ብድሕሪት ተኲሱ ዝወግእ እንግዳዓ
ኣድራጋ ዝሃረመ ካብ ብሻዓ፣
ካብ ፈለማ ኣደልዲሉ ድርዒ
ዝሕባኣሉ መጸግዒ።
ሓርበኛታት፡ ከቋሙቱ ቅድሚት
ወራር ጀመረ፡ ካብ ድሕሪት፣
እናጨመተ ንዝሃብረረ
ሃገር ኣልቢስዋ ናይ ሓዘን ቋረ።
ወራር፡ ገጽ`ዶ ኣልይዎ መልክዕ?
ዓመጽ እንዳኣሉ ደም ዘጉስዕ፣
ስሰዐ ዝማእከሉ ጨካን ወፍሪ
ኣረመኔ ባህሪ፡ ቀዛፊ፡ ዓምጣሪ።
ካብ ናይ ራዛ ፕሮጀክት- ዝሻሕከረ
ካብ ዳግመ-ወራር- ዝጠንከረ፣
ካብ ምክልኻል ናቕፋ- ዝሓለ
ካብ ሰላሕታ ወራር- ዝመረረ።
ሃገር ደመየት ብወሓዚ ስደት
ንማእሰርትን መቕተልትን ካብ ተፈርደት፣
ሕሱም ወራር`ሲ እዚ እንዳኣሉ
ሃገር ዝረማስስ ካብ ውሽጢ ነቒሉ።
ኣለዋ፡ ዓድታት ዳርጋ ዝጸነታ
እታ ጽብቕቲ ቤቶም ብውቅብታ፣
ራሕሪሖማ ከይዶም፡ ነፊጾም
ተስፋ-ኣልቦ ኮይንዎም ቀቢጾም።
ኣልቦ መዋጸኦ፡ ልኩት፡ ኩሕኖ
ንሓሳረ-መከራሞ እንታይ ክሳኣኖ!
ኣንቱም ሰባት! ሕሱም`ዩ እዚ ወረራ
ረኺብና ከንስእና ኤርትራ?
ጸጋይ ነጋሽ
03 03 2015