ታሪኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

2015-03-07 08:13:43 Written by  ብድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2532 times

ታሪኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘይፈልጥ የለን። ይኹን እምበር ዓመት መጸ ክግለጽ ኣድላዪነት ኣለዎ ምኽንያቱ እቲ ሕዲሽ ወለዶ ነቲ ገዲም ወለዶ ክትክእ ከሎ እቲ ታሪኽ ክንገሮ ከሎ ዝሓሸ ስለዝኾነ ምድግጋሙ ኣይከፍእን ኢዩ። ኩልና ከም ንርድኦ ጓል ኣንስተይቲ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኢያ። ስለዚ ንሳ ዘይብሉ ምሉእ ከኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

ጓል ኣንስተይቲ ብባዮሎጂካዊ ፍጥረታ ካብ ወዲ ተባዕታይ ኣዚያ ትፈለ ኢያ። ማለት ብተፈጥሮ ንሳ እትገብሮ ወዲ ተባዕታይ ክገብሮ ኣይኽእልን ብኣንጻሩ ወዲ ተባዕታይ ክገበሮ ዝኽእል ድማ ጓል ኣንስተይቲ ክትገብሮ ኣይትኽእልን። ይኹን እምበር ሓደ ዝኾኑሉ ድማ ኣሎ። ንሱ ከኣ ናይ ኣእምሮ ወይ ናይ ብልህነት ኢዩ። እዚ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ይኹን ኣብ ወዲ ተባዕታይ ዘሎ ኢዩ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ወዲ ተባዕታይ ትሒታ ትረኣየሉ ጉዳይ የለን።

ኣብ ስራሕ ትሕቲ ወዲ ተባዕታይ ክኽፈላን፡ ናይ ምድማጽ መሰልን ተነፊገን፡ ናይ ስራሕ ማዕርነተን እውን ክግፈፋ ከለዋ ዝተዓዘባ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ወጽዓን ጭቆናን፡ ኣድልዎን እዚ ክውግዳ ሓቢረን ክቃለሳን ድምጸን ከስማዕ ዝጀመራሉ ግዜ ኣብ 1857 ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት 8 መጋቢት ቅድሚ 158 ዓመት ዝተገብረ ቅያ ዝጅምር ታሪኽ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ፈብሪካታት ዓለባ ወይ ክዳውንቲ ዝሰርሓ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኩነታት ሕማቕ ኣነባብራ ሰራሕተኛታትን ልዕሊ 10 ሰዓት ንመዓልቲ ዝሰራሓ ዝነበራን፡ ምስ ከምአን ዝኣመሰሉ ደቂ ተባዕትዮ ሰራሕተኛታት ዝነበረ ኣድልዎ ዝተዓዘባ ምእንቲ መሰለንን ማዕርነተንን ክብላ ንመጀመርያ ግዜ ሰላማዊ ስልፊ ዘካየዳላ ታሪኻዊት ዕለት ኢያ። ድሒሩ ድሕሪ 51 ዓመት ናይቲ ግዜ እቲ ድማ ማለት፡ ኣብ 1908 ኣብ ኒይው ዮርክ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምድማጽ መሰል፡ ብውሑድ ደሞዝ ንነዊሕ ሰዓታት ዘስርሑ ሰብ ፋብሪካታት ደው ንኽብልን፣ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ሕጻናት ድማ ኣብ ስራሕ ንኸይዋፈሩ ዝሓዘለ ጭርሖ ኢዩ ነይሩ። ኣብ 1909 ንመጀመርያ ግዜ ከኣ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣመሪካ ነዛ ዕለት እዚኣ ማለት እቲ ኣብ 1908 ዕለት 28 የካቲት ኣብ ኒይው ዮርክ ዝተኻየደ ሰልፊ ንኽብሪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክትከውን ወሰነ። ኣብ 1910 ብእህጉራዊ ማሕበረነት ኣብ ኮፐንሃብገን ዝተገብረ ኣኼባ ድማ ንኽብሪ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮን ኣድማሳዊ መሰል ምድማጽ ደቂ ኣንስትዮ ንምጉንጻፍን ደገፍ ንምኽዕባትን ብማለት ፍሉይ ዕለት ከይወሰነ ‘’መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’’ ዝብል ዓለም ለኸ መልክዕ ዝሓዘ ኣዋጅ ኣወጀ።

ኣብ 1911 በቲ ተበግሶ ናይ ኮፐን ሃገን ዝተረኽበ ውጽኢት ከኣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 19 መጋቢት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣውስትርያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን…ወዘተ ከቢራ። ኣብዚ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድም ክብል ናይ ምድማጽ መሰል ዝነበረ ሕቶ፡ ናይ ስራሕ ኣድልዎ ደው ክብልን፡ ናይ ስራሕን ናይ ሞያን ስልጠና መሰልን ተወሳኺ ጠለባት ዝቐረበሉ ስለፊ ኢዩ ነይሩ። ኣብ 1913-1914 ድማ እዛ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም መሳርሒ ንቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነጽግ ሰልፊ ኮነት። በዚ መሰረት ደቂ ኣንስትዮ ሩስያ ከም ኣካል ናይ ዓለም ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ከኣ ናይ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮአን ንመጀመያ ግዜ ኣብ መወዳእታ ሰንበት ወርሒ የካቲት ኣብዒለናኣ። ኣብ ዝሰዓበ ዓመት ከኣ ኣብ ካልእ ሃገራት ኤውሮጳ ብዕለት 8 መጋቢት ዘካየደኦ ሰልፊ ወይ ነተን ኣብ ሩስያ ነቲ ውግእ ዝጻረራ ክድግፋ ይኹን ነቲ ውግእ ዝጻረር ንምግላጽ ሰልፊ ኣካያዳ።

