ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኣብ 10 ለካቲት 2015 ብርክት ዝበሉ ፖለቲካውያን ተዋሳእትን ገዳይም ተጋደልትን ዝተኻፈልዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ) ኣብ ሮተርዳም፡ ሆላንድ፡ ተኻይዱ ነይሩ። እዚ መቐጸልታ ናይ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ጐስጓስ ኢዩ። ተጋዳላይ ዑመር መሓመድ ብፍላይ ዘትኰረሉ ጕዳይ ድማ፡ እቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ኣውራጃዊ ምውጣጣትን ምጥርናፋትን ወይ ድማ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ኣውራጃዊ ፖለቲካ/ኣውራጃነት ኢሎም ዝጽውዕዎ ምንቅስቓሳት ተኸታቲልካ ምቅላዕ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እዚ ተርእዮ'ዚ ንሓድነት ናይ ሃገራውያንን ዲሞክራስያውያንን ውድባትን ነዚ ጸላም ሰጊርና ንናይ ህዝብና ባህግታት ዘረጋግጽ ብሩህ ስትራተጂ ኣብ ምንጻርን ዕንቅፋት እናዀነ ይመጽእ ብምህላዉ ኢዩ።
ብድሕር'ዚ ኣኼበኛታት ብዛዕባ'ቲ ተጋዳላይ ዑመር ዘቕረቦ መግለጽን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ህልዊ መርገጻትን ተመያይጦም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣኼበኛታት ኣብ'ዘን ዝስዕባ ነጥብታት ተሰማሚዖም።
ቀዳማይ፡- ብዛዕባ ህልዊ ጕዳያት ኣብ መንጐ ካድራት ናይ ዲሞክራስያውያን ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ቀጻልን ዕቱብን ምይይጥ ምክያድ፤
ካልኣይ፡- ኣብ መንጐ ተመሳሳሊ ርእይቶታት ዘለወን ውድባት ዝካየድ ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ንጥፈታት ምጽዓቕ፤
ሳልሳይ፡- ዲሞክራሲ ሱር ንኸይሰድድ ዕንቅፋት ንዝዀኑ ዘለዉ ዝንባሌታት ምቅላዕ።
ብተጋዳላይ ዑመር መሓመድ ዝቐረበ መግለጺ ድማ እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኢዩ።
**********************
ኣውራጃዊ ጐስጓሳትን ዲሞክራስያዊ መርሆን ዘራኽብ የብሎምን
ብዛዕባ ኣውራጃነት ክንዛረብ ከለና፡ ብዛዕባ ወደኣየናይ ኣውራጃ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣውራጃዊ ወጥርታት ዘልዓዕል ዝንባለታት ኢና ንዛረብ ዘለና። ብዛዕባ'ቶም ብዲሞክራስያዊ ልዝብ ክፍትሑ ዝግባኦም ካልኣዊ ግርጭታት መዝሚዞም፡ ናብ'ቲ ምስ ረብሓታት ዲሞክራስያዊ ቃልስታት ዝጻረር ግልዊ ረብሓታት ንምውዓል ዝህቅኑ ፖለቲካዊ ጐስጓሳት ኢና ንዛረብ ዘለና።
ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብብዙሕነት ናይ ቋንቋ፡ መበቆልን ሃይማኖትን ዝልለ ሕብረተሰብ ኢዩ ካብ ዝብል ኣረዳድኣ ኢና ንብገስ ዘለና። መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብ ዝውሰነሉ ዝነበረ መድረኽ ይኹን ኣብ መድረኽ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዝነበሩ ጀመርቲ ሃገራዊ ቃልስታትና፡ ብዛዕባ ኣድላዪነት ንዅሎም'ዞም ፍልልያት እዚኣቶም ዝጥርንፍ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ተጠቒምካ ንዅሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት ዝጽመደሉ ኵነታት ፈጢርካ ንሃገራዊ ዕላማታት ምርግጋጽ ኢዮም ዝዛረቡ ነይሮም።
ሎሚ፡ ንሕና፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ እንብድሃሉ ዘለና እዋን፡ ካብ ዝሓለፉ መድረኻት ንላዕሊ፡ ንነገራውን ሞራላውን ዓቕምታት ሕብረተሰብና ኣብ ሓደ ጸሚድና ዲሞክራስያዊ ዕላማታትና ጋህዲ ንምግባር ዕዙዝ ኣድላዪነት ኣለዎ።
ኣብ መንጐ ሕብረተሰብኣዊ ክፍልታት ኤርትራ፡ ዘየራኽብ መንደቕ ዘይኰነስ፡ ናይ ብዙሕነት ጸጋ ኢዩ ዘሎ። ካብ'ዚ ተበጊስና ድማ፡ ሃገርና፡ ህዝባ ብሰላም ዝነብረላ፡ ልምዓት ዝረጋገጸላ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝነግሰላ ቅዋማዊት ሃገር ክንገብራ ይግብኣና። ኣብ ሃገርና ዘሎና እምነት፡ በቲ ንመዋእላት ኣብ ትሕቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ዘሕለፍናዮ ሓባራዊ ስቅያትን ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዘካየድናዮ ሓባራዊ ተጋድሎን ኢዩ ተሃኒጹ። ዝተፈላለዩ መንነታት ናይ ህዝብና ኣብ ቍራዕ ናይ ሓባራዊ ስቅያትን ባህግታትን ተጠጢቖም ኢዮም ነዚ ሕጂ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣፍርዮም። ዜግነት ብዘመናዊ ትርጕማ፡ ናይ ሓባር ጽላልን መለለዪን ምዃና ድማ ኵሎም ሕብረተሰብኣዊ ክፍልታት ኤርትራ ዝርድእዎን ዝቕበልዎን ኢዩ። መሬት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ምውጻኡን ናጻ ሃገራዊ መንግስቲ ምእዋጅን ዝፈጠሮ ጽቡቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ብምትካል፡ ናይ ሃገራዊ ሓድነት ዓንድታት ብምድልዳል፡ ብዝተናውሐ ውግእ ንዝበረሰት ሃገር ብምህናጽ ምሉእን ዝተጸንዐን ናይ ልምዓት መደባት ብምጅማር ነቲ ዜግነታዊ ተረድኦ ብዝያዳ ንምዕሟቕ ምተኻእለ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ ኣብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንመርሆ ልዝብ ምስ ኵሎም ሃገራውያን ሓይልታት ብምንጻግን ናይ ምግላል ፖሊሲታት ብምኽታልን ኣብ ናይ ዕንደራ መስርሕ ተሸመመ። ውጽኢቱ ድማ፡ እዚ ሕጂ ንሃገርና ሓኒቑ ሒዙ ዘሎ ቅልውላውን ኤርትራ ዝፈሸለት ሃገር ተባሂላ ከይትፍለጥ ዘሎ ስግኣትን ኰይኑ ኣሎ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ፡ ነቲ ብሰንኪ ብሩህ ሕጽረታት ናይ ሃገራዊ ምንስቅስቓስ ኤርትራ ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዝተፈጥረ ርኡይ ባዶነት ንምምላእ ዝመጸ ባህርያዊ ውጽኢት ኢዩ። ብሰንክ'ዚ ውድዓውን በዓልቤታውን ኵነታት ከኣ'ዩ ሓቀኛ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ክህሉ ዘይከኣለ። እቲ መተካእታ፡ ኣብ ግዳም ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ሓይልታት ኰኑ። ነገራውን ሞራላውን ዓቕምታት ክጥርንፍ ዝኽእል ኣንጻር'ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቅንዐ ሓቀኛ ተቓውሞ፡ ብመሰረቱ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ክብገስ ከምዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምስ'ዚ ኵሉ ግን፡ ኣብ ግዳም ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት፡ ምቹእ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብምፍጣር ሓቀኛን ሓያልን ተቓውሞ ኣብ ውሽጢ ክፈጥርን ነቲ ህልው ስርዓት ኣነቓኒቑ ዲሞክራስያዊ መተካእታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ተስፋታት ኣብ ህዝብና ከሕድር ክኢሉ ኢዩ።
ደምበ ተቓውሞ፡ ብፍላይ ንተግባራት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምቅላዕ ገለገለ ዓወታት ከመዝግብ ክኢሉ ኢዩ። እንተዀነ፡ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት፡ ክልተ ስጕምቲ ድማ ንድሕሪት ኢዩ ክስጕም ጸኒሑ። ነቲ ካልኣዊ ግርጭታት ከይሓፈሩ እናመዝመዙ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ተቓወምትን ዝነጥፉ ውድባትን ጕጅለታትን ስለዝበዝሑ እቲ ቅልውላዋት እናዓሞቐ ክኸይድ ይርአ ኣሎ። እቲ ዘስሕቕን ዘብክን ድማ ኵሎም ንዲሞክራሲ ኢና ንቓለስ ኣለና በሃልቲ ምዃኖም ኢዩ።
ኵሉ ተደዋዊሱ፡ ህዝቢ ድማ ተስፋ ቆሪጹ፡ እቲ ጕዕዞ ድማ ኣደናጋርን ሕንፍሽፍሽ ዝሰፈኖን ኰይኑ። እዚ ኵነታት'ዚ፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ መድረኽ ዲሞክራስያዊ ተጋድሎ፡ ዕቱብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምክያድ ዝሕግዝ ጥዑይ ኵነታት ኣይኰነን። ስለ'ዚ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ፡ ብሩህ ርእይቶታትና ክንውንን፣ ካብ ላንግላንጋ መግለጺታትን ቃላትን ተቖጢብና ምድንጋር ዘየፍቅድ ንጹር ፖለቲካዊ መዝገበ ቃላት ክንጥቀምን፣ ብግሉጽነት ክንነጥፍን ንጥለብ ኣለና።
