ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት
ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝወላዕኪ ክርቢት
ጸረ ድሑር ባህሊ ተባዕታዊ ትዕቢት
መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ማዕርነታዊ ብጽሒት
ቈሪጻ ነቐለት ከተመዝግብ ዓወት።
ኤርትራዊት ኣደ‘ውን ከም ኩለን ኣሓታ
ንኹሉ በደላት ብወግዒ ጠሚታ
ምውዳብ ጀመረት ንለውጢ ኣሚታ
ክትብጆ መደበት ከተወፊ ሂወታ
ሜዳ ተሰለፈት ምስ ኩሎም ኣሕዋታ።
ግደ ኤርትራዊት ኣሎዎ ሓለፋ
ንኩሉ ክትብድህ ክብራ ዝገፈፋ
ሃገር ተረሚሳ ከየርኣየት ሓለፋ
ውልቃዊ ሕቶኣ ድሕሪት ኣወንዚፋ
ንቃልሲ ወሰነት ንብረታ ገዲፋ።
ኣብ ክንዲ ትሕንቅቕ ኣብ ክንዲ ትስለም
ኣብ ክንዲ ዝፈሪ እቲ ከርሳ ለምለም
ፍትሒ ሓሪሙዋ ኣብዛ ጠላም ዓለም
መሰላ ክግፈፍ ክትርሳዕ ክትጥለም
ንቃልሲ ወሰነት ብዘይቃልዓለም።
ኤርትራዊት ኣደ ካብ ኩለን ዝያዳ
ብውሽጢ ብደገ ወጽዓ ዝኸበዳ
ሕሰም ከቢዱዋ ተሰኪማ ማዳ
ኣብ ጐደና ክርሸን ዝረኣየት ውላዳ
ጨኪና ወሰነት ንቃልሲ ናብ ሜዳ።
ንሜዳ ወጺኣ ምስ ኩሎም ኣሕዋታ
ምንም ከይዓንቀፋ ባህርያዊ ፍጥረታ
ንኩሉ በዲሃ ሓቦ ተቐኒታ
ካኪ ዘራፍ በለት ኣብ ልዕሊ ጸላእታ
መስተንክር ሰሪሓ በጀወት ህይወታ።
ሞያኺ ብዙሕ‘ዩ ክንደይለ ክዝርዝር
ዝወዓለ ይንገር ናይ ዓይኒ ምስክር
ፈልፋሊ ተኣምር ኣውዒሉ ዘሕድር
ዓለም ዝደገፎም ሓያላት ዘሕፍር
ሓበን‘ዩ ንዓና ብስምኪ ክንፍክር።
እንታይ‘ለ ክሰምያ ኤርትራዊት ጅግና
ጀለብያ ደርብያ ቁምጣ ተኸዲና
ጐዳጉድ ገዝኣ ሓመድ ዝኽዳና
ምኩሓት ተቃጽል ባርዕ ረመጽ ኮይና
ንታሪኽ ተበጅያ በጃ ህዝቢ ኮይና።
ሓደራ እናበለት እወ ህይወታ ሓሊፋ
ኣለኹ እናበለት ከይቈረጸት ተስፋ
ምእንቲ ማዕርነት ዘይብላ ሓለፋ
ህዝባ ክሓልፈሉ ንሳ ተቐዚፋ
ኣይዓብያን‘ዩ ፍጹም ክሰምያ ሓለፋ።
ሳላ ጀግንነትኪ በጺሕና ናብ ዓወት
ህዝቢ ክርህዎ ኣብ ርጉእ ነጻነት
ሃገሩ ክሃንጽ ክምርሽ ናብ ዓወት
በቲ ፍቱን ዓቕሙ ከይመርጽ ብቑዓት
ኣዘንጊዑና ግን እዚ ጠላም ስርዓት።
ንፍትሒ ንመሰል መስዋእቲ ከፊልኪ
ኣብ ንኡስ ዕድሜኺ ዘይምሱል መሲልኪ
ሕሰም ተጻዊርኪ ነጻነት ዘምጻእኪ
ናይ ስዉእ ሕድሪ ብተግባር ፈጺምኪ
ብዕራይ ጠነሰ‘ዩ ሎሚ ክሓስመኪ።
እዛ ሓላል ሃገር ዓድ‘ዞም ጀጋኑ
መንፈስ ኣይቅበሎን ብደቃ ክትዓኑ
ኣላጊጾሙልና ሕቡኣት ገዋኑ
ግዜ ድዩ በዲሉ ፍትሒ ተሳኢኑ
ወይስ ሓጥያትና‘ዩ በዚሑ ሓሊፉ ዓቐኑ።
ሕጂ‘ሞ በዚሑ መሊኡ‘ቲ መስፈር
ሃገርና ክትዓኑ ህዝብና ክሽገር
ህንጥሾ ዝበለ ብቓጻ ክእሰር
ተካኢ ወለዶ ክጥንጥና ሃገር
ነዚ እናረአኻ‘ዶ ደቂስካ ይሕደር።
ሃገር ተረሚሳ ንቑልቁል ትጸድፍ
ብዘየሎ ይልፍልፍ ስርዓት ህግደፍ
ዓለም ዝኸዓቦ ታሪኽና ዘጐድፍ
ኣብ ክንዲ ዝእረም ስርሑ ዘጽፍፍ
እንሆ ቀሪቡ ክጽጣሕ ኣብ ጐድፍ።
ምናዳ ምናዳ ሃማድአ ህግደፍ
ግልብጭ ዝቝነና ውላደን ክቕዘፍ
ንሓቂ ቀቢረን ዘብዝሓ ዓዘፍዘፍ
ምንም ዘይስቈረን ሬሳታት ክግፈፍ
ምሕረት የውርደለን ካብዚ ሕማም መንደፍ።
ኤርትራዊት ኣደ ሕልሉፍ‘ዩ ወጽዓኺ
ምእንቲ ነጻነት ዝፈሰሰ ደምኪ
ክርህወኪ ዝግባእ ክቐስን ህይወትኪ
ኣብ ዘይሓሰብክዮ ባርነት ወዲቕኪ
መተካእታ የለን ኣልዕሊ ቅልጽምኪ።
ይሓይሽ ዝበልክዮ ኮይኑ ዝገደደ
ኣካልኪ ዝመስል ጓና ምስ ሓንገደ
መንእሰይ ቀቢጹ ንስደት ካብ ከደ
ሕልና ዘለዎ ንማሕዩር ካብ ተፈርደ
እንታይ ክመጽእ ካብዚ ዝገደደ።
እቲ እንኮ ፍታሕ ተሪፉና ዘሎ
ዕላማ ቃልስና ዘይተዛዘመ ውዕሎ
ሕድሪ ስዉኣትና ከይሃሰሰ ከሎ
ነዚ ከዳዕ ስርዓት ካብ ሱሩ ክንነቕሎ
ንህዝብና ነድሕን ከይጸነተ ከሎ።
ኣባኽን ክሰግር ኣብዘን ተጋደልቲ
ብጾታ ብወጽዓ ሰሚርክን ኣብ ሓንቲ
ተብዕላ ዘሎኽን ኣብዛ ሎም መዓልቲ
ናይ ልዝብ ኣብነት ናይ ራህዋ መብራህቲ
ምስጋና ይብጻሕክን ካብዞም ተቓወምቲ።
ሰጉማ ቀጽላ ንድሕነት ሃገርና
ሰላም ከነንግስ ክንነብር ቀሲንና
ዓሌት ይኹን ጾታ ዕድመ ከይፈለና
ባርነት ክቕንጠጥ ክምለስ ክብርና
ንለውጢ ንበገስ ብሓደ ሓቢርና።
ሰዓብቲ ህግደፍ ዓይንኹም ኣግፍሑ
ሃገር እናጠፍአት ብልምዓት ትነብሑ
ኣብ ባይታ ዘየሎ ሓሶታት ትነዝሑ
ዲክታቶር ክዓኑ‘ዩ ሓጢኣቱ በዚሑ
ጽባሕ ከይሓስመኩም ሎሚ ተናስሑ።
ተለዓል ውጹዕ ዳግማይ ተበራበር
መሓውር ህግደፍ ክድርቀም ክስበር
መከራ ከብቅዕ ኣብ ልምዓት ክሳገር
ዕግሽግሽ ገዲፍና ንፍታሕ ንማኸር
ኣብ ናይ ቃልሲ መስርሕ ኩልና ንጠመር።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና ብሓባር ምስ ደቀ-ንስትዮና!