ኣብ 1917 ድቂ ኣንስትዮ ሩስያ ድሕሪቲ ውግእ ዝሰዓበ ጸገም ማለት ናይ ‘’ዝብላዕ ባንን ሰላምን’ ዝብል ሰልፊ ኣብ መወዳእታ ሰንበት ናይ ወርሒ የካቲት ወይ ብናይ ግርጎርያን ኣውደ ኣዋርሒ ኣብ ዕለት 8 መጋቢት እትውዕል ሰልፊ ኣካየዳ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከኣ ንጉስ ጻር ካብ ስልጣኑ ወሪዱ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ ናይ ምድማጽ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣጽደቐ። ኣብ 1975 ድማ ሕብራት ሃገራት ዓለም ‘’ዓመት ኣህጉራዊ ደቂ ኣንስትዮ’’ ብዝብል ዕለት 8 መጋቢት ከብዕላ ጀመረ። እዚ ኩሉ ምእንቲ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ቃልሲ ነዛ ክብርቲ ዕለት 8 መጋቢት ናይ ‘’ መዓልቲ ኣህጉራዊ ደቂ ኣንስትዮ’’ ኮይና ኣብ ታሪኽ ተመዝጊባ እነሆ ዓመት መጸ ኩልና ነብዕላ ንርከብ። ወጽዓ ኩሉ ግዜ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ወገን ወይ ኣውራጃ ወይ ብሄር ወይ ቆርበት ኣይፈልን ስለዝኾነ ናይ ሓብር ቃልሲ ከምዘድልዮን ሓቢረን ከምዝተቓለስን ትሕብር ታርኽ ኢያ። ብቃልሰን ዘረጋገጸኦ መሰልን ማዕርነትን ግና ሚእቲ ብሚእቲ ኣይተዓወታሉን ዘለዋ። ምኽንያቱ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጽፍሒ ዓብላሊ ቁጽሪ ወዲ ተባዕታይ ኢዩ ዘሎ። ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ብሕጂ እውን ተጠርኒፈን ክቃለሳሉ ዘለወን ጉዳይ ኢዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራኸ? ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብባህሊ፡ ወይ ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕማማት ይጥቅዓ ኣለዋ። በቲ መግዛእታዊ ግፍዕን ጭቆናን ተዋሪደንን ተሳቕየንን ኢየን። ነዚ ግፍዕን ወጽዓን ንምድምሳስ ድማ ኣብ ጎኒ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ምስቲ ኩሉ ባዮልጂካዊ ጸገማተን ነቲ ዝነበረ ሽግርን መከራን ተጻዊረን ብረተን ሓንጊጠን ኣንጻር ባዕዳዊ መግጻእቲ መዘና ዘይብሉ ታቓሊሰንን ተረባሪበን ክሳብ መስዋእቲ ዝኸፈላሉ ናጽነት እውን ኣጓናጺፈን ኢየን። እዚ ኹሉ ዝተኻየደ ቅያ ኣብ ታሪኽ ሰፍ ዘይብል ሓቦን ንሒን ዝተዓጥቀት ጓል ኣንስተይቲ ስና ነኺሳ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጽፍሕታት እቲ ትካላት ናይ ሰውራ ኣገልጊላ ኢያ። ጻማ እቲ ዝገበረቶ ታሪኽ ግን ኣይተፈድየትን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ነቲ ዝመዝገበቶ ታሪኸ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንምብላል ዝተዓጥኩ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እዚ ካብ ክቱር ሕርቃን ዝተላዕለ ከኸውን ይኽእል ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሃገሩ ኣዕሪፉ ብሰላም ክነበር ዝምነ ዝነበረ ኤርትራዊ ዓቢ ይኩን ንእሽቶ ኣብ ስደትን መከራን ስለዝተሳጠሐ፡ ኣብቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝተገብረ ጉድለታት ተመሊሱ ክኸስስን ክውንጅልን ደኣ እምበር ነቲ ሞያን ጅግንነተን ቅያን ደቂ-ኣንስትዮስ ካብ መዛግብቲ ታሪኽ ክሓክኽ ዝኽእል ኣካል የለን።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድለን በቲ ክኸዶ ዝግበኦ ኣይከደን። ምኽንያቲ ሓደ እቲ ባህሊ፡ ከምኡ እውን ድኽነት፡ ካልኣይ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ሳልሳይ ድማ እቲ ሕጊ ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ሽግር ኢዩ። እቲ ስርዓት ነቲ ቑጠባ ባዕሉ ዓትዒቱ ብምሓዙ ቁጠባዊ ናጽነት ስለዘየለ ጓል`ኣንስተይቲ ርእሳ ክትክእል ኣይበቕዐትን።

