መሪሕነት ሰደህኤ ኣብ በርሚንግሃም ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2014-12-15 09:03:31 Written by  ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2407 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነቲ ኣብ  ሎንዶን ምስ ህዝቢን ማሕበራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ብጉዳይ ሃገር ዝገብሮ ዘሎ ርኽኽባት ብምቕጻል፡ ትማሊ ቀዳም 13 ታሕሳስ 2014 ውን ኣብ በርሚንግሃም ብርክት ዝበሉ ብጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝግደሱ ኤርትራውያን ዝተረኽብዎ ብዓይነቱ ኣገዳሲ ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።  ኣብዚ ኣኼባዚ፡ ክልተ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊን ካብ ሎንዶን ዝመጹ ኣባላት ጨንፈርን  ተረኺቦም ኔሮም።

Birmingham-meeting1ሓው ሓምድ ድራር፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ንኣኼበኛታት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፡ በቲ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ከይተዓንቀፉ ዕድመ ሰልፊ ኣኽቢሮም ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጽኦም ድማ፡ ልባዊ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ካብዚ ብምቕጻል፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን፡ ኩነታት ተቓዉሞ ደምበን ኣህጉራዊ ኩነታትን ብሰፊሑ ብክልቲኡ ቋንቋታት፡ ትግርኛን ዓረብኛን መግለጺ ኣቕሪቡ።ብተወሳኺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህዝባዊን ዜናውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን፡ ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ሰልፊ እናካየዶ ዝጸንሐ ጻዕሪታት ብዝርዝር ንኣኼብኛታት ገሊጹ።

ተቓዉሞ ደምበ ፡ብክንዲቲ ኩነታት ሃገርና ዝጠልቦ ደረጃ ሓላፍነት ክሰርሕ በቒዑ ከምዘየለን  በዚ ሎሚ ዘለዎ፡ ዝተበታተነ ሃለዋት ከድምዕ ከምዘይክእልን ኣረዲኡ። ኩሎም ሓይሊታት ተቓዉሞ፡ ናይ ቀረባ ዕላምኦም ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምልጋስ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ኣብ ክሊዚ ዕላማዚ ሓቢሮም ክሰርሑ ሓላፍነት ክስምዖም ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

ድሕሪ ብሓው መንግስተኣብ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣኺበኛታት ጠቓሚ ርእይቶታትን፡ ናብ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ናብ ሰልፊ ደሞክራሲ ድማ ብፍላይ ዘነጻጸረ ሃናጺ ነቐፌታታት ኣቕሪቦም።

ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበ ሕቶታት፡ ብኣቦ መንበር ሰልፍን ኣብኡ ብዝነበሩ ኣባላት መሪሕነትን ዝግባእ መልሲ ተዋሂብዎ። ነቲ  ሓደ-ሓደ እዋን ዘይትርጉሙ ዝወሃቦ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ መሪጽዎ ዘሎ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ፡ ስለምንታይ ሰልፊ ከም ቅኑዕ ኣገባብ ቃልሲ ከም ዝኽተሎ ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡ።

ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ሰልፊ ዝገብሮ ምንቅስቓሳት ንዝናን ሽምን ኢሉ ከምዝገብሮ፡ ኣብ ህዝቢ ቦታ ከምዘይብሉ፡ ናብ መንእሰያት ክወርድ ከምዘይከኣለ ርእይቶ ቀሪቡ፡ ነዚ መብርሂ ክወሃብ ከሎ፡

ሰልፊ ኣብ ዲፕሎማስያውን ዜናውን ስራሓት ዘካይዶ ንጥፈታትን፡ ከም መኽሰብ መላእ ተቓዉሞ ደምበ ተቖጺሩ ክኽበርን ክሙጎስን ዘለዎ፡ ካልኦት ድማ  ኣብ ርእሲኡ ክውስኽሉ ከሀብትምዎን ዝግባእ  ድኣምበር ፡ ነዚ ሃገራዊ ስራሕዚ ከም ንዝናን ንምሽማው ስልጣንን ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ጌርካ ምቑጻር ግጉይ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ህዝቢ ኣብ መላእ ተቓዉሞ ደምበ ኣብ ምዕሳል ዘሎ ጸገም ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ውን ህሉው ኢዩ። እንተኾነ ግን ሰድህኤL ቃልሲ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነት ብምንቃል፡ ናብ ህዝቢ ከብጽሖ ብዝኽእል ፖሊሲ ተመሪሑ ይኸይድ ኣሎ። ብእንሕዞ ሃገራዊ መርገጻትን እንኽተሎ ፖሊስን ዝሓሸ ህዝባዊ ቦታ ከምዘሎና ንኣምን ኢና። ነዚ ኩሉ ዝገጥመና ተጻብኦታት፡ ብዘሎና ህዝባዊ ቦታ ጥራይ ኢና በዲህናዮ ንኸይድ ዘሎና ተባሂሉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ መንእሰያት ክሰርሕ ንዘለዎ ድሌት ኮንፈረንሳት ፕሪቶርያን ቦለኛን እኹላት መረዳእታ ኢየን።

ኣኼባ በርሚንግሃም፡ ሓላፍነት ዝመልኦ ኣኼባ፡ ካብ ተሳተፍቲ  ድማ ኣብ ስራሕና ሓጋዝን ጠቓምን ሓሳባት ዝረኸብናሉ ኢዩ ኔሩ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንኹሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ ነመስግኖም። ንተቓለስቲ ኑሪ ዓብደላን ስዒድ ዓብደልሃዲን ንኹሉ ዝገበሩልና እንግዶት ብልቢ ነመስግኖም።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ

14 ታሕሳስ 2014

Last modified on Monday, 15 December 2014 10:20