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ
ብዓንደጽዮን ግርማይ:
ካሰል (ጀርመን)
8 መጋቢት መጺኣ መዓልታ ጸብጺባ
ሃየ ንቀበላ ብዕልልታ ብጨብጨባ
ክብርቲ መዓልቲ ኢያ ዓወት ዝተረኽባ
መሰል ጓልኣንስተይቲ ክሕሎ ኣንቂሓ ወዲባ
ታሪኻዊት ዕለት ኢያ ንበላ መርሓባ
እንቋዕ ሓጎሰኪ አርትራዊት ኣደ
ዑዙዝ አዩ ሞያኺ አቲ ዝኸበደ
መኪትዮ ኩሉ ብሓባር በቢ ሓደ
ንድርብ ወጽዓኺ ሸፊኑ ዝጋረደ
ንሞያ ቃልስኺ ፍጹም ዝኸሓደ
ሃየ መክትዮ ከይመጽእ ዝገደደ
መፍትሒ ርኽብሉ ሱር ከይሰድደ
ኣሎኪ አዩ ተሞክሮ ዓቢ ግደ
ከይርሳዕ ኩሉ ታሪኽ ጉዑዞኺ
መስዋእቲ ከፊልኪ ሃገር ዝሰራሕኪ
መኣስ ተሪፍኪ ካብ ጎኒ ብጾትኪ
ሰጊርክዮ ኩሉ ባህርያዊ ጸገምኪ
ኤርትራ ትመስክር ኣሎ እንድዩ መቓብርኪ
ንሱ አዩ መንነትኪ መሰረት ሞቦቆልኪ
ንመሰልኪ ምቅላስ ሕጂ አውን ቀጽሊ በርትዒ
ኣሎና ኣብ ጎድንኺ ኣብ መትከልኪ ጽንዒ
ጽረግዮ ኩሉ ጭቆና ግፍዒ
ኣይተረኽበን ራህዋ ጽላል መጸግዒ
ክንደይ ግዜ ድኣ ክትሓዝኒ ክትነብዒ
ኤረ ክሳብ ክንደይ ኢኺ ከኩፉኡ ክትሰምዒ
ከይበርስ ሞቦቆልኪ ኣስተውዕልሉ
ባህልኺ ከይበርስ ጥንቃቐ ግበርሉ
ምክብባር ጠፌኡ አዚ ግዜ እንድዕሉ
ናትኪ ግደ አዩ ኮፍ ኢልኪ ዘትዩሉ
ይደልድል ሓድነትኪ ጻማ ክትረኽብሉ
ኣርሒቂ ጠምቲ ንቕሓት ወስኹሉ
ኣንቲ የዋህ ኣደ ወላዲት ኩሉ
ኩርኳሕ አያ ዓለም ንስኺ ዘይብሉ
ንጡሙይ ተዔንግሊ ሽግሩ ትፈትሕሉ
ንሓጎስ ተዕልሊ ንሑዙን ትበኽይሉ
ሰፊሕ አዩ ሞያኺ ቃላት ሲኢነሉ
ክቡር ህያብ አዩ ዘይርከብ ብቐሊሉ
እወ ንስኺ ወላድት ጀጋኑ
ንዓለም ዝፈረኺ በቢ አዋኑ
መብራህቲ ገዛ ንኹሉ ዘዕነኑ
ንስኺ ዘይብሉ ስድራ ይተርፍ ተበቲኑ ።
8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ
ንዘላኣለም ከቢራ ትንበር
ካብ ዘርኤ ትርፈ ስያትል
ኣብ መስርሕ ቃልሲ ክሳብ ዘለና ኣብ ከባቢና ብዛዕባ ዝረአ ምዕባለታት ሚዛን ክንህብ ዝተለምደ እዩ። እዚ ግድን ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ ከባቢና ዝረአ ምዕባለ ነቲ ናትና ጉዕዞ ብኣሉታ ድዩ ብኣውንታ ስለ ዝጸልዎ እዩ። እዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ምዕባለ ውጽኢት ብውልቀ ፖለቲከኛታት፡ ብማሕበራት ወይ ብውድባት ዝግበር ምንቅስቓስ ክኸውን ይኽእል። ነዞም ምዕባለታት እዚኣቶም ክንመዝን እንከለና ምስቲ ናትና መርገጽን ፖሊስን ዘለዎ ዝምድና እቲ ቀዳማይ መዕቀኒና እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ምስዚ ሓይሊ’ዚ ወይ ምንቅስቓስ “ከስርሓና ዝኽእል ተኽእሎ ኣሎዶ የለን?” ካብ ዝብል ክነቅል ናይ ግድነት እዩ። ተመኩሮታትና ከም ዝሕብሮ እቲ ዝረአ ፖለቲካዊ ምዕባለ ካብ ናትና ዝተፈልየ እንተኾይኑ ከነዳኽሞ ኢና ንህቅን። ዘሳኒ እንተኾይኑ ድማ ክንቀርቦ ንንቀሳቐስ። ኣብዚ ኣየናይ እዩ እቲ ዝርሕቀካ ኣየናይከ’ዩ እቲ ዝቐርበካ ኣብ ምምዛን እንወስዶ መዕቀኒ “ክሳብ ክንደይ እዩ መሰረታውን ሓላፍነታውን?” ዝብል ሕቶ ምርኣዩ ኣዝዩ ኣድላይን ካብ ላህመታዊ ፍርዲ ዘድሕንን እዩ።
ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ተርእዮ ከመይነት መምዘኒ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ክኸውን እዩ ዝግበኦ። ሓደ ሓይሊ ኣብቲ ንምስዓሩ ዝቃለሶ ኣካል ማለት ከም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ተመኩሮና፡ ዘለዎ ገምጋም ሓደ መምዘኒኡ እዩ። እኳደኣ መሰረታዊ መምዘኒ። ምኽንያቱ እቲ ቀጻሊ እስትራተጂ ኮነ ሜላ ናይ ቃልሲ ኣብዚ ሚዛንዚ ክምርኮስ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን። ድሕሪኡ ዝመጽእ ካብዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሚዛን ተጸሚቑ ዝወጽእ እቲ ውድብ ወይ ሰልፊ ንከዕውቶ ዝሕንጽጾ መደባትን ከም መዕወቲ ዝኽተሎ ናይ ኣፈጻጽማ ስልትታትን እዩ ዝኸውን። ነዚ ከተግብር ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝምዘዝ ፈጻሚ ኣካል ወይ መሪሕነት ናይቲ መደባቱ ዝሰርዐ ፖለቲካዊ ትካል እውን መሰረታዊ’ኳ እንተዘይኮነ ባህርያት ናይቲ ፖለቲካዊ ትካል ኣብ ምምዛን ብጽሒት ኣይህልዎን ማለት ኣይኮነን።
ስለዚ ኣፍካ መሊእካ “እዚ ውድብዚ ወይ እዚ ሰልፊ’ዚ ወይ እዚ ግንባርዚ ምናልባት እውን ብውልቁ ዝነጥፍ ፖለቲካዊ ባእታ ከምዚ እዩ ኣደቡ” ንምባል ነዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ መዕቀንታት ግዜ ሂብካ እሞ ብጥንቃቐ ምምማይ የድሊ። ኣብዚ ብስምዒት ብሃታሃታ ኣብ ውሽጥኻ ካብ ዝጸንሐ ዘይቅዱስ ጥርጣረ ነቒልካ፡ ብፍላይ ድማ ካብ መልክዕ ናይቲ ንክፈጽም ዝተመዘዘ መሪሕነታዊ ኣካል ጥራይ ነቒልካ ዝወሃብ ደምደምታ ላህመታዊ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘኸትሎ ሳዕቤን ሓደገኛ እዩ ዝኸውን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋንዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓይሉ ከይጥርንፍ ሕማም ርእሲ ኮይነምዎ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ሕጽረታት ሓደ ዘይተጸንዐ ስግኣት ዝወለዶ ላህመታዊ ፖለቲካዊ ፍርዲ ምሃብ እዩ። ናይዚ መንቀሊ ድማ ንተረኽቦታት ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ፖሊስን ናይቶም ሃንደስቱ ኣተሓሳስባን ምምርኳስ፡ ብናይቶም ከትግብርዎ ዝተመዘዙ ኣካላት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ቦታዊ መበቆል ወይ ናይ ቃልሲ ድሕረባይታ እንዳተመስረትካ ዝወሃብ ዘይብሱል ፍርዲ እዩ። እዚ ማለት ንሃይማኖት ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ንሓደ ፖለቲከኛ ወይ ናይ ሓደ ውድብ መሪሕነት፡ ብዛዕባቶም ብሃይማኖት ዝፍለይዎ ኣካላት ኣይሓስብን እዩ ካብ ዝብል ግጉይ መንቀሊ ተንሲኣካ፡ ንሱ ክስታናይ እንተኾይኑ ንውድቡ ከም ናይ ክርስትያን ወይ ኣስላማይ እንተኾይኑ ንውድቡ ከም ናይ ኣስላም ኣስላም ገይርካ ምውሳድ ኣዝዩ ግጉይ እዩ። ሓደ ኣካል ብኣባልነት ንዘለዎ ግንባር ወይ ልፍንቲ በቲ እምነቱ መሰረት ከም ናይ ሓደ ሃይማኖት መእከቢ ጌርካ ናይ ምውሳድ ሽኩሽኳ ንደንበ ተቓውሞና ናብ ሃፍ ዝበለ ገደል ሒዝዎ ከይጸድፍ ኣብ ዘስገኣሉ ደረጃ ኢና ዘለና። እምበርዶኸ ኣስላማይ ኮይኑ ብጉዳይ ክርስትያን እውን ዝገደስ፡ ወይ ኣስላማይ ኮይኑ ብጉዳይ ክርስቲያን እውን ዝግደስ ኤርትራዊ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለና እዩ? በቲ ካልእ ወገንከ ወይ ክርስቲያን ክንሱ ንክርስቲያን ዝውጽዕ፡ ወይ ኣስላማይ ክንሱ ንኣስላም ዝጭቁን ኣካል ከም ዘሎኸ ንርዳእዳኦ ኣለና?። ኣብዚ’ባ ነስተውዕል ኣኺሉና ዲና ነቲ ንኩልና ብማዕረ ዝብጸሓና፡ ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ኣህሲስና ብሃይማኖታውን ወገናውን ጸቢብ ስምዒት ክንድውኖ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣዕናዊ ማእለማ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቲ መልክዑን መሰረት ብርታዐኡን ዝነበረ ብዙሕነቱ ናብ ዘይምትእምማን ገጹ ማዕቢሉ እንዳበልና ስግኣትና እንገልጽ ብዙሓት ኢና። ንሕና እቶም መሪሕ ግደ ክንጻወት ዝግበኣና ኣካላት ተቓውሞኸ፡ ኣበየናይ ደርጃ ኢና ዘለና። ንሕናው ከምቲ ናይ ህዝቢ ዝበልናዮ ዲና ኣብ ሕድሕድና ምትእምማን ኣጥፊእናስ ወይ እቲ ጸገም ኣብቲ ህዝቢ ኮይኑ ኣባና ደሓን ኣሎ ኢና እንብል። ኣነስ ሓደ ሓደ ግዜ እንብሎ ስግኣታትን ምጥፋእ ምትእምማንን ናትና ኮይኑ ብህዝቢ ነሳብቦ ከይንህሉ ዝብል ስኽፍታ’ዩ ዘለኒ። ከምዚ “ንቆልዓ ክብላ ይበልዓ” ዝበሃል። ስለዚ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምምዕዳውና ብደረጃ ውድባት ይኹን በብውልቀ ነንገዛእ ርእስኻ ካብ ምፍታሽ ንንቀል። ኣብ ጽኑዕ ባይታ ረጊጽካ ኣብ ህዝቢ ኣውንታዊ ጽልዋ ናይ ምሕዳር ሓላፍነት ከም ዘለና ከዓ ኣይንዘንግዕ።
