ጨንፈር ማእከል (ፍራንክፈርትን ከባቢኡን) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ሃገረ ጀርመን ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ

2015-03-09 18:28:35 Written by  EPDP Information Office- Germany Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2679 times

ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ ክርሽ ፕላትስ ቦኮንሃይም  ብዕለት 08-03-2015 ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.30 ዝተኻየደ ናይ ጨንፈር ኣኼባ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ ነሆ።

ኣኼባ በቲ ምዱብ ግዜኡ ብጻይ ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ  ምስ ከፈቶ እቲ ቀንዲ መደብ ወይ ኣጀንዳ ናይዚ ዕለትዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ስለ ዝነበረ  ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ኣገዳሲ መግለጺ ብብጸይቲ ፈቨን ግደዎን ዋና ጸሓፊት ጨንፈር ንኣኸበኛ ብጽሞና ተነቢቡ። ሕምረት ናይቲ ዝቐረብ ጽሑፍ ውጽዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ድሕሪ ምሕራር ሃገር ኤርትራን ሎሚን ዘጋጥማ ዘሎ መነባብሮ ህይወታን ካብዚ ንምግላል ትርኽቦ ዘላ ኣሰቓቒ  ዓለም ምሉእ ዝፈልጦ ግህሰትን ዝኣመተ ኢዩ።

Frankfurt meeting 08 03 2015 2በዚ ምኽንያት ድማ ኢዩ ሰዲህኤ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፍርቂ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዃነን መሰለን ተሓልዩ ኣብ ኵሉ  ሕይወት ሕብረተ-ሰብናን ሃገርናን ብማዕረ ክሳተፋ ከምዘለወን ይኣምን። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ እቲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ካብ ኵሉ ማሕበራውን ውልቃዊ ሕይወትን ክግልለን ዝጸንሐ ባህላውን ፖለቲካውን ቀይድታት ብሕጊ ንምውጋዱ ኣድላዪ ቃልሲ ክካይድ ዝበለ። ብድሕሪዚ ጨንፈር ሽማግለ ንኣኼበኛ በዚ ኣርእስቲ እዚ በብፍልጦኡ ብሰፊሕ ክግለጽን ክክካታዕን እኹል ጊዜ ብምሃብ ዅሉ በብወገኑ ካብ ገዛ ዝቐረበ ሕቶ እንዳመለሸን እንዳገለጸን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ  ኣንስትዮ ከቢሩ ውዒሉ ክብሃል ይከኣል።

Frankfurt meeting 08 03 2015 3ብድሕሪዚ ኣገዳሲ ውሽጣዊን ውጻኢን ሓበሬታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምቕራብ ብጉዳይ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ጉዳይ ምቅርራብ ፈስቲቫልን ብምጥቃስ ነዚ ክልተ ዓበይቲ ጉዳያት ካብዚ ዕለት እዚ ክንዳለውሉ ከም ዘሎና ሽማግለ ጨንፈር ንኣኼበኛ  ኣጥቢቖም ብምትሕስሳብ፤ ርእይቶን ለበዋን  ብምቕባል ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

  

Last modified on Tuesday, 10 March 2015 12:08