሲሉና ዝራህራናሎም፡ ምናልባት እውን ንብረትና ሸይጥና ህይወቶም ዘድሓና ወገናት ሕማቕ ኣብነት እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ዝሓለፍዎ መስርሕ ረሲዖም ሕንኮም ቀንጢጦም ኣብ ንግዲ ኣሓዋቶም ዝተዋፈሩ እውን ኣለዉ።

ከምቲ ዝተገልጸ ዓይኒ ማይ ስደት እንተዘይነጺፉ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ በደል መወዳእታ የብሉን። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ውጥም ቅልቅል ክብል ዝጸንሐ ኣብዚ እዋንዚ ግና በሪኹ ዝውረ ዘሎ ጉዳይ ምግዓዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ሓደ መርኣያ እዩ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክንዲ በቲ ንስደተኛታት ዝምልከት ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ተማእዚዙ ዘመሓድሮም ገንዘብ ከፊሉ ክጉሕፎም ዝወሰነ እዩ ዝመስል። እዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ክንደይ ሓሲሮም ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ። ምናልባት ድሕሪ ክንደይ መሰናኽል ናብ እስራኤል ምስ ኣተዉ ጸገሞም ዝተወደአ መሲልዎም ይነብር። ግና ኣይተወደአን። እንሆ ድማ ናብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ካልእ ናይ ስደት ዑደት ክጅመር።

ሩዋንዳ ብናተይ ግምት ኣይኮነንዶ ንናይ እንዳማታ ስደተኛታት፡ ካብ ዓዶም ብዝሓሸ ከተመሓድር፡ ክሳብዚ ቀረባ እዋን ብበበዓይነቱ ውግእ ሕድሕድ ትሕመስ ዝነበረትን ጌና ቁስላ ዘየሕወየትን እያ። ብደረጃ ቁጠባዊ ዕቤት እውን ንዜጋታታ ኣስሪሓስ፡ ናይ ካልእ ዜጋ ጉልበት ኣብ እትደልየሉ ደረጃ ዘይበጸሐት፡ ብመዳይ ዕቤት ንስሙ’ኳ ደሃያ ሰሚዕናያ ዘይንፈልጥ ህዝባ ምስ ተፈጥሮኣዊ ሃብቱ ጾሙ ዝሓድረላ ሃገር እያ። ምናልባት ኤርትራውያን ዝመብዛሕኦም ስደተኛታት ክትቅበል እትውስነሉ ዘላ ምኽንያት እውን ብዋጋ ስቅያቶም ካብ እስራኤል ዘይተኣደነ ሚልዮን ዶላራት ንምርካብ ይኸውን። ኩሉ ግዜ ናይ ግዜ ቅልውላው ነጋዶ ክህልዉ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ እነሆ በዓል ሩዋንዳን ዩጋንዳን፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ዝቐረቦ ናይ ጥፍኣት መኣዲ ተጠቀምቲ ክኾና ይደናደና ኣለዋ። ኤርትራውያን ድማ ኮንዶኾን ካብዚ ወጺእካ ራህዋ ይርከብ ኢሎም ካብ በዓል ሩዋንዳ ናብ ካልእ ከባቢ ጉዕዞ ምጅማሮም ኣይተርፍን ይኸውን። ሽዑ ዝኽፈል ህይወት ከዓ ክህልው እዩ።

ከምዚ ከጋጥም እንከሎ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ይብሉ ወለድና። ክንጥቕሰን’ኳ ናይ ግድን እንተኾነ ቀንዲ ናይቲ ጉዳይ ተሓተቲ፡ እስራኤል፡ ሩዋንዳ፡ ዩጋንዳ ደንማርክን ብሪታንያንን ጥራይ ኣይኮናን። ካብ’ቶም ቀዳሞትን ቀንድን ተሓተቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝለዓለ እጃም ዝወስድ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ኣብዚ ጉዳይ ብጽሒት ዘለዎም ኤርትራውያን’ውን ኣለው። ስደት ከም መሰረታዊ ፍታሕ ወሲድና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምቅላስ ዕሽሽ ዝበልና፡ ከነምስል ስደተኛ’የ ኢልና ምሒልና ጥሒልና፡ ምስክርነት’ውን ሓቲትና፡ ውሕስነት ምስ ረኸብና ናይ “ይቕረታ ቀጥዒ” መሊእና ናብ ጉጅለ ህግደፍ እንሰግድ ክብሪ ኤርትራዊ ስደተኛታት ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ንክፈኩስ ኣሉታዊ ኣስተዋጸኦ ከም ዘበርከትና ኣይንዘንግዕ። ኣይንዘንግዕ ጥራይ ዘይኮነስ ሕጂ እውን ናብ ልብና ንምምላስ ብዘለና ጸቢብ ዕድል ክንጥቀም ይግበኣና። ካብዚ ወጻኢ ግና መሬት ምስ ወገሐ ጣዕሳኡ ኣይክወጸልናን እዩ። ኩልና ኤርትራውያን ከዓ ነቲ ከም ዜጋታት ኣጸቢቕና እንፈልጦ ህግደፋዊ ግስሩጥ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ዘይኤርትራዊ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ጐዓጺጾም ክገልጽዎ እንከለዉ ብውሕዱ “ እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን” ዝብል ድምጽና ከነስምዕ ይግበኣና። ዜግነታዊ ሓላፍነትና እውን እዩ። “ጉጅለ ህግደፍ ከልምዕ ስለ ዝኽእል ንልምዓት ዝኸውን በጀት ይፈቐደሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ የመሓይሽ ኣሎ …. ወዘተ” ዝብል ምስ ክውንነት ኤርትራ ዘይከይድ ድምጽታት ክንሰምዕ እንከለና ብውሕዱ “ኣይፋሉን” ዝብል በሪኽ ድምጺ እንተዘይኣስሚዕና ታሪኽ’ውን ከም ዝሓተና ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ካልእ’ኳ ተዘይገብርናስ ካብ ርእስኻ ምውራድን ነንዝምልከቶም ኣካላት ኣውያትካ ምስማዕከ መን ይኸልኣና?

8 ማዝያ 2015

Last modified on Tuesday, 07 April 2015 14:35