ብንኡስ ዞባ ሽማግለ  ዞባ ጀርመን ዝተጸውዐ  ሰሚናር፡ ስርዒታውያን ሓለፍቲ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 06-12-2014 ዓ.ም. ኣኼባኡ ብምክያድ፡   ዕዉት ስራሕ  ኣሰላሲሉ።

ኣብ መኽፈቲ ሰሚናር ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ነዚ ዕለት እዚ ተዳሊዩ ዘሎ ዛዕባ ብምትንታን ከፈቶ።

Frankfurt-SeminarDec14-1ብድሕሪዚ እዚ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት 2015 ን መደምደምታ ዓመት 2014 ን ዝተገብረ ሰሚናር ኵለን ጨናፍር ንኡስ ዞባታት ጀርመን  ነቲ ኣብ 2014 ዘካየድኦ ንጥፈታተን ብመራሕቲ ጨንፈራተን ብቐደም ተኸተል ብንጹር ኣወታውን ኣሉታውን ጸብጻበን ኣቕሪበን።

እዚ ጸብጻብ እዚ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ  ሓዲሽ ዓመት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፖለቲካውን ማሕበራዊን ዲፕሎኦማስያዊን ቁጠባውን ባህላዊን መዳያት  ንምሕያል ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥርን ንዅሉ ኣወንታዊ ከይዲ ዝተብገረ ስራሓት ንምስፋሕን እቲ ኣሉታዊ ጐድንታት ድማ ከይድገም  ካባኡ ብምምሃርን  ምጽጋንን  ዘኽእል እኹል  መግለጺ ተዋሂቡ።

Frankfurt-SeminarDec14-2ሰሚናር ካብዚ ብምብጋስ ንዝመጽእ  ሓዲሽ ዓመት 2015 ክሰርሖም ዘለዎ ሓዲሽ መደብ ዕዮታትን እማመታትን ብምስራዕ ነዚ መደባት እዚ ተግባራዊ ንምግባር  ብቑዓት ኣካላት ምምዳብን ምቁጽጻርን ክግበረሉ ከም ዘለዎ ብጥብቂ ኣስሚርሉ።    

              ብድሕሪዚ ኣኼበኛ ሰሚናር ብሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ሂቡ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ዛዘመ።   

 

 

ብዕለት 29-11-2014 ኣብ መስኮት ሓርነት ሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ ዓንድታት ዲሞክራሲ ዝብል መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ኣርኣስቲ ሒዙ ቀሪቡ። እቲ ቅድም ክብል ብዕለት 15-11-2014 ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ዓንቀጽ ንሰማዕቲ መስኮት ሓርነት ቀሪቡ ሰፊሕ መግለጺ ብዛዕባ እንታይነት ዲሞራሲ ክገልጽ ከሎ፡  ነዚ ሰፊሕን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ  ኣብ እዋንናን፡ ጌና እውን ንዝመጽእ ህዝብታት ዝዛተየሉን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ንምምዕባሉ ዘጽዕሩሉን ዝጽዕሩን ዘለዉ ጸሚቝካ ናይ ምቕራቡ ኣብ ክልተ መቒልዎ ከምዝነበረ ይዝከር እዩ። ንሳተን ከኣ ፡-

           1) ዲሞክራሲ እንታይ ማለት እዩ

           2) ዓንድታት ወይ መቖሚታት ዲሞክራሲ እንታይ ይመስሉ።

ቀዳማይ እንታይ ማለት እዩ ዲሞክራሲ ፤ኣወዓዕልኡኸ ዝብል  ምስ ኣመጻጽእኡን ጥቕሙን ዋንነቱን ብሰፊሕ ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ብሩህ ኮይኑ፣ ብዕለት 29-11-2014 ከኣ እቲ ካልኣይ ነጥቢ ዓንዲታት ወይ መቖሚታት ዲሞክራሲ ዝብል ብሕጽር ዝበለ ገይሩ ኣቐሪብዎ። ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክግለጽ ከሎ ስልጣን  ናይ ህዝቢ ኮይኑ ህዝቢ ከኣ ብፍላይ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ክፍለ ዘመን ብምርጫኡ ኣቢሉ ንውሱን ግዚ ስልጣን  የስረክብ ድሕሪ እቲ ዝተመደበ ግዜ ከኣ እቲ ስልጣን ተቐቢሉ ዝነበረ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ ይመልሶ። በዚ ኣገባብ እቲ ስልጣን ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝብል ኣገባብ ይካየድ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣሰራርሓኡ ሕገ-መንግስቲ ከም ናይ መንግስቲ መሳርሒ ኮይኑ ይሰርሕ።

ትርጉምን መዝን ሕገ መንግስቲ እስከ ንርኤ፡

ናይ ብላክ (Black) ናይ ሕገ መንግስቲ መዝገበ ቃላት ንሕገ መንግስቲ ከምዚ ዝስዕብ ትርጉም ይህቦ። ‘’ናይ ሃገር ወይ መንግስቲ መሰረታዊ ሕጊ ናይ ኣመሓዳድርኡ ዓይነትን፡ መንፈስን ዝምድብ ውሽጣዊ ናብራ ምስ ሕገ-መንግስቲ ዝሳማማዕ ቀንዲ መትከላት ዝሰርዕን፡ ምምሕዳር ወዲቡ ዝሰርዕ፡ ንኽፍልታት መንግስቲ መዝታት ዝኸፋፍልን ዝውስንን፡ ናይ ልኡላውያን መንግስታት ስርዓትን ኣገባብን ዝገልጽ ስልጣኑ ካብ ህዝቢ ዝኾነ ዓይነት መንግስቲ ’’ እዩ።

ብሕጋውን ክለሳ-ሓሳብን ኣረኣእያን ሃንስ ከሰን (Hans Kelsen) ድማ ከምዚ ገይሩ ይገልጾ፤

‘’እቲ ናይ እወንታዊ ሕጊ ዝለዓለ ደርቢ ቅዋም እዩ፡ ሓፈሻዊ ሕግታት ንምፍጣርን ስርዓቱ ንምምዳቡን ቀንዲ መዙ እዩ። ሓፈሻዊ ሕግታት ተኣኪቡ ሕጋገ ይበሃል። ሕግታት ክሕገግ ከሎ ፡ትሕዝትኡ ዝምድብ ዘፍቅድን ዝእግድን ነገራት ዝውሰን ቅዋም እዩ’’።

ቅዋም ናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ሓደ ዓቢ ኣካል እዩ። ስለዚ እዚ ሕጂ ብዓይኒ ጥርጠራ ዳርጋ ጽልኢ ጌርና እንሪኦ ዘለና ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዲሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን ኣገደስቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝቅበልኦ እዩ ወይ እየን። ብወገን ህዝቢ ከኣ ናይ ምቁጽጻር ካብ ቅዋም ከይወጽእ ብሲቪካዊ ማሕበራትን በተን ናጻ ዝኾና ማዕከናት ወይ መድያ ይከታተልን ኣወንታዊን ኣሉታውን ገምጋም ስርሓትን ይመዝንን ይፈርድን።

ኣብ  ስልጣኑ ዝተስረከበሉ እዋን ከኣ ናይ ምርጩኡ ግደ ይጻወት።ብተወሳኺ ህዝባዊትካላቱ ፈራዲ ኣካል ‘ውን ናይ ምቊጽጻር ስርሑ የካይድ። ኣብ ርእሲ ስራሕ ናይ ፍርዲ ምክትታል ሕግታት- ስራሓት መንግስትን ካልኦት ምምሕዳራትን ዝካየድ እውን ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ዲሞክራሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ። ተመሊስና ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ክንብል ከለና ከም ቃል ሕጂ እውን ኣብ ናይ ወብስተር (Webster) መዝገበ ቃላት ነታ ብቋንቋ እንግሊዝ ኮንስቲቲትዩት (To constitute) ምቛም እትብል ቃል ጠርናፊ፡ ስሩዕ እርናበ ወይ ኣቘመ ኢሉ ይትርጉማ፡ ማለት ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ተኣርኒቡ ዝቘመሉ ኣገባብ የስምዕ። መብዛሕትኡ ቅዋማት ሕገ-መንግስቲ ካብ ኩሉ ዝለዓለ ሕጊ ናይታ ሃገር ከምዝኾነ ብግልጺ ወይ ብምእማት ይንገር። ግናኸ ሕጊ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን እዩ፣ ምባል ጥራይ እዚ ቅዱስ ሕገ-መንግስቲ እዚ ቅኑዕ ምስ ሕጊ ዝሰማማዕን ምዃኑ ዘረጋግጽ ዋሕስ ኣይክኸውንን እዩ። ስለዚ ሓደ ቅዋም ኣብ ወረቐት ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ናይ ህዝቢ ንቕሓትንምቅርራብንንመሰላቱ ዝሕልው ትካላት፡ ናጻ ፕረስ፡ ክህልዋ ኣለዎ።  ሕግን ማዕርነት ዜጋታትና ናጽነት ውልቀ ሰብ ዝሕለወሉ ብትምምህርቲ ልዑል ፍልጠት ዝድለበሉ ኮታ ምዕሩይ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝረጋገጸሉ ክንበጽሕ ምእንቲ ብወገን ኤምዲሰመ ሓደ መዓልቲ ኣብ ወርሒ ብፓል ሓርነት ኣቢሉ ንህዝብና መነቓቐሒ ኣርእስትታት እናልኣዓልና ምሳኻትኩም  ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክግበር ኣብ መደብ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ተታሕዝናዮ ዘለና ኣገባብ ኣሰራርሓ ኮይኑ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ብሰፊሑ ዝተገልጸ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ናይ ሓደ ሃገር ኣብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዓቢ እጃም ዘለዎ እዩ።

መንግስቲ ሕጊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምርካብን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ዘረጋግጽ ወግዓዊ ሕጋውነት ጥራይ ማለት ኣይኮነን፤ ግናኸ ነቲ ናይ ወዲ ሰብ ልዑል ክብሪ ኣብ ምፍላጡን ፣ኣብ ምቕባሉን ፣እተሰረተ ፍትሒ ፡ምሉእ ሓሳቡ ንምግላጽ ድማ ብትካላት እተተግብረሉ መረጋገጺ ማለት እዩ።

ብዛዕባ ‘’መንግስቲ’’ ሓሙሽተ  ሓሳባት ንምጥቃስ፡-

  1. መንግስቲ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ
  2. ምፍልላይ መንግስትን ቁጽጽርን ሚዛንን
  3. ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ዘለዎ ዝውሰን ስርዓት    ምሕላው ሓርነትን ክብርን ሰብ
  4. ደረት ዘለዎ መንግስትን ምእኩል ምሕደራን
  5. ብዛዕባ ሕገ-መንግስትን ኣሰራርሓኡን ዘርኢ ናጻ ቤት ፍርዲ

እዘን ሓሙሽተ ሓሳባት ተላዒለን ዘለዋ ዋላ እኳ ትንክፍ ኣቢልናዮ እንተ ኣለኣጸቢቕና  ምርዳእናሉዑልክኸውን ክንጽዕርን ኣብ ዲሞክራሲያዊትን ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ንምብጻሕ ክንገብሮ ዘለና ነዊሕ ጉዕዞ ኩላትና እንግንዘቦ እዩ።

ንምጥቕላሉ ኣከፋፍላ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ጫለዳታት ይምቀል

እዘን ቀንዲ ዓንድታት ናይ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ሃገር ክኾና ከለዋ ነዚኤን ዓንድታት ዝገልጹን ዝከታተሉን መሰላቶም ዝሓቱን ኮታ ናጻ ኮይኖም ንምዕባለ ሃገር ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ከይጉዕጸጹ ስራሓት ናይ ዝተወደቡ ትካላት ከም መድያ፣ መሰል ደቂ-ስብ ዝከታተላ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ናይ እምነት ውድባት፣ ካልኦትን በብዓይነቱ መሰረታት ህዝብታት በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ ተወዲበን ይኹና ብውልቀ ዝዋስኣ ክህልዋ እቲ ግቡእን መሰልን ኣጸቢቕና ምፍላጡ ከድለየና እዩ። እዚ ስለዝኾነ ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተባህ ኩላትና በብዓቕምና ክኢላታት ማለት ኦሊጋርኪታትና ይኹኑ ኤሊታትና ድሮ ኣብ ሓላፍነት ውድባት ዘለው የሕዋት፣ ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን ፣ ሚድያ ፣እናመጹን ኸምኡ ሰሚናራት፣ፈስቲቫላት ዝግበረሉ እዋንን፣ኣገደስቲ ኣስተምህሮን መርሆ ቃልሲ ዝብልዎ መግለጽታት ክህቡ ዘለኒ ትምኒትን፣ባህግን፣ድልየትን ዓቢ እዩ ብምባል መደርኡ  ደምደመ።

