ኣርዓዶም በርሀ
ሞትን ሕልፈትን ኩሎም ናይ ደሓን መግለጺ ኣይኮኑን። ሞት ካብ ሕልፈት ዝፍለ ሓንሳብ ምስ ኮነ ዘይምለስ ብምዃኑ ክኸውን እንከሎ፡ ሕልፈት ግና ብህይወት እንከለኻ ብሰንኪ ድኽመትካ ዘጋጥመካ ካብ ሞት ፈሊኻ ዘይርኣ መሪርን ጣዕሳኡ ዘይወጸልካን ተረኽቦ እዩ። ከምዚ ኣንበሳሲ “ ኣሽንኳይ ሞትስ እርጋንኳ ኣሎ” ኢሉ ንእርጋን ዝያዳ ሞት ዝመረረ ንምዃኑ ይገልጾ ዝበሃል፡ ናይ ሕልፈትን ሞትን ዝምድና እውን ብኸምኡ እዩ ዝምሰል። እቲ ዝመዉት ኮነ ዝስዋእ ክሓልፍ እንከሎ ናብቲ ተራፊ ኣረኪብዎ ዝኸይድ ከቢድ ኩለመዳያዊ ሕድሪ ኣለዎ። እቲ ተራፊ ከም ዘይሞተ ዝፍለጥ ድማ ናይቲ ዝተረከቦ ሕድሪ ክትግብር እንተኽኢሉ እዩ።
ኣብዚ ቅንያ’ዚ ጉዳይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ወርሕዚ ኣብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱሳ፡ ዝሃለቑ 368 ኤርትራውያን ግዳያት ኣዛራቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ዝያዳ ዝኸበደን ዓለም ዘናወጸን፡ ምናልባት ብሓንሳብ ክንድዚ ምጥፋኦም እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ህልቂት ብኣኣቶም ዝጀመረ ዘይኮነ ቅድሚኡ ዝነበረ ድሕሪኡ’ውን ዝቐጸለ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሓምሳ ሞይቶም፡ ሚእቲ ተደጊሞም ዝብል መሪር ከብድኻ ዝበልዕ ዜና ምስማዕን ምንባብን መናብርትና ኮይኑ ኣሎ። መርከብ ጥሒላ ክበሃል እንከሎ እቶም ግዳያት እንተኾነ ኩላቶም እንተዘየለ ገሊኦም ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ ከም ርዱእ ተወሲዱ፡ ንምርግጋጽ ኢልና ምሕታት ካብ ንገድፎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣሕዋትና ከም ዝሃልቁ ልሙድ እንዳኾነ፡ ነዚ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከም ሓደ ርዱእ ትዕድልቲ ናይ ኤርትራውያን ወሲድናዮስ፡ ኣብ ክንዲ ምሽቓልን መዋጽኦ ንምርካ ምብልሓትን ከም ሓደ ቅቡል ነገር ከይንርዕሞ ዘስግእ እዩ። ሎሚ ሎሚ እቲ ዘግርመናን ከም ሓድሽ ዜና ዝውሰድን፡ ክንድዚ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝብል መርድእ ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ብምሉኦም ብሰላም ኣብ ኢጣልያ ኣትዮም ዝብል ብስራት እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። እቲ ገለ ካብእቶም ሞይቶም ዝብል ልሙድ ስለ ዝኾነ።
ብባህልና ኮነ በተዓባብያና ክረአ እንከሎ፡ ኣይኮነንዶ ብኣማኢት ናይ ዝቑጸሩ፡ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት እሞ ድማ ብሓደጋ ሓሊፉ ክበሃል እንከሎ፡ ክንሓዝንን ማይ ዘይኮነስ ደም’ውን ክንነብዕ ልሙድ እዩ። ኣብ ባህልና ኣብ ግዜ ድንገተኛ ሞት እዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝረአ፡ በኺኻን ሓዚንካን ነቲ ዝሞተ ከተምልሶ ከም ዘይከኣል’ውን ሓፈሻዊ ተረድኦ ኣለና። ኣብ ክንዲ ኣብ ሓዘን ምኒን ምባል ብዛዕባ ህልዋት ምሕሳብ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ምዃኑ እውን ኣብ ባህልና ግንዛበ ዘለዎ እዩ። ንሓደ ሓዘንተኛ ከተጸናንዖ እንከለኻ እውን “ንሱ ወሰኑ ይግበሮ” ኢልካ ኢኻ ንቅድሚት ንክሓስብ ተዘኻኽሮ። ሕጂ ድማ ንሕና ዓመት መጸ ብዛዕባቶም ብሓንሳብ ዝሃለቑ እሞ ንቡር ሓመድ ድበ ዘይረኸቡ ኣሕዋትና ምሕዛንን ሽምዓ ምብራህን ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ህልዋት ኢና ቀንዲ ክንዛረብ ዝግበኣና። እዚ ማለት ግና በቲ ደረጃኦ ናይቶም ረኸብቲ መከራ ዝኽሪ’ውን መለበሚ ብዝኾነ መልክዑ፡ ክርሳዕ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ነዞም ዝሃለቑ ኮነ ንቤተሰቦም እንድብሰሉ መንገዲ ንዓኣቶም እንዳዘከርካ ምንባዕን ምሕርቃምን ዘይኮነስ፡ እዚ ካባና ሓሊፉ ዓለም ዘናወጸ ሓደጋ ንከይድገም፡ ጠንቁ ኣለሊኻ ከተወግዶ ብምጽዓር እዩ ክኸውን ዝግበኦ በሃላይ እየ። ስለዚ እየ ድማ ብኽያትና ብዛዕባቶም ዝሞቱ ዘይኮነስ ብዛዕባቶም ብህይወት ከለና ዝሞትና ክኸውን ይግበኦ ክብል ዝደፈርኩ። “ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ”።
