ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት

2014-10-04 06:30:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3399 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

03.10.2014

ቀዳማይ ክፋል

ትማሊ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2014 ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት መንእሰያትን ህጻውንትን ኤርትራውያንን ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብናይ ሓዘን መዛሙርን ናይ ሓርነት ጭርሖታትን ከቢሩ ውዒሉ። እዚ ዝኽርዚ ምእንቲ እቶም ኣብ