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተረአና ኣብቲ ናይ ምውሳን ተራን ግደን እውን ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ይተረፍ ኣብቲ ዝተሓተ ጸፍሒ እውን እንተኾነ ምስሊ ጓል ኣንስተይቲ ፈጺሙ የለን። ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ጌና ጥቑዓት ናይ ሕጊ-ኣልቦነትን ናይ ልምድን ባህልን ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ጸብለትነትን ዓብላልነትን ደቂ ተባዕትዮ ዝውሰን ውሳኔ ኢየን ዝርከባ ዘለዋ። ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ የለን። ዲሞክራሲ ካብ ዘይሃለወ ድማ ሰብኣዊ መሰላት ይኹን ናይ ጾታ ማዕርነት ክርከብ ማለት ዘበት ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ ስርዓት እዚ እቲ ንስልጣኑ ከናውሓሉ ዝኽእል ናይ ባዕሉ ሕጊ እምበር ንረብሓ መላእ ህዝቢ ዝግለገለሉ ሕጊ የልቦን።

ሕጊ ካብ ዘይሃለወ ድማ እቲ ስርዓት ምሉእ መሰልን ዕድላትን ብዘይህብ ኣተሓሳስባ ዝተዓብለለ ስለዝኾነ ጸረ-ዲሞክራሲ ኢዩ። ጸረ-ዲሞክራሲ ብምዃኑ ድማ ምዕሩይ ዝኾነ ዝርጋሐ ስልጣን ይኹን ማዕርነትን መሰልን ከኣ ዝነጽግ ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ። ንማዕርነት ይኹን መሰል ዝጣበቕ ባእታ ስለዘየለ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ኣውራ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኩሎም ተጸቒጦም ክግፍዑን ክጭቆኑን እምበር ክርህዎምን ንናይ ሃገር ምዕባሌ ከምዝሓስቡ ክገብር እቲ ስርዓት ፈጺሙ ኣይዕጭጮን ኢዩ።

ስለዚ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኢዩ ንመሰላትን ማዕርነትን ከውሕስ ዝኽእል። እዚ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ እዚ ክህሉ ድማ ተሳትፎ ናይ መላእ ዜጋ የድሊ፡ ማለት ክልቲኡ ጾታ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ማለት ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እምበኣር ብኹሉ ኢየን ተወጺዐን ዘለዋ። ካብዚ ወጽዓ ክለቓቓ ዝኽእለን ሓደ እቲ ጾታዊ ማዕረነት ዝብል ክረጋገጽ ናይ ኩልና ሓላፍነት ኢዩ። ካልኣይ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ኩሉ ክስማዕ ኣለዎ። ሳልሳይ እቲ ድሑር ዝምባሌታትን ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕማማትን ሕማቕ ልምድን ባህልን ክልቲኡ ጾታ ካብ ነፍሱ ክውግዶ የድሊ። ራብዓይ ደቂ ተባዕትዮ ንማዕርነትን መሰልን ድቂ ኣንስትዮ ክጣበቑን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ይግባእ። ብተወሳኺ ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሓጋዚ ከኸውን ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መንጎ ሲቭል ማሕበራትን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ መስርሕን ምትሕብባርን ዝምድናን ክህሉ ኣለዎ። በዚ ኣቢሉ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ራዕድን ፍርሕን ናጻ ዝኾናሉን ኩሉ ኣድልዎ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምድምሳሱ መስርሕ ብዕቱብነት ክስረሓሉ ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሓደረሉን፡ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ የለን። ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ካብ ዘይሃለወ ንመሰላትን ናጽነትን ማዕርነትን ዝጣበቕ ናጻ ዝኾነ ትካላት እውን የለን። ስለዚ ንመሰላትን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ከውሕስ ዝኽእል ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከምኡ እውን ደቂ ተባዕትዮ ብሓፈሻ ብሓባር ክስረሑ የድሊ። እዚ ከኣ ካብ ገዛን ካብታ ስድራን ይብገስ። ኣብ ርእሲኡ ምስቲ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ጎኒ ንጎኒ ዝኸይድ እቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዕብለላ ክጎድልን ክመዓራረን ናይ ኮታ ወይ ሕዙእ ቁጽሪ ክወሃበን ኣለዎ። እዚ ሕዙእ ቁጽሪ እዚ እውን ብቃልሰን ከረጋግጸኦ ከምዘለዎን እውን ክዝንግዓ ኣይግባእን። እቲ ብቓልስና ክነረጋግጾ ኢና ዝብልኦ ኣብ ቦትኡ ከይኑ እቲ ሕዙእ ቁጽሪ ከኣ ተወሳኺ ሓይሊ ናይቲ መሰለን ዝሓታሉ ባእታ ምዃኑ ክኣምና እምበር ልማኖ ወይ ትኳቦ ኢዩ ኢለን ክነጽግኦ ኣይግባእን።

ብድራር መንታይ

Last modified on Saturday, 07 March 2015 09:15