ሪፖርታጅ ውዕሎታት ቦሎኛ 2014

2014-09-12 18:00:58 Written by  ብፍትዊ ክፍለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 24126 times

መስከረም ከም ኩለን ኣዋርሕ ፍልይ  ዝበለ ተዘክሮታት ኣለዋ።  ኣብ ህይወትን ናብራን ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ዓለም ለኸ ፍሉይ ዝገብራ  ብባሕቲ መስከረም ማለት  1-9-1961 ዝጀመረ ብረታውን ንቕሎ ናይ ሓርነታዊ ቃልስናን ብምዃና እዩ።  ከምእ እውን  ቅድምን ደሓርን ክሳብ እዛ እዋን ኣዚኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዝለዉ ተዘክሮ ዕለት 18ን፣  ብዙሓት ተበግሶታት እውን ዝተኸናወነላ ወርሒ እያ። ሓደ ካብ ተበግሶታት ካብ ዕለት 28-29-ወርሒ 8 2014 ጀሚሩ ክሳብ 1 -09- 2014 ንሰለስተ መዓልቲ ሰሚናር ዘከናወነ  ቦሎኛ ፎርም እዩ።

 

እዚ ሰሚናር ኣዚ ዓሚ ንመጀምርያ ግዜ ዝተጋበአ ንሓደ ዓመት ዝተሰርሓሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከፍለ ዓለም ደቂ ሃገር ብስራሕ ዝተመደብሉ ግብራዊ ውጽኢት ሒዙ ንኽወጻእ ኣእሞሮን ጉልበታዊ ዕዮን ዝተኻየደሉ ( ሽግር ኤርትራውያን ፍታሕ ብኤርትራውያን) ዝብል ጭርሖ ዝሓዘለ፡ ብርግኣትን ጥልቕ ዝበለ ዘተ ብምክያድን ዕላምኡ ዝጨበጠ ምትእኽኻብ እዩ ነይሩ። ክምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን ንምክንዋን ካብ ኣፍሪቃ ኣመሪካ ኤውሮጳን ካልኦትን ሃገራትን ኤርትራውያን ዜጋታት ከምኡ እውን ፈተውቲ ወጻእተኛታት  ደገፎም ዘቕርቡሉ ኣርእስትታቱ ብኽኢላታት ዝተቐረበ ንምዝካር ዝኣክል፡-

ቀዳማይ ክፋል፡-

1-     ምልዕዓል ንህዝቢ ኤርትራ         -                                  ብሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል

2-    ግደ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ  -                                   ሓው ብንያም ደበሳይ

3-    ግደ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት     -                                   ሓው ኣንገሶም ኣረፋይነ

4-    ራኢ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ  ን2020 -                                  ዶክተር ሓርነት ቦኽረጽዮን፡

                                                                        ሓው ሰለሙን ኣሰፋው፡

                                                                         ሓው ዳንኤል ገብረሚካኤል

5-    ምትእስሳር ንኣብ ውሽጥን ግዳም ዘሎ ኤርትራዊ  ምንቅስቓስ           ብኣምባሳዶር ዓንደብራሃን ወልደገርጊስ

ካልኣይ ክፋል፡-

1-     ሰብኣዊ መሰል ንህዝቢ ኤርትራን ግደ መንግስቲ ጣልያንን              ኣቶ ፍራንቸስኮ ማርቶነ(left ecology &   freedom party)

2-    ዓለም ለኻዊ ንዲሞክራሲያዊ ቃልሲ                                 ወይዘሮ ኣሳ ኒልሶን ሶደረስትሮም (Swidish International liberal center)

3-    ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም  መርማሪት  ሽማግለ ኣብ ኤርትራ፡         ብወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም

4-    መደብ ደገፈታ 2014(Advocacy Plan 2014                             ኣቶ ስለማን ሑሴን

5-    ጸረ-ባርነታዊ ገስጓስ -                                                      ኣቶ ሀርሞን

ሳልሳይ ክፋል፡-

 

1-     ንኤርትራዊት  ጓልኣንስተይቲ  ሓላፍነት እትስከመሉ                 -      ዶክተር ኣልማዝ ዘራኣይ

2-    ክእለት መሪሕነት ኣብ ኣጠቃቕማ ዲሞክራሲ                                ኣቶ ሰመረ ከሰተ

3-    ህንጸት መሪሕነት ብመገዲ ውጥንን ንድፍን ምምስሳል                      ኣቶ ሳሙኤር አርነቶ

4-    ግደ መሪሕነት ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ                                              ዶክተር ዓንደ ተኪኤ

5-    ዕላማን  ውጽኢትን -                                                         ኣቶ ወደብ ተድሮስ

6-    ቦሎኛ 2013 ገንዘባዊ ጸብጻብ መደባቱን -                                     ዮናስ ገብረማርያም

 

ራብዓይ ክፋል፡-

1-     ኣዋጅ ፕሪቶርያን  እዋናውን ጉዕዞ -                                                  ኣቶ ተስፋ ኣለም ኣርኣያ

2-    ምምቕቓል ናይ ጉጀለ ዕዮን ኣማእከልትን፡

I-             ህንጸት ዝሰመረ ሃገራዊ ምንቅስቓስ                                  ኣቶ ዮኣሊኖ - ኣማእካሊ

II-            ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን                                                  ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ

III-           ምልዕዓል ህዝቢ ኤርትራ -                                           ዮናስ ሓጎስ 

IV-          ንመሃዝቲ ስነጥበብኛታት ምክፋል                                - ትቢዲ      T.B.D.

