ቃል ሓዘን
2015-03-29 08:08:54 Written by EPDP Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2795 timesሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብ27 መጋቢት 2015 ዝተረኽበ፡ ናይ ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ዜና ዕረፍቲ ብመሪር ሓዘን ተቐቢልዎ። ተጋዳላይ ተስፋማርያም፡ ወልደማርያም ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኣቦ መንበር ከይኑ፡ ንነጻነት ኤርትራ ዝተቓለሰን ተመሃሮን መንእሰያትን ኣብ ምውዳብ ዝተዋፈረን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፈ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብሓላፍነት ዘገልገለ ተጋዳላይ እዩ። ብ1975 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከኣ፡ ኣባል መሪሕነት ኰይኑ ከገልግል ተመርጸ'ሞ ክሳብ 1981 ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ናይ ቤት ጽሕፈት ዜና ሓላፊን ኰይኑ ኣገልገለ። ተሓኤ ናብ ሃገር ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ፡ ተጋዳላይ ተስፋማርያም ከም ሓያሎ ተጋደልቲ ናብ ስደት ኣምሪሑ፡ ኣብ ሃገር ኣመሪካ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ሰላማዊ መነባብሮኡ ከካይድ ጸንሐ። ተጋዳላይ ተስፋማርያም ከም ናይ ተሓኤ ሓላፊ ዜና መጠን ኣብ ስነ ጽሑፍ ኰነ ኣብ መዳይ ፖሊቲካዊ ሓሳባዊ ዕቤት ሰውራና ኣሰር ዝገደፈ ተጋዳላይ ምዃኑ ይዝከር። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ዕረፍቲ ተጋዳላይ ተስፋማርያም፡ ንመላእ ስድራቤቱን፡ ንመቓልስቱን ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እናገለጸ፡ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንስድራቤትን ፈተውትን ድማ ጽንዓት ይሃብ፡ ይብል።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
መጋቢት 28, 2015