ሎሚ ሃገራት ዓለም ከከም ዝመረጸኦ ናይ ዕቤት መንገዲ፡ ብኢንዱስትሪ ድዩ ብንግዲ፡ ብሕርሻ ድዩ ብወፍሪ፡ ብትምህርቲ ድዩ ብዲፕሎማሲያዊ ዝምድና፡ ብጥዕምና ድዩ ብምኽባር ሰብኣዊ መሰል፡ ኮታ ኣብ ኣፈጻጽማ መደብ ፕሮግራም ዕብየትን ምስግጋርን፡ ብዘመዝገበኦ ዓወታት ደረጃታት ክወሃበን እንከሎ፡ ኤርትራ ግና “ዝለዓለ ስደተኛታት ዘመዝገብት ዕሸል ሃገር” እናተባህለት ኣብ ናይ ሕማቕ መዝገብ ክትጽዋዕ ኢና ንሰምዓ ዘለና። ናይዚ ገበንዚ ተሓታቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ’ኳ ንጹር እንተኾነ፡ እዚ ክንሰምዕ እንከለና ከም ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ክሳብ ክንደይ ጸጉርና ከም ዝቐውምን ሕልናና ከም ዝሽቑረርን ነፍሲ ወከፍና ዝርደኦ እዩ። ነዚ ሰሚዕና ቁሩብ እንተዘየሳሕዩና ግና፡ ከለና ሞይትና ኣለና ማለት እዩ። ሕልፈት ማለት ድማ ንሱ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ኣበይ እዩ ሃገርካ?” ክንበሃል እንከለና ኣብ ሓደ እዋን “ኤርትራዊ እየ” ብምባል ከምዘይተሐበና፡ ሎሚ ግና “ኤርትራዊ እየ” ምባል ዘሸቑርር ኮይኑ ኣሎ። ካልእ ሃገር ስለ ዘየብለይ ግና ሽልብግልብ እንዳበልና እንብሎ ኮይኑ ኣሎ። ኣይበሃል እዩ።
ኩሉ ዝነብዕ ሓዘንተኛ እዩ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ዝስሕቕ’ውን ሕጉስ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ጭካነ ሓቢኡ ምስ ከባቢኡ ንምምሳል ብደግኡ ዝነብዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ሓዘን እንዳተሰምዖ ከባቢኡ ንምምሳል ዝስሕቕ ኣሎ። እዚ እቲ “ውሽጡ ሕሩር” እንብሎ እዩ። ብስም እቶም ረኸብቲ መከራ መንእሰያትና እንዳ መሓለ እንዳ ጠሓለ ኣብ ውሽጡ ግና “ሕራይ ደኣ ኮኑ” ዝብል እውን ኣይሰኣንን። ናይዚ ሰብኣውነት ዝረሓቖ ዕብዳን ቀንዲ ሃንዳሲ ብዓብይኡ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ምናልባት ደኣ ናይ ቀረባ ፈለጥጡ ይፈልጥዎ እምበር፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ንኹሉ እቲ ናይ ስዉኣት ቃል ብጋህዲ እንዳጠለመ “ስጋ ስዉኣት” ኢሉ ይምሕል ይኸውን። ብዓብይኡ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዓለም ከይሓፈረ፡ ኣንጻር ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተዋሰአ ተጠሊዑ “ዓወት ንሓፋሽ” ክብል ንሰምዖ ኣለና። ተጸሊሉ ስለ ዘጸለሎም ነዚ ጠላም ቃሉ ዝደግሙ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ዝተጠልመ ጭረሖ ዝደግሙ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ወገን ህዝቢ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት ክትሰምዕ እንከለኻ የገርመካ። እቲ ቀደም “ብዘበን ዉበ ዝጸመመስ ዝባን ዉበ ነበረ” ዝብል ምስላ ብዘይምኽንያት ከም ዘይተመሰለ ድማ ይርደኣካ። እምበኣር እዚ ኣጋጢሚና ዘሎ ተረኽቦታት ብልቢ በዞም ዝሓለፉ ግዳያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓዝን እንተኾይናን ዘይኮይናን እንምዘነሉ እዩ። ሓቀኛ ናይ ሓዘና መግለጺ ከዓ ብዛዕባ ምረት ናይ ህልቀቶምን ጨንቆምን ምጭራሕ፡ ምጽሓፍ፡ ምምዳርን ሽምዓ ምብራህን ዘይኮነስ ነቲ ናብዚ ዘብጸሖም ጠንቂ ንምውጋድን መተካእታ ንምርካብን ነርእዮ ቅሩብነትን ተወፋይነትን እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ውፉይ ኮንካ ምቕራብ፡ ብኣዋጅን ብምቁር መደረታትን ዘይትግበር መብጸዓን ዝግለጽ ኣይኮነን። እዚ ክበሃል እንከሎ እቲ ዕማም እምብዛ ከቢድን ዘይትግበርን ዕማም እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ናይ ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ መሰረታዊ ሕቶ ተኸቲልና ብዙሓት ተመሳሰልቲ ሕቶታት እንዳሓተትና፡ ጽሒፍናን መዲርናን ኢና። እስከ ሕጂኸ ነቲ ጉዳይ ካባና ንጀምሮ እሞ “ኣነኸ ኣበይ ኣለኹ?” ኢልና ንሕተት እሞ፡ ከይሓባባእና “ኣበይ፡ ምስመን፡ እንታይ ንገብር፡ ኣለና?” ንዝብል ሕቶታት ምስ ነብስና እንዳተላዘብና ንመልስ እሞ እቲ ድኽመታትና ኣብኡ ክንረኽቦ ኢና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ክሳብ ሕጂ ነዚ ሕቶታትዚ ብዘይምልዓል እውን ሕጽረታትና ኣይንፈልጦን ኢና ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቁስ ድኽመታትና ንፈልጦ ክነስና ንምእራሙ ትብዓት ምስኣና እዩ።
ናይዚ ኩሉ መከራ ቀንዲ ጠንቂ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ዘይንፈላለየሉ ሓቂ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ይቕረ ዘይበሃል ገበኑ ዝኸፍለሉ ዋጋ ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ናብቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ዝጀመሮ ጉዕዞኡኳ ዘይቃረጽ እንተኾነ፡ ናትና ግደ ከዓ ነቲ ጉዕዞ ምቅልጣፍ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሓንቲ ዓመትስ ይትረፍ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ስንብራታ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ሃገርናን ህዝብናን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንርእዮ ዘለና ስለ ዝኾነ። ከይንዕሾ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝሓልፍ ዘሎ ህይወትን ዝሃስስ ዘሎ ክብርን ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ማሕበራት ጥራይ ኣይኮነን። እቶም በቲ ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲ ንሓዝን ኤርትራውያን፡ እቲ ራህዋ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት፡ ናይ ውድባትን ማሕበራትን ኣባላት ጥራይ ጌርና ብምውሳድ፡ ከይነራጥጥ ሓደራ ንብል። ብፍላይ ድማ ብጉዳይ ስደተኛታትን ኣብቲ ናይ ስደት መስርሕ ዝወርዶም ዘሎ መቕዘፍትን ክንዛረብ እንከለና፡ “ኪድ” ኢልና ነተባብዕ ወለድን፡ “ናብኡ ሕለፍ እሞ ኣነ ገንዘብ ክልእኽ እየ” እንብል ናይቶም ግዳያት ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ኣዝማድን፡ ከቶ ብዛዕባ ተግባርና ክንሓስብ ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና። እስከ “ ንስኻ እንተ ዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ንዝብል መሃሪ ኣበሃህላ ወለድና ግዜ ሂብና ነስተውዕሎ። ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ መዕንደሪ እንገድፈሉ ሃገር ዘይኮነትስ ንሕና እቶም ውጹዓት ነቲ ዝውጸዓና ዘሎ ጉጅለ ኣንበርኪኽና እቲ ዝተጠለም ክብራ ክንመልሰላ ዝተረከብናዮ ናይ ሓባር ሕድሪ ከም ዘለና ኣይንሓስብን ዲና። ኤርትራ ብዓባያ ከይደሓነት፡ ናይ ቀረባ ኣዝማድካ ምድሓን ትርጉም ከም ዘየብሉ’ውን ንስሕቶ ኣይመስለንን።
ኤርትራዊ መንእሰይ ቀጥዒ ብዘየብሉ መንገዲ ሃገሩን ቤተሰቡን ራሕሪሑን ዝኸይድ ዘሎ፡ ብሰንኪ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ዘይወሓጠሎም ልሳናት ጉጅለ ህግደፍ፡ ከኮማሰዐኦ ዝውዕላ ክሲ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ኣሎ። ሕራይ ነዚ ክሲ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይንንጸጎ። እንተኾነ እቲ ወሳኒ ናይ ግዳም ተጽዕኖ ዘይኮነስ ውሽጣዊ ኩነታት እዩ እሞ፡ ጉጅለ ህግደፍከ ውሽጡ ጥዑይ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ቀዳምነት ሂብና ክንምርምሮ ይግበኣና። እዚ ብፍላይ ነቶም ንጉጅለ ህግደፍ ኣንጺሆም፡ ደድሕሪ መራኸቢ ሓፋሽ ህግደ ስዒቦም፡ ንምዕራባውያን ክራገሙ ዝውዕሉ ወገናት ዝወሃብ ዕዮ ገዛ እዩ። ሕራይ ንሓሳዊ ስብከት ጉጅለ ህግደፍ ንስመዓዮን ነንብቦን። ነቲ ዝበሃልን ዝምደርን ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘሎ ኩነታት ከነመዛዝኖ ግና ናይ ግድነት እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣባል ቤተሰብና ክንድውለሉ እንከልና ጐረቤት ከይሰምዖ ድምጹ ነክዩ “ ንጠሚ፡ ንዓርቕ፡ ንጸምእን ንጽልምትን ኣለና” እንዳበለና እንከሎ፡ ብድምጺ ሓፋሽን ኢረቲቪን ቀልብና ተሰሊቡ “ኣብ ኤርትራ መዓር ዘኒቡ ብላዕ ወስተ ኮይኑ” ኢልና ንዝምር እንተኮይና፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን መስሓቕ ሸራፋት ኢና ክንከውን።
ርሑስ በዓል ዓረፋ
4 ጥቅምቲ 1014
04.10.2014
ዝኽሪ ጃምላዊ ህልቂት ኣፍሪቃውያንን ዘይኣፍሪቃውያን ዜጋታት ኣብ ብዕለት 03.10.2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑን ጌና ዝሃልቁ ዘለዉ ዜጋታት ብፍላይ ክኣ ኤርትራውያን፣ሶሞላውያን ፣ሶራዊያን፣ ዒራቓውያን ወዘተ… ካብ ኣብ ሃገሮም ዘጓንፎም ጭንቀት ዲክታተራዊ ግፍዕን ውግኣትን ከምኡ እውን ቁጠባዊ ጸገማትን: ህይወቶም ከድሕኑ ኢሎም ንኹሉ ጸገማት ከም ሳህራን ካልኦት ዓበይቲ ጽንኩር ብድሆታት ሲዒሮም ኣብ ሊቢያ በጺሖም ንወሽመጥ ውቅያኖስ ሊብያ-ኢጣልያ ክሳገሩ ዝሞቱ ጌና እውን ዝሞቱ ዘለዉን ትማሊ ዕለት 03-10-2014 ኣብ ሃገረ ጣልያን ተዘኪሩ።
ኣብዚ ዝኽሪ ናይ ላምፐዱዛ ተረኺቦም ዝነበሩ፡ መንግስታውያን ትካላት ከም ኣቦ ወንበር ፓርላማ ኤውሮዻ ኣቶ ሹልዝ ፣ ኣደወንበር ባይቶ ኢጣልያ ወይሮ ቦልደሪኒ ሓላፊት ወጻኢ ጉዳያት ኢጣልያ( ኣብዚ ቁረባ እዋን ናይ ኤውሮዻ ወጻኢ ጉደይን፣ ጉዳይ ስደኛታት እትካታተል እተመርጸት) ወይዞሮ ፈደሪካ ሞርጊኒን ካልኦት ዓበይቲ ሓለፍቲ ካብ ኤውሮዻን ኢጣልያን እዮም። ከምኡ እውን ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለሱ ኤርትራውያን ከም ኣባ ሙሴ ፣ምንቅስቓስ ሰብኣዊ መሰል ጋንዲ ወይዘሮ ኣልጋነሽ፣ ምትእስሳር ኤርትሮ - ኢጣልያ፣ ወይዘሮ ርብቃ ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮ። ብፍላይ ክኣ እቶም ካብታ ብሓዊ ባርዕ ዝነደደት ጃልባ ብህይወት ዝደሓኑ፣ ካብ ተዓቚበምሉ ዘለው ሃገራት ነቒሎም ናብ ላምፐዱዛ ተመሊሶም ነቶም 366
