ቀደምስ ወርቀን ሂበን፡ሎሚኸ ደቀን ኣበይ ኣለዉ?

2014-09-27 08:39:10 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 25031 times

ኣብ ባህልና ሓደ ሰብ ብብርቱዕ ሓሚሙ ሞተ ሰተዀ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ “እዛ ትንፋሱስ ኣበይ እያ ተሰዂዓ ዘላ?” እዩ  ዝበሃል ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ሓደ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣዝዩ ዘጨንቖን፡ እቲ መዋጸኦ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘሓርበቶን መቓርብተይ ብቖጸራ ተራኺብና ነዕልል ነይርና። ኣብዚ ዕላልና ናይ መጀመርያና’ኳ እንተዘይኮነ ንኹሉ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከካብ ዝሰማዕናዮን ዘንበብናዮን እንዳተበገስና፡ ካብ ዋሕዲ ጀሚርካ ክሳብ’ቲ ቀጥዒ ዘየብሉ ክብሪ መሰረታዊ ነገራት፡ ነቲ ካብ መብራህትን ማይን ጀሚርካ ክሳብ ዕንጸይቲ ዘሎ ስእነት፡ ካብ ብዘይ ፍርዲ ምእሳር ጀሚርካ ክሳብ ብዘይፍርዲ ምቕታል ዘሎ ግህሰት መሰረታዊ መሰላት፡ ካብ ኣብ መንጎ ውሉድን ወላድን ጀሚርካ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምትእምማን፡ ካብ ኣብ መደበር ስደተኛታት ጀሚርካ ክሳብ ኤውሮጳ ዘሎ ኣሰቃቒ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እንተላይ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዘሎ ምስኣን ዓቕምን በታ ዘላትካ ዓቕሚ ተቐራሪብካ ዘይምስራሕን ኣብዚ ዕላልና በጺሕናዮ።