ካብ ኣዋሃሃዲት ፓል ሓርነት

 

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ታሕሳስ 2014

ኣብ ወርሒ 8, 2014 .ም 703 ኤርትራውያን ናብ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣትዮም። ዝርዝር ናይዞም ናብ ሸገራብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ድማ፡ ከም ዝስዕብ ኢዩ።

 

ትሕቲ 5 ዓመት

ካብ 5-18 ዓመት

ልዕሊ 18 ዓመት

ድምር

ደቂኣንስትዮ

19

45

139

203

ደቂተባዕትዮ

10

64

426

500

ድምር

29

109

565

703

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

5 ታሕሳስ 2014

ድሕሪ'ቲ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ጆሃንስበርግ ዝተኻየደ ብዛዕባ ሃለዋት ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ፍልስጤም፡ ስዋዚላንድን ምዕራብ ሰሃራን ዝዘተየ ዓወደ-ምይይጥ (ዎርክሾፕ)፡ ኣብ'ቲ ኣኼባ እተሳተፈ ኤርትራዊ ልኡኽ ብ5 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በቲ ን15 ሃገራት ዝውክል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (Southern African Development Community/SADC ንኤርትራ ዝድግፍ ግብረ-ሓይሊ ንምቛምዝተወስደ ስጕምቲ ታሪኻዊ ክብል ኣመጒስዎ።

ኣቶ ኣቢ ዲትልሃከ፡ ዳይረክተር ፈጻሚ ኣካል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንወከልቲ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ተኻፈልትን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ንምብዳህ ብዕቱብነት ክተሓሓዝዎ ዘይምርኣዩ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ ሓቢሩ።

ኣብ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ዝግሃድ ዘሎ ጭቆናን ምፍንቓልን፡ ኣፍሪቃውያን ዲሞክራስያውያን ሓይልታትን  ሲቪላውያን ማሕበራትን ብሓባር ክብድህዎ ዝግብኦም  እዋናዊ ሕቶ ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ መታን ሕማቕ ከይንርኢ፡ እቲ ኣንጻር ባዕዳውያን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ተጋድሎ ብዅሎም ኣፍሪቃውያን ዝተፈጸመ ተወፋይነት ሕጂ እንደገና ክሕደስ ወይ ክድገም ኣለዎ ኢሉ።

ዳይረክተር ባይቶ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጕዳይ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ኣጀንዳ ንምግባርን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ንምግልጋልን ማሕበሩ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ነቲ ካብ 3-4 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ-ምይይጥ (ዎርክሾፕ) ዝተገብረ ውሳኔታት ጸሚቑ ብምቕራብ ድማ፡ እዚ ነቲ ንኤርትራ፡ ፍልስጤም፡ ስዋዚላንድን ምዕራባዊ ስሃራን ዝምልከት ብሓምለ 2014 ዝተገብረ ኣዋጅ ዓሰራይ ጕባኤ መድረኽ ሲቪላዊ ማሕበራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ ክብል ገሊጽዎ። ብድሕር'ዚ፡ ኣቶ ዲትልሃከ፡ ንኤርትራዊ ልኡኽ መልእኽቱ ንጋዜጠኛታት ከስምዕ ናብ መድረኽ ዓዲምዎ።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፡ ኣባል ኣውሃሃዲ ኣካል ኤርትራዊ መድረኽ ንዲሞክራስያዊ ዘተ ንኣባላት ኤርትራዊ ልኡኽ ድሕሪ ምልላይ፡ ነቲ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ዝገለጾ ደገፍዘመጕስ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣንቢቡ። እቲ መግለጺ፡ ንኣፍሪቃውን ኣህጕራውን ደገፍ ዝጽውዕን ኣብ ኤርትራ ኣወንታዊ ለውጢ ንምምዝጋብ ዞባውን ኣህጕራውን ደገፍ ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ዘብርህን ነበረ።

እቲ ኤርትራዊ ልኡኽ፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻኢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃም፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ወይዘሮ ሳልዋ ኑር፡ ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሳኢት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነበሩ። እቲ ልኡኽ፡ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ብዝርዝር ገሊጹን ካብ ተሳተፍቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱን።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ ሰንበት፡ እቲ ልኡኽ ኣብ ከተማታት ደርባንን ጆሃንስበርግን ህዝባዊ ኣኼባታት ከካይድ ኢዩ። ( ነዚ ዑደት ዝምልከት ሰፊሕ ሪፖርታጅ ውን ከነስዕበልኩም ኢና)።

እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ፡ እቲ ልኡኽ ዘቕረቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢዩ።

ጋዜጣዊ መግለጺ

(ብቕልጡፍ ዝዝርጋሕ)

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ንኤርትራ የብርሳን  ንህዝባ ድማ  መዘና ዘይብሉ ስቅያት የውርደሉን ኣሎ።  ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ኣሕዛንን ኣሰንባድን ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ኢዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ብዘይ ክስን ፍርድን ምእሳር፡ ደረት ዘይብሉ ምሕያር፡ ምስዋርን ብዘይ ፍርዲ ምቕታልን ....ወዘተ ነታ ሃገር ህዝባ ክነብረላ ዘይኽእል ርስንቲ እቶን ገይርዋ ኣሎ። ብሰንኪ'ዚ መሪር ጭቆና ጅምላዊ ስደት፡ ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት ስደት ኣብ ዘሰንብድ ብርኪ በጺሑ ኣሎ።

ውድቀት ናይ'ቲ ስርዓትን ለውጥን ዘይተርፍ ኢዩ። ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ ናይ'ቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ዘለዉ ሓይልታት ኢዩ ወዲቑ ዘሎ። ስልጣን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝቀባበለሉ መስርሕ ኰነ፡  ናጽነት ናይ ምዝራብን ናይ ምእካብን ዘይምህላው፡ ንሓደጋታት ናይ ባዶነትን ምብትታን ብዝያዳ ኢዩ ኣጕሊህዎ ዘሎ። ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት "ናይ ዕላማ ሓድነት ምርግጋጽ"፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዘካየድናዮ ነዊሕ ቃልስን ባህግታትን ዘባራብር ኢዩ። ስለ'ዚ፡ ናብ ዲሞክራሲ ዘብጽሓና ሕግን ስርዓትን ዝሓለወ መሰጋገሪ መድረኽ ኣድላዪነቱ ዓቢ ምዃን ክንፈልጥ ይግባእ።

ኣህጕራውን ዞባውን ደገፍ ኣብ ኤርትራ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ እጃም ከምዘለዎ እምነትና ኢዩ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ መበል 10ይ ጕባኤ መድረኽ ሲቪላውያን ማሕበራት ደቡብ ኣፍሪቃ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገለጾ ደገፍን ንኤርትራ ዝድግፍ ግብረ-ሓይሊ ምቛሙን ነመጕስ።

እዚ ኣብ ዓውደ ምይይጥ (ዎርክሾፕ) ናይ  ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) እተሳተፈ ኤርትራዊ ልኡኽ እዚ፡ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ የቕርብ።

  • መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቝባን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰላም ክነብሩን ኣብ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ ናይ'ታ ሃገር ክሳተፉ ዘኽእሎም ዘድሊ ሕጋዊ ሰነዳትን ክህቦም፤
  • ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲቪላውያን ማሕበራት ንቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ዝገብርዎ ደገፍ ክብ ከብሉ፤
  • ሕብረት ኣፍሪቃ ብመሰረት ቅዋሙ ናይ ኣሳላጢነት እጃሙ ክጻወት፤
  • ጐረባብቲ ኤርትራን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብመሰረት ኣህጕራዊ ውዕላትን ንመሰላትን ድሕነትን ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከሕልዋን ንጽውዕ።

ዓርቢ 5 ታሕሳስ 2014

ጆሃንስበርግ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኤርትራዊ ልኡኽ ኣብ ኣኼባ ዓወደ-ምይይጥ/ዎርክሾፕ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO)

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንከሰላስሎ ጸሚድሉ ዘሎ መደብ፡ ኣብ ሎንዶን ምስ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ብምርኻብ ጀሚርዎ።

እዚ ብዕለት 30 ሕዳር 2014፡ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ሎንዶን ዝተወደበ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ። ካብ ኩሉ ኩርንዓት ሎንደን መጸዋዕታን ዕድመን ኣኽቢሮም ዝመጹ ደለይቲ ለውጥን ፍትሒን ካብ ኩሉ ሸንኻት ህዝብና ምንባሮም ተስፋ ዝህብ ኣጋጣሚ ኢዩ ። እዚ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ኣቦ መንበር ሽማግለ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ፡ሓው ጎይቶኦም መብራህቱ ኢዩ ተኸፊቱ።

UK-Public-Meeting-Nov14ካብዚ ብምቕጻል፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሓው ሓምድ ድራርን፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን፡ ኩነታት ተቓዉሞ ደምበን ኣህጉራዊ ኩነታትን ብሰፊሑ ብክልቲኡ ቋንቋታት፡ ትግርኛን ዓረብኛን መግለጺ ኣቕሪቦም።ብተወሳኺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህዝባዊን ዜናውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ብዝርዝር ገሊጾም።

ተቓዉሞ ደምበ በዚ ሎሚ ዘለዎ፡ ዝተበታተነ ሃለዋት ከድምዕ ከምዘይክእልን፡ ብክንዲተን ኩላትና እንሰማማዓለን ዕላማታት ተወሃሂድና ክንሰርሕ ከምእንጥለብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ገሊጹ።

ሰልፊ፡ መንእሰያት ኤርትራ ንዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ንምቅላል ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታቱ ዓቢ ቦታ ከምዘትሕዞ ሓው መንግስተኣብ ገልጹ።

UK-Public-Meeting-Nov14-2ብመራሕቲ ኣኼባ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ መድረኽ ንተሳትፍቲ ኣኼባ ሕቶታት ከቕርቡ ተፈቒዱ። ዝቐረበ ሕቶታት ውን ብኣቦመንበር ሰልፊ ሰፊሕ መብሪሂታት ተዋሂብዎ። እቲ ኣኼባ ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ይካየድ ምንባሩ ኩሉ ተሳታፋይ ንትሕዝቶኡ ክርዳእ ኣብቂዕዎ ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ናይ ግዜ ጽበት ስለዘጋጠመ ናይ ህዝቢ ርእይቶ ብሙሉኡ ፈሲሱ ክበሃል ዝከኣል ኣይነበረን።

3/12/2014

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ጨንፈር ሎንደን 

ፖለቲካዊ ምኽንያት እምበር!

Thursday, 04 December 2014 17:20 Written by

ርእሰ ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኤርትራ ሃገርና ኣብዚ ሎሚ እዋን ብበበዓይነቱ  እሞ ድማ ኩሉ ሕማቕ መዳያት ኣብ እትግለጸሉ ኩነታት ኢና እትርከብ ዘለና። ካብቲ ብዙሕ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ዝግለጸሉ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ  ሳዕሪሩ ዘሎ ኣበራት፡ እዚ ዝስዕብ ኩላትና እንረዳዳኣሉ  ከም ኣብነት ምቕራብ ይከኣል። ኤርትራ ናይ ሎሚ፡

