ሽግርና ምልኪ ጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎና፧

2015-03-04 14:33:05 Written by  መድሃኔ ሃብተዝጊ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2471 times

ቀዳማይ ክፋል

  1. እቲ በትረ ስልጣኑ ብምልኪ ዝፈለመ፣ ህዝቡን ህዝቢ ዓለምን ዝፈንፈኖን ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ዝተሓረሞን ስርዓት ህግዲፍ ከም ነባሪ እምባ ንሊዕሊ 24 ዓመታት ኣብ ስልጣኑ ይነብር ካብ ሃለወ፣
  2. እቲ ካብ ቅድሚ ነጻነት ሃገር ኣትሒዙ ለውጢ ከምጽእ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓይልታት፣ ድሕሪ ነጻነት እውን እንተኾነ ገለ ክፋል ሓይሊ ህዝቡውን ተወሲኽሉን ኣሰንይዎ እንከብቅዕ፣ ፈራይን ጸጋይን ዝኾነ ነባሪ ቃልሲ ካብ ምክያድ ሓሊፉ ናይ ዓወት ጩራውን ከምጽእ ካብ ዘይከኣለ፣
  3. ብሔራት ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ንኡሳን ብሔራት ድማ ብፍላይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ህግዲፍ ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ዜጋ፣ ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ብማዕረ ዝድህኽ፣ ንዝኾነ ጸግዒ ዘይህም ጨካን ስርዓት ምዃኑ እንዳፈለጣን እንዳገለጻን፣ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን ንብሔራዊ ህልውንአንን ንብሔራዊ መሰላተንን ግን ብመንገዲ ሃገራዊ ውደባን ሃገራዊ ቃልስን ዘይኮነስ ብመንገዲ ብሔራዊ ውደባን ብሔራዊ ቃልስን ምዃኑ ኣሚነን ንብሔራተን ዝውክል ካብ ሕድሕድ ዝተናጸለ ኣወዳድባ ካብ ኣተኣታተዋ፣
  4. እቶም ካብ ኢድ እዚ ንናይ መዋዕል ኣገልጋልነት/ባርነት ዝፈረዶም ጨካን ስርዓት ኣምሊጦም ኣብ ውሑስ ሃገራት ዝኣተዉ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን እንተኾኑ፣ ኣብቲ ፋልማይ ጸረ ምልካዊ ምንቅስቃሳቶም፣ ነቲ ዝጸንሐ ገዲም ቃልስን ገዳይም ተቃለስቲ ኣያታቶምን፣ እዚኣቶም ናይ ቲሕቲ ሃገራውነት ሕማም ዘለዎም እዮም እሞ ከይምርዙና ካብኣቶም ተፈሊና፣ ኣብ ትሕቲ ሃገራውነት ተጥርኒፍና መንእሰያዊ ምንቅስቃስ ከነካይድ ኢና ብማለት ዝተጎጀለ ምንቅስቃስ ጀሚሮም እንከብቅዑ፣ ሎሚ ንሳቶም እውን በቲ ዝጸንሐ ናይ ኣያታቶም ሕማም ተለኺፎም ነቲ ዝነበረ ፍልልያት ካብ ዝነበሮ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ካብ ኣዕረግዎ፣
  5. እቲ ዝበዝሐ ክፋል ምሁራውን ፈሊጣውን ዓቅሚ ዘለዎ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ከም ፍሉይ ውህብቶን ጸጋን ናይ ሓንቲ ሃገርን ህዝብን መጠን፣ ምሁራዊ ሓላፍነት ወሲዱ ንድሕነት ሃገርን ህዝቡን ሓርኮት ብምባልን፣ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ብምክያድን መርሕ ታራ ኣብ ክንዲ ዝጻወት ዝበዝሐ ክፋሉ ስቑታ ካብ መረጸ፣ ገለ ክፋሉ ድማ ኣብ ናይ ምጉጅጃል መሳርዕ ተሰሊፉ በቲ ጸላዊ ዓቅሙ ንዘሎን ዝጸነሐን ፍልልያት ኣብ ክንዲ ምጽባብ ከጋፍሖን ከባዝሖን ይርከብ ካብ ሃለወ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ነቲ ዘይምኽነየሉ ሃገርን ህዝብን ዘብርስ ዘሎ ምሕደራ ሰርዓት ህግዲፍ ከመኽንየሉን ክሕለቀሉን ይርከብ ካብ ሃለወ፣
  6. ነቲ ብብዝሒ ተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ኣብ 1997 ዝጸደቀ ዓንደ ሕጊ ሃገር/ National Constitution/ ኣብ ከይዲ ምንዳፉን፣ ኣብ ከርሰ ትሕዝቶኡን ርኡይ ኣበራት ንዝነበሮ ሰነድ፣ ስርዓት ህግዲፍ ንፖለቲካዊ መኽሰብን ንመናወራን ኢሉ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ኣልቦ ዝኾነ ቅዋም ወኒና ኣሎና ኣብ ዝበለሉ ህሞት ነዚ ናይ ጃህራ ኣዋጅ መጕሊሕን ደገፍን ዝኾኑ፣ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ነቲ ካብ ዕለተ ምእዋጁ ባዕሉ ዓፊኑ ንዝቀተሎ ዓንደ ሕጊ ሃገር፣ እዚ ዝሞተ ሰነድ እዩ፣ ህይወት ኣልቦ ሰነድ ስለዝኾነ ድማ ድጊም ብዛዕብኡ ክንዛረብ እውን የብልናን፣ ኣነ ድማ ብተኣዘዝተይን እሙናተይን ገይረ ካልእ ቅዋም ኣብ ምንዳፍ ይርከብ ኣሎኹ፣ ምስተዛዘመ ጥራሕ እዩ ድማ ንህዝቢ ዝንገር እንክብል ንህዝቢ ብብደዐ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ድማ ነዚ ኣዋጅ እዚ ከም ቅቡልን ምኽኑይን ብምግባር ንምልክን መላኽን ዝጣበቅን ዝሕለቅ ምሁራውን ፈሊጣውን ድምጺ ከበሳ ይስማዕ ካብ ሃለወ፣
  7. ኣንጻር ናይዚውን ነዚ ቅዋም እዚ ካብ መስርሕ ምንዳፉ ኣትሒዙ ጌጋ ከም ዝነበሮን፣ ውክልናን ተሳትፎን ናይ ህዝቢ ከምዘይነበሮን፣ ንመሰላት ህዝቢውን ዘየውሕስ ቅዋም ምንባሩ ብምግላጽ ነቲ ከፊላዊ ኣወንታውነቱውን ዝኽሕዱ፣ ምስዚ ኣተኣሳሲሮም እውን ህዝቢ መታሕትን፣ ህዝቢ ኣማኒ ምስልምናን ካብ ምምስራት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ኣትሒዙ ብህዝቢ ከበሳ ምስ ተበደለ እዩ፣ እሞኸኣ እቲ ትማሊ ህዝቢ ከበሳ ንኣንድነት እንዳኣድመጸ ንነጻነትን ዘድመጸን ሰውራ ዝመስረተን ህዝቢ ባርካ/መታሕት ኢሉ ዝማጎት ምሁራውን፣ ፈሊጣውን፣ መታሕታውን፣ እስላማውን ድምጺ እንዳተቀልቀለን እንዳጎልሐን ይምጽእ ካብ ሃለወ፣

