ንምፍራስ እምበር፡ ንምህናጽ ዘይተዓደለ ጉጅለ

2015-03-05 09:18:02 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3040 times

ህልውና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሜና ዝተገተረ መስገደል ስለ ዝኾነ፡ በብዕለቱ ብዛዕባኡ ክንጽሕፍን ክንዛረብን ናይ ግድን እዩ። ክንጽሕፍን ክንዛረብን እከለና ግና ከም ናይ ሰናይ ኣብነት ዘይኮነስ ከም ናይ እከይ ተግባራት ኣብነት ኢና እንጠቕሶ። ተግባሩ ከምኡ ስለ ዝኾነ። “ጉጅለ ህግደፍ ህዝብን ሃገርን ንምብስባስ ዝመጸ እከይ እዩ” ኢልካውን ስቕ ምባል ይከኣል እንድዩ፡ ምረት እከይነቱ ዝያዳ ንምብራህ ዝርዝር ምቕራብ’ውን ናይ ግድን እዩ። እከይነት ናይዚ ጉጅለ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ማለት ኣብ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ካብ ሓደ ዲክታቶርያውን ጸረ-ህዝብን ባህርይ ዝቕዳሕ እዩ። እዚ ጉጅለ ኩሉ ተግባራቱ ሓድሽ ቅዲ ሓንጺጽካ ንቕድሚት ምስጓምስ ይትረፍ እሞ ነቲ ዝነበረ ኤርትራዊ ኩለመዳያዊ መንነት እውን ናይ ምዕቃብ ዓቕሚ ኮነ ትዕግስቲ ዘየብሉ ንድሕሪት ዝስጉም ኣፍራሲ እዩ።

ሎሚ ኤርትራ ኣብ ቁጠባኣ ኮነ ባህላ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምስላ ኮነ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድነኣ፡ ኣብ ምኽባር ደሞክራሲያዊ ኮነ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ናይ “ዓሚ ይሓይሽ” ድሑር ደረጃ እያ ዘላ። ሎሚ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ዘመናዊ ስልጣነ ናብ ቁሸት ዝተለወጠትሉ ናይ ግሎባላይዘሽንን ምዕቡል ዘበንን ናይ ወፍሪ ፖሊሲ ዝማዕበለሉን መዋእል ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተለዊጣ ብናይ “ዕጽው ፖሊሲ ዝምድና” ተሻቢባ ብናይ ሓሶት “ነብስኻ ምኽኣል ቁጠባ” ኣብ ባይታ ዘይሽረፍ ፖሊሲ ጸምልያ ዘላ ሃገር እያ። ጉጅለ ህግደፍ በብግዜኡን መድረኹን ብዝቐያይሮ መልክዓት ዝነዝሖ ብልጭልጭ ዝብል መብጸዓታት ነይርዎ እዩ። ሕጂ’ውን ኣለዎ። ኩሎም እዞም ዝቐያይሮም መልከዓትን ዘቃልሖም መብጸዓታትን ግና ብድምር ካብ ሓደ መኹባዕቲ ዝቕድሑ ናይ ኣፍራስነት ውጽኢት እዮም። ብጥሙር ሕርሻ ኣሳቢካ መሬት ድኻ ሓረስታይ እንተላይ ጉልበቱ ምዝማት፡ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብያተ ትምህርቲ ምዕጻው፡ ብጉልባብ ምብዛሕ ኮለጃት ዩኒቨርሲቲ ምዕጻው፡ ብጉልባብ ቤተሰብ ስዉኣትን ዳግመ-ህንጻን 2% ምእካብ፡ ብጉልባብ ሉኣላውነት ንኹሉ ደሞክራሲያዊ መስርሓት ዓጺፍካ፡ ብቑርጽራጽ ኣዋጃት ተሰኒኻ ኣብ ስልጣን ምቕጻል፡ ብጉልባብ ምንዳፍ ሓድሽ ሕገመንግስቲ ዕድመ መግዛእቲ ምንዋሕ፡ ብጉልባብ ምክልኻል ሃገር ዕዳጋ ቦንድ ምኽፋት …ወዘተ፡ ኩሎም እዚኣቶም ንዝነበረ ኤርትራዊ ኒሕን ውርሻን ንድሕሪት ዝመልሱ እምበር ንቕድሚት ዘሰጉሙ ከም ዘይኮኑ ርኢናዮ ኢና።ዲክታቶር ኣቶ ኢሳይያስ እውን ኣብቲ በብግዜኡ ዝገብሮ ተጋራጫዊ ቃለ መጠይቓት እንዳመለቖ ግዲ ኮይኑ “ ኢንዱስትሪ የለን፡ ጸዓት የለን፡ ዝተዋህለለ ማይ የለን ዘመናዊ መሳርሒ … ወዘተ” እንዳበለ ነቲ ብሰንኩ ኣጋጢሙ ዘሎ ጽልሙት ሃለዋት ኤርትራ ይገልጾ እዩ። ከምዚ ክብል እንከሎ፡ “እሞ እንታይ ደኣ ትገብር ኣለኻ?” ኢሉ ዝሓተኒ ኣካል የለን ካብ ዝብል ትምክሕቲ ዝነቅል ምዃኑ እውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

እነሆ ከዓ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እቲ ቃድራ መሬት ግዲ ተወዲእዎ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ኣሻሓት ኣባይቲ የፍርስ ከም ዘሎ ዝሕብሩ ዜናታት ንሰምዕን ነንብብን ኣለና። ነዚ ዝፈርስ ዘሎ ጥሻታት በቲ “ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ” ዝብል እሞ “ መሬትስ ናይ መንግስቲ’ዩ፡ መንግስቲኸ ናይ መን’ዩ” ዝብል ሕቶ ዘኸትል ፖሊሲኡ መሰረት ድላዩ ክገብሮ እዩ። ድላዩ ክገብሮ እዩ ክበሃል እንከሎ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ክጥቀመሉ እዩ ማለት ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብታ ተወሊድካ ዝዓበኻላ ቁሸት መጽለሊኻ ትሰርሓላ ቅራስ መሬት ንምርካብ ብጉጅለ ህግደፍ “እሙን” ዝብል መዓርግ ክትለብስ ይግበኣካ። እቲ ጉጅለ ነዚ ዝፈርስ ዘሎ መሬት፡ በቲ ዝለመዶ ኣገባቡ ወይ ንሰብ ዶላር ክሸጦ እዩ፡ ወይ ድማ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ “ኣብ ጐንኻ ኣለና” ንዝብልዎ እሙናት ኣሳሰይቱ ከም ግነዖት ክህቦም እዩ። ርግጽ እዩ ኣባይቲ ክፈርስ እንከሎ ቀንዲ ምረቱ ነቶም ሰብ ኣባይቲ እዩ። እንተኾነ እዚ ተግባር ብምፍራስ ኣባይቲ ዘይዓግብ ሃገር’ውን ከብርስ ዘንቀደ ጉጅለ ዝወስዶ ዘሎ ስለ ዝኾነ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እውን ናይ ብስራት ዘይኮነስ ናይ መርድእ እዩ። ደሓር ከዓ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ጽባሕ ናብ ከባቢ ካለኦት ከተማታት ዝላባዕ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ህዝብን ከፍርስ እንከሎ ዘይዓጀቦ፡ ገዛውቲ ከፍርስ እንከሎ ቅጭጭ ከምዘይብሎ ርዱእ እዩ።

ሓቂ እዩ ነዚ ጸይቂ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዓው ኢልና ከነወግዞ ይግበኣና። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢኤርትራ’ኳካብ መጀምርታኡ፡ በቲ ሓደ ወገን መሬት ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ንዘለዎ ዕዙዝ ግደ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ብዘይምጻእ ይመጾ ከም ዘሎ ብምርዳእ ንመሬት ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ዋና መሬት ህዝቢ እዩ” ካብ ዝብምል እምነቱ ነቒሉ ኣብ ዓንቀጽ 6.1፡ “ቀጻልነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ መሬት ንምርግጋጽን፡ ንድሌትን ረብሓን ናይ ሕጅን መጻእን ወለዶታት ብምንጽብራቕ ንምቕያሱ፡ ነዚ ዘሎ ንመሬት ዝምልከት ገባትን ኣግላልን ፖሊስን ኣዋጅን ህግደፍ ኣልጊሱ መጽናዕትን ምርምርን ብዘሰነዮ ፍትሓዊ መንገዲ ናብ ዋንነት ህዝቢ ይመልሶ።” ኢሉ ኣሎ። እዞም ንጉጅለ ህግደፍ ከም ነባሪ አሲዶም ንህዝብና ዘይወግሓሉ መሲልዎም፡ ነቲ ጉጀለ እንዳቃባጠሩ ሳዕቤናቱ ዘንጊዖም ኣብ ናይ መሬት ጉዚ ዝተመራስሑ ውሑዳት ኤርትራውያን፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኢደ-እግሮም ንክእክቡ መጠቀቕታታት ክቐርቦም ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ክንርሰዖ ዘይግበኣና ኣብዚ መድረኽዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይና ጉዳይ ተቓወምትን ኩሉ ደላይ ለውጥን ክኸውን ዝግበኦ፡ ደድሕሪ ኣጀንዳታት ህግደፍ እንዳኸድካ ኣብ ሓደ ፍሉይ መድረኻዊ ፍጻመኡ ተወሲንካ ምእዋይ ዘይኮነስ፡ አቲ ናይ ኩሉ ግናይ ባህርያቱ መሰረት ዝኾነ ህልውናኡ ዘኽትመሉ መንገዲ ክንረክብ እዩ ዝግበና። ከነወግዶ ዘኽእለና መንገዲ ክንፈጥር ናይ ግድን ይግበኣና። በቲ ንሱ ብበበይኑ መገድታት ኣብ በበይኑ ግዜ ንከቕህመና ዝምህዞ ፈላሊኻ ናይ ምውቃዕ ተንኮሉ ከይተዓሸና ናይ ግዜን ሜላን ምምራጽ ጉዳይ ተዘይኮይኑ ኣንጻር ኩልና ዝተነጻጸረ ናይ ኩልና ጸላኢ ምዃኑ ክንዝንገዕ ኣይግበኣናን።