ካብ'ዚ መንቀሊ'ዚ ተበጊስና፡ ኵሉ ክሰምዖ ብዝኽእል ዓው ብዝበለ ድምጺ "ኣውራጃነትን ዲሞክራስያውነትን፡ ክልተ ክራኸቡ ዘይክእሉ መስመራት ኢዮም" ክንብል ክንክእል ኣሎና። ንዲክታቶርነት ኣውዲቕካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካኡ ዘኽእል እንኮ መንገዲ፡ ንዅሉ ነገራውን ሞራላውን ዓቕምታት ህዝብኻ ጠርኒፍካ፡ ንሃገራውን ዲሞክራስያውን ዕላማታት ብምቅላስ ጥራሕ ኢዩ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝውክሎ ውሱን ኣውራጃ ወይ ውሱን ዓሌት የብሉን... ፣ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍልልያቱ ብዘየገድስ፡ ኣብ ቀጻልነት ናይ'ዚ ስርዓት ዝረኽቦ ረብሓ የብሉን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ብሰንኪ'ቲ ሃገርናን ህዝብናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ቅልውላዋት፡ ኤርትራ ፍሽልቲ ሃገር/ደውላ ከይትኸውን ዝብል ፍርሒ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ፍርሒ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ ካብ ዝብል ግንዛበ ኢና ክንብገስ ዝግብኣና።
ኣብ ርእስ'ቲ ንካልኣዊ ግርጭታት መዝሚዞም፡ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ምጥርናፋት ክገብሩ ዝፍትኑ ገለገለ ሸነኻት፣ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡብ ቀይሕ ባሕሪን ንረብሓ ናይ ዲሞክራስን ሰላምን ዝጻረር ዘሎ ብድሆታት እንተደኣ ወሲኽናሉ፤ "ኤርትራዊ ከያን" (Eritrean entity) ንሓቀኛ ሓደጋታት ክጋለጽ ኢዩ።
ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘጋጥምዎም ዓበይቲ ብድሆታት ክህልዉ ኢዮም። ነዚ ብድሆታት እዚ ንምምካት ድማ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ክዳለዉ ይግባእ። እቲ ቅኑዕ መእተዊ ናብ'ዚ ምድላው'ዚ ድማ፡ ንህልዊ ውሽጣውን ግዳማውን ኵነታት ብግቡእ ምንባብ ኢዩ። ነዚ መስርሕ'ዚ ንምብልጻግ ወይ ንምጕልባት ከኣ፡ ግጉያት ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ተረድኦታት ሱር ከይሰዱ በርቲዕካ ምቅላስ ኢዩ።
ከም ኣጀንዳ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ተታሒዙ ክምክት ዘለዎ ድማ እቲ ኣውራጃዊ መስመራት ኢዩ። ስለምንታይ ኢና ኣብ'ዚ ኣርእስቲ'ዚ ብፍላይ ድማ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ከነተኵር ዝድለ ዘሎ?? እቲ ምኽንያት ብዙሕ ኢዩ። ገለ ካብኡ ከኣ፡-
ቀዳማይ፡- ኣውራጃዊ ምጥርናፋት ንምርግጋጽ ዝንቀሳቐሱ ገለገለ ፖለቲካዊ ክልታት እናበዝሑ ስለዝመጹ፤
ካልኣይ፡- ካልኣዊ ግርጭታት ምትዅታዅ ብሓፈሻ፡ ቀጥታዊ ሓደጋ ንሃገራዊ ሓድነትን ንዲሞክራስያዊ ተጋድሎን ስለዝዀነ፤
ሳልሳይ፡- ካልኣዊ ግርጭታት፡ ሓደ ካብ'ቶም ገበትን ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝጥቀምሎም ሓያላት ናውትታት ኢዮም። እዚ ስለዝዀነ፡ በቲ ዝተራቐቕሉን ጽቡቕ ገይሮም ዝመለኽዎን ኣገባብ ገይርካ ንዲክታቶርያውያን ከተውድቕ ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ፤
ራብዓይ፡- ኣውራጃዊ ጐስጓሳትን ምጥርናፋትን ናይ ግዳም ጽልዋታት ዝሰልኰሉ ነቓዕ ስለዝዀነ፣ ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔ ንሓደጋ ዘሳጥሕን ንውግእ ሕድሕድ ባይታ ዝምድምድን ኢዩ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ጀርመን ንቐተልቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ፍርዲ ከቕርብ መጸዋዕታ ተገይርሉ
Thursday, 15 January 2015 23:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ጀርመን፡ ኣቶ ፍራንክ ቫልተር ሽታይንማየር፡ ኣብ ዝጸሓፎ መዘክር፡ እብ ከተማ ድረስደን፡ ብ10 ጥሪ 2015 ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኻልድ ኢድሪስ ባህራይ፡ ቅትለት ንዝፈጸሙ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ከቕርቦም ጸዊዑ።
20 ዓመት ዝዕድሚኡ ኻልድ ኢድሪስ፡ ብሰኑይ ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ሽጋራ ክገዝእ ኢሉ ካብ ገዝኡ ምስ ወጸ ንገዝኡ ኣይተመልሰን። ሬሳኡ፡ ንጽባሒቱ ኢዩ ኣብ ቅድሚ ዝነብረሉ ገዛ ከምእተረኽበን ብኻራ ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ናይ ኣካላቱ ተወጊኡ ምሟቱን ናይ ዜና ማዕከናት ሓቢሮም።
ሰዲህኤ ብ13 ጥሪ 2015 ናብ ሚኒስተር ፈደራላዊ ሪፑብሊክ ጀርመን ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ጀርመን፡ ነዚ ኣሕዛኒ ቅትለት ንምጽራይ ዘድሊ ምርመራታት ክገብሩን፡ ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርቡን ጸዊዑ።
እቲ ናብ ሚኒስትሪ ወጻእን ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያትን ናብ ሚኒስትሪ ፍትሕን ዝተላእከ መዘክር፡ ፈጸምቲ ናይ'ቲ ገበን፡ ኣብ ድረስደን ዝርከቡ ዓሌታውያን ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዘመልክት ጥርጠራ ከምዘለዎ እውን ኣይሓብአን።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 2014 ዓ.ም ዑቝባ ካብ ዝሓተቱ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ
Thursday, 15 January 2015 23:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ 2014 ዓ.ም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቝባ ዝሓተቱ ብዝሒ ኤርትራውያን 2.932 ኢዩ። ብብዝሒ ናብ ዓባይ ብሪጣን ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ካልኣይ፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ ዝስርዓ ድማ ፓኪስታን (2891)፡ ኢራን (1999)፡ ሱርያ (1802) ኢየን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቝባ ዝሓተቱ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝመጹ ስደተኛታት ብጠቕላላ 24,257 ኢዮም። እዚ ካብ ናይ 2013 ዓም ብ2% ክብ ዝበለ ከምዝበለ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ 2013 ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት 23,805 ኢዮም ነይሮም።
ኣርዓዶም በርሀ
ምውዳብ ሰፊሕን ዓብይን ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ትርጉሙ ብሓጺር ኣገባብን ውሑዳት ቃላትን ምግላጹ ከም ዘጸግም ዘካትዕ ኣይኮነን። ብመንጽር ኣቲ ስፍሓቱን ኣገዳስነቱን ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካዊ ሳይነስን ኣወዳድባን ተመራመርቲ ንትርጉም ምውዳብ ብዝተፈላለየ መልክዓት ከም ዘቕርብዎ ርዱእ እዩ። ምውዳብ ናይ ዝተወሰነ ዕላማ ጥራይ መዕወቲ ጸቢብ ኣምር ዘይኮነስ ዝተፈላለየ ዕላማታት ንምዕዋት ዝካየድ ሰፊሕ ዘይዝለል ተግባር እዩ። እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ዓይነት ውደባ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምርግጋጽ ብዛዕባ ዝግበር ምትእኽኻብ ወይ ምውዳብ ስለ ዝኾነ፡ ካብቲ ካልእ ውደባታት ዝፍለየሉ ባህርያት ኣለውዎ። ኣብ ሓደ መጽሓፍ ዝረኸብኩዎ ንውደባ ዝምልከት ሓጺር ትርጉም “ምውዳብ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ናይ ሓባር ዕላምኦም ንምዕዋት ዝገብርዎ ናይ ኣተሓሳስባ ምጥርናፍ እዩ” ይብል። በዚ ድማ ፖለቲካዊ ውዳበ ፖለቲካዊ እምነት ማእከል ዝገበረ ሓባራዊ ባህሪ ዘለዎ ተግባር ምዃኑ ንርዳእ። ኣድላይነት ውዳበ ካልእ ነብሱ ዝኸኣለ ዝርዝር ዘድልዮ ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታትካ ጠርኒፉ ዓቕምኻ ዘሕይል፡ ናይ ኣተሓሳስባ ውህደት ዝፈጥርን ክሳራታት ዘውሕድን ንጸላኢኻ ወቒዕካ ተድምየሉ ስልቲ እዩ ምባሉ ዝኣክል ይመስለኒ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ውዳበ ሓይሊ እዩ። ዘይተወደበ ሓይሊ ኣይዕወትን እዩ እንብል። እዚ እንብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ተመኩሮና ብተግባር ዝተረጋገጸ\ውን እዩ። ብናተይ እምነት ሰባት በበቲ ዝኣምንዎን ዝመርጽዎን ኣገባብ ተወዲቦም ክቃለሱ ኣለዎም ክበሃል እንከሎ ዝቕልሶ ሕጊ ዘየብሉ፡ ፍኑው ምትእኽኻብ እዩ ማለት ኣይኮነን።
ሓባራዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኣካላት ብሓባር ይውደቡ፡ ክበሃል እንከሎ እቶም ተወደብቲ ውጹዓት ጥራይ ክኾኑ ናይ ግድን ኣይኮነን። ወጻዕቲ እውን ቀጻልነቶም ኣብ ምውጻዕ ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ ኣንጻርቶም ኣንጻር ወጽዓ ተሰሊፎም ዕድሜኦም ንክሓጽሩ ዝቃለስዎም ወገናት ንምብዳህ ናይ ወጽዓ ውዳበ ከካይዱ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንናትና ተመኩሮ ከም ኣብነት ክንወስድ እንከለና፡ ንሕና እቶም ውጹዓት ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ህዝብና ንምርግጋጽ እንብህግ ጥራይ ኣይኮነና እንውደብ። እቲ ወጻዒና ጉጅለ ህግደፍ እውን ናቱ ውደባ ኣለዎ። ስለዚ ሓቀኛ ትሕዝቶ ውዳበታትና ካብቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍለ፡ በቲ ንምዕዋቱ እንቃለሰሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ባህሪ እዩ። ናትና እምነትን ውዳበን ኣንጻር ወጽዓ ይስለፍ፡ ምእንቲ ራህዋ ድማ ይቃለስ። ናይ ህግደፍ ውዳበ ንወጽዓ ይስለፍ ኣንጻር ራህዋ ድማ ይዓዪ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓፈሻዊ ኮይኑ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ሓደ ኣንጻር ኣውራጃዊ ጸቢብነት ዝትርኽን ሓደጋታቱ ዘተንብህን ርእሰ-ዓንቀጽ ኣውጺኡ ነይሩ። ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ንኣየናይ ኣውራጃ ይውክልን መን የንቅደሉን ብዘየገድስ ኣውራጃውነት ንፖለቲካዊ ሓድነትና ሃሳዪ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ሓድሽ ነገር፡ ብግሉጽ ብሰደህኤ ምቕራቡ እንተዘይኮይኑ እዚ ኣውራጃዊ ጸቢብ ስምዒት ንጉጅለ ህግደፍን መዳኸርቱን ገዲፍካ፡ ኣብ ልዕሊ ሕልና ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣንተልጢሉ ዘሎ ስኽፍታ እዩ። እዚ ነቲ ኩሉ ከፋፋሊ ዝንባለታት ተጻዊሩ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣትኪሉ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ ሓድነትና ንድሕሪት መሊሱ ዝህድድ ምዃኑ ማንም ክሓባብኦ ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ ኣውራጃነት ዝወረሮ ጸቢብ ስምዒት፡ ዝጽለኣሉ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ፖለቲካዊ እምነት ማእከሉ ዝገብር ቅኑዕ ውዳበታት መንገዲ ዘቐይርን ዘዳኽምን ስለ ዝኾነን ብሰንኪ’ዚ ምድኻምዚ፡ ናይ ለውጢ ቃልስና መፍቶ እቲ ካብ ምብትታን ዝድረር ጉጅለ ህግደፍ ንክኸውን ዘተባብዕ ስለ ዝኾነን እዩ። እዚ ኣካይዳ እዚ ኣድቂቕና እንተተረዲእናዮ ነቶም ብጉልባብ “ ህዝቢ ኤርትራ በብዝጥሞ መንግዲ ብዝተወደበን ዘይተወደብ ኣገባብ ንመሰሉ ዝገብሮ ዘሎ ተቓውሞ ዘነኣእስን ኣፍልጦ ዘይህብን ኢዩ።” ብዝብሉ ቃላት ንርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ ዘናእሱ ወገናት እውን ዘርብሕ ኣይኮነን። ምናልባት እዚ “ስለምንታይ ይንቀፍ” ብዝብል ኣውራጃዊ ጫፍ ክሕዝ ዝደናደን ዘሎ ስምዒት ጽባሕ እውን ናብ ወረዳን እንዳን ክወርድ ስለ ዝኽእል፡ ሃስያኡ ብዙሕ መልክዓት ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ መርዛም ትሕዝቶኡ፡ ንናይ ሓሳብ እሂንሚህን ኣዳኺሙ፡ ንወገናዊ ምቅርራብ ዘሰውድ እዩ። ቃልስና ኣንጻር ፖለቲካዊ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ እዩ ካብ በልና፡ ናይ ቃልሲ መዕወቲ መሳርሒና ከዓ ፖለቲካዊ ውዳበ ጥራይን ጥራይን እዩ። ዘይ ምውዳብ ወይ ድማ ዘይፖለቲካዊ ውዳበ ምምራጽ ግና ነቲ ንህዝብና ካብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኣውጺኡ፡ ናይ ምውዳብ መሰሉ ግሂሱ ክገዝኦ ክነብር ዝደሊ ህግደፍ እዩ ዝጠቕሞ። ንፖለቲካዊ ውጽዓ ከም ኣውራጃውነት ብዝኣመሰለ ዘይፖለቲካዊ ውዳበ ክትፈጥሖ ምፍታን ከዓ፡ ንሓደ ገዛ ብዘይተዓጽወሉ መፍትሕ ክትከፍቶ ካብ ምፍታን ፈሊኻ ዝረኣይ ኣይኮነን።
ካብዚ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ ወዮ በቲ ባዕሉ ዝፍሕሶ ውዲታት እንዳጸገመና፡ ንዓኡ ዘገልግል ወገናዊ ውዳበ ፈጢርና ግዳይ ወጻዒና ኣይንኹን ዝበለ ሰደህኤ፡ እንተኾነ መተናእደ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከተቆናጽቦን ረገምቲ ክትጽወዓሉን ምፍታን ቅኑዕ ኣይኮነን። ምናልባት እዚ ሰልፊ ብዛዕባ ዘየለ ኣውራጃዊ ስግኣት ወይ ጸገም ዝዛረብ እንተልዩ ከዓ፡ “ከምዚ ዝበሃል ኣውራጃ ዝመሰረቱ ምንቅስቓስ የለን” ተባሂሉ መተነግሮ እሞ፡ ወይ ከም ዘሎ መርተዖ መቕረበ ወይ ድማ “እወ ብዛዕባ ዘየለ እየ ተዛሪበ እሞ ይቕረታ” መበለ። እቲ ምስሕሓብ ከዓ ኣብኡ መተወደአ። እዚ ርእሰ-ዓንቀጽ ምስ ተዘርግሐ፡ ብመጀመርያ ክሳብ ዝኣኽሎ ምስተቓወሞ ደሓር፡ ብኢደ ወነኑ ናብ ትግርኛ ተርጒሙ ናይ ኣራግሙና መጸዋዕታ ዘቕረበ፡ ናይ ህግሓኤ ገዲም ተጋዳላይ ምንባሩ ዝንገረሉ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጥንያ ዝምቕማጡ፡ ሓው ታደሰ ኪዳነ ፊትንፊት እዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣውራጃዊ ምትእኽኻብ የለን ኣይበለን። ወይ ድማ ብደረጃ ኣውራጃ ምውዳብ ኣድላይ እዩ ብዝብል ተቢዑ ዝበሎ የለን። ኮታ ካብ ትሕዝቶ ናይቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ዝያዳ ኣንጻር እቲ ዋናኡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትካል ዝነደረ እዩ ዝመስል። ንትሕዝቶ እቲ ዋናታቱ ብቕምጦም ዝተርጎሞ መልእኽቲ ብዝምልከት፡ እቲ ምትርጓሙ እቲ ዓንቀጽ ብብዙሕ ቋንቋታት ንክነበብ ምሕጋዙ፡ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ኣተረጓጉማ ግና ምስቲ ኣቐዲሙ ዘቕረቦ ተጻባኢ ሚዛኑ ከም ዘሳንየሉ ገይሩ ሓስይዎ ከም ዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን። እንተኾነ ነቲ ናቱ ኣተረጓጉማ ከም ዘለዎ ንውሰዶ እንተበልና እውን ምናልባት ሓደሓደ ንሱ ዘተዓባበዮ ቃላት ገዲፍካ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ርእሰ-ዓንቀጽ “ኣውራጃውነት ሓይልናን ተቓውሞናን ስለ ዘዳኽም ኣይንምረጾ” ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ኣበር ዘለዎ ኣይኮንን። በዚ ኣጋጣሚ ሰደህኤ ከም ዝኾነ ኤርትራዊ ውዳበ፡ በቲ ሓደ ወገን ንደንበ ተቓውሞ ብኣሉታ ይጸልዎ እዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ተበግሶ ክቓወምን ህዝቢ ከይስዕቦ ክጽውዕን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣውንታዊ ጽልዋ ንዘለዎ ተርእዮ ክድግፍን ህዝቢ ንክድግፎ ክጉስጉስን ናይ ዝኾነ ኣካል ፈቓድ ዘይሓተሉ መሰሉ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
ንዝበሃልን ዝጸሓፍን ሓሳብ ከምምቲ ዘለዎ ካብ ምርዳእ’ሞ ኣብኡ ተመርኲስካ ሚዛንካ ካብ ምንባር ሓሊፍካ “ብቕጥታ ከምዚ ማለቶም እኮ ብተዘዋዋሪ ከምዚ ክብሉ ስለ ዝደለዩ እዮም” እንዳበልካ ጥርጣረ ፈጢርካ፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝረኣይ ትምርኮስ ኣብቲ ዘይርአ ተንጠልጢልካ ዘይዕቱብ ሚዛን ምሃብ ብመንጽር ግሉጽነት ቅኑዕ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ኣብ ሚዛን ሓው ታደሰ ኪዳነ “እቲ መግለጺ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ነቶም ኣውራጃውያን ዝበሎም ዝኸስስ ዘሎ ተመሲሉ፡ ንገለ ክፋል ሕ/ሰብና ምስ ህግደፍ ክተሓባበሩን ኣንጻር`ቶም ኣውራጃውያን ዝበሎም ክዕጠቑን ይጽውዕ።”ዝብል ንረክብ። እዚ ሓው ኣብ ክንዲ ናብቲ ዘይተባህለ ግና ድማ ንሱ ከምዚ ማለቶም እዩ ዝኸውን ዝብሎ ትርጉም ዝኸይድ፡ ነቲ ዝተባህለ እገለ ኣውራጃ ኣብ ልዕሊ እገለ ኣውራጃ ዘይብል ግና ድማ ንኣውራጃዊ ጸቢብነት ዝቓወም ሓሳብ ወሲዱ ብዛዕባኡ ሚዛኑ እንተዝህብስ ክሳብ ክንደይኮን መመልከዓሉ።
ሓደ ከነስተብህለሉ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። እንተደኣ ብኣውራጃዊ ውዳበ የዋጽእ’ዩ ኢልካ፡ እቲ ናይ ቃልሲ ውድድር ኣብ መንጎ ወጻዕን ተወጻዕን ቃልሲ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓደ ኣውራጃ ኣንጻር ካልእ ኣውራጃ ከም ዝኸውን ከሎ ጌና ርዱእ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሓደ ኣውራጃ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣውራጃ ተንሲኡ ክናቖት እሞ ጉጅለ ህግደፍ ድማ ሹሻዩ ወሪድሉ፡ “እንኳዕከ ሰብኣይን ሰበይትን ዝተባእስሉ መኣዲ ፈጠረለይ” ንክብል ፍናን ዘሕድረሉ እዩ። እዚ ዝብል ዘለኹ ንሓደ ኣውራጃ ጥራይ ዝውክል እሞ ምስቶም ካለኦት ኣውራጃታት ዘሳንዮ ፖለቲካዊ ርኢቶ ኣሎ ዝብል እምንቶ ስለ ዘየብለይ እየ። እስኪ ንኣውርጃታትና ብሕልናና ሃሰስ ንበለን። እቶም ደቂ እገለ ኣውራጃ ኢና እንብል፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኩለን ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ካብዚ ሓሊፉ ንኣውራጃውነትና ፖለቲካዊ እምነትና በሊጽዎ ክሳብ ኣብ ደንበ ህግደፍ ፋሕ ኢልና ከም ዘለና ንዝገዖ ዲና?