    • ኩሉ ደሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዝተሓረማ፡ ዜጋታታ ኣብታ ብመሪርን ነዊሕን ብመስዋእትነት ዘረጋገጽዋ ሃገሮም እግሮም መሊኦም ዘይስጉምላ፡ ኣፎም መሊኦም ዘይዛረቡላ፡
    • ሕግን ሕጋውነትን ዝበኾረላ። ዜጋታት ኣብ ጽላል ሕጊ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ጽቡቕ ድሌት ውልቀሰባት ሰማይ ደጊፎም ዝሓድሩላ። ወተሃደራዊ ኣብያተ ፍርዲ ዝዕንድረላ፡ እተቐጽዑ ብዱላት ስለምንታይ ኢሎም ዘይሓቱላ። ዝተኣስሩ  ዝተኣሰርሉ ቦታ ዘይፈልጥሉን ብቐረቦም ከይተሓቱ ዝሕብኡላ፡ ኮታ ጥርጡራት ነብሶም ናይ ንምክልኻል ሕጋዊ መሰል ዝተነፍጉላ፡
    • እኹል ዝብላዕ መግቢ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ጸዓት፡ ሕክምና ኮታ ኩሉ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝወሓደላ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ትምህርቲ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ትሑት ደርጃ ዝወደቐላ፡
    • መሰል ምውዳብ፡ ምቅዋምን ሓሳብካ ምግላጽን ዝተሓረመላ። ብዘይካ ናይቲ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ልሳናት ንሳተን እውን ድኹማት ናይ ብሕቲ ሚዲያ ዘየብላ፡ ብዛዕባ’ቲ ገዛኢ ጉጅለ ምቅዋም ዘይኮነስ ምዕላል እውን ዝተኸልከለላ፡
    • መንእሰያት ዕላማኡን መወዳእታኡን ኣብ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና ተጸሚዶም፡ ብጉልባብ ምህናጽ ሃገር ብዘይክፍሊት ኣብ ጥሙይ ከብዶምን ዕሩቕ ዝባኖምን፡  ናይ ውሱናት ሰብ ጽሩራ ሃነጽቲ ኣባይትን መልማዕቲ መስኖን ዘመናውያን ባሮት ኮይኖም፡ ወይ ተማሂሮም ንነብሶም ኮይኖም ሃገር ዝሃንጽሉ ፍልጠት ዘይረኽቡላ ወይ ድማ ናብራ መስሪቶም ወለዶ ንምትካእ ዘይወልዱላ
    • መሰል ዜግነትካ ተጠቒምካ፡ ብዘለካ ዓቕሚ ሰሪሕካ ዘይትበልዓላ፡ ብናታቶም ህርኩትና፡ ብፍላይ ኣብ መዳያት ህንጻን ትራንስፖርትን ክንቀሳቐሱ ፈቲኖም ዝነበሩ ዜጋታት ዝተፈላለየ ምስምስ ብምቕራብ ፈቓዳቶም ምስ ተመንዘዐ፡ ዝርካቡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ንጥፈታት ናብ ኢድ እቲ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ዝወደቐላ፡ ዓዲ ከለዎም ዓዲ ዝሰኣኑ ደቃ ከይፈተዉ ምዩቕ እንዳበሉ ብዘይውሕስነት ዓዲ ካለኦት ከልምዑ ዝተገደዱላ፡
    • ዜጋታት እምነቶም ብነጻ ዘየዘውትሩላ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያንን መሳጊድን ናቱ ሰለይቲ እንዳመደበ፡ ኣመንቲ ንጽድቂ ኢሎም ዘበርከትዎ ሞባእን ንዋየ ቅዱሳንን በቲ “መንግስቲ እየ” ብዝብል ጉጅለ ዝውረሰላ፡
    • ብሰንኪ ሕማቕ ባህርያት ናይቲ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ካብ ጐረባብታ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ስለ ዝተነጸለት፡ ኣብዚ ሎሚ ዓለምና ብሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ናብ ቁሸት ዝተቐየረትሉ ናይ ተሓጋጊዝካ ምዕባይ መዋእል፡ ኣብ ዓዲ ዝነብር ህዝባ ካብ ገበርቲ ሰናይ ኣካላት መሕለው ትንፋስ ዝኸውን ሐገዝ ከይረክብ ጅሆ ዝተታሕዘላ። ኣብ ውጻኢ ዝነብር ህዝባ ድማ “ኤርትራዊ እየ” ንክብል ዝስከፈላን ኣብ ግዜ ሐጐስን ሓዘንን ናብ ዓዱ ክመጽእ ዘይክእለላ፡ ጸቢብ ዕድል ክረክብ እንከሎ ከዓ ዕረ እንዳጠዓሞ ንህግደፍ ክምርቕን ክግብርን ዝግደደላ፡

ብሓፈሻ፡ ብዘይ ናይ ህዝቢ ፈቓድ ብኢደወነኑ ስልጣን ብዝጨበጠ ጉጅለ እትግዛእ፡ መቆጻጸሪ ሕገመንግስቲ ዘየብላ፡ ሃገር ክንሳ ዳርጋ ብምልእታ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐየረት ሃገር ኮይና ኣላ ምባላ ዝቐልል ሃገር ኮይና ኣላ ኢልካ ምጥቕላል ኣብ እትግደደሉ ደረጃ እትርከብ፡ ካብዚ ንምውጻእ ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪራ  ደቃ ከድሕንዋ እትምሕጸን ዘላ ሃገር እያ ኤርትራ ናይ ሎሚ።

ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝተጠቕሰ ናይ ጸበባ ኩነታት ክነብር እንከሎ፡ ዋላ መርበብ ስለያን ምቁጽጻርን ገዛእቱ ይጽናዕ፡ ዋላውን ኣርዑት ወጽዓ ይኽበዶ ካብዚ መቑሕ ክወጽእ ፍሕትሕት ምባሉ ዘይተርፍ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ህዝቢ ንኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ኣይተቐበሎን ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ኣርዑት ናይ ምውጻእ ንያቱ እንዳበረኸ ክኸይድ ናይ ግድን እዩ። እምቢ ንመሰለይ ነጻነተይ ምባል ከዓ ንህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ሕመረት ታሪኹ እምበር ሎሚ ከም ሓድሽ “ሀ” ኢሉ ዝመሃሮ ኣይኮነን። ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ሓደ ካብ ናይ እምቢ ኣይግዛእን መለለይኡ እምበር ጁባኡ ንምምላእ ዝመረጾ ኣይኮነን። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ስደትን ቃልስን ንኤርትራውያን ተመላላእቲ እዮም ነይሮም እንብል።  እቲ ካብ’ዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ክርአ ዝጸንሐን ዘሎን ስደት  ብብዝሑ ኣዝዩ ዘሰንብድ፡ ብጠንቁ ድማ ከምቲ ናይ ቀደም ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይኮነስ ብሰንኪ ኤርትራዊ ክንሱ ልዕሊ ባዕዳውያን ዝውጽዕ ኣካል ዝጠፈጠሮ ምዃኑ ፍሉይ ባህሪ ዘለዎ እዩ። እቲ ቅድም ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ካብዚ ሎሚ ንነብረሉ ዘለና ዝተፈልየ ምዃኑ’ውን ንትሕዝቶ’ቲ ናይ ሎሚ ስደት ፍሉይ ይገብሮ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ጉዳይ ስደት ክለዓል እንከሎ ቅድሚት እትስራዕ፡ ጉዳይ ልምዓትን ሰላምን ክዝርዘር እንከሎ ድማ ስማ ዘይለዓል ሃገር ኮይና ከም ዘላ ኣዝዩ ዘሕዝነና ግና ድማ ክንክውሎ ዘይንኽእል ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ድሕሪቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት ኣብ ዓለም ኣዛራብነቱ መሊሱ ገኒኑ እዩ። ብዘይካ’ቲ ጉዳይ ስደተኛታት ብቐጥታ ዝምልከቶ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓልፉለንን ዘዕርፉለንን ሃገራት እውን እዚ ዛዕባ ኣጀንደአን ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ንተደጋጋሚ ኣውያትና ሰሚዑ፡ ህልዊ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን ኩነታት ኤርትራ ዘጻሪ ኣካል ክሳብ ምምስራት ክበጽሕ እንከሎ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ካብቲ ደራኺ ረቛሒታት ቀንዲ ከም ዝኾነ ንጹር እዩ። ናይዚ ስደት ጠንቂ እቲ ኣብ መእተዊና ተዘርዚሩ ዘሎ ሳዕቤን ኣሉታዊ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ርኡይን ግሉጽ’ኳ እነኾነ፡ እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ምጽራይ  ዕምቆት ገበን ናይቲ ጉጅለ ንምፍላጥ ሕጋዚ ክኸውን እዩ። ነዓና ንኤርትራውያን ግና ብዘይምጽራይ’ውን በዳሊና ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከይተጻረየ ጽሩይ እዩ።

ሃገራት ንጉዳይ ስደት እውን ከም ዝኾነ ተረኽቦ መምስ ረብሓአንን ጸጥታአንን ኣዛሚደን ክርእይኦ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ እየን ድማ ዝተወሰና ሃገራት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዕቑባ ካብ ምሃብ ኢደን ምስሓብ ምእንቲ ክጥዕመን፡ ካልእስ ይትረፍ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዓዲ ክወጹ ንዝፍትኑ ብዘይፍርዲ ክርሸኑ፡ ቤተሰብ ናይቶም ብናታቶም ውሳነ ዝስድዱ መንእሰያት ብኣሸሓት ዝግመት ናቕፋ ንክኸፍሉ ንዘውጸኦ ሕግታት ዕሽሽ ብምባል፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ቁጠባ እምበር፡ ናብ ዓዶም ዘየምልስ ፖለቲካዊ ጸገም የብሎም ክብላ ይደናደና ኣለዋ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ዓይኖም ብጨው ተሓጺቦም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ደልሃመት እንዳ ፈለጡ፡ ካብ ከም በዓል ሱዳን ተጨውዮም ዝተመልሱ ኤርትራውያን መሃላልሞም ከም ዝጠፍእ እንዳተረድኡ፡ ናይዘን ሃገራ መዳመቕቲ ክኾኑ ክወጣወጡ እንከለዉ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስደት ሓደ ካብ መርኣያታት ተቓውሞ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ እምበር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ከም ዘይኮነ እንዳኣመነ፡ ነዚ ንቀጻልነትና ሓደገኛ ዝኾነ ስደት ብዝምልከት ብዕቱብነት ካብ ዝቃለሰሎም እዋናውያን ዛዕባታት ሓደ ንሱ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ 3ይ ዓመታዊ ጉባአ ሰደህኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነቲ ብስም ሰልፉ በብእዋኑ ብጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውን ዞባውን መድረኻት ክቐርብ ዝጸንሐ መዘክራትን ምሕጽንታታትን ዝያዳ ንምርጓድን ንምጽብራቕን፡ ብ28 መስከረም 2014 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ኣብቲ ንስደተኛታት ዝምልከት ክፋሉ … the dictatorship in our country is the root cause for the continued influx and displacement of our people, which is resulting in the loss of hundreds and thousands of Eritrean lives across the world ….  International community, United Nations refugee agencies, and host countries to protect and assist Eritrean refugees according to the provisions established in the various refugee conventions and protocols (ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶር፡ ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ኣሸሓት ኤርትራውያን ህልቂት ዘስዕብ ዘሎ ዋሕዚ ናብ ስደትን ምምዝባልን ተሓታቲ እዩ። ….. ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካላት ስደተኛታትን  ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቖቡለን ሃገራትን፡ ብመሰረት ንስደተኛታ ብዝምልከት ዝተበጽሑ  ስምምዓትን ውዕላትን  ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከዕቁባን ክሕግዛን ንጽውዕ።) ዝብል ይርከቦ።

ሓደ ሓደ ካብቶም ዝስደዱ መንእሰያት “ንሕና ዝሓሸ መነባብሮ ንምርካብ ኢና ተሰዲድና እምበር ኣብ ኤርትራ ጸገማት ኣይነበረናን” ክብሉ ይስምዑ እዮም። “ሃብቲ ደኣ ኣብ ኤርትራስ ሰሪሕካ ክርከብ ይኽእል እንድዩ” ምስ በልካዮም ድማ “እወ ግና እቲ መንግስቲ ኣየስረሓካን እዩ” ብዝብል ነቲ የብልናን ዝበልዎ ጸገም ከም ዘሎ ባዕላቶም ይድርጉሕዎ። ቅድሚ ኹሉ እዞም ከምኡ ዝብሉ ኣዝዮም ውሱናት ነቲ ዝበዘሐ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ገበን ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተሰደን ናብ’ቲ ጉጅለ እንተተመሊሱ ዝወርዶ ግፍዒ ዝርዳእን ክፋል መግለጺ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ብዓብይኡ ድማ እቲ ኣቐዲምና ዚርዚርናዮ ዘለና ጸገማት ኣይኮነንዶ ነቲ ስርዓት ገዲፉ ዝተሰደስ እቲ ስርዓት ውን ዘይቅቡል ምኽንያት ከቕርበሉ ተዘይኮይኑ ክሓብኦ ዘይክእል ናብ ስደት ደፋኢ ኩነታት ምህላዉ ዘረድእ እዩ። እቶም ዝተወሰኑ ነቲ ኩነታት ሸፋፊኖም ክሓብእዎ ዝፍትንሉ ምኽንያት ብናትና ግምት፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸገም ኣሎ እንተበሉ ጽቡቕ ስም ሃገር ዝድውኑ ዘለዉ ዝመስሎ፡ ምናልባት እውን ካብቲ ጉጅለ ስለ ዘይበተኹ ደሓር ናብኡ ንምምላስ ንከየጸግሞም ክኸውን ይኽእል። ወይ እውን ከምዚ ገለገለ ወገናት ንጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከናእስዎ ዝፍትኑ፡ ካብ መጀመርታኡ ካብቲ ጉጅለ ምስሉ ንከመላኽዑ ዕማም ተዋሂብዎ ዝለኣኹ ክኾኑ ይኽእሉ። እቲ ሳሕቲ ኣብ ፈቐዶ እንዳህግደፍ እንደኸድካ ዝረአ ሳሕቲ ምኽታም ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ ኸዓ ነዞም ዳሕረዎት ዝተጠቕሱ እዩ ዘዘኻኽረና።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ጠንቅነት ስደት ንክሃድም፡ ንሓንሳብ ንኹለን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንሓንሳብ ንሲኣይኤ ንሓንሳብ ድማ ንጐረባብቲ ሃገራትን ንውልቃውያን ነጋዶ ደቂ ሰባት ከላግበሎም እዩ ዝፍትን። እንተኾነ ከምቲ “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል ንሱ ባዕሉ ንስደት ዝደፋፍእ ኩርኳሕ ኩነታት እንተዘይፈጥር እቲ መንእሰይ’ውን ኣብ ሃገሩ ራህዋ እንዳሃለወ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓምዮ ናይ ግዳም ጐስጓስ ናብ ስደት ኣይመመረጸን። ብዝኾነ ኣብዚ ዛዕባዚ ንጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስካ ምስዓሩ ተዘይኮይኑ ምዒድካ ናብ ልቡ ምምላሱ ስለ ዘይከኣል፡ ግዜ ንወስደሉ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ጉዳይና፡ እምበኣር ሃገራት፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝነዝሖ ናይ ሓሶት “ናብ ዓዶም ምምላስ ዝኸልክሎም ኣካል የለን” ዝብሎ ምምጽዳቕ ከይተዓሸዋ፡ ድሕረትን ድኽነትን’ኳ ጽልዋ እንተሃለዎም፡ ናይቲ ስደት ቀንዲ  ጠንቂ ፖለቲካዊ ምዃኑ ተገንዚበን ብመሰረት ዘለወን ዓለምለኻዊ ግዴታን ሓላፍነትን ዝከኣለን ክገብራ ጻዋዒትና ንምቕራብ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ረጊኦም ብዛዕባ መጻኢኦም ዝሓስብሉ ዕቑባ ክሓቱ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሕስ ኣብ ዝሃለኻ ሃሊኻ ኩነታትካ ብዝፈቕዶ ምቅላስ ምዃኑ ከይዝንግዑን ከየራጥጡን ንምሕጸኖም።

5 ታሕሳስ 2014 

 

ሰዉራ ኤርትራ ዋላ'ኳ ኣብ ኣጀማምርኡ፣ ብኸምቲ ዝድለ ነብሱ ሰርዑ ብዘይምብጋሱ ብዙሕ ሓርጎጽጎጻት ዝሰፈኖ መድረኻት ይንበሮ እምበር፣ድሕሪ መሪርን ነዉሕን ጉዕዞ  ቃልሲ ዝተረኸበ ናጽነት ምስ መዘንካ ግን፣ብዉጽእቱ ምስ እትመዝኖ ጥራይ ኢኻ ነብስኻ ከተዕግብ እትኽእል ። ንሱ ድማ እቲ ዘጋጠመ ብድሆታት ኣብ መድረኹን በብደረጅኡን  ተመኪቱስ ፣ ዝለከመ ለኪሙ፣ሕሉፍ ኮይኑ ንጸሓፍቲ ታሪኽ ዝተርፍ ስለዝኾነ እዩ።ንሰዉራ ዝወለደ፣ጉኦዞ  ትም ኢሉ ዝተፈጥረ ከምዘይኮነ ኩልና ኤርትራዉያን፣ንፈልጦ'ዩ፣ እቲ ኣብዚ  ዘለናዮ መዋእል ግን 21 ክፍለዘበን ኢና ንርከብ፣ዘተሐሳስብን፣ ዋላ'ዉን ዘሕዝንን፣ዘሕፍርን ግን፣በቲ ዝሐለፈ ጎቦጨረ፣ ታሪኽ ሰዉራና ፣ ብጌይና ክንመሃር ዘይምኽኣልናን፣ናብ ዝኸፈኣ ሸንኮለል ተሸሚምናን  ምትራፍናን እዩ።

 መበገሲና ካብ 1890-1941-1952+1952-1962+1991 መደምደምታ፣ ናይ'ዞም ሰንሰለታዊ ባኣዳዊ መግዛእቲ፣ እንታይ ነይሩ ትምኒት ህዝብና,? ኣብ 101 ዓመታት እንታይ፡ ፈጢሮምልና፣ንኩሉ በብመንገዱ እንተከድካዮ ኢኻ ትዕወተሉ፣ ሐድነት፣ህዝብን ሃገርን፣ ደርብኻ ዝመጽእ ዓወት ከምዘየለ እንዳፈለጥና፣ንፍሲ ቕትለት ንፍጽም ምህላዉና'ዩ። ንትማሊ ፣ናብ ሎሚ ክንቅይር ንቃለስ ምህላዉና'፡

ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ፣በዚ እዩ ዘዕዉተና ኢልካ ዝወጠንካዮ እስትራተጂ ትፍትኖ. ፈተንቱ ዉሕዳት ኢዮም ተካፈልቱ ግን ኩልና ኢና፣ ኣብዚ ሐደ ሐቂ ክትሪኢ ትኽእል፣ንኹሉ ሰራዊት ተፈሊጡ ከምዘይዕወት ፍሉጥ ነገር'ዩ፣ኣብ ካላኣይ ግዜ ግን እቲ ቅድም ዝሐንጸጸ ኣይደፍራን'ዩ፣ ነታ ቀዳመይቲ ፍሽለቱ፣ንፍሽለቱ ግን ናብ ገለሰብ የሳብባ፡ኣብሐደ ኣገጣሚ ንሐደ ስሪሕት ንምስላጥ ኣብ ጉዕዞ ከለና፣ሐደ ብጻይ ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና ኢሉ ንሐደ ብጻዩ ይሐቶ'ሞ፣እቲ ብጻዩ ነቲ ሐላፊ ይነግረሉ፣እቲ ሐላፊ ስርሕት ድማ ንኩልና ኣብርኹ ኢሉ፡ ምስ መሳርሕቱ ከይመኸረ ንክልተ ብጾት ኣብዚ ጹንሑና ኢሉ ገድፍናዮም ከይድና፣ ኣብቲ  ዝብጻሕ ምስ በጻሕና መምጽእና የፍልጠና''ሞ፣ ሐደ ብጻይ ድማ መልሹ ነዚ ክንገብር እኹል መጽናዕቲ ዝተገብረ ኣይመስልን'ዩ፡ ኢሉ ርእይቶ ሂቡ፣ ንዑኡ ድማ ናይ ቦታ ምልዉዋጥ ተጌይሩ፣ ዕድል ስለዘየለ ካልእ ከም ናይቶም2 ኦድል ምሓለዎ ነይሩ፣ኣብ ስርሒትና ኣቲና፣ተዓዉትናዶ ኣይተዓወትናን፣ናብ ጎኒ ገዲፈ፣ናብ ቦታና ተመሊስና እቶም 2 ብጾት ኣብቲ ጹንሑ ዝተባህሉ ቦታ ኣይጸንሑን፡ ብዛዕብኦም እቲ ሐላፊ ብዙሕ ክዛረብ ጀሚሩ፣ንዝባሌኦም ዝምልከት፡ ካብቶም ሰራዊት ዝዘንብ ዝነበረ ካፋ ንምንታይ ከምኡ ኢለዮም ኢልካ ግዳ ዘይትሐስብ ዝብል ኪፍኪፍታ፣ምስ ኣጠልቀዮ፣ንበይንካ ምዉሳንስ ትርፋ ዉድቀት'ያ ኢሉ፡ ናይ ልቡ ገሊጹ።

በጃኻትኩም እባ ህዝብኩም፣ ኣድሕኑ፣ ኣንቱም ሰብ ንያት፣ኣንቱም ሰብ ሐቦ፣ መንእሰያት 60'ታት መንእሰያት ናይ ሎሚ፣ ኣብ ንህዝብን ሃገርን ዘየርብሕ ሽቕለት እባ፣ ኣይትንበሩ ።ድሕሪ 2001 ክንደይ ግዜ ኣኼባታት ተካይዱ፣ እቲ ኣኼባታትሲ ክራባሕ ትርኦ፣ሐድነት ፈጢሩ ኣኼባ ሐድነት፣ክንዲ ዝኸዉን፣ ምስ መን ዲኹም ተኣኪብኩም እንዳተባህለ ከምዚ ዝቕጽል ምቕጻል ኣድላይነቱ ክሳብ ክንደይ'ዩ፣ ክኸዉን ነቲ ጸገም ዘምበድብድዎ ዘለዉ ይስምዑ ኣለዉ እቲ ቀላሲ ድማ ብወዲ ከምዝኦም ክመራሳሕ ክትሪኢ ከለኻ ድማ ከብድ።ኣብ ክንዲ፣ ባይቶ ተተኺላ ኣብ ዓዲ ኢልና ንጓየሲ ከምዚ፡

 ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ፡ዝተሓልፈ ውሽጣዊ ሽግራት ፡ብሕልፊ ብዛዕባ እቲ ልዕላውነት ሃገር „ዘረጋገጸ ፣መሪር ጉዕዞ ኣይኮነን ኤርትራዊ ዜጋ፣ንጉዳይና ዝከታተሉ ሃገራትን፣ዉልሰባትን ዝፈልጥዎ ሐቂ'ዩ፣ብዙሕ ክጸሐፍ ከምዝኽእል ታሪኽ ሰዉራና ዘጠራጥር ኣይኮነን፣ ብኣወንታዉነቱን + በኣሉታዉነቱን፣ ክስነዱ ይግቦኦም ጥራይ ዘይኮነስ ፣ብሐላፍነት ዘሕትት'ዩ፡ ከሳስን+ ተኸሳስን ክህሉ ድማ ባህርያዊ'ዩ፣ መዓስ ግን,? ጥዑይ ግዜ ክጭበጥ ይግባእ።ቀዳምነት ካብዚ ኣደራዕ መከራን ክንገላገል ኢዩ ዝግባኣና።

ካብ ዘይምዑሩይ ኣጀማምርኡን ሰዉራ ኤርትራ፣ ክንደይ ንጹህ መንእሰያት ጠፍኡን ይጠፍእ ምህላዉን፣ንሰራም ትንቢት ኢሰያስ ከነተግብር ለይትን መዓልትን ንሐዉካ ነሕብትኻ ከተጥፍእ ትገብሮ ኣገልጉሎት፡ጥንቅሊዕት፣ትሸኖ ሽንቲ'ዩ፣ ደገፍትን ፣ደለይቲ ፍትሕን እንታይ ንገብር ምህላዉናዶ ንዕዘብ ኣሎና?ኣብ ዘይንዓግበሉን ፣ዘይፍትሐዊ መራሕን፣ መምርሕን ክሳዕ መዓስ'ና፣ ተቖሪና ክነብር ፣ ካልኦት ብዛዕባ  መሰልና ክጣበቑ  ክትሪእን ክትሰምዕን ከለኻስ ኤርትራዉያን ንዓዶም የልምዑ ዘለዉ ጌይርናዶ ንወስዶ ንህሉ ፣ እምበኣር ኣይኮነን ፣ ህዝብናስ ንዓዱ ይምለስ የሎን ፣ናብ ዓይኒብለይ ሰኒብለይ ክጠፍእ እንዳረኣኻዮ፣ ይበታተን ምህላዉ ከመይ ኣይትርኦን፣ ጎደናታት ኢትዮጵያን። ሱዳንን፣ ኢስራኤልን ፣ሳህራን ፣ሊብያን፣ ኤዉሮጳን፣ተዛረባ በጃኽን ተዛረባ ፣ይዛረባ  ድማ ኣለዋ ሰማዒ እዝኒን፣ ኣእምሮን ግን ኣይረከባን፡ ጉዳይ ባሕሪ  ረስዒ ኣይኮንኩን፣ ንህልዋት ነድሕን  ስለዝበልኩ ንተረኽቲ ዝግደፍ ድማ'ዩ፣

