ሽግርና ምልኪ ጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎ፧ (ካልኣይ ክፋል)
2015-03-10 11:03:54 Written by መድሃኔ ሃኣብተዝጊ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2707 timesካልኣይ ክፋል
ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ካብ ትዕዝብተይ ተረድኦይን ብኩራት ሕድሕዳዊ መትእምማን ከምዝኾነ ብምሕባር ጠንቁን ሰበቡን እውን ክገልጽ ተመባጺዐ ነይረ:: ከም መብጽዓይ እምበኣር ኣቀዲመ ብኩራት ሕድሕዳዊ ምትእምማን እዩ ክብል ዘድፍረኒ ክውንነት ብኸምዚ ዝስዕብ እገልጾ::
ብመሰረቱ ናይ ሓባር ጸላኢ (ሓደ ናይ ብዙሓት ጸላኢ) ሓድነትን ስሙር ቅልጽምን ናይቲ ብኡ ዝድቆስ ዘሎ ኣካላት ከም ዝፈጥር ታሪኽ ዝምስክሮን ብክውንነት ዝተረጋገጸን ሓቂ እዩ:: ኣርሒቅና ከይከድና ግዝኣተ መንግስታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ነተን ብቋንቛን፣ ብባህልን፣ ብከባብያዊ ዝርጋሔን ካልእን ዝተፈላለያ ትሽዓተ ብሔራት ኤርትራ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢአን ሓቢረን ከምዝለዓላን ሰሚረን ከምዝቃለሳን ገይረወን:: ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት ኣብ ትሕቲ ብዙሓውነት (unity under diversity) ኣብ ትሕቲ ዝብል መትከል ተመርኲሱ፣ መትንታቱ ማዕረ ነዲሩ፣ ቀላጽሙ ኣስሚሩ፣ ክኸፍሎ ዝነበሮ ዋጋ ከሲሩ፣ ኣብ ዓወት ሰጊሩ፣ ብናይ ሓባር ቃልስን መስዋእትን ነጻነቱ ኣረጋጊጹ:: እዚ ጥራሕ ኣይነበረን:: ነቲ ብሓገዝ ሓያላት ሃገራት ዝተደረዐ መንግስቲ ደርጊ ንምርዓሙ፣ ዶብ ሰጊራዊ ሕብረት እውን ተኻዪዱ እዩ:: እዞም ክልተ ድሕሪ ዓወታት ግንቦት 1991 ክልተ መንግስታት ናይ ክልተ ልዑላውያን ሃገራት ኣብ ምዃን ምስ በቅዑ፣ ኣብ ክልተ ቀንዲ ጸላእትን ተጻባእትን ሕድሕድ ዝተቀየሩ ናይ ሽዑ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ/ሻዕብያን ናይ ሽዑ ውድብ ህዝባዊ ወያናይ ሓርነት ትግራይን ዓንጻርቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝኾነ ስርዓታት ኣዲስ ኣባባ ኢድን ጓኖትን ኮይኖም እዮም ተቃሊሶም::
እዚ ስምረት እዚ ድማ ነቲ ብውሽጣዊ ዓቅሙን ብግዳማዊ ደገፍን ዘይንቕነቕ እምባ ዝመስል ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ረማዕ ኣቢሉ ኣብ መዝገብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ከምዝጎሓፍ ገይርዎ:: ኣብ ከምዚ ዓይነት ስምምዓትን ስምረትን ንምብጻሕ ደፋኢ ሓይሊ ዝኾነ ራኢ ናይቲ ዝሰመረ ሓይልታት እዩ ነይሩ:: ንሱ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንስርዓት ደርጊ ድሕሪ ምውዳቅ ነፍሲ ወከፉ ብሔራዊ መንነቱ ተኸቢሩን ተሓልይሉን ዝነብረላ ነጻ ዝኾነት ሃገር ምውናን:: ካብኡ ብዘይፍለ ብሒራት ኤርትራውን እንተኾነ በቲ ብሔራዊ ዝርጋሔአን ዝውክል ዞባዊ ምምሕዳራት ዘለዋ ብኻልኦት ከይተዓብለላን ከይተጸልዋን ብሔራዊ ቋንቋታተን፣ ባህልታተን፣ ሃይማኖታተን፣ ልማዳታተንን ኮታስ ብሔራዊ መንነተን ዓቂበን ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብሩላ ሃገር ምፍጣር እዩ ነይሩ እቲ ደፋኢ ሓይልሊ ዝኾነ ናይ ሓባር ባህጊ:: ከም ብሔርን ከም ውልቀሰብን ብህይወት ምንባር ኣብትሕቲ ግዝኦት ኮነ ኣብ ስደት ክርከብ ይከኣል እዩ. ኣብ ዝበዝሐ ኩርናዕ ዓለማን ከም ሕቶ ተላዒሉ ኣብ ዝዓብየ ጎንጽታትን ዘይተደልየ መድመይትን ዝብጽሕ ግን ሕቶ ብመንነትካ ምንባር እዩ.