ነገሩ፣ እዛ ብርኩታ ኣብ ውሽጣ ገለ ኣላታ ስለዝመስል፣ እዚ ኣብ ላዕሊ ርእሰ ዓንቐጽ ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝኾነ ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ. ሓበርቲ ኣጻቢዕትና ገበነኛን ዓማጺናን ንዝኾነ ሰርዓት ኢሰያስ ንምሕባር፣ ንምዃናኑ ድማ ልሳናትና ዘስመርና እንክንስና፣ ነቲ ናይ ሓባር ጸገም ዝኾነ ስርዓት ንምእላዩ ቅልጽምና ካብ ዘየስመርናን ዘየወሃሃድናን ናይ ግድን እዩ ክዝረብን፣ ክግለጽን ዘለዎን፣ ድሕሪ ግቡእ ተረድኦ ድማ ናይ ሓባር ፍታሕ ክንናደየሉን ዘለዎ ድጉል ዝኾነ ጽገማት ከምዘሎ ጎሊሑ ይረኣየካ. ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ምልኪ ጥራሕ እዩ ኢልካ ክትድምድሞ እውን ዘይከኣልን ካብ ባይታ ዝምስክሮ ሓቅን ክተምልጥ ምፍታንን ጥራሕ እዩ ክኸውን::  