ኣብ መጽሐፍ ቁዱስ ዝብሎ፣ሐደ በዓል ጸጋ ዝነበረ ኣብዛ ዓለምና፣ሞይቱ ፣ኣይትሙትኒ ኣብቲ መንግስተሰማይን ገሃንብሳትን ፣ ምስ ረኣዮ እቲ ካብ ጸጋታቱ  ረፋሪፉ ዝነብር ዝነበረ ፣ድኻ ከምዚ ከማይ፣ ኣብቲ  ባራድስ ምስ በዓል ኣቦና ኣብራሃም ፣ክዘናጋዕ ምስ ረኣዮ፣ንኣብራሃም፣ለመና ኣቕረበ፣ንኣልኣዛር  እንዶ ማይ ከስቴኒ ኣለኸለይ ምስ በሎ እቲ ኣብ መሬት ከለካ ጽቡቅ ዘይገበርካ ፍርድኻ ንሱ ኢዩ፣ዝብል መልሲ ተዋህቦ'ሞ፡ነቶም  ሐድግዎም ዝመጸ ሓምሽተ ኣሕዋቱ ግነግሮም'ዉን፡ ለመነ ፣ነቲ ምስኦም ዘሎ መጻሕፍቲ ነብያታት ኣለዎም ምስበሎ ኣነስ ይሰምዖ ነይረ ኣንድዬ፣ከምቲ ናተይ ዕጫ ከይገጥሞም፣ ከይዱ ነሕዋቱ ክነግሮም ዕድል ኣይረኸበን። ስለዚ ህዝብና ዓይኒና እንዳረኣና፣ ዓለም ብጉዳይና እንዳተጣበቑልና፣ መን መጽኡ ክነግረና ንጽበ ከምዘለና ጠፊኡኒ።ብ'ዘይተዓደገት ጠል ክንዋጠጥ፡ንፍቅርናን፣ ሐድነትናን፣ንዘርብሐና ፣ንብሕጎ ከምዘለናሲ ጠፊእናዶ መስለኩም?፣ብጉዳይ ናይ ካለኦት ብዘይመጠን በላሕቲ ኢና፣ ክንግምግም ከለናስ፣ መን ኢኹም ንስኻትኩም  ትብል ቃል ክንሰምዕ ምስተገባኣና፣ኣብ ኩሉ ዓለም ንነብር ዘለና ስደተኛታ ኤርትራዉያን፣ ሃገሮም ከልምዕዎ ከለዉስ ናትና ጌይርና ንወስዶ።ገለስ ንዓድና ቅጽና ኣይንሸይንን ዝብሉ የጓንፉኻ፣ ኣስደማሚ እንዳተደራዕኻስ ከም ሐርነት ፣ወይ ከመሰል፣ ትሐቑፎ።መሰል ዘይምርካብ ሐብርካ ተዛራርብካ ፍትሒ ዘይምግባር፣ጠንቅታቱ ነስተብህለሉ፣ሃገራዊ ኣገልጉሎት  18 ኣዋርሕ፣ ጉቡእ ኢልካ ክትቕበሎ ምስተኻእለ፡ኣብቲ ሃገራዊ ቁዋም፣ምስ ዝህሉ ፣ሕጂ መጠያየቒ፣ ዘይብሉ  ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ፣ከም ማሕከኻ ዘይብሉ ጸባ፣ስለዚ ሃገራዊ  ኣገልጉሎት ካብ 1994 መወዳእታ ዘይብሉ፣ ካብ ሰልዲ-ኣይሰልዲ ፣ኣይትምህርቲ ኣይ ሐዳር፣ኣይካብ ስድራኻ ምጥዋር። ናይዚ መተካኣታ ፣ሃጽ ኢልካ ናይዚ ኩሉ መከራን ኣደራኦን ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ፣በቕዕና፣ብሰንኪ ዘይምርድዳኣ ንትምርሐሉ ኣገባባት ሐብርካ ዘይምዉጻእ፡ጻምኡ ኣብ ምሕፋስ ንርከብ።

ዘለናዮ ሃለዋት ተመሊስና ታሪኽ ሂይወትና  ክንግንጽል'ዩ ዝዕድመና ።ብዙሐት ንታሪኽ ክቐብሩ ዝደልዩ ናይ ሎሚ ንግበር ክብሉ እዮም ዝስምዑ።ንዝሐለፈ ተመኩሮ ከይፈተሽካን ፣ዝነበረካ ሕጽረትን ብቕዓትን ከይገምገምካን ፣ ንቕድሚት ጥራሕ ከተማዕዱ ምስ ኣትፍትን ፣ንጌይጋታትካ  ክትደግም ክትነብር'ዶ ኣይኮነን ?። ኣሻሓት ሂይወትን፡ መገመቲ ዘይብሉ ንብረትን ዝተኸፍላ ናጽነት እነሆ ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ ፣ታርጌት ዝገበረን፣እቲ በዓልበታዊ፣መከራን ድማ ካብ ሞት፣ናብ ሞት ክንቀዳደም፣ዓለምና ትዕዘብን ትሪእን ኣላ።ንሕና ኤ/ን ግን ዝለመድናዮ ንመስል ነቲ ኣደራን መከራን፣ናይ ላምፓዱዛ ተረክቦ ዓለማት ስለዝተዛረቡሉ እምበር ቅድምኡን ብድሕሪኡን ጠፊኡ ዘሎ ህዝቢ ኣድኡ ትቑጸሮ፣ንሕና ኤ/ህ  ገለ-ገለስ ዘይበረሀልና ሽግራት ዓኒዱና ኣሎ ።

ተቓወምቲ ሓይልታት ድማ፣ ነታ ክመርሕዋ ዝሓልሙ ሃገር ከይወነኑ፣ ብመን ክመርሕ እዩ፡ ክበኣሱን ክበታተኑ ክትርኢ ከለኻ፣ ህዝቢ ንኤርትራ ብቐጻሊ ናብ ሓለንጊ ምልኪ የሳጥሕዎ ከም ዘለዉ ኢኻ እትርዳእ፣ እዚ ድማ ጥዕና ዘይብሉን ንረብሓ ህዝቢ ዘየገልግልን ፖለቲካዊ ኣኸያይዳ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ጥራሕ  ዓመት ይቑጸር ኣሎ  ናይ ተቓውሞ ፖለቲካ ኣካይድና፧ ብዙሕ ክምህረና እዩ ዝኽእል ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ እቲ ዘለናዮ ሁመት ዘቕረበልና መርመራ ግን ክሳዕ ሕጂ ጌይና መሕለፊ ነጥቢ ክንረክብ  ኣይከኣልናን ። እሞ ደኣ ክሳዕ መዓስ ኢናኸ ክንምሃር  ክነብር? ኣነ ክመስሊኒ እቲ እንጥቀመሉ ዘለና መዐቀኒና እዩ ጉጉይ ዘሎ፣ ማለት ኣብ ክንዲ ብረብሓ ህዝብናን ሃገርናን እንዕቅን፣ ንረብሓና ድማ ኣብ ውሽጢ ረብሓ ህዝብና ጌይርና እንርኢ፣ ብኣንጻሩ ንውልቃዊ ኮነ ጉጅላዊ ረብሓታትና እናቐደምና ንጉዓዝ ስለ ዘለና እዩ፣ እቲ መሰረታዊ ሽግር ክይኑ ዘሎ። በዚ ኣገባብ ድማ ንረብሕ ህዝብናስ ይትረፍ፣ ንረብሓና ከም ውልቀ ኮነ ከም ጉጅለ እውን ፍጹም ከነረጋግጽ ከም ዘይንኽእል እቲ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት እዋን ብቑዕ መረጋገጺ እዩ። እቲ ኣብዚ ዘሕዝን ድማ፣ ፈቲና ጸሊእና፣ ኩሉ ተግባራትና ንረብሓ ህግደፍ ዘናዉሕ ጥራሕ  ምግልጋልና ዘስደምም፣ተቓዉሞን፣ ደገፍትን፣ ኣብ ዘይንረብሐሉ ሸንኮለል።

ዘልኣለም ዝኽሪ ንስዋእትና ኤርትራ

 የማነ ዘምላይ 03.12.2014

 


 [Z1]

 

ርእሰ-ዓንቀጽ

ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ምጥቃስ፡ ምናልባት ከም መእተዊ ክትጥቀመሉ ናይ ግድን እንተዘይኮይኑ፡ ሎሚ ንኹሉ ኣብ ርሑቕን ቀርባን ንዘሎ ፈታውን ጸላእን ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ ስለ ዝኾነ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። በብግዜኡ፡ በቲ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ድኽነትን ምብኳር ፍትሕን፡ በቲ ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ተነጽሎ፡ በቲ መንእሰያትና ሃገር ገዲፎም እግሮም ነናብ ዝመርሖም ዘካይድዎ ዘለዉ ዝዛሪ ዘይመስል ዋሕዚ ናብ ስደት… ወዘተ መምስተሰከፍና ኣውያትናን ምሕጽንታናን ከነስምዕ ጸኒሕና ኢና።  ስለ ዝፈራሕና’ኳ ደፊርና እንተዘይበልናዮ፡ ብዙሓት መጽናዕትና መሪሑና ዝብሉ ወገናት፡ ንኤርትራ “ዝወደቐት፡ መንግስቲ ዘይብላ ዝበረሰት ሃገር” ዝብል ቅጽላት ክህብዋ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ሎሚ ድማ ”ኤርትራስ ሞይታ እያ” ዝብሉ ገለጻታት ይቀላቐሉ ኣለዉ። እነሆ እምበኣር ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን ኣብዚ ተበጺሑ። እንተኾነ ሕጂ እውን ተስፋ ቆሪጽና “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ኢልና ትንሳኤ ኤርትራ ኣረጋጊጽካ ለውጢ ናይ ምምጻእ ኒሕና ኣይክዓርብን እዩ።

ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ኩነታት ንክትወድቕ ጠንቂ ዝኾኑ ምኽንያታት ብዙሓት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ቅድሚት ዝስራዕ ተሓታቲ ግና ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ እዩ ንሃገርናን ንህዝባን ብኸምዚ ንሕስያ ዘየብሉ ኣገባብ ዝድህኮም ዘሎ? ዝብል ሕቶ መሰረታዊ ኮይኑ፡ ውዱእ መልሱ ንምርካብ ግና ኣጸጋሚ እዩ። ኣጸጋሚ ዝኸውን መልሲ ስለ ዘየብሉ ዘይኮነስ ንሕና እቶም ንህግደፍ ምስ ሓተትና እሞ ካብኡ ውዱእ መልሲ ስለ ዘይንረክብ፡ ነናትና ናይ እማመ መልሲ እነቕርብ ኣካላት፡ በቲ እማመ ክንሰማማዕ ከቢድ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብቲ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዝፈላልየና ቀንዲ ምኽንያት እቲ ጉጅለ ናይ ብምሉኣ ኤርትራን ህዝባን ጸላኢ ምዃኑ ንጹር ክነሱ፡ ገሌና ነቲ ጉጅለ ከም ናይ ሓደ ትሕቲ ሃገራውነት ዝመሰረቱ ኤርትራዊ ጉጅለ ወኪልን ተሓላቓይ ጌርና ከነቕርቦ ስለ እንፍትን እዩ። ንሓንሳብ ናይ ክርስትያን፡ ንሓንሳብ ናይ ትግርኛ፡ ንሓንሳብ ድማ ናይ ሓደ ኣውራጃ ተሓላቒ ብምምሳል። ብርኢቶና እዚ ነዚ ጉጅለ ምስ ኩሉ ሓጥያቱ  ንሓደ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ድማ ንሓደ ከባቢ ካብ ኤርትራ ምጽግዑ፡ ምስቲ ተወጢሕዎ ዘሎ ናይ ከፋፊልካ ምግዛእ ተንኮሉ ተደሪቡ ጠቓሚኡ እምበር ጐዳኢኡ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ሰልፍና ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉባአኡ ዝወሰኖ ፖለቲካዊ ውሳነ፡ “ሰደህኤ፡  ህሉው ስርዓት ህግደፍ፡ ድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ፡ ህዝቢ ናይ ምክፍፋል ሜላ ንተዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ክፋልካ ብህዝቢ ኤርትራ ዝቐርብ ንዝርሕቕን፡ ወይ ከኣ፡ ብፍሉይ ዝውክሎ ከምዘይኮነ ምነቱ ይገልጽ፣” ብዝብል ኣስፊሩ ዘሎ።

ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከለና ብዛዕባ ብዙሕነት ምዝራብና ናይ ግድን እዩ። እዚ ኩለመዳያዊ  ብዙሕነትና ብግቡእ ክመሓደር እንከሎ መልክዕናን መሰረት ሓያልነትናን ምዃኑ ሓቂ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓቅነቱ ኣብቲ እንሕበነሉ ታሪኽ ቃልስና ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ እዩ። ብዙሕነትና ብዝተጸንዐን ሓላፍነታውን ኣገባብ እንተዘይተመሓዲሩን  እንተዘይተቓንዩን ከዓ ብኣንጻሩ ክፋእናን በታኒናን ምዃኑ እቲ ሎሚ ኣብ ሕልና ኩላትና ዘንጸላሉ ዘሎ ስኽፍታ ምስክር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንሃገርና ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መራግእቲ ዘየብሉ ሕማቕ ነገር ከም እትወድቕ ዝገበረ፡ ነቲ ኣይፋልካን ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን ክብሎ ዝግበኦ ዝነበረ ህዝቢ፡ ዘዝጥዕሞ መፈላለዪ ዘንጊ ማለት፡ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ዕድመ፡ ተሳልፎ ኣብቲ ዝሓለፈ ቃልሲ፡ ጾታ፡ ከባቢ …  ወዘተ እንዳመዘዘ፡ ነቲ ብሓባር ኣንጻሩ ወቒዑ ከድምዕ ዝግበኦ ቅልጽምን ተዛሪቡ ከስምዕ ዝግበኦ ልሳንን ኣብ ነንሕድሕዱ ከተፋንኖ ተንኮላት ክኣልም ስለ ዝጸንሐ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ንደገ ብዝስማዕ ድምጺ’ኳ “ምትፍናን ንረብሓይ ኣይኮነን” እንተዘይበለ ብውሽጡስ መጻወድያ ህግድፍ ንጥፍኣቱ እምበር ንልምዓቱ ከምዘይኮነ ኣይሰሓቶን። ካብቶም ህግደፍ ናይ ምፍልላይ መርዚ እንዳነስነሰ መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ክገብሮም ዝፍትን ኣካላት ህዝቢ፡ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ሕርጓቶ ህግደፍ ዘራኸቦም ውልቃውያን ኩሎም ተረባሕቲ ኣይኮኑን።

እሞ ትንፋስን ቀጻልነትን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝተገልጸ ዘይእሙን ባይታ ዝተሰረተ ካብ ኮነ፡ ንሕና እቶም ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ትንሳኤን ሃገርን እንቃለስ ዘለና ኣካላትከ ኣብ ዓወት ንክንበጽሕ ኣየናይ መንገዲ ኢና ክንመርጽ ዝግበኣና?። ብዓይኒ ቅንዕና እንተርኢናዮ እዚ ሕቶ እዚ ምሉስ እዩ። ንሕና ንጉጅለ ህግደፍ በቲ ንሱ ዝጽበየና ሜላ ቃልሲ ኣይኮናን ክንገጥሞ ዝግበኣና። ብኣንጻሩ በቲ ስሙ ክለዓል እንከሎ ጥራይ ዘንጸራርዎ ሓድነት ዝመሰረቱ ኣገባብ ኢና ከነጥቀዖ ዝግበኣና። ህግደፍ ረብሓኡን ቀጻልነቱን ኣብ ምርሕሓቕን ምትፍናንን ናይቲ ተሰሚሩ ከጥፍኦ ዝኽእል ህዝቢ እንተኾይኑ፡ ንሕና ድማ ነቲ ህግደፍ ዝሰግኦ ሓድነት ናይ ኩሎም እቶም ኣብ ውድቀቱ ዝረብሑ ኣካላት ከነውሕስ ኢና ክንሰርሕ ዝግበኣና። ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዘይቅዱስ መፈላለይ ቀጥዕታት ጥራይ ኣይኮነን ዝድረት። እንተላይ ናይ ውድባት ድዩ ናይ ማሕበራት ምፍንጫላት እውን ንረብሕኡ እዩ። ንረብሕኡ ካብ ኮነ ከዓ ዓቕሙ እንተዘይደሪትዎ፡ ደድሕሪ ዝኾነ ፍልልያት እንዳኸደ ከምዘይዕረ ካብ ምግባር ድሕር ከም ዘይብል ኣይንዘንግዕ።

ንሕና ነቲ ኣካቢ ኣገባብ ክንመርጽ ናይ ግድን እዩ። ክንመርጽ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ዝመረጽናዮ ከነተግብር ድማ ዋጋ ክንከፍል ይግበኣና። ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ንተቐራሪብካ ምስራሕ ዘራጉድ እንተዘይኮይኑ ዝትክእ ምርጫ የብልናን። እዚ ክንብል እንከለና ምኽኑይ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ኣይሃልወና፡ በዚ ናይ ርኢቶ ምፍልላይና ተደሪኽና ብዙሓት ውድባት ወይ ማሕበራት ኣይሃልዋና ማለትና’ውን ኣይኮነን። ህላወ ኣብዘሓ ውደባ እሞ ከም ሓደ ደሞክራሲያዊ መሰል ተቐቢልና እንሰርሓሉ ዘለና እዩ። እዚ መሰል እዚ ግና ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘይገናዝብን ብሕጊ ውደባ ዘይግዛእን ፍኑው መሰል ኣይኮነን። ምኽኑይነት ኣብ ኩሉ ስጉምትታትና ቦታ ክረክብ ዝግበኦ ቀላሲና እዩ። እቲ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና፡ እዚ ብዙሕነትና ነቲ ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ክንገብሮ ዝግበና እሞ ክሳብ ሕጂ ብመንጽር ባህጊ ህዝብና ዘየዕወትናዮ መኸተ ብዘዳኽም ወይ ብዘዕንቅፍ መንገዲ ክተሓዝ ከም ዘይግበኦ’ዩ ። ምፍልላይና ዓቕሚ ጥራይ ኣይኮነን ዘስእነና። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እውን ተኣማንነት የስእነና። “ንርእሶም ዘይኮኑስ ህዝቢ ክእክቡ” ንበሃል። እዚ ኣበሃህላ እዚ ስንብራቱ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ጸገም ህዝብና ክንገልጽን ደገፍ ክንሓትትን እንከለና እውን ክብደትን ተሰማዕነት የስእነና። ናይ’ዚ ሓቅነት ንምርግጋጽ ኣብ ርእሲ እቲ ብሓባር ብሰንኪ ዘይምምራሽና ዘጋጥመና ዘሎ ዕንቅፋታትን ዝሕተላን ካብ ናትና ክውንነት ወጻኢ እውን ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል ናይ ከባቢ ተመኩሮታት ኣለና። ዝምኮረሉ ዘይረኸበ ተሞኩሮ ግና መኻን ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ኣብ ምንጽጻግን ተመዓዳዲኻ ምርእኣይን ኩነታት ምህላውና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ነዚ ዘተሓሳስብ ገፍጣዕ ኣተሃላልዋ ግቡእ ፖለቲካዊ መልክዕ ኣትሒዝና ክንጐዓዝ ብዘይምኽኣልና ሰንከልከል ኣብ ንብለሉ ዘሎና ኩነታት፡ ከምቲ “ንበዓል ነጐዳ ሓዊ ደብሶ” ዝበሃል ካልእ መሊሱ ናይ ሓባር ሓይልኻ ዝርምስ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ድማ ህግደፍ “መጺኻለይዶ ክጽበየካ”  እንዳደረፈ ሓንጐፋይ ዝብሎ ሓድሽ ቅዲ ምፍልላይ ክቀላቐል እንከሎ፡ እምበርዶኸ ሃለዋት ህዝብና ይስቆረና ኣሎ እዩ የብለካ። ንኣብነት ሓድሽ ቅዲ “ብደረጃ ኣውራጃ ንወደብ።” ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ ስለ ዝኾነ ኢና ኸዓ  “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ንብል ዘለና። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ውሳነ ሰደህኤ ንኣውራጃዊ ምምሕዳር ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ኣተኣታትይዎ ዘሎ ዞባዊ ምምሕዳራት ብምውድዳርጠለብ ህዝቢ ኣብ ግምት ተወን፡ ምምሕዳራዊ ስሉጥነትን ተመጣጣኒ ቁጠባውን ባህላውን ባለ ዘውሕስን መጽናተገይሩ፡ ብዝምልከቶ ሓጋጊ ኣካል ምስ ጸደቐ ሓድሽ ስርዓተ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኪግበር፤ ወይ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኣድላይነት ከም ዘይብሉ ድሌት ህዝቢ ምስ ዝኸውን፡ ቅድሚ 1995 ዝነበረስርዓተ- ኣውራጃታት ዳግም ክስርሓሉ፡ ምነትን ድሌትን ሰዲህኤ ምዃኑ ጉባኤ ኣስሚሩሉ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ምርባሕ ውድባት ከም ሓደ ሕዱር ሕማም ዝረኣ? ዝብል ሕቶ ካብቲ ብጻዕቂ ናብ ደንበ ተቓውሞ ዝለዓል ሕቶታት እዩ። ነቲ ዘሎ ብዝሒ ውዳበታት ዘይምኽኑይ ፍልልያቱ ገሊፍካ ናብ ቅርጥው ዓቐን ንምምጻእ ቃልሲ ኣብ ዝካየዱ፡ ሓድሽ ማሕበር ወይ ውድብ ተመስሪቱ ክውረይ እንከሎ’ውን ከምኡ እዚ ሕቶ ይለዓል። ገለ ወገናት ነዚ ሕቶ’ዚ ዝህብዎ መልሲ “እቲ ዝቐደመ ውዳበ ስለ ዘየድመዐ እዩ ሓድሽ ውዳበ ዘድልይ” ይብሉ። እቲ ዘይምድማዕከ ካብቲ ግኡዝ ውዳበ ድዩ ወይስ ካብ ዘይምብቃዕ ናይቶም ኣብቲ ውዳበ ዘለዉ ተዋሳእቲ? ዝብል ሕቶ ክስዕብ እንከሎ  ከዓ መልሲ ንምርካብ ውጥይጥይ ይኸውን። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና እምበኣር፡ ውድብ ናይ ብዙሓት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት መዋስኢ ሜዳ ምዃኑ እዩ። ውድብ ጥራይ ዘይኮነ ግንባራትን ልፍንትታትን’ውን ከምኡ ናይ ብዙሓት ውዳበታትን ኣተሓሳስባኦምን ናይ ሓባር መዋስኢ እዩ። ኣብዚ ሜዳዚ ካብቲ ዝምዝገብ ዓወታትን ዘጋጥም ፍሽለታትን ምስቶም መዋስእትኻ እትካፈለሉ እምበር በይንኻ ተዓዋታይ ከም ዘይትኸውን ኣሚንካ ኢኻ ናብቲ ሜዳ ትወርድ። ነቲ ሜዳ ቃልሲ ናይ ግድን ናይ በይነይ ክገብሮ እየ ኢልካ ምስ እትብገስ’ሞ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበኻዮ ኣብ ዘይኮነሉ ከዓ ፍልልያት ይፍጠር። ምናልባት’ውን እዚ ፍልልይ ናብ ምፍንጫል የምርሕ። ኣብዚ እቲ ጸገም ናይቲ ኣቐዲምካ ዝመረጽካዮ ሜዳ ቃልሲ ዘይኮነስ ናይቶም ተዋሳእቲ ዘይጸዋር ኣቀላልሳ እዩ። ውጽኢት ከም ዝደለኻዮ ኣብ ዘይኮነሉ እቲ መፍትሒ ኣብ መስርሕ ንጉዳያት ናብ ረብሓኻ ከተምጸኦ ስንኻ ነኺስካ፡ ካብ ተመኩሮኻ እንዳተመሃርካ፡ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ እንዳኸፈልካ ምቕጻል እምበር፡ ሓድሽ ሜዳ ቃልሲ ምቕያር ኣይኮነን። እቲ ዝሃደምካሉ ምዕባለ ኣብቲ ዝተዓቖብካሉ ወይ ከም ሓድሽ ዝፈጠርካዮ መድረኽ’ውን ክጸንሓካ ስለ ዝኽእል እሞ ኣብ ህድማ ክትነብር ስለ ዘጸግም።

29 ሕዳር 201

 

 

ንመገዲ ዓወት ዝዕንቅጽን፡ ሓሊኹ ዝሕዞን መሰረታዊ ይኹን ዘይመሰረታዊ ግርጭት መሚኻ መዕለቢ ዘይምግባር ካብቲ ሽግራት ሓደ እዩ። ብተወሳኺ ሓደ ሕብረተሰብ በቲ ሕጊ ድሑር ማሕበረ ባህላዊ ዝምድናታት ተገዚኡ  ንዝጎዓዘሉ ኣተሓሳስባታት ንምእላይ ዘይምብቃዕና እውን ጸገም እዩ። ምኽንያቱ እዚ ድሑር ምትእስሳራት ዘምጽኦ ሳዕቤን  ናብቲ ቀንዲ ተልእኾ ዘብጽሕ ፖለቲካዊ ይኹን ቅኑዕ ማሕበራዊ ዝምድናታት ዝብሕጉግ ኮይኑ፡ ነቲ ንዓወትና  ዓንቃጺ ዝኾነ ጉዳይ  ንኸየነድህብ ዝጋርደና እዩ።

ዝኾነ ይኹን፡ ብድሑር  ምትእስሳራት ዝጥርነፍ ዘበለ ሕብረተሰብ፣ ነቲ ቅኑዕን ኣገዳስን ጉዳያት ግጉይ ሚዛናትን ገምጋምን ይህብ እሞ፡ ደቂ ሰባት ሓቢሮም ንዘለዎም ጸገማት ብዕምቈት ብዘይሻራነት ንኽይመራመሩ ይዓግቶም። እዚ  ከኣ ብወገኑ ነቲ ሕብረተሰብ ፖለቲካዊ ብስለት ከም ዝስእን ይገብሮ፣ ነቲ ክውንነት ብቄናን መገዲ ክፍታሕ ናብ ዝብል የምርሕ። ካብ ፖለቲካዊ ዘይብስለት ዝነቐለ ድማ፡ ንጸቢብ ረብሓታት ክብል ፈሊጥካ ምድንቋር እውን ሰለዘስዕብ፣ ነቲ ሓቅታትን ጭብጥታትን ናይ ምድፋንን ሰብ ክርድኦ ከምዘይክእል ንምግባር እውን ሓጋዚ ተራ ኣለዎ። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ናይ ቀቢላዊ ወይ ናይ ዓሌት ዝተመርኮሰ ኣተሓሳስባ ይነግስ እሞ፣ ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ ስምዒት ይሃስዮን ይቖጽዮን ንድሕሪት ይጎቶን። ውጽኢቱ ከኣ ናብ ዕዉር እምነት ማለት ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት፡ ይኹን ቀቢላዊ ወይ ብሄራዊ ወይ ኣውራጃዊ ምጥርናፋት ገጹ ከም ዝጽጋዕ ይገብሮ። ነቲ ሓቢርካ ክተዐዉቶ ዝግባእ ሃገራዊ ረብሓ ድማ ይዕንቅጽ።

እዚ ከምዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ናብ ናይ ዓሌት ወይ ሃይማኖታዊ ጥርፉነት ወይ እውን ብሄራዊ ወይ ኣውራጃዊ ጽጊዒነት ገጹ ምስ ዘምርሕ ነታ ሃገር ክትሃንጽ ይኹን በደላት ዝፍትሑሉን ግፍዕታት ዝውገዱሉን ኣይሕግዝን እዩ። ብተወሳኺ  እቲ መራኸቢ ብዙሃን ማለት ማሕበራዊ መድያ ከም ፓልቶክ፡ ፈስቡክ …ወዘተ በዚ ኣተሓሳስባታት እዚ ምስ ዝጽሎ  ስነምግባር ዝጎደሎ ኣገባብ ስለዝኽተል መሃሪ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ንፋሕ ብትን ዝዕድም ይኸውን።  እዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ነጥብታት ተደማሚሩ  ደቂ ሰባት ኣየብዚ ኣየብቲ  ላንጋላንጋ ኮይኖም ነቲ ሓቂ ንምጭባጥ ከምዝሳቐዩ ይገብሮም።  በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ጎደና ይብሕጎግን ነቲ ዓወት ድማ ኣብ ክንዲ ዝቀላጠፍ ይደናጉዮ።

መገዲ ዓወት ደኣ ከመይ ዝበለ ጥጡሕን ልሙጽን ጎደና ክኸውን ይከኣል? ዝብል ሕቶ ከቀላቐል ናይ ግድን እዩ።  መጀመርያ ትልሚ መገዲ ዓወት ውዳቤ እዩ። ዋላ እኳ ውዳቤ ግጉይን ቅኑዕን ውደባ እንተሃለወ፡  ውዳቤ ካብ ናይ ሓባር ዕላማን ራእን ዝብግስ ስለዝኾነ ደቂ ሰባት ነቲ ዝኣመኑሉ ንኸዕዉቱ ተኾይኖም ክውደቡ ኣለዎም። ምኽንያቱ  ካብ ውዳቤ ወጻኢ ዝካየድ ቃልሲ እቲ ህዝቢ መምዩ ዘርብሖ ኣየናይ እዩ ግጉይ ኣየናይከ እዩ ቅኑኦ ክፈሊ ስለዘይክእል ብዙሕ ሓደጋታትን ጉድኣታትን  ከስዕብ ይኽእል። እቲ ወጻኢ ካብ ውደባ ዝንቀሳቐስ ማለት ብደገ ኰንካ ንውደባ ምስንኻሉን ወይ  ኣየድልን ብምባል ምቁንጻቡን ነቲ ስነፍልጠት ዝጻረር ኮይኑ ብቐንዱ ድማ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ምድጋፍ መለሳ የብሉን። ከምይሲ፡ ጨቋኒ ስርዓት ኩሉ ግዜ ንውደባ እዩ ዝጻረርን ዝጸልእን።

እዚ ውዳበ እዚ ፖለቲካዊ ይኹን በርጌሳዊ ብመሰረቱ (hierarchy) ጽፍሕታት መስርዕ ሓለፍነት ወይ መዝነት ዝስከምን ዝመርሕን እንተዘይሃልይዎ ብፍንው መገዲ ዝኸይድ  መደብን ዕላማን ዝዕወት የሎን። ከመይሲ ‘’ዘራጊት ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ’’ እዩ ክኸውን ነገሩ። ነቲ ዝተተለመ ትልሚ ኣቕጣጭኡ ሒዙ ንኽጎዓዝ ዘኽእሎ ስትራተጂ ወይ ክሳድ ውጥን ምስ ኣውጻእካሉ፡ ነቲ ውጥን  ዝከታተሎን ዝኣልዮን ወይ ዝመርሖን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ዕላማን መደብን  ክሕንጸጽ ከሎ ናብቲ እትደልዮ ሸቶ የብጽሕ ድዩ ኣይብጽሕን ብእትቕይሶ ኣወዳድባን  ስትራተጂን (ክሳድ) ብእትምዝዞ መሪሕነትን እዩ። ንኣብነት ሰላማውን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ፡ ወይ ከኣ ምልኪ ንምልጋስ እንተኾይኑ እቲ ዕላማ፡ ናብዚ ከብጻሓካ ዝኽእል ኣወዳድባ ኣውራጃዊ፡ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ዝይኮነስ ሃገራዊ ውደባ እዩ ክኽውን ዝግበኦ። እቲ እትኽተሎ  ስትራተጂ ድማ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ዝኸውን ከኣ ናብ ፖለቲካዊ ፋታሕን ፍትሕን ኣየብጽሕን እዩ። ከመይሲ ካብ ሃገራዊ ውደባ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ነታ ሃገር ብቦምብታት ክሳብ ሓሪጭ ትኸውን እንተደብደባ  ናብ ፍትሒን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ወይ ግዝኣተ-ሕጊ  የብጽሓካ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ እምበኣር ናብ ስልጣኔ ገጹ ዘምርሕ ኣገባብ ብምኽታል ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዕላማ ዘውሕስ ጥጡሕን ዘተኣማምንን  ባይታ ብምፍጣር እዩ ንዓወት ዝምርሕ። ካብኡ ብዝተረፈ ስትራተጂና ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም  ወይ እውን ውዳቤና ንሃገር ዝይሓቍፍ መሰለይ እንዲዩ እልካ ፊን ብዝበለካ ምውዳብን ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዘየብጽሕ መገዲ ዕንወት እዩ ክኸውን።

ካብዚ ብምንቃል እምበኣር፡ ነቲ መጠርስታ ክትበጽሖ እትደሊ ዕላማ ብግቡእ ክተጽንዖን ክትመራመረሉን ብኡ መጠን ከኣ ህዝቢ ሓንጎፋይ እሉ ዝቕበሎን ክኸውን ኣለዎ። እዚ እቲ ናይ መጠርስታ ውጽኢት ምስቲ ኣገባብ እትወስዶ ምስ ዘይወሃሃድን ብእወንታውን  ስነፍልጠታውን  ኣተሓሳስባ  ምስ ዘይስነን ግና ዝጭበጥ ዓወት ንዕላማ ሃገራዊ ረብሓ ከውሕስ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ንምግባር እምበኣር፡ ሓደ እቲ  እንደልዮ ዕላማ ንዘሎና ግድላትን ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታትን  ክፍጠሩ ዝኽእሉ ስግኣታትን ዘጓሃህር ድዩ ወይ ዘደቓቕስ ማለት ፍታሕ ዘምጽእ ኢልና ኣቐዲምና ክንሓስበሉ ይግባእ። ከምኡ እውን ነቲ እንደልዮ ዕላማ ንህዝቢ ዘዕግብን ንህዝቢ ዘቕስንን ውጽኢት ክህብ ድዩ ኣይክህብን ክምርመርን ክጽናዕን ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ነዚታት ከየጽናዕና እንወስዶ ኣገባብ ይኹን እንትልሞ ዕላማ፣  ሰላም፡ ቅሳነት ምርግጋእ፡ ሓድነት፡ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ።  ካልእ ምስ እዚ ዝኸይድ ድማ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ምምስራትን ምዕንባብን የድሊ። ብዚ መሰረት እቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ ምፍላላይ፣  ንጉዳያቱ ባዕሉ ፍታሕ ናይ ምርካብ ኣንፈት ክሕዝን፡ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ርጉእ ባይታ ንኽምድምድ ይሕግዞ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ዝርከብ ህዝብና ኩሉ ውጹዕ ብምዃኑ ደጋፍን ተቓዋምን ብምባል ኣብ ክልተ መቒልና ክንዋሳእ ከሎና ብምልኣት እታ ሃገር ንቋመር ኣሎና እዩ ዘስምዕ። ምኽንያቱ እቲ ደጋፊ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ፍርሂ፡ ውልቃዊ ረብሓ፡ ወይ ክቱር መግዛእቲ ዘስረጾ ተማእዛዝነት ንምልኪ ኣንተዘይከይኑ፡ ከም ሰቡ ካብቶም ግፉዓት ክፍሊ ናይ ሕብረተሰብና እዩ። ስለ'ዚ ድማ ከም ናብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ንኽጽንበር፡  ተኸታታሊ ጻዕርታት ምክያድ እምበር፡ ከም ዝርሕቕ ምግባሩ ኣየድልን። ደገፍቲ ምልኪ፡ ግዜ ዘታለሎም፡ ኣካል ጭቑን ክፍሊ ሕብረተሰባን እዮም። በዚ መሰረት እዚ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ጥራሕ  ብምምቃል ዝካየድ ወፈራ ንልቦና ደምበ ተቓውሞ የህስሶ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ክድሕን ኣንደልዮ ዘሎና ሃገርን ህዝብን እውን፡ የሰናኽሎ ወይ ኣንተወሓደ ንምዕዋትና የደናጒዮ እዩ ዝእምት። ካልኣይ ነጥቢ ድማ ነቲ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ጉዳይ ሃገር፡ ኣበየና መስርዕ ኣሎ ብዘየግድስ፡ ንኹሉ ሃገራዊ ዝምልከት ምዃኑ ክዝንግዕ የኽእል እዩ። ዘይነዓቕ ኣካል ናይ ህዝብና ድማ ኣብ ክንዲ ተግባራዊ ምውሳእን ምሕጋዝን፡ እዘን ውድባት ጸጸኒሔን ብምጭጭሐንን፡ ሓደ ብዘይምዃነንን፣ እዚ ኣይገበራን ሓንቲ ኣይሰርሓን ኢሉ ኣብ ምምራርን ምጥራዕን ከምዝሕጸር ክገብሮ ይኽእል እዩ። ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ፋሕፋሕ ኢሉ ዘሎ ደምበ ፍትሒ ክሰምርን ሓደ ክኸውንን ተጽዕኖ ክገብር ናቱ ሓላፍነት ጌሩ ዝሰርሓሉ፡ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ከም ዝስሕትን ከም ጉዳዩ ገይሩ ንኸይወስዶን ይገብሮ። ስለዚ፡ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓባር ኮይኑ ነዛ ሃገርን ንኹልና ብሓባር ክጠምርናን ከቀራርበናን ዝኽእል ጎደና ክጸርግ የድሊ። እቲ ኣብ መገዲ ዓወት ዘብጻሕና ከኣ ሓባራውን ሃገራውን ረብሓ እምበር ብናይ ዓብላልን ተዓብላልን፣ ወይ እውን ብደጋፍን ተቓዋምን ዝምስረት  ዕላማ  ናብቲ እንደልዮ ምህናጽ ዲሞክራሲያዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ኣየኺደናን እዩ።