V-            ህንጸት ዱልዱል መራኺቢ ብዙሃን                                   ኣቶ ሳሙኤል ገብረህይወት

VI-          ግብረ-መልሲ ንናይ ስደተኛታት  ቅልውላው                        - ኣቶ መብራህቱ ገበረኪዳን

VII-         ምህናጽ ውጽኢታዊ ዓለምለኻዊ  ዝምድና                           - ኣቶ ሱሌማን ሑሴን

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ  ዘሎ ኣርእስትታትን  ዝቕርቡን ዝቕርባን ኣሓትን ኣሕዋትን ወከልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ  በብእዋኑ ኣብ ኣርባዕተ መደባት ዝተኸፍለን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ መደረ ሕቶን መልስን ርይቶን ዝተሓወሶን ናይ ተሳተፍቲ ብኣትኩሮ ምክትታልን ከምዝነበረ ኣብቲ ናይ ዕረፍትን ኣብ ግዜ ምሳሕን ድራርን ይዝረበሉ  ነበረ። እቲ ናይ ኣኼብኛ ቦታ ርሕቕ ኢሉ  ኣውቶቡስ ዘይትሓልፎ ካብ ከተማ ውሱን ብምንባሩ ምሸት ክሳብ ሰዓት 3፡00 ምይይጥን ንጽባሒቱ ክግበር ዘለዎ ምቅርራብ ብሓቂ ስጡምን ንኣካላትካ ኣድካምን ንኣምሮኻ ድማ አዕጋብን ኣሃብታምን  ብምንባሩ፣ ብሕጉስ ተሳታፍነት እሂን ምሂን ብምብህሃል ፍርኡ ዕዙዝ ክገብሮ በቕዑ ክበሃል ይከኣል። ብሕጽር ዝበለ ኣገባብን ኣቅራርብኡን እቲ ዝነበረ ኣርባዕተ መደባት ካብቲ መደርቲ ዘቕረብዎ ንምጥቃስ ቀዳማይ መዓልቲ ዓርቢ 29-08-2014 ድሕሪ ቀትሪ ምምዝጋብን ብድሕርኡ ኣብ ኣዳራሽ ቅድሚ ድራር ብምርኻብ ምልላይን መደባት ንቐዳምን ሰንበትን ምሕባር ዝሓዘለ ወረቐት ብምዕዳል ሰዓትና ክንሕሉ ምሕጽንታ ብምሃብ ናብ ድራር ክንከይድ ከሎና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጠረጴዛ ምስቶም ዘይተፋለጦም ኮፍ ብምባል ጥልቕ ዝበለ ምልላይን ምቅርራብን መኣዲ ዘተ ንክኸፈት ዕድል ተረኽበ።  

