ዓድዋ ባዕላ እንተ ትዛረብ ፡

2015-02-28 20:32:59 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 5225 times

          ኣብ ዓድዋ 1 መጋቢት 1896 ዓቢይ ታሪክ እዩ ተፈጺሙ ። ታሪክ ጽቡቅ ይኩን ሕማቅ ክድፈን ኣይክኣልን እዩ ። ንታሪካ ሕማቅ ሽነኹ ገዲፍካ በብትጽቡቅ ከተቀናጅዎ ፍጹም ዝኸኣል ኣይኮነን ። ነቲ ሕማቕ ካልኣይ ግዜ ከምዘይድገም ምግባር ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ ።ኣብ ዓድዋ ዝተገብረ ፍጻሜ ንኤርትራን ኢትዮጳያ ዓቢዩ ትምህርቲ ክከውን ነይሩዎ ። እንተኮነ ህዝብታት ናይቲ ከበቢ ለባማትን መስተውዓልትን መራሕቲ ስለ ዘይተዓደሉ፣ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመታት ዓመታት ሓሊፉ ክሳብ ሕጂ ከም ኤርትራውያን ኣብ ስቓይ ንርከብ ኣሎና።ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጂለ ካብቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝከፍኤን ዝመረርን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምጥፋእ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ ። ብሓባር ንተስእ ይኣክል ከኣ ንበሎ!

          ዓወት ኩናት ዓድዋ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ እተቓለሓሉ ፣ ንብዙሓት ኣፍሪቓውያ ወይ ጸለምቲ ዓቢይ ክብሪን ኩርዓትን ነበረ። ነቶም ኣብ ኣፍሪቓዊ መግዛእቲ ክዋፈሩ ዝሓስቡ ዝነበሩ ከኣ ዓቢይ መርድእን ኮኖም ፣ ሓሳባቶም ዳግማይ ክለሳ ክገብሩሉ ዘየዳግም መልእቲ ኣማሓላሊፈሎም እዩ ።ኣብ ኣፍሪቓ ክንድዚ ዝኣክል ጻዕዳ ወተሃደር ዝተማረኸሉ ኩናት ዓድዋ፣ ነባሪ ታሪክ ናይቶም መራሕን ናይታ ሃገርን ኮይኑ ክነበር እዩ ። በቲ ካልእ ከኣ ፣

          መራሕቲ ኩናት ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዓስከር ዝወሰንዎ ፍርዲ ምስ ኹነታቶም ዝመጣጠን ኣይነበርን ካብ ኤውሮጳ እዚ ኩሉ ባሕሪን መሬትን ስጊሩ ክወረካ ንዝመጸ ብገንዘብ እናፈትሓካ ነቶም ብዘይ ድልየቶም ተገዲዶም ዝተዓስከሩ ኤርትራውያን ብመሪርን ኢሰብኣዊ ተገበር ምቅጻዕ ፍትሓዊ ኣይነበረኝ። ብሓደ ወገን ኣብ ጣልያን ተዓስኪርካ ተባሂሉ ፣ በቲ ካልእ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ሓዲምካ ተባሂሉ ንኤርትራዊ ብኩሉ ዕድሉ ሞት ነበረ።ስለዚ ኤርትራዊ መንነት ንጉጂለ ህግደፍ ኣጥፊእካ ናይ ግድን ክዕቆብ ዘሎዎ እዩ ።

ዝኸበርኩም ተከታተልቲ እዚ መርበብ፣ ሎሚ ዘቅርበልኩም ጽሑፍ ካብ ናይ ታሪክ ተመራማሪ ራይሞንድ ጆናስ ዝተተርጎመ ኮይኑ ፣ ብዛዕባ ናይ ምትርጓም ሕጽረታት እንተልዩ ናተይ ጉድለት ይኸውን ።                                  