ደሓር ንሱ እቲ መዓልልተይ ከም መግለጺ ናይ ምስድማሙ፡ ኩሉ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ተፈታሕካስ ቁጻር ምዃኑ ኣስተብሂሉ፡ ነቲ ናይ ወለድና ኣበሃህላ ዘኪሩ፡ “እዛ ትንፋስ ጉጅለ ህግደፍስ ኣበይ ደኣ እያ ተሰዂዓ ዘላ?” ምስ በለኒ “ እዋእ ኣብ ተለቪዥን (ኤረ ቲቪ) እምበር” ኢለ ካብቲ ምስቁርቋሩ ናብ ግዝያዊ ሰሓቕ ኣውጺአዮ ናብ ካልእ ዕላልና ከይድና። ኣብዚ ሎሚ እዋን ካብቲ ምትእምማን ዘይፈጥር ዘሎ ኣቀራርባታት እትብሎን እትገብሮን በበይኑ ምዃን ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣትኪልካ ንመጻኢ እንዳማዕዶኻ መፍትሒ ከተምጽእ ምጽዓር ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ዛንታ ክትነብር ምፍታን እውን ካልእ ጸገም እዩ። እዞም ክልተ ባህርያት እምበኣር ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝግለጸሎም እዮም። ኣብታ መሕለዊት ትንፋስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤረ ቲቪ ዝቐርቡ ማይ ዘይጠዓሙ ኣብ ዝሓለፈ ፍጻመታት ጥራይ ዘኹድዱ መዳህለልቲ መደባት ብዙሓት ስለ ዝኾኑን ምዝርዛሮም ስለ ዘጸግምን ብድብድቡ ኩሉ ዝብልዎ ብትሕዝቶኡ፡ ብእዋናውነቱ ኮነ ብህዝባውነቱ ባዶ እዩ ኢልካ ምሕላፉ እቲ ዝሓሸ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ናይ ኤርትራውያን ማህበር ደቂ ኣንስትዮ 7ይ ጉባአን ስምፖዝየምን ዝብል ሃውለካ ኣብታ ተለቪዥን ክንዕዘብን ክንሰምዕን ቀኒና። ኣብዚ ኣጋጣሚ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጅግንነት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክግለጽ’ውን ተዓዚብና። እዘን ጅግንነት ዝፈጸማ ደቂ ኣንስትዮን ዝወለደኦም ደቀንንከ ሎሚ ናይ እንዳመን ከደምቲ ኮይኖም ኣለዉ? ዝብል ሕቶ ግና ጉጅለ ህግደፍ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ ስለ ዝኾነ እውናዊ ክነሱ ኣይተላዕለን። ብዙሓት ነዚ ናይ ኣሽካዕላል መደባት ዝተዓዘቡ ኣካላት “ኣየ ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጸባ” ክብልዎ ሰሚዐ። ማለት ጉጅለ ህግደፍ ብዓቢኡ ዘጸልመቶ ኤርትራዊ ኣዳራሽስ ያኢ ብሓደ ኣብ ትሕቲኡ ጭርኡ ደጒሉ ዝነብር መሳርሒኡ ማሕበር ክበርህ ማለት ዘበት እዩ ንምባል ዝኣክል። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኤርትራውያን ኣደታት ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብዘይካቲ ንተጋደልቲ ደቀን ሰንኪተን ምዕንጋለን፡ ማይ ቀዲሐን ምርስራሰንን፡ ኣብ ግዜ ግጥም ብደም ዝጨቀወ ክዳኖም ምሕጻብን ኣብ ሆስፒታላት ምልዓሎምን “ስልማተይ ድሕሪ ሃገረይ” ኢለን ወርቀንን ጨርቀንን ከወፍያ እንከለዋ፡ ዘርኢ ስእልታት ምርኣይ  ከብድኻ ዝበልዕ ዛንታ እዩ። ምዃን ኤርትራውያን ኣደታት ካብ ጉልበታዊ ኣበርክቶን ስልማትን ዝኸብር ውላደን እውን መሪቐንን ኣስኒቐንን ናብ ቃልሲ ብምልኣኽ ኣብነታዊ ታሪኽ ሰሪሐን እየን። እዚ ታሪኽ’ዚ ግና እነሆ ሎሚ ከምቲ ስሙ ኣብ መስርሕ ዝተኾልፈ ጉዛምዛ ታሪኽ ወይ ዛንታ ኮይኑ ተሪፉ። እዘን ሓደ እዋን ውላደንን ስልማተንን ምእንቲ ኩለመዳያዊ ራህዋ ህዝብን ሃገርን ዝሃባ ተበዓትን ለወሃትን ኣደታት፡ ኣብቲ በዚ ዋጋ’ዚ ዝመጸ ነጻነት ደቀን ሓርቢትዎም ካብኣተን ብምፍላዮም ጠዋሪ ስኢነን ምዝኽታም ከይኣኽለን፡ ኣብ መንገዲ ናብ ስደት ኣብ ምድረበዳ መይቱ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ፡ ብጨወይቲ ኣካላቱ ከም ታራ ንዋት ተመዝሒቑ ተሸይጡ ብዝል መርድኣት ይልለዋ ምህላወን ድቃስ ዝኸልእ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ወገናት እዮም እምበኣር “ቀደምስ ወርቀን ሂበን፡ሎሚኸ ደቀን ኣበይ ኣለዉ?” ክብሉ ዝግደዱ። ሓቃቶም እዮም ድማ። ከምቲ “ንወሃብ ጸባ ነይትኸልኦ ማይጸባ” ዝበሃል ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራውያን ኣደታት ወርቀን’ኳ ተዘይሃበን፡ ቅሱን ህይወት ግና ክነፍገን ኣይነበሮን።

