ነቲ ዝሓለፈ ንታሪኽ፡ ኣድህቦና ንቅድሚት!

2015-02-22 21:22:50 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3216 times

ዝሓለፈ ተመኩሮ “ካብ ዓይኒ ዝገለለ ካብ ልቢ ገለለ” ኢልካ ሕጥጥ ኣቢልካ ትርሰዖ ዘይኮነስ ግቡእ ቦታን ክብርን ሂብካ ከም ኣድላይነቱ እትውከሶ ክቡር ውርሻ እዩ። ንናይ ትማሊ ወይ ብቕድሚ ትማሊ ተመኩሮኻ፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክትመዝኖ እንከለኻ ጌጋታት ክትርእየሉ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ነቲ ዝሓለፈ ፍጻመ በዚ ሎሚ ዘሎ ውድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዘይኮነስ፡ ብመንጽርቲ ሽዑ ዝነበረ ምዕባለ እዩ ክምዘን ዝግበኦ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሓፈሻዊ ሃዋህው ዘንጊዕካ ንናይ ሽዑ ተግባር ምስ ናይ ሎሚ ኩነታት ጥራይ ዛሚድካ “ከምዚ ክገብሮ ነይሩኒ” እንዳ በልካ ምጥዓስ ኣየድልን። እዚ ማለት ግና ካብኡ ምምሃር እምበር ዝሓለፈ ድኽመትካ ምሕባእ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ወይ ንስኻ ናብቲ ዝሓለፈ ንክትምለስ ወይ ነቲ ናይ ሽዑ ተግባራት ናብ ሎሚ ከተምጸኦ ስለ ዝይከኣል ካብ ጣዕሳ ዝፍጠር ኣውንታዊ ነገር ስለ ዘየለ። እምበኣር ነቲ ዝሓለፈ ምርኣይ ዘድልየሉ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ምእንቲ ነቲ ቅድም ስለምንታይ ፈጺመዮ ኢልካ ክትጠዓሰሉ ዝጸናሕካ ድኽመት ንመጻኢ እውን ንከይድገም ክትመሃረሉ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ክልቲኡ ጫፋት ማለት ወይ ፈጺምካ ነቲ ዝሓለፈ ምርሳዕ ወይ ድማ ንድሕሪት ተጠዊኻ ነቲ ዝሓለፈ ክትሓይኽ ጥራይ ምንባር ቅቡል ከም ዘይኮነ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ኩልና ከም እንዕዘቦ ጉጅለ ህግደፍ መጻኢ ዘማዕድወሉ ራኢ ስለ ዘየብሉ፡ ኣይኮነንዶ ናይ ቅድም ቃልሲ ክዝክር ዘገድድ ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ፡ ወትሩ እዩ ኣብ ዝሐለፈ ጉዳያት ዘኹድድ። ደርፍታቱ፡ ድራማታቱ፡ ናይ ሰባት ናይ ብቕዓት መለክዕታቱ፡ ኩሎም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ እዮም። ኣብተን ዘለወኦ ዝርካበን መዲያታት ዝቐርብ ሓተታታት፡ ዝካየዱ ቅጭ ዘምጽኡ ነዋሕቲ ቃለ-መጠይቓት ዝሓለፉ’ሞ ድማ   ካብ ክሊ ውግእ ዘይወጹ እዮም። እቶም ኣብቲ ሚድያታት ዘዘንትዉ ድማ ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ዝነበሩ ንድሕሪት እምበር ናብ ንቕድሚት ከማዕዱ ቅሩብ ዘይኮነ ኣእምሮ ዝውንኑ እዮም። እቲ ዝረአ ናይ ውግእ መዛግብ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ዝነደዳ ተሽከርከርቲ፡ ዝተማረኸ ኣጽዋርን ዝተማረኹ ናይ ጸላኢ ወተሃደራትን እዮም። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣብቲ ግዜኦም ክረኣዩ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ሰሓብቲ ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ሎሚ ግና ብኣንጻሩ “ኣየ ጉጅለ ህግደፍ ብናይ ዓሚ ብዕራይኮ ኣይሕረስን እዩ” ዘብሉ እዮም። እቲ ዝለዓል ዛዕባ ሎሚ ቀዳምነት ዘይወሃቦ ወተሃደራዊ ኣጀንዳ ጥራይ ምዃኑ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ድሕሪት ናይ ግዜ ዝሑል ውግእ ዓለም ተሸኺሉ ከም ዘሎ ዘመልክት ካልእ ምሳለ እዩ። ኣብ እንዳ ህግደፍ መንእሰያት ክፈልጥዎ ዝድለ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝለበሱ ዝቐርብ፡ ውግእ፡ ታዕሊም፡ ኣሰራርሓ ድፋዕ፡ ኣተሓሕዛ ውጉኣትን ኣሰራርሓ ቃሬዛን፡ ናይ ግዜ ቃልሲ ዕርቃንን ጥሜትን፡ ለይታዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ … ወዘተ ብዝብሉ ሓረጋት ዝተላዕጠጡ ኣእምሮ መንእሰያት ብስምዒት ክሰርቁ ዝተሃንደሱ ኣስተምህሮታት እዮም። ብዛዕባ ደሞክራሲስ ሕራይ ደሓን ካበይ ክሕሰብ፡ ብዛዕባ ሰሪሕካ ነብስኻ ምኽኣል፡ ተመሃርካ ኣተሓሳስባኻ ምብቃዕ፡ ነጻነት ሕሳብካ ምግላጽ፡ ዝኣመሰሉ ብዘይ ሰብ ጽሩራ ፈላጣት ዝቐርብ ኣስተምህሮ የለን። ኮታ ህግደፍ ዲክታቶርያዊ ኮይንካ ኣልማዒ ወይ ደሞክራሲያዊ ኮይንካ ዘይልምዕታዊ ወይ ከዓ ደሞክራሲያው ልምዓታውን ናይ ምዃን ጨና ዘየብሉ፡ ኣብ ነበረያ ነበረ ዝነብር ለመጭ ጉጅለ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ከምኡ ዝገብር ዘሎ፡ መጻኢ ኣማዕዲኻ ምርኣይ ዘኽእል ኣእምሮ እናሃለዎ ንዓኡ ሓቢኡ ኣይኮነን። ከምቲ “ዝሰኣነት ኣደስ ካብ እምኒ ትጸንዕ” ዝበሃል ሓንሳብ ምስ ጸመመ ንመጻኢ ከሰጉም ዘኽእል ናይ ንዋት ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ስለ ዘጥቀዖ ናይ ጽቡቕ ነገር መኻን ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ኣእምሮ ናይቲ ጉጅለ ብቅርሕንቲ፡ ጽልኢ፡ ትምክሕቲ፡ ጽበትን ፍትወተ ስልጣንን ምስ ተባሕተ ንጽቡቕን ትስፍዉን ማለት ንናይ ህዝባዊ ሓልዮት ኣተሓሳስባ ቦታ ዘየብሉ ምዃኑ እዩ። ቀንዲ መርኣያ ናይ እቲ ጉጅለ እምበኣር፡ ንናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝኸውን ራኢ ዘይምውናን ኮይኑ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና ስእነት ኩሉ መሰረታዊ ቀረባት፡ ከም ጽሉል ከልቢ ምስ ኩሉ ምጉርፋጥን ጸቢብነትን፡ እንተላይ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ፡ ካብዚ መሰረታዊ ጸገሙ ዝቕዳሕ እዩ። እዚ ጉጅለ ዋላ’ኳ ወገሐጸበሐ ብህዝቢ ኤርትራ ዝበሃሎ ስለ ዘሳሕዮ፡ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ መዋጥር ዘውጸኦ ዝመስሎ ዘይትግበር መደባት ከም ዝሕንጽጽ ቃል ዝኣቱ እንተኾነ ብዘይካ ንሞት ኣብታ ዘለዋ ኮይኑ ምጽባይ ዋላ ሓንቲ መዋጸኦ ከም ዘይኮኖ ፍሉጥ እዩ። ኣቶ ኢሳይያስ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ናይ ቃለመጠይቕ መደቡ “ኣብ 2015 ብዛዕባ ልምዓት ኣብ ኤርትራ እንታይ ክንጽበ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ነቲ ምዩቝ እንዳበለ ዝሓተተ ጋዜጠኛ “ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ቆጸራ ሃበኒ’ሞ ርግጸኛ ኮይነ ዝነግረካ ተኣምር ኣለኒ” ኢሉ እዩ መሊስሉ። 24 ዓመታት ሓሺሹስ ኣብ 3 ኣዋርሕ ተኣምር ክሰርሕ።