ብሓንሳብ ዝሞቱን፥ እንተላይ እቶም ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ዝሞቱ ንምዝካር ምስ ህዝቢ ላምፐዱዛን መንግስታዊ ትካላት ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት ኣካይዶም።
ብሰንኪ ዲክታተራት ዘጓንፎም ዘሎ ዘይተኣደነ ግፍዕታት፣ ንስደት ዘምርሕ ሕልና ደው ይበል። ከምቲ ክቡር ዻዻስ ፍራንሲስኮ ዝበልዎ፡ ‘’ዘይተኣወጀ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣብ ዝተፋላለየ ዞባታት ይገታእ፡ ዓለምና ሰላም ራህዋ ቅሳነት ዲምክራሲ ዓለም ምትሕግጋዝ እምበር ናይ ነንሕድሕድካ ምውጋእ ስርዓተ መእሰርትን መቕተልትን ምድቋስ መሰል ደቂ ሰባት ጠጠው ይበል’’ ዝብል መደረታት ተሰሚዑ።
እቶም ሰብ መዚ መንግስታውያን ትካላት ብዝካኣሎም ዓቕሚ ብግብሪ ክቃለስዎ ምዃኖም ቓል ዝኣተውሉ መዓልቲ እያ። ብወገን ህዝብን ፓለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን’ከ ንእንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ከመይ ዝበለ መልሲ ኮይን ተመባጺዖም ይኾኑ።? ብርግጽ ድማ እቲ ክግበርኦ ዝለዎን እዚ ዝስዕብ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን። ንሱ ድማ፣ ቅድም ሓድነትና
ኣጠንኪርና ሓበራዊ ጽላል ሃሉዩና ብሓባር ነዚ ገባት ኣግላልን ዝኾነ ውልቀ መላኺን ሰዓብቱን ብስሩ ኣልጊስካ፣ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲን ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ንምብቃዕ ዕዙዝ ስርሓት ምክያድ። ከምኡ እውን እቲ ንስደት ዘሳጥሕ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ንኸብቅዕ ኣትክሮና ህዝብኻ ንምድሓን ሓቢርካ ምቅላስ ክኸውን ይግባእ።
ብወገን ኤርትራዊን ትካላት ፖለቲካዊ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት ሲቪካዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ዜጋታት ከምተን ኩለን ብኣኽብሮትን ወይ ፉሉይ ተዘክሮ ዘለወን መዓልትታት ኮይና ክትዝከርን መብጽዓታት ዝሕደሰላ ክትከውን ብምምሕጻን እነሆ መንግስቲ ጥልያን ንዕለት 03.10.2013 ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ተዘክሮ በዓላት ተሰዂዓስ ትማሊ ቢዒላ ዊዒላ።
ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ
ዜናን ባህሊን ሓላፊ
ፍትዊ ክፍለ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
03.10.2014
ቀዳማይ ክፋል
ትማሊ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2014 ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት መንእሰያትን ህጻውንትን ኤርትራውያንን ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብናይ ሓዘን መዛሙርን ናይ ሓርነት ጭርሖታትን ከቢሩ ውዒሉ። እዚ ዝኽርዚ ምእንቲ እቶም ኣብ ሃገሮም ብሓለንጊ ድክታቶርያዊ ስርዓት ተለብሊቦም መጻኢ ዕድሎም ንምርኣይ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም እንከለዉ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዱሳ ምስ በጽሑ ማእከላይ ባሕሪ ጠሊሙ ብሓደ መዓልቲ ዝዋሓጦም 367 ነፍሳት ኤርትራውያንን ገለ ካልኦት ዜጋታትን ውን ዝርከብዎም ንኽብሪ ዝተገብረ ምስንዳእ እዩ ነይሩ። ዝኽሪ ሓደ ዓመት ህልቂት ላምፓዱዛ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ ፍራንክፎርት ዝርከብ ኮንስላዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓት ህግዲፍ ብዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ’ዩ ተጀሚሩ። ኣብዚ ናይ ሓዘን ሰልፊ’ዚ ዝተሳተፉ 98% እቶም ዕድሎም ኣጸቢቕሎም ነቲ ኩሉ ጸገማት ናይ ስደት ጉዕዞ ሰጊሮም ብሂይወት ዝተረፉ መንእሰያት እዮም ነይሮም። 
ሰላማዊ ሰልፊ ኣለም ኣሰፋው (ዕንባባ) ዝመርሖ ናይ ሳክስፎን/ጡሩምባ ናይ ሓዘን መዝሙር እዩ ተኸፊቱ። ኣለም ኣሰፋው ብዘለዎ ብልጫታት ነቲ ህዝብና ዝርድኦ ዝተፈላለየ ናይ ሓዘን መዛሙር ኣብ ጥቓ’ቲ ኣብ ማእከል ጽርግያ ተቐሚጡ ዝነበረ ክልተ ናይ ሬሳ ሳናዱቕ ቀሪቡ ከስምዕ ምስ ጀመረ፡ ተሳተፊ ናይ ሓዘን ሰልፊ ብትካዘ ተዋሒጡ ዘየስተንተነ ኣይነበረን። ኣዒንቲ ብዙሓት በቑባቛት ንብዓተን ዛርዩ፡ ገለውን ኣዒንቶም ቁጽርጽር ምስ በሎም ካብ ሰልፊ ወጺኦም ተኸዊሎም ክነብዑ ተራእዮም። ፍዳ ናይታ ብደም ህዝቢ ነጻነታ ዘረጋገጸት ሃገርን ህዝባን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ከምዚ ኰይኑ ክትርእዮ እንከለኻ ድማ ተደራራቢ ሓዘን እዩ ዝፈጥረልካ።

ድሕርዚ፡ ኣማሓደርቲ ናይቲ ሰልፊ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፡
ህልቂት ላምፓዱዛ የብቕዕ!