“ህዝብና ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ” ዝብል ሓረግ ኩሉ ግዜ ኢና ነዘውትሮ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግና ሓደ ሰብ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ሓደ ሕቶ ኣቕሪቡለይ። “ሓደ ኣካል ንሓደ ካልእ ኣካል ጠሊምዎ ዝበሃል እኮ፡ እዚ ክገብረልካ እየ ኢሉ ቃል ኣትይሉ ነይሩ ክንሱ ደሓር ቃሉ ክዓጽፍ እንከሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ብቐደሙ ንህዝቢ ኣእሚኑ ዘይኮነስ ኣገዲዱ እንዳኾብኮበ ተንኩላቱ ሓቢኡ ንሃገራዊ ፍቕርን ስምዒትን ህዝብና መዝሚዙ ብዘይግሉጽ ጐደና  ዝመጸ በሓቲ ስለ ዝኾነ ካብቲ ቅድም ዝሓዞ መስመር ዓመጽ ኣይወጸን። ሓንሳብ ስኑ ምስ ነኸሰ ኣይሰደደን። እቲ ክሕተት ዝግበኦ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ እዩ። “ ቀደምከ እንታይ ርኢኻ ኢኻ ንጉጅለ ህግደፍ ዝኣመንካዮን ሎሚ ሰናይ ከምጸኣልካ እትጽበዮን?” ብዝብል ቃና። ኣነ እውን ህድእ ኢለ ስምዒተይ ኣውሊለ እንተ ሓሰብኩዎስ እቲ ዝበለኒ ገለ ሓቂ ረኺበሉ። እንተኾነ ኣብ ህዝቢ ጌጋ ከም ዘይነበረ ንምርድኡ “ የለን ህዝቢ ኤርትራ ዓሽዩ ዘይኮነስ፡ በቲ ሓደ ወገን ኮንደኾን ከምቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝበሃል ነቲ ጉጅለ ናብ ቀልቡ ተተመለሰ ዕድል ክህቦ ደልዩ ይኸውን። ብዘይካዚ ኣብቲ ተገዲዱ፡ ዝስለፈሉ፡ እዚ ዘይገብርካ እንዳተባህለ ዝእሰርን ዝርሸንን ዝነበረሉ ግዜ፡ ሕቶን ተቓውሞን እንተ ኣልዒሉ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ከይኩለፍ’ሞ መፍቶ መግዛእቲ ከይንኸውን ብዝብል ልቢ ኣዕብዩ ክኸውን ይኽእል ኢለዩ። ደሓር ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ሽዑ ሎሚ እውን ንጉጅለ ህግደፍ ዘሻቕል ውዳበ ዘይነበሮን ዘየብሉን ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግበኣናን ኢለዮ። እንተኾነ መዓልልተይ ነዓይ እውን ከቐይመኒ ስለ ዘይደለየ ደኣ “በል እስኪ ደሓን ይኹነልካ” ኢሉኒ እምበር ውሽጡስ ካልእ እዩ ነይሩ። “ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ገጢምዎ ዘሎ መከራ፡ ብሰንኪ ነዚ ሎሚ ናብ ዓዲ ዕንወት ገቢሉ ዘሎ ጉጅለ ብዓንተብኡ ባልህ ኢሉ “እዚ ቃልሲ ናተይ ናይ ህዝቢ እዩ፡ ህዝቢ ድማ ናይ መሬት ነጻነት ጥራይ ዘይኮነስ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ልምዓትን ራህዋን እዩ ዝደሊ” ዘይምባሉ እዩ። ኮታ “ህዝቢ ኤርትራ ዝዘርኦ እዩ ዝሓፍስ ዘሎ” ክብል ከም ዝደለየ ተዓዚበዮ።