ስለዚ ብዝሕ ዝበሉ ኣብ ክርስትና ዝኣምኑ ፖለቲከኛታት ተኣኪቦም ክንሰምዕ እንከለና፡ እቶም ኣብ ምስልምና እንኣምን፡ ወይ ብዝሕ ዝበሉ ኣብ ምስልምና ዝኣምኑ ክላዘቡ እንከለዉ እቶም ካልእ እምነት እንኽተል ልብና መሊቛ ተቐዳዲምና ናብ ምልጣፍ ወርሕን መስቀልን ክንጐዪ ኣይግበኣናን። ህድእ ኢልና ነቲ ደጋዊ ናይ ተጋባእቲ፡ ናይ እምነት ይኹን ናይ ኣውራጃ መልክዕ ገሊህና ንትሕዝቶ ናይቲ ዘልዓልዎ ዛዕባ ትንፋስና ውሕጥ ኣቢልና፡ ካብ ናይ ጥርጣረ ማእሰርቲ ውጽእ ኢልና ክንመዝኖ ይግበኣና። ድሕሪኡ ነቲ ዝተባህለ ክንንእድ ኮነ ክንነቅፍ እንከለና መዕቀኒና ከባቢያውን ሃይማኖታውን ምምስሳልና ወይ ምፍልላይና ክኸውን ኣይግበኦን። በቲ “ዋላ ወዲ ኣውራጃይ ወይ ወዲ ሃይማኖታይ ኣይኹን ንረብሓይ ክሓስብ ይኽእል እንድዩ” ዝብል እምነትና ንቓለዓለም ዘይኮነስ ካብ ልቢ ንሕልናና ከነእምኖ ይግበኣና። ኣነ ኣብዚ ናይ ምክእኣልን ላህመታዊ ፍርዲ ዘይምሃብን ኣሰራርሓ፡ ህዝብና ልዕሌና እንተዘይኮይኑ ትሕቴና ከም ዘይኮነ እየ ዝኣምን።
ደሓር ሓደ ጉዳይ “ቀርማሕ” መምስበለ እቲ መንቀሊ ከይተፈልጠ ህዉኽ ፍርዲ ካብ ምሃብ ክንጥንቀቕ ይግበኣና። እገለን እገለን ዝበሃሉ ኣስማቶም ናይ ሓደ ሃይማኖት ኣመንቲ ምዃኑ ዘመልክት መሓመዳት ወይ ገረዝግሄራት ክእከቡ እዮም ምስ ሰማዕና ጌና ከይተኣከቡ ንሕና ኣካል ናይቲ ዝሕሰብ ኣኼባ ዘይምዃና ስለ ዘረጋገጽና ጥራይ፡ ባዕልና ናይቲ ኣኼባ ውጽኢት ደሪስና ንምቅዋሙ ኣእምሮና ንስሕለሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ እዩ። ንምዃኑ ወዲ ሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት እንተላይ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ኣብ ሓደ መድረኽ ዝሕዞ መርገጽ ማዕባሊ እምበር ኣብኡ ነቒጹ ዝነብር ከምዘይኮነዶ ንኣምን። ከም ውጽኢት ናይቲ ቀደም ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ ብደም ዝጠልቀየ ጽልኢ፡ ክሳብ ሎሚ ብታሪኽ ንድሕሪት ኩርንኩሪት ተኣሲርና፡ እቶም ተሓኤ ዝነበርና ካብቶም ህግሓኤ ዝነበሩ፡ ወይ እቶም ህግሓኤ ዝነበርና ካብቶም ተሓኤ ዝነበሩ ጽቡቕ ዘይንጽበ ኣብ ናይ ምጥርጣር ዓለም ሰንፈለል ንብል ሓደሓደ ሰባት ምህላውና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ሎሚ ንሓና ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብሰንኪ በቲ ክንጐዓዞ ዝግበኣና ጐደና ዘይምጉዓዝና፡ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ረኺቡ ዋጋ ዘውጽእ ሓሳብ ከነመንጭው ዘይምኽኣልና ውጽኢት ናይ ድኽመታትና እዩ። ኣበይ ደርጃ ከም ዘለና ከዓ ኣፍ ኣውጺእና ምዝራቡ እንተዘይከቢዱና ብውሽጥናስ ንርእዮ ዘለና እዩ። ብሓጺሩ መስመራ ብዝሰሓተት ባቡር ምድሪ ኣብ እንምሰለሉ ናይ ሰንፈላል ደረጃ ኢና ንርከብ ተዝበሃል ምግናን ኣይመኾነን።
ኣብ ኤርትራ “ነጻነትና ብመስዋእቲ ደቅና መጺኣ” ዝብል ተዘይኮይዩኑ፡ ንኣስላማይ ቅድሚ ኣርስትያናይ ወይ ንክርስትያናይ ቅድሚ ኣስላማይ ዝሰርዕ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ንኣውራጃ፡ ንናይ ቃልሲ ድሕረባይታ፡ ንዕድመ ዝምልከት እውን ከምኡ። ኤርትራውያን ኣደታት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣደ ኩሉ ኮይነን ከዕንግላ ዘርኢ እምበር ዝፈላሊ እምነት ከም ዘይነበረን ተጋደልቲ ዝነበርና እንምስክሮ እዩ። ነዚ ገዲፍካኸ ተጋዳላይ “ ንስኻ ጽናሓ ኣነ ክሓልፍ” ክበሃሃል እንከሎዶ፡ ሃይማኖት ኣውራጃን ካለኦት ከፋፈልቲ እምነታት ቦታ ነይርዎም ድዩ። እስኪ ሽዑ ዝነብርኩም ቃልኩም ንስማዕ። ኣዴታት ከበሳ ነቲ ናይ ደቂ መታሕት ነዊሕ ናይ ገጽ ጥባሕ ዝህበኦ ጸዋግ ትርጉም ኣይነበረንን። ናይ መታሕት ኣዴታት እውን ነቲ ናይ ደቂ ከበሳ ዘይተተለመ ምዕጉርቲ ዝህብኦ ትሕተ ግምት ኣይነበረንን። ናይ ኩለን ኣደታት ድምጺ “ቅድሜኹም ይስጠሓኒ ዞም ደቀይ፡ ውፈሩ ደሓን እተዉ” ዝብል ብንብዓት ዝተሰነየ በቝባቕ ድምጺ እዩ ነይሩ። ሎሚ ንሕና ልዕሊተን ለወሃት ኣደታትና ምዃን’ሞ ይጽነሓልና፡ ነዚ ናታተን በቝባቝ ባህሊ ዓቂብና ከነቐጽሎ ዘይምብቃዕና የሕዝን።
ንቅንፍዝ ኣሻዅ ምዃና ብምርዳእ “ንደቅኺ ከመይ ጌርኪ ትሓቝፍዮም?” ምስ ተባህለት “ከከም ገጹ” በለት ክበሃል እንዳሰማዕናዮ ስለ ዝዓበና ብዛዕባ ብኸመይ ምስ ፍልልያትካ ብሓባር ምንባር ከም ዝከኣል ብዙሕ ቁምነገር ክንመሃር መተገበኣና በሃላይ እየ። እስኪ ምስዚ ናይ ሎሚ ዘሻቕል ሃለዋትና ነንገዛእ ርእስና ኣብ ቦታ ቅንፍዝ ኣቐሚጥና ንፈትሽ እሞ ክሳብ ክንደይ ንጉዳያት ከከም ኣመጻጽኣኦም ንምምሕዳር ዘኽእል ጸዋር ቆርበት ኣለና ኢልና ንሕሰብ። መምስ ሕልናና ከዓ ንላዘብ። ሎሚ ናብ ዕዳጋ ሒዝናዮ ንወርድ ዘለና ዜና፡ ተባኢስናን ተፈላሊናን ሞዴሉ ከም ዝሓለፈ ኣቕሓ ገዛኢ ከም ዝስእንዶ ንርደኦ ኣለና። በዚ እንተቐጺልና ከዓ ጠቕሊልካ ካብ ዕዳጋ ናይ ምውጻእ ሓደጋ ከም ዘኸትል ኣይንዘንግዕ። ንዓና ብዘየዕግበና ናይ ቃለዓለም ኣካይዳ ንካለኦት ከነዕግብ ምፍታን ኣብ ዘየድሚ ግዜኻን ጉልበትካን ምብላይ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ካብዚ ኹሉ ንምድሓን “ኣድህቦና ናብ መልክዕ ዘይኮነ፡ ናብ ትሕዝቶ ይኹን”
12 መጋቢት 2015
ሽግርና ምልኪ ጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎ፧ (ካልኣይ ክፋል)
Tuesday, 10 March 2015 12:03 Written by መድሃኔ ሃኣብተዝጊካልኣይ ክፋል
ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ካብ ትዕዝብተይ ተረድኦይን ብኩራት ሕድሕዳዊ መትእምማን ከምዝኾነ ብምሕባር ጠንቁን ሰበቡን እውን ክገልጽ ተመባጺዐ ነይረ:: ከም መብጽዓይ እምበኣር ኣቀዲመ ብኩራት ሕድሕዳዊ ምትእምማን እዩ ክብል ዘድፍረኒ ክውንነት ብኸምዚ ዝስዕብ እገልጾ::
ብመሰረቱ ናይ ሓባር ጸላኢ (ሓደ ናይ ብዙሓት ጸላኢ) ሓድነትን ስሙር ቅልጽምን ናይቲ ብኡ ዝድቆስ ዘሎ ኣካላት ከም ዝፈጥር ታሪኽ ዝምስክሮን ብክውንነት ዝተረጋገጸን ሓቂ እዩ:: ኣርሒቅና ከይከድና ግዝኣተ መንግስታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ነተን ብቋንቛን፣ ብባህልን፣ ብከባብያዊ ዝርጋሔን ካልእን ዝተፈላለያ ትሽዓተ ብሔራት ኤርትራ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢአን ሓቢረን ከምዝለዓላን ሰሚረን ከምዝቃለሳን ገይረወን:: ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት ኣብ ትሕቲ ብዙሓውነት (unity under diversity) ኣብ ትሕቲ ዝብል መትከል ተመርኲሱ፣ መትንታቱ ማዕረ ነዲሩ፣ ቀላጽሙ ኣስሚሩ፣ ክኸፍሎ ዝነበሮ ዋጋ ከሲሩ፣ ኣብ ዓወት ሰጊሩ፣ ብናይ ሓባር ቃልስን መስዋእትን ነጻነቱ ኣረጋጊጹ:: እዚ ጥራሕ ኣይነበረን:: ነቲ ብሓገዝ ሓያላት ሃገራት ዝተደረዐ መንግስቲ ደርጊ ንምርዓሙ፣ ዶብ ሰጊራዊ ሕብረት እውን ተኻዪዱ እዩ:: እዞም ክልተ ድሕሪ ዓወታት ግንቦት 1991 ክልተ መንግስታት ናይ ክልተ ልዑላውያን ሃገራት ኣብ ምዃን ምስ በቅዑ፣ ኣብ ክልተ ቀንዲ ጸላእትን ተጻባእትን ሕድሕድ ዝተቀየሩ ናይ ሽዑ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ/ሻዕብያን ናይ ሽዑ ውድብ ህዝባዊ ወያናይ ሓርነት ትግራይን ዓንጻርቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝኾነ ስርዓታት ኣዲስ ኣባባ ኢድን ጓኖትን ኮይኖም እዮም ተቃሊሶም::
እዚ ስምረት እዚ ድማ ነቲ ብውሽጣዊ ዓቅሙን ብግዳማዊ ደገፍን ዘይንቕነቕ እምባ ዝመስል ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ረማዕ ኣቢሉ ኣብ መዝገብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ከምዝጎሓፍ ገይርዎ:: ኣብ ከምዚ ዓይነት ስምምዓትን ስምረትን ንምብጻሕ ደፋኢ ሓይሊ ዝኾነ ራኢ ናይቲ ዝሰመረ ሓይልታት እዩ ነይሩ:: ንሱ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንስርዓት ደርጊ ድሕሪ ምውዳቅ ነፍሲ ወከፉ ብሔራዊ መንነቱ ተኸቢሩን ተሓልይሉን ዝነብረላ ነጻ ዝኾነት ሃገር ምውናን:: ካብኡ ብዘይፍለ ብሒራት ኤርትራውን እንተኾነ በቲ ብሔራዊ ዝርጋሔአን ዝውክል ዞባዊ ምምሕዳራት ዘለዋ ብኻልኦት ከይተዓብለላን ከይተጸልዋን ብሔራዊ ቋንቋታተን፣ ባህልታተን፣ ሃይማኖታተን፣ ልማዳታተንን ኮታስ ብሔራዊ መንነተን ዓቂበን ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብሩላ ሃገር ምፍጣር እዩ ነይሩ እቲ ደፋኢ ሓይልሊ ዝኾነ ናይ ሓባር ባህጊ:: ከም ብሔርን ከም ውልቀሰብን ብህይወት ምንባር ኣብትሕቲ ግዝኦት ኮነ ኣብ ስደት ክርከብ ይከኣል እዩ. ኣብ ዝበዝሐ ኩርናዕ ዓለማን ከም ሕቶ ተላዒሉ ኣብ ዝዓብየ ጎንጽታትን ዘይተደልየ መድመይትን ዝብጽሕ ግን ሕቶ ብመንነትካ ምንባር እዩ.
