ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣኽቢሩ ውዒሉ

2014-09-14 20:13:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 18487 times

ኣቦ መንበርን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ፡ ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን፡ ብ14 መስከረም 2014 ንዝኽሪ መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብክብ ዝበለ ድምቀት ኣብዒሉ።

 

ኣቦ መንበር ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ሓው ሓጅ ሳልሕ ስዒድ፡ ንኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ብምስማዕ ኢዩ ንኣኼባ ከፊትዎ። ኣስዒቡ ድማ፡ ናይ'ዚ ዕለት'ዚ ቀንዲ ኣጀንዳና ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም፡ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኢዩ ኢሉ። ብዛዕባ'ዚ ኣጀንዳ መግለጺ ንኽህብ ድማ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ናብ መድረኽ ዓዲሙዎ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ብምኽንያት ድርብ በዓል ባሕቲ መስከረም ማለት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎን ሓድሽ ዓመትን ንህዝቢ ኤርትራን ንኣኼበኛታትን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣስዒቡ፡ እቲ ብጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ውሑዳት ብጾቱን (ካብ 10 ዘይበዝሑ) ብ1 መስከረም 1961 ዝጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ልቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝነበረ ስምዒት ስለዘበገሶ፡ ብኡ ንብኡ ናይ ህዝቢ ደገፍ ረኺቡ ክዓብን፡ ኣብ ውሽጢ 13-15 ዓመታት፡ ንገጠራት መታሕት ሓራ ኣውጺኡ ሰውራና ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ከምዝበጽሐን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ውሱናት ከተማታት ከምዝሕጸሮን ኣብሪሁ።

ቀጺሉ ድሌትን ባህግን ህዝብና፡ ናጽነት፡ ሰላም ፍትሕን ራህዋን ኢዩ ኢሉ። ምእንቲ'ዚ ዕላማታት እዚ ከኣ'ዩ ህዝቢ ኤርትራ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰማእታትን ስንኩላትን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታትን ዝኸፈለ። ነፍስወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት እምበኣር፡ ምእንቲ'ዚ ክቡር ዕላማታት'ዚ ገለ ካብ ውሉዳ ከፊላ ወይ ድማ ብምልእታ ድያ ወይስ ብኸፊል ንስደት ከተምርሕ ተገዲዳ ኢያ ኢሉ።

ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ብዘካየዶ ቃልሲ፡ ሃገርና ኤርትራ ብ1991 ካብ ባዕዳዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓራ ኰይና። እዚ ዕለት'ዚ ኵሉ ግዜ ሕውስዋስ ስምዒት ኢዩ ዝፈጥረልና። ብሓደ ሸነኽ መሬትና ካብ ባዕዳዊ ጐበጣ ሓራ ምውጻኡ የሐጕሰና፤ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ እቲ ብባዕዳውያን ገዛእስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ብጕጅለ ህግደፍ ምድጋሙ የሕዝነና ኢሉ። ናይ'ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ድማ፡ እዞም ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ዘለኹም መንእሰያት ግብራዊ ምስክር ኢኹም። ቃልስና ንስኹም ብሰላም ብፍትሒ ብናጽነት ኣብ ሃገርኩም ተሓቢንኩም ክትነብሩ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ብኣንጻሩ ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራ ጕጅለ ህግደፍ ዘዝተወልደ ህጻን እግሩ ናብ ዘምርሖ ክስደድን ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂሰባት ክኸውንን ኢና ንርእዮ ዘለና ኢሉ። ካብ'ዚ ጸገም'ዚ ንምውጻእ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ'ቲ ሽግር ዝዀነ ጕጅለ ህግዲፍ ምእላይ እዋናዊ ዕማም ምዃኑ ውን ሓቢሩ።

ንመንእሰያት ኣመልኪቱ ድማ፡ ዝሓለፈ ወለዶ ግቡኡ ፈጺሙ ይሓልፍ ኣሎ። ናይ ሕጂ ወለዶ ድማ ንልዑላውነት ሃገር ምዕቃብ፡ ንመሰል ናይ ህዝቢ ምክልኻል፡ ሰላም፡ ፍትሕ፡ ራህዋ ዝሰፈና ሃገር ምህናጽ ሓላፍነት ክስከም ይግባእ ኢሉ። ስለ'ዚ ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት፡ ንነብስና ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንምድላው ቃል እንኣትወሉ ዕለት ክኸውን ይግባእ ኢሉ።

ቀጺሉ፡ ኣኼበኛ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2014 ዝካየድ ንዝኽሪ ግዳያት ላምፓዱዛ ዝምልከት ሰላማዊ ሰልፊ ብዕምቈት ተዘራሪቡ። ነፍስወከፍ ኣባል ሰልፊ ድማ፡ ብዛዕባ'ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክጕስጕስን ካልእ ሰብ ሒዙ ወይ ሒዛ ናብ'ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፍን ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንጨንፈር ዝምልከቱ ጕዳያት ብሓላፊት ስርርዕ ጨንፈር ወይ/ፈቨን ግዴዎን ሓበሬታታን መምርሒታትን ተዋሂቡ። ኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ሰማእታት ተዛዚሙ።

 

     

Last modified on Monday, 15 September 2014 05:46