ሎሚ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት እዚ ጉጅለ ክንዝርዝር ንደኽመሉ ግዜ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እንታይነት ህግደፍ ኣይኮነንዶ ንዓና ንተቓወምትን ንህዝቢ ኤርትራን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ጉጅለ እውን በሪሁ እዩ። ካብዚ ኣዝዩ ኣሻቓልን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣሰካፊ መድረኽን መዋጸኦ ክኹኑ ይኽእሉ እዮም ኢልና ንኣምነሎም ነናትና እማመታት ካብ እነንጸባቕ’ውን ነዊሕ ግዜ ኰይኑ እዩ። ነቲ ኩነታት ናይ ምቕያር ዓቕምን ሓላፍነትን ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩላትና ውሁድ ዓቕሚ ምዃኑ ካብ እንርዳእ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኩሉ ጉባአታትና፡ ኮንፈረንሳትናን መሪሕነታዊ ኣኼባታትናን ብዝወጹ ደምደምቲ መግለጽታት ክረጋገጽ ጸኒሑ እዩ።

እምበኣር ሎሚ ምስ ተግባራውነት ኢና ፊትንፊር ተፋጢጥና ዘለና። ሎሚ ናይ ምእዋጅን ውሳነታት ምዝርጋሕን ወይ ናይ ምቕራብ ምሩጽ መደረታት መድረኽ ዘይኮነስ፡ ብተግባር ናይቲ ብሓሳብ እትብሎ ቅዩድ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ወይ ዘይምቕራብ ወሳኒ እዋን እዩ። ሎሚ ብዛዕባ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብቲ ትሰማማዓሉ ምስራሕ፡ ሰባኺ ዘይኮነስ ተግባሪ ኣብ ዝድለየሉ ኢና ንርከብ ዘለና። “ኣነ ምእንቲ ህዝበይን ሃገረይን ክብጀው እየ” ዝብል ብኣዋጅ ዘይኮነስ ብተግባር ኣብ ዝጥለበሉ እዋን ኢና በጺሓና ዘሎና። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ “ናይ ቃላትን ጃህራን ሓሸውየ” ዝጸውር እንግደዓ ከም ዘየብሉ ይገልጽ ኣሎ። ነዚ ሻቕሎቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ተዘይፈዊስናሉ ጽባሕ “ኣይእ ንሳቶም እውን ዘይከም ህግደፍ እዮም” ኢሉ ኣብ መስርዕ ኣፍረስቲ ከይሰርዓና’ሞ ከይንጠዓስ ብዓንተቦ ክንሓስበሉ ይግበኣና። ኣብቶም ብዓላማ እንፈላለ ዘሎ ርክብ ናይ ሓሳብ ፍልልይ እምበር ጽልኢ ኣይኮነን። እዚ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ድማ ብናይ ተቐራሪብካ ናይ ሓሳብ እንካንሃባን እምበር፡ ብናይ ተረሓሒቕካ ጽልኢ ዝውዳእ ኣይኮነን።

4 መጋቢት 2015

Last modified on Thursday, 05 March 2015 10:19