ሽግርና ምልኪጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎ፧ (ራብዓይ ክፋል)

2015-03-24 22:38:38 Written by  መድሃኔ ሃብተዝጊ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2960 times

ራብዓይ ክፋል

ኣብ መዛዘሚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ብሔረ ትግርኛን ተወላዲ ከበሳን እውን ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሔራትን መታሕታውያንን ብኽልተ ምኽንያት እምነት ከምዘጕደለ ውስ ኣቢለ ኣቋሪጸ ነይረ: ክቕጽል እምበኣር::

እቲ ብሔረ ትግርኛን ከበሳውን ኣብ ልዕሊ መታሕታውያንን፣ ካልኦት ብሔራትን፣ ሃይማኖት ምስልምናውን ከይተረፈ እምነት ከምዘጉድል ክገብሮ ዝገደዶ ምኽንያታት ብቀንዱ ክልተ እየን:: ንሳተን ድማ ፖሊሲ መንግስቲ እትዮጵያን ኣብ ሊዕሊ ኤርትራን ምስኡ ተዛሚዱ ዝመጸ ምስሳን ብሔራውያንን ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያን ውድባትን፣ መታሕታውያን ብከበሳውያን ተበዲልና ዝብል ሓዲሽ ናይ መታሕታውያን ክስን ምውድዳብን እዩ::

ሕማቅ ዕድል ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን ኮይኑ፣ ዕርክነት ስርዓታት ኣዲሳበባን ኣስመራን ኣብ 1998 ናብ ጽልኢ ምስ ተለወጠ፣ ክሳብ ሎሚ ዝቅጽል ዘሎ ጻዕርታት ክልቲኦም መንግስታት፣ ሓደ ነቲ ሓዲ ንምዕናውን ንምድምሳስን ኮነ:: ነቲ ኣብ ጽባሕ ዓወታቶም ብቃሎም ብደም ዝተፈራረምናሉ ዘይጥለምን ዘይሕከኽን ምሕዝነት ኣሎና ዝበልዎ፣ ድሕሪ 7 ዓመት ዳግማይ ኲናት ብምብራዕ ብደም ንጹሓት ዜጋታት ሓኺኾም ናብ ጉሁር ጽልኢ ቀየርዎ:: እቲ ላዕለዋይ ሽፋን መወሊዒ ኵናት ናይ ክልቲኦም መንግስታት ዶባትን ልዑላውነትን ሃገር ዝብል እኳ እንተነበረ፣ ሓቁ ግን ካልእ ከምዝኾነ ታራ ሰብ እውን ዝርድኦ እዩ:: ክፋል መሬቱ ዝተመንዘዐን ልዑላውነት ሃገሩ ዝተደፍረን ህዝን መንግስትን እንተተኻእለ ብልዝብን ሕግን፣ በዚ እንተዘይተኻእለ ድማ ብቃልሱ ይግበኣኒ እዩ ዝምሎ ዝተመንዝዐ መሬቱን ልዑላውነቱን ክመልስ ንቡርን መሰሉን እዩ:: ኣብ ስርዓታት ኣዲሳበባን ኣስመራን ግን ከምኡ ኣይተራእየን:: ነቲ ድሕሪ ምፍሳስ ደምን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ክልቲአን ሃገራትን ዝተበጽሐ ስምምዓቶም ኮነ ከም ሳዕቤኑ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝበየኖ ናይ ዶባት ፍርድውን ክቅበልዎን ከኽብርዎን ኣይተራእዩን:: ኣብ ክንድኡ ገና ሓደ ንህልውና ናይቲ ካልእ ካብ ገጽ መሬት ክጥፍእ ብዝዓቅሙ ይቃለስ: ይፍክር እውን::    

ኣብ ከይዲ ኲናት ኢትዮ - ኤርትራ 1998 - 2000 ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንመግስቲ ኤርትራ ከም መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ዕቡይ ሓይሊ ከበሳን ብሔረ ትግርኛን ክገልጽዎ ተረኽቡ:: ኣብ መደረታቶም እውን ነዚ ትዕቢት ከበሳውያን ክነምበርክኾን ክነምክኖን ኢና ዝብል ናይ ኣይትሓዙኒ ፈኸራ ኣስምዑ:: ጋናውን ይቅጽሉ ኣለዉ:: ክሳብ ሕጂ ንስርዓት ኢሰያስ ዋላ ኣስመራ ኣትዮም ብዝኾነ ከውድቅዎ እንተዘይኮይኑ ዝኸሰርናዮን ዘኽሰርናዮን ይኣክል፣ ከም ቃልናን ስምምዕናን ሕጊ ዝሃበና ብጽሖትና ወሲድና፣ ዶባትና ክንሕንጽጽ እሞ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት እፎይታ ረኺቡ ንቡር ህይወት ከስተማቅር ክነፍቅደሉ ዝብል ነገር ኮታ ኣብ ሓንጎሎም እውን የለን:: መራሒ ሰርዓት ኣስመራ ብወገኑ፣ ነቲ ብምኽንያት ዓንዳሪ ኣካይድኡ ካብ ህዝብን መንግስታት ዓለም ኣጋጢምዎ ንዘሎ ተነጽሎ ከመኽንየሎ፣ ንዝምድናን ርክባትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ዝተረፈ ክፍሊ ዓለም ብመጋበርያነት ጥራሕ ክገልጾ ይርከብ:: ንመንግስትን መራሕትን ኢትዮጵያ ኮራኹርን መጋበርያን ናይ ምዕራባውያን እዮም ዝብል ብደዐ ዝመልኦ ዘረባ መኽፈትን ኣፍን ቀንዲ መልእኽቲ ነፍሲ ወከፍ መደረ ፕረሲደንት ኢሰያስን እዩ::

እዚ ብመርሕነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኣስመራ ከም ናይ ከመሳን ናይ ብሔረ ትግርኛን ዕቡይ ሓይሊ ገርካ ናይ ምግላጽ ስጉምቲ እምበኣር፣ ምስቲ ብብሔረ ትግርኛ ተወሪርና ተዓብሊልናን ዝብል ናይ ውሽጢ ሃገር መረረ ተሳነየ:: ንብሔረ ትግርኛን ከበሳዊ ክፋልን ድማ ምስ ዝነበሮ ተደሚሩ ኣዝዩ ኣሻቀሎ:: በዚ ውን ግን ኣይተረፈን::

ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ኢትዮ - ኤርትራ እተን ካብ 10 ዘይበዝሓ ዝነበራ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ብሔራውን፣ ዞባውን፣ ሃይማኖታውን፣ መልክዓት ሒዘን ናብ 30ታት ደየባ:: መጨጪሒ ቦትአንን፣ ኣብያተ ጽሕፈተንን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ:: በንጻሩ ሃገራዊ መልክዕ ዝለበሳ ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝድለ ቦታ ኣይረኸባን:: እቲ ንኤርትራዊ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ኣወሃሂዱ ብምቅላስ፣ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከቀላጥፍ ትጽቢት ዝተነብረሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንለውጢ እውን፣ ንዝተጫጭሓ ብሔራውያንን፣ ሃይማኖታውያንን፣ ዞባውያንን ውድባት ክሳብ ምግንጻል ንዝብል ጠለባተንን፣ ኣብ ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ዞባውን ከናለታት ተጎጃጂለን ንምህላወን ተቀባልነት (legitimacy) ዝህብን ንዝያዳ ምስሳነን ዝተባብዕን ኮይኑ ምርካቡ እውን ተደራቢ ስግኣት ፈጠረ:: እዚ ተርዮዚ ግን ንብሒረ ትግርኛን ከበሳን ብቀንዱ ኮይኑ ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራውን ኣብ ናይ ስኽፍታ ቃላይ ኣስጢምዎ ይርከብ::

ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይዚ ኩሉኸ እንታይ ነይሩ እንተበልና ከምዚ ዝስዕብ ይመስል:

  1. ኣብ መንጎ ከበሳን መታሕትን፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ምስልምናን ክርስትናን፣ ኣብ መንጎ ብሔረ ትግርኛን ካልኦት ብሔራትን ምትእምማን ጎዲሉ:
  2. ኣብ መንጎ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዘለወንን ብሔራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ከባቢያውን ፖለቲካዊ መድብ ዕዮ ዘለወንን ፖለቲካውያን ማሕበራት ምትእምማን ጎዲሉ:
  3. ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብሔረ ትግርኛ ድማ ብፍላይ ምስ ስርዓት ኣስመራ ክቱር ጽልኢ እኳ እንተሃለዎ፣ ዝዓበየ ስኽፍታኡ ግን ካብዘን ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበረን ብሔራትን፣ ሃይማኖታትን፣ ዞባታትን ዝውክላ ውድባትን ሰልፍታትን ኮይኑ፣ ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝበኣሰት ከይትኾኖ ፈሪሒ ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽሲ እትፈልጦ ሰይጣን ኣብ ምባል በጺሑ ይርከም: ከም ሳዕቤኑ ድማ
  4. ኩሉ ኤርትራዊ ንለውጢ በሃንቀውታ እንዳተጽበየ፣ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን መብዛሕትኡ ልኡም (silent majority) ኮይኑ ተሪፉ:: ገሊኡውን ካብ ናይ ለውጢ ተቃለስቲ ኢና በሃልቲ ወገናት ናይ ለውጢ ጩራውን ክርኢ ስለዘይከኣለ፣ ስርዓት ኢሰያስ ዝጥቀመሉ ናይ ምትላል ረብሓታት ንኸይሓልፎ ከይፈተወ ናይቲ ስርዓት ጎኒ ክሕዝ መረጸ:
  5. ካብዚ ዝተበገሰ፣ ድምበ ተቃውሞ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን እቃለስ ኣሎኹ እንዳበለ ሰብኣውን፣ ንዋታውን፣ ሞራላውን ሓገዝ ናይቲ ለውጢ ዝምነት ህዝቡ ተሓረሞ:
  6. ውጺእት ናይዚ ኹሉ ድማ እቲ ብህዝቡ እውን ዝተጸልአን ዝተነፍገን ስርዓት ህግዲፍ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ገደብ ንላዕሊ ተማጠጠ: ከመይሲ ህዝቢ ብሓደ ወገን ንስርዓት ኢሰያስ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ክርእዮ እንከሎ ንድምበ ተቃውሞ ግን ካብኡ ብዝገደደ ንኽትፋእ ዕለቱ ዝኣኸለ ሃገራዊ ኢሳተ ጎሞራ ገይሩ እዩ ዝግምቶ::

እዚ ውድዓውነትዚ ኣበይ ገጹ እዩ ክወስደና፧

  1. ከምቲ ወገናት ድለይቲ ፍትሒ ዝብልዎ ንስርዓት ኣስመራ ካብ ሱሩ ምሒካ ኣብ ምእላይን ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ኣብ ምፍጣር፧
  2. ወይስ ከምቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝመነዮ ደምበ ተቃውሞ ኣብ ናይ ጋእ ማን ቃልሲ፣ ሃዝቢ ኤርትራ ኣብ ስኽፍታን ሽቁረራን፣ ንሱ ኣብ ስልጣኑ ዝነብረሉ ሃዋህው
  3. ወላስ ከምቲ ስኽፍታ ዝበዝሐ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ምስ ወደቀውን ኣብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽን ሕድሕዳዊ ጎንጽን እዩ ከምርሓና ንግዝየ ዝግደፍ እዩ::

ግዜ ኣብ ዘፍቀደሉ ካብ ሰለስቲኡ ዕጫኻ ክትቅበል መጽባይ ግን ናይ ሰነፍ ህዝቢ መለለዪ ባህርያት እዩ:: እቲ ክግበር ዘለዎ ከሎ ጋን ንዘይ ቅድው ኩነታት ኣሊኻ፣ ብህግኻን ድሌትካ ብዝተወሃሃደ ቃልስኻ ምርግጋጽ እዩ:: ከመይ ገርና እሞ ነዚ ኣብ ሊዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ድነ ሞት ደመናታት ክንኣልዮ ንኽእል፧ መንከ መርሕ ታራ ክጻወት ኣለዎ ንዝብሉ ሕቶታት ኣብ ዝቅጽል ሓምሻይ ክፋል ጽሑፈይ ክምልሶ ክፍትን እየ::

ንሎሚ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!

መድሃኔ ሃብተዝጊ

(LLM)

Last modified on Tuesday, 24 March 2015 23:42