ንጽባሒቱ ቀዳም 30-09-2014  ድሕሪ ቁርሲ ሰዓት 08፡30 ኣብ ኣዳራሽ ኣኼባ ብምርኻብ ሓበረታን ዛዕባን ብኣቶ ሰናይ  ንርብዒ ሰዓት ተዋህበ። ካብ 08፡45- 09፡00 ናይቶም ኩሎም ኣብ ላምፐዱዛ ማለት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጠሓሉ ኤርትራውያን ደቂ ሃገር ኣስማቶም በብሓደ ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣቶ ዮናስ ገበረማርያም፡ ወይዘሮ ፈቨን ጊደዎን፡ ኣቶ ኣማኑኤል ግርማይ ኣቶ ኑሪ መሃመድ ብምንባብ ነቲ ኣኼበኛ ተዘክሮ ጥራሕ ዘይኮነ እዝን ከምዚን ዝኣመሰለ በብእዋኑ ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ናይ ምጽናቱ ተበግሶን ውልቀ መላኺ ጠጠው ንምባልን ግዝኣተ ሕጊ ንምህናጽ ዝድርኸና ምዃኑ እቲ ኣብ መወዳእታ ብድድ ብምባል ብወለንታ ወይ ብዘይ ናይ ኣወሃሃዲ ቃል መዘክር ብምግባር ሕድሪ ስዋኣትና ብዘለና ዓቕሚ ኣብዚ እንርከብ ዘሎና ውሽጣዊ ስምዒትና ዝትንክፍ ኮይኑ ክንትግብሮ ከምዘሎና ናይ መብጸዓ ምልክት ይረአ ነይሩ። ካብ ሰዓት 09፡00-09፡30 ዘሎ ግዜ እቶም ነዚ ኣብ ቦሎኛ ክሳተፉን ቃለ ደገፈታ ክህቡ ዝመጹ ማሕበራት ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳት ሲቪላዊ ማሕበራትን ናይ መድያ ተዋሳእትን ወጻእተኛታትን ምምጽኦምን ኣገባብ ኣሰታትፋኦምን ብሓጺሩ መግሊጺ ኣቕረቡ። ሰዓት 09፡30-09፡45 ዘሎ ግዜ ድማ ምልዕዓል ህዝቢ ኤርትራ ብዝብል ዛዕባ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ቀሪቡ። ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ክጅምር ከሎ ‘’ኣቐዲመ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኸባ  ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወኪለ ኣብዚ ክሳተፍ ዘብቅዓኒ ብዓል ዓቢ ዕድል ኣብ ርእሲ ምዃነይ ብስም ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ብሽም ኣባላት ሰልፍን ሰላምታይ የቕርብ። እዚ ድሕሪ ናይ ዓመት ዝኣክል ብዘይሕልል ንያት ነዚ ኣዋን እዚ ዝሓቶ ዘሎ ኣኸባ  ዝዳሎኹም ኣውን ምስጋናይ ይብጻሕኩም። ብሓቂ ኣብዚ ካብ ዝተፈላለየ ከፍለ ዓለም ብምምጻእ  እወንታዊ  ውጽኢት ሒዙ ንኽወጽእ ብምክፋልኩምን፡ ብሓሳባትኩምን እትህብዎ ሓባሪ መርሆ ንኣብ ግዳም ዘሎ ህዝብና ዝደልደለ ባይታ ንኽህልዎን፡ ናብ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ከኣ ናይ ምልዕዓሉ እዋን ዝበጽሐ ምዃኑ ዝእምትን፡ ነዚ ብሓበረታን  ደገፍን ምቅርራብን ተወዲቡ  ምስ ዘከናውኖ ብዝወሓደ ክሳራ ስርዓተ ፍትሕን ሕግን ዲሞክራስን ክሃንጽ ከምዝከኣል ዘተባብዕ ኣኸባ  ኮይኑ ክውጽእ እምነተይን እምነት ሰልፍናን ትጽብት ህዝብናን ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ። ስለዚ ኣብቲ  ኣርእስቲ ብምእታው፡  ህዝቢ ብኸመይ ይለዓል ጠልቕ ዝበለን ሰፊሕን ኣዕጋብን መግለጺ ኣቕረበ። ካብቲ ዝገለጾ  ድማ - except that freedom is not a thing,but the supreme principle of morals and truly human,and not a consequence of other things,but the premise of all the others. ብክሮቸ። (ናጽነት ገለ ነገር ኣይኮነትን ግን ዝለዓለ መትከል ናይ ስነምግባርን፡ ሓቀኛ ስብእነትን መዘዝ ናይ ካልእ ነገራት ዘይኮነት እንታይ ደኣ መበገሲ ናይቶም ኩሎም ነገራት እያ።) እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ምኽንያት ንክትለዓል ብናጽነት ናይ ውልቀሰባት ምጭባጥ ነቒልካ ናይ ካልኦት ነጻነት ከይጨፍለቕካ ሓባራዊ ነጻነትን መሰላትን እትፈጥረሉ ባይታ ኮታ ሃገርን ህዝብን ሓደነቱ ዝሓለወን  ኣብ ዲሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን እትሃንጸሉ ሓቢርካ ትዋሳኣሉ ንምምጻእ ዝጸዓረሉ ስለዝኾነ እዚ ኣኸባ  ኣዚ ኣብነት እዩ። እዚ ከኣ ንቕሓት ደሊብካ ወይ ፈሊጥካ እትደልዮን ክትገብሮ ዘሎካ መደባት ብምስራዕ ይሕግዝ ጥራይ ዘይኮነስ ሰረት ናይ ምዕቡል ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ እውን እዩ ብምባል መደርኡ ህድኣትን ተገዳስነትን ዝመልኦ ኣድህቦ ኣኼበኛ ይረአ ነበረ።

ካብ ሰዓት 09፡45-10፡00 ግደ  ሃገራዊ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ (Eritrean defence Force) ብኣቶ ብንያም ደበሳይ ውሽጡን ውሻጠኡን ኣገባቡን ኣሰራርሓኡን መቓቒልካ ግዛእ ስርዓተ ኢሰያስ ዕሙቕ ዝበለ መብርሂ ሂቡ። ብሓቂ መሳጥን ዓሚቝ ፍልጠት ናይቲ ስርዓትን ከምዘለዎ ብምግንዛብ ኣኼበኛ ብኣትክሮ ከይሰልቸወ ተኸታቲሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይፈልጦ ዝነበረ ክበርሃሉ  ብምግንዛብ ነቓዓት ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ምክልኻል ኣቲኻ ዘድሊ ዘመተን ምውዳብን ክግበር ከምዝከኣል እውን ነጺሩሉ። ነዚ ሃገራዊ ምክልኻል ወዲብካ ሃገር ምክልኻልን ሓለዋ ህዝቡን ንስርዓተ ሕጊ ንኸገልግል ብቕዓቱ ከኻዕብት ክስረሓሉ ዘለዎ ባይታ ምዃኑ በሪሁ። እዚ መደረ እዚ ኣውን ብቓለ-መሓትት ብምግባር ንዘይበርሃሉ ኮይኑ ዝተሰመዖ መልሲ ብምርካብ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ካብ ሰዓት 10፡30-10፡45 ግደ ሃገራዊ ኣግልግሎት ብኣቶ ኣነገሶም ኣረፋይነ ዝቐረበ  ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወሪድዎ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣገባባቱ ብብሩህ ድሕሪ ምግላጽ እንታይ ማለት እዩ ሃገራዊ ኣገልግሎት”ኣብ ዓለምናኸ ብኸመይ ኣገባብ ይካየድ? እናጠቐሰ እዚ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሪፉ ሃገራዊ ባርነት ተቐይሩ ካብ ባርነት ነጻነትካ ንምርካብ እዚ እንርእዮ ዘሎና ኣብ ዜጋታትና ኣደዳ ሞትን  ሕማምን  ኣብ ባሕሪ ምጥሓልን ወዲ ሰብ ክረኽቦ ዘይግባእ ኣካላትካ መሸጣ ሲናይ ኮታ ብሓጺር ናይ ግፍዒ ምዃኑ ብሩህ ስለዝኾነ ከምቲ ብቅድመይ ዝተዛረቡ ኣሕዋት ህዝብና ኣልዒልካ ብጥርኑፍ መገዲ ምልጋስ ስርዓት ኢሰያስ ዋዓል ሕደር ዘይበሃሎ እዩ። ክብል መደርኡ ደምደመ።

10፡45-11፡30  ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ራኢ 2020 ብሰልስተ ኣባላት ዝቐረበ መደረ ማለት ብዶክተር ሓርነት ቦኽረጽዮን፡ ኣቶ ሰለሙን ኣሰፋው፡ ኣቶ ዳንኤል ገብረወልድ፡ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪን መሬትን፡ ሓድሽን ነቲ ዘሎ እንዱስትርን ምስፍሕፋሕ፡ ብዛዕባ ዕዳጋ፡ ወዘተ፡ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ህዝባዊ ምትሕግጋዝ  ወዘተ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡- ብሓጺር ቅዋምነትን፡ ሓድነትን፡ ልኡላውነትን፡ ሓድነት ህዝብን ምስግጋር ግዜ፡ ቅዋምን ኣገባቡን ፡ ዲሞክራሲ፡ ነዚ ኹሉ ኣርእስትታት ዕሙቕ ዝበለን  ቀዳምነታት ዝሰርዐን ስዒቡ ዝመጽእን ኣብ ነዊሕ እዋን ክህቦ ዝኽእል ውጽኢት ብምቕራብ ንተጋባእቲ መሳጢ መሃሪ ብሓቂ ኣዚ ጠቕሚ ናይዚ ኣኸባ  ፍልጠት ዘቕስም ምዃኑ ሓደ ካብቲ ዛዕባታት እወንታዊ ዘብሎ እዩ።

 ካብ ሰዓት 11፡30-12፡15 ዘሎ ግዜ ኣብ ግዳምን ኣብ ውሽጥን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኸመይ ተእሳሲርና ሓባራዊ ስራሕ ነካይድ ብኣምባሳዶር ዓንደብራሃን ወልደገርጊስ ቀሪቡ። ነዚ ፕሮ-ዲሞክራሲ ምንቅስቓሳት ጠርኒፉ ኣብ ኣኸባ  ቦሎኛ ካብ ዓሚ ኣትሒዙ ሎምዘበን ኣውን ክውን ዘገብሩ ኣሓትን ኣሓዋትን ኣብ ርእሲ ምምስጋን ኣብዚ ምሳኹም ሓቢረ ምስታፈይ ሓበን ይስመዓኒ ብምባል መደረኡ ጀመረ። ካብ ዝተፈላለየ ክፍለዓለም ብምምጻእ ኣብዚ እንርከብ ዘሎና ንሃገርና ካብ ጽንኩር ህይወት ግዝኣተ ውልቀ መላኺ ኣልጊሱ ህዝብና ኣብ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ቅዋማውን ስርዓት ንምብቃዕ ዘድሊ ጻዕሪ ብምክያድ ብቐዳምነት ብዘተ ኣቢልካ ኣብ ምውህሃድ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ዘድሊ ባይታ ፈጢርካ ደቂ ሃገር ኮፍ ኢሎም ተዛትዮም  ብዘሰማምዕም መደብ-ዕዮ ክስርሑ ምስ ዝጅምሩ ጎደና ዓወት ይሕዙ ኣለዉ ክበሃል ይከእል። እዚ ንምብቃዑ ከምዚ ኣብዚ  ተቐሪቡ ዘሎ ኣኸባ  ናብ ጎደና ሓድነትን ሓርነትን ዝሃቀነ ዝተፈላለዩ ኮንፈረንስ ንምክያድ ኣገዳስነቱ ርዱእ ኮይኑ እነሆ ኣብዚ ተጀሚሩ በብወገኑ ንምግባር ይረአን የንቀሳቐስን ጀሚሩ ዘሎ ይመስል። ግን ዝተፈላለየ ኮንፈረንስ ብምግባር ዘይኮነስ እዚ ባይታ ዘተታት ነንሕድሕዱ ብምርኻብ ተወሃሂዱ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ዝበጽሓሉ ሓደ ዓቢ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ ክብል እዚ ዘሎ ገባቲ ኣግላሊ ስርዓት ንህዝብና ካብ ዕለት ነጻነቱ ኣትሒዙ ኣብ ኩናት ወዲ ኩናት ብምጽማድ ህይወቱ ከይሰርዕን መሰላቱ ከይሓትትን ኣብ ትሕቲ ጸጥታዊ ቍጽጽሩ ብምእታው ኣደዳ ፍርሒን ራዕዲን ዘይምትእምማን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ኰንካ ናይ ምግጣሙ ዕድላት ንምድኻም ዜጋታትና ሃገር ጠንጢኖም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብኡ ዝረሓቐ  ኣብ ረጊኦም ክነብሩሉ ዝኽእሉ ሃገር ብምንዳይ እዚ ዘይበሃል  ጸገማት ህይወቱም ዝሓልፈሉ ኣካላቶም ዘሽየጠሉ እንርእዮ ዘሎና ኩነት እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ነቲ ዝገበሮ ውግኣት እውን  ምዕቡል ናይ 21 ክፈል ዘመን ቅዲ ዘይኮነስ ብድሑርን ኣብ ታህዲድ ጥራይ ዘተመርኮሰ ንዜጋታትና ዘህለቐ፣ ልኡላውነትና ዘግሃሰ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘንጠልጠለ ዽሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ ዝብል ስርዓት  ህዝብና  ንጽንተት ዘቃለዐ ምዃኑ ኩላትና ተገንዚብናዮ ክንስና ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላልን ፐሮ-ዲሞክራሲ ኣገባብ ኣሰራራሓ ኣብ ክንዲ ምሓዝ ብፍላይ ገለ እዋን ኣብ ነንሓድሕድካ ምክሳስ ምውንጃል ግዜና ኣሕልፍናን ነሕልፍን ኣሎና። እዚ ከኣ እቲ ስርዓት ብዘይፍልጠት ህይወቱ ከናውሕ ንድግፎ ከምዘሎና ዋላ እኳ እንዛረበሉ እንተኾነ ብግብሪ ግን ከምኡ ኢና ክንገብር እንውዕልን እንሓድርን። ስለዚ ቅድም ካብዚ ባህርያት ንኽንወጽእ ነፍሲ ወከፍ ንርእስና ክንምርምር፤ ከምኡ'ውን፡ ግዝኣተ ሕጊ ክነምጽእ እንተደኣ ኰና  ክሳብ ብሕጊ  እንፋረደሉ   ግዜን ቦታን ንጽጻሕ ብዝሓለፈ ገበናት ክንካሰስስ ኣይግባእን ኢሉ። እንታይደኣ ተራኺብካ ምዝታይን ምምያጥን እንካን ሃባን እናበልና ሓደ ዱልዱልን ንኩልና እንጽልለሉ ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ንምብቃዕ ክንጽዕር ይግባእ እናበለ መሳጢ ዝኮነ መደረ ብምቕራብ መርሆ ሓድነት ዘለዎ ራኢኡ ኣብረሀ። ኣኼበኛ ብጣቕዒት ተቐቢሉ ዝተዋህቦ ምኽርን ሓበረታን ባይታ ሓቢርካ ምቅላስ መርሆ ዓወት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ሰዓት 12፡15፡12፡30 ዘሎ ግዜ ሓፈሻዊ ነጻ ክትዕ ወይ ርእይቶ ኣብቲ ዝተዋህበ መደረታት ብወይዘሮ ፈቨን ግደዎን ተማእኪሉ ተኻየደ። ኣብዚ እውን ብሓጺሩ ተገዳስነት ናይ ተሳተፍትን ግደ ፈቨን እውን ዝተጻወተቶ ዋዛ ምስ ቁምነገር ዘሓወሶ ንኣኼበኛ ብቐጻሊ ክዛረበሉን ክካተዓሉን ናብ ዘምርሕ ጎደና ከም ዘወሰዶ የብርህ።

ካልኣይ ክፋል፡-

ካብ ሰዓት 13፡30- 13፡45 ዘሎ ግዜ ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ዘመልክት ብኣቶ ፍራንሲስኮ ማርቶነ፡ ዝቐረበ መደረ ከኣ ናይ ደገፍ ቃላቱን መልእኽቱን ኣብ ላምፐዱዛ ዝተጓነፈ ንዓለም እውን ዘንቀጥቀጠ  ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ብስነኪ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ውለቀ መላኺ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ሱዳን ኢትዮጵያ ግብጺ ሲናይ ሊብያ ኣብ ካልእ ሃገራትን ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ኣብ ፓርላማ ጣልያን ከምኡ እውን ሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳ እዚ ጉዳይ እዚ ተላዒሉ ክዝረበሉን ክሳብ ስርዓት ኢሳያስ ዝኹነነሉ  ዝጽዕሩ ከምዘለዉን አብ ስራሕ ምህላዎምን  ኣብሪሁ። እቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝሞቱ እቲ ናታቶም ረሳታት ናብ ሃገሮም ተመሊሱ ብግቡእን ባህሊ ሃገርኩምን ብዘማልአ ኣገባብ ክቕበሩ  ዘድሊ ጻዕሪ ክንገብር ኢና ብዝብል መደረኡ ደምደመ።

ካብ 13፡45-14፡00 ዘሎ ግዜ ድማ ዓለም ለኻዊ ንዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ዝድግፍ ውድብ ወኪላ ወይዘሮ ኢሳ ኑልሰን ፈድርሰን ብዛዕባ ዲሞክራስን ኣገባቡን ጥልቕ ዝበለ ስነሓሳባዊ ኣስተምህሮ ዘለዎ መልእኽቲ ኣቕሪባ። ብመንጽር ኩሎም እቶም ዝሓለፉን ዘለዉን ውልቀ መለኽቲ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ መላኺ  ብምውድዳር  እቲ ዝገደደን  ዝኸፍአን  እኩይ ተግባራቱ ጎሊሑ ከምዝወጽእ ገይራ። ኣኼበኛ እውን ዕግበቱን ተረድኦኡን ብጣቕዒት ኣመስኪሩ።

ካብ 14፡15-14፡30 ዘሎ ግዜ መደብ ደገፍ 2014 ብኣቶ ሱለማን ሑሰን ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ተራኺቦም ዘጽንዕዎ መደብ ስለዘሎ ነዚ ቦሎኛ ፎርም ናቱ ገይሩ ክወስዶ ምሕጽንታኡ ድሕሪ ምቕራብ፡ እት መደብ ዝሓዘሎ ትሕዝቶ ኣብሪሁ። እቲ ኣኼበኛ ነዚ ዝተባህለ መደብ ከም መንቀሊ ኮይኑ ክግለገልሉ ብሓሳብ ተቐቢልዎ።