ብመሰረቱ ሕማምካን ሽግርካን ኣቀዲምካ የዐሪኻ ምፍላጦም፣ ቀጺሉ ድማ ከይተሰከፍካን ከይሸፋፈንካን ኣውጺእካ ክትዛረበሎምን ክትገልጾምን ምኽኣል መፍትሕን መድሃኒትን ኣብ ምርካብ ዓቢ ግደ ኣለዎም:: ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እውን እንተኾነ ንዝድለ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ክበቅዕ እንተደኣ ኮይኑ፣ ኣቀዲሙ እቲ ፍታሕ ዘድልዮ ቀንዲ ጽገማት ህዝቡ ፈልዩ ክፈልጥን ብቀዳምነት ንዑኡ ፍታሕ ክረኽበሉን ክኽእል ኣለዎ:: እንተዘይኮይኑ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኩሉ ደላይ ለውጥን ንለውጢ ዝቃለስን እንክንሱ፣ ኣብ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን፣ ገዳይምን ሓደስትን/መንእሰያትን፣ ሃገራውያንን ብሔራውያንን፣ ሃይማኖታውያንን ዕልመናውያንን፣ መታሕታውያንን ከበሳውያንን፣ ኣኮለጉዛይ፣ ሰራየ፣ ሓማሴን፣ ኣባላት ኪዳንን ዘይ ኣባላት ኪዳንን፣ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ዘይኣባላት ሃገራዊ ኣይቶን፣ ጀብሃ ነበርን ህዛዊ ግንባር ነበርን/መድረኽ፣ ፈደራላውያንን ዘይምእኩል ምሕደራውያንን ወዘተ ወዘተ ኣብ ዝብል ናይ ፍልልያት መሳርዕ ተገማሚዕና ክነብርን ክንደክምን ምዃና ክሳብ እዛ ዕለትዚኣ ዘመዝገብናዮ ታሪኽና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ::

ክፍለጥ ዘለዎ ድማ እዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢስያስ ዘለዎ ጽልኢ ዓቢይ ኮይኑ ኣብ ሊዕሊ እዚ ኣብ ዝተገማምዐ ደምበ ተቃውሞ ዘለዎ ስኽፍታን ስግኣትን ግን ካብኡ ዝዛየደ እዩ:: ከምቲ እተጽገኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ እንከላ ይፈልጣ ዝብል ብሂል ኣበው፣ ህዝብናውን ብሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ/ህግዲፍ ዘይቀሰንኩዶ ብተጎጃጂሉ ዘመነ ውራውራ ዝኣወጀ ሓይልታት ክርህወለይ ኢሉ ጽባሕ ካብ ሎሚ ከይትገዶ ኣብ ስኽፍታን ሽቁረራን ይነብር ከምዘሎ እዩ::

ካብ ትዕዝብተይን ተረድኦይን እምበኣር ክንዮ መላኽን ገባትን ስርዓት ህግዲፍ እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ብብሔር፣ ሃይማኖት፣ ዞባ ተጎጃጂሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ዝበሃል ኣጥፊኡ ይርከብ ኣሎ:: እዚ እዩ ድማ እቲ ብቀንዱ ፍታሕ ዘድልዮ ዘሎ ጉዳይ:: ጠንቂ ናይዚ ዘይምትእምማን ብዙሕን ካብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝመንጨወን ክኸውን ይኽእል. ኣብ ዝቅጽል ጽሑፋተይ ድማ ክገልጾ ክፍትን እየ::

ንሕጂ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!

መድሃኔ ሃብተዝጊ

(LLM)

 

Last modified on Wednesday, 04 March 2015 15:37