ሕሱም`ዩ `ዚወረራ!

2015-03-05 00:50:29 Written by  ጸጋይ ነጋሽ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1778 times

 

ብድሕሪት ተኲሱ ዝወግእ እንግዳዓ

ኣድራጋ ዝሃረመ ካብ  ብሻዓ፣

ካብ ፈለማ ኣደልዲሉ ድርዒ

ዝሕባኣሉ መጸግዒ።

ሓርበኛታት፡ ከቋሙቱ ቅድሚት

ወራር ጀመረ፡ ካብ ድሕሪት፣

እናጨመተ ንዝሃብረረ

ሃገር ኣልቢስዋ ናይ ሓዘን ቋረ።

ወራር፡ ገጽ`ዶ ኣልይዎ መልክዕ?

ዓመጽ እንዳኣሉ ደም ዘጉስዕ፣

 ስሰዐ ዝማእከሉ ጨካን ወፍሪ

 ኣረመኔ ባህሪ፡ ቀዛፊ፡ ዓምጣሪ።

                                  

ካብ ናይ ራዛ ፕሮጀክት- ዝሻሕከረ

ካብ ዳግመ-ወራር- ዝጠንከረ፣

ካብ ምክልኻል ናቕፋ- ዝሓለ

ካብ ሰላሕታ ወራር- ዝመረረ።

ሃገር ደመየት ብወሓዚ ስደት

ንማእሰርትን መቕተልትን ካብ ተፈርደት፣

ሕሱም ወራር`ሲ እዚ እንዳኣሉ

ሃገር ዝረማስስ ካብ ውሽጢ ነቒሉ።

ኣለዋ፡ ዓድታት ዳርጋ ዝጸነታ

እታ ጽብቕቲ ቤቶም ብውቅብታ፣

ራሕሪሖማ  ከይዶም፡ ነፊጾም

ተስፋ-ኣልቦ ኮይንዎም ቀቢጾም።

ኣልቦ መዋጸኦ፡ ልኩት፡ ኩሕኖ

ንሓሳረ-መከራሞ እንታይ ክሳኣኖ!

ኣንቱም ሰባት! ሕሱም`ዩ እዚ ወረራ

ረኺብና ከንስእና ኤርትራ?

ጸጋይ ነጋሽ

                                                                                          03 03 2015