ስደት ኤርትራውያን ንኸብቕዕ ብሓባር ንላዓል!
እምቢ ንምልኪ፡ እወ ንፍትሒ/እወ ንዲሞክራሲ
ውድቐት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ
ሕሰም ህዝብና ብራህዋ ክድበስ፡ ምልኪ ይደምሰስ ዝብሉን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ሓርነት ጭርሖታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብተደጋጋሚ ክቃልሑ ጀመሩ።

ስዒቡ ሓደ ካብ ኣሰናዳእቲ ናይ ሓዘን ሰልፊ፡ ንጠቐማጦ ናይቲ ከባቢ እቲ ብስም ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጥቕኦም ሰፊሩ ዘሎ ኣካል፡ ተሓታትነቱ ዘጥፋኤ፡ መጥፍእ ህዝብን ጠላምን ምዃኑ፡ ኣብ ውሽጦም መሳርሒ ዲክታቶርነት ሓቚፎም ይነብሩ ምህላዎን፡ ንህዝቢ ናይቲ ከባቢ ዝልክም ስራሓት ከካይድ ከምዝኽእልን ዝሕብርን እንታይነቱ ዝገልጽን ብጀርመንኛ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ብዘይካዚ፡ ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ዝገልጽ ብጀርመንኛ ዝተዳለወ ጽሑፋት ብብዝሒ ኣብ ህዝቢ ከምዝዝርጋሕ ተገይሩ። ምስዚ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፡ ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ፡ ዝብል ምልክት ዝሓዘ ማልያታትውን ንተሳተፍቲ ቀሪቡ።

እቲ ብስም ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራ ዝፍለጥ ገዛ ግን፡ ብስም ዝተፈላለየ ግብርታት መእምረሪ ገንዘብ ካብ ኤርትራውያን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዝገብሮ ኣገልግሎት ከምዘይብሉ ኩሉ ዝፈልጦ እዃ እንተኾነ፡ ሰልፈኛታት ምርኣይ ዓቕሉ ስለዘጽብበሉን ተጻዋርነት ዝብሃል ስለዘይፈልጥን ትማሊ ንሳልሳይ ግዝያኡ ተዓጽዩ ምውዓሉ ዝዝከር እዩ።
ናይ ሓዘን ሰልፊ፡ ኣብዝተመደበሉ ሰዓት 12፡00 ብሰላም ክድምደም ከሎ፡ ኣብቲ ካልኣይ ዝግበር ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰልፊ ንምርኻብ ግዜን ቦታን ብምዝኽኻር ተዓጽዩ።
ናብ ክቡር ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ፕረዚደንት ሃገር ኤርትራ
ጉዳይ ፣ጠለብ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ብይቶታት
እቶም ቅድሚ ሕጂ ፊርማና ኣሰኒና ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ክትጽውዕ ዝጠለብና ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብቲ ትጋገዩ ኣሎኹም ዝብል መልስኻ ስለ ዘይዓገብና ብኣኼባ ክፍታሕ ኣለዎ እንብሎ ሽግርን ንውሕስነት ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ሰርዓት ብህጹጽ ክውሰድ ኣለዎ እንብሎ ስጉምትታት ስለ ዘሎን ሕጂ እውን ደጊምና እቲ ስሩዕ ግዜኡ ድሮ ዘሕለፈ ምዱብ ኣኼባታት ባይቶታት ኣብ ውሽጢ ወርሒ ማያዝያ ክትዕድም ንጠለብ ኣሎና ።
ናይቲ ዝርኣየና ሽገር ኹነታትን እንጽብዮ ፍታሕን ዝገልጽ ጽሑፍ ድማ ኣተሓሒዝና ንሰድድ።
ተፈጢሩ ዘሎ ሽግርን ፍትሑን ።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ፤ ቅድም ናጻነት ክውን ንምግባር ውግእ ምስ ወያኔ ምስ ተጋህደ ድማ ልዑላውነት ሃገር ንምኽባር ፣ ዝፈትዎም መእሰያት ደቁ ኣሰሊፉ ፤ዝነበሮ ገንዘብን ንብረትን ክእለትን ብምሉእ ወኒ ንሃገር ኣፈውዩ ። ዕላማኡ ድማ ናጻ ኤርትራ ንምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ሓድነት ህዝቢ ተራጋጊጹ ኩሉ መዳያዊ ማዕርነት ማሕበራዊ ፍትሒ ፣ ህዝባዊ ምቁጽጻርን ፍቅርን ሰላምን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርኣይን ዝነበሮ ሕልምን ሃንቀውታን ምዃኑ ማንም ኤርትራዊ ብምስትንታን ካብ ዝዛረበሉ ዘሎ ሓቂ እዩ።
እቲ መዘከር ይቅጽል ----======።
ነዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ ዘይሕጋውን ዘየድልን ኣገባባት ይእመት እዃ እንተሎ ፣ ብዘይካ ብሰላማዊ ደሞክራሲያዊን ሕጋዊ ልዝብን ፣ ካልእ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣጋባባ የለን ። ክንዲ ዝኮነ ሕጂ እውን ህጹጽ ኣኬባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ተጸዊዑ ጉዳያት ክዝርበሎምን ስጉምትታት ክውሰደሎምን የድሊ ።
ስለ ምንታይ ህጹጽ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት የድሊ ?