14፡30-14፡45 ዘሎ ግዜ ኣንጻር ባርነታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣቶ ሀርሞን ነቲ ኣብ ጂነቫ ዝተገብረ ተበግሶ ዘምጽኦ እወንታዊ ስራሓት ብምጥቃስ ንመጀመርያ እዋን ናይ መርመራ ኮሚቲ ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ክትምዘዝ ዘብጸሐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነዛ ወጺኣ ዘላ ናይ መርመራ ኮሚሽን ዘድሊ ሓበረታ ብስርዓተ ኢሳያስ ዝግበር ግፍዒ እንተስ ብቐጥታ እንተስ ጭቡጥ ዝተረኽበ ሓበረታ ምስ ጭብጥታቱ ከለኣከላ ሓቢሩ። እዚ ውጽኢት እዚ ብምትሕብባር ስቪካውያን ማሕበራትን መሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቓ ዜጋታትናን ዘበርከትኦ እውንታዊ ስራሓት ምዃኑ ኣብሪሁ። ጉባኤና ነቲ ዝተዋህበ ምሕጽንታ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎ ክጽዕር ምዃኑ ቃሉ ሂቡ ከባሃል ይከኣል። ድሕሪ እዚ ኣብ ናይ ነጻ መድረኽ ክትዕ ተኣትወ እሞ ወይዘሮ ፈቨን ሰለሙን ዘማእከለቶ ተኻይዱ።

ሳልሳይ ክፋል፡-

ካብ ስዓት 15፡30-15፡45 ዘሎ ግዜ ድሕሪ ዕረፍቲ  ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ መዝነት ናይ ምብጻሕ ዝብል ብዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይ ዝቐረበ መደረ ኢዩ። ነጻ ምንቅስቓስ ድቂ ኣንስትዮ ኣብ ውድብ ኰንካ ወይ ወጻኢ ካብ ውድብ ኰንካ ኣነ ነጻ እየ ምባል ጥራሕ ዘይኮነስ ኩለን ድቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሃለዋ ሃልየን እቲ መንፈሰን ይኹን ዝገብርኦ ሃገራዊ ስራሓት ኣብ ምትእምማን እታ ነጻ እትብል ቃል ጾታ ዘይትፈሊ ብምምርኳስ ቅድም ነገዛእ ርእሰን ነጻ ክኾናን ነጻነት ወዲ ሰብን ማዕርነት ጾታን ብዘይ ፍርሒ ምስ ዝቃለሳ ብምትእስሳር ከኣ ነዚ ካብ ወለዶ ንወልዶ እናተመሓላለፈ ዝመጸ ሰንሰለት ኣባታውነት በቲኸን ማዕርነተን ባዕለን ክጐናጸፋ እቲ ጻዕሪ ንሱ ኮይኑ ናብዚ ንብምጻሕ ብቕዓትን ክእለትን ስራሕን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ብምዃን ኣብቲ ብኽእለተን ክሰራሓሉ ዝኽእላ ቦታ ዝወሃበን ዘይኮነስ ብኣድላይነተን ብምርግጋጽ እዩ ዝኽወን። እዚ ንምግባር ግን ንዘሎ ጸቕጥን ውልቀ መላኽነት ኣብቲ ስርዓት ይኹን ኣብ ምንቅስቓሳት ይኹን ውድባት ብሱሩ ክሰዓር ናይ ዲሞክራሲ ባይታ ንኽፍጠር ምስ ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ኣሕዋትና ኢድ ንኢድ ብምውህሃብ ግደና ክነበርክት እዩ ዝግባእ። ስለዚ ማዕርነት ብስራሕ ኣብ ስራሕ ርእስኻ ብዘይምትሓት ብትብዓት  ክንሰርሕን ክንዋሳእን እዩ ዝግባእ። እዚ ጸቕጢ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዘመናት ዝተሰረተ እዩ ካብ በልና ነዚ ንምስዓር ብትምህርትን ፍልጠትን እና እነከናውኖ። እዚ ከኣ ማዕርነት እንመሃረሉ ኣብ ቁጠባ ይኹን ፖለቲካ እንዋሳኣሉ ባይታ ፈጢርና ንትንሳኤ ደቂ ኣንስትዮ ብትብዓት ክንሰርሕ ብቐዳምነት ነተን ድቂ ኣንስትዮ ስዕበ ድማ ነቶም ዲሞክራሲያውያን ኢና ዝብሉ ተቓለስቲ ንፍትሒ ክተሓባበሩ ጥራይ ዘይኮነስ ዲሞክራሲያውያን ክኾኑ እየ ዘማሕጽን ክትብል መደርኣ ብምቕጻል ነተን ኣብ ትሕቲ ስርዓተ ኢሰያስ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝዋስኣ ዘለዋ የሕዋትና መሰል ጓል ኣንስተይቲ ብግቡኡ ክርደኦኦ ፍትሕን ዲሞክራስን ክርእይኦ ዘድሊ ጻዕሪ ክነካይድ ከምዘሎና ብምባል ዘረኣብኣ ደመደመት።

ካብ ሰዓት 15፡45-16፡00 ብቕዓት መሪሕነት ኣብ ኣቀዋውማ ዲሞክራሲ - ኣቶ ሰመረ ከሰተ- እዚ መደረ እዚ እቲ ኣብ ዲሞክራሲ ዝወራረስ ናይ ስልጣን ኣገባብን መሳልሉን ብስነሓሳብዊ መልክዕን ብዝተፈላለዩ ፍላስፋታት ከመይ ገይሮም ይገልጽዎ ዝብል መጽናዕቲ ዝሓዘለ ኣኬበኛ ብጽሞና ክሰምዖ ከሎ በቲ ዝነበረ ጽጥታ ኣብ ኣትክሮ ናብ መዳሪ ብምትኳር ብሓቂ ኣገዳስን መሃርን ብዝቐለለ ክትርድኦ እትኽእል ቃላት ገይሩ ብምቕራቡ ኣድናቖት ብጉባኤኛ ዕዙዝ ምንባሩ ክርዳእ ተኻኢሉ። ሰመረ ነቲ ህዝቢ ዝስዕቦ ምንባሩን ዘይምንባሩን ንምርኣይ ገለ ሕቶታት ከቕርብ ከሎ እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ መልሲ ብሓቂ ምስቲ ዘቕረቦ ዝነበረ ሓሳባት ዝመዛዘን ጥራይ ዘይኮነስ ኣድህቦ ከምዝነበሮ ምስትብሃል ተኻኢሉ።

