ብድሕሪት ተኲሱ ዝወግእ እንግዳዓ
ኣድራጋ ዝሃረመ ካብ ብሻዓ፣
ካብ ፈለማ ኣደልዲሉ ድርዒ
ዝሕባኣሉ መጸግዒ።
ሓርበኛታት፡ ከቋሙቱ ቅድሚት
ወራር ጀመረ፡ ካብ ድሕሪት፣
እናጨመተ ንዝሃብረረ
ሃገር ኣልቢስዋ ናይ ሓዘን ቋረ።
ወራር፡ ገጽ`ዶ ኣልይዎ መልክዕ?
ዓመጽ እንዳኣሉ ደም ዘጉስዕ፣
ስሰዐ ዝማእከሉ ጨካን ወፍሪ
ኣረመኔ ባህሪ፡ ቀዛፊ፡ ዓምጣሪ።
ካብ ናይ ራዛ ፕሮጀክት- ዝሻሕከረ
ካብ ዳግመ-ወራር- ዝጠንከረ፣
ካብ ምክልኻል ናቕፋ- ዝሓለ
ካብ ሰላሕታ ወራር- ዝመረረ።
ሃገር ደመየት ብወሓዚ ስደት
ንማእሰርትን መቕተልትን ካብ ተፈርደት፣
ሕሱም ወራር`ሲ እዚ እንዳኣሉ
ሃገር ዝረማስስ ካብ ውሽጢ ነቒሉ።
ኣለዋ፡ ዓድታት ዳርጋ ዝጸነታ
እታ ጽብቕቲ ቤቶም ብውቅብታ፣
ራሕሪሖማ ከይዶም፡ ነፊጾም
ተስፋ-ኣልቦ ኮይንዎም ቀቢጾም።
ኣልቦ መዋጸኦ፡ ልኩት፡ ኩሕኖ
ንሓሳረ-መከራሞ እንታይ ክሳኣኖ!
ኣንቱም ሰባት! ሕሱም`ዩ እዚ ወረራ
ረኺብና ከንስእና ኤርትራ?
ጸጋይ ነጋሽ
03 03 2015
ቀዳማይ ክፋል
- እቲ በትረ ስልጣኑ ብምልኪ ዝፈለመ፣ ህዝቡን ህዝቢ ዓለምን ዝፈንፈኖን ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ዝተሓረሞን ስርዓት ህግዲፍ ከም ነባሪ እምባ ንሊዕሊ 24 ዓመታት ኣብ ስልጣኑ ይነብር ካብ ሃለወ፣
- እቲ ካብ ቅድሚ ነጻነት ሃገር ኣትሒዙ ለውጢ ከምጽእ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓይልታት፣ ድሕሪ ነጻነት እውን እንተኾነ ገለ ክፋል ሓይሊ ህዝቡውን ተወሲኽሉን ኣሰንይዎ እንከብቅዕ፣ ፈራይን ጸጋይን ዝኾነ ነባሪ ቃልሲ ካብ ምክያድ ሓሊፉ ናይ ዓወት ጩራውን ከምጽእ ካብ ዘይከኣለ፣
- ብሔራት ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ንኡሳን ብሔራት ድማ ብፍላይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ህግዲፍ ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ዜጋ፣ ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ብማዕረ ዝድህኽ፣ ንዝኾነ ጸግዒ ዘይህም ጨካን ስርዓት ምዃኑ እንዳፈለጣን እንዳገለጻን፣ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን ንብሔራዊ ህልውንአንን ንብሔራዊ መሰላተንን ግን ብመንገዲ ሃገራዊ ውደባን ሃገራዊ ቃልስን ዘይኮነስ ብመንገዲ ብሔራዊ ውደባን ብሔራዊ ቃልስን ምዃኑ ኣሚነን ንብሔራተን ዝውክል ካብ ሕድሕድ ዝተናጸለ ኣወዳድባ ካብ ኣተኣታተዋ፣
- እቶም ካብ ኢድ እዚ ንናይ መዋዕል ኣገልጋልነት/ባርነት ዝፈረዶም ጨካን ስርዓት ኣምሊጦም ኣብ ውሑስ ሃገራት ዝኣተዉ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን እንተኾኑ፣ ኣብቲ ፋልማይ ጸረ ምልካዊ ምንቅስቃሳቶም፣ ነቲ ዝጸንሐ ገዲም ቃልስን ገዳይም ተቃለስቲ ኣያታቶምን፣ እዚኣቶም ናይ ቲሕቲ ሃገራውነት ሕማም ዘለዎም እዮም እሞ ከይምርዙና ካብኣቶም ተፈሊና፣ ኣብ ትሕቲ ሃገራውነት ተጥርኒፍና መንእሰያዊ ምንቅስቃስ ከነካይድ ኢና ብማለት ዝተጎጀለ ምንቅስቃስ ጀሚሮም እንከብቅዑ፣ ሎሚ ንሳቶም እውን በቲ ዝጸንሐ ናይ ኣያታቶም ሕማም ተለኺፎም ነቲ ዝነበረ ፍልልያት ካብ ዝነበሮ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ካብ ኣዕረግዎ፣
- እቲ ዝበዝሐ ክፋል ምሁራውን ፈሊጣውን ዓቅሚ ዘለዎ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ከም ፍሉይ ውህብቶን ጸጋን ናይ ሓንቲ ሃገርን ህዝብን መጠን፣ ምሁራዊ ሓላፍነት ወሲዱ ንድሕነት ሃገርን ህዝቡን ሓርኮት ብምባልን፣ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ብምክያድን መርሕ ታራ ኣብ ክንዲ ዝጻወት ዝበዝሐ ክፋሉ ስቑታ ካብ መረጸ፣ ገለ ክፋሉ ድማ ኣብ ናይ ምጉጅጃል መሳርዕ ተሰሊፉ በቲ ጸላዊ ዓቅሙ ንዘሎን ዝጸነሐን ፍልልያት ኣብ ክንዲ ምጽባብ ከጋፍሖን ከባዝሖን ይርከብ ካብ ሃለወ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ነቲ ዘይምኽነየሉ ሃገርን ህዝብን ዘብርስ ዘሎ ምሕደራ ሰርዓት ህግዲፍ ከመኽንየሉን ክሕለቀሉን ይርከብ ካብ ሃለወ፣
- ነቲ ብብዝሒ ተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ኣብ 1997 ዝጸደቀ ዓንደ ሕጊ ሃገር/ National Constitution/ ኣብ ከይዲ ምንዳፉን፣ ኣብ ከርሰ ትሕዝቶኡን ርኡይ ኣበራት ንዝነበሮ ሰነድ፣ ስርዓት ህግዲፍ ንፖለቲካዊ መኽሰብን ንመናወራን ኢሉ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ኣልቦ ዝኾነ ቅዋም ወኒና ኣሎና ኣብ ዝበለሉ ህሞት ነዚ ናይ ጃህራ ኣዋጅ መጕሊሕን ደገፍን ዝኾኑ፣ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ነቲ ካብ ዕለተ ምእዋጁ ባዕሉ ዓፊኑ ንዝቀተሎ ዓንደ ሕጊ ሃገር፣ እዚ ዝሞተ ሰነድ እዩ፣ ህይወት ኣልቦ ሰነድ ስለዝኾነ ድማ ድጊም ብዛዕብኡ ክንዛረብ እውን የብልናን፣ ኣነ ድማ ብተኣዘዝተይን እሙናተይን ገይረ ካልእ ቅዋም ኣብ ምንዳፍ ይርከብ ኣሎኹ፣ ምስተዛዘመ ጥራሕ እዩ ድማ ንህዝቢ ዝንገር እንክብል ንህዝቢ ብብደዐ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ድማ ነዚ ኣዋጅ እዚ ከም ቅቡልን ምኽኑይን ብምግባር ንምልክን መላኽን ዝጣበቅን ዝሕለቅ ምሁራውን ፈሊጣውን ድምጺ ከበሳ ይስማዕ ካብ ሃለወ፣
- ኣንጻር ናይዚውን ነዚ ቅዋም እዚ ካብ መስርሕ ምንዳፉ ኣትሒዙ ጌጋ ከም ዝነበሮን፣ ውክልናን ተሳትፎን ናይ ህዝቢ ከምዘይነበሮን፣ ንመሰላት ህዝቢውን ዘየውሕስ ቅዋም ምንባሩ ብምግላጽ ነቲ ከፊላዊ ኣወንታውነቱውን ዝኽሕዱ፣ ምስዚ ኣተኣሳሲሮም እውን ህዝቢ መታሕትን፣ ህዝቢ ኣማኒ ምስልምናን ካብ ምምስራት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ኣትሒዙ ብህዝቢ ከበሳ ምስ ተበደለ እዩ፣ እሞኸኣ እቲ ትማሊ ህዝቢ ከበሳ ንኣንድነት እንዳኣድመጸ ንነጻነትን ዘድመጸን ሰውራ ዝመስረተን ህዝቢ ባርካ/መታሕት ኢሉ ዝማጎት ምሁራውን፣ ፈሊጣውን፣ መታሕታውን፣ እስላማውን ድምጺ እንዳተቀልቀለን እንዳጎልሐን ይምጽእ ካብ ሃለወ፣
ነገሩ፣ እዛ ብርኩታ ኣብ ውሽጣ ገለ ኣላታ ስለዝመስል፣ እዚ ኣብ ላዕሊ ርእሰ ዓንቐጽ ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝኾነ ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ. ሓበርቲ ኣጻቢዕትና ገበነኛን ዓማጺናን ንዝኾነ ሰርዓት ኢሰያስ ንምሕባር፣ ንምዃናኑ ድማ ልሳናትና ዘስመርና እንክንስና፣ ነቲ ናይ ሓባር ጸገም ዝኾነ ስርዓት ንምእላዩ ቅልጽምና ካብ ዘየስመርናን ዘየወሃሃድናን ናይ ግድን እዩ ክዝረብን፣ ክግለጽን ዘለዎን፣ ድሕሪ ግቡእ ተረድኦ ድማ ናይ ሓባር ፍታሕ ክንናደየሉን ዘለዎ ድጉል ዝኾነ ጽገማት ከምዘሎ ጎሊሑ ይረኣየካ. ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ምልኪ ጥራሕ እዩ ኢልካ ክትድምድሞ እውን ዘይከኣልን ካብ ባይታ ዝምስክሮ ሓቅን ክተምልጥ ምፍታንን ጥራሕ እዩ ክኸውን::
ብመሰረቱ ሕማምካን ሽግርካን ኣቀዲምካ የዐሪኻ ምፍላጦም፣ ቀጺሉ ድማ ከይተሰከፍካን ከይሸፋፈንካን ኣውጺእካ ክትዛረበሎምን ክትገልጾምን ምኽኣል መፍትሕን መድሃኒትን ኣብ ምርካብ ዓቢ ግደ ኣለዎም:: ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እውን እንተኾነ ንዝድለ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ክበቅዕ እንተደኣ ኮይኑ፣ ኣቀዲሙ እቲ ፍታሕ ዘድልዮ ቀንዲ ጽገማት ህዝቡ ፈልዩ ክፈልጥን ብቀዳምነት ንዑኡ ፍታሕ ክረኽበሉን ክኽእል ኣለዎ:: እንተዘይኮይኑ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኩሉ ደላይ ለውጥን ንለውጢ ዝቃለስን እንክንሱ፣ ኣብ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን፣ ገዳይምን ሓደስትን/መንእሰያትን፣ ሃገራውያንን ብሔራውያንን፣ ሃይማኖታውያንን ዕልመናውያንን፣ መታሕታውያንን ከበሳውያንን፣ ኣኮለጉዛይ፣ ሰራየ፣ ሓማሴን፣ ኣባላት ኪዳንን ዘይ ኣባላት ኪዳንን፣ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ዘይኣባላት ሃገራዊ ኣይቶን፣ ጀብሃ ነበርን ህዛዊ ግንባር ነበርን/መድረኽ፣ ፈደራላውያንን ዘይምእኩል ምሕደራውያንን ወዘተ ወዘተ ኣብ ዝብል ናይ ፍልልያት መሳርዕ ተገማሚዕና ክነብርን ክንደክምን ምዃና ክሳብ እዛ ዕለትዚኣ ዘመዝገብናዮ ታሪኽና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ::
ክፍለጥ ዘለዎ ድማ እዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢስያስ ዘለዎ ጽልኢ ዓቢይ ኮይኑ ኣብ ሊዕሊ እዚ ኣብ ዝተገማምዐ ደምበ ተቃውሞ ዘለዎ ስኽፍታን ስግኣትን ግን ካብኡ ዝዛየደ እዩ:: ከምቲ እተጽገኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ እንከላ ይፈልጣ ዝብል ብሂል ኣበው፣ ህዝብናውን ብሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ/ህግዲፍ ዘይቀሰንኩዶ ብተጎጃጂሉ ዘመነ ውራውራ ዝኣወጀ ሓይልታት ክርህወለይ ኢሉ ጽባሕ ካብ ሎሚ ከይትገዶ ኣብ ስኽፍታን ሽቁረራን ይነብር ከምዘሎ እዩ::
ካብ ትዕዝብተይን ተረድኦይን እምበኣር ክንዮ መላኽን ገባትን ስርዓት ህግዲፍ እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ብብሔር፣ ሃይማኖት፣ ዞባ ተጎጃጂሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ዝበሃል ኣጥፊኡ ይርከብ ኣሎ:: እዚ እዩ ድማ እቲ ብቀንዱ ፍታሕ ዘድልዮ ዘሎ ጉዳይ:: ጠንቂ ናይዚ ዘይምትእምማን ብዙሕን ካብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝመንጨወን ክኸውን ይኽእል. ኣብ ዝቅጽል ጽሑፋተይ ድማ ክገልጾ ክፍትን እየ::
ንሕጂ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!