ክነስምረሉ ዘለና ምምስራት ሰውራ ኤርትራውን እንተኾነ ምፍራስ ፈደረሽን ምህሳስን ምድምሳስን ኩሉ ኤርትራዊ መንነት ስለዘስዓበ እምበር ምጥፋእ ኤርትራዊ ህይወት ስለዘስዓበ ኣይነበረን:: ብርግጽ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ንውዕል ፈደረሽን ብምጥሓስ ንኤርትራ ክፋል ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ኣብ ምግባር ውዲት ኣብ ዝሰርሓሉ ግዜ፣ ነቲ ፖለቲካውን፣ ባህላውን፣ ሃይማኖታውን ክብርታትናን መንነትናን ኣጥፊኡ እዩ ብናይ ኢትዮጵያ ክብርታት ክትክኦ ፈቲኑ እምበር ትኽ ኢሉ ብምቕጻል ዓድታትን ጃምላዊ ቅትለት ህዝብታትን ኣይጀመረን:: ጃምላዊ ቅትለት ኮነ ምቅጻል ዓድታትን ምብራስ ንብረትን ከም ህጹጽ ኣሰምባዲ ግብረ መልሲ ነቲ ሃገራውን ብሔራውን መንነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን፣ ኣብ መንነት ካልኦት ኣትየ ድማ ኣይነብርን ኢሉ ዝነቀለ ሰውራ ኤርትራ ንምርዓድ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምትታት እዩ ነይሩ:: ካብዚ ተበጊስካውን ስርዓት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ብመሰረት ናይቲ ፈደረሽን ትሕዝቶ ሃገራዊ ልዑላውነት ዘይብሉ ግን ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ መንነቱ ክብርታቱ እንዳስተማቀረ ንኽነብር እንተዝገድፎ ነይሩ፣ ሰውራ ኤርትራ ማናልባት ኣይምተመስረተን ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋላ ኣብቲ ድሕሪ 10 ዓመታት ክካየድ ዝነበረ ረፈረንዱም እውን ህዝቢ ኤርትራስ ከምቲ ናይ 1993 ዶ ሓደ ድምጺ ኮይኑ እወ ንነጻነት ኤርትራ ኢሉ 99.98% ድምጺ መመዝገበ ነይሩ ኢልካ ንኽትወላወል ዝደፋፍእ እዩ::
ብጽሙቅ ቃላት እምበኣር ጠንቂ መንቀሊ ሰውራ ኤርትራ ምህሳስን ምትካእን ሃገራውን ብሔራውን ኤርትራዊ መለለዪታትና ኮይኑ፣ እቲ ስዒቡ ዝተወስደ ጃምላዊ ቅትለት ኤርትራዊ ህይወት ድማ ነቲ መንነተይ ክብረተይ ኢሉ ነዲሩ ዝተላዕለ ህዝቢ ዝያዳ ኣነሃሂርዎን ኣብ ሓድነቱ ኣትሪርዎን:: ከመይሲ እቲ ዘጋጠመ ጽገማት ናይ ኩሉንን ንኹለንን ስለዝነበረ፣ እቲ ጸላኢውን ናይ ሓባር ስለዝነበረ::
ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ጥልመት ድሕሪ ነጻነት ሃገር ከጋጥሞ ዘይተጸበየ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብተን ዕለታት ዓወቱውን እንተኾነ ማለት ኣብ ቅንያት ግንቦት 1991 ንደስታኡ ንብዓት ብዘሰነዮ ናይ ሓባር ዕልልታን ዝላን እዩ ኣመስኪሩ:: ኣበይ እሞ ክኾነሉ፣ ኣብ ዘመነ ጥልመትዶ ገርሂ ልቢ ይድሕን ኮይኑ!
እቲ ነቲ ወርቃዊ ባህግታት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታት ነፍሲ ወከፍ ብሔራት ኤርትራን ከም ቀንዲ መንኮርኮር ናይ ቃልሲ ተጠቂሙ፣ ናይ ድሕሪ ነጻነት ናይ ኮንቱ መብጽዓታት እንዳተመባጽዐ ብገድልን መስዋእትን ሓፋሽ ኣብ ዓወት ምስ በጽሐን፣ ኣታሊሉ ሃገራውን ዝና ምስ ኣመዝገበን ብመንገዲ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኡ ኣቢሉ ንነፍሱ ኣንጻር ባህርያቱን መልክዑን ዝኾነ ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስን ፍትሕን ዝብል ውቁብ ስም ኣጠሚቁ፣ ነዚ ሎሚ ንብሔራትና ኣብ ፍጹም ዘይምትእምማን ዘብጽሐ ናይ ግበታን ምልክን መደባቱ ተተሓሓዞ::
ድሕሪን ቅድምን ነቲ ካብ ዕለተ ልደቱ ዓፊኑ ዝቀተሎን ድሕሪ 15 ዓመታት ድምብርጽ ከይበለ መርድእ ሞቱ ብዕሊ ብማዕከናት ዜን ዘቃልሖን ሃገራዊ ዓንደ ሕጊ ኤርትራ፣ ወርሒ ወርሒ ብዝእወጅ ቄናን ዝኾነ ናይ መሬትን ዋንነትን፣ ናይ ኣባይትን ህንጻን፣ ናይ ንግድን ዕደናን፣ ናይ ትምህርትን ቛንቛታት ሃገርን፣ ዘይክውንነታዊ ሓዲሽ ዞባዊ ምምሕዳራትን ዶባቱን፣ ንዑኡ ዝኣመሰለ ካልእን ፖሊስታቱ ገይሩ ንትጽቢትን ሃንቀውታን ብሔራት ብፍጹም ኣበርዒንዎ:: እቲ ኣብ ምፍራስ ፈደረሽን ብዕልን ብቃልዕን ዝተኣወጀ ብርሰት ሃገራውን ብሔራውን መለለዪ መንነታት ኣብ ዘመነ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ብሜላዊ ኣገባብ /systematically/ ሓላዪ ዝመስል መልክዕ ሒዙ ይካየድ ከምዘሎ ንህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተሰቆሮ መጺኡ:: ኣብቲ መጀመርታ እዚ ኣካይዳዚ ዘይተዋሕጠሎም ዜጋታት ብጥርኑፍ ኮነ ብውልቂ፣ ሕቶ ካብቅራብን ተቃውሞኦም ካብ ምግላጽን ድሕር ኣይበሉን:: መልሱ ግን ዒም ዝበለ ይተሓጎም ኮይኑ:: ልክዕ ከምቲ ስርዓት ጃንሆይ/ሃይለስላሴ ንሰውራ ኤርትራ ኣሰምቢዱን ኣርዒዱን ክቆጽዮ ብምህቃን፣ ኣሳቢቡ ዓድታት ዘቃጸለ፣ ስርዓት ኢሰያስውን ተመሳሳሊ ሜላ ተኸተለ:: ንዝኾነ ጸረ ኣዋጃቱ ሕቶ ዘልዓለን ዝጠርጠሮን ውልቀሰብ ኮነ ጉጅለ፣ ከም ጸረ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገርን፣ ቀቢላዊ፣ ብሔራዊ፣ ኣውራጃዊ፣ እስላማዊ፣ ጅሃዳዊ፣ መታሕታዊ፣ ግብረሽበራዊ ወዘተ ሓሳባት ዝወነኑ ኣምሲልካ ብምጥቃዕ ይትርፍስ ገጽ ኤርትራ ገጽ ዓለም እውን ከምዘይርእዩ ገበሮም::
ተቃውሞ ህዝብን ስኽፍታ ንኡሳን ብሔራትን ዕጅብ ዘይበሎ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ኣስመራ በዚ ኣገባብዚ ንህዝቢ ኣብ ራዕዲ ኣእትዩ ኣብ ትግባረ ኣዋጃቱ ኣተወ:: ንህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢ ዓለምን ንምድንጋር ድማ ሓድነት ሃገር፣ ልዑላውነት ሃገርን ባህሊ ሃገርን ዝብል ንየዋህ ዘደናግር ቃላትን ሓረጋትን ተጠቂሙ ከታልል ፈተነ:: ምስ ትግባረ ኣዋጃት ናይዚ ሓደ ሰልፋዊ ገባቲ ስርዓት ዝያዳ ምስፍሕፋሕን ምዝርጋሕን ናይ ብሔረ ትግርኛ ክረአ እንከሎ በንጻሩ ግን እቲ ካልእ ብፍላይ ንኣሽቱ ብሔራት ናይ ምቕሓም ሓደጋ ኣንጸላልይወን ይርከብ:: ነዚ ንብሔራት ስኽፍታን ዘይምትእምማንን ዘእተወ ዝተራእየን ዘጋጠመን ዓብላልነትን ተዓብላልነትን ብጭቡጥ ክንዛረበሉ ኣገዳሲ እዩ:: እቲ ክሲ ብሔረ ትግርኛ ንኹሉ ገቢቱ ኣብ ኩሉ ድማ ዓብሊሉ፣ ሎሚ ንዕብየትን ምዕባለን ካልኦት ብሔራት ዕድል ኣይሃበን፣ ምስ ግዜ ድማ ኣብ መጻኢ ግዜ ካልኦት ብሔራት ተዋሒጠንን ሓቂቀን ዝጠፍኦሉ ተርእትዮ ኣንጸላልዩ:: ስዒቡ ዘሎ ነጥብታት እቲ ጽገም ካበይን ብኸመይን ከምዝመንጨወ ንምርድኡ ክሕግዘና ይኽእል::