ሀ/ ህግሓኤ ክቓለሰሎም ዝጸንሔ ዕላማታት ክውን ንምግባር
ቻርተርን ቅዋምን ህግደፍ ዝሓንጸጾም ራእይ ፡ ዓላማታትን ዕማማትን ብጭቡጥን ብግብርን ንምትግባር ፡
መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ብኣዋጅ 37/1993 ዝተሓንጸጸን ቃሉን መንፈሱን ንክኽበር ፡
ቁዋማዊ ባይቶ ኣብ 23 ግንቦት 1997 ዘጽደቆ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ንምትግባር
ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ኣብ ጥርን ብፍላይ ድማ ኣብ ነሓሰን መስከረምን 2000 ዓ.ም ካብ ዝገበሮ ገምጋምን ዘሕለፎ ውሳኔታታን መሰረት ብምግባር ስሩዕን ደሞክራስያዊን ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ።
ንስሩዕን ደሞክራስያውን ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ስርዓት ተደለይቲ ዝኮኑ ክፍጸሙ ዘለዎም ዕማማት ከም እኒ ----
ህጹጽ ህዝብዊ ክትዓት ኣብ ሕግታት ሃገራዊ መርጫን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ምጽዳቅ ኣብ ሃገርዊ ባይቶ ።
ንሓራን ርትዓውን ሃግራዊ ምርጫ ኣቀዲሙ ክፍጥር
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ.)፣ ኣኼባ ምስ ኤራትርውያን ተቐማጦ ቺካጎን ከባቢኡን ኣካይዱ
Monday, 29 September 2014 07:32 Written by EPDP North america
28 መስከረም 2014
3ይ ዞባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምዝዛም ሰለስተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፣ ተስፋይ ወልደሚካኤልን ኤርትራ ኣልኣዛርን ዝመርሕዎ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ በብተራ፡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ከምኡ’ውን ኣብ ጕዕዞ ስደትን ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ስቓይ ብዝርዝር ሓቢሮም። ጠንቂ ናይዚ ስቓይ ዝዀነ ስርዓት ኢሳያስን ጕጅልኡን ንምልጋስ ነብስና ወዲብና ክንቃለስን ከይወዓልና ከይሓደርና ሃገር ከነድሕን ንጥለብ ብምባል ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣቋቕማን ዕላማታትን ሰ.ደ.ህ.ኤ. ማለት ካብ ድሕረ-ባይታ ተሞክሮ ሰውራና ዝዀና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ዝቖመ፣ ንዝሓለፍናዮ ናይ ፍልልያት መናድቕ ዘፍረሰ ናይ ሓድነት ሰልፊ ምዃኑ ሓቢሮም። ሓድነት ህዝብን መሬትን ዝዓቀበት ሰላማዊትን ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽ ዝቃለስ ሰልፊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፤ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝዕወት ለውጢ ስለዘይህሉ ህዝብና ኣብ መኣዲ ቃልሲ ክሳተፍን ዓወቱ ከቃላጥፍን ኣገንዚቦም።
ኤርትራ ኣልኣዛር ኣብነታት ካብ ማህደር ተሞክሮታት ቃልሲ ዓለም ብምውካስ፣ ንታሪኻዊ ግደ ደቀንስትዮ ዓለም ኣብ ለውጥን ምዕባለን ኣመልኪታ መብርሂ ኣቕሪባ። ኣብ ኤርትራ’ውን ብተሳትፎ ደቀንስትዮ ዝተረጋገጸ ዓወታት ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ ምዃኑ ኣስሚራትሉ። ኣብ ዝኸይድ ዘሎ መሪር ጭቆና ዝያዳ ውጹዓት ደቀንስትዮ ምዃነን ብምብራህ እቲ እነማዕድዎን እንጽበዮን ለውጢ ድማ ንኽብርን መሰልን ደቀንስትዮ ዘዕቆበ ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚራትሉ።
መደብ ሕቶን መልስን፡
Ø ንሓድነት ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዝምልከት
Ø ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎናን ክህልወና ዘለዎን ዝምድና
Ø ሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ
Ø ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኢሳያስ ዝተቐረበ መሰጋገሪ መደብ እንታይ እዩ
ዝብሉ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐረቡ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ተዋሂቡ ከምኡ’ውን ካብ ተሳተፍቲ ዝተውህበ ርእይቶን ለበዋን ተቐቢሉ፤ ንዝኽሪ ህልቀት ላምፓዱዛ ሽምዓ ብምብራህ ናይ ሕልና ጸሎት ተገይሩ ኣኼባ ዛዚሙ።
3ይ ዞባዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ.)፣
Monday, 29 September 2014 07:25 Written by EPDP North americaመስከረም 27 – 28, 2014 ዓ.ም.