መድሃኔ ሃብተዝጊ
(LLM)
ኣብ ዓድዋ 1 መጋቢት 1896 ዓቢይ ታሪክ እዩ ተፈጺሙ ። ታሪክ ጽቡቅ ይኩን ሕማቅ ክድፈን ኣይክኣልን እዩ ። ንታሪካ ሕማቅ ሽነኹ ገዲፍካ በብትጽቡቅ ከተቀናጅዎ ፍጹም ዝኸኣል ኣይኮነን ። ነቲ ሕማቕ ካልኣይ ግዜ ከምዘይድገም ምግባር ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ ።ኣብ ዓድዋ ዝተገብረ ፍጻሜ ንኤርትራን ኢትዮጳያ ዓቢዩ ትምህርቲ ክከውን ነይሩዎ ። እንተኮነ ህዝብታት ናይቲ ከበቢ ለባማትን መስተውዓልትን መራሕቲ ስለ ዘይተዓደሉ፣ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመታት ዓመታት ሓሊፉ ክሳብ ሕጂ ከም ኤርትራውያን ኣብ ስቓይ ንርከብ ኣሎና።ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጂለ ካብቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝከፍኤን ዝመረርን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምጥፋእ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ ። ብሓባር ንተስእ ይኣክል ከኣ ንበሎ!
ዓወት ኩናት ዓድዋ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ እተቓለሓሉ ፣ ንብዙሓት ኣፍሪቓውያ ወይ ጸለምቲ ዓቢይ ክብሪን ኩርዓትን ነበረ። ነቶም ኣብ ኣፍሪቓዊ መግዛእቲ ክዋፈሩ ዝሓስቡ ዝነበሩ ከኣ ዓቢይ መርድእን ኮኖም ፣ ሓሳባቶም ዳግማይ ክለሳ ክገብሩሉ ዘየዳግም መልእቲ ኣማሓላሊፈሎም እዩ ።ኣብ ኣፍሪቓ ክንድዚ ዝኣክል ጻዕዳ ወተሃደር ዝተማረኸሉ ኩናት ዓድዋ፣ ነባሪ ታሪክ ናይቶም መራሕን ናይታ ሃገርን ኮይኑ ክነበር እዩ ። በቲ ካልእ ከኣ ፣
መራሕቲ ኩናት ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዓስከር ዝወሰንዎ ፍርዲ ምስ ኹነታቶም ዝመጣጠን ኣይነበርን ካብ ኤውሮጳ እዚ ኩሉ ባሕሪን መሬትን ስጊሩ ክወረካ ንዝመጸ ብገንዘብ እናፈትሓካ ነቶም ብዘይ ድልየቶም ተገዲዶም ዝተዓስከሩ ኤርትራውያን ብመሪርን ኢሰብኣዊ ተገበር ምቅጻዕ ፍትሓዊ ኣይነበረኝ። ብሓደ ወገን ኣብ ጣልያን ተዓስኪርካ ተባሂሉ ፣ በቲ ካልእ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ሓዲምካ ተባሂሉ ንኤርትራዊ ብኩሉ ዕድሉ ሞት ነበረ።ስለዚ ኤርትራዊ መንነት ንጉጂለ ህግደፍ ኣጥፊእካ ናይ ግድን ክዕቆብ ዘሎዎ እዩ ።
ዝኸበርኩም ተከታተልቲ እዚ መርበብ፣ ሎሚ ዘቅርበልኩም ጽሑፍ ካብ ናይ ታሪክ ተመራማሪ ራይሞንድ ጆናስ ዝተተርጎመ ኮይኑ ፣ ብዛዕባ ናይ ምትርጓም ሕጽረታት እንተልዩ ናተይ ጉድለት ይኸውን ።
ኣብ ልዕሊ እሱራት ኹናት ዓድዋ ዝተወሰደ ውሳኔ ።
መጋቢት 2 ፣ ምድሪ ምስ ወግሔ ፣እቶም ካብ ኩሉ ሰብ ንላዕሊ ዝድለዩ ዝነበሩ እቶም ንጉስ ነበሩ ። ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ምስ ኮነ እቶም ጣልያናውያን ምሩኻት ብምእትታት ናብቲ ኣደራሽ ሚኒልክ ዝነበሮ ተኮብኲቦም ተወስዱ ። እታ ተንዳ ናይቶም ንጉስ ብቀሊሉ ትልለ ነብረት ፣ ምስጋና ነተን እክባት ተንዳታትን እታ ቀያሕ ተንዳን እቲ ኣዳራሽ ወሲክኻ ።እቲ ኣዳራሽ እኩል ስፍሓት ዘለዎ ክሳብ 12 ሰባት ደው ክብሉሉ ዝክእሉ ፣ ሚኒልክ ፍርዲ ዝህበሉ ነበረ።
ሚሊልክ ኣጋይሽ ዝቅበለሉ ስፊሕ ክዱን ተንዳ ፡ ናብ ግዜዊ ሆፒታል ተቀይሩ ክግልገሉሉ ፍቂዱ ። ስለዚ ኢጣልያናውያን ሕካይም ነቶም ዝቆሰሉ ኢትዮጵያውያን ይሕክሙ ነበሩ ። ጣልያናውያን ውጉእት ረዲኤት ኣብ ዝሓተቱሉ በቶም ጣልያን ኣሕዋቶም ይንጸጉ ነበሩ ።
እቶም እሱራት ነቶም ንጉስ ክርእዩ እናተጸበዩ እንከለዉ ምስቲ እንኮ ብናይ ዓድዋ ዓወት ምስክርነት ክህብ ዝኽእል Mr. Clochette ዝብሃል ጥሮታ ፈረንሳዊ ወተሃደራዊ መኮነን ክላለዩ ክእሎም ። Clochette ሓደ ካብቶም ኤውሮጳውያን ነጋዶን / ኣማኸርትን ምስ ሚኒልክ ጽቡቅ ዝምድና ክምስርቱ ዝከኣሉ ሓደ ሰብ ነይሩ ። በቲ ካልእ clochette ብጻይ ናይ Mondon Vidailhet ዝብሃል ፣ኣብ ኤውሮጳ ምስሊ ሚኒልክ ብኣውንታ ዝገልጽን ዝሕበርን ሰብ ነበር።Clochette እቲ 8,000 ሽሕ ጠበናጁ ናብ ሚኒልክ ክሸይጥ ዝተሓባበረ ሰብ ነበረ ፣ ናይ ሚኒልክ ሓያል ኒሕን ቀራጽነትን ከኣ ክዕዘብ በቂዑ እቶም እሱራት ምስ ሚኒልክ ክራኸቡ እናተጸበዩ Clochette ኣብ ትሕቲ ዳዕሮ ኮፍ እሉ ብታሕጓስ ነቶም ኢጣልያውያን ይስሕቆም ነበረ ። እቶም ምሩኻት ድሕሪ ናይ 3 ሰዓታት ምጽባይ ንሚኒሊክ ከይረኣዩዎ ክብተኑ ተገብረ ።
ንጽባሒቱ 3 መጋቢት እቶም ምሩኻት ነቲ ናይ ኢትዮጳያ ቤተ መንግስቲ (ኣዳራሽ) ምስ ኩሉ እቲ ሽልማቱን ግርምኡን ክዕዘቡ በቂዕም ። ዑደት ቅድሚ ምጅማሩ ሰብኡት ኣንስት ቆልዑትን ካብቲ ካምፕን ካብቲ ቁሸታት ናይቲ ከባብን ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ቦታ ኣምሪሖም ። ኣቅሽሽቲ ታቦት ተሰኪሞም እናዘመሩ ናይ ምምራሕ ተራ ወሲዶም ። ሓደ ጉጅለ ዘመርቲ ድምጺ ከበሮን እምብልታ እናኣስሙዑ ስዓብዎም ። እዚ ኩሉ ስለ ዓወት እተጓነጽፉ ንኣምላክ ምስጋና ንምቅራብ ነበረ። ኣብ ማእከል እዚ ኩሉ ከኣ ምኒልክ ነበሩ ።
እቲ ዝዓበየ ኣፍሪቓዊ ዘመናዊ ወተሃደርዊ ዓወት ዝሃንደሰን ፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓወት ዘመዝገበ ሚኒልክ ወዲ 49 ዓመት ነበረ።
ብ 3 መጋቢት ሚኒልክ ድሮ ኣካል ሕብረተሰብ ናይቶም ዓበይቲ ሰባት ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዝውረየሎም ኮይኑ ንኢትዮጳያውያን ምኒልክ ጅግና ኮነ ። ንኤውሮጳውያን ፣ ንጣልያ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ሚኒልክ ኩሉ ሕማቕን ጽቡቅን ተባሂሉ ። ብሓደ ወገን መለኮታዊ መንፈስ ዝሓደሮ ፣ በቲ ካልእ ከኣ ሕማቅ ከም በላዕ ሰብ ዝግምትዎ ነበሩ ።
ገለ ካብቶም እሱራት ኣብ ቅድሚ ሚኒልክ ቀሪቦም ፣ ዝበዝሑ እናፈርሑ ናብቲ ተንዳ ናይቲ ንጉስ ቀሪቦም ፡ ዝተጸበዩዎ ሓደ ግፍዔኛን ዕቡይን ንካልኦት ኣትሒቱ ዝርኢ ክኽውን ተጽበዩዎ ። እዚ ተምሳል እዚ ግን ብሰንኪ ዓወቱ ዝተጋነን ነበረ። እንተኮነ ሚኒልክ ከም ሰብ ሕያዋይ ዘይጓዳእ ኮይኑ ጸንሖም ። ሓደ ህዱእ ስብ ፡ ሰላምዊ መንፋስ ዝሓደሮ ፣ ጸጸኒሑ ፍሽክ ዝብል ነበረ ። ኣዕንቱ ነቲ ናቱ ሓያልን መሳጥን ምሉእ ፈልጠት ዝገልጻ ነበራ።
ኣብ ገጹ ዝርኤ ዝነበረ ብዕምቆት ናይ ምሕሳብ ናይቲ ህሉው ኩነታት ዝገልጽ ኮይኑ ፣ መንፋስ ናይ ምትእምማን ሓዲሩዎ ነበረ ። ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ንሚኒልክ ዝዓበየ ገድሊ ዝኮኖ ነቶም እሱራት እንታይ ይግበሮም ዝብል ነበረ። ብናይ ኢትዮጵያውያን ባህሊ ፣ ዝተሳዕረ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይቲ ዝሰዓረ እዩ። ብዓወት ውግእ ሃረረ ጀሚርካ ፣ ቀጺሉ ወፍሪ ኣንጻር ዋላይታ ናይ ኢትያጵያውያን ልማድ ንጹር ነበረ ። ዝበዝሑ ዝተሳዕሩ ወተሃደራት ብህወትም ይኸፍሉ/ይቅተሉ ፣ ሙሩካት ባረዩ ንምግባሮም እንተዘይኮይኑ ምሓዞም ሳሕቲ ነበረ።ንብረት ናይቶም ዝተሳዕሩ እንተላይ ናይ ሰላማውያን ከከም ዓቅሚካ ምግፋፍ ነበረ።
ዓድዋ ብብዝሒ እሱራት ድሮ ፍሉይነት ኣመዝጊባ ነበረት ። ሚኒልክ ኢሉዎ ከም ዝብሃል ፣ ፍሬ ነብሲ ዘይኮነስ ሰብ ኣምጹኡለይ ! እዚ ብሩህ መምሪሒ ኣንጻር ምቁራጽ ፍሬ ነብሲ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ብዙሓት ናይ ጸላኢ ወተሃደራት ብህወቶም ንምሓዝ ዘርቢሕ ስለ ዝነበረ። ሚኒልክ ምቅታል ዘይኮነ ምሩኻት ክመጽዎ ዝደለየ። ረኽቡዎም ከኣ፣
ብዕለት 2 መጋቢት ሚኒልክ 1,900 ምሩኻት ጣልያን፣ ከምኡ እውን ካብ 1,200 ክሳብ 1,500 ዓስከር ተረከበ ።ሚኒልክ ሽዑ ንሽዑ ነቶም ምሩኻት ጣልያን ከም ኣብነት ክጥቀመሎም ካብ ኣማኸርቱ ብርቱዕ ተጽዕኖ መጾ። ምሸት ድሕሪ እቲ ኹናት ከምኡ እውን ኣብ ወጋሕታ ናይ 2 መጋቢት ሓደ ዓቢይ ክትዕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሚኒልክ ተካይዱ ። ኣብ ውሽጢ ናይቶም ንጉስ ቴንዳ ፣ ፀሃይቱ ከምኡ እውን ራስ መንገሻ ፣ ብምትሕብባር ራስ ወለ ሓው ፀሃይቱ ፤ ዝበረኸ ሕሉፍ ዝኮነ ሓሳብ ወሲዶም ። እቶም ወተሃደራት ጣልያን ክቅተሉ ፣ እቶም ዓስከር ከኣ መቅጻዕቲ ክወሃቦም ፣እዚ መሰረትዊ ፍትሒ ፣ ኹሎም ናይ ሚኒልክ ወተሃደራት ከምኡ እውን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝሓትዎ ነበረ። ራስ ኣሉላ እቲ ስሙ ምስቲ ዘድንቅ ምድምሳስ ወተሃደራት ጣልያን ኣብ ዶጋሊ ዝፍለጥ ፣ ምስቶም ዝለዓለ መቅጻዕቲ ዝጠለቡ ንክሕወስ ተጽዕኖ ዘድሊዮ ኣይነበረን ።ከምቲ ናይ ዶጋሊ ኣደናቂ ተግባር ምርኣይ ፣ እነተኮነ ብዝዓበየ ደረጃ ፣ ኢትዮጵያ መላገጺ ከምዘይኮነት ሓያል መልእክቲ ክስድድ ዝኽእል ዝብል እምነት ነበሮም’።