ክነስምረሉ ዘለና ምምስራት ሰውራ ኤርትራውን እንተኾነ ምፍራስ ፈደረሽን ምህሳስን ምድምሳስን ኩሉ ኤርትራዊ መንነት ስለዘስዓበ እምበር ምጥፋእ ኤርትራዊ ህይወት ስለዘስዓበ ኣይነበረን:: ብርግጽ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ንውዕል ፈደረሽን ብምጥሓስ ንኤርትራ ክፋል ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ኣብ ምግባር ውዲት ኣብ ዝሰርሓሉ ግዜ፣ ነቲ ፖለቲካውን፣ ባህላውን፣ ሃይማኖታውን ክብርታትናን መንነትናን ኣጥፊኡ እዩ ብናይ ኢትዮጵያ ክብርታት ክትክኦ ፈቲኑ እምበር ትኽ ኢሉ ብምቕጻል ዓድታትን ጃምላዊ ቅትለት ህዝብታትን ኣይጀመረን:: ጃምላዊ ቅትለት ኮነ ምቅጻል ዓድታትን ምብራስ ንብረትን ከም ህጹጽ ኣሰምባዲ ግብረ መልሲ ነቲ ሃገራውን ብሔራውን መንነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን፣ ኣብ መንነት ካልኦት ኣትየ ድማ ኣይነብርን ኢሉ ዝነቀለ ሰውራ ኤርትራ ንምርዓድ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምትታት እዩ ነይሩ:: ካብዚ ተበጊስካውን ስርዓት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ብመሰረት ናይቲ ፈደረሽን ትሕዝቶ ሃገራዊ ልዑላውነት ዘይብሉ ግን ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ መንነቱ ክብርታቱ እንዳስተማቀረ ንኽነብር እንተዝገድፎ ነይሩ፣ ሰውራ ኤርትራ ማናልባት ኣይምተመስረተን ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋላ ኣብቲ ድሕሪ 10 ዓመታት ክካየድ ዝነበረ ረፈረንዱም እውን ህዝቢ ኤርትራስ ከምቲ ናይ 1993 ዶ ሓደ ድምጺ ኮይኑ እወ ንነጻነት ኤርትራ ኢሉ 99.98% ድምጺ መመዝገበ ነይሩ ኢልካ ንኽትወላወል ዝደፋፍእ እዩ::
ብጽሙቅ ቃላት እምበኣር ጠንቂ መንቀሊ ሰውራ ኤርትራ ምህሳስን ምትካእን ሃገራውን ብሔራውን ኤርትራዊ መለለዪታትና ኮይኑ፣ እቲ ስዒቡ ዝተወስደ ጃምላዊ ቅትለት ኤርትራዊ ህይወት ድማ ነቲ መንነተይ ክብረተይ ኢሉ ነዲሩ ዝተላዕለ ህዝቢ ዝያዳ ኣነሃሂርዎን ኣብ ሓድነቱ ኣትሪርዎን:: ከመይሲ እቲ ዘጋጠመ ጽገማት ናይ ኩሉንን ንኹለንን ስለዝነበረ፣ እቲ ጸላኢውን ናይ ሓባር ስለዝነበረ::
ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ጥልመት ድሕሪ ነጻነት ሃገር ከጋጥሞ ዘይተጸበየ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብተን ዕለታት ዓወቱውን እንተኾነ ማለት ኣብ ቅንያት ግንቦት 1991 ንደስታኡ ንብዓት ብዘሰነዮ ናይ ሓባር ዕልልታን ዝላን እዩ ኣመስኪሩ:: ኣበይ እሞ ክኾነሉ፣ ኣብ ዘመነ ጥልመትዶ ገርሂ ልቢ ይድሕን ኮይኑ!
