መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣኼባን ባህላዊ ምሸትን
2015-03-31 14:17:47 Written by ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከለንን ከባቢኡን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3020 timesኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ዝመርሖ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ንዕለት 11 ሚያዝያ 2015 (11.04.2015) ኣብ ከተማ ከለን ክካየድ ኢዩ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ሃገርን ሰዲህኤን መብርሂ ከቕርብ ኢዩ።
ድሕሪ ኣኼባ ድማ፡ ብወናማት ሙዚቀኛታት ሰላም ዑቕባይ፡ ኢዮብ ተስፋማርያም፡ ሰሚር ክፍላይ፡ ሰናይ መሓርን ኣለም ኣሰፋውን (ዕምባባ) ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ ምሸት ተዳልዩልኩም ኣሎ።
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለንን ከባቢኣን ንዅሉ ግዱስ ዜጋን ወጻእተኛን፡ ኣብ'ዚ ዕለት'ዚ ተዳልዩ ናይ ዘሎ መደባት ተኻፋሊ ክኸውን ብትሕትና ይዕድም።
ህዝባዊ ኣኼባ ዝጅመረሉ ግዜ፡- ሰዓት 14፡00 ( ወይ ሰዓት 2፡ ድሕሪ ቀትሪ)
ኣድራሻ ወይ ቦታ ኣኼባ፡- Quäker Nachbarschftsheim
Kreutzerstrße 5-9
50672 köln
መጓዓዝያ፡- U-bahn 5 ካብ köln HBF ይጽዓኑ። ኣብ ( Haltestelle ) Hansbockler platz ይወርዱ። ንቕድሚት ምስ ወጹ፡ ናብ ቦታ ኣኼባ ዝሕብር ምልክት ተኸቲሎም ናብ ቦታ ኣኼባ ከበጽሑ ይኽእሉ።
ብደሓን ምጹ!!!
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከለንን ከባቢኡን