ራእሲ መኾነን ማእከላይ ውሳኔ ክህሉ ተማጒቶም ። ርእይቶኦም ኣጋዳሲ ነይሩ እንተኮነ ኩነታቶም ሕልክልክ ዝበለ ነበረ።ንብዙሕት ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ራእሲ መኾነን ጥርጡር ነበሩ ። ኣብ ጉዳይ ኤወሮጳውያን ልስሉስ ተባሂሎም ብታሕቲ ታሕቲ ናይ ጣልያን ፈታዊ ወይ ደጋፊ ኮይኖም ይርኣዩ ነይሮም ።ብኣንጻሩ ፀሃይቱን ራስ ኣሉላ ክልቲኦም ዝኮነ ስሚሚዕ ምስ ኤውሮጵውያን ሓደገኛ እዩ ።ሓደ ስጉምቲ ኣብ መንገዲ ክሕደት ሸተት ምባል ክብሉ ተቓወሙ ። እንተኮነ ምስ ራስ መኾነን ፣ ተክለሃይማኖት ንጉስ ጎጃምን ፣ ራእሲ ሚካኤልን ናይ ወሎ ሕድገታት ክህሉ ሚዕዶም /ተላብዮም። ከምኣ እውን Clochette እቲ ጥሮተኛ ፍረንሳዊ ወተሃደረዊ ኣማካሪ ናይ ሃጸይ ሚነሊክ ሕድገታት ክግበር ተላብዩ።
ምሩካት ወተሃደራት ጣልያን ዋግኦም ከድሕኖም ኪኢሉ ። ንሚኒልክ ወተሃደራት ጣልያን ካብ ምውታት ብህወቶም ዝያዳ ዋጋ ነይሩዎም ። እቶም ምሩኻት ብህወቶም ኣብቲ ብርግጽ ክስዒብ ዝክእል ዝርርብ ሓያል ግደ ስለ ዝህሉዎም ንመንግስቲ ጣልያ ጥራሕ ኣእምንካ ከፊሎምሎም ብሰላም ንዓዶም ከም ዝምለሱ ምግባር ነበረ። ስለዚ ከኣ ዝኮነ ሕማቕ ኣታሓሕዛ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያውያን ካብ መኣዲ ክቲዕ ወጻኢ ኮነ
ኹነታት ናይቶም ዓስከር ሕልክልክ ዝበለ ነበረ። ብገምጋም ካብ 1200 ክሳብ 1500 ዓስከር ኣብቲ ኹናት ተማሪኾም ። እቶም ዝሰዓሩ ወገን ፣ መቅጻእቲ ክህሉ ዝሓተቱ ካብ ርእቶኦም ፈልከት ምባል ኣብዮም ። እቶም ፈራዶ ፍጹም ጽልእን ቀጻሊ ሕማቅ ስሚዕት ልዕሊ እቶም ዓስከር ነበሮም ።ብርእይቶኦም ቀንዲ ናይ ጣልያን ዓወታት ብሰንኮም ከምእተፈጸመ ስለ ዝኣምኑ ። ሓደ ካብኦም ራእሲ መንግሻ ብሰንኪ ዓስከር ስልጣኑ ከም እተሓደገ ይገልጽ ። Baratieri ብዘይ ሓገዝ ናይ ዓስከር ካብ ዃዓቲት ከም ዝሃድም ድሕሪ ምግባሩ ፣ ስዒቡ ከኣ ካብ ሰንዓፈ ኣባሪሩዎ ።ከምኡውን ኣብ ኹናት ኣንጻር መንገሻን ፣ ባህታ ሓጎስን ፣ ራስ ኣሉላን ካልኦትን፣ እቶም ዓስከር ከም መራሕትን ተመራሕትን ናይ ጣልያን እግረኛ ወተሃደራት ኮይኖም ኣገልጊሎም ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እዚ ናይቶም ዓስከር ክሕደት ኮይኑ ተረክበ ። ብዝኮነ መዔቀኒ ክርኤ እንከሎ ሚኒልክ ማእከላይ ርእይቶ ነይሩዎ። Paul Lauribar ፈረንሳዊ ከምዝበሎ “ እቲ ባህሪያዊ ሕያውነቱ ንምሕረት ገጹ ደሪኩዎ” ነይሩ ይብል ።
እንተኮነ ኣብ መወዳእታ ሚኒልክ ነቲ ምስ ፀሃይቱን ፣ ኣሉላን ፣ መንገሻን ፣ ካልኦትን መቅጻዕቲ ዝሓቱ ዝነበሩ ወጊኑ ዝነብረ ኣቡነ ማቴዎስ ምኽሪ ተቀበለ ። ብተወሳኪ እቶም ኢትዮጵያውያን እዚ ደረት ዘይብሉ ሕሉፍ መቅጻዕቲ ክሓቱ ዝገበሮም እቲ ክሕደት ናይቶም ዓስከር ሕማቅ ዝኮነ ስሚዒት ስለ ዝፈጠረሎም ፣ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ምትሕስሳብ ደረጃ ክበጽሑ ኪኢሎም ።
ራስ ኣሉላ ኩሉ ግዜ ትኽ እልካ ምዝራብ ዝፈቱ ነቶም ኣብ እምባ ኣላጄ ዝተማረኹ ዓስከር ከምዚ ክብል ገሊጹ ነበረ”ንስኩም ሓበሻ እኩም ፣ ንጉስ ኣሎኩም ፣ ሃጸይ ኣሎኩም ፣ እንድገና ንካልእ ንጉስ ጥልያን ደሊኩም ፣ ንስኩም ኣንጻር ኣሕዋትኩም ትዋግኡ ኣሎኩም ፣ ስለዚ ኣእዳውኩም ብምቅራጽ ክቀጽዓኩም እየ በሎም።ስለዚ ከም ናይ ጸላኢ ተዋጋእቲ ዘይኮነስ ከም ከሓዲ ተውሲዶም እቶም ዓስከር እቲ ዝከፍኤ መቅጻእቲ ተቂቢሎም ። ህወቶም ክድሕን እንከሎ ፣ የማናይ እዶምን ጸጋማይ እግሮም ክቁረጹ ተገይሩ ።
ካብቶም ካብ 1,200 ክሳብ 1,500 ዝግመቱ ሙሩካት ዓስከር ፣ 300 ሚእቲ ጥራሕ ንኤርትራ ተማሊሶም ዕጸይቲ እግሪ ተገይሩሎም ፣ ናብ ዝከፍኤ ስራሕ ከም ዝምደቡ ተገብረ ። ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ብልክዕ ዝፍለጥ የለን ፡ ብግምት ካብ ረክስን ምውዳእ ደምን ሞይቶም ይኮኑ ፡ ንሓዋሩ ክፍለጥ ዝክኣል ኣይኮነን ።
ኣብቲ ባይታ ዝሕዛን ምርኢት ነበረ ። Giovanni Tedone ኣብ መንጎ እቶም ሚእትታት ዝቁጸሩ ዓስከር ክሓልፍ እንከሎ፣ ከም ወተሃደራዊ ኣዛዚኦም እውን ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ፡ እናጸውዑ ፣ ኣይትሓዝነልናን መስኪን ጥልያን ! ማይ ማይ ! ይብሉ ነይሮም ።ነዋሕ መሳርዒ ናይቶም ዓስከር ተስፋ ቆሪጾም የማናይ ኢዶም እናሃቡ ንቅድሚት ገጾም እናሰጎሙ ነቲ ዕድሎም ይቅበሉ ነበሩ ።ዝተቆርጻ ኣእዳውን ኣእጋርን ብዝረሰነ ሓጺን ይትኩስዎ ነይሮም። ዝተቆርጸ ኣካላት ተኮሚሩ ጎቦ ክመስል ዝሕዝን ምርኢት ነበረ ። Tedone ካብቲ ምርኢት ክሃድም ፈቲኑ ። እንተኮነ ሓደ ካብቶ ዓስከር ብሓይሊ ንድሕሪት መሊሱ ነቲ ዝሕዝን ምርኢት ክዕዘብ ገበሮ ።ምናልባሽ Tedone እውን ክምዚ ዝኣመሰለ ዕድል ይጽበዮ ከም ዘሎ ንምሕባሩ ዝነበረ ይመስል ።
Carlo Diotti እውን ሓደ ካብቶም ኣዘዝቲ ፣ተመሳሳሊ ዝሕዝን ምርኢት ክዕዘብ ተገዲዱ ። ነቶም ኣብ ጎኒኡ ኮይኖም እተዋግኡ ዓስከር ንሕቶኦም ክምልስ ኣይከኣለን። ንእግረ መንግዱ ክሓልፍ እንከሎ እቶም መሳክን ዓስከር ኣብቲ ሕጻ ብቓንዛ እናተጋማጠሉ ዘቓልሓዎ ዝነበሩ ዘጨንቅ ስቓይ ፡ እናበኸዩ ጣልያን ሓወይ ! “ ማይ ዝስተ ! ማይ ዝስተ ! ማይ የለን ! ይመውት ኣሎኩ “ ይብሉ ነበሩ
ኣብዚ ኣገዳሲ ይኽውን ንምዝካር እቶም ዓስከር ካብ ጣላያን ናብ ሚኒልክ ዝከድዑ ገለ ቁሩብ ነይሮም ። ብወገን መንግስቲ ጣልያን ምስ ተታሕዙ ከም ከሓድቲ ተወሲዶም ብናይ ኤውሮጳውያን ሕጊ ብክሕደት ተከሲሶም ንሞት ይፍረዱ ነበሩ ። ሓደ ግዜ ሓደ ዓስከር ካብ ኹናት እምባ ኣላጄ ዝደሓነ ፣ በቶም ኣቅሽሽቲ መቀለ መዔቆቢ ተዋሂቡዎ ዝነበረ ምስቶም ሓርበኛታት ኣንጻር ጣልያን ተሰሊፉ ። እንተኮነ በቶም ጣልያን ምስ ተፈልጠ ጎቲቶም ናብቲ ፎርቶ ወሲዶም ቀቲሎሞ ።እቲ ናይ ጣልያንን ናይ ኢትዮጵያ ክተወዳድሮ እንከሎካ እቲ ናይ ኢትዮጵያውያን ምቁራጽ ኣካላት ፣ ይሕዝን ፣ይኩን እምበር ዝፈኾሰ ይመስል ።ብርግጽ ናይ ጣልያን ብክሕደት ምርሻን ከምዚ ድሕሪ ኹናት ዓድዋ ዝተፈጸመ ጪካኔ ዝመልኦ ምቁራጽ ኣካላት ፣ ፍጹም ዝመሳስል ኣይኮነን ።
ሚኒልክ ዝወሰዶ ወሳኔ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ እቲ ዝከፍኤ ነበረ። ካብቲ ፍትሓውን ብቁኑዕ ፍርዲ ዝፍለጥ ፣ ንጉስ ሰሎሞን ናይ ህብሩ ዘርኢ ተወሊደ ዝብል ፣ ነቲ ቀጻሊ ደም ምፍሳስ ጠጠው ክብሎ ኣይከኣለን ። ደም ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውይውን ምክፍፋልን ምርሕሓቅን ዝፈጥረ ።
ሚኒልክ ብዘይ ጥርጥር እቲ ሕማቅ ስሚዒት ናይቶም ዓስከር ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ብቀሊሉ ዕርቂ ንከይህሉ ዝዕንቅፍ ምዃኑ ተረዲእዎ ነበረ። ኣብዚ ነጥቢ እዚ Augustus Wylde ዝብሃል እንግሊዛዊ እውን ፣ ደድሕሪ እቲ ኹናት ከምዝገለጾ “ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተፈጥረ ጽልኢ ንናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና ንብዙሕ ዓመታት መሪዝዎ” ክብል ገሊጹዎ ነበረ።
ኣፈወርቅ ገብረየሱስ (ደራሲ)ናይ መንገሻ ተራ ናብቲ እተፈጸመ ጉድኣት ኣራጕዱ እናገለጸ ፣ ንሚኒልክ ከም ተገዲዱ ብዘይ ዕግበት ዝወሶኖ ገይሩ ክከላከለሉ ፍቲኑ ።ኣብ መወዳእታ ግን ሚኒልክ ከም ዝኮነ ሓቀኛ መራሒ ዝገብሮ ነቲ ሓላፍነት ተሰኪሙዎ ።
ሓደ እንግልዛዊ ጋዜጠኛ ብዛዕባ እቲ ምቁራጽ ኣእዳውን ኣእጋርን ምስ ሓተቶ ፣ሚኒልክ ንነብሱ ብትሪ ክከላል ፍቲኑ ።” ሰሚዕካዶ እንታይ ከምዝገበሩ “ ክብል ሓተቶ ፡ ቀጺሉ “ ርክሰት ፈጺሞም ፣ ቤት ክርስትያናት ዘሚቶም ፣ ገጠረን ከተማን ሰሪቆም ፤ ከብቲ ዘሚቶም ፣ ክምኡ እውን ህዝበይ ቀቲሎም” ። ከም ሰረቅቲ ተወሲዶም ፣ መቅጻዕቲ ናይ ሰረቅቲ ከኣ ተቀቢሎም ። ክምኡ እልካ ንእንግሊዝ ንገር በሎዎ ! ። ዝገርም !