ካልእ  ንህዝብን መንእሰያትን ዘደናግሩ ክነስተውዕለሎም ይግባእ። እዚ ማለት ኩልና ደለይቲ ፍትሒ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ንገበነኛን ንተጠቃዕን ብማዕረ ዝርኢ ሕጊ ንምሕንጻጽን ብኡኡ ምምእዛዝን  እምበር ሕነ-ንምፍዳይ ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ እቲ ቀዳማይ ዕላማና ግደፍዶ እቲ ንስልጣን ራሕርሑ ክጽምበረኩም ዝበለ  ሓላፊ ይኩን ተራ፣  ነቲ ምስቲ ስርዓት ዝደጋገፍ ኣካል ካብቲ ስርዓት ናይ ምምምዝሓቑ እዩ ቃልስና። በዚ ምኽያት እቲ ኣብ ድምበ ፍትሒ ክጽምበር ዝሃቀነ ኣካል ነቲ ሕሉፍ ታሪኹ ዝምርምር እቲ ህዝቢ ዝመረጾ ቅዋም ምስ ተሓንጸጸ እምበር ሎሚ ንህዝቢ ይቕረታ ስለዝበለ ካብ ደሙ ነጺሁ ማለት ስለዘይኮነ መርሓባ ኢልና ክነሳትፎ እዩ ዝግባእ።  ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ  ፍረ ኣድሪ ዝደቐቐት እውን ትኹን ትፈላልይና ነጥቢ ክነቐልቅል ኣይግባእን። ምኽንያቱ ጸላኢ ብኡ ኣቢሉ እዩ ኣብ ጉዳይና ፎግፊጉ ክኣቱን ክፈላልየናን ዝጽዕር። እሞ ብፍላይኳ ምሁራትና ነቲ ስርዓት ራሕሪሖሞ ንዝመጹ ኣብ ክንዲ ይቕረ ኣይበሉን ዝብል ኣበር ዘለዎ ኣስተምህሮ ዝህቡና ገዲፍና፣ ንገዛእ ርእሱ እቲ ምሁር እንታይ እጃም የብርክት ኣሎ እልና  ክንጸባጸብ ይግባእ። እዚ ይቕረ ኣይበሉን ኢልካ ናይ ምኽሳስ ብቐጥታ ነቲ ስርዓት ኣይትራሕርሕዎ እንታይ ደኣ ህዝቢ ንኽጭቆንን ክግፋዕን ኣገልግልዎ ዝብል ኣስተምህሮ እዩ ዘስምዕ።

ብተወሳኺ ኩልና ከም እንርድኦ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ እቲ ጉድለታት ኣብ ኩልና ከምዘሎና ንኣምን እና። እቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ግን ነቲ ጎደሎታትን ጌጋታትን ኣሎና ምባል እምበር መንን ስለምንታይከ እዩ እቲ ናብ ከምዚ ዘብጸሐ ክንመራመርሉ ኣይንደልን። እዚ ከኣ ከም ጋሻ ውሒጅ ንኹሉ ብኣልማማ ኣሕቢርካ ምጽራጉ፣ ነታ ሓቂ ምድፋን ስለዝኾነ ጌጋታት ኣሎ ካብ ተባህለ ዛንጣ -መዓንጥኡ ክነውጽኡ ናይ ኩልና ግደ እዩ። እዚ ምስ ንገብር ድማ እዩ እቲ መገዲ ዓወት ጥጡሕ ባይታ ረኺቡ እቲ ኣሎ ዝበሃል ኵርኳሕ ዝጽረግን ብዘይዕንቅፋት ዝቀላጠፍን።

ሎሚ እምበኣር፡ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ፣ ኣብቲ ስርዓት ኢስያስ ዝነበሮ እምንቶ እናጎደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስርዓት ኢሳያስ እውን እንተኾነ፡ እቲ ዝነበሮ ክብሪ ኣዝዩ እናጎደለን እናሓሰረን ይኸይድ ስለዘሎ እቶም  ጽባሕ ገዲፎሞ ዝኸዱ ዉሑዳት መጋበርያታቱ፡  ጥራሕ እዩ ሒዙ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ህሞት እዚ፡  ኣብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ ሕጊ ረብሓ ዘለዎም እቶም ውጹዓትን እንተላይ እቶም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ ኩሎም ማሕበራዊ ሓይልታት ዘጠቓልል ዕላማን መደብን ምሕንጻጽ ንመገዲ ዓወት ጥጡሕን ልሙጽን ይገብሮ።

ብድራር መንታይ

25.11.2014 

ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 23 ሕዳር 2014 ምዱብ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ።  ኣብቲ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ መንእሰያት ተሳቲፎም ነይሮም። እቲ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ብዘቕረቦ ናይ ሰናይ ትምኒትን ምስጋናን መግለጽን ዛዕባታት ኣኼባን ብምሕባር'ዩ ተጀሚሩ።

ኣስዒቡ፡ ሓው ክብሮም ዓንዶም ኣባል ምምሕዳር ጨንፈር፡ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ሕሰምን ጭቆናን መግለጺ ዘይብሉ ዋሕዚ ስደትን ብራህዋን ቅሳነትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ክትካእ፣ ኤርትራውያን መሪሕ ግደ ናይ ቃልሲ ክንሕዝ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ግን ንበይንና ተነጺልና እነካይዶ ጻዕሪ ዘይኮነስ፡ ነፍሲ-ወከፍና ኣብ እንነብረሉ ቦታታት ጀርመናውያን መሓዙት ናይ ቃልሲ ንምጥራይን ጉዳይና ንምርዳእን ከቢድ ጻዕሪ ከነካይድ ይግባእ። እዚ ክንገብር ከለና ልኡኻት ህግዲፍ ብዙሕ ማሕለኻታት ክገብሩ ኣይፍትኑን ኢዮም ማለት ግን ኣይኰነን። ንሕና ድማ ብጽንዓትን ብትብዓትን ክንገጥሞም ኣለና። ሎሚ ኣብ ዓዲ ፍትሕን ዲሞክራስን ስለዘለና ድማ ክንፈርሕ የብልንን። ኣብ ሃገርና ከለን ዝፈራህናዮ ይኣኽለና። ፍርሂ ዕንቅፋት ናይ ቃልሲ ስለዝኾነት ሎሚ ዘፍራሃና ነገር የለን። ንቃለስ ክንብል እንከለና ሎሚ ብረትን ካራን ሒዝኩም በረኻ ውጹ ዝበለና የለን። ኣብ ገዛናን ኣብ ከባቢና እዩ እቲ ዝካየድ ወፍሪ። ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ሕዳር 2014 ናይ ጀርመናውያንን ኤርትራውያንን ኣኼባ ኣብዝተገብረሉ ግዜ፡ ሓደ ክልተ ልኡኻት ህግዲፍ መጺኦም ክጽይቑ ፈቲኖም ነይሮም እዮም። ግን ክዕወቱ ስለዘይካኣሉ ነቲ ኣኼባ ገዲፈሞ ከይዶም። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ጀርመናውያንውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገምን መንቀሊኡን ዲክታቶርነት ኣብርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ስርዓት ካብ ሂትለር ዝሓለፈ፡ ምስቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ወታሃደራዊ ምልኪ ዝማሳሰል እዩ ክብሉ ምግላጾም ሓቢሩ።

ካብዚ ብምቕጻል ወይዘሮ ፈቨን ግዲዎን ሓላፊት ስርርዕ ጨንፈር፡ ናይቲ ኣብ ከተማ ጎፒንገን ሃገረ ጀርመን ብዕለት 22.11.2014 ዝተኻየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምንባሩ ክትሕብር እንከላ፡  ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ክብቶም ህዝቢ ንምልዕዓልን ኣንጻር መደባት ህግዲፍ ከነዘውትሮም ዝግባኣና ኣገባባት ናይ ቃልሲ እዮም። ኣብዚ መዓንልት'ዚ ግን ዳርጋ ክልተ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ ውዒሉ ክባሃል ይካኣል'ዩ፡ እቲ ሓደ ኣንጻር ዲክታቶርነትን ብስም ሃማዳኤ ዝጽዋዕ ኢደ-በይዛ ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ማሕበርን ክኸውን ከሎ፡ ብኣንጻሩ ድማ ነዚ ዝቃወም በቲ ስርዓት ዝተላእካ "ወሰደ እየ ወሰደ፡ ኢሳያስ ወሰደ" ዝብላ ናይ ኮበሮን ጓይላን ኣዳኸርቲ ምንባረን ተገሊጹ። ብምቕጻል ንሕና ኣብዚ ዘለና ኣባላት ሰልፊ ካልኦት ተቓወምትን ግና፡ ብናይ ሎሚ ጫውቻውታ ከይተደናገርና ህዝብና ንምድሓን ቀጥ ኢልና ክንቃለስ ኣለና። እቶም ሕጂ ምስቲ ስርዓት ዝጐዩ ዘለዉ'ውን እቲ ሽግር ኣብርእሲኦም ወሪዱ ስለዘሎ፣ ጽባሕ ክመጹ እዮም፡ ክትብል ሓበረት።

ድሒሩ፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየዶም ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታት ሓደ ብሓደ ዘርዙሩ ድሕሪ ምቅራብ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣትይዎ ንዘሎ ዲፕሎማስያዊ  ተነጽሎ ዝያዳ ክሕይልን ተጽዕኖታቱ ክዛይድን እንተደኣ ደምበ ተቃውሞ ሰሪሕሉ ዓወት ተቓላሳይ ህዝብና ቀረባ እዩ። እዚ ማለት ግን ቅድሚ ቃልስን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ዝስራዕ ስለዘይኰነ መመላእታ ገርና ክንወስዶ ይግባኣ። ሓይሊ ናይ ለውጢ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ንሕና ከም ተቃውሞ፣ ህዝቢ ካብ ዙርያ ስርዓት ምልኪ ክርሕቕ፡ ውልቃዊ ረብሓታት ኣብ ክሊ ህዝባውን ሃገራውን ጠቕምታት ከምዝረጋገጽ ከነርእዮ፡ ካብ ህዝቢ ዝተነጸለ ስርዓት ድማ ክውዕል ክሓድር ከምዘይክእል ፍሉጥ ምዃኑ ከይተሓለልና ክንገልጽ ኣለና። ብኣንጻሩ ናይ ህዝብና ስምዒታትን ድልየትን እውን ክንሰምዕን ክንማሃረሉን ኣለና። ስለዚ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ሰዲህኤ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ወከልቲ ሰልፍን ኣባላት ፓርላማን ስዊዝ ዝገበሮ ርኽክብን ኣብ ኣወስትራልያ ብኣባል መሪሕነት ዝተመርሐ ህዝባዊ ኣኼባን ካብ ኣገደስቲ ንጥፈታት ምንባሮም ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

 Frankfurt-branch-Novembermeeting4

Frankfurt-branch-Novembermeeting45ሓው የዕብዮ ክንፈ ብሸነኹ፡ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ስሳታትን ሰብዕታትን ተመልስና እንተርኢናዮ ናይ ቃልስን ናይ መኸተን መንእሰይ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማዩ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ኣካሉ ሰንኪሉ ክሉ ሕሰማት ሓሊፉ ሃገር ነጻ ዝገበረ። ድሕሪ ነጻነት ግን ተጠሊሙ።እቲ ጥልመት ንዓኻትኩም ነዞም ናይ ሎሚ መንእሰያትውን ኣርኪብልኩምስ፡ ብሕሰሙ ተገሪፍኩም፡ ናብራን ትምህርትን ኣልቦ ገርኩም፡ ስቓይ ሳሃራን ቀላያትንውን  ኣብ ነብስኹምን ኣብ መሓዝትኩምን መታዓብይትኹምን እዩ ወሪዱ። እዚ ካብ ኮነ፡ ዝያዳ ሕሰምን ስቅያትን ዝራኣየ ሰብ፣ ህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን ንቃልሲ እዩ ክዕጠቕ ዘለዎ። ኣብ ሃገር ድሕነትን ሕርነትን በኢሕኩም ካብ ሃለኹም ንስኻትኩም መንእሰያት ኢኹም ነቲ ቃልሲ ክትትክእዎ ዘለኩም። ንሕና ኣብ ቃልሲ ግዴና ገርናስ፤ ነቲ ቃልሲውን ኣጽኒሕና ኣለና፡ ሕጂ ግን ሓላፍነት መንእሰያት እዩ። ይኣክል ምስ ህግዲፍን ንሱ ኣብዝኣጐዶ ጓይላን መጋርያን ሆ ምባል ክንብል ኣለና ክብል መግለጺኡ ደምደመ።

ኣብ መጠረስታ፡ ናይ መጻኢ መደብ ኣኼባታት ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ተሓቢሩ፡ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ተደምዲሙ።