- እዉጅ ምፍራስ ናይቲ ንነውሕ ግዜ ዝሰርሐ 9 ዝቦታትን ኤርትራ እሞ ብኻልእ 6 ዞባታት ምትክኡ መፈለምታ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሽግር ነበረ:: ከምኡ ምግባር ምኽንያት ዘይነበሮ ኣይኮነን:: መብዛሕትኡ እቲ ዝፈረሰ 9 ዞባታት ምስ ጂኦራፍያዊ ዝርጋሔ ናይ ብሔራት ዝተሳነየ ነበረ:: እዚ ምክፍፋልዚ ድማ ብመጠኑ ነተን ብሔራት ካብ ከቢድ ናይ ሕድሕዳዊ ባህላዊ መጥቃዕትታት ተኸላኺልወንን ኣድሒንወንን ጸንሐ:: ብሔራት ኣብቲሕቲ ሃገራዊ ሓድነት ኣጽሊለን ኣብቲ ናትናዩ ዝብላኦ ዞባታት ብሔራዊ ኣተሓሳስባ፣ ብሔራዊ ኣረኣእያ፣ ብሔራዊ እምነትን ወኒነን፣ ነጻ ኮይነን ባህልታተንን ቋንቛታተንን ክጥቀማን ከስተማቅራን ጽኒሐን:: ዕላማ ምፍራስ 9 ዞባታት እምበኣር ነዚ ብሕቱው ናይ ብሔራት ኣተሃላልዋን ኣተሓሳስባን ኣፍሪስካን ጨፍሊቅካ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ባህልን ኣተሓሳስባን ምእታው ነበረ::
- ምግዓዝ ዋንነት መሬትን ባህርያውያን ጸጋታት ሃገርን ካብ ህዝቢ ናብ መንግስቲ እውን ነዚ ናይ ዓብላልነትን ተዓብላልነትን ሽግር ድርብ ኣዛይድዎ:: ቅድሚ ኣዋጃት ዋንነት መሬትን ባህርያውያንን ጸጋታትን ምእዋጆም ናይ ከባቢ ህዝቢ ጓና/ተወላዲ ካልእ ብሔር ዝኾነ ዋንነት ረኾቡ ኣብ ከባቢኦም ብብዝሒ ከይሰፍር እሞ ናይ ባህልን ቋንቋን መጥቃዕቲ ከይፈጥረሎም ናይ ርእሰ ምክልኻል ሕጋዊ ሓይሊ ነበሮም:: እንተኾእ በዘን ክልተ ኣዋጃት እዚኣተን እዚ ሓይሊዚ ተመንዘዐ:: በንጻሩ ሎሚ ዓቅሚ ዘለዎ ሰብ ኮነ ብሔር ኣብ ሰፈራ ዓቅሚ ዘይብሎም ደቂባት ዝኾኑ ውልቀሰባት ኮነ ብሔራት ኣብ ድላዮም ዝሰፍሩሉን ድላዮም ዝውንኑሉን ዕድል ተኸስተ:: እቲ ዓቅሚ ዘይብሉ ወድ’ባት ድማ ካብቲ እንኮ ዝውንኖውን ተሪፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀጻልነቱውን ሓደጋ ኣጋጢምዎ ይርከብ:: ምኽንያቲ ንኾሉ ዕዳጋታት፣ ናይ ኣገልግሎት ትካላት፣ ምምሕዳራዊ ጸፍሕታት፣ ካልእን እቲ ዓቅሚ ሃልይዎ ተንቀሳቂሱ ዝሰፈረ ዓቢሊሉ ብምሓዝ ነቲ ወዲ ባት ኣብ ሰከዔት መሕንቆ ኣእትይዎ ይርከብ::
- ኣዋጅን ትግባረን ፖሊሲ ዕደና እውን እንተኾነ ኣብ ሊዕሊ ነበርትን ደቂባትን ከባቢ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ እንዳፈጥረ ይመጽእ ኣሎ::
- ፖሊስን ትግባረን ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብወገኑ ነቲ ናይ ንኡሳን ብሔራት ምሕቃቅ ዝያዳ ከቀላጥፎ ይረአ ኣሎ:: 15፣16፣17 ዝዕድሚኦም ኣማኢት ኣሽሓት ቆልዑት ናይ ዝተፈላለዩ ብሔራት ዓመት ዓመት ትምህርቲ ኣሳቢቦም ጓሎም ወዶም ብግደታ ንሳዋ የምርሑ:: ንናይ ሓደ ዓመት ዓመተ ትምህርቲ ወይ ንናይ 18 ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሎም ናብታ ሃገራዊ ባህሊ እተልብስ ፋብሪካ ምስ ኣተዉ ድማ ካልእ 18 ዓመታት ወይ ካብኡ ንላዕሊውን መንነቶም ክሳብ ዝሃስስን እቲ ዝድለ ሃገራዊ ባህሊ ዝበሃል ክሳብ ዝለብሱን ኣብ ባሕረ ትግርኛ ተኣሊኾም ይጸንሑ:: ዝኾነ ካብኣቶም ዕድል ረኺቡ ንናይ መዓልታት ብጽሖት ንገዛ ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ ልሳኑ፣ ኣልባሱ፣ ኮታስ ኩሉ ናይ ዕለታዊ ህይወት ምንቅስቃሳቱ ናይ ትግርኛ ወሪሱ፣ ካብቲ ናይ ኣብኡን ብሔሩን ግን ኣዝዩ ርሒቁ ትረኽቦ:: ወረ ጸኒሑስ ብመውስቦ ተዳቂልውን ካብ ናቱ ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም መጻምድትን ውላድን ሒዙ ይመጽካ/ትመጽካ::
- እቲ እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ዘስዓቦ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት እውን ንኹሉ ሃስዪ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ባህሊ እንዳኣወራረሰ ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ዝነበሮ ንኣሽቱ ብሔራት ኣብ ክንደይ ምንኣሶም ተበታቲኖም ከምዝሓቁ ገይርዎም ይርከብ ኣሎ::
- ሰፈራዊ ምጥያስ ካብ ዓዲ ስደት ንዝተመልሱ ኤርትራውያንን ምጥርናፍ ዓድታትን ዝብሉ መደባትውን ንድሕነት ድቂባት ዝኾኑ ባህልታትን ቋንቋታትን ኣብ ግምት ካብ ዘየእተዉን ብንጻሩ ንከባብያዊ ተቀማጣይ ብኣሉታ ካብ ዝጸለዉን መደባት እዩም::
ስርዓት ኣስመራ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መደባቱ ኣብ ሊዕሊ ንኣሽቱ ብሔራትን ኣብ ልዕሊ ደቂባት ዝኾኑ ነበርትን ዘስዕቦ ሃስያን ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ከምጽኦ ዝኽእል ናይ ምፍርሻኽ ሓደጋ ተሰዊርዎ ኣይኮነን:: የግዳስ ከምቲ ኣቀዲሙ ኣብ ከርሰ ኤርትራ ብዝሒ ውድባት ዘለዎ ሰውራ ኣየድልን እዩ ዝተብባህለ፣ ጸኒሑውን ድሕሪ ነጻነት ብዝሓ ሰልፋዊ መንግስቲ ኣየድልን እዩ፣ ፍተዉ ጽልኡ ህግዲፍ እንኮ ሰልፍን መንግስትን ናይዛ ሃገር እዩ ዝተበህለ፣ ካብኡ ብዘይፍለ ኣገባብ ብዝሒ ብሔራት ኣይከድልን እዩ ዝብል መንገዲ ይኽተል ስለዘሎ እዩ::
ክኸውን ዘይነበሮ ካብ ጊጉይ ተረድኦ ካብዚ ነጥቢዝ ዝነቀለ ብሔራት ኣብ ሊዕሊ ስርዓት ኢሰያስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሊዕሊ ብሔረ ትግርኛውን እምነት ኣጥፊአን:: በንጻሩ ብሔረ ትግርኛውን ብፍላይ ህዝቢ ከበሳ ብወገኑ ኣብ ሊዕሊ ካልኦት ብሔራት ምትእምማን ዘጕደለ ይምስል:: እዚ ግን ብኽሊቲኡ ወገን ግቡእ ተረድኦ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣካይዳ ዘይምርዳእ ከምዘሎ ይገልጽ::
ኣብ ዝስዕብ መቐጸልታ ጽሑፈይ እንታይ እዩ እዚ ጊጉይ ተረድኦ ብሔራት፣ ካብ እንታይ ዝነቀለ እዩ፣ እንታይከ ዘያዳ ኣማዕቢልዎ ንዝብሉ ሕቶታት ክምልስ ክፍትን እየ:: ንሎሚ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!