ኣምላክ ህገርና ይብረክልነ ርከልና
2/27/2015
ዝሓለፈ ተመኩሮ “ካብ ዓይኒ ዝገለለ ካብ ልቢ ገለለ” ኢልካ ሕጥጥ ኣቢልካ ትርሰዖ ዘይኮነስ ግቡእ ቦታን ክብርን ሂብካ ከም ኣድላይነቱ እትውከሶ ክቡር ውርሻ እዩ። ንናይ ትማሊ ወይ ብቕድሚ ትማሊ ተመኩሮኻ፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክትመዝኖ እንከለኻ ጌጋታት ክትርእየሉ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ነቲ ዝሓለፈ ፍጻመ በዚ ሎሚ ዘሎ ውድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዘይኮነስ፡ ብመንጽርቲ ሽዑ ዝነበረ ምዕባለ እዩ ክምዘን ዝግበኦ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሓፈሻዊ ሃዋህው ዘንጊዕካ ንናይ ሽዑ ተግባር ምስ ናይ ሎሚ ኩነታት ጥራይ ዛሚድካ “ከምዚ ክገብሮ ነይሩኒ” እንዳ በልካ ምጥዓስ ኣየድልን። እዚ ማለት ግና ካብኡ ምምሃር እምበር ዝሓለፈ ድኽመትካ ምሕባእ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ወይ ንስኻ ናብቲ ዝሓለፈ ንክትምለስ ወይ ነቲ ናይ ሽዑ ተግባራት ናብ ሎሚ ከተምጸኦ ስለ ዝይከኣል ካብ ጣዕሳ ዝፍጠር ኣውንታዊ ነገር ስለ ዘየለ። እምበኣር ነቲ ዝሓለፈ ምርኣይ ዘድልየሉ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ምእንቲ ነቲ ቅድም ስለምንታይ ፈጺመዮ ኢልካ ክትጠዓሰሉ ዝጸናሕካ ድኽመት ንመጻኢ እውን ንከይድገም ክትመሃረሉ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ክልቲኡ ጫፋት ማለት ወይ ፈጺምካ ነቲ ዝሓለፈ ምርሳዕ ወይ ድማ ንድሕሪት ተጠዊኻ ነቲ ዝሓለፈ ክትሓይኽ ጥራይ ምንባር ቅቡል ከም ዘይኮነ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
ኩልና ከም እንዕዘቦ ጉጅለ ህግደፍ መጻኢ ዘማዕድወሉ ራኢ ስለ ዘየብሉ፡ ኣይኮነንዶ ናይ ቅድም ቃልሲ ክዝክር ዘገድድ ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ፡ ወትሩ እዩ ኣብ ዝሐለፈ ጉዳያት ዘኹድድ። ደርፍታቱ፡ ድራማታቱ፡ ናይ ሰባት ናይ ብቕዓት መለክዕታቱ፡ ኩሎም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ እዮም። ኣብተን ዘለወኦ ዝርካበን መዲያታት ዝቐርብ ሓተታታት፡ ዝካየዱ ቅጭ ዘምጽኡ ነዋሕቲ ቃለ-መጠይቓት ዝሓለፉ’ሞ ድማ ካብ ክሊ ውግእ ዘይወጹ እዮም። እቶም ኣብቲ ሚድያታት ዘዘንትዉ ድማ ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ዝነበሩ ንድሕሪት እምበር ናብ ንቕድሚት ከማዕዱ ቅሩብ ዘይኮነ ኣእምሮ ዝውንኑ እዮም። እቲ ዝረአ ናይ ውግእ መዛግብ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ዝነደዳ ተሽከርከርቲ፡ ዝተማረኸ ኣጽዋርን ዝተማረኹ ናይ ጸላኢ ወተሃደራትን እዮም። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣብቲ ግዜኦም ክረኣዩ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ሰሓብቲ ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ሎሚ ግና ብኣንጻሩ “ኣየ ጉጅለ ህግደፍ ብናይ ዓሚ ብዕራይኮ ኣይሕረስን እዩ” ዘብሉ እዮም። እቲ ዝለዓል ዛዕባ ሎሚ ቀዳምነት ዘይወሃቦ ወተሃደራዊ ኣጀንዳ ጥራይ ምዃኑ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ድሕሪት ናይ ግዜ ዝሑል ውግእ ዓለም ተሸኺሉ ከም ዘሎ ዘመልክት ካልእ ምሳለ እዩ። ኣብ እንዳ ህግደፍ መንእሰያት ክፈልጥዎ ዝድለ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝለበሱ ዝቐርብ፡ ውግእ፡ ታዕሊም፡ ኣሰራርሓ ድፋዕ፡ ኣተሓሕዛ ውጉኣትን ኣሰራርሓ ቃሬዛን፡ ናይ ግዜ ቃልሲ ዕርቃንን ጥሜትን፡ ለይታዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ … ወዘተ ብዝብሉ ሓረጋት ዝተላዕጠጡ ኣእምሮ መንእሰያት ብስምዒት ክሰርቁ ዝተሃንደሱ ኣስተምህሮታት እዮም። ብዛዕባ ደሞክራሲስ ሕራይ ደሓን ካበይ ክሕሰብ፡ ብዛዕባ ሰሪሕካ ነብስኻ ምኽኣል፡ ተመሃርካ ኣተሓሳስባኻ ምብቃዕ፡ ነጻነት ሕሳብካ ምግላጽ፡ ዝኣመሰሉ ብዘይ ሰብ ጽሩራ ፈላጣት ዝቐርብ ኣስተምህሮ የለን። ኮታ ህግደፍ ዲክታቶርያዊ ኮይንካ ኣልማዒ ወይ ደሞክራሲያዊ ኮይንካ ዘይልምዕታዊ ወይ ከዓ ደሞክራሲያው ልምዓታውን ናይ ምዃን ጨና ዘየብሉ፡ ኣብ ነበረያ ነበረ ዝነብር ለመጭ ጉጅለ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ከምኡ ዝገብር ዘሎ፡ መጻኢ ኣማዕዲኻ ምርኣይ ዘኽእል ኣእምሮ እናሃለዎ ንዓኡ ሓቢኡ ኣይኮነን። ከምቲ “ዝሰኣነት ኣደስ ካብ እምኒ ትጸንዕ” ዝበሃል ሓንሳብ ምስ ጸመመ ንመጻኢ ከሰጉም ዘኽእል ናይ ንዋት ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ስለ ዘጥቀዖ ናይ ጽቡቕ ነገር መኻን ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ኣእምሮ ናይቲ ጉጅለ ብቅርሕንቲ፡ ጽልኢ፡ ትምክሕቲ፡ ጽበትን ፍትወተ ስልጣንን ምስ ተባሕተ ንጽቡቕን ትስፍዉን ማለት ንናይ ህዝባዊ ሓልዮት ኣተሓሳስባ ቦታ ዘየብሉ ምዃኑ እዩ። ቀንዲ መርኣያ ናይ እቲ ጉጅለ እምበኣር፡ ንናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝኸውን ራኢ ዘይምውናን ኮይኑ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና ስእነት ኩሉ መሰረታዊ ቀረባት፡ ከም ጽሉል ከልቢ ምስ ኩሉ ምጉርፋጥን ጸቢብነትን፡ እንተላይ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ፡ ካብዚ መሰረታዊ ጸገሙ ዝቕዳሕ እዩ። እዚ ጉጅለ ዋላ’ኳ ወገሐጸበሐ ብህዝቢ ኤርትራ ዝበሃሎ ስለ ዘሳሕዮ፡ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ መዋጥር ዘውጸኦ ዝመስሎ ዘይትግበር መደባት ከም ዝሕንጽጽ ቃል ዝኣቱ እንተኾነ ብዘይካ ንሞት ኣብታ ዘለዋ ኮይኑ ምጽባይ ዋላ ሓንቲ መዋጸኦ ከም ዘይኮኖ ፍሉጥ እዩ። ኣቶ ኢሳይያስ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ናይ ቃለመጠይቕ መደቡ “ኣብ 2015 ብዛዕባ ልምዓት ኣብ ኤርትራ እንታይ ክንጽበ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ነቲ ምዩቝ እንዳበለ ዝሓተተ ጋዜጠኛ “ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ቆጸራ ሃበኒ’ሞ ርግጸኛ ኮይነ ዝነግረካ ተኣምር ኣለኒ” ኢሉ እዩ መሊስሉ። 24 ዓመታት ሓሺሹስ ኣብ 3 ኣዋርሕ ተኣምር ክሰርሕ።
ጉዳይ ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓለም ዝፈለጦን ጸሓይ ዝወቐዖን ዕርቃን እዩ። እስከ ናብ ጉዳይ ደንበና ደንበ ተቓውሞኸ ንመለስ። ብደረጃታት ከም ዝፈላለ’ኳ ተዘየተሓታተተ እዚ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምስንጣቕ ኣብ ዝሓለፈ ምኹዳድ ኣብ ደንበ ተቓውሞ’ውን መሊኡ እዩ። ምናልባት እውን ነቲ ኩሉ ግዜ “ናይዚ ደንበ ተቓውሞ ጸገም እንታይ እዩ?” እንዳተባህለ ዘኹድድ ሕቶ ካብቲ ኣገዳሲ መልስታቱ “ ናይ ውድባት ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ እሱር ብምዃኑ እዩ” ዝብል መኾነ ዝብል እምነት ኣለኒ። ናይ ዝሓለፈ እሱር ምዃን ዝሓለፈ ታሪኽ ክትደጋግም ብምንባር ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ፍልልያት ብሓዱሽ ዝምድና ዘይምሕዳስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብርኢቶ ምስ ዝተፈለኻዮ ውድብ ወይ ውልቀሰብ ሕድገት ጌርካ ሓድሽ ንቕድሚት ዘሰጉም ዝምድና ክትፈጥር ብዘይምኽኣል፡ ኣብ ሓደ እዋን ቀዳምነትካ ንዝነበረ ዛዕባ ምስ ሓድሽ ምዕባለ ኣዛሚድካ ናይ ቀዳምነታት ዳግመ ስርርዕ ክትገብር ብዘይምኽኣል …. ወዘተ እውን ዝግለጽ እዩ። ኣብዚ ደንበ ተቓውሞና ዓብይ ዕዳ ከም ዘለዎ፡ ኩነታቱ ባዕሉ ዝምስክሮ ዘሎ እዩ። ከምዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ፡ ግዜ ተጸቢኻ ምሳኻ ምስ ዝሰማምዑ መሕደስቲ ኣካላት ግዚያዊ ሻርነት ፈጢርካ፡ ሕነ ክትፈዲ ምፍታን ኣብ ዝሓለፈ ምንባር ጥራይ ዘይኮነ ናይ ዘይምብቃዕ መግለጺ’ውን እዩ።
ሓደ ነገር ክትብል እንከለኻ እቲ ከጨንቐካ ዝግበኦ ብኸመይ ትእውጆ ወይ ኣብ መዝገብ ተስፍሮ ወይ ትምድሮ ዘይኮነ፡ ብኸመይ ተተግብሮ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ንፉዕ ወሳኒ ወይ ኣዋጂ ዘይኮነስ ብቑዕ ተግባሪ ክትከውን ክትጭነቕ ይግበኣካ። ናብዚ ምጡን፡ ንእዋናዊ ኩነታት ዘገናዘብ ምስ ናይ ምፍጻም ዓቕምኻ ዝመጣጠን ውሳነ ክትበጽሕ፡ ንውሳነኻ ዘህብትም እኹል ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ሓበሬታ ምውህላ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ርጡብን ኩለመዳያውን ሓበሬታ ዘይተመስረተ ውሳነ ኪኖ ሕልሚ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብናይ ሕልሚ ውሳነ እንዳተመራሕካ ኣብ ርጉጽ ዓወት ናይ ምብጻሕ ዕድል ከዓ ዕጹው እዩ። ስለዚ ብጉዳይ ውሳነኻ ከይተጨነቕካ ኣብ ተግባር ምስ በጻሕካ ምውጥጣይ ውጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብዓብይኡ ከም ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር ክንሓስብ እንከለና ጥራይ ዘይኮነ ብውልቅና ክንትልም እንከለና እውን ክንጭነቐሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብ ግዜ ውሳነ ጉዳይ ሓበሬታን ናይ ምትግባሩ ዕድልን ብወጀሃላይ ምርኣይ ግና ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ትጽበዮን እትሓፍሶን ዝፍጠር ጋግ ዘስፈሖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኩሉ ስረሓትካ ዘወዝል፡ ንምቁጽጻርን ተሓታትነትን ኣብ ዘይጥዕም ህይወት ዘንብር እዩ ዝኸውን።
