መጸዋዕታ ንክቡራት ደቅናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ወጻኢ ትነብሩ መንእሰያት ኤርትራውያን

2015-04-05 09:37:46 Written by  ተቓወምቲ ሓይልታትን መንእሰያትን ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3403 times

ብምቕዳም ሰላምታና ነቕርበልኩም።

ኣስዒብና እዚ መልእኽቲ ኣብ ወጻኢ ትነብሩ ዘሎኹም ኤርትራውያን ክንብል ኰሎና ነቶም በዚ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ተታሊልኩምን ፤ተሓቢልኩምን ከም ሪሞት ኮንትሮል ተዘዊርኩም ኣብ ዘይትፈልጥዎ ቦታ ዓመታዊ ተዓጺኹም በቲ ግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግዲፍ ትማሃሩን ኣእምረኹም ትምረዙን ዘሎኹም መንእሰያት ምዃና ከነብርህ ንፈቱ።

መንእሰያት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ዝረኽብዎ ዘለዉ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ደሞዝ ብባርነት ብምትሓዝ፡ ባዕሉ ፈራዲ ባዕሉ ሓጋጊ፡ ብዘይ ምርጫ ልዕሊ 24 ዓመት ኣብ ስልጣን ዘሎ ምልካዊ/ገባቲ ፕረሲደንትን ጉጅለኡን፡ ህዝቢ ሓሪሱ ከይበልዕ መሬት ባዕሉ ዝወነነ፡ ህዝቢ ሰሪሑ ዝበልዓሉ ትካላት ዘይብሉ፡ ትምህርትን ሕክምናን ዘይብሉ ዝነብር ዘሎ ህዝቢን መንእሰይን ኢዩ። ካብዚ ሃለዋት ንምምላጥ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከምልጥ ንጐረባብቲ ሃገራት ክኸይድ እንተተረኺቡ ድማ በቶም ንሱ ዝመልመሎም ምሕረት ዘይብሎም ወተሃደራቱ ብጥይት ይርሸኑን ይጠፍኡን ኣለዉ። ካብዚ ሽግር ዝሓለፉ ድማ ብጉሒላታት ኤርትራውያን፤ ራሻይዳን በደዊን ግብጺን ጨካናት ሊብያን ወዘተን ….ተታሒዞም ኣሸሓት ዶላራት ክኸፍሉ ዝሕተቱ ዘለዉ ኢዮም። ነዚ እንተዘይከፊሎም ድማ ኰላሊቶም ብማሕረዲ ተወሲዱ ይሽየጥ። ስርዓት ህግዲፍ ካብዚ ስርሒት እዚ ሓራ ክወጽእ ዘይገብሮ ሓደ ጭብጢ ድማ እቲ ናይ ግዳያት መንእሰያት ተኣሲሮም ዝኸፍልዎ ገንዘብ ኣብ ኣስመራ ከም ዝኽፈል ምዃኑ ሓደ ምልክት ኢዩ። ብሓደ ሸነኽ ብሲናይን ግብጽን ሱዳንን ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ብሰሃራ ሊብያን ተሳጊሮም ክመጹ ዝሞቱን ዝጠፍኡን ማእለያ ዘይብሎም ክኸኑ ኰለዉ፡ ብሊብያውያን ዓመጽቲ ዝረኽብዎ መግረፍትን ግህሰት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብሓደ ወገን፤ ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ንኤውሮጳ ክመጹ ኣሸሓት ባሕሪ ከም ዝውሓጡን ዓለም ዝፈልጦ ኣስቃቒ ታሪኽ መንእሰያት ኤርትራ ኢዩ። እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኻሕዱ ብሃገራት ዓለም ዝተመስከረሎም ሰማእታት ላምፓዱዛ እኹል ምስክር መንእስያት ኣሕዋትኩም ኤርትራውያን ህልቂት ከም ዝዀነ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ዕንወት መንእሰያትን ህዝብን ሃገርን ከይኣኽሎ ድማ ህዝቢ ክበታተንን ምእንቲ ከይቀስንን ጨቐቕ ኢሉ ዝሰርሖ መንበሪ ገዝኡ ብግረደር ገይሩ ከፍርሶን ነዚ ዝተቓወሙ ድማ ኣደዳ ማእሰርትን ሞትን ተበጺሑ ከም ዘሎ እዋናዊ ግፍዒ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ይርኤ ኣሎ።

እቲ ዘሔፍርን ዘነውርን ንስኻትኩም ኣብ ዲሞክራስያዊን መሰልን ቅዋምን ትምህርትን ዘለዎ ሃገር ትነብሩን ትመሃሩን ዘሎኹም መንእሰያትን ኢኹም። ነዚ ክዉንን ርኡይን ነገራት ሰርዓት ህግዲፍ ኣብ ጐድኒ ውጹዓት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኰንኩም ንሽሪሒትን ተንኰልን ስርዓት ህግደፍ ክንዲ ምኽሻሕ፤ መስዋእቲ መንእስያት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩም ሕልፈት ህዝብኹምን ውድቀት ሃገርኩምን ክሒድኩም ትኸዱ ምህላውኩም ክትግንዘቡ ይግባእ። ሰራቒ ጸልማት ኢዩ መንገዱ ሰርዓት ህግደፍ ድማ ሰራቒ ምዃኑ ንዓኻትኩም ብሕቡእ ከም ንብረት ተሰኪሙ ኣብ ዝደለዮ ብገንዘብ ህዝብን ሃገርን ፈቐዶ ሆተልን መጓዓዝያን ተኻርዩ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ከም ዘለዎ ከምስል ብስም እገዳን ዶብን ኣሳቢቡ መርዛም ትምህርቲ ከስንቐኹምን ዓመት ዓመት ከታልለኩምን ኣንከሎ ክትፈልጥዎን ክትርድእዎን ኣይከኣልኩምን።

እቲ ዘሔጉስን ምሉእ ተስፋ ዝንበረሉን ዘሎ ኣብ ዓለምለኻዊ ዝነብር ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ቁጽሩ እንዳውሰኸን ሕድሕዱ እንዳተራዳርኤን ምስ ዓበይቲ ኣቦታቱን ኣያታቱን ኣብሻታቱን ተቓወምቲ ብምትሕብባር ብኣንጻርኩም ንዲክታተራዊ ስርዓት ኣውዲቑ ዲሞክራስያዊን ቅዋማዊትን ሓዳስ ኤርትራ ክተክል ቃል ዝኣተወ መንእሰይ ምህላዉ ክትርድኡ ነማሕጽነኩም። ብዝዀነ ዲክታተር ዕድሜኡ ነዊሕ ከምዘይኰነ፡ ብፍላይ ስርዓት ህግዲፍ ከም ቁንቁነ ብውሽጡ ማህሚኑን ዓንዩን ከም ዘሎ ርዱእ ኰይኑ ፤ ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ጉሒላ ስርዓት እዚ ትወጸሉ ሰዓት ነዊሕ ብዘይምዃኑ፤ ካብዛ ዕለት እዚኣ እንተዘይተቘጢብኩም ንስኻትኩምን እቶም ደድሕሪ እዚ ስርዓት እዚ ዝኸዱ ዘለዉ ኰራኩሩን ኣብታ ብደም ጀጋኑ ህዝባን ደቃን ትህነጽ ቤት ፍርዲ ብኸቢድ ገበን ተሓተቲ ኰንኩም ክትቀርቡ ምዃንኩም ኣይትዘንግዑ።  

ዕንወት ንዲክታተራዊ ስርዓት ኤርትራ                                                                                                  

ዓወት ንውጹዕ ሃዝቢ ኤርትራ

ተቓወምቲ ሓይልታትን መንእሰያትን ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ

Last modified on Sunday, 05 April 2015 11:47