እቲ ነቲ ወርቃዊ ባህግታት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታት ነፍሲ ወከፍ ብሔራት ኤርትራን ከም ቀንዲ መንኮርኮር ናይ ቃልሲ ተጠቂሙ፣ ናይ ድሕሪ ነጻነት ናይ ኮንቱ መብጽዓታት እንዳተመባጽዐ ብገድልን መስዋእትን ሓፋሽ ኣብ ዓወት ምስ በጽሐን፣ ኣታሊሉ ሃገራውን ዝና ምስ ኣመዝገበን ብመንገዲ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኡ ኣቢሉ ንነፍሱ ኣንጻር ባህርያቱን መልክዑን ዝኾነ ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስን ፍትሕን ዝብል ውቁብ ስም ኣጠሚቁ፣ ነዚ ሎሚ ንብሔራትና ኣብ ፍጹም ዘይምትእምማን ዘብጽሐ ናይ ግበታን ምልክን መደባቱ ተተሓሓዞ::
ድሕሪን ቅድምን ነቲ ካብ ዕለተ ልደቱ ዓፊኑ ዝቀተሎን ድሕሪ 15 ዓመታት ድምብርጽ ከይበለ መርድእ ሞቱ ብዕሊ ብማዕከናት ዜን ዘቃልሖን ሃገራዊ ዓንደ ሕጊ ኤርትራ፣ ወርሒ ወርሒ ብዝእወጅ ቄናን ዝኾነ ናይ መሬትን ዋንነትን፣ ናይ ኣባይትን ህንጻን፣ ናይ ንግድን ዕደናን፣ ናይ ትምህርትን ቛንቛታት ሃገርን፣ ዘይክውንነታዊ ሓዲሽ ዞባዊ ምምሕዳራትን ዶባቱን፣ ንዑኡ ዝኣመሰለ ካልእን ፖሊስታቱ ገይሩ ንትጽቢትን ሃንቀውታን ብሔራት ብፍጹም ኣበርዒንዎ:: እቲ ኣብ ምፍራስ ፈደረሽን ብዕልን ብቃልዕን ዝተኣወጀ ብርሰት ሃገራውን ብሔራውን መለለዪ መንነታት ኣብ ዘመነ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ብሜላዊ ኣገባብ /systematically/ ሓላዪ ዝመስል መልክዕ ሒዙ ይካየድ ከምዘሎ ንህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተሰቆሮ መጺኡ:: ኣብቲ መጀመርታ እዚ ኣካይዳዚ ዘይተዋሕጠሎም ዜጋታት ብጥርኑፍ ኮነ ብውልቂ፣ ሕቶ ካብቅራብን ተቃውሞኦም ካብ ምግላጽን ድሕር ኣይበሉን:: መልሱ ግን ዒም ዝበለ ይተሓጎም ኮይኑ:: ልክዕ ከምቲ ስርዓት ጃንሆይ/ሃይለስላሴ ንሰውራ ኤርትራ ኣሰምቢዱን ኣርዒዱን ክቆጽዮ ብምህቃን፣ ኣሳቢቡ ዓድታት ዘቃጸለ፣ ስርዓት ኢሰያስውን ተመሳሳሊ ሜላ ተኸተለ:: ንዝኾነ ጸረ ኣዋጃቱ ሕቶ ዘልዓለን ዝጠርጠሮን ውልቀሰብ ኮነ ጉጅለ፣ ከም ጸረ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገርን፣ ቀቢላዊ፣ ብሔራዊ፣ ኣውራጃዊ፣ እስላማዊ፣ ጅሃዳዊ፣ መታሕታዊ፣ ግብረሽበራዊ ወዘተ ሓሳባት ዝወነኑ ኣምሲልካ ብምጥቃዕ ይትርፍስ ገጽ ኤርትራ ገጽ ዓለም እውን ከምዘይርእዩ ገበሮም::