ቅድሚ ንካልእ ኣካል ምውቃስ ኣቐዲምካ ነብስኻ ምፍታሽ፡ ቅድሚ ናይ ካልኦት ውጽኢት ምቁማት ናትካ ውጽኢት ምርኣይ፡ ቅድሚ ናይ ካልኦት ብቕዓት ምንኣድ ወይ ምውቃስ፡ ናይ ምትላም ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምትግባር ብቕዓትካ ምፍላጥ ከም ዘድሊ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝጥቀስ። ነዚ ኣበሃህላ ዘተግብር ውሑድ፡ ከም መትከል ዝቕበል ግና ብዙሕ ምዃኑ እሙን እዩ። እንተኾነ ንሓደ ጉዳይ ብሓሳብ ደረጃ ምቕባል፡ ብተግባር እንተዘይተሰንዩ ዋጋ ከም ዘየብሉ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ፍረ ንምብጻሕ ነቲ ንብሎ እነተብሮ ኮይና ክንርከብ ይግበኣና። ናይ ትማሊ፡ ናይ ሎሚን ጽባሕን ምትእስሳር ዘይሕበል ኮይኑ፡ ቀንዲ ቆላሕታናስ መጻኢ ምምዕዳው ደኣ ይኹን።
22 ለካቲት 2015
ቃል ምስጋና
Sunday, 22 February 2015 11:58 Written by በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ለተ'ሱስ ተክለሃይማኖትን፡ ደቆምን፣ ደቂ ደቆምን፣ ምስ ምሉእ ሥድራ ቤትን።ብምኽንያት እንፍቅሮ በዓልቤተይ፣ ኣቦና ወላዲናን፣ ኣቦሓጎናን፣ ኣቦ ኣቦሓጎናን መምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ ኣብ ሆስቲታል ተዓቊቡ ክሕከም ድሕሪ ምጽንሑ ብሞት ተፈልዩና። ብናይ ፍቑር ኣቦና ሞት ዝወረደና መሪር ሓዘን፤ ኣብ'ዚ ከቢድ እዋን ሓዘንና፤ ድኻምኩም፡ ግዜኹም ከይጸብጸብኩም ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዘጸናናኩምና ኮነ፡ ከምኡ ኣብቲ ናይ መጨረሽታ ናይ ዕርፍቲ ቦትኡ ንምስናይ ካብ ሃገር ሽወድንን፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳን፣ ካብ ሰሜን ኣሜሪካን፣ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ተረኺብኩም ዝቃበርኩምናን፡ ዘጸናናኩምናን፣ ፤ዝገበርኩምልና ኩሉ፡ ዓይነት ድጋፍን ምትሕብባርኩምን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን።ከሞኡ'ውን ብደብዳቤ፡ ተሌፎን፡ ብኢሜል፡ ብኻሊእ መራኸቢታት ዘጸናናዕኩምና ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ጸሎተ-ፍትሓት ዘዕረግኩም ጥቀ ክቡራን ቐሳውሳትን ዲያቆናትን ከኣ ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ብመሳጢ መዛሙራት ዘሰነኹሞ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ኡጄንያ/ስቶኮልም/ መዘምራን ክፍሊ ግእዝ ከኣ ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ቤተ-ክህነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ፡ ዘጸናናዕኩምናን፡ ዘቃበርኩምናን፡ ዝተሓባበርኩምናን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን፤ ከምኡ'ውን ንጃልያ ኢስላምያ ኤርትራ፡ ዘጸናናዕኩምናንን፡ ዘቃበርኩምናን፡ ዝተሓባበርኩምናን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ንኩልኹም ብሓበራ ሕሰም ኣይትርከቡ፡ የቀንየልና፡ ክብረት ይሃበልና ንብል።
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት መምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ
መምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ ብ04 ጥሪ 1939 ዓ.ም.ፈ. ካብ ወለዱ ኣቶ ንጉሠ ፍካክን፣ ወይዘሮ ኣብረሀት እክትን፡ ሓደ ኣብ መንጎ ሸውዓተ ኣሕዋት ኣብ ከረን ተወሊዱ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ከረን ድማ ተጠሚቁ።ኣብታ ዝተወልደላ ከተማ መባእታን፣ ማእከላይ ትምህርቱ (ኣብቲ እዋን'ቲ፡ እቲ ዝለዓለ ትምህርቲ፡ ማእከላይ ቤት ትምህርቲ (Middle School) እታ እንኮ ቤት ትምህርቲ ንምሉእ ኣውራጃታት ሠንሒትን፤ ሣሕልን፤ ባርካን/ ናይ ሎሚ ጋሽ-ባርካ/) ምስ ፈጸመ፡ ኣብታ ኣብ ኣሸራ(ከረን) እትርከብ ናይ ቁምስና ቤት ትምህርቲ፡ መምህር ተቈጺሩ ካብ 1959 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 1970 ኣገልጊሉ። ኣብዛ ኣኸቲላ ክሳብ 8 ክፍሊ ዝበጽሐት ቤት ትምህርቲ፡ ንብዙሓት ብፍልጠትን ብሥነ ሥርዓትን ምሂሩን ኰስኲሱን። ብዙሓት ካብቲ ንሱ ዝማሃሮም፤ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝርከቡሉ ወጻኢ ሃገራትን፡ ቦታ ስደትን ተዘርጊሖም ይርከቡ። ኵላቶም ንመምህሮም፡ መም. ቍርባን ብጽቡቅ ይዝክርዎ፡ ኣውራኳ ስነ-ሥርዓት ዝመሃሮም።
መምህር ቍርባን ኣብ ኣሸራ ክምህር ምስ ጀመረ ኣይደንጐየን ምስታ ምእላይ ሕሙማት ብግቡእ ተማሂራ፡ ሽዑ ኣሸራ ብሕምና ተገልግል ዝነበረት ወ/ት ለተየሱስ ተክለሃይማኖት፡ ብቃል ኪዳን ተመርዕዩ፡ክሳብ እታ ዝዓለፈላ ሰዓት ብፍቕርን፡ ብእምነትን ብሓደ ተጓዒዞም። ኣርባዕተ ውሉድ፣ ኣኸቲሎም ከኣ 13 ደቂደቆም፣ 3 ደቂደቃ ንበዅሪ ጓሎም ፈርዮምን ሐቍፎምን።
በቲ ናይ ሽዑ ዘይርጉእ ኵነታት፡ መምህር ካብ ኣሸራ ንከረን፡ ናብቲ ብ"እንዳ ሚስቴር ሂዩ" ዝፍለጥ ዝኽታማት ቆልዑ ዝዕቆቡሉን፣ ዚእለዩሉን፣ ዚመሃሩሉን (orphanage)ዝነበሩ ትካል፡ ተቈጺሩ ን 7 ዓመት ዚኣክል ነቶም ዘኽታማት ኣብ ምዕባይን ምምሃርን፡ ሓልዮት ዝዕላምኡ ጽቡቅ ኣሰርን ዝናን ዝገደፈ ኣገልግሎት ኣወፊዩ። ገሊኣቶም ካብቶም ሽዑ መምህር ዝኣልዮም ዝነበረ፡ ሕጂ ምስ ሞተ ሓዘኖም እናገለጹ፡ ነቲ ናይ መምህር ቍርባን ተገዳስነትን፡ ሓልዮትን ብኣድናቆት ትዝትኦም ብስምዒት ክዝክሩ ተሰሚዖም። ክሳብ እቲ ትካል በቲ ብናይ ገድሊ ኵነት ምኽንያት ዝገጠመ ለውጢ፡ ሥርሑ ዝትዓናቀፍ ኣብኡ ጸኒሑ'ዩ። ብድሕሪኡ ግን መጀመርያ ንሱዳን፡ ጸኒሑ ድማ ንዓዲ ዓረብ ተሰዲዱ ክሳብ 1991 ኣብኡ እንዳሰርሐ ተቀሚጡ ። ኣብቲ ዳሕራይ ፍርቂ ዓመት ናይ 1991 ናብ ሽወደን ናብ ስድራ ቤቱ ተጸንቢሩ ኣብ ከተማ ቭነሽቦሪ ተቀሚጡ። ኣብኡ'ውን በቲ ብንእስነቱ ዘዘውተሮ ሥርሑ ብምቅጻል "ናይ ቋንቋ ኣደ" መምህር ተቈጺሩ ክሳብ ናይ ጥሮታ ዕድመ ዚመልእ ሠሪሑ። ድሕሪኡ ግን ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ርእሲ ከተማ ሽወደን ስቶኮልም ሠፊሮም። ኣብዚ መወዳእታ ዓመታት ብዙሕ ጥዕና ኣይረኸበን፤ ካብ መጨረሽታ 2013 ከኣ እናበትዖ ከይዱ። ኣውራ ግን ብሠኔ 2014፡ ድሕሪ ጊዜ ዝወሰደ መርመራ፡ ሓካይም እዛ መጨረሻ ናይ ሞቱ ምኽንያት ሕማም ከምዘላቶ ኣረጋጊጾም ኣፍሊጦሞ። ካብ ሽዑ እናተቃለሰ ከሎ እታ ናይ ኵላትና ዕጫ ዝኾነት፡ ዕለታን፡ ሰዓታን ፈሊና ዘይንፈልጣ ሞት ኣርኪባቶ። እቲ ብሕይወቱ ከሎ ብእምነትን፣ ትግሃትን ዘገልገሎ ጐይታ፡ ኣብ ሰማያዊ ዘለኣለማዊ መንግስቱ ይቀበሎ።
ሕጂ'ውን ደጊምና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ፡ የቀንየልና፤ ክብረት ይሃበልና፡ንብል።
በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ለተ'ሱስ ተክለሃይማኖትን፡ ደቆምን፣ ደቂ ደቆምን፣ ምስ ምሉእ ሥድራ ቤትን።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ካብ ዝጭወ ድሮ 3 ዓመታት ኰይኑ
Saturday, 21 February 2015 19:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ): ዝኾነ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም: ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ሃለዋቱ ካብ ዘጥፍእ እንሆ ድሮ ሳልሳይ ዓመቱ ኣቝጺሩ። ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ካብ ኣጋ ንግሆ ዕለት 14 ለካቲት 2012 ኣትሒዙ ኢዩ ድሃይ ዘጥፍኤ።
ናይ መጭወይቱ ገበን በቲ ኣብ ኣስመራ ዝዓስከረ ጒጅለ ጥፍኣት እተኻየደ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ: ብርግጽ ኣበይ ከም ዘሎ ክሳዕ ሎሚ ብዘይካ ቤላ-በለው ብጭብጢ ክፍለት እተኻእለ ነገር የልቦን። ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ናይ ቃልሲ ብጾቱን: ዝገብርዎ ጠፊእዎም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይነብሩ ምህላዎም ርዱእ ኢዩ።
ከምቲ ብኣግኡ እተሓበረ: መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ምሉእ መዋእሉ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ ወዲ ሃገር ኢዩ። ኣብ ከባቢ 17 ዓመት ዕድሚኡ ብመጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ብ1970 ናይ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ፣ ብ1973 (ኣብ ውግእ ገረግር ከይተረፈ) ናይ ሓይሊ 161፣ ብድሕሪኡ ከኣ ኮሚሽነር ሓይሊ ኰይኑ ኣገልጊሉ። ብ1976 ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ኮርስ ኣብ ደማስቖ ድሕሪ ምስታፍ ብመዓርግ ሙላዝም/ተነንተ ተመሪቑ ንሜዳ ኤርትራ ተመሊሱ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ነታ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ/ፍዳእይን ኣብ ከበሳ ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳዕ 1978 መሪሑ። ቀጺሉውን ክሳዕ 1980: ኣብ ትሕቲ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ነታ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ናይ ብሪጌድ 61 መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ናይ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።