ኣብ ልዕሊ እሱራት ኹናት ዓድዋ ዝተወሰደ ውሳኔ ።

መጋቢት 2 ፣ ምድሪ ምስ ወግሔ ፣እቶም ካብ ኩሉ ሰብ ንላዕሊ ዝድለዩ ዝነበሩ እቶም ንጉስ ነበሩ ። ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ምስ ኮነ እቶም ጣልያናውያን ምሩኻት ብምእትታት ናብቲ ኣደራሽ ሚኒልክ ዝነበሮ ተኮብኲቦም ተወስዱ ። እታ ተንዳ ናይቶም ንጉስ ብቀሊሉ ትልለ ነብረት ፣ ምስጋና ነተን እክባት ተንዳታትን እታ ቀያሕ ተንዳን እቲ ኣዳራሽ ወሲክኻ ።እቲ ኣዳራሽ እኩል ስፍሓት ዘለዎ ክሳብ 12 ሰባት ደው ክብሉሉ ዝክእሉ ፣ ሚኒልክ ፍርዲ ዝህበሉ ነበረ።

          ሚሊልክ ኣጋይሽ ዝቅበለሉ ስፊሕ ክዱን ተንዳ ፡ ናብ ግዜዊ ሆፒታል ተቀይሩ ክግልገሉሉ ፍቂዱ ። ስለዚ ኢጣልያናውያን ሕካይም ነቶም ዝቆሰሉ ኢትዮጵያውያን ይሕክሙ ነበሩ ። ጣልያናውያን ውጉእት ረዲኤት ኣብ ዝሓተቱሉ በቶም ጣልያን ኣሕዋቶም ይንጸጉ ነበሩ ።

          እቶም እሱራት ነቶም ንጉስ ክርእዩ እናተጸበዩ እንከለዉ ምስቲ እንኮ ብናይ ዓድዋ ዓወት ምስክርነት ክህብ ዝኽእል Mr. Clochette ዝብሃል ጥሮታ ፈረንሳዊ ወተሃደራዊ መኮነን ክላለዩ ክእሎም ። Clochette ሓደ ካብቶም ኤውሮጳውያን ነጋዶን / ኣማኸርትን ምስ ሚኒልክ ጽቡቅ ዝምድና ክምስርቱ ዝከኣሉ ሓደ ሰብ ነይሩ ። በቲ ካልእ clochette ብጻይ ናይ Mondon Vidailhet ዝብሃል ፣ኣብ ኤውሮጳ ምስሊ ሚኒልክ ብኣውንታ ዝገልጽን ዝሕበርን ሰብ ነበር።Clochette እቲ 8,000 ሽሕ ጠበናጁ ናብ ሚኒልክ ክሸይጥ ዝተሓባበረ ሰብ ነበረ ፣ ናይ ሚኒልክ ሓያል ኒሕን ቀራጽነትን ከኣ ክዕዘብ በቂዑ እቶም እሱራት ምስ ሚኒልክ ክራኸቡ እናተጸበዩ Clochette ኣብ ትሕቲ ዳዕሮ ኮፍ እሉ ብታሕጓስ ነቶም ኢጣልያውያን ይስሕቆም ነበረ ። እቶም ምሩኻት ድሕሪ ናይ 3 ሰዓታት ምጽባይ ንሚኒሊክ ከይረኣዩዎ ክብተኑ ተገብረ ።

          ንጽባሒቱ 3 መጋቢት እቶም ምሩኻት ነቲ ናይ ኢትዮጳያ ቤተ መንግስቲ (ኣዳራሽ) ምስ ኩሉ እቲ ሽልማቱን ግርምኡን ክዕዘቡ በቂዕም ። ዑደት ቅድሚ ምጅማሩ ሰብኡት ኣንስት ቆልዑትን ካብቲ ካምፕን ካብቲ ቁሸታት ናይቲ ከባብን ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ቦታ ኣምሪሖም ። ኣቅሽሽቲ ታቦት ተሰኪሞም እናዘመሩ ናይ ምምራሕ ተራ ወሲዶም ። ሓደ ጉጅለ ዘመርቲ ድምጺ ከበሮን እምብልታ እናኣስሙዑ ስዓብዎም ። እዚ ኩሉ ስለ ዓወት እተጓነጽፉ ንኣምላክ ምስጋና ንምቅራብ ነበረ። ኣብ ማእከል እዚ ኩሉ ከኣ ምኒልክ ነበሩ ።

