ጉጅለ 15 ሓደ ካብቲ ናብ መራሒ ህግደፍ ዝለኣኩዎ መዘክራቶም

2014-10-04 06:28:23 Written by  G-15 Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3673 times

 

            ናብ ክቡር ኢሳያስ ኣፈወርቂ

            ፕረዚደንት ሃገር ኤርትራ

            ጉዳይ ፣ጠለብ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ብይቶታት

እቶም ቅድሚ ሕጂ ፊርማና ኣሰኒና ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ክትጽውዕ ዝጠለብና ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብቲ ትጋገዩ ኣሎኹም ዝብል መልስኻ ስለ ዘይዓገብና ብኣኼባ ክፍታሕ ኣለዎ እንብሎ ሽግርን ንውሕስነት ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ሰርዓት ብህጹጽ ክውሰድ ኣለዎ እንብሎ ስጉምትታት ስለ ዘሎን ሕጂ እውን ደጊምና እቲ ስሩዕ ግዜኡ ድሮ ዘሕለፈ ምዱብ ኣኼባታት ባይቶታት ኣብ ውሽጢ ወርሒ ማያዝያ ክትዕድም ንጠለብ ኣሎና ።

            ናይቲ ዝርኣየና ሽገር ኹነታትን እንጽብዮ ፍታሕን ዝገልጽ ጽሑፍ ድማ ኣተሓሒዝና ንሰድድ።

            ተፈጢሩ  ዘሎ ሽግርን ፍትሑን ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ፤ ቅድም ናጻነት ክውን ንምግባር ውግእ ምስ ወያኔ ምስ ተጋህደ ድማ ልዑላውነት ሃገር ንምኽባር ፣ ዝፈትዎም መእሰያት ደቁ ኣሰሊፉ ፤ዝነበሮ ገንዘብን ንብረትን ክእለትን ብምሉእ ወኒ ንሃገር ኣፈውዩ ። ዕላማኡ ድማ ናጻ ኤርትራ ንምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ሓድነት ህዝቢ ተራጋጊጹ ኩሉ መዳያዊ ማዕርነት ማሕበራዊ ፍትሒ ፣ ህዝባዊ ምቁጽጻርን ፍቅርን ሰላምን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርኣይን ዝነበሮ ሕልምን ሃንቀውታን ምዃኑ ማንም ኤርትራዊ ብምስትንታን ካብ ዝዛረበሉ ዘሎ ሓቂ እዩ።

 እቲ መዘከር ይቅጽል ----======።

ነዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ ዘይሕጋውን ዘየድልን ኣገባባት ይእመት እዃ እንተሎ ፣ ብዘይካ ብሰላማዊ ደሞክራሲያዊን ሕጋዊ ልዝብን ፣ ካልእ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣጋባባ የለን ። ክንዲ ዝኮነ ሕጂ እውን ህጹጽ ኣኬባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ተጸዊዑ ጉዳያት ክዝርበሎምን ስጉምትታት ክውሰደሎምን የድሊ ።

            ስለ ምንታይ ህጹጽ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት የድሊ ?

ሀ/ ህግሓኤ ክቓለሰሎም ዝጸንሔ ዕላማታት ክውን ንምግባር

ቻርተርን ቅዋምን ህግደፍ ዝሓንጸጾም ራእይ ፡ ዓላማታትን ዕማማትን ብጭቡጥን ብግብርን ንምትግባር ፡

መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ  ብኣዋጅ 37/1993 ዝተሓንጸጸን ቃሉን መንፈሱን ንክኽበር ፡

ቁዋማዊ ባይቶ ኣብ 23 ግንቦት 1997 ዘጽደቆ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ንምትግባር

ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ኣብ ጥርን ብፍላይ ድማ ኣብ ነሓሰን መስከረምን 2000 ዓ.ም ካብ ዝገበሮ ገምጋምን ዘሕለፎ ውሳኔታታን መሰረት ብምግባር ስሩዕን ደሞክራስያዊን ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ።

ንስሩዕን ደሞክራስያውን ምስግጋር ናብ ቁዋማዊ ስርዓት ተደለይቲ ዝኮኑ ክፍጸሙ ዘለዎም ዕማማት ከም እኒ ----

ህጹጽ ህዝብዊ ክትዓት ኣብ ሕግታት ሃገራዊ መርጫን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ምጽዳቅ ኣብ ሃገርዊ ባይቶ ።

ንሓራን ርትዓውን ሃግራዊ ምርጫ ኣቀዲሙ ክፍጥር