ድሕሪ ናይ ሕድሕድ ውግእ: ብሚያዝያ 1982 ኣባል ግዚያዊት ሽማግለ: ብ1983 ከኣ ኣባል ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ። ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት/ሸነኽ ሳበ ስምምዕ ድሕሪ ምእታዉ: ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት/ክንፊ ጃስር ምስ ሓያለይ ብጾቱ ተኣሲሩ። እቲ ሓይሊ ብዓል ጃድር ብህዝባዊ ግንባር ምስ ተተቕዐ ከኣ ከም እሱር ናይ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ክሳዕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምርጫ ምኻድ ምስ ተዋህቦ ከኣ ንሱዳን ተመሊሱ ምስ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ቃልሲ ቀጺሉ። ካብ 1995 ክሳዕ ጊዜ መጭወይቱ ከኣ ከም ኣባል ባይቶን ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ብምዃን ኣብ ክብ ዝበለ ጽፍሕታት መሪሕነት ቃልሲ ተቓውሞ ጸኒሑ።
ከም ዝፍለጥ: መቓልስቲ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ዝነበረኡ: ብጾት ወልደማርያም ባህልቢን፡ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይ)፡ ካብ ሱዳን ተጨውዮም ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ይበልዩ ከም ዘሎዉ ዝፍለጥ ኢዩ። ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ስዑ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ክልቲኦም ብጾት ብ26 መጋቢት 1992 ተጨውዮም ሃለዋት ካብ ዘጥፍኡ እንሆ 23 ዓመታት ሓሊፉ።
ኣብ ውሽቲ ዘሎናዮ ወርሒ: ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጒዳይ እዞም ኣብ ዝለዓለ መሪሕነታዊ ጽፍሒ ደንበ ተቓውሞ ከለዉ ድሃይ ዘጥፍኡ ሰለስተ መራሕትን፣ ናይ ካልኦት ኣብ ቃልሲ ከሎዉ ካብ ውሽጢ ኤርትራ እተጨውዩ ኣባላትን ኣስማት ምስ ኣድላይ ጸብጻባቱ ኣብቲ ቈይሙ ዘሎ ናይ ምርመራ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
“ህዝቢ ኣስመራ ካብዛ ዲጋ’ዚኣ ሳንኪሎ ማይ ኣይረክብን’ዩ”፡ ናይ ኢሳያስ ፈኸራ
Saturday, 14 February 2015 16:38 Written by ካብ በጻሕቲ ሃገር ሓንቲብናይ ውልቀይ ህጹጽ ጉዳይ ካብ ኣሜሪካ ናብ ዓዲ ከይደ፡ ንእግሪ መገደይ፡ ኩነታት ሃገር ተገንዚበ ዝተመለስኩ ኤርትራዊት’ኢየ።
ኣብ ሃገርና ኣብ ዝጸናሕኩሉ ሓጺር ናይ ሽዱሽተ ሰሙን ግዜ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ክዕዘብ ኣኽኢሉኒ’ዩ።
ከም ትዕዝብተይ፡ እዞም ንኤርትራ ነመሓድራ ኣሎና ዝብሉ ህግደፍ፡ ንኤርትራ ሃገርና ደፊኦም ደፋፊኦም ኣብ ገምገም ጸድፊ ኣብጺሖማ ከም ዘለዉ መስክሩለይ ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። እታ ኣነ ቅድሚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ዝነበርኩ ኤርትራ ብኩሉ መዳያ ቆሲላ ዝተረፋ የብላን እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን።
ኣብ ዝኸድካዮ ቦታ እንትርፎ የለን ዝብል ቃል ካልእ ዘይትሰምዓላ ሃገር ጌሮማ። ገዛ የለን፡ መብራህቲ የለን፡ ማይ የለን፡ ነዳዲ የለን፡ ባኒ የለን፡ ብሓጺሩ፡ ዘሎ የለን። ልዕሊ ኩሉ ድማ መንእሰይ የለን። ህዝቢ ብሕሰም ተጨማዲዱ ዘይምሱል መሲሉ።
ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዲጋ እሰርሕ ኣሎኹ እንዳበለ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ቤት ጽሕፈት ኣስሪሑ። ናይ ጸይቂ ስርሓት ክኣልም ይውዕል ከም ዘሎ ህዝቢ ኣስመራ ብሰፊሑ ዝዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ሓደ መራሕ ሃገር ከም ሓደ ጂኦመትራ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዲጋ ተጸሚዱ ክውዕል ከሎ ብዙሕ ዘዛርብ’ዩ። ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጸለለ፡ ገለ ከኣ ከም ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክገልጹዎ ይስማዕ። ብዝኾነ፡ እቲ ኮይኑ እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብከምዚ ዓይነት መራሒ ክመሓደር ዘተሓሳስብ ጥራይ ዘይኮነ ዘሕፍር ኢዩ።
ኢሳያስ ካብቲ ኣረቂ ምዒጉ ምውቕ ምስ በሎ፡ “ህዝቢ ኣስመራ ካብዛ ዲጋ’ዚኣ ሳንኬሎ ማይ ኣይረክብን ኢዩ” ኢሉ ከም ዝህውትት መሳኽርቱን መዛውርቱን ዝምስክሩዎ ሓቂ’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጽልኢን ንዕቀትን ከም ዘለዎ፡ ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ክሳብ ክንደይ ተጸሊሉ ከም ዘሎ ዝእምት’ዩ። ስለዚ፡ እዛ ዲጋ ንመናወራ ኣብ ልምዓት ኢየ ተጸሚደ ዘሎኹ ንምባል ዝጀመራ’ምበር ተዛዚማ ኣብ መዓልኣ ከም ዘይትውዕል ኩሉ ህዝቢ ኣረጋጊጹ ኢዩ ዝዛረበላ ዘሎ። ኢሳያስ፡ “ህዝቢ ኣስመራ ካብዛ ዲጋ’ዚኣ ሳንኬሎ ማይ ኣይክረክብን’ዩ” ክብል እንከሎ ከኣ፡ ብዕላማ፡ ከም ዘይትዛዘም ስለ ዝፈልጥ ኢዩ። እስኪ ኢሳያስ እዛ ስራሕ’ዚኣ ዛዚሙ ኣብ መዓላኣ ኣውዒሉዋ ዝብል እንተሎ የብርሃልና ዝብሉ ተዓዘብቲ ውሑዳት ኣይኮኑን::
ብኣጠቓላሊ፡ ኣብ ሃገርና ብኢሳያስ ዝካየድ ኩሉ መደብ ስራሓት ክዕዘቦ ከሎኹ፡ ኢሳያስ፡ ንቡር ናይ መራሕ ሃገር ስራሕ ሰሪሑ ከም ዘይፈልጥ ኢየ ዝርዳእ። ድሕሪ 2001፡ እሞ ከኣ ካብ “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ክሳብ ሎሚ ናይ ጽላለ መደባት’ዩ ዘካይድ ዘሎ :: ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ብግቡእ ኣብ ዝግምገመሉ እዋን፡ ክሳብ ክንደይ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ሃገርና ብብላሽ ከም ዝሃለቐን ከም ዝባኸነን ገምገምቲ ከም ዝስንዱዎ ርዱእ ኢዩ። ብዙሓት፡ ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ናይ ባርነት ወፍሪ ከም ዝኾነ ተንቲነም ኢዮም :: ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝብሃል መደብ ዝያዳ ዝኸፍአ ዝገብሮ ባርነት ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ይበታትን ብምህላው ኢዩ።
ኢሳያስ ሓደ መራሕ ሃገር ክሰርሖ ዝግባእ ስራሕ ፈጺሙ ሓዲጉዎ ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ንክሰርሕ ዓቕሚ ኮነ ጥዕና የብሉን። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 2005 ቤት ጽሕፈት ኣብ ባጽዕ ከፊቱ፡ ኣንጻር ወያነ፡ ብቐንዱ ከኣ ንመለስ ክረክብ፡ ምስ ኣል-ሸባብ ተመሓዝዩ ከም ዝተጨማለቐ ዝዝከር ኢዩ። ከም ሳዕቤን ከኣ ሃገር ከም ዓዲ ሸፋቱ ተጸብጺባ ብእገዳ ከም ትኮራመት ኮይና። ሕጂ ድማ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ቤት ጽሕፈቱ ኣስሪሑ ስልጣኑ ዝናውሓሉ ውዲታት ምስ ደምሒትን ካልኦትን ኮይኑ ይኣልም ከም ዘሎ ኢዩ ዝግመት። ከም ተወሳኺ፡ ጨርቁ ደርብዩ ተጸሊሉ ከይከውን’ውን ዘይግመት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ናይ ጽሉላት ስለ ዝመስልን ስለ ዝኾነን። ቕዋም ክንነድፍ ኢና ማለት ንባዕሉ ዕብዳን’ዩ።
ክንነብር ብሃልቲ ተበለጽቲ ሚኒስተራትን ኣመሓደርትን፡ ከምኡ’ውን መሰልቶምን፡ መራሕኦም ኣብ ከምዚ ጽላለ እንዳሃለወ፡ ናብ ዓዲ ሃሎ ከይዶም ኢዮም ብስራሕ ክረኽቡዎ ዝፍትኑ። ቤት ጽሕፈትካ ደኣ ስለምንታይ ኣብ በረኻ ጌርካዮ ዝብሎ የለን። ብዕሊ ዘይተኣወጀ ኮይኑ’ምበር፡ ብግብሪስ ንዓዲ ሃሎ ናብ ርእሲ ከተማ ኤርትራ ቀይረያ ኢየ ኢዩ ዝብለና ዘሎ።
ሃገርና ብሕጽረት ዝተፈላለዩ ሃለኽቲ ነገራት እንዳ ተሓመሰት፡ ንበይና ተነጺላ መኣዝና እንዳ ሰሓተት፡ ከምኡ’ውን መንእሰይ ኮነ ቆልዓ-ሰበይቲ ብእኩብ ካብ ሃገር፡ እሞ ድማ ናብታ ጸላኢት ሃገር እንዳ ተባህለት ብህግደፍ እትንገሮም ሃገረ-ኢትዮጵያ እንዳ ተሰዱ፡ ንሱ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተሓቢኡ ንባዕሉ ዘገድሶ ተንኮላት ክፍሕስ ይውዕል ኣሎ። “ኣብ በረኻ ክውዕል ከሎኹ የእምሮይ ይሕይል” ከም ዝብል’ውን መሳኽርቱ ይዛረቡዮም።
ኣገልገልቱ ጀነራላትን ኮሎኔላትን ከኣ ንሳዋ ምኻድ ዝኣበዩ መንእሰያትን ናብ ታዕሊም ምኻድ ዝኣበዩ ዓበይቲን ክሃድኑን ክገፉን ሰብ ድቃስ ከሊኦም ኣለዉ።
ካልእ፡ ኤርትራ ብጋህዲ መነሃርያ ጸሊም ዕዳጋ ኮይና ከም ዝተረፈት ኢየ ተገንዚበ። ካብ ግዜ ሰውራ ጀሚሩ ናይ ኮንትራባንድ ስርሓት የካይድ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ነስረዲን በኺት (ወዲ በኺት)፡ ነቲ ንስሙ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝብሃል ትካል ኣጠቓሊሉ፡ ኣብ ተሰነይ-ገሉጅ ኮይኑ፡ ናይ ሚኒስተር መዓርግ ለቢሱ ከም ዘመሓድሮ ገይሩዎ ኣሎ። ኩሉ’ቲ ዕላዊ ክኸውን ዝግብኦ ንግዳዊ ስርሓት ብጸሊም ዕዳጋ ተለዊጡ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝፍለጥ ዝነበረ ኣብ ጎደና ሰማእታት ዝርከብ ህንጻ፡ ገረውረው ዝብል ህንጻ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ። ስራሕ የብሉን።
ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝነበራ መዐደሊታት ነዳዲ (በንዚንን ናፍታን) ሎሚ-ጽባሕ ስርሐን ክጅምራ ኢየን እንዳ ተባህለ፡ ስርሐን ጠጠው ኣቢለን ተዓዚበ። ሚኒስተር ወዲ በኺት ብኮንትራባንድ ዘእትዎ ዘሎ በንዚንን ናፍታን ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ብናኣሽቱ ጀሪካናት ብክቡር ዋጋ ክሽየጥ ተዓዚበ።
እቲ ካልእ ኣገራሚ ጉዳይ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ባንኪታት፡ ናይ 100ን ናይ 50ን ናቕፋ ባጤራ የብለንን። ናይ ዓሰርተን ናይ ሓሙሽተን ናቕፋ ባጤራ ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ። ንዕኡ ክትረክብ’ውን ብክንደይ ልማኖ’ዩ። ባንኪታት ሰልዲ የብልናን ዝብላሉ ግዜ’ውን ኣሎ። እቲ ናይ 100 ኮነ ናይ 50 ባጤራ ኣብቲ ብክብሪ ዝኣክል ምኽኣሉ ተሳኢኑ ዘሎ ጸሊም ዕዳጋ ከም ዝተዋፈረን ምስ ህግደፍ ዘውደልዱሉ፡ ከም ብዓል ወዲ በኺትን ወዲ ለገሰን ዝኣመሰሉ፡ ካብ ባንኪታት ተለቂሖም ስለ ዘይመለሱዎን ምዃኑ ይግለጽ። እታ ዓዲ ፍጹም ዓዲ ሸፋቱ ኮይና ስለ ዘላ፡ ዝሓዝካ-ሒዝካ ምሽፋት’ዩ ዘሎ። መራሕቲ ህግደፍ ነብሶም ክንዲ ዝፍትሹ፡ ሓንሳብ ብኣሜሪካ፡ ሓንሳብ ድማ ብናይ ውሽጢ ተጻባእቲ፡ ወዘተ እንዳመሳመሱ፡ ዓዲ ቀቲሎማ ኢዮም። ንባዕሎም ከም ጲላጦሳት ጌሮም ኢዮም ዝወስዱዋ። ኣይሓፍሩ ኣይሓንኩ፡ ህዝቢ ብሕማምን ብጥሜትን እንዳ ተሓመሰ ሽቶታት ዓለም ወቒዕና ክብሉ’ውን ኩልና ንሰሞዖ ዘሎና’ዩ።
ንሃገርና ቀቲሉዋ ዘሎ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ውልቀ-ምልካዊ ኣሰራርሓ ኮይኑ፡ ከም ተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ናይ ምዕባለ ስትራተጂ ወይ ውጥን ዘይምህላውን ፍጹም ዝኾነ ናይ ምሕደራ ውድቀትን ኢዩ። ከም ሳዕቤን ከኣ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብጉቦን ካልእ ብልሽውናን ተቖማጢዖም ኢዮም። ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣስሪጸሞ ዘለዉ ብልሹው ኣሰራርሓ ንሓዋሩ ሓደ ባዕሉ ዝኸኣለ መንሹሮ ኢዩ። ነዚ ሕማምዚ ንምእላይ መጻኢ ትውልዲ ብዙሕ ስራሕ ክሓቶ ኢዩ።
ናብ ኣስመራ ካብ ዝኣቶኹላ መዓልቲ ጀሚረ ክሳብ ዝወጽእ፡ ቀጻሊ ዝተዓዘብኩዎ ነገር እንተልዩ ሃገር መዓልታዊ ኢያ ትሩኽመሽ ዘላ። እቲ ውድቀት፡ ሰሉስ ካብ ሰኑይ፡ ረቡዕ ካብ ሰሉስ፡ ሓሙስ ካብ ረቡዕ፡ ወዘተ፡ ዝያዳ እንዳ በኣሰን እንዳ ከፍአን ይኸይድ። ናይ ሃገርና ኩነታት ዘረባ የብሉን። ብሓቂ፡ ንክትገልጾ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገር መዓልታዊ ክትዓኑ ብግብሪ ይግንዘብ ኣሎ። ካብ ኣውያት ሓሊፉ ክገብሮ ዝኽእል ግና የለን።
ስለዚ፡ ብውልቀሰብ እትመሓደር ዓዲ ቀድያ ነይትቐዲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ገምገም ጸድፊ’ውን ስለ እትርከብ፡ ንሓዋሩ መታን ከይንጸድፍ፡ ኣብ ውሽጢን ደገን ዘሎና ደቂ ሃገር ብሓባር፡ ምስቲ ከርተት ዝብል ዘሎ ሰራዊትና ኰንና፡ ነዚ ንከይንህሉ ብመደብ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ክንድምስስ ገለ ክንገብር ይግባእ። ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘሎ ህግደፋዊ ስርዓት’ዩ። ብድሕሪ’ዚ ህግደፋዊ ስርዓት ዝስራዕ ጸላኢ ከኣ ድኽነትን ድንቍርናን ኢዩ።
ስለዝኾነ፡ ሎሚ ተዓዘብቲ እንኾነሉ መድረኽ ኣይኮነን። ሃገር ከም ሃገር ከነድሕነሉ ዝግባእ ግዜ ኢዩ። ከም ሃገርን ህዝብን ናይ ምህላው ሕቶ ኢና በጺሕና ዘሎና። ብሓባር ኰንና “ኣይፋል” እንብለላ እዋን ሕጂ’ያ።
ሎሚ፡ ካብ ደጋፊ መንግስቲ’ባ ተቓዋሚ’ባ ዝብሃል ግዜኡ ዘሕለፈ ድሑር ሃበስ-ቀደስ ወጺእና ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕን እንብገሰሉ መድረኽ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ መንግስቲ የብልናን፡ ናይ ሸፋቱ ጉጅለ’ዩ ንመላእ ሃገር ናብ ገደል ዝመርሓ ዘሎ። ዝኸውን ምስ ኮነ ዋይ-ዋይ ፋይዳ የብሉን። ማእለያ ዘይብሉ ሂወትን ደምን የዕጽምትን ግዜን ተኸፊሉዋ ዝተረኽበት ሃገር፡ እንዳ ረአናያ ብመደብ ናይ ሓደ ዕላላ ውልቀ-መላኺ ትራኸስ ኣላ። ኤርትራዊ ተበራበር!!! ብዘይ ውዓል-ሕደርን ብምጽውዋርን ሃገር ካብ ዘላቶ ንምድሓን መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ኣይንዳህለል!!! እንዳበልኩ ኣውያተይ ንህዝቢ አስምዕ።
ካብ በጻሕቲ ሃገር ሓንቲ።
ኣርዓዶም በርሀ
ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ጸገምና ኣዝዩ ብዙሕን ዘይውግኑን እዩ። ንኤርትራ ብዝምልከት ኣጀንዳ መሪጽካ ክዝረብ እንከሎ መዛዘሚኡ ኣጨናቕን ዘየደቅስን እዩ ዝኸውን። ንብዙሓት ተመራመርቲ፡ ዝኾነ ንኤርትራ ዝምልከት ኣርእስቲ ሂብካ ተመራመሩ እንተትብሎም ውጽኢቱ ዘሰክፍን ሓላፍነት ዘሰክምን እምበር ዘሕጉስ ከም ዘይከውን ከም ርዱእ ዝተወስተደ ናይዚ እዋን መደምደምታ እዩ። ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝያዳ ናይ ካለኦት በዚ ሕጂ ንሕና ንነብረሉ ዘለና ኩነታት ዝሓለፉ ኣካላት ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቲ ጸገም ኣብቲ ኣንጻሩ እንቃለስ ዘለና መላኺ ጉጅለ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ “ኣነ ናይ ለውጢ ሓይሊ እየ” ዝብል ሸነኽ ተቓውሞ እውን ምህላዉ እዩ። ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስና ንክንዕወት ካብቲ ንሱ እቲ ጉጅለ ዝመርጾ መንገዲ ጥፍኣት ዝተፈልየ እኳደኣ ዝጻረር፡ ናትና መንገዲ ቃልሲ ክህልወና ይግባእ። ሓያል ዓቕሚ እንተኣጥሪና ከዓ፡ ጉጅለ ህግደፍ ናቱ ኣጀንዳ ምሓዝ ስኢኑ ናይ ኣጀንዳና ግዙእን ኣብ ምክልኻል ዝተወሰነን ክንገብሮ ክንክእል ምተገበኣና። ነዚ ክሳብ ዘይበቓዕና ግና መሪሕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ምዃን ዕድልና ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኣብዚ ክንርስዖ ዘይግበኣና፡ ስርዓት ህግደፍ ኣንጻሩ እንቃለስ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከም ዘለና ብልሳኑ’ኳ እንተዘይተዛረቦ ልቡ ግና ዘይስሕቶ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ካብ ኮነ ብውሽጡ ምሽቓሉ ዘይተርፍ እዩ። ነዚ ዘሻቕሎ ኩነታት ናብ ረብሓኡ ንምቕያር ካብ ዝጥቀመሉ ብልሓታት ድማ፡ ተቓወምቲ ናትና ኣጀንዳ ከም ዘይህልወና ገይሩ፡ ናይ ኣጀንዳኡ ግዙኣት እንኾነሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ።
ንሕና ተቓወምቲ እምበኣር ኣብ ኩሉ መዳያት ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ክንሓስብን ክንትልምን ባህርያዊ እንድዩ፡ እንተኽኢልና ጉጅለ ህግደፍ ብናትና ኣጀንዳ ከም ዝኸይድ ንምግዳዱ፡ ነዚ እንተዘይበቒዕና ከዓ ንሕና ናይ ኣጀንዳኡ ግዙኣት ከይንኸውን ክንጥንቀቕን ክንሰርሕን ባህርያዊ ሓላፍነትና እዩ። “እሞኸ ነዚ ግጥሚያዚ ክሳብ ክንደይ ንበቕዖ ኣለና?” ዝብል ሕቶ ክለዓል እንከሎ ግና ኣዝዩ ኣዘራራቢ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ብኸምዚ ነእውየሉ ዘለና ኣሽካዕላል “ቸቸ” ንክብለሉ ክነዝሖ ካብ ዝነበሮ መርዚ ሓደ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዘይተኣማመን ምግባሩ እዩ። ዕላማ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዘይተኣማመን ኣብ ምግባር ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ከም ዝከፋፈልን እቲ ሓደ ኣንጻር እቲ ሓደ፡ ደማዊ”ኳ እንተዘይኮነ ሓሳባዊ ውግእ ከም ዝኸፍት ካብ ምጽዓት ኣይቁጠብን እዩ። ኣዚ ከፋፋሊ ተግባር ኣብ ህግደፍ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ዝኾነ ህዝቢ እምነቱ ዝነፈጎ ስርዓት ዝሕበኣሉ በዓቲ እዩ። እዚ ከፋፋሊ ኣጀንዳ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ እንተዝኸውን፡ እምብዛ ኣይመሻቐለናን። ስለምንታይ እቲ ጉጅለ ንጽቡቕና ከም ዘይሰርሕ ኣቐዲምና ስለ እንርዳእ።
እቲ ዘሰክፍ፡ ዘሻቕል፡ ምናልባት እውን ዘስግእ እምበኣር ገለ ኣካላት ተቓወምቲ፡ እሞ ድማ “ንሕና ኢና ቁጽሪ ሓደ ተቓወምቲ” ክብሉ ዝደናደኑ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዜማ፡ ግና ብዝተፈልየ ግጥሚ ከዝይሙ ክትሰምዕ እንከለኻ እዩ። “መንነትን ባህርያትን እቲ ጉጅለ ከመይ ይመስል?” ክበሃል እንከሎ፡ “ናይቲ ትግርኛ፡ ናይ ከበሳ”፡ አረ ኣይፋልኩምን ናብ ልብኹም ተመለሱ እንተተባህሉ ድማ መሊሶም ናይ ሓንቲ ከበሳዊት ኣውራጃ መንግስቲ እዩ ዝብሉ ወገናት ከም ዘለዉ፡ ቀደም ብወረወረ ንሰምዕ ኔርና፡ ሎሚሎሚ ግና፡ ሕንኮም ጠቕሊሎም ከምኡ እንዳበሉ፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ወገናት ከም ዘለዉ ነስተብህል ኣለና። ካብዚ ዝንቡዕ ሚዛኖም ነቒሎም፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ገለ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ናይ ገለ ድማ ጸላኢ’ዩ ዝብሉ ኣካላት’ውን ውጥም ቅልቅል ይብሉ ኣለዉ። ነዚ ንምዕዛዝ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ጸረ ኩሉ ኤርርትራዊ ባህርያቱ ነቒሉ፡ ኣብ ዝተፈልየ ኩርናዕ ንዝፈጸሞም ገበናት ጥራይ ቆንጢሮም ዝያዳ ከድምቑ ይህቅኑ። እቲ ጉጅለ ዕድመኡ እንተዘይሓጺሩ፡ ብመንጽርቲ ባህሪኡ፡ ሎሚ ንዘይቀተሎ ጽባሕ ከም ዝቐትሎ፡ ሎሚ ንዘይኣሰሮ ጽባሕ ከም ዝኣስሮ ኮነ ኢልካ ብምዝንጋዕ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ጉጅለ ህግደፍ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ናይ ዝተወሰነ ከባቢ ጸላኢ ኣምሲሎም ምስክርነቶም ይህቡ። እዞም ወገናት ከምዚ ክብሉ እንከለዉ ካብቲ ብርኡይ ብጉጅለ ህግደፍ ዝውጻዕ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንገለ ክፋሉ፡ “የለን ጉጅለ ህግደፍ ናትካ እዩ። ንስኻውን ናቱ ኢኻ፡ ክልቴኹም ድማ ጸላእትና ኢኹም” እንዳበሉ ዘለና ጸላኢ ንኢሱናስ ካልእ ጸላኢ ይዕድሙልና ከም ዘለዉ ይርደኦምዶ ይኸውን?
“ጉጅለ ህግደፍ ወዲ ሃገር ግና ድማ ጸላኢ ህዝብና ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ንክፍጠር እዚ ጉጅለ እዚ ክውገድ ናይ ግድን ምዃኑ፡ ካብ ውድቀት እዚ ጉጅለ ክሳብ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ምትክኡ ዘሎ መሰጋገሪ መስርሕ ሰላማዊ ክኸውን ከም ዝግበኦ ... ወዘተ” ዝብሉ መትከላት ንኩላትና ተቓወምቲ ዘሰማምዑ ሓስባት እዮም ተባሂሎም ካብ ዝውሰዱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ጽንሕ ኢልና ክንዕዘብ እንከለና ግና ንነብሶም ባዕላቶም ደሞክራሲያዊ ቅብኣት ኣልቢሶም፡ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመሓደረን ብሕገመንግስታዊ ብይን ክውዳእ ዝግበኦን ፍልልያት ተመሊሶም “የለን ቅድሚ ዝኣገረ መሰል ብሔራት ክሳብ ምግንጻል ወይ ምትካል ሃይማኖታዊ መንግስቲ ተቐበሉ፡ ነዚ እንተዘይተቐቢልኩም ግና፡ ስምኩም እዩ ተቓዋሚ እምበር መስርዕኩም ምስ ጉጅለ ህግደፍ እዩ” ክብሉ ድንዕምንዕ ዝብሉ ኣካላት ከም ብሓዱሽ ክቀላቐሉ ንዕዘብ ኣለና። እቲ “ደቂ እገለ ኣውራጃ በይንና ክንውደብ ኢና። ደቂ እገለ ኣውራጃ ግና ደንጉየሙና ኣለዉ” ዝብልን በቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣካይዳ ናብ ወረዳን ቁሸትን ምንቁልቋሉ ዘይተርፎ ጸቢብነት፡ ዘይሩዘይሩ ናብቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ናይ ምፍልላይ ዲጋ ዝፈስስ እዩ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳይ ብሄራት ይኹን ሃይማኖት ኣብ መጻኢት ኤርትራ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ክሊ እዚ ዛዕባታት’ዚ ዝተወደቡ ውድባት ብምህላዎም ዘይኮነስ፡ ከም ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ሸለል ኢልዎም ዝሓልፍ ኣይኮነን። ዝኾነ ኤርትራዊ ብሰንኪ ብሄሩ ኮነ ሃይማኖቱ ዝኾነ መሰል ከይንፈጎ፡ ብሄራት ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ኩርናዕ ይሃልዉ፡ መንነቶም ቋንቋኦምን ባህሎም ከማዕብሉ፡ ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ናይ ስልጣን ደረጃታት ግቡእ ቦታ ክህልዎም፡ ይቕበል እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ሕብረ-ብሄራዊ ዕላምኡ እዩ። በቲ ካልእ መንገዲ ናይዚ ሎሚ ዝለዓል ዘሎ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ካልእ ዘይቅሱን ኩነታትን፡ ጠንቁ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ስለ ዝኾነ፡ እዚ ጉጅለ ተወጊዱ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ዝተተከኣሉ ክውገድዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ሰደህኤ እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ዘይተወገደሉ ንጸቢብ ስምዒታት ኣግዚፍካን ንቕድሚት ኣምጺእካን ሎሚ ክትውደኦ ምፍታን ኣሉታዊ ሳዕናቤቱ ብዙሕ ኮይኑ፡ ነቲ ነዚ ጉጅለ ከውድቕ ዝግበኦ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘዳኽም እዩ። ናይ’ዚ ሓይሊዚ ምድኻም ድማ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣህጢሩ፡ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዚ ጉጅለ ኣበርክቶ ምውፋይ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
ኩላትና “ካብዚ ዘለናዮ ናይ ዋግዋጎ ሃለዋት መዋጽኦ እዩ” እንብሎ ሓሳባት ኣለና። ”ጸገማትና ከምዚ እንተፈጺምና እዩ ፍታሕ ዝረክብ” እንብሎም ሃቐናታት እውን ኣለዉና። ኣብዚ መስርሕዚ ብዘይካ’ቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕድሕድና፡ እገለ ውድብ ወይ ማሕበር እዩ ዕንቅፋትና እንዳበልና በትሪ እነወጣውጠሎም ኣካላት እውን ኣለዉና። ኣብዚ ንነብሮ ዘለና ናይ ዕንይንይ መድረኽ ኮይና፡ ከምኡ ምባልና ከም ነውሪ ኣይምተወሰደን። እቲ ጸገም ካብቲ እትጽብጽቦ ጸገማት ናትካ ብጽሒት ከም ዝህልወካ ኣሚንካ እቲ ካልኦት ከካይድዎ እትደልዮ መእረምታ ካባኻ ክትጅምሮ ቅሩብ ዘይምዃን እዩ። ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሳዕሪሮም ካብ ዘለዉ ዕንቅፋታት ሓደ ንፖለቲካዊ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ብዓይኒ ቂምን ጽልእን ምርኣይ ብኣሉታዊ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቲ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ሜዳ ናይ ኩልኻ ክነሱ፡ ኣብ ክንዲ ብኸመይ ሓቢርና ንቃለሰሉ፡ ከመይ ገይረ ነቲ መጻውተይ ኣርሒቐ ነቲ ሜዳ በይነይ ይወርሶ ዝብል ”ናይ ሓደ ሰዓሪ እቲ ካልእ ተሰዓሪ” ስምዒት እውን ካልእ መርኣያ ነጻጊ ባህርያት ደንበ ተቓውሞና ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ርኢቶ ኣለኒ ኢሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ውድብ ደኲኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ በቲ ኣነ ዘይደልዮ ኣገባብ ዘይግለጽ ኢልካ ኣይትሓዙኒ ምባልን ንናይ ሓባር ጉዕዞ ምዕንቃፍን ካልእ ዘሻቕለና ዘሎ ጉዳይ እዩ። እዚ ነጻግን በሓትን ኣካይዳ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ክፍጸም እንከሎ ዝውገዝ፡ ባዕልና ከነዘውትሮ እንከለና ኸዓ ሓላል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚታት ስለ ዝዕዘቡ እዮም ከዓ ገለ ኣካላት ንደንበ ተቓውሞን ንጉጅለ ህግደፍን ብባህሪ ከመሳስልዎም ዝፍትኑ። ከምቲ ለባማት “እትፈትዎ ዓርኪ ክሳብ እትረክብ፡ ነቲ ዝተዓራሪኽካዮ ፍተዎ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ድሕሪ ህግደፍ መተካእትኡ እንታይ እዩ ብዘየገድስ፡ ምስ ኣብ ምውዳቕ ኣቲ ጉጅለ ከማኻ ረብሓ ዘለዎ ኣካል መንገዲ ቀይስካ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ምርጫ ዘይኮነስ መተካእታ ዘየብሉ ግድነት እዩ።
ምርድዳእ ማለት ፍልልያት ኣወጊድካ፡ ኣብ ኩሉ ነገራት ሓደ ዓይነት ተረድኦ ምውናን ማለት ኣይኮነን። ምርድዳእ ማለት ቅድም ኣበይ ከም እትሰማማዕን ኣበይ ከም እትፈላለን ምንጻር እዩ። ድሕሪኡ ድማ ብኸመይ ኣብቲ እትሰማምዖ ከም እትሰርሕን ብኸመይከ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ፍልልይ እንተኾነ ከተወግዶ እንተዘየለ ከዓ ከተጻብቦ ከም እትኽእል ቀጻሊ ኣፍደገ ልዝብ ከም እትኸፍት ምስምማዕ እዩ። ኣብቲ ዘሰማማዓካ ዝሓለፈ እንዳጸብጸብካ ዘይኮነስ፡ ብሩህ መጻኢ እንዳማዕደኻ ክትሰርሕ እንከለኻ እተርእዮ ግሉጽነትን ብቕዓትን ነቲ ዝጸንሓካ ፍልልይ ኣብ ምጽባብ ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ብቐጻልን ዕጉስን ኣብ መትከል እንካን ሃባን ዝተሰረተ ዘተ እምበር ተመዓዳዲኻ ርእሲ እንዳነቕነቕካ ዝብጻሕ ኣይኮነን።
10 ለካቲት 2015
ሐዳስ ዓመት ናይ ሰላም ኩንልና ናይ ቅሳነት
ናይ ፍትሒ ኩንልና ናይ ሓድነት
ይኣክል በለና ናብራ ስደት
ነዚ መሪር ስቃይ ዋሕዚ ናይ ስደትና
ነዚ ሕሱም ህልቂት ብርሰት ናይ ህዝብና
መዕገቲ ረኺቡ ሰላም ክነግሰና
ነዚ ጨካን ስርዓት ኣምላኽ ይእለየልና
ነዚ ጨካን ስርዓት ኣምላኽ ይእለየልና
ሰቓይ በዚሑ ጸምያ ሃገርና
ብሒም ዘዝበለ ኣብ ጉድጋድ ዓፈና
ነፍሲ ወከፍ ስድራስ ዝርንዛሕ ነቢዕና
ክሳብ ማኣስ ኢና ከነብር ከምዚልና
እዞም ኣረመናውያን ሕልናኦም ዝሸጡ
መራሕቲ ናይ ህግደፍ ዓበይቲ ወጣጡ
ኣብ ኩርሲ ኮፍ ኢሎም ንህዝቦም ዘጽንቱ
ብናይ ሐፋሻ ገንዘብ ከብዶም ዝተመጡ
ብሕሰም ናይ ህዝቦም እፎይታ ዝረኸቡ
ሸይቦም ከለዉ ጽጉሮም ዘጽልሙ
ኣብ ምንዝርና ዝሓድሩ ከም ናይ ሓኽሊ ድሙ
ኣብ ኣጋዱ ሰንበል ብዳንሲ ዝተሸለሙ
ግዜ ይኣክል’ዩ ዘሎ ናበይ ከይትሃድሙ
ሃገርና በሪሳ ቆላ ምስ ከበሳ
ህዝባን እንስሳን ብሐደ በሪሳ
ሸቃላይ ጠፊኡ በዓል ሞደሻ ኣፈራዛ
ተማሃራይ ወጺኡ እቲ በዓል ቦርሳ
ሐረስታይ ከይተረፈ እቲ ንእሹቶይ ጓሳ
ኣብ ክንዲ ህንጸትሲ መቓብር ናይ ሬሳ
ገረብ ከይንተክል ንዓኺ መጽለሊ
መሬት ክይንግድብ ከይነፍሪ እኽሊ
ገሌና ኣብ እስርቤት ኣብ ጉድጋድ ንበሊ
ገሌና ከም ጫማ ጉልበትና ይበሊ
ገሌና ትሑዛት ከም እስርቲ በቕሊ
ገሌና ንስደት እንጀራ ክንደሊ
ኣብ ዘይናትና ባሕሪ ድማ ረጊፍና ከም ቆጽሊ
ህዝቢ ተዓፊኑ መሰል ሐቢምዎ
ውሉድ ካብ ውለዱ ብሓይሊ ፈልይዎ
ካብዚ ንኽሃድም ባሕሪ ውሒጥዎ
ንሬሳ ውላዱ ንቡር ከሊእዎ
እዚ ንኢስዎስ ብደዐ ወሲኽዎ
ነቲ ቅዋም ሃገር መይቱ’ዩ ኢሉዎ
ነዚ በሊሕ ህዝብ ደንቆሮ ጌርዎ
ንናይ ባዕሉ ድኻም ክኾኖ መሸፈኒ
ብኣሜርካ ይጅምር ይሰግር ናብ ወያኒ
ንሶም’ዮም ወራር ጀሚሮም ዘተዓናቀፉኒ
እምበር ምትግባሩ መኣስ ጠፊኡኒ
ሕጂ ብዝሞተ ቅዋም ኣይትሕተቱኒ
ክነዽፈልኩም የ ንዓይ ብዝሕሸኒ
ኣንታ እምበር’ ዶ ጥዑዩ እቲ ኣእምሮኻ
ገና እይፈለጥካያን ንነብስኻ
ሓላማይ’ዶ ስኢንካ የእኪልካ ዝብለካ
ክንዲ ስቕ ኢልካ ትጽብ ግዜኻ
ንቅዋም ክትቀብርስ ኣብ ሚድያ ወጺእካ
ቅዋምስ ኣይሞተን ንስኻ ኢኻ መትካ
መርድእ ንዓኣቶም’ዩ ነቶም ደገፍትኻ።
ሪፖርታጅ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርት
Tuesday, 10 February 2015 06:32 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርትሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ( EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርትን ( Frankfurt) ከባቢኡን ሃገረ ጀርመን ካልኣይ ምዱብ ኣኼብኡ ኣብ ዕለት 08.02.2015 ኣካይዱ፡፡
ኣብቲልሙድኣዳራሽመኣከቢኡ Kirch Platz Bockonhem ከተማ Frankfurt a.M. ብዕለት 08-02-2015 ዓ.ም. ካብሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 17.30 ዝወሰደ ዕዉት ኣኼባ ከም ዘካየደ ዝመጸና ሓበሬታ እነሆ።
እቲ ኣኼባ ብሓው ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጽእኩም ብምባል፡ ኣስዒቡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣገዳሲ ሓበሬታት ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢኤርትራገሊጹ።
ብምቅጻል ሓጂ ሳልሕ በቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንካልእይ ጉብኤኡ ክገብር ተዳሊዩ ዘሎ ብኣማራጺት ሽማግለ ዝተሰደ መምርሒ መሰረት ብምግባር ነቲ ዝቐረበ መልእኽቲ ናይ ኣማራጺት ሽማግለ ብዝርዝር ኣንቢቡን ገሊጹን።
ብድሕሪዚ ኣብቲ ዝቐረበ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ብጉዳይ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ብስፍሕ ዝበለ ኣገላልጻ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ መብርሂ ሂቡ። ሓው ንጉሰ ጸጋይ ዝገለጾም ጉዳይት ቁዋም እንታይ ማላት እዩ፡ቁዋምካኸ ምዓስ ተጽድቆ፡ቁዋም ንምንታይ የድልየካ፡ዝብሉ ዑሙቕ ዝበለ መግለጺ ጌሩ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ፡፡
ከምኡውን ሓው ዓንዶም ገርጊስ ኣባል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሽማግለ ጀርመን ብናይ ኣገባብ ኣመራርጻ ውክልና ኣብ ጨንፈር ተሞኩሮ ናይ ቀዳማይ ጉባኤ መሰረት ብምግባር ብስፍሕ ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ኣስዒቡ ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሉ ኣንጻር ነቲ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ጨቛኒ ስርዓት ክምክቱ ከም ዘለዎም ንኣኼበኛ ኣተሓሳሲቡ።
ብድሕሪዚ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ጨንፈር ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሎም ኣብቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ኣዳራሻት ኣሰካፊ ዝኾነ ሕድሕድ ዘይምቅዳው ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ምጥንቃቕን ኣንዊሕካ ምሕሳብን ካብ ወስታ ተቆጢብካ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ናይቲ ቦታ ምሕባርን፡ ንዘየራዳድኣካ ጉዳይት ብሕጊ ናይ ምፍትሖም ከምዝከኣል ምሕሳብ ከምዘድሊ ሰፊሕ ምኽርን መታሓሳሰብን ተለጊሱ፡፡ ድሕሪዚ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ።