ትንፋስ ናይ ምስኳዕ ሕሱር ፈተነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ቃልዕ ኣብ ውሻጠ ምሕባእ

2015-04-06 11:25:19 Written by  ሽማግለ ተቛወምቲ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3641 times

ዓመተ-ዓመት ሰሚናር መንእሰያት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዝተፈላለየዩ ከተማታት ኤውሮጳ ክካየድ ምጽንሑ ኩሉ ዝከታተሎ ዝጸንሐ መስደምም ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ዝገብርዎ ሰሚናራት ብደለይቲ ፍትሒ ክገጥሞም ዝጸንሐ ተቛውሞ ተዳሂሎም እንሆ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ፍራንክፎርት ክገብርዎ ዝመደቡ ሰሚናር ካብ'ዚ ተጻብኦታት'ዚ ክኽወሉ ግድነት ስለዝነበረ ካብ ቃልዕ ናብ ውሻጠ ክገብርዎ ተገዲዶም።

Giessen 1

ተሓቢኦሙሉ ዘለዉ ውሻጠ ፈትሽካ ንምርካቡ ቀሊል ኣይነበረን። እቶም ካብ ጎረባብቲ ክሳተፉ ዝመጹ ነጋዶ መንእሰያት ኣብ ማዕርፎ ባቡራት ፍራንክፎርት ምስኣተዉ ንዓታቶም መሲልካ ቦታ ሰሚናር ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ እውን እንተኾነ፡ ዝፈልጥዎ ስለዘይነበሮም ሓበሬታ ንምርካብ ዝከኣል ኣይነበረን። እቲ ምስጢር ተቐበልቲ ኣጋይሽ ጥራይ ኢዮም ዝፈልጥዎ። ንገያሻይ ብስልኪ ረኺቦም ቆሊቦሞ ኢዮ ዝኸዱ። በቲ ኮይኑ በዚ ካብ ቃልዕ ናብ ውሻጠ ምስግጋሩ ዓቢ ዓወት ናይ ደለይቲ ለውጢ ኢዩ ነይሩ። መ|ኽንያቱ ከኣ ኣብ ጥርሙዝ ዝኣተወ ቃንዴል ኣማስይኡ ምጥፍኡ ስለዘይተርፎ ።

Giessen 2

መስደምም ተረኽቦ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ኣውራጃ ሄሰን ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ከተማ ጊሰን እውን ካልእ ገጽ ናይ'ዚ ነይሩዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ባዕሉ ዝሰርሖ መጻወድያ እሱር ኮይኑ ማሕንቖ ክሳዱ ዝፍትሓሉ፡ ኣሎ ዝበሃል ፈተነ ካብ ምግባር ዓዲ ዊዒሉ ኣይፈልጥን። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝጥቀመሉ ዓመጽን ምትላልን ኣብ ካልእ ከገልግል ይኽእል'ዩ ብዝብል ዓሻ እምነት ተጎልቢቡ፡ ሎሚ ቅነ ብዕሱባቱ ኣቢሉ ሓደ መስሓቒ ድራማ ኣብ ምስራሕ ይርከብ ኣሎ። እዚ ድራማ'ዚ ናይ ብሽግለታ ጉዕዞ ካብ ሃገረ ሽወደን ንስዊዘርላንድ ኮይኑ መልእኽቱ ከኣ "ኤርትራ ናይ ሰላም ደሴት ኢያ"፡ "መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓዋርያ ኢዩ"፡ "ማዕቀብ ይለዓለልና" ዝብል መልእኽቲ ተሓንጊጡ፥ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤውሮጳ ኣብ ከተማ ጊሰን እውን ትማሊ ቀዳም ዕለት 04.04.2015 ንእግረመንገዱ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ከተማ ጊሰን ኣቤቱታ ከቕርብ መደብ ሰሪዑ ነይሩ ኢዩ።

Giessen 3

ደለይቲ ለውጢ ነዚ ድራማ'ዚ ጉልባቡ ንምቕላዕ ናይ ፖሊስ ፍቓድ ሓቲቶም ምድላዋቶም ገይሮም ጸኒሖም ኢዮም። ብፖሊስ ዝተዋህበ ቦታ ናይቶም ድራማ ዝሰርሑን፣ ንናይ ሓሶት ድራማ ንዝቃወሙን ብጸጥታዊ መኽንያት ንሓድሕዱ ናይ ሚእቲ ሜትሮ ርሕቀት ዘለዎ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኢዩ ተፈቒዱ ነይሩ። እቲ ዘገርም ተርእዮ እምበኣር ከንቲባ ከተማ ጊሰን ወ/ሮ ቫይገል ግራይሊሽ ብሰራሕቲ ድራማ ዝቐረበላ ኣቤቱታ ነጺጋ፡ ኣብቲ ተቓውሞ ከስምዕ መጺኡ ዝነበረ ደላይ ለውጢ ምስ ካልኣያ ዶክ. ክላውስ ግሮተር ቀዲማትና ቦታ ሒዛያ ጸኒሓ። ንምምሕዳር ከተማ ጊሰን በዚ ዝስራሕ ዘሎ ድራማ ንኸይደናገሩ ማስኬራ ገጾም ቀሊዕና ክንብልሎም ዝመደብናዮ መደብ፣ ባዕላቶም፡ ነቲ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝግበር ዘሎ ኣብ ኤርትራን ህዝባን በደላት ብሓፈሻ፡ ነዚ ናይ ሎሚ ቅነ ዝስራሕ ዘሎ ድራማ ከኣ ብፍላይ ልዕሊ'ቲ ብደለይቲ ለውጢ ክቐርብ ዝተመደበ መደረ ብምስምዖም፣ መደባትና ከይጀመርናዮ ከምዝተዓወተ ብምርኣይና ዝተሰመዓና ባህታ ወሰን ኣይነበሮን።

Giessen 4

መደባትና ብዝተፈላለየ መደረታትን ግጥምታትን ተሰንዩ፣ ናይ ሓበሬታ ጽሑፋትና ንሓለፍቲ መንገዲ ብምዕዳል፡ ንምምሕዳር ጊሰን ምዝገበሩልና ደገፍን ዝወሰድዎ ቅኑዕ መርገጽ ኣብ ልዕሊ ኣደናጋሪ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣመስጊና ብዓወት ዛዚምናዮ። እንቶ'ቶም ናይ ሓሶት ስንቂ ኣብ ብሽግለታ ጽዒኖም ንስዊዘርላንድ ዘምርሑ ዘለዉ ዕሱባት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ግን "ስንቅን ሓሶትን እናሓደረ ይፈኩስ" ከምዝበሃል ሕፍረት ተጎልቢቦም ተሓቢኦም ከምዝምለሱ ጥርጥር የብልናን።

Giessen 5

ዓወት ንቃልሲ ውጺዕ ህዝብና

ሽማግለ ተቛወምቲ ሓይልታት ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢን

Giessen 6

Last modified on Monday, 06 April 2015 13:31