ጉዳይ ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓለም ዝፈለጦን ጸሓይ ዝወቐዖን ዕርቃን እዩ። እስከ ናብ ጉዳይ ደንበና ደንበ ተቓውሞኸ ንመለስ። ብደረጃታት ከም ዝፈላለ’ኳ ተዘየተሓታተተ እዚ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምስንጣቕ ኣብ ዝሓለፈ ምኹዳድ ኣብ ደንበ ተቓውሞ’ውን መሊኡ እዩ። ምናልባት እውን ነቲ ኩሉ ግዜ “ናይዚ ደንበ ተቓውሞ ጸገም እንታይ እዩ?” እንዳተባህለ ዘኹድድ ሕቶ ካብቲ ኣገዳሲ መልስታቱ “ ናይ ውድባት ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ እሱር ብምዃኑ እዩ” ዝብል መኾነ ዝብል እምነት ኣለኒ። ናይ ዝሓለፈ እሱር ምዃን ዝሓለፈ ታሪኽ ክትደጋግም ብምንባር ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ፍልልያት ብሓዱሽ ዝምድና ዘይምሕዳስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብርኢቶ ምስ ዝተፈለኻዮ ውድብ ወይ ውልቀሰብ ሕድገት ጌርካ ሓድሽ ንቕድሚት ዘሰጉም ዝምድና ክትፈጥር ብዘይምኽኣል፡ ኣብ ሓደ እዋን ቀዳምነትካ ንዝነበረ ዛዕባ ምስ ሓድሽ ምዕባለ ኣዛሚድካ ናይ ቀዳምነታት ዳግመ ስርርዕ ክትገብር ብዘይምኽኣል …. ወዘተ እውን ዝግለጽ እዩ። ኣብዚ ደንበ ተቓውሞና ዓብይ ዕዳ ከም ዘለዎ፡ ኩነታቱ ባዕሉ ዝምስክሮ ዘሎ እዩ። ከምዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ፡ ግዜ ተጸቢኻ ምሳኻ ምስ ዝሰማምዑ መሕደስቲ ኣካላት ግዚያዊ ሻርነት ፈጢርካ፡ ሕነ ክትፈዲ ምፍታን ኣብ ዝሓለፈ ምንባር ጥራይ ዘይኮነ ናይ ዘይምብቃዕ መግለጺ’ውን እዩ።