መድሃኔ ሃኣብተዝጊ
(LLM)
መድሃኔ ሃብተዝጊ
ጨንፈር ማእከል (ፍራንክፈርትን ከባቢኡን) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ሃገረ ጀርመን ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ
Monday, 09 March 2015 19:28 Written by EPDP Information Office- Germanyኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ ክርሽ ፕላትስ ቦኮንሃይም ብዕለት 08-03-2015 ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.30 ዝተኻየደ ናይ ጨንፈር ኣኼባ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ እነሆ።
ኣኼባ በቲ ምዱብ ግዜኡ ብጻይ ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ምስ ከፈቶ እቲ ቀንዲ መደብ ወይ ኣጀንዳ ናይዚ ዕለትዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ስለ ዝነበረ ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ኣገዳሲ መግለጺ ብብጸይቲ ፈቨን ግደዎን ዋና ጸሓፊት ጨንፈር ንኣኸበኛ ብጽሞና ተነቢቡ። ሕምረት ናይቲ ዝቐረብ ጽሑፍ ውጽዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ድሕሪ ምሕራር ሃገር ኤርትራን ሎሚን ዘጋጥማ ዘሎ መነባብሮ ህይወታን ካብዚ ንምግላል ትርኽቦ ዘላ ኣሰቓቒ ዓለም ምሉእ ዝፈልጦ ግህሰትን ዝኣመተ ኢዩ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኢዩ ሰዲህኤ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፍርቂ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዃነን መሰለን ተሓልዩ ኣብ ኵሉ ሕይወት ሕብረተ-ሰብናን ሃገርናን ብማዕረ ክሳተፋ ከምዘለወን ይኣምን። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ እቲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ካብ ኵሉ ማሕበራውን ውልቃዊ ሕይወትን ክግልለን ዝጸንሐ ባህላውን ፖለቲካውን ቀይድታት ብሕጊ ንምውጋዱ ኣድላዪ ቃልሲ ክካይድ ዝበለ። ብድሕሪዚ ጨንፈር ሽማግለ ንኣኼበኛ በዚ ኣርእስቲ እዚ በብፍልጦኡ ብሰፊሕ ክግለጽን ክክካታዕን እኹል ጊዜ ብምሃብ ዅሉ በብወገኑ ካብ ገዛ ዝቐረበ ሕቶ እንዳመለሸን እንዳገለጸን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከቢሩ ውዒሉ ክብሃል ይከኣል።
ብድሕሪዚ ኣገዳሲ ውሽጣዊን ውጻኢን ሓበሬታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምቕራብ ብጉዳይ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ጉዳይ ምቅርራብ ፈስቲቫልን ብምጥቃስ ነዚ ክልተ ዓበይቲ ጉዳያት ካብዚ ዕለት እዚ ክንዳለውሉ ከም ዘሎና ሽማግለ ጨንፈር ንኣኼበኛ ኣጥቢቖም ብምትሕስሳብ፤ ርእይቶን ለበዋን ብምቕባል ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።
መኣዲ ልዝብ ኤርትራውያን ኣብ ስቶክሆልም ዝተባህለ ማሕበር ንማሕበር ኤርትራውያን ኣካለ ጽጉማን ገንዘብ ኣወፍዩ።
Saturday, 07 March 2015 22:03 Written by መኣዲ ልዝብ ኤርትራውያን ኣብ ስቶክሆልምብዕለት 28/02/2015 ማሕበር መኣዲ ልዝብ ኤርትራውያን ኣብ ስቶኮልም ብዘሎዎ ለዋህን ሓላዩ ንቁሕ ተበግሶ ንኣብ ሃገር ሱዳን ከሰላ ዝርከቡ ኣሕዋቶም ንሃገራዊ ተጋድሎ ብዉግእን ብባህርያዊ ጉድኣት ዝሰንከሉ ንምርዳእ 5000 ክራውን ሓገዝ ኣወፍዮም። ነዚ ኣገዳሲ ወፈያ ኣደ ወንበር ማሕበር ኤርትራውያን ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሽወደን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኢሳቅ ተቀቢላቶ። እዚ ማሕበር መኣዲ ልዝብ ኤርትርውያን ኣብ ስቶኮልም ብተወሳኺ ሰናይ ንጥፈታቱ ንሓደስቲ መንእሰያት ኣሕዋቶም ኣብ ምትብባዕ ቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብን ከም ዝነጥፉ ካብ ስቶኮልም ዝመጸና ሓበረታ ገሊጹ።

ታሪኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘይፈልጥ የለን። ይኹን እምበር ዓመት መጸ ክግለጽ ኣድላዪነት ኣለዎ ምኽንያቱ እቲ ሕዲሽ ወለዶ ነቲ ገዲም ወለዶ ክትክእ ከሎ እቲ ታሪኽ ክንገሮ ከሎ ዝሓሸ ስለዝኾነ ምድግጋሙ ኣይከፍእን ኢዩ። ኩልና ከም ንርድኦ ጓል ኣንስተይቲ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኢያ። ስለዚ ንሳ ዘይብሉ ምሉእ ከኸውን ኣይክእልን ኢዩ።
ጓል ኣንስተይቲ ብባዮሎጂካዊ ፍጥረታ ካብ ወዲ ተባዕታይ ኣዚያ ትፈለ ኢያ። ማለት ብተፈጥሮ ንሳ እትገብሮ ወዲ ተባዕታይ ክገብሮ ኣይኽእልን ብኣንጻሩ ወዲ ተባዕታይ ክገበሮ ዝኽእል ድማ ጓል ኣንስተይቲ ክትገብሮ ኣይትኽእልን። ይኹን እምበር ሓደ ዝኾኑሉ ድማ ኣሎ። ንሱ ከኣ ናይ ኣእምሮ ወይ ናይ ብልህነት ኢዩ። እዚ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ይኹን ኣብ ወዲ ተባዕታይ ዘሎ ኢዩ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ወዲ ተባዕታይ ትሒታ ትረኣየሉ ጉዳይ የለን።
ኣብ ስራሕ ትሕቲ ወዲ ተባዕታይ ክኽፈላን፡ ናይ ምድማጽ መሰልን ተነፊገን፡ ናይ ስራሕ ማዕርነተን እውን ክግፈፋ ከለዋ ዝተዓዘባ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ወጽዓን ጭቆናን፡ ኣድልዎን እዚ ክውግዳ ሓቢረን ክቃለሳን ድምጸን ከስማዕ ዝጀመራሉ ግዜ ኣብ 1857 ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት 8 መጋቢት ቅድሚ 158 ዓመት ዝተገብረ ቅያ ዝጅምር ታሪኽ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ፈብሪካታት ዓለባ ወይ ክዳውንቲ ዝሰርሓ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኩነታት ሕማቕ ኣነባብራ ሰራሕተኛታትን ልዕሊ 10 ሰዓት ንመዓልቲ ዝሰራሓ ዝነበራን፡ ምስ ከምአን ዝኣመሰሉ ደቂ ተባዕትዮ ሰራሕተኛታት ዝነበረ ኣድልዎ ዝተዓዘባ ምእንቲ መሰለንን ማዕርነተንን ክብላ ንመጀመርያ ግዜ ሰላማዊ ስልፊ ዘካየዳላ ታሪኻዊት ዕለት ኢያ። ድሒሩ ድሕሪ 51 ዓመት ናይቲ ግዜ እቲ ድማ ማለት፡ ኣብ 1908 ኣብ ኒይው ዮርክ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምድማጽ መሰል፡ ብውሑድ ደሞዝ ንነዊሕ ሰዓታት ዘስርሑ ሰብ ፋብሪካታት ደው ንኽብልን፣ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ሕጻናት ድማ ኣብ ስራሕ ንኸይዋፈሩ ዝሓዘለ ጭርሖ ኢዩ ነይሩ። ኣብ 1909 ንመጀመርያ ግዜ ከኣ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣመሪካ ነዛ ዕለት እዚኣ ማለት እቲ ኣብ 1908 ዕለት 28 የካቲት ኣብ ኒይው ዮርክ ዝተኻየደ ሰልፊ ንኽብሪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክትከውን ወሰነ። ኣብ 1910 ብእህጉራዊ ማሕበረነት ኣብ ኮፐንሃብገን ዝተገብረ ኣኼባ ድማ ንኽብሪ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮን ኣድማሳዊ መሰል ምድማጽ ደቂ ኣንስትዮ ንምጉንጻፍን ደገፍ ንምኽዕባትን ብማለት ፍሉይ ዕለት ከይወሰነ ‘’መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’’ ዝብል ዓለም ለኸ መልክዕ ዝሓዘ ኣዋጅ ኣወጀ።
ኣብ 1911 በቲ ተበግሶ ናይ ኮፐን ሃገን ዝተረኽበ ውጽኢት ከኣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 19 መጋቢት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣውስትርያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን…ወዘተ ከቢራ። ኣብዚ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድም ክብል ናይ ምድማጽ መሰል ዝነበረ ሕቶ፡ ናይ ስራሕ ኣድልዎ ደው ክብልን፡ ናይ ስራሕን ናይ ሞያን ስልጠና መሰልን ተወሳኺ ጠለባት ዝቐረበሉ ስለፊ ኢዩ ነይሩ። ኣብ 1913-1914 ድማ እዛ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም መሳርሒ ንቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነጽግ ሰልፊ ኮነት። በዚ መሰረት ደቂ ኣንስትዮ ሩስያ ከም ኣካል ናይ ዓለም ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ከኣ ናይ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮአን ንመጀመያ ግዜ ኣብ መወዳእታ ሰንበት ወርሒ የካቲት ኣብዒለናኣ። ኣብ ዝሰዓበ ዓመት ከኣ ኣብ ካልእ ሃገራት ኤውሮጳ ብዕለት 8 መጋቢት ዘካየደኦ ሰልፊ ወይ ነተን ኣብ ሩስያ ነቲ ውግእ ዝጻረራ ክድግፋ ይኹን ነቲ ውግእ ዝጻረር ንምግላጽ ሰልፊ ኣካያዳ።