          እቲ ዝዓበየ ኣፍሪቓዊ ዘመናዊ ወተሃደርዊ ዓወት ዝሃንደሰን ፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓወት ዘመዝገበ ሚኒልክ ወዲ 49 ዓመት ነበረ።

          ብ 3 መጋቢት ሚኒልክ ድሮ ኣካል ሕብረተሰብ ናይቶም ዓበይቲ ሰባት ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዝውረየሎም ኮይኑ ንኢትዮጳያውያን ምኒልክ ጅግና ኮነ ። ንኤውሮጳውያን ፣ ንጣልያ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ሚኒልክ ኩሉ ሕማቕን ጽቡቅን ተባሂሉ ። ብሓደ ወገን መለኮታዊ መንፈስ ዝሓደሮ ፣ በቲ ካልእ ከኣ ሕማቅ ከም በላዕ ሰብ ዝግምትዎ ነበሩ ።

          ገለ ካብቶም እሱራት ኣብ ቅድሚ ሚኒልክ ቀሪቦም ፣ ዝበዝሑ እናፈርሑ ናብቲ ተንዳ ናይቲ ንጉስ ቀሪቦም ፡ ዝተጸበዩዎ ሓደ ግፍዔኛን ዕቡይን ንካልኦት ኣትሒቱ ዝርኢ ክኽውን ተጽበዩዎ ። እዚ ተምሳል እዚ ግን ብሰንኪ ዓወቱ ዝተጋነን ነበረ። እንተኮነ ሚኒልክ ከም ሰብ ሕያዋይ ዘይጓዳእ ኮይኑ ጸንሖም ። ሓደ ህዱእ ስብ ፡ ሰላምዊ መንፋስ ዝሓደሮ ፣ ጸጸኒሑ ፍሽክ ዝብል ነበረ ። ኣዕንቱ ነቲ ናቱ ሓያልን መሳጥን ምሉእ ፈልጠት ዝገልጻ ነበራ።

          ኣብ ገጹ ዝርኤ ዝነበረ ብዕምቆት ናይ ምሕሳብ ናይቲ ህሉው ኩነታት ዝገልጽ ኮይኑ ፣ መንፋስ ናይ ምትእምማን ሓዲሩዎ ነበረ ። ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ንሚኒልክ ዝዓበየ ገድሊ ዝኮኖ ነቶም እሱራት እንታይ ይግበሮም ዝብል ነበረ። ብናይ ኢትዮጵያውያን ባህሊ ፣ ዝተሳዕረ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይቲ ዝሰዓረ እዩ። ብዓወት ውግእ ሃረረ ጀሚርካ ፣ ቀጺሉ ወፍሪ ኣንጻር ዋላይታ ናይ ኢትያጵያውያን ልማድ ንጹር ነበረ ። ዝበዝሑ ዝተሳዕሩ ወተሃደራት ብህወትም ይኸፍሉ/ይቅተሉ ፣ ሙሩካት ባረዩ ንምግባሮም እንተዘይኮይኑ ምሓዞም ሳሕቲ ነበረ።ንብረት ናይቶም ዝተሳዕሩ እንተላይ ናይ ሰላማውያን ከከም ዓቅሚካ ምግፋፍ ነበረ።

          ዓድዋ ብብዝሒ እሱራት ድሮ ፍሉይነት ኣመዝጊባ ነበረት ። ሚኒልክ ኢሉዎ ከም ዝብሃል ፣ ፍሬ ነብሲ ዘይኮነስ ሰብ ኣምጹኡለይ ! እዚ ብሩህ መምሪሒ ኣንጻር ምቁራጽ ፍሬ ነብሲ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ብዙሓት ናይ ጸላኢ ወተሃደራት ብህወቶም ንምሓዝ ዘርቢሕ ስለ ዝነበረ። ሚኒልክ ምቅታል ዘይኮነ ምሩኻት ክመጽዎ ዝደለየ። ረኽቡዎም ከኣ፣

          ብዕለት 2 መጋቢት ሚኒልክ 1,900 ምሩኻት ጣልያን፣ ከምኡ እውን ካብ 1,200 ክሳብ 1,500 ዓስከር ተረከበ ።ሚኒልክ ሽዑ ንሽዑ ነቶም ምሩኻት ጣልያን ከም ኣብነት ክጥቀመሎም ካብ ኣማኸርቱ ብርቱዕ ተጽዕኖ መጾ። ምሸት ድሕሪ እቲ ኹናት ከምኡ እውን ኣብ ወጋሕታ ናይ 2 መጋቢት ሓደ ዓቢይ ክትዕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሚኒልክ ተካይዱ ። ኣብ ውሽጢ ናይቶም ንጉስ ቴንዳ ፣ ፀሃይቱ ከምኡ እውን ራስ መንገሻ ፣ ብምትሕብባር ራስ ወለ ሓው ፀሃይቱ ፤ ዝበረኸ ሕሉፍ ዝኮነ ሓሳብ ወሲዶም ። እቶም ወተሃደራት ጣልያን ክቅተሉ ፣ እቶም ዓስከር ከኣ መቅጻዕቲ ክወሃቦም ፣እዚ መሰረትዊ ፍትሒ ፣ ኹሎም ናይ ሚኒልክ ወተሃደራት ከምኡ እውን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝሓትዎ ነበረ። ራስ ኣሉላ እቲ ስሙ ምስቲ ዘድንቅ ምድምሳስ ወተሃደራት ጣልያን ኣብ ዶጋሊ ዝፍለጥ ፣ ምስቶም ዝለዓለ መቅጻዕቲ ዝጠለቡ ንክሕወስ ተጽዕኖ ዘድሊዮ ኣይነበረን ።ከምቲ ናይ ዶጋሊ ኣደናቂ ተግባር ምርኣይ ፣ እነተኮነ ብዝዓበየ ደረጃ ፣ ኢትዮጵያ መላገጺ ከምዘይኮነት ሓያል መልእክቲ ክስድድ ዝኽእል ዝብል እምነት ነበሮም’።

          ራእሲ መኾነን ማእከላይ ውሳኔ ክህሉ ተማጒቶም ። ርእይቶኦም ኣጋዳሲ ነይሩ እንተኮነ ኩነታቶም ሕልክልክ ዝበለ ነበረ።ንብዙሕት ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ራእሲ መኾነን ጥርጡር ነበሩ ። ኣብ ጉዳይ ኤወሮጳውያን ልስሉስ ተባሂሎም ብታሕቲ ታሕቲ ናይ ጣልያን ፈታዊ ወይ ደጋፊ ኮይኖም ይርኣዩ ነይሮም ።ብኣንጻሩ ፀሃይቱን ራስ ኣሉላ ክልቲኦም ዝኮነ ስሚሚዕ ምስ ኤውሮጵውያን ሓደገኛ እዩ ።ሓደ ስጉምቲ ኣብ መንገዲ ክሕደት ሸተት ምባል ክብሉ ተቓወሙ ። እንተኮነ ምስ ራስ መኾነን ፣ ተክለሃይማኖት ንጉስ ጎጃምን ፣ ራእሲ ሚካኤልን ናይ ወሎ ሕድገታት ክህሉ ሚዕዶም /ተላብዮም። ከምኣ እውን Clochette እቲ ጥሮተኛ ፍረንሳዊ ወተሃደረዊ ኣማካሪ ናይ ሃጸይ ሚነሊክ ሕድገታት ክግበር ተላብዩ።

          ምሩካት ወተሃደራት ጣልያን ዋግኦም ከድሕኖም ኪኢሉ ። ንሚኒልክ ወተሃደራት ጣልያን ካብ ምውታት ብህወቶም ዝያዳ ዋጋ ነይሩዎም ። እቶም ምሩኻት ብህወቶም ኣብቲ ብርግጽ ክስዒብ ዝክእል ዝርርብ ሓያል ግደ ስለ ዝህሉዎም ንመንግስቲ ጣልያ ጥራሕ ኣእምንካ ከፊሎምሎም ብሰላም ንዓዶም ከም ዝምለሱ ምግባር ነበረ። ስለዚ ከኣ ዝኮነ ሕማቕ ኣታሓሕዛ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያውያን ካብ መኣዲ ክቲዕ ወጻኢ ኮነ

          ኹነታት ናይቶም ዓስከር ሕልክልክ ዝበለ ነበረ። ብገምጋም ካብ 1200 ክሳብ 1500 ዓስከር ኣብቲ ኹናት ተማሪኾም ። እቶም ዝሰዓሩ ወገን ፣ መቅጻእቲ ክህሉ ዝሓተቱ ካብ ርእቶኦም ፈልከት ምባል ኣብዮም ። እቶም ፈራዶ ፍጹም ጽልእን ቀጻሊ ሕማቅ ስሚዕት ልዕሊ እቶም ዓስከር ነበሮም ።ብርእይቶኦም ቀንዲ ናይ ጣልያን ዓወታት ብሰንኮም ከምእተፈጸመ ስለ ዝኣምኑ ። ሓደ ካብኦም ራእሲ መንግሻ ብሰንኪ ዓስከር ስልጣኑ ከም እተሓደገ ይገልጽ ። Baratieri ብዘይ ሓገዝ ናይ ዓስከር ካብ ዃዓቲት ከም ዝሃድም ድሕሪ ምግባሩ ፣ ስዒቡ ከኣ ካብ ሰንዓፈ ኣባሪሩዎ ።ከምኡውን ኣብ ኹናት ኣንጻር መንገሻን ፣ ባህታ ሓጎስን ፣ ራስ ኣሉላን ካልኦትን፣ እቶም ዓስከር ከም መራሕትን ተመራሕትን ናይ ጣልያን እግረኛ ወተሃደራት ኮይኖም ኣገልጊሎም ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እዚ ናይቶም ዓስከር ክሕደት ኮይኑ ተረክበ ። ብዝኮነ መዔቀኒ ክርኤ እንከሎ ሚኒልክ ማእከላይ ርእይቶ ነይሩዎ። Paul Lauribar ፈረንሳዊ ከምዝበሎ “ እቲ ባህሪያዊ ሕያውነቱ ንምሕረት ገጹ ደሪኩዎ” ነይሩ ይብል ።

          እንተኮነ ኣብ መወዳእታ ሚኒልክ ነቲ ምስ ፀሃይቱን ፣ ኣሉላን ፣ መንገሻን ፣ ካልኦትን መቅጻዕቲ ዝሓቱ ዝነበሩ ወጊኑ ዝነብረ ኣቡነ ማቴዎስ ምኽሪ ተቀበለ ። ብተወሳኪ እቶም ኢትዮጵያውያን እዚ ደረት ዘይብሉ ሕሉፍ መቅጻዕቲ ክሓቱ ዝገበሮም እቲ ክሕደት ናይቶም ዓስከር ሕማቅ ዝኮነ ስሚዒት ስለ ዝፈጠረሎም ፣ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ምትሕስሳብ ደረጃ ክበጽሑ ኪኢሎም ።

          ራስ ኣሉላ ኩሉ ግዜ ትኽ እልካ ምዝራብ ዝፈቱ ነቶም ኣብ እምባ ኣላጄ ዝተማረኹ ዓስከር ከምዚ ክብል ገሊጹ ነበረ”ንስኩም ሓበሻ እኩም ፣ ንጉስ ኣሎኩም ፣ ሃጸይ ኣሎኩም ፣ እንድገና ንካልእ ንጉስ ጥልያን ደሊኩም ፣ ንስኩም ኣንጻር ኣሕዋትኩም ትዋግኡ ኣሎኩም ፣ ስለዚ ኣእዳውኩም ብምቅራጽ ክቀጽዓኩም እየ በሎም።ስለዚ ከም ናይ ጸላኢ ተዋጋእቲ ዘይኮነስ ከም ከሓዲ ተውሲዶም እቶም ዓስከር እቲ ዝከፍኤ መቅጻእቲ ተቂቢሎም ። ህወቶም ክድሕን እንከሎ ፣ የማናይ እዶምን ጸጋማይ እግሮም ክቁረጹ ተገይሩ ።

          ካብቶም ካብ 1,200 ክሳብ 1,500 ዝግመቱ ሙሩካት ዓስከር ፣ 300 ሚእቲ ጥራሕ ንኤርትራ ተማሊሶም ዕጸይቲ እግሪ ተገይሩሎም ፣ ናብ ዝከፍኤ ስራሕ ከም ዝምደቡ ተገብረ ። ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ብልክዕ ዝፍለጥ የለን ፡ ብግምት ካብ ረክስን ምውዳእ ደምን ሞይቶም ይኮኑ ፡ ንሓዋሩ ክፍለጥ ዝክኣል ኣይኮነን ።

          ኣብቲ ባይታ ዝሕዛን ምርኢት ነበረ ። Giovanni Tedone ኣብ መንጎ እቶም ሚእትታት ዝቁጸሩ ዓስከር ክሓልፍ እንከሎ፣ ከም ወተሃደራዊ ኣዛዚኦም እውን ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ፡ እናጸውዑ ፣ ኣይትሓዝነልናን መስኪን ጥልያን ! ማይ ማይ ! ይብሉ ነይሮም ።ነዋሕ መሳርዒ ናይቶም ዓስከር ተስፋ ቆሪጾም የማናይ ኢዶም እናሃቡ ንቅድሚት ገጾም እናሰጎሙ ነቲ ዕድሎም ይቅበሉ ነበሩ ።ዝተቆርጻ ኣእዳውን ኣእጋርን ብዝረሰነ ሓጺን ይትኩስዎ ነይሮም። ዝተቆርጸ ኣካላት ተኮሚሩ ጎቦ ክመስል ዝሕዝን ምርኢት ነበረ ። Tedone ካብቲ ምርኢት ክሃድም ፈቲኑ ። እንተኮነ ሓደ ካብቶ ዓስከር ብሓይሊ ንድሕሪት መሊሱ ነቲ ዝሕዝን ምርኢት ክዕዘብ ገበሮ ።ምናልባሽ Tedone እውን ክምዚ ዝኣመሰለ ዕድል ይጽበዮ ከም ዘሎ ንምሕባሩ ዝነበረ ይመስል ።

          Carlo Diotti እውን ሓደ ካብቶም ኣዘዝቲ ፣ተመሳሳሊ ዝሕዝን ምርኢት ክዕዘብ ተገዲዱ ። ነቶም ኣብ ጎኒኡ ኮይኖም እተዋግኡ ዓስከር ንሕቶኦም ክምልስ ኣይከኣለን። ንእግረ መንግዱ ክሓልፍ እንከሎ እቶም መሳክን ዓስከር ኣብቲ ሕጻ ብቓንዛ እናተጋማጠሉ ዘቓልሓዎ ዝነበሩ ዘጨንቅ ስቓይ ፡ እናበኸዩ ጣልያን ሓወይ ! “ ማይ ዝስተ ! ማይ ዝስተ ! ማይ የለን ! ይመውት ኣሎኩ “ ይብሉ ነበሩ