ሓደ ነገር ክትብል እንከለኻ እቲ ከጨንቐካ ዝግበኦ ብኸመይ ትእውጆ ወይ ኣብ መዝገብ ተስፍሮ ወይ ትምድሮ ዘይኮነ፡ ብኸመይ ተተግብሮ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ንፉዕ ወሳኒ ወይ ኣዋጂ ዘይኮነስ ብቑዕ ተግባሪ ክትከውን ክትጭነቕ ይግበኣካ። ናብዚ ምጡን፡ ንእዋናዊ ኩነታት ዘገናዘብ ምስ ናይ ምፍጻም ዓቕምኻ ዝመጣጠን ውሳነ ክትበጽሕ፡ ንውሳነኻ ዘህብትም እኹል ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ሓበሬታ ምውህላ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ርጡብን ኩለመዳያውን ሓበሬታ ዘይተመስረተ ውሳነ ኪኖ ሕልሚ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብናይ ሕልሚ ውሳነ እንዳተመራሕካ ኣብ ርጉጽ ዓወት ናይ ምብጻሕ ዕድል ከዓ ዕጹው እዩ። ስለዚ ብጉዳይ ውሳነኻ ከይተጨነቕካ ኣብ ተግባር ምስ በጻሕካ ምውጥጣይ ውጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብዓብይኡ ከም ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር ክንሓስብ እንከለና ጥራይ ዘይኮነ ብውልቅና ክንትልም እንከለና እውን ክንጭነቐሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብ ግዜ ውሳነ ጉዳይ ሓበሬታን ናይ ምትግባሩ ዕድልን ብወጀሃላይ ምርኣይ ግና ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ትጽበዮን እትሓፍሶን ዝፍጠር ጋግ ዘስፈሖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኩሉ ስረሓትካ ዘወዝል፡ ንምቁጽጻርን ተሓታትነትን ኣብ ዘይጥዕም ህይወት ዘንብር እዩ ዝኸውን።

ቅድሚ ንካልእ ኣካል ምውቃስ ኣቐዲምካ ነብስኻ ምፍታሽ፡ ቅድሚ ናይ ካልኦት ውጽኢት ምቁማት ናትካ ውጽኢት ምርኣይ፡ ቅድሚ ናይ ካልኦት ብቕዓት ምንኣድ ወይ ምውቃስ፡ ናይ ምትላም ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምትግባር ብቕዓትካ ምፍላጥ ከም ዘድሊ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝጥቀስ። ነዚ ኣበሃህላ ዘተግብር ውሑድ፡ ከም መትከል ዝቕበል ግና ብዙሕ ምዃኑ እሙን እዩ። እንተኾነ ንሓደ ጉዳይ ብሓሳብ ደረጃ ምቕባል፡ ብተግባር እንተዘይተሰንዩ ዋጋ ከም ዘየብሉ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ፍረ ንምብጻሕ ነቲ ንብሎ እነተብሮ ኮይና ክንርከብ ይግበኣና። ናይ ትማሊ፡ ናይ ሎሚን ጽባሕን ምትእስሳር ዘይሕበል ኮይኑ፡ ቀንዲ ቆላሕታናስ መጻኢ ምምዕዳው ደኣ ይኹን።

22 ለካቲት 2015

Last modified on Sunday, 22 February 2015 22:24