ኣብ 1917 ድቂ ኣንስትዮ ሩስያ ድሕሪቲ ውግእ ዝሰዓበ ጸገም ማለት ናይ ‘’ዝብላዕ ባንን ሰላምን’ ዝብል ሰልፊ ኣብ መወዳእታ ሰንበት ናይ ወርሒ የካቲት ወይ ብናይ ግርጎርያን ኣውደ ኣዋርሒ ኣብ ዕለት 8 መጋቢት እትውዕል ሰልፊ ኣካየዳ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከኣ ንጉስ ጻር ካብ ስልጣኑ ወሪዱ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ ናይ ምድማጽ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣጽደቐ። ኣብ 1975 ድማ ሕብራት ሃገራት ዓለም ‘’ዓመት ኣህጉራዊ ደቂ ኣንስትዮ’’ ብዝብል ዕለት 8 መጋቢት ከብዕላ ጀመረ። እዚ ኩሉ ምእንቲ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ቃልሲ ነዛ ክብርቲ ዕለት 8 መጋቢት ናይ ‘’ መዓልቲ ኣህጉራዊ ደቂ ኣንስትዮ’’ ኮይና ኣብ ታሪኽ ተመዝጊባ እነሆ ዓመት መጸ ኩልና ነብዕላ ንርከብ። ወጽዓ ኩሉ ግዜ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ወገን ወይ ኣውራጃ ወይ ብሄር ወይ ቆርበት ኣይፈልን ስለዝኾነ ናይ ሓብር ቃልሲ ከምዘድልዮን ሓቢረን ከምዝተቓለስን ትሕብር ታርኽ ኢያ። ብቃልሰን ዘረጋገጸኦ መሰልን ማዕርነትን ግና ሚእቲ ብሚእቲ ኣይተዓወታሉን ዘለዋ። ምኽንያቱ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጽፍሒ ዓብላሊ ቁጽሪ ወዲ ተባዕታይ ኢዩ ዘሎ። ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ብሕጂ እውን ተጠርኒፈን ክቃለሳሉ ዘለወን ጉዳይ ኢዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራኸ? ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብባህሊ፡ ወይ ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕማማት ይጥቅዓ ኣለዋ። በቲ መግዛእታዊ ግፍዕን ጭቆናን ተዋሪደንን ተሳቕየንን ኢየን። ነዚ ግፍዕን ወጽዓን ንምድምሳስ ድማ ኣብ ጎኒ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ምስቲ ኩሉ ባዮልጂካዊ ጸገማተን ነቲ ዝነበረ ሽግርን መከራን ተጻዊረን ብረተን ሓንጊጠን ኣንጻር ባዕዳዊ መግጻእቲ መዘና ዘይብሉ ታቓሊሰንን ተረባሪበን ክሳብ መስዋእቲ ዝኸፈላሉ ናጽነት እውን ኣጓናጺፈን ኢየን። እዚ ኹሉ ዝተኻየደ ቅያ ኣብ ታሪኽ ሰፍ ዘይብል ሓቦን ንሒን ዝተዓጥቀት ጓል ኣንስተይቲ ስና ነኺሳ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጽፍሕታት እቲ ትካላት ናይ ሰውራ ኣገልጊላ ኢያ። ጻማ እቲ ዝገበረቶ ታሪኽ ግን ኣይተፈድየትን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ነቲ ዝመዝገበቶ ታሪኸ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንምብላል ዝተዓጥኩ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እዚ ካብ ክቱር ሕርቃን ዝተላዕለ ከኸውን ይኽእል ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሃገሩ ኣዕሪፉ ብሰላም ክነበር ዝምነ ዝነበረ ኤርትራዊ ዓቢ ይኩን ንእሽቶ ኣብ ስደትን መከራን ስለዝተሳጠሐ፡ ኣብቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝተገብረ ጉድለታት ተመሊሱ ክኸስስን ክውንጅልን ደኣ እምበር ነቲ ሞያን ጅግንነተን ቅያን ደቂ-ኣንስትዮስ ካብ መዛግብቲ ታሪኽ ክሓክኽ ዝኽእል ኣካል የለን።
ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድለን በቲ ክኸዶ ዝግበኦ ኣይከደን። ምኽንያቲ ሓደ እቲ ባህሊ፡ ከምኡ እውን ድኽነት፡ ካልኣይ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ሳልሳይ ድማ እቲ ሕጊ ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ሽግር ኢዩ። እቲ ስርዓት ነቲ ቑጠባ ባዕሉ ዓትዒቱ ብምሓዙ ቁጠባዊ ናጽነት ስለዘየለ ጓል`ኣንስተይቲ ርእሳ ክትክእል ኣይበቕዐትን።
ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተረአና ኣብቲ ናይ ምውሳን ተራን ግደን እውን ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ይተረፍ ኣብቲ ዝተሓተ ጸፍሒ እውን እንተኾነ ምስሊ ጓል ኣንስተይቲ ፈጺሙ የለን። ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ጌና ጥቑዓት ናይ ሕጊ-ኣልቦነትን ናይ ልምድን ባህልን ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ጸብለትነትን ዓብላልነትን ደቂ ተባዕትዮ ዝውሰን ውሳኔ ኢየን ዝርከባ ዘለዋ። ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ የለን። ዲሞክራሲ ካብ ዘይሃለወ ድማ ሰብኣዊ መሰላት ይኹን ናይ ጾታ ማዕርነት ክርከብ ማለት ዘበት ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ ስርዓት እዚ እቲ ንስልጣኑ ከናውሓሉ ዝኽእል ናይ ባዕሉ ሕጊ እምበር ንረብሓ መላእ ህዝቢ ዝግለገለሉ ሕጊ የልቦን።
ሕጊ ካብ ዘይሃለወ ድማ እቲ ስርዓት ምሉእ መሰልን ዕድላትን ብዘይህብ ኣተሓሳስባ ዝተዓብለለ ስለዝኾነ ጸረ-ዲሞክራሲ ኢዩ። ጸረ-ዲሞክራሲ ብምዃኑ ድማ ምዕሩይ ዝኾነ ዝርጋሐ ስልጣን ይኹን ማዕርነትን መሰልን ከኣ ዝነጽግ ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ። ንማዕርነት ይኹን መሰል ዝጣበቕ ባእታ ስለዘየለ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ኣውራ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኩሎም ተጸቒጦም ክግፍዑን ክጭቆኑን እምበር ክርህዎምን ንናይ ሃገር ምዕባሌ ከምዝሓስቡ ክገብር እቲ ስርዓት ፈጺሙ ኣይዕጭጮን ኢዩ።
ስለዚ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኢዩ ንመሰላትን ማዕርነትን ከውሕስ ዝኽእል። እዚ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ እዚ ክህሉ ድማ ተሳትፎ ናይ መላእ ዜጋ የድሊ፡ ማለት ክልቲኡ ጾታ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ማለት ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እምበኣር ብኹሉ ኢየን ተወጺዐን ዘለዋ። ካብዚ ወጽዓ ክለቓቓ ዝኽእለን ሓደ እቲ ጾታዊ ማዕረነት ዝብል ክረጋገጽ ናይ ኩልና ሓላፍነት ኢዩ። ካልኣይ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ኩሉ ክስማዕ ኣለዎ። ሳልሳይ እቲ ድሑር ዝምባሌታትን ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕማማትን ሕማቕ ልምድን ባህልን ክልቲኡ ጾታ ካብ ነፍሱ ክውግዶ የድሊ። ራብዓይ ደቂ ተባዕትዮ ንማዕርነትን መሰልን ድቂ ኣንስትዮ ክጣበቑን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ይግባእ። ብተወሳኺ ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሓጋዚ ከኸውን ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መንጎ ሲቭል ማሕበራትን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ መስርሕን ምትሕብባርን ዝምድናን ክህሉ ኣለዎ። በዚ ኣቢሉ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ራዕድን ፍርሕን ናጻ ዝኾናሉን ኩሉ ኣድልዎ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምድምሳሱ መስርሕ ብዕቱብነት ክስረሓሉ ይግባእ።
ኣብ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሓደረሉን፡ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ የለን። ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ካብ ዘይሃለወ ንመሰላትን ናጽነትን ማዕርነትን ዝጣበቕ ናጻ ዝኾነ ትካላት እውን የለን። ስለዚ ንመሰላትን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ከውሕስ ዝኽእል ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከምኡ እውን ደቂ ተባዕትዮ ብሓፈሻ ብሓባር ክስረሑ የድሊ። እዚ ከኣ ካብ ገዛን ካብታ ስድራን ይብገስ። ኣብ ርእሲኡ ምስቲ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ጎኒ ንጎኒ ዝኸይድ እቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዕብለላ ክጎድልን ክመዓራረን ናይ ኮታ ወይ ሕዙእ ቁጽሪ ክወሃበን ኣለዎ። እዚ ሕዙእ ቁጽሪ እዚ እውን ብቃልሰን ከረጋግጸኦ ከምዘለዎን እውን ክዝንግዓ ኣይግባእን። እቲ ብቓልስና ክነረጋግጾ ኢና ዝብልኦ ኣብ ቦትኡ ከይኑ እቲ ሕዙእ ቁጽሪ ከኣ ተወሳኺ ሓይሊ ናይቲ መሰለን ዝሓታሉ ባእታ ምዃኑ ክኣምና እምበር ልማኖ ወይ ትኳቦ ኢዩ ኢለን ክነጽግኦ ኣይግባእን።
ብድራር መንታይ
ብዕለት 14 02 2015 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ዮተቦር ሽወደን ብመንእሰያት ዝየዳለወ ምሸት መንእሰይ ብሰናይ ድሌት ንዓለም ክንልውጣ ዝብል ጨርሖ ናይ ዝተፋላልዩ ሃገራት መበቆል ዘሎዎም መንእሰያት ተቀማጦ ከተማ ዮተቦርግ ኣብ ፍሪዝሁሰት ኣገዳሲ ምስዮት ተካይዱ። ኣብዚ ሓያሎ ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ከም ቀይሕ መስቀል፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሾናል፡ ማሕበር ደገፍቲ ስደተኛታት ንሱርያውያን፡ ንፈለስጢናውያን ፡ንኩርዲስታን… ወዘተ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ብፍሉይ ስእላዊን ፊልም ዝተሰነይ ህልዊ ኩነታት ኣብ ቃዛ ፈለስጢን ብሓደ ዓቢ ጋዜጠኛ ናይ ተለቪዝዮን ሃገር ሽወደን ሓጺር መደረ ነይሩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ኣዚ ሓው ጸሀየ ቀለታ ተረኺቡ ሓጺር መግለጺ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ፡ ንመንእሰያት ኤርትራዊያን ዝወርድ ዘሎ መሪር ግፍዕታት ኣብ ሱዳን ኢትዮጲያ ሊብያ ኢጣልያ ሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ተቀይዶም ዘሎዉ ኣሽሓት ህዝቢ ወለዲ፡ ሓያሎ ሚንስተራት 29 ጋዜጠኛታት ሓደ ካብኦም ሽወደናዊ ሓው ዳዊት ኢሳቅ ብዘይፍርዲ ኣብ መቁሕ እንሆ ልዕሊ 13 ዓመት ኮይኑ ኢሉ። እዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኢሰብኣዊ ምሕደራ ስርዓት ህግዲፍ ምዃኑ ሓቢሩ ። ቀጺሉ ሓው ጸሃየ እንሆ ኣብዚ ከተማ ዮተቦርግ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኤርትራውያን ልዕሊ 50 ከም ዘሎዉ ሓደ ካብኦም ከኣ ብዕለት 04/02/2015 ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ብምሕባሩ ሓያሎ መንእሰያት ሓዘኖም ገሊጾም። እዚ ምስዮት እዚ ከኣ ብቀጻሊ ንእንነብረላ ዘሎና ዓለም ብድሌትና ክንቅይራ… ዝበል ንጥፈታት ክቅጽል ምኳኑ መራሒት እቲ መደብ ንኩሉ ተሳታፍይ ዓዲማ ብሉስሉስ መሃሪ ሙዚቃ ተዛዘመ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓ.ም 1113 ኤርትራውያን ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣትዮም
Friday, 06 March 2015 16:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤህልውና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሜና ዝተገተረ መስገደል ስለ ዝኾነ፡ በብዕለቱ ብዛዕባኡ ክንጽሕፍን ክንዛረብን ናይ ግድን እዩ። ክንጽሕፍን ክንዛረብን እከለና ግና ከም ናይ ሰናይ ኣብነት ዘይኮነስ ከም ናይ እከይ ተግባራት ኣብነት ኢና እንጠቕሶ። ተግባሩ ከምኡ ስለ ዝኾነ። “ጉጅለ ህግደፍ ህዝብን ሃገርን ንምብስባስ ዝመጸ እከይ እዩ” ኢልካውን ስቕ ምባል ይከኣል እንድዩ፡ ምረት እከይነቱ ዝያዳ ንምብራህ ዝርዝር ምቕራብ’ውን ናይ ግድን እዩ። እከይነት ናይዚ ጉጅለ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ማለት ኣብ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ካብ ሓደ ዲክታቶርያውን ጸረ-ህዝብን ባህርይ ዝቕዳሕ እዩ። እዚ ጉጅለ ኩሉ ተግባራቱ ሓድሽ ቅዲ ሓንጺጽካ ንቕድሚት ምስጓምስ ይትረፍ እሞ ነቲ ዝነበረ ኤርትራዊ ኩለመዳያዊ መንነት እውን ናይ ምዕቃብ ዓቕሚ ኮነ ትዕግስቲ ዘየብሉ ንድሕሪት ዝስጉም ኣፍራሲ እዩ።
ሎሚ ኤርትራ ኣብ ቁጠባኣ ኮነ ባህላ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምስላ ኮነ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድነኣ፡ ኣብ ምኽባር ደሞክራሲያዊ ኮነ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ናይ “ዓሚ ይሓይሽ” ድሑር ደረጃ እያ ዘላ። ሎሚ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ዘመናዊ ስልጣነ ናብ ቁሸት ዝተለወጠትሉ ናይ ግሎባላይዘሽንን ምዕቡል ዘበንን ናይ ወፍሪ ፖሊሲ ዝማዕበለሉን መዋእል ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተለዊጣ ብናይ “ዕጽው ፖሊሲ ዝምድና” ተሻቢባ ብናይ ሓሶት “ነብስኻ ምኽኣል ቁጠባ” ኣብ ባይታ ዘይሽረፍ ፖሊሲ ጸምልያ ዘላ ሃገር እያ። ጉጅለ ህግደፍ በብግዜኡን መድረኹን ብዝቐያይሮ መልክዓት ዝነዝሖ ብልጭልጭ ዝብል መብጸዓታት ነይርዎ እዩ። ሕጂ’ውን ኣለዎ። ኩሎም እዞም ዝቐያይሮም መልከዓትን ዘቃልሖም መብጸዓታትን ግና ብድምር ካብ ሓደ መኹባዕቲ ዝቕድሑ ናይ ኣፍራስነት ውጽኢት እዮም። ብጥሙር ሕርሻ ኣሳቢካ መሬት ድኻ ሓረስታይ እንተላይ ጉልበቱ ምዝማት፡ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብያተ ትምህርቲ ምዕጻው፡ ብጉልባብ ምብዛሕ ኮለጃት ዩኒቨርሲቲ ምዕጻው፡ ብጉልባብ ቤተሰብ ስዉኣትን ዳግመ-ህንጻን 2% ምእካብ፡ ብጉልባብ ሉኣላውነት ንኹሉ ደሞክራሲያዊ መስርሓት ዓጺፍካ፡ ብቑርጽራጽ ኣዋጃት ተሰኒኻ ኣብ ስልጣን ምቕጻል፡ ብጉልባብ ምንዳፍ ሓድሽ ሕገመንግስቲ ዕድመ መግዛእቲ ምንዋሕ፡ ብጉልባብ ምክልኻል ሃገር ዕዳጋ ቦንድ ምኽፋት …ወዘተ፡ ኩሎም እዚኣቶም ንዝነበረ ኤርትራዊ ኒሕን ውርሻን ንድሕሪት ዝመልሱ እምበር ንቕድሚት ዘሰጉሙ ከም ዘይኮኑ ርኢናዮ ኢና።ዲክታቶር ኣቶ ኢሳይያስ እውን ኣብቲ በብግዜኡ ዝገብሮ ተጋራጫዊ ቃለ መጠይቓት እንዳመለቖ ግዲ ኮይኑ “ ኢንዱስትሪ የለን፡ ጸዓት የለን፡ ዝተዋህለለ ማይ የለን ዘመናዊ መሳርሒ … ወዘተ” እንዳበለ ነቲ ብሰንኩ ኣጋጢሙ ዘሎ ጽልሙት ሃለዋት ኤርትራ ይገልጾ እዩ። ከምዚ ክብል እንከሎ፡ “እሞ እንታይ ደኣ ትገብር ኣለኻ?” ኢሉ ዝሓተኒ ኣካል የለን ካብ ዝብል ትምክሕቲ ዝነቅል ምዃኑ እውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።
እነሆ ከዓ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እቲ ቃድራ መሬት ግዲ ተወዲእዎ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ኣሻሓት ኣባይቲ የፍርስ ከም ዘሎ ዝሕብሩ ዜናታት ንሰምዕን ነንብብን ኣለና። ነዚ ዝፈርስ ዘሎ ጥሻታት በቲ “ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ” ዝብል እሞ “ መሬትስ ናይ መንግስቲ’ዩ፡ መንግስቲኸ ናይ መን’ዩ” ዝብል ሕቶ ዘኸትል ፖሊሲኡ መሰረት ድላዩ ክገብሮ እዩ። ድላዩ ክገብሮ እዩ ክበሃል እንከሎ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ክጥቀመሉ እዩ ማለት ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብታ ተወሊድካ ዝዓበኻላ ቁሸት መጽለሊኻ ትሰርሓላ ቅራስ መሬት ንምርካብ ብጉጅለ ህግደፍ “እሙን” ዝብል መዓርግ ክትለብስ ይግበኣካ። እቲ ጉጅለ ነዚ ዝፈርስ ዘሎ መሬት፡ በቲ ዝለመዶ ኣገባቡ ወይ ንሰብ ዶላር ክሸጦ እዩ፡ ወይ ድማ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ “ኣብ ጐንኻ ኣለና” ንዝብልዎ እሙናት ኣሳሰይቱ ከም ግነዖት ክህቦም እዩ። ርግጽ እዩ ኣባይቲ ክፈርስ እንከሎ ቀንዲ ምረቱ ነቶም ሰብ ኣባይቲ እዩ። እንተኾነ እዚ ተግባር ብምፍራስ ኣባይቲ ዘይዓግብ ሃገር’ውን ከብርስ ዘንቀደ ጉጅለ ዝወስዶ ዘሎ ስለ ዝኾነ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እውን ናይ ብስራት ዘይኮነስ ናይ መርድእ እዩ። ደሓር ከዓ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ጽባሕ ናብ ከባቢ ካለኦት ከተማታት ዝላባዕ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ህዝብን ከፍርስ እንከሎ ዘይዓጀቦ፡ ገዛውቲ ከፍርስ እንከሎ ቅጭጭ ከምዘይብሎ ርዱእ እዩ።
ሓቂ እዩ ነዚ ጸይቂ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዓው ኢልና ከነወግዞ ይግበኣና። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢኤርትራ’ኳካብ መጀምርታኡ፡ በቲ ሓደ ወገን መሬት ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ንዘለዎ ዕዙዝ ግደ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ብዘይምጻእ ይመጾ ከም ዘሎ ብምርዳእ ንመሬት ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ዋና መሬት ህዝቢ እዩ” ካብ ዝብምል እምነቱ ነቒሉ ኣብ ዓንቀጽ 6.1፡ “ቀጻልነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ መሬት ንምርግጋጽን፡ ንድሌትን ረብሓን ናይ ሕጅን መጻእን ወለዶታት ብምንጽብራቕ ንምቕያሱ፡ ነዚ ዘሎ ንመሬት ዝምልከት ገባትን ኣግላልን ፖሊስን ኣዋጅን ህግደፍ ኣልጊሱ መጽናዕትን ምርምርን ብዘሰነዮ ፍትሓዊ መንገዲ ናብ ዋንነት ህዝቢ ይመልሶ።” ኢሉ ኣሎ። እዞም ንጉጅለ ህግደፍ ከም ነባሪ አሲዶም ንህዝብና ዘይወግሓሉ መሲልዎም፡ ነቲ ጉጀለ እንዳቃባጠሩ ሳዕቤናቱ ዘንጊዖም ኣብ ናይ መሬት ጉዚ ዝተመራስሑ ውሑዳት ኤርትራውያን፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኢደ-እግሮም ንክእክቡ መጠቀቕታታት ክቐርቦም ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ክንርሰዖ ዘይግበኣና ኣብዚ መድረኽዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይና ጉዳይ ተቓወምትን ኩሉ ደላይ ለውጥን ክኸውን ዝግበኦ፡ ደድሕሪ ኣጀንዳታት ህግደፍ እንዳኸድካ ኣብ ሓደ ፍሉይ መድረኻዊ ፍጻመኡ ተወሲንካ ምእዋይ ዘይኮነስ፡ አቲ ናይ ኩሉ ግናይ ባህርያቱ መሰረት ዝኾነ ህልውናኡ ዘኽትመሉ መንገዲ ክንረክብ እዩ ዝግበና። ከነወግዶ ዘኽእለና መንገዲ ክንፈጥር ናይ ግድን ይግበኣና። በቲ ንሱ ብበበይኑ መገድታት ኣብ በበይኑ ግዜ ንከቕህመና ዝምህዞ ፈላሊኻ ናይ ምውቃዕ ተንኮሉ ከይተዓሸና ናይ ግዜን ሜላን ምምራጽ ጉዳይ ተዘይኮይኑ ኣንጻር ኩልና ዝተነጻጸረ ናይ ኩልና ጸላኢ ምዃኑ ክንዝንገዕ ኣይግበኣናን።
ሎሚ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት እዚ ጉጅለ ክንዝርዝር ንደኽመሉ ግዜ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እንታይነት ህግደፍ ኣይኮነንዶ ንዓና ንተቓወምትን ንህዝቢ ኤርትራን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ጉጅለ እውን በሪሁ እዩ። ካብዚ ኣዝዩ ኣሻቓልን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣሰካፊ መድረኽን መዋጸኦ ክኹኑ ይኽእሉ እዮም ኢልና ንኣምነሎም ነናትና እማመታት ካብ እነንጸባቕ’ውን ነዊሕ ግዜ ኰይኑ እዩ። ነቲ ኩነታት ናይ ምቕያር ዓቕምን ሓላፍነትን ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩላትና ውሁድ ዓቕሚ ምዃኑ ካብ እንርዳእ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኩሉ ጉባአታትና፡ ኮንፈረንሳትናን መሪሕነታዊ ኣኼባታትናን ብዝወጹ ደምደምቲ መግለጽታት ክረጋገጽ ጸኒሑ እዩ።
እምበኣር ሎሚ ምስ ተግባራውነት ኢና ፊትንፊር ተፋጢጥና ዘለና። ሎሚ ናይ ምእዋጅን ውሳነታት ምዝርጋሕን ወይ ናይ ምቕራብ ምሩጽ መደረታት መድረኽ ዘይኮነስ፡ ብተግባር ናይቲ ብሓሳብ እትብሎ ቅዩድ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ወይ ዘይምቕራብ ወሳኒ እዋን እዩ። ሎሚ ብዛዕባ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብቲ ትሰማማዓሉ ምስራሕ፡ ሰባኺ ዘይኮነስ ተግባሪ ኣብ ዝድለየሉ ኢና ንርከብ ዘለና። “ኣነ ምእንቲ ህዝበይን ሃገረይን ክብጀው እየ” ዝብል ብኣዋጅ ዘይኮነስ ብተግባር ኣብ ዝጥለበሉ እዋን ኢና በጺሓና ዘሎና። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ “ናይ ቃላትን ጃህራን ሓሸውየ” ዝጸውር እንግደዓ ከም ዘየብሉ ይገልጽ ኣሎ። ነዚ ሻቕሎቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ተዘይፈዊስናሉ ጽባሕ “ኣይእ ንሳቶም እውን ዘይከም ህግደፍ እዮም” ኢሉ ኣብ መስርዕ ኣፍረስቲ ከይሰርዓና’ሞ ከይንጠዓስ ብዓንተቦ ክንሓስበሉ ይግበኣና። ኣብቶም ብዓላማ እንፈላለ ዘሎ ርክብ ናይ ሓሳብ ፍልልይ እምበር ጽልኢ ኣይኮነን። እዚ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ድማ ብናይ ተቐራሪብካ ናይ ሓሳብ እንካንሃባን እምበር፡ ብናይ ተረሓሒቕካ ጽልኢ ዝውዳእ ኣይኮነን።
4 መጋቢት 2015