16፡00-16፡15 ዘሎ ጊዜ ድማ ብሃንደበት እዚ ስርዓት ኣዚ ምስ ዝወድቕ ዝብል -ከመይ ዝኣመሰለ መተካእታ ክግበር ይከኣል? ነዚ ንድፊ ዝኸውን  እዚ ኣብ ሸውዓተ ጉጅለታት ብምምቓል ስለስተ ፍታሕ ክህቡ ውድድር ተገይሩ ነዚ ዝቐርብ መልስታት ዝምርምሩ ሸውዓተ ሰባት ተመዚዞም ኣብ ውሽጢ ሓደ ስዓት ድማ መልሲ ናይ ኩለን ጉጅለታት ተቐቢሎም። እዞም መርመርቲ ንፍርዲ ዝኸውን መሳርሒ እውን ኣውጺኦም ነይሮም። ካብቲ ዝተዋህበ መልስታት ንምጥቃስ፣ ዝኣክል ቀዳማይ -ቀልጢፍካ ዓበይቲ ዓዲ ምሁራት ተመኩሮ ዘለዎም ሓለፍቲ ሃይማኖታት ክልትኡ ጾታ ዘጠቓለለ ንመንእሰያት ዝሓወሰ ሓደ ሃገራዊ ግዝያዊ ባይቶ የቕውም። ካብዚ ድማ ግዝያዊ ሓጋጊ ኣካል፡ ግዚያዊ ፈጻሚ ኣካል ግዝያዊ ነጻ ዝኾነ ፈራዲ ኣካል ይወጽእ። እዚ ድማ ናይ ስልጣን ባዶነት ነኸይርከብ ይሕግዝ። ካልኣይ እቲ ሃገራዊ ምክልኻል ሓይልታት ንልኡላውነት ሃገርን   ጸጥታን ንምሕላውን ኣብ ትሒቲ ቁጽጽር ኣዚ ግዝያዊ ዝቐውም መንግስቲ ኮይኑ፡  ከምኡ እውን እቲ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ሰራዊት ብቐጥታ ምስቲ ኣብ ሃገር ዝርከብ ብምትሕንፋጽ ግዝያዊ ስርሑ የካይድ። ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ሽግራት ብህጹጽ ዝፈተሓሉ መገዲ ካብ ዓለምለኸ ዘድሊ ሓገዝ ንምርካብ ምጽዓር። በዚ ርእይቶ እዚ ድማ እቲ ርሱን ክትዕ ኣብ ምስምማዕ በጺሑ።

16፡15-16-30፡- ኣብዚ ግዜ እዚ ግደ ሓለፍቲ ውድባትን ምሁራት ስበ ተመኩሮ ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ እዩ ነይሩ። ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዶክተር ዓንደ ተኪኤ ከቕርቦ ከሎ ዶክተር ዓንደ ብዛዕባ ናይ ኣብ ሽግር ዝርከባ ሃገራት ጥልቕ ዝበለ ትምህርቲ ዝወሰደን ብግብሪ እውን ዝተሳተፈን ኮይኑ በቲ ዝህቦ ዝነበረ ኣስተምህሮ ኣብነታት፡  ኣኼበኛ ብጣዕሚ ብተጋዳስነት ይከታተሎን ይሰምዖን ነበረ። ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ንምብጻሕ ዘለዎ ድሌትን ትምኒትን እውን ይረአ ነበረ። ናብዚ ንምብጻሕ ከኣ ካብ ዘተ ናብ ዘተ ብቐጻሊ እንካን ሃባን ብምባል ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ክብጻሕ ከምዝከኣል ኣነጺሩ ኣብረሀ። ደቂ ሰባት ኣብ ቀጻሊ ዘተ ክኣትዉ ኣለዎም። ኣብ ዘተ ክኣትዉ ከለዉ ግና ቅርሕንቲ ይኹን ፖለቲካዊ ትንኩልናታት ኣብ ግዳም ገዲፎም ንእንካን ሃባን ፍታሕ ንምርካብን ድልዋትን ቅሩባትን ምዃን የድሊ። ፍታሕ ምስተረኽበ እውን ነቲ ፍታሕ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ እውን መደባትን ንኡኡ ዝተግብሩ  ክእለት ዘለዎም ሰባትን ምስራዕ የድሊ።  ካብዚ ዝተላዕለ ኣኼበና ብዘይ ሕቶ ነቲ ዝቐሰሞ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ክንቀሳቕስ ምዃኑ በቲ ዝገልጾ ዝንበረ ትምኒታቱ በሪኡ ተራእዩ።

17፡00-17፡15 ውጽኢት ናይ ቦሎኛ፡- ብመነእሰይ ወደብ ተድሮስ ጽማቝ ብምቕራብ ብዝተፈላለዩ 7 ጉጅለታት ዝተመዛ ነቲ ዝተበጽሐ ዓወደ መጽናዕትታት ናብ መርሃ-ገበይ ዝወጻሉ ኣመት እውን ሓቢሩ።

