ብዝሒ ሓተትቲ ዑቑባ ብዝያዳ ወሲኹ

2014-09-27 16:55:56 Written by  ካብ ተለቭጅን ሽወደን ናይ ዕለት ዕለት 27 መስከረም 2014 ዜና Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 34215 times

ብዝሒ ሓተትቲ ዑቑባ ኣብ ወገን እንዳስትራልውያን ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዓመት ብ 24% ወሲኹ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR) መግለጺ ሂቡ። ኩናት ኣብ ሲርያ ቁሉውላው ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኤርትራን  ገለ ካብቲ ጠንቅታት ምዃኑውን ብምብራህ መብዛሕትኦም ካብቶም ሓተትቲ ዑቑባ ኣብ ሹዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳ ጀርመን፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ሽወደን፡ ቱርክን ጣልያንን ዮም ዝመጹ ዘለው። ኣብ መጀመርያ ክፋል ናይዚ ዓመትዚ 330,700 ሰባት ፖለቲካዊ ዑቑባ ኣብ 44 ሃገራት ማለት ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኢስያን ክሓቱ ከለው፡ ብድምር ኣብዚ ዓመትዚ 700,000 ዑቑባ ንምሕታት ኣብ ትጽቢት ኣለው።

Last modified on Saturday, 27 September 2014 18:59