ብሰናይ ድሌት ንዓለም ክንልውጣ

2015-03-07 05:04:13 Written by  EPDP Sweden Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3014 times

ብዕለት 14 02 2015 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ዮተቦር ሽወደን ብመንእሰያት ዝየዳለወ ምሸት መንእሰይ ብሰናይ ድሌት ንዓለም ክንልውጣ  ዝብል ጨርሖ ናይ ዝተፋላልዩ ሃገራት መበቆል ዘሎዎም መንእሰያት ተቀማጦ ከተማ ዮተቦርግ ኣብ ፍሪዝሁሰት ኣገዳሲ ምስዮት ተካይዱ። ኣብዚ ሓያሎ  ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ከም ቀይሕ መስቀል፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሾናል፡ ማሕበር ደገፍቲ ስደተኛታት ንሱርያውያን፡ ንፈለስጢናውያን ፡ንኩርዲስታን… ወዘተ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ብፍሉይ ስእላዊን ፊልም ዝተሰነይ ህልዊ ኩነታት ኣብ ቃዛ ፈለስጢን ብሓደ ዓቢ ጋዜጠኛ ናይ ተለቪዝዮን ሃገር ሽወደን ሓጺር መደረ ነይሩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ኣዚ ሓው ጸሀየ ቀለታ ተረኺቡ ሓጺር መግለጺ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ፡ ንመንእሰያት ኤርትራዊያን ዝወርድ ዘሎ መሪር ግፍዕታት ኣብ ሱዳን ኢትዮጲያ ሊብያ ኢጣልያ ሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ተቀይዶም ዘሎዉ ኣሽሓት ህዝቢ ወለዲ፡ ሓያሎ ሚንስተራት 29 ጋዜጠኛታት ሓደ ካብኦም ሽወደናዊ ሓው ዳዊት ኢሳቅ ብዘይፍርዲ ኣብ መቁሕ እንሆ ልዕሊ 13 ዓመት ኮይኑ ኢሉ። እዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኢሰብኣዊ ምሕደራ ስርዓት ህግዲፍ ምዃኑ ሓቢሩ ። ቀጺሉ ሓው ጸሃየ እንሆ ኣብዚ ከተማ ዮተቦርግ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኤርትራውያን ልዕሊ 50 ከም ዘሎዉ ሓደ ካብኦም ከኣ ብዕለት 04/02/2015 ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ብምሕባሩ ሓያሎ መንእሰያት ሓዘኖም ገሊጾም። እዚ ምስዮት እዚ ከኣ ብቀጻሊ ንእንነብረላ ዘሎና ዓለም ብድሌትና ክንቅይራ… ዝበል ንጥፈታት ክቅጽል ምኳኑ መራሒት እቲ መደብ ንኩሉ ተሳታፍይ ዓዲማ ብሉስሉስ መሃሪ ሙዚቃ ተዛዘመ።

Last modified on Saturday, 07 March 2015 09:30