17፡15-17፡30 ብዮናስ ገበረማርያም ተመክሮ ናይ ዝሓለፈ ቦሎኛ 2013 ዝተስርሐ ስራሓትን ዝወጸ ገንዘብ ጸብጻብን ሂቡ።

17፡30-17፡45 ጽማቝ ናይዚ ኩሉ ዝተኻየደ መደረን ክትዕን ብሓው ዳንኤል ገበረምክኤል ኣብ ትግባረኡ ንምትርጓም ብንጹር ዕላማታትን ቀንዲ ዓንድታት ብምብራሃ ነዚ ዕማም ኣዚ ድማ ብጉጅለታት ተመቐለን ነናተን ንድፊ ዕዮ ክሕዛ ገሊጹ። ኣኼበኛ እውን ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐቢሉ ኣብ ስራሕ ኣተወ።

ራብዓይ ክፋል፡-

ካብ ሰዓት 09፡00-09፡30 ናብ ሰንበት ዘውግሕ ጽማቝ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ንምዝካር ብሓው ዳንኤል ገበረሚካኤል ቀሪቡ። ካብዚ ቀጺሉ ካብ ሰዓት 09።30-09፡45 ንሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ ብዛዕባ ናይ ፕሪቶርያ ውዑል ዘሕለፎን ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ጉዕዞን ስራሕን ምስ ናይ ቦሎኛ ፎርም ዝተወሃሃደ ሓቢርካ ክትዓየሉ መደብ-ዕዮ ንኽከውን ጉባኤኛ እውን ተሰማሚዕሉን ተቐቢልዎን።

ካብ ስዓት 09፡45- 13፡00 ድህሪ ቅትሪ እተን ብጉጅለታት ተመቒለን ስራሐን ከካናውና በቦተአን ድሕሪ ብምሓዝ ከምዚ ዝስዕብ ኣርእስትን ኣጋባብን ተኻይዱ።-

1-     ምህናጽ ሓደ ዝሰመረ ሃገራዊ  ጸላል 

2-    ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን

3-    ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምጥርናፍን ምልዕዓልን

4-    ኣብ ሃገራዊ ባህሊ መሃዝቲ ስነጥበበኛታት ምስታፍ

5-    ምህናጽ ንኹሉ ዘሳትፍ ሓያል መድያ

6-    ግበረ-መልሲ ናይ ስደተኛታት ሽግር  

7-    ውጽኢታዊ  ዓለም ለኸ ዝምድንታት ምፍጣር

እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቐሱ ዘሎ ኣርእስትታት ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ናናታ ተዋሂባ ብዝገበረቶ መጽናዕትን ዳህሳስን ናብ መርሃ-ገበይ ናይ ምውጻእ በቒዐን። ካብዚ ነቒሉ ድማ እቲ ዝተነድፈ መርሃ-ገበይ ነታ ናይ ዕማም ኣወሃሃዲት ጉጅለ ተዋህበ። ብድሕሪ ኣዚ ነቲ ዝቐረበ ንድፊ ኣብ ተግባር እተውዕል ድማ እቶም ንነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ዘማእክሉ ዝነበሩ ብቐጥታ ኣባላት ናይ ዕማም ሓይሊ ንክኾኑ በቲ ጉባኤኛ ተሰማማዑ። እዚኦም ብወገኖም ድማ ነታ ዝማእክልዋ ጉጅለን ካልኦትን ብምውሳኽ ነቲ ስራሕ ኣድማዒ ክወን ጉባኤ ኣማሕጺኑ። ንሳቶም ድማ፡-

1-     ኣቶ ይአል ሊኖ

2-    ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ

3-    ኣቶ ዮናስ ሓጎስ

4-    ትቢዲ

5-    ኣቶ ፍትዊ ክፍለ

6-    ኣቶ መብራህቱ ገብረኪዳን

7-    ኣቶ ሱለማን ሑሴን

ኣኸባ  ቦሎኛ ኣብ መወዳኣታ ንኹሉ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደብ ናብ ዘተን ዕርቅን ገጻ እተምርሕ ዓራቒት ሽማገለ መዚዙ።

ሰኑይ ዕለት 01-09-2014 በዓል ዝኽሪ ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብዓል ሰዓት 10፡00 ጂሚሩ ክሳብ 11፡30 ዝተፈላለዩ ኣባላት ቦሎኛ  ቃሎም ከስምዑ ብምጅማር ብረታዊ ቅልስናን ዓወታቱን ከምኡ እውን ካስብ ዕለት 18-09-2001  ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ቅዋምን ክብሉ ዝተኣስሩን ክሳብ ሕጂ ዝእሰሩ ዘለዉን ብምዝካር መስዋእትን ምእሳር ዜጋታትን  ንህዝቢ ኤርትራ ሓዘን ንስድርኦም ድማ ጓሂን ኮይኑ ንሶም ዝተለምዎ ንምዕዋት  መብጽዓ ናኣቱ ከም ንዕወት ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ መጠረሽታ ንኹሎም ስዋኣትና ብምዝካር ናይ ሕልና ጸሎት ብምግባር ስውኣትና ብሰላም ዕረፉ ንሕና ድማ ነቲ ዝገደፍኩምልና ሓደራ ኣብ ዓወት ከምነብጽሖን ነሰጋግሮን ቃል ንኣቱ ብምባር ኣኸባ  ቦሎኛ ተደምዲሙ።

 

Last modified on Saturday, 13 September 2014 06:40