ኣብዚ ለንቅነ እዚ ዝዛራበሉ ዘለኹ ዛዕባ መዛረቢ ኮይኑስ፡ ብዙሓት ሰባት ነናቶም መርተዖን ተመኩሮን እንዳቕረቡ ኣውራጃዊ ውደባ ክቃወሙ ሰሚዐ። ካብዚኣቶም ሓንቲ ሓውቲ ኣብ ፓልቶክ፡ ንሳን ካለኦት ኣሕዋታን ደቂ ሓደ ኣውራጃ ጥራይ ዘይኮነስ ደቂ ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ሰብኣይን ክንሶም፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምርጫኦም ገሊኦም ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ገሊኦም ድማ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ምስላፎም ከም ኣብነት ብምጥቃስ ንኣውራጃዊ ውደባ ኮኒና ከተብቅዕ፡ ነዚ ናይ ልባ ዝተዛረበላ ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ ግና ኣይነኣደቶን። ክትቃወሞ’ውን ተመጣጢራ። እዚስ ምስ ምንታይ ይውሰድ። እዚ ኩነታት ዘመሓላልፎ ካልእ መልእኽቲ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣውራጃ ንወደብ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ መዕቀኒ ኣውራጃነት ካብ ኮነ ነቶም መሳርሒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ንህዝብና ደም ዘንብዕዎ ዘለዉ’ውን ዝምልከቶም ምዃኡ እዩ። ምናልባት ነቲ ዝነበረና ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልይ ገዲፍና፡ ኣብቲ ሓደ ዝገብረና ከባብነት ዝማእከሉ፡ ኣውራጃዊ መዕቀኒ ንራኸብ ናብ ዝብል ከይወስደና’ሞ ናይ ለውጢ ቃልስና “እንተ ፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ከይገብሮ ምስትብሃል ከድልየና እዩ።
12 ጥሪ 2015
ኣብ ባህልና ሓደ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ክገብሮ ከም ዝኽእል መሲሉ ክቐርብ እንከሎ ትግረም እሞ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ኢኻ እትብሉ። ኣብ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ “ተረቲዕና ከይብሉስ እግባይ ይብሉ” ዝበሃለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። እዚ ክብል እንከለኹ “መሲልካስ እንታይ ኣምጻእካ” ክበሃል ምዃነይ ኣይሰሓትኩን። ስለዚ ነዚ ተተርኢሰ ዝብሎ ስለ ዘለኒ እየ ናብዚ ምስላታት ዘድሃብኩ። ሓንቲ ምስላባ ክደግም “ይበሃል ኢላ ድሙ ተዃሒላ” እትብል። ሕጅስ ምስላታት ይኣኽለኒ እሞ ናብቲ ዘምጸኣኒ ናይዚ ቀረባ ግዜ ቃለ-መሓትት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክኣቱ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ወረዳ ዓረዛ ምክትል ወረዳ ኣፈልባ እትርከብ “ኣይቀበጹ” እትበሃል ቁሸት ኣላ። ሰለምንታይ እዚ ስም ከም ዝተዋህባ፡ ምስ ዝርዝሩ ደቅቲ ከባቢ እዮም ዝፈልጥዎ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ግና ምስ ኣብ ግዜኡ ዝሓለፈ ጉዳይ ጭልም ምባል ዝዛመድ እዩ።
ኣቶ ኢሳይያስ ተስፋ ዘለዎ ዘረባ ከምጽእ ከም ዘይክእል ካብ ዝረጋገጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንሱ ግና ወዮ ከምቲ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ዝበልናዮ ግዲ ኮይንዎ መዓልቲ ቆጺሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወይ ኣብ መዓልቲ ነጻነት ሃለው ምባሉ ኣይገደፈን። ካብዚ ውሽጡ ተሓይኹ ተወዲኡ ደጊኡ’ውን ዘሰንብድ ሰብኣይ፡ ሓድሽ እሞ ድማ ኣውንታዊ ሓሳብ ክመጽእ ዘይትግምቶ ክነሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኮንደኾን ብዝብል ሰዓት ቆጸራ ኣኽቢሩ፡ ክሰምዖ ምጽባዩ ነክዩ እንተዘይኮይኑ ፈጺሙ ኣየቋረጸን። ኣነ እውን ሓደ ካብኣቶም ዝተጸበይዎ ስለዝኾንኩ ንዕኡ ክሰምዕ ካብቲ ናይ ድቃሰይ ግዜይ ክልተ ሰዓት ተለጢጠ። ንዛንታ “ኣይቀበጹ” ካብ ዝደገሙ ድማ ሓደ ኮይነ። እንተኾነ ሰባት ሰሚዖም ከምቲ ኢሳይያስ ዝበሎ ዘይኮነስ ከምቲ ዝደልይዎ ሕብርታት ቀቢኦም ካብ ዝሕብሩኻ ባዕልኻ ምስማዑ ስለ ዝምረጽ ምስማዐይ ዳርጋ ኣየጠዓሰንን። ንግሆ ምስ ከማይ ነቲ ቃለ መሓትት ዝሰምዕዎ ኣካላት ምስ ተራኸብና ከዓ “ናይዚ ሰብኣይ ቃለ መጠይቕ ዓጀውጀው እምበር ሓድሽ ነገር ኣይነበሮን” ኣብ ዝብል መድምደምታ ክንበጽሕ ግዜ ኣይወሰደልናን።
ካብቲ ዝበሎ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዝዛመድን ዘዛርብን ስለ ዝሰኣና ዕላልና ናብ ኣከዳድናን ኣካላዊ ኩነታትን ናይ ኢሳይያስ ከዘንብል ግድን ኮይኑ። ኣቀማቅማ ጨጉሪ ርእሱ ተመዛቢሉ፡ ንገጹ ማዳ ዓንድሪሉ፡ ብኣካዳድናኡ ጀልፊፉ ስለ ዝተራእየ፡ ናይዚ ኩነታቱ ምኽንያት ንምግማት፡ መንሽሮ እዩ ሓሚሙ፡ ኩሊቱ ተቐይሩ እዩ፡ ጠንቁ ክቱር መስተእዩ … ወዘተ ዝብሉ ናይ ተዓዘብቲ ግምታት ይቐርቡ ኣለዉ። የለን እቲ ኣብ ገጹ ዝረአ ዘሎ ማዳ ዘይኮነስ ሰኺሩ ምስ ወደቐ ዝገደፈሉ በሰላ እዩ ዝብሉ እውን ሰሚዐ። እዚ ግምታት እዩ። ብሓፈሻ ሕማቕ ከም ዘሉ ግና ኩሉ ዝረኣዮ እዩ። እንተ’ቲ ሓቐኛ ምኽንያት ናይ ምጉስቛሉ ግና እግዚኣብሄር ዋንኡ። ሓደ ሰብ ደጋዊ መልክዑ ከምዚ ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ግና ጠቓሚ ሓሳብ ዘመንጩ እንተኾይኑ “ ገጽ ኣይትርአ” ኢልካ ትከላኸለሉ ኢኻ። ንሱ ግና ውሽጡ እውን ካብ ደጊኡ ከም ዝኸፍእ ካብቲ ተጻዒሩ ዘውጸኦ፡ ክሓብኦ ተፈተነ ዝስዕሮ ዝነበረ ቃላት ተረዲእናዮ ኢና።
ብዛዕባቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋምን መጻኢ ዕድሉን እንተተሓተስ ጉልባቡ ቀሊዑ፡ጐልሓጥሓጥ እንዳበለ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ “እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ዝሞተ እዩ።” ኢሉ ነቶም ውሽጡ ከይፈለጡ ንኢሳይያስ ንክከላኸሉ፡ ንዘይምትግባር እቲ ቅዋም ምኽንያታት ክኹምሩ ዝጸንሑ ግሩሃት እቲ ሰቲርዎ ዝጸንሐ ሓቂ ደርጒሕሎም። ነዓና ግና እቲ ሓድሽ ካብ ኣፉ ምውጻኡ ተዘይኮይኑ እዚ ሓሳብ ኣብ ውሽጡ ጠኒስዎ ዝጸንሐ ምዃኑስ ዘይተጸበናዮ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር እንተላይ ህልውና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ እዩ ዝነብር። እቲ ዘይተርፍ ጉዕዞ እምበኣር ከከም ባህሪ ናይቲ ተጐዓዚ ገሊኡ ናብ ልምዓት እዩ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ጥፍእት። ብናትና ሚዛን ጉዕዞ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንቑልቁል እዩ ዝንህል ነይሩ። እዚ ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ እቲ ብሰንኪ መሪሕነት ህግደፍ ዝረአ ዘሎ ህውቱት መነባብሮ ዝተረጋገጸ እዩ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና “ ሰማዒኸ እንታይ ይብለኒ” እኳ ከይበለ “ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመት ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና።ኣ ካይዳናን ፖለቲካዊ ብስለትናን ኣማዕቢልናን ብዙሕ ነገር ተማሂርናን ኢና።” ክብል ሰሚዐናዮ። ከምዚ ምባሉ ንእዝነይ ምእማን ስኢነስ ንካለኦት ምስ ሓተቱ’ውን “እወ ሓቅኻ ከምኡ እዩ ዝበለ” ምስ በለ፡ ወዮቲ ናይ ቀደም ሃተፍተፉ ተሓዲሱኒ “ደጊም ቶባ” ክብል ተገዲደ። በዚ ተዝውድእከ፡ ነቲ ብውልቃዊ ውሳነኡ ብናቱ ምሩጻት ሰባት፡ ውድድር ኣብ ዘየፍቅድ ጸቢብ ፖለቲካዊ ሜዳ ባዕሉ ነዲፉ ባዕሉ ዘጽደቖ ናይ 1997 ተወሊዱ ዘይተጠመቐ ቅዋም “መን ነዲፍዎ? ከመይ ገይሩ ተነዲፉ? ናበይ ገጹ እዩ? ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ’ዚ 15 ዓመት ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና።” ከምቲ ንሱ ዝብሎ ሓድሽ ቁንቁኛ ኣምጺኡልና። እዚ እሞ ድማ ምስላታት ደኣ ኣብዚሐልኩም እምበር “ባዕላ ሰቒላቶስ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶስ በሓቘ” ዘብል እዩ።
ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት፡ ብዛዕባ ጠንቂ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ልምዓት መደባቱ፡ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ሃገራት …… ወዘተ ተሓቲቱ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፡ ካብ ሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ፡ እሞ ድማ ንሃለዋት ኤርትራ ብደረጃ መራሒ ካብ ዝፈልጣ ሰብ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ብሓላፍ መንገዲ ድረጃ እውን ካብ ዝፈልጣ ሰብ እትጽበዮ ኣይነበረን። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ወዮ “መራሒ ኤርትራ” ተባሂሉ እንድዩ መድረኽ ተፈጢሩሉስ ተኾዲጩ ከይሓፈረ ደርጒሕዎ። ብዛዕባ ዘየሎ ግና ድማ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ጉዳያት ይዛረብ ከም ዝነበረ ግና ካብቲ ናይ ኣዒንቱ ጐልሓጥሓጥን “ዳሕራይ ክንምለሶ ኢና” ዝብል ሃዳሚ ስልቱን ምርድኡ ዘጸግም ኣይነበረን። ብዛዕባዚ ጉዳይ ቃለ መጠይቕ ኣቶ ኢሳይያስ ከነዕልል እንከለና እዚ ሰብኣይ ጽቡቕ ናይ ምግባርን ሓቂ ናይ ምዝራብን ዓቅሚ እንዳሃለዎ እዩ “ኮነ ኢሉ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝብሉ ኣሕዋት ረኺበ። ኣነ በቲ ጽቡቕ ይዛረብን ይገብርን ከም ዘየለ ምእማኖም ንኢደዮም። ነቲ “ከጸብቕ እንዳኸኣለ እዩ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝበልዎ ግና ኣይተቐበልኩዎምን። ምኽንያቱ ኣቶ ኢሳይያስ ድሕሪ ሕጂ ዝሓበኦ ጽቡቕ ሓሳብን ናይ ምትግባር ዓቕምን ከም ዘየብሉ ዕጉብ ስለ ዝኾንኩ። እቲ ዝርካቡ ሓሳቡን ዓቕሙን እቲ ክንሰምዖ ዝቐነና ሓሶትን ዕንወትን ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ።
እስኪ ንተዓዘብ፡ እዚ ሰብኣይ ከይሓፈረ፡ ማሽነሪ ውሒዱና እምበር ኤርትራ ንምልማዕ ዘኽእል ዝሰልጠነ ምሉእ ዘይጉዱል ሓይሊ ሰብ ኣለና ክብል እንከሎ፡ ብዓብይኡ ንዕኡ ንዓናውን ከም ኤርትራውያን ዘሕፍር ኮይኑ ኣይስመዓኩምን። ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ተዓጽዩ ዝርካቦም ተመሃሮ ኣብ ሳዋ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ እንርዳእ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 500 መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለዉ እንፈልጥ እኮ’ዩ ዲክታትር ኢሳይያስ ከምዚ ዝብለና ዘሎ። ወረ ነቲ እንዳንቀጥቀጠ ነተን ተጻሒፈን ዝተዋህበኦ ሕቶታት ዝሓቶ ዝነበረ ጋዜጠኛ ነታባይስ ተኣምራታዊ ልምዓት ኣብ ኤርትራ ንምርኣይ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ቆጸራ እዩ ሂብዎ ዘሎ። ንከምዚ ዓይነት እንዳኸፈአ ዝመጸ ናይ ብደዐ ኣበሃህላኡ ኣቲ ቀደም “ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ’ዩ” ኢና ንብሎ ኔርና። ናይ ሎሚ ግና ካልእ ሓረግ እንተዘይረኺብናሉ በቲ ናይ ቅድም ኣበሃህላ ዝግለጽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ካብዚ ኣበሃህላ ናብ ዝዓሞቐ ጽላለ የንቆልቁል ስለ ዘሎ።
ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ድሕሪ ሕጂ ናብ ልቦም ናይ ምምላስ ድሌት የብልምን። ክምለሱ እንተደለዩ እውን መምለሲ መንገዲ የብሎምን። ኣቲ ጻዕሪ ነቶም ብሓሳዊ ስብከቱ ተሰሊቦም ምስኡን ጉጅለኡን ናብ ጥፍእት ዝጐዓዙ ዘለዉ ናይ ለውጢ ተረባሕቲ ወገናት ከተድሕን ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኢሳይያስ ከም ኩሎም ዲክታተራት በይኑ ኣይኮነን ዝጽለል ዘሎ። ምስኡ ሓቢሮም ናብ መቓብር ዝወርዱ፡ ዝሓዝካዮ መንገዲ ቅኑዕ እዩ እንዳበሉ፡ ዘስክርዎን ዘሻድንዎን ኣካላት ክህልዉዎ ናይ ግዳን እዩ። ካብዚኣቶም ሓደ እዩ ኢልካ ክትወስዶ እትኽእል ሓደ ኤርትራዊ እየ ዝብል፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ህ.ግ.ደ.ፍ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ አዩ። ህላወ ኤርትራ ምስ ህላወ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተኣሳሰረ አዩ። ዝኾነ ሓይሊ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝጻባአ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምሳስ ድልየትን ሕልምን ዘሎዎ አዩ።” ንዝበሎ እንተ ኣስተባሂልና እዚ ዕኑድ ሰብኣይን መዳመቕቱን ናበየናይ ጸድፊ የምርሑ ከም ዘለዉ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እምበኣር ወዮ ደኣ ርኢኻን ሰሚዕካን ስቕ ኢልካ ዘይሕለፍ ኮይኑና ንዛረበሉ ኣለና እምበር እዚ ብዱዕ ኣበሃህላታት ናይ ኢሳይያስ ሓድሽ ኣይኮነን። ትንፋሱ ክሳብ ዘላ’ውን ቀጻሊ እዩ። ደጊም ቀዳምነትና ናቱ ጸሓይ ዝወቐዖን ዓለም ዝፈለጦን ኣበሳ ምዝርዛር ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብኡ ብተግባር ዝሓሽካ ምዃንካ ምርግጋጽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ንብል።
6 ጥሪ 2015
ኣርዓዶም በርሀ
ኣብ ባህልና ሓደ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ክገብሮ ከም ዝኽእል መሲሉ ክቐርብ እንከሎ ትግረም እሞ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ኢኻ እትብሉ። ኣብ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ “ተረቲዕና ከይብሉስ እግባይ ይብሉ” ዝበሃለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። እዚ ክብል እንከለኹ “መሲልካስ እንታይ ኣምጻእካ” ክበሃል ምዃነይ ኣይሰሓትኩን። ስለዚ ነዚ ተተርኢሰ ዝብሎ ስለ ዘለኒ እየ ናብዚ ምስላታት ዘድሃብኩ። ሓንቲ ምስላባ ክደግም “ይበሃል ኢላ ድሙ ተዃሒላ” እትብል። ሕጅስ ምስላታት ይኣኽሊ እሞ ናብቲ ዘምጸኣኒ ናይዚ ቀረባ ግዜ ቃለ-መሓትት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክኣቱ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ወረዳ ዓረዛ ምክትል ወረዳ ኣፈልባ እትርከብ “ኣይቀበጹ” እትበሃል ቁሸት ኣላ። ሰለምንታይ እዚ ስም ከም ዝተዋህባ፡ ምስ ዝርዝሩ ደቅቲ ከባቢ እዮም ዝፈልጥዎ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ግና ምስ ኣብ ግዜኡ ዝሓለፈ ጉዳይ ጭልም ምባል ዝዛመድ እዩ።