እንተኾነ ብናይ ካለኦት ኣብ ክንዲ ንህልዊ ምድህሳስን ንመጻኢ ምእማትን ኣብ ዝሓለፈ ክነብሩ ምድላዮም እንዳ ነቐፍኩ ኣብዚ ዝሓለፈ ዛዕባዚ ግዜ ክወስድ ስለ ዘይደለኹ ናብዚ ናይ ሎሚ ሃለዋትና ክመጽእ መሪጸ። እቲ ንጉጅለ ህግደፍ ምቁጽጻር ኣብቲ ቀደምስ ሓሊፉ፡ እቲ ዘሕዝን ድማ ሎሚ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ነቲ እዚ ጉጅለ ዝፍጽሞ ዘሎ ሓጥያት ዝምርቕሉ፡ ነቲ ዝረአ ክፋኡ ዘይርእዩ፡ ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ ውሱናት ኤርትራውያን ምህላዎምን ኣብኡ ክንዛረብ ከም ዝግበኣናን ኣፍኢመሉ ብኣኡ ድማ ተረዳዲእና። እቶም ብቐጥታ  ንጉጅለ ህግደፍ ንምድጋፍ “እንታ ንበረልና” ዝብልዎ፡ ጸገማት ህዝብና ሃዲእካ ንከይዝረበሉ “ንኺድ ጥራይ” ዝዝምሩ፡ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ንምንባር “ሎሚ ስራሕ ራህዋ ጽባሕ” ዝጭርሑ እቶም ንፈልጦም ውሱናት ኮይኖም፡ ሎሚሎሚ ቁጽሮም እንዳማሰን፡ ድምጾም ድማ እንዳተሓተ ዝመጽእ ዘሎ እዮም። እቶም ብተዘዋዋሪ ምናልባት እውን ብዘይምስትውዓል ንጉጅለ ህግደፍ ዝሕግዝዎን ዕድመ ዝልምንሉን ዘለዉ ድማ ክቃወምዎ ወሲኖም ኣብቲ ናይ ተቓውሞ መስርዕ ተሰሊፎም ክንሶም፡ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ዘየሰስን ምናልባት እውን ዘዳኽም ፍልልያት ከጉልሑ ሒጊግ ዝብሉ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሰማማዕካ በቲ ሓደ ወገን፡ ነቲ ዝፈላልያካ ድማ በቲ ሓደ ገጽ ወጊንካን ኣመሓዲርካን ኣብቲ ዘሰማመዓካ ብሓባር ምቅላስ ነቲ ዘሰማማዓካ ረሲዕካን ነቲ ዝፈላልየካ መሊስካ ከተባልሖ ምውዓል ይፈቶ ይጸላእ ንጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን። ክትስማዕ እምበር ክትሰምዕ ቅሩብ ዘይምዃን፡ ክትህብ እምበር ክትቅበል ቅሩብ ዘይምዃን፡ ክትነኣድ እምበር ክትንእድ ዘይምድፋር እውን ንህልውና ህግደፍ ሓገዝቲ ምዃኖም ኣይንዘንግዕ።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ናብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝወስድ ብናቱ ውሽጣዊ ምዕልባጥ ዝውሰን ዳይናሚካዊ መስርሕ ከቶ ኣይክዕገትን እዩ። እቲ ንሓንሳብ፡ ሃይማኖት፡ ንሓንሳብ ኣውራጃ፡ ንሓንሳብ ድማ ክመሓደር ዝግበኦ ናይ ኣረኣእያ ብዙሕነት ዘይመልክዑ እንዳትሓዝካ ዝፍጠር ኣዕናዊ ፈንጠርጠር ኣስጋኢ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንጉጅለ ህግደፍ ካብ ሞት ከየድሕኖ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ውድቀት እዚ ጉጅለ ኣብ ዘሎ መስርሕ እውን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ስለ ዝህልዎ እዩ። ምናልባት እውን ናይ ግዜ ጉጅለ ህግደፍ ሕማቕ ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ክደግም ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ ካብ ሕጂ ኢና ልብና ኣስፊሕና ሓላፍነት ተሰሚዑና፡ ካብ ናይ ዝገበረኒ ክገብሮ ዘይቅዱስ ህልኽ ወጺእና፡ ካብ ኣተሓሳስባ  ካብ ኢድ ናብ ኣፍ  ወጺእና ከነስተብህል ይግበኣና።

26 መስከረም 2014

Last modified on Saturday, 27 September 2014 10:41