          ኣብዚ ኣገዳሲ ይኽውን ንምዝካር እቶም ዓስከር ካብ ጣላያን ናብ ሚኒልክ ዝከድዑ ገለ ቁሩብ ነይሮም ። ብወገን መንግስቲ ጣልያን ምስ ተታሕዙ ከም ከሓድቲ ተወሲዶም ብናይ ኤውሮጳውያን ሕጊ ብክሕደት ተከሲሶም ንሞት ይፍረዱ ነበሩ ። ሓደ ግዜ ሓደ ዓስከር ካብ ኹናት እምባ ኣላጄ ዝደሓነ ፣ በቶም ኣቅሽሽቲ መቀለ መዔቆቢ ተዋሂቡዎ ዝነበረ ምስቶም ሓርበኛታት ኣንጻር ጣልያን ተሰሊፉ ። እንተኮነ በቶም ጣልያን ምስ ተፈልጠ ጎቲቶም ናብቲ ፎርቶ ወሲዶም ቀቲሎሞ ።እቲ ናይ ጣልያንን ናይ ኢትዮጵያ ክተወዳድሮ እንከሎካ እቲ ናይ ኢትዮጵያውያን ምቁራጽ ኣካላት ፣ ይሕዝን ፣ይኩን እምበር ዝፈኾሰ ይመስል ።ብርግጽ ናይ ጣልያን ብክሕደት ምርሻን ከምዚ ድሕሪ ኹናት ዓድዋ ዝተፈጸመ ጪካኔ ዝመልኦ ምቁራጽ ኣካላት ፣ ፍጹም ዝመሳስል ኣይኮነን ።

          ሚኒልክ ዝወሰዶ ወሳኔ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ እቲ ዝከፍኤ ነበረ። ካብቲ ፍትሓውን ብቁኑዕ ፍርዲ ዝፍለጥ ፣ ንጉስ ሰሎሞን ናይ ህብሩ ዘርኢ ተወሊደ ዝብል ፣ ነቲ ቀጻሊ ደም ምፍሳስ ጠጠው ክብሎ ኣይከኣለን ። ደም ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውይውን ምክፍፋልን ምርሕሓቅን ዝፈጥረ ።

          ሚኒልክ ብዘይ ጥርጥር እቲ ሕማቅ ስሚዒት ናይቶም ዓስከር ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ብቀሊሉ ዕርቂ ንከይህሉ ዝዕንቅፍ ምዃኑ ተረዲእዎ ነበረ። ኣብዚ ነጥቢ እዚ Augustus Wylde ዝብሃል እንግሊዛዊ እውን ፣ ደድሕሪ እቲ ኹናት ከምዝገለጾ “ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተፈጥረ ጽልኢ ንናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና ንብዙሕ ዓመታት መሪዝዎ” ክብል ገሊጹዎ ነበረ።

          ኣፈወርቅ ገብረየሱስ (ደራሲ)ናይ መንገሻ ተራ ናብቲ እተፈጸመ ጉድኣት ኣራጕዱ እናገለጸ ፣ ንሚኒልክ ከም ተገዲዱ ብዘይ ዕግበት ዝወሶኖ ገይሩ ክከላከለሉ ፍቲኑ ።ኣብ መወዳእታ ግን ሚኒልክ ከም ዝኮነ ሓቀኛ መራሒ ዝገብሮ ነቲ ሓላፍነት ተሰኪሙዎ ።

          ሓደ እንግልዛዊ ጋዜጠኛ ብዛዕባ እቲ ምቁራጽ ኣእዳውን ኣእጋርን ምስ ሓተቶ ፣ሚኒልክ ንነብሱ ብትሪ ክከላል ፍቲኑ ።” ሰሚዕካዶ እንታይ ከምዝገበሩ “ ክብል ሓተቶ ፡ ቀጺሉ “ ርክሰት ፈጺሞም ፣ ቤት ክርስትያናት ዘሚቶም ፣ ገጠረን ከተማን ሰሪቆም ፤ ከብቲ ዘሚቶም ፣ ክምኡ እውን ህዝበይ ቀቲሎም” ። ከም ሰረቅቲ ተወሲዶም ፣ መቅጻዕቲ ናይ ሰረቅቲ ከኣ ተቀቢሎም ። ክምኡ እልካ ንእንግሊዝ ንገር በሎዎ ! ። ዝገርም !

ኣምላክ ህገርና ይብረክልነ ርከልና

2/27/2015

Last modified on Saturday, 28 February 2015 21:35