ኣብ ከተማ ቺካጎ / ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ተኻይዱ።
ኣሳናዳኢ ሽማግለ ዞባ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ብዝሰርዖን ዝወደቦን መደብ፣ ወከልቲ ጨናፍር ሰልፊ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ከተማ ቺካጎ ተራኺቦም ጉባኤኦም ብዓወት ኣሰላሲሎም።
ኣኼባ ብኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቃለኣብ ክፍለጌርጊስ ብሰልፋውን ሃገራውን ጉዳያት ተገዲስኩም ኣብ ቦታ ጉባኤ ምርካብኩም ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለን ጨንፈር ቺካጎን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፤ ጉባኤ ጀሚርና ክሳብ ንውድእ ዝምልከት ቅደም ተኸተል ዕማማት ሓበሬታ ኣቕሪቡ።
ወልዱ ነጋሲ፣ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ፣ ኣስዒቡ ክሳብ’ዚ ጉባኤ መሪሓ ዘብጽሐት ዞባ ሽማግለ ብምምስጋን፤ ንዝመጽእ ከተገልግል እንመርጻ ሽማግለ ዞባ፣ ኣዳልያ ሕጹያት ናብ ጉባኤ እተቕርብ ሓጻዪት ሽማግለ ከም ዘቖሙን ተዳልያ ከም ዘላን ኣፍሊጡ። ቀጺሉ ጉባኤ ንምስንዳእ ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወቱ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ መሓሪ በርሀን ቃለኣብ ክፍለጌርጊስን ኣመስጊኑ።

ኣለም ዮውሃንስ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምኽትል ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብ ሰልፍና መዓልታዊ ልሉይ ግደ ዝጻወቱን ዘበርክቱን ንኸመስግን ኣሳናዳኢት ሽማግለ ብዝሓተተቶ መሰረት፡
Ø ምሉእ ጊዚኦምን ዓቕምታቶምን ወፍዮም ንሰልፍና ዘገልግሉን ዘቐድሙን ኣባላትና ልዑል ምስጋና ይብጽሓዮም
Ø ቅድሚ ናጽነት ብህዝባዊ ግንባር ንሸውዓተ ዓመት ተኣሲሩ ወጺኡ፣ ኣብ ሰልፍና ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኰይኑ እናገልገለ ከሎ ብዘይተፈልጠ ተጨውዩ ሃለዋቱ ክንፈልጥ ዘይከኣልና፣ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ክንዝክሮን ሃለዋቱ ክሳብ ንረክብ ጻዕርታትና ከቋርጽ ከምዘይብሉን ኣዘኻኺሩ።
Ø ዘይሕለል ንጡፍ ብቐጻሊ ኣብ ዕማማት ሰልፍን ስነጽሑፋቱን ግብራዊ ዕማማትን ዘበርክት ዶክተር ገረመስቀል ነመስግኖ
Ø ንመትከላት ሰልፍና ዝከላኸሉን ዘቐድሙን ዘይሕለሉ ተዋሳእቲ ግርማይ ተመስገን፡ ተስፋይ ካሕሳይ፣ ኣንቶንዮ ተስፋይ፡ ጸሃየ ኣርኣያ፡ ወልዱ ነጋስን ተስፋይ ደጊጋን ኣለልዩን ኣመስጊኑን።
ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስርርዓዊ ጉዳያትን፣ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ጨንፈር ቺካጎን ጉባኤና ንምስልሳል ዘበርከትዎ ግደ ኣመስጊኑ። ቀጺሉ ብደረጃ ሰልፊ ሓበሬታ ድሕሪ ምቕራብ፤ ዘጋጥሙና ብድሆታትን ክንቅርቦም ዘሎና ፍታሓትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።
ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳያትን፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ መንግስትኣብ ኣስመሮም ንጉባኤ ዝሰደዶ ደብዳበ ኣቕሪቡ። ኣቦ መንበር ብስመይን ብስም ማእከላይ ሽማግለን እንቋዕ ን3ይ ጉባኤ ኣብቃዓኩም ድሕሪ ምባል፤ ዕዉት ጉባኤ ክዀነልኩም እምነ ክብል ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ። ቀጺሉ ሰልፍና ኣብ ኵሉ መዳያት ቃልስና ዘሰላሰሎ ስራሓትን ዘጋጥሞ ብድሆታትን ብምምልካት ብሰንኪ ሕሱም ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ስቓይ ብፍላይ ብተረኽቦ ህልቂት ላምባዱዛ ናብ ኣቓልቦ ህዝቢ ዓለም ብምብጻሕ ዝገደፎ ጽልዋን ኣስሚርሉ። ሰልፍና ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ማሕበራትን መንግስታትን መዘክራት እናለኣኸ ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከባቢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ትምህርትን ናይ ሞያ ስልጠና ኣገልግሎትን ክግበረሎም ጥርዓናት ካብ ምቕራብ ከምዘይቋረጸ ኣነጺሩ። ናብ ብሰላም ሰሪሖም ክመሃሩሉን ክሰርሕሉን ዝኽእሉ ውሑስ 3ይ ሃገር ከስግሮዎም ሰልፍና ደጋጊምና መዘክራት ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

ዞባዊ ጸብጻብ ብኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ ዮሴፍ ሃይለ ቀሪቡ። ዮሴፍ እንቋዕ ናብ ቦታ ጉባኤ ለውጥን ምዕባሌን ንምሕንጻጽ ኣብዚ ተራኸብና ብምባል ዝርዝር ጸብጻቡ ኣቕሪቡ፡
· ንኣጀማምራ ስራሕ ዞባን ቅርጻ መሪሕነትን ሓላፍነታት ሽማግለን ብዝርዝር ኣብሪሁ
· ኣብ ጕዕዞ ዘጋጠሞም ብድሆታትን ዝገበርዎ ፍታሓትን ኣብሪሁ
· ዝተራእዩ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ብደረጃ ጨናፍርን ዞባን ኣቕሪቡ