ኣቶ ኢሳይይሳ ተስፋ ዘለዎ ዘረባ ከምጽእ ከም ዘይክእል ካብ ዝረጋገጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንሱ ግና ወዮ ከምቲ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ዝበልናዮ ግዲ ኮይንዎ መዓልቲ ቆጺሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወይ ኣብ መዓልቲ ነጻነት ሃለው ምባሉ ኣይገደፈን። ካብዚ ውሽጡ ተሓይኹ ተወዲኡ ደጊኡ’ውን ዘሰንብድ ሰብኣይ፡ ሓድሽ እሞ ድማ ኣውንታዊ ሓሳብ ክመጽእ ዘይትግምቶ ክነሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኮንደኾን ብዝብል ሰዓት ቆጸራ ኣኽቢሩ፡ ክሰምዖ ምጽባዩ ነክዩ እንተዘይኮይኑ ፈጺሙ ኣየቋረጸን። ኣነ እውን ሓደ ካብኣቶም ዝተጸበይዎ ስለዝኾንኩ ንዕኡ ክሰምዕ ካብቲ ናይ ድቃሰይ ግዜይ ክልተ ሰዓት ተለጢጠ። ንዛንታ “ኣይቀበጹ” ካብ ዝደገሙ ድማ ሓደ ኮይነ። እንተኾነ ሰባት ሰሚዖም ከምቲ ኢሳይያስ ዝበሎ ዘይኮነስ ከምቲ ዝደልይዎ ሕብርታት ቀቢኦም ካብ ዝሕብሩኻ ባዕልኻ ምስማዑ ስለ ዝምረጽ ምስማዐይ ዳርጋ ኣየጠዓሰንን። ንግሆ ምስ ከማይ ነቲ ቃለ መሓትት ዝሰምዕዎ ኣካላት ምስ ተራኸብና ከዓ “ናይዚ ሰብኣይ ቃለ መጠይቕ ዓጀውጀው እምበር ሓድሽ ነገር ኣይነበሮን” ኣብ ዝብል መድምደምታ ክንበጽሕ ግዜ ኣይወሰደልናን።
ካብቲ ዝበሎ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዝዛመድን ዘዛርብን ስለ ዝሰኣና ዕላልና ናብ ኣከዳድናን ኣካላዊ ኩነታትን ናይ ኢሳይያስ ከዘንብል ግድን ኮይኑ። ኣቀማቅማ ጨጉሪ ርእሱ ተመዛቢሉ፡ ንገጹ ማዳ ዓንድሪሉ፡ ብኣካዳድናኡ ጀልፊፉ ስለ ዝተራእየ፡ ናይዚ ኩነታቱ ምኽንያት ንምግማት፡ መንሽሮ እዩ ሓሚሙ፡ ኩሊቱ ተቐይሩ እዩ፡ ጠንቁ ክቱር መስተእዩ … ወዘተ ዝብሉ ናይ ተዓዘብቲ ግምታት ይቐርቡ ኣለዉ። የለን እቲ ኣብ ገጹ ዝረአ ዘሎ ማዳ ዘይኮነስ ሰኺሩ ምስ ወደቐ ዝገደፈሉ በሰላ እዩ ዝብሉ እውን ሰሚዐ። እዚ ግምታት እዩ። ብሓፈሻ ሕማቕ ከም ዘሉ ግና ኩሉ ዝረኣዮ እዩ። እንተ’ቲ ሓቐኛ ምኽንያት ናይ ምጉስቛሉ ግና እግዚኣብሄር ዋንኡ። ሓደ ሰብ ደጋዊ መልክዑ ከምዚ ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ግና ጠቓሚ ሓሳብ ዘመንጩ እንተኾይኑ “ ገጽ ኣይትርአ” ኢልካ ትከላኸለሉ ኢኻ። ንሱ ግና ውሽጡ እውን ካብ ደጊኡ ከም ዝኸፍእ ካብቲ ተጻዒሩ ዘውጸኦ፡ ክሓብኦ ተፈተነ ዝስዕሮ ዝነበረ ቃላት ተረዲእናዮ ኢና።
ብዛዕባቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋምን መጻኢ ዕድሉን እንተተሓተስ ጉልባቡ ቀሊዑ፡ጐልሓጥሓጥ እንዳበለ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ “እቲሰነድከይተኣወጀዝሞተእዩ።” ኢሉ ነቶም ውሽጡ ከይፈለጡ ንኢሳይያስ ንክከላኸሉ፡ ንዘይምትግባር እቲ ቅዋም ምኽንያታት ክኹምሩ ዝጸንሑ ግሩሃት እቲ ሰቲርዎ ዝጸንሐ ሓቂ ደርጒሕሎም። ነዓና ግና እቲ ሓድሽ ካብ ኣፉ ምውጻኡ ተዘይኮይኑ እዚ ሓሳብ ኣብ ውሽጡ ጠኒስዎ ዝጸንሐ ምዃኑስ ዘይተጸበናዮ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር እንተላይ ህልውና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ እዩ ዝነብር። እቲ ዘይተርፍ ጉዕዞ እምበኣር ከከም ባህሪ ናይቲ ተጐዓዚ ገሊኡ ናብ ልምዓት እዩ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ጥፍእት። ብናትና ሚዛን ጉዕዞ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንቑልቁል እዩ ዝንህል ነይሩ። እዚ ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ እቲ ብሰንኪ መሪሕነት ህግደፍ ዝረአ ዘሎ ህውቱት መነባብሮ ዝተረጋገጸ እዩ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና “ ሰማዒኸ እንታይ ይብለኒ” እኳ ከይበለ “ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመትብዙሕነገርተማሂርናኢና።ኣካይዳናንፖለቲካዊብስለትናንኣማዕቢልናንብዙሕነገርተማሂርናንኢና።” ክብል ሰሚዐናዮ። ከምዚ ምባሉ ንእዝነይ ምእማን ስኢነስ ንካለኦት ምስ ሓተቱ’ውን “እወ ሓቅኻ ከምኡ እዩ ዝበለ” ምስ በለ፡ ወዮቲ ናይ ቀደም ሃተፍተፉ ተሓዲሱኒ “ደጊም ቶባ” ክብል ተገዲደ። በዚ ተዝውድእከ፡ ነቲ ብውልቃዊ ውሳነኡ ብናቱ ምሩጻት ሰባት፡ ውድድር ኣብ ዘየፍቅድ ጸቢብ ፖለቲካዊ ሜዳ ባዕሉ ነዲፉ ባዕሉ ዘጽደቖ ናይ 1997 ተወሊዱ ዘይተጠመቐ ቅዋም “መንነዲፍዎ? ከመይገይሩተነዲፉ? ናበይገጹእዩ? ኣብዝብልዛዕባኣብ’ዚ 15 ዓመትብዙሕነገርተማሂርናኢና።” ከምቲ ንሱ ዝብሎ ሓድሽ ቁንቁኛ ኣምጺኡልና። እዚ እሞ ድማ ምስላታት ደኣ ኣብዚሐልኩም እምበር “ባዕላ ሰቒላቶስ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶስ በሓቘ” ዘብል እዩ።
ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት፡ ብዛዕባ ጠንቂ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ልምዓት መደባቱ፡ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ሃገራት …… ወዘተ ተሓቲቱ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፡ ካብ ሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ፡ እሞ ድማ ንሃለዋት ኤርትራ ብደረጃ መራሒ ካብ ዝፈልጣ ሰብ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ብሓላፍ መንገዲ ድረጃ እውን ካብ ዝፈልጣ ሰብ እትጽበዮ ኣይነበረን። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ወዮ “መራሒ ኤርትራ” ተባሂሉ እንድዩ መድረኽ ተፈጢሩሉስ ተኾዲጩ ከይሓፈረ ደርጒሕዎ። ብዛዕባ ዘየሎ ግና ድማ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ጉዳያት ይዛረብ ከም ዝነበረ ግና ካብቲ ናይ ኣዒንቱ ጐልሓጥሓጥን “ዳሕራይ ክንምለሶ ኢና” ዝብል ሃዳሚ ስልቱን ምርድኡ ዘጸግም ኣይነበረን። ብዛዕባዚ ጉዳይ ቃለ መጠቕ ኣቶ ኢሳይያስ ከነዕልል እንከለና እዚ ሰብኣይ ጽቡቕ ናይ ምግባርን ሓቂ ናይ ምዝራብን ዓቅሚ እንዳሃለዎ እዩ “ኮነ ኢሉ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝብሉ ኣሕዋት ረኺበ። ኣነ በቲ ጽቡቕ ይዛረብን ይገብርን ከም ዘየለ ምእማኖም ንኢደዮም። ነቲ “ከጸብቕ እንዳኸኣለ እዩ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝበልዎ ግና ኣይተቐበልኩዎምን። ምኽንያቱ ኣቶ ኢሳይያስ ድሕሪ ሕጂ ዝሓበኦ ጽቡቕ ሓሳብን ናይ ምትግባር ዓቕምን ከም ዘየብሉ ዕጉብ ስለ ዝኾንኩ። እቲ ዝርካቡ ሓሳቡን ዓቕሙን እቲ ክንሰምዖ ዝቐነና ሓሶትን ዕንወትን ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ።
እስኪ ንተዓዘብ፡ እዚ ሰብኣይ ከይሓፈረ፡ ማሽነሪ ውሒዱና እምበር ኤርትራ ንምልማዕ ዘኽእል ዝሰልጠነ ምሉእ ዘይጉዱል ሓይሊ ሰብ ኣለና ክብል እንከሎ፡ ብዓብይኡ ንዕኡ ንዓናውን ከም ኤርትራውያን ዘሕፍር ኮይኑ ኣይስመዓኩምን። ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ተዓጽዩ ዝርካቦም ተመሃሮ ኣብ ሳዋ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ እንርዳእ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 500 መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለዉ እንፈልጥ እኮ’ዩ ዲክታትር ኢሳይያስ ከምዚ ዝብለና ዘሎ። ወረ ነቲ እንዳንቀጥቀጠ ነተን ተጻሒፈን ዝተዋህበኦ ሕቶታት ዝሓቶ ዝነበረ ጋዜጠኛ ነታባይስ ተኣምራታዊ ልምዓት ኣብ ኤርትራ ንምርኣይ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ቆጸራ እዩ ሂብዎ ዘሎ። ንከምዚ ዓይነት እንዳኸፈአ ዝመጸ ናይ ብደዐ ኣበሃህላኡ ኣቲ ቀደም “ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ’ዩ” ኢና ንብሎ ኔርና። ናይ ሎሚ ግና ካልእ ሓረግ እንተዘይረኺብናሉ በቲ ናይ ቅድም ኣበሃህላ ዝግለጽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ካብዚ ኣበሃህላ ናብ ዝዓሞቐ ጽላለ የንቆልቁል ስለ ዘሎ።
ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ድሕሪ ሕጂ ናብ ልቦም ናይ ምምላስ ድሌት የብልምን። ክምለሱ እንተደለዩ እውን መምለሲ ምንገዲ የብሎምን። ኣቲ ጻዕሪ ነቶም ብሓሳዊ ስብከቱ ተሰሊቦም ምስኡን ጉጅለኡን ናብ ጥፍእት ዝጐዓዙ ዘለዉ ናይ ለውጢ ተረባሕቲ ወገናት ከተድሕን ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኢሳይያስ ከም ኩሎም ዲክታተራት በይኑ ኣይኮነን ዝጽለል ዘሎ። ምስኡ ሓቢሮም ናብ መቓብር ዝወርዱ፡ ዝሓዝካዮ መንገዲ ቅኑዕ እዩ እንዳበሉ፡ ዘስክርዎን ዘሻድንዎን ኣካላት ክህልዉዎ ናይ ግዳን እዩ። ካብዚኣቶም ሓደ እዩ ኢልካ ክትወስዶ እትኽእል ሓደ ኤርትራዊ እየ ዝብል፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ህ.ግ.ደ.ፍታሪኽህዝቢኤርትራአዩ።ህላወኤርትራምስህላወህ.ግ.ደ.ፍዝተኣሳሰረአዩ።ዝኮነሓይሊንህ.ግ.ደ.ፍዝጻባአንታሪኽህዝቢኤርትራናይምድምሳስድልየትንሕልምንዘሎዎአዩ።”ንዝበሎ እንተ ኣስተባሂልና እዚ ዕኑድ ሰብኣይን መዳመቕቱን ናበየናይ ጸድፊ የምርሑ ከም ዘለዉ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እምበኣር ወዮ ደኣ ርኢኻን ሰሚዕካን ስቕ ኢልካ ዘይሕለፍ ኮይኑና ንዛረበሉ ኣለና እምበር እዚ ብዱዕ ኣበሃህላታት ናይ ኢሳይያስ ሓድሽ ኣይኮነን። ትንፋሱ ክሳብ ዘላ’ውን ቀጻሊ እዩ። ደጊም ቀዳምነትና ናቱ ጸሓይ ዝወቐዖን ዓለም ዝፈለጦን ኣበሳ ምዝርዛር ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብኡ ብተግባር ዝሓሽካ ምዃንካ ምርግጋጽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ንብል።
6 ጥሪ 2015
ገዲም ተጋዳላይ ዓሊ ዓምር መሓመድ ሓሰበላ ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊ ዕለት 3 ጥሪ 2015 ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ስውእ ዓሊ ዓምር፡ ብ1958 ኣብ ቃርዑበል (ዓንሰባ) ተወሊዱ። ብ1974 ድማ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ ተሓኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተመዲቡ ተቓሊሱ። ኣብ ብሪገድ 77 መራሕ ሓይሊ ነይሩ። ብድሕሪኡ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ወሲዱ ከም ሓኪም ኰይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ መደበር ሸገራብ ድሕሪ ምስግጋሩ ድማ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሸገራብን ከባቢኡን ኰይኑ ክሳብ መስዋእቱ ክቃለስ ጸኒሑ።
ኣብ ሰማንያታት ኣብ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ልሉይ ግደ ተጻዊቱ። ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ምስ ናይ ግዳም ናይ ረዲኤት ማሕበራት ከም ሓኪም፤ ከምኡ'ውን፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ተርጓማይ ኰይኑ ብምስራሕ ንስደተኛታት ንብዙሕ ዓመታት ከገልግል ጸኒሑ። ስውእ ዓሊ ዓምር ኣቦ 8 ቆልዑ ኢዩ።
በዚ ኣጋጣሚ'ዚ መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንስደራ ቤቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
ጸብጻብ ኣባዓዕላ ሓድሽ ዓመት - 2015- ኣብ ቤር ኤርያ ካሊፎርንያ
Saturday, 03 January 2015 17:08 Written by ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - በይ ኤርያ፡ ካሊፎርንያኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንሓድሽ ዓመት ብኽብ ዝበለ ጽንብል ተቐቢሎማ። እቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ በቲ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንኹሉም ኣብዚ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ልወጢ ሓይልታት ሓቁፉ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ማሕበር ዝተዳለወ መድብ ‘ዩ ነይሩ።

እቶም ካብ ሰዓት 9፡00 ድ. ቀ. ኣትሒዞም ኣብቲ ናይ ጽንብል ኣደራሽ ዝተረኽቡ ተሳተፍቲ በቲ ብወሓላሉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትርውያን ደቂ ኣንስትዮ ተዳልዩ ዝቀረበሎም ጡዑም መኣዛ ዘለዎ መግብን ዝቀረበ መስተን ተሰንዮም ክዛነዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ መድረኽ ሓንቲ ካብ ኣባላት ቦርድ ማሕበር ዝኾነት ትዕግስቲ ካሕሳይ ብዘቕረበቶ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መግለጺ እዩ ብወግዒ ተጀሚሩ። ካብዚ ኣትሒዙ ከኣ እቲ ናይ ምዝንጋዕ መድብ በቶም ንምዕዋት እቲ መደብ ካብ ኤውሮጳን ዝተፈላለዩ ክልፈ ግዝእታት ኣመሪካን ዝመጹ ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ብምውህሃድ ዘቕረብዎም ሙዚቃዊ ጣዕሚ ተጀሚሩ።
ነቲ ሰንይ ናይ ደስታ ምሸት ዕዉት ንምግባር ኣብ መድረኽ ዝተረኽቡ ድምጻውያንን ምዙቀኛታትን እዞም ዝስዕቡ እዮም ነይሮም ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘመናዊ ትልሂት ኤርትራ ዓቢ እጃም ዘበርከተ፡ ሕጂ ከኣ ሓደ ካብ ቀወምቲ ጋዜጠኛታት ድምጺ ራድዮ ኤረና ኮይኑ፡ ኣዳላዊ እታ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት እትፈኖ ፍትውቲ “መድብ ሸኾሪናታት” ዝኾነ ዮናታን ሃብተ። እቶም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ብስነጥበባዊ ዕዮኦምን ኩቡር ዕድመ ካብ ሂወቶምን ዝወፈዩ ድምጻዊት ቮሮኒካ ሰለሙን፡ ኦርጋኒስታታት ወዲ ኣፍሮን ኣልማዝን፡ ሳክስፎኒስት ጊዶወን ሃብቶም ። እቲ ብዘለዎ ናይ ጊታር ምልከት ካብ ለዛታት ኤርትራ ሓሊፉ ናይ ኢንግሊዝን ካልኦት ህርመታት ኣፍሪቃን ዝጻወት ባሃር ሙዚቀኛ ረዘነ ሃብተን፡ ከምኡ ውን እቲ ሓደ ካብ ወናማት ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብምዃን ኣብ ምኹስኻስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህሊ ልዑል ኣበርክቶ ዝተጸወተ ድምጻዊ ምኪኤል ጎይቲኦምን እዮም ነይሮም።
ተሰተፍቲ እዚ ናይ ሓጎስ ምሸት በቲ ብኩቱር ውህደት ደረፍትን ምዙቀኛታትን ተሰንዮም ዝቀረብሎም ዝተፈላልዩ ጣዕሚ ዜምታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ትግረ፡ ሳሆን እንዳ ተላህዩ ክብረትን ምትሕቑቛፍን ዝመልኦ ጽንብል ኣካይዶም። እቲ ካብ ዓመተ 2014 ናብ ዓመት 2015 ብሰላም ዘሰጋግረና ልዑል ፈጣሪ ፡ ንህርመት ልቢ ኤርትራውያን ሰሚዑ ፡ ንቃልሲ ኤርትራውያን ንቅድሚት ኣሰጉሙ፡ ንህዝብናን ሃገርና ካብዚ ዘለውዎ ከቢድ ኣደራዕ ንኸነናግፎም ፡ ክእለትን ብልሓትን ክህበና ብምምናይ ነዛ ድሮ ክልተ ማዓልቲ ኣልዒልናላ ዘለና ሓዳስ ዓመት ተቀቢሎማ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ካብቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ጽንብላት ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተ ሃልዩ፡ እቲ መደብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ናይ ግዜ ሰሊዳ (2 ሰሙን) ተወጢኑ ዝተኻየደ ብምንባሩ እዩ። እዚ ዕዉት ኽኸውን ዝኸኣለ ከኣ ብዙሓት ካብ ኣባልት ነዚ መድብ ንምዕምዋት ፋይናንሳዊ ሓገዛት፡ መራላውን ናይ ግዜ ደገፍን ብምካያድ ክዕውትዎ ስለ ዝኻሉ እዩ። ብዘይካዚ እቶም ኣብ ሓጺር ግዜ ተሓቢሮም ኣውንታዊ መልሲ ብምሃብ ኣብ ቦትኦም ዝተረኽቡ ደረፍትን፡ ሙዚቀኛታትን ውን ኣዝዮም ክምጎሱ ዝግብኦም እዩ።
እቲ ብ ዶር መብራህቱ ተወልደ ዝቀረበ ሓጺር ናይ ማሕበር መደረ ውን ነዚ ዝሞጎሰን፡ እቲ ማሕበር ንኹሉ ዝጋጠሞ ብድሆታት ሰጊሩ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት ንኹሎም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያ ሓቑፉ፡ ናብቲ ኤርትራ ካብ ምልካዊ ስርዓት ሓራ ንምውጻእ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ብዝሓየለ መዳይ ከም ዝሳተፉ ክገብር ኩሉ ምድላዋቱን ኣካይድኡን ኣጻፊፉ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልኪ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ፡ ከምኡ ውን ነቶም ካብ ኤርትራ ውጺኦም ኣብቲ ዘካይድዎ ናይ ስደት ጉዕዞ ዝብደሉን ዝጋፍዑን ዘለዎ ኤርትራውያን እንኮ ፍታሕ ምውዳቕ እቲ ኣብ ቅርዓት ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልኪ ጥራሕ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብዚ እንጅምሮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ሓድነትና ኣትሪርና ምልኪ ክንስዕር ብምዝኽኻር፡ ዓመተ 2015 ዓመተ ፍትሕን ሰላም ክትከውን ብምምናይ መደረኡ ዛዚሙ። ካብዚ ቀጺሉ እቶም ብዝቀረብሎም ሰነ-ጥበባዊያን ፍርያት እናተዘናግዑ ክሳብ ሰዓታት ወጋሕታ ዝተዛናዩ ተሳተፍቲ ንሓድሕዶም ርሑስ ሓድሽ ዓመት ብምምናይ ነናብ ቦቲኦም ተበጊሱሶም፡ እቲ ብሕጉስ መንፈስ ዝጀመረ ናይ ደስታ ምሸት ከኣ ሰዓት 2:30 ወጋሕታ ብሰላም ተዛዚሙ።
ዓመት 2015 ምልኪ ፈሪሱ ፡ ፍትሒ ዝነግሰሉ ዓመት ንኽኾነልና ተጊህና ንቃልሰ !
01 ጥሪ 2015
ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - በይ ኤርያ፡ ካሊፎርንያ
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ መጸዋዕታ ብምፍራሕ ነቲ ዘመሓላለፎ ናይ ታዕሊም መጸዋዕታ ሰሪዝዎ
Saturday, 03 January 2015 12:39 Written by ፕሮጀክት ዓርቢ -ሓርነትምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ዕለታዊ ናብርኦም ወንዚፎም ንዕለት 3 ጥሪ 2015 ናብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም ክወርዱ ዘመሓላልፎ መጸዋዕታ: ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ ኣብያ ብምፍራሕ፡ ነቲ መጸዋዕታ ከምዝሰረዞ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላትዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም።
ከም ዝዝከር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብኣስገዳድ ብረት ኣሕንጊጥዎም ዘለዎ ኤርትራውያን ኣቦታት ናብ መደበር ታዕሊም ክወርዱ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ብሕሰም ዕለታዊ መነባብሮን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሪዱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ቃል ተቓውሞ ሰጊሩ ናብ ግብራዊ ተቓውሞ ብምስግጋር ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻዊዒት ጸማም እዝኒ ብምሃብ ብተደጋጋሚ የበርዕኖ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ እዚ ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ ከምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ኣብ ኤርትራ ምልኪ ዘይጽረገሉ ምኽንያት የሎን ብምባል፡ ህዝቢ ንሓርነታዊ መሰላቱ ንምውሓስ ቃልሱ ከደንፍዕ ኣዘካኺሮም።
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት፡ ብኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፕሮጀክት ኮይኑ: ነቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብምትእስሳር ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ዝሰርሕ ፕሮጀክት‘ዩ።
2 ጥሪ 2015
ፕሮጀክት ዓርቢ-ሓርነት
ብፍስሃየ ሓጎስ
ጻድቕ ክመስል ሓፋሽ ኣታሊሉ
ኣብ ጕዕዞ ሰውራ ተደጒሉ
ንየዋሃን ጀጋኑ ኣዳህሊሉ
ንዝፈለጥዎ ኣሲሩ ቀንጺሉ
ኣብ ኮረቻ ስልጣን ኩድጭ ኢሉ
ኢሳያስ ዝብልዎ ድያብሎስ ባዕሉ
ንህዝብና ጨቍኑ ዓቕሉ ኣጽቢብሉ።
ንሰላሳ ዓመታት ተጋዲልና
ብሓያል ኒሕ ሃገራዊ ሕልና
ንመሰል ማዕርነት ተቓሊስና
ሃገራዊ ልዑላውነትና ጨቢጥና
ድሕሪ 24 ዓመታት ናጽነት ሃገርና
እስከ ነብስና ንሕተት ከመይ ኣሎና?
ግዳያት ስደትን ውርደትን ኰንና
ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘሪእና ተበቲንና።
ነቲ ግዙፍ ሓይሊ መግዛእቲ
ብሃገራዊ ኒሕ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ
ጽምእን ጥሜትን ተጻዊሩ ሰፊሩ በረኻ በዓቲ
ቆራጽ ኤርትራዊ ዘጽነተ ጸላእቲ
ዋና ሃገሩ ዝዀነ ታሪኽ ተዓዋቲ።
ባህላውን ፖሊቲካውን ብዙሕነትና
ማሕበራዊ መበቆል ብዘገምታ ምዕብልና
ሃገራዊ ጸጋታትና እዩ ሃብትና
ሓደ’ኳ እዩ ሕብሪ ዓይንና
ሓደ እዩ’ውን ሕብሪ ቆርበትና
እንታ’ዩ ዝፈላልየና ወረ እንታይ ወረደና
ኣሳኒና ሓድነትና ኣትሪርና
ክንነብር ብልዕልና ሕጊ እናተመሓደርና
ሽግርና ንፍታሕ ድያብሎስ ኣልጊስና።
ፍልልያት ዝጽሕትሩ ኣሕዋትና
ዝግዕሩ እናበሉ ኣነ’ባ ንሕና
በጃኹም መዓድዎም ይተኣረሙልና
ኤርትራውነት ይኹን መዐቀኒና
ሃገራውነት ይኹን መምዘኒና
መፍቶ ድያብሎስ ኣይትግበሩና።
ብመግዛእቲ ጥልያን ዶባታ ዝተቐርጸ ኤርትራ
ካብ ጫፍ ቃሮራ ክሳብ ዱሜራ
ኵሉ ዝብህጎ ቀይሕ ባሕራ
ምንኣስ ሮማ ከተማኣ ኣስመራ
ብመስዋእቲ ደቃ ተሓሪራ
ብማዕረ ትብጽሓና ንዅልና ዜጋታታ ብሓበራ።
ሃገራዊ ቅዋም፣ ሓንጻጽን ወሳንን ባይቶ ዘይብላ
ደሞክራስያዊ ምርጫታት ዘይካየደላ
ፖሊቲካውን ሰብኣውን ሓርነታት ዝተሓረመላ
ስርዓት ሞናርኪ’ድዩ ምልኪ ህላላ
ድያብሎሳዊ ውልቀ-ገዛኢ ዝዕንድረላ
እንታይ ንጽበ፣ ተለዓሉ’ባ ተለዓላ።
ሃገር ብዘይ እንኮ ዩኒቨርሲቲ
ብዘይ ትካላት ምርምር መጽናዕቲ
ሓንጎል ሰባት’ኮ እዩ ዝልዓለ ሃብቲ
ብስነፍልጠት ዝምህዝ ዝሃንጽ ተበላሓቲ
ምህዞ ድያብሎስ ግን ኣብያተ ማእሰርቲ።
ህዝቢ ኤርትራ ተለዓል ተበራበር
ፍልልያት ወግድ ሓድነትካ ይትረር
ቀላጽምካ ይሕበር ሓሳብካ ይስመር
ሰውራዊ ተቓላሳይ ኢኻ ናጽነት ይመስክር
ፍትሕን ዲሞክራስን ከተንግስ ድገም ተኣምር።
ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮ ተማሂርና
ንሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ ተዳሊና
ድያብሎስ ነልግስ ብዅሉ ዓቕምና
ንህነጽ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራና
ሰላም፣ ራህዋን ብልጽግናን ዝሰፈና።
ፍስሃየ ሓጎስ