ተቃውሞ ህዝብን ስኽፍታ ንኡሳን ብሔራትን ዕጅብ ዘይበሎ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ኣስመራ በዚ ኣገባብዚ ንህዝቢ ኣብ ራዕዲ ኣእትዩ ኣብ ትግባረ ኣዋጃቱ ኣተወ:: ንህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢ ዓለምን ንምድንጋር ድማ ሓድነት ሃገር፣ ልዑላውነት ሃገርን ባህሊ ሃገርን ዝብል ንየዋህ ዘደናግር ቃላትን ሓረጋትን ተጠቂሙ ከታልል ፈተነ:: ምስ ትግባረ ኣዋጃት ናይዚ ሓደ ሰልፋዊ ገባቲ ስርዓት ዝያዳ ምስፍሕፋሕን ምዝርጋሕን ናይ ብሔረ ትግርኛ ክረአ እንከሎ በንጻሩ ግን እቲ ካልእ ብፍላይ ንኣሽቱ ብሔራት ናይ ምቕሓም ሓደጋ ኣንጸላልይወን ይርከብ:: ነዚ ንብሔራት ስኽፍታን ዘይምትእምማንን ዘእተወ ዝተራእየን ዘጋጠመን ዓብላልነትን ተዓብላልነትን ብጭቡጥ ክንዛረበሉ ኣገዳሲ እዩ:: እቲ ክሲ ብሔረ ትግርኛ ንኹሉ ገቢቱ ኣብ ኩሉ ድማ ዓብሊሉ፣ ሎሚ ንዕብየትን ምዕባለን ካልኦት ብሔራት ዕድል ኣይሃበን፣ ምስ ግዜ ድማ ኣብ መጻኢ ግዜ ካልኦት ብሔራት ተዋሒጠንን ሓቂቀን ዝጠፍኦሉ ተርእትዮ ኣንጸላልዩ:: ስዒቡ ዘሎ ነጥብታት እቲ ጽገም ካበይን ብኸመይን ከምዝመንጨወ ንምርድኡ ክሕግዘና ይኽእል::
- እዉጅ ምፍራስ ናይቲ ንነውሕ ግዜ ዝሰርሐ 9 ዝቦታትን ኤርትራ እሞ ብኻልእ 6 ዞባታት ምትክኡ መፈለምታ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሽግር ነበረ:: ከምኡ ምግባር ምኽንያት ዘይነበሮ ኣይኮነን:: መብዛሕትኡ እቲ ዝፈረሰ 9 ዞባታት ምስ ጂኦራፍያዊ ዝርጋሔ ናይ ብሔራት ዝተሳነየ ነበረ:: እዚ ምክፍፋልዚ ድማ ብመጠኑ ነተን ብሔራት ካብ ከቢድ ናይ ሕድሕዳዊ ባህላዊ መጥቃዕትታት ተኸላኺልወንን ኣድሒንወንን ጸንሐ:: ብሔራት ኣብቲሕቲ ሃገራዊ ሓድነት ኣጽሊለን ኣብቲ ናትናዩ ዝብላኦ ዞባታት ብሔራዊ ኣተሓሳስባ፣ ብሔራዊ ኣረኣእያ፣ ብሔራዊ እምነትን ወኒነን፣ ነጻ ኮይነን ባህልታተንን ቋንቛታተንን ክጥቀማን ከስተማቅራን ጽኒሐን:: ዕላማ ምፍራስ 9 ዞባታት እምበኣር ነዚ ብሕቱው ናይ ብሔራት ኣተሃላልዋን ኣተሓሳስባን ኣፍሪስካን ጨፍሊቅካ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ባህልን ኣተሓሳስባን ምእታው ነበረ::