· ንመጻኢ ከነመሓይሾም ዘሎና ነጥብታት ብምቕራብ፣ ጉባአ ክዛረበሎምን ፍታሕ ከናድየሎምን ተላብዩ
ገንዘባዊ ጸብጻብ ብዞባዊ ገንዘባዊ ሓላፊ ትኩእ ተስፋይ፡ ቀጺሉ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡
· ኣብ ክልተ ዓመት ካብ ኣባላት ዞባ ዝተገብረ ኣታዊ
· ብወፈያታትን ወፍርታትን ዝተገብረ ኣታዊ
· ጠቕላሊ ጸብጻብን ኣወጋግንኡን ዘርኢ ሰሌዳ ኣቕሪቡ
ጉባኤ ብ5 ዝኣባላታ ሰክረታርያ፡ ኣለም ዮውሃንስ፣ ኤፍረም ታፈረ፣ ወይኒ ወልደስላሴ፣ ግርማይ ተመስገን (ቀሺ)ን ተወልደ መሓሪን ተመሪሑ ንዝቐረበ ጸብጻብ ተኻቲዑ ድሕሪ ምብሳሉ ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።
ብሓይሊ ዕማም ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ሰነድ፡
ንትሕዝቶ መጽናዕቲ ብሰሌዳን ጽማቝ መግለጽን ተሰኒዩ ብዶክተር ገብረመስቀልን ላይነ ካሕሳይን ቀሪቡ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ብምቕራብ ዕቱብ ምይይጥ ኣካይዶም። እቲ መጽናዕቲ ብተሳትፎ ውልቀ-ኣባላትን ብኣኼባ ጨናፍርን ዝተገብረ ኰይኑ፡ ድኹምን ሓያልን ጎድንታት ሰልፊ ብፍላይ፣ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፎ ዘሎ ክውንነት ኣጕሊሑ ዘርኣየ ነይሩ።
ኤርትራ ኣልኣዛር ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቀንስትዮ፤ ኣብ ሰልፊ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ብግዱሳት ኣባላት ዝካየዱ ንጥፈታት ማሕበር ኣብሪሃ።
ውሳኔታትን ለበዋታትን ጉባኤ
ኣብ ምድምዳም ጉባኤ ውሳኔታት ብፍልይቲ ሽማግለ ንድፊ ቀሪቡ ጉባኤ ተኻቲዑ ዘጽደቖ ብፍሉይ መግለጺ ክወጽእ’ዩ፡ ካብ ጉባኤ ዘተኰረሎም ቀንዲ ትሕዝቶ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ንጠቅስ፡
1. “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ብመራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተዘርግሐ ንምረት ህዝብና ዘቃለሐን ለውጢ ዝጠልብ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጉባኤና ከምዝቕበሎን ዝድገፎን ዳግማይ ኣረጋጊጹ
2. ኣብ ጥሪ 2013 ብወዲ ዓሊ ዝተመርሐ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዘኪሩ ንተባዕ ተበግሶኡ ኣሞጊሱ
3. ኣብ ናይ 2014 ዋዕላ ፕረቶርያን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርትን ቦሎኛን ተደጊሙ ንዝሃብተመ ልዝብን ውሳኔታትን ብመትከል ከምዝድግፎ ኣረጋጊጹ
4. ኣብ ሓድነት ዘሎና ማእከላዊ ራእይ ኣብ መትከል ብዙሕነት ዝተሰረተ ምዃኑ ብግሉህ መልክዕ ኣቕሪቡ
5. ብጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን፣ ዘጋጥሞም ጸገማትን እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶን ርእዩ
6. ስርዓት ኢሳያስ ኣልጊስካ ብደሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ንምትካእ፣ ናይ ውሽጥን ድያስፖራን ቃልሲ ዝውሃሃደሉ መስኖታት ዳህሲሱ
7. ብ”ደለይቲ ፍትሒ” ዝፍለጥ ዝጕሃሃር ዘሎ ምንቅስቓስ ንለውጢ ብሓሳብን ግብርን ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ኣጥቢቑ ተማሒጺኑ

ድሕሪ ናይ ክለተ መዓልታት ነዊሕ ሰዓታትን ዝወሰደ ምምይያጥን ክትዓትን ጉባኤኛታት ናይ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ዞና ምምሕዳር ሽማግለ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ብምምራጽ ጉባኤ ብዓቢ ዓወት ብምዝዛም ተሳተፍቲ ጉባኤ ብዓቢ ፍናን ቃልሶም ከነሃህሩ ቃሎም ብምሕዳስ ናብ ቦቶኦም ተመልሶም።
28 መስከረም 2014
ብዝሒ ሓተትቲ ዑቑባ ብዝያዳ ወሲኹ
Saturday, 27 September 2014 18:55 Written by ካብ ተለቭጅን ሽወደን ናይ ዕለት ዕለት 27 መስከረም 2014 ዜናብዝሒ ሓተትቲ ዑቑባ ኣብ ወገን እንዳስትራልውያን ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዓመት ብ 24% ወሲኹ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR) መግለጺ ሂቡ። ኩናት ኣብ ሲርያ ቁሉውላው ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኤርትራን ገለ ካብቲ ጠንቅታት ምዃኑውን ብምብራህ መብዛሕትኦም ካብቶም ሓተትቲ ዑቑባ ኣብ ሹዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ጀርመን፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ሽወደን፡ ቱርክን ጣልያንን ዮም ዝመጹ ዘለው። ኣብ መጀመርያ ክፋል ናይዚ ዓመትዚ 330,700 ሰባት ፖለቲካዊ ዑቑባ ኣብ 44 ሃገራት ማለት ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኢስያን ክሓቱ ከለው፡ ብድምር ኣብዚ ዓመትዚ 700,000 ዑቑባ ንምሕታት ኣብ ትጽቢት ኣለው።