- ምግዓዝ ዋንነት መሬትን ባህርያውያን ጸጋታት ሃገርን ካብ ህዝቢ ናብ መንግስቲ እውን ነዚ ናይ ዓብላልነትን ተዓብላልነትን ሽግር ድርብ ኣዛይድዎ:: ቅድሚ ኣዋጃት ዋንነት መሬትን ባህርያውያንን ጸጋታትን ምእዋጆም ናይ ከባቢ ህዝቢ ጓና/ተወላዲ ካልእ ብሔር ዝኾነ ዋንነት ረኾቡ ኣብ ከባቢኦም ብብዝሒ ከይሰፍር እሞ ናይ ባህልን ቋንቋን መጥቃዕቲ ከይፈጥረሎም ናይ ርእሰ ምክልኻል ሕጋዊ ሓይሊ ነበሮም:: እንተኾእ በዘን ክልተ ኣዋጃት እዚኣተን እዚ ሓይሊዚ ተመንዘዐ:: በንጻሩ ሎሚ ዓቅሚ ዘለዎ ሰብ ኮነ ብሔር ኣብ ሰፈራ ዓቅሚ ዘይብሎም ደቂባት ዝኾኑ ውልቀሰባት ኮነ ብሔራት ኣብ ድላዮም ዝሰፍሩሉን ድላዮም ዝውንኑሉን ዕድል ተኸስተ:: እቲ ዓቅሚ ዘይብሉ ወድ’ባት ድማ ካብቲ እንኮ ዝውንኖውን ተሪፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀጻልነቱውን ሓደጋ ኣጋጢምዎ ይርከብ:: ምኽንያቲ ንኾሉ ዕዳጋታት፣ ናይ ኣገልግሎት ትካላት፣ ምምሕዳራዊ ጸፍሕታት፣ ካልእን እቲ ዓቅሚ ሃልይዎ ተንቀሳቂሱ ዝሰፈረ ዓቢሊሉ ብምሓዝ ነቲ ወዲ ባት ኣብ ሰከዔት መሕንቆ ኣእትይዎ ይርከብ::
- ኣዋጅን ትግባረን ፖሊሲ ዕደና እውን እንተኾነ ኣብ ሊዕሊ ነበርትን ደቂባትን ከባቢ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ እንዳፈጥረ ይመጽእ ኣሎ::
- ፖሊስን ትግባረን ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብወገኑ ነቲ ናይ ንኡሳን ብሔራት ምሕቃቅ ዝያዳ ከቀላጥፎ ይረአ ኣሎ:: 15፣16፣17 ዝዕድሚኦም ኣማኢት ኣሽሓት ቆልዑት ናይ ዝተፈላለዩ ብሔራት ዓመት ዓመት ትምህርቲ ኣሳቢቦም ጓሎም ወዶም ብግደታ ንሳዋ የምርሑ:: ንናይ ሓደ ዓመት ዓመተ ትምህርቲ ወይ ንናይ 18 ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሎም ናብታ ሃገራዊ ባህሊ እተልብስ ፋብሪካ ምስ ኣተዉ ድማ ካልእ 18 ዓመታት ወይ ካብኡ ንላዕሊውን መንነቶም ክሳብ ዝሃስስን እቲ ዝድለ ሃገራዊ ባህሊ ዝበሃል ክሳብ ዝለብሱን ኣብ ባሕረ ትግርኛ ተኣሊኾም ይጸንሑ:: ዝኾነ ካብኣቶም ዕድል ረኺቡ ንናይ መዓልታት ብጽሖት ንገዛ ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ ልሳኑ፣ ኣልባሱ፣ ኮታስ ኩሉ ናይ ዕለታዊ ህይወት ምንቅስቃሳቱ ናይ ትግርኛ ወሪሱ፣ ካብቲ ናይ ኣብኡን ብሔሩን ግን ኣዝዩ ርሒቁ ትረኽቦ:: ወረ ጸኒሑስ ብመውስቦ ተዳቂልውን ካብ ናቱ ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም መጻምድትን ውላድን ሒዙ ይመጽካ/ትመጽካ::
- እቲ እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ዘስዓቦ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት እውን ንኹሉ ሃስዪ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ባህሊ እንዳኣወራረሰ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ዝነበሮ ንኣሽቱ ብሔራት ኣብ ክንደይ ምንኣሶም ተበታቲኖም ከምዝሓቁ ገይርዎም ይርከብ ኣሎ::
- ሰፈራዊ ምጥያስ ካብ ዓዲ ስደት ንዝተመልሱ ኤርትራውያንን ምጥርናፍ ዓድታትን ዝብሉ መደባትውን ንድሕነት ድቂባት ዝኾኑ ባህልታትን ቋንቋታትን ኣብ ግምት ካብ ዘየእተዉን ብንጻሩ ንከባብያዊ ተቀማጣይ ብኣሉታ ካብ ዝጸለዉን መደባት እዩም::
ስርዓት ኣስመራ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መደባቱ ኣብ ሊዕሊ ንኣሽቱ ብሔራትን ኣብ ልዕሊ ደቂባት ዝኾኑ ነበርትን ዘስዕቦ ሃስያን ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ከምጽኦ ዝኽእል ናይ ምፍርሻኽ ሓደጋ ተሰዊርዎ ኣይኮነን:: የግዳስ ከምቲ ኣቀዲሙ ኣብ ከርሰ ኤርትራ ብዝሒ ውድባት ዘለዎ ሰውራ ኣየድልን እዩ ዝተብባህለ፣ ጸኒሑውን ድሕሪ ነጻነት ብዝሓ ሰልፋዊ መንግስቲ ኣየድልን እዩ፣ ፍተዉ ጽልኡ ህግዲፍ እንኮ ሰልፍን መንግስትን ናይዛ ሃገር እዩ ዝተበህለ፣ ካብኡ ብዘይፍለ ኣገባብ ብዝሒ ብሔራት ኣይከድልን እዩ ዝብል መንገዲ ይኽተል ስለዘሎ እዩ::
ክኸውን ዘይነበሮ ካብ ጊጉይ ተረድኦ ካብዚ ነጥቢዝ ዝነቀለ ብሔራት ኣብ ሊዕሊ ስርዓት ኢሰያስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሊዕሊ ብሔረ ትግርኛውን እምነት ኣጥፊአን:: በንጻሩ ብሔረ ትግርኛውን ብፍላይ ህዝቢ ከበሳ ብወገኑ ኣብ ሊዕሊ ካልኦት ብሔራት ምትእምማን ዘጕደለ ይምስል:: እዚ ግን ብኽሊቲኡ ወገን ግቡእ ተረድኦ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣካይዳ ዘይምርዳእ ከምዘሎ ይገልጽ::
ኣብ ዝስዕብ መቐጸልታ ጽሑፈይ እንታይ እዩ እዚ ጊጉይ ተረድኦ ብሔራት፣ ካብ እንታይ ዝነቀለ እዩ፣ እንታይከ ዘያዳ ኣማዕቢልዎ ንዝብሉ ሕቶታት ክምልስ ክፍትን እየ:: ንሎሚ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!
መድሃኔ ሃኣብተዝጊ
(LLM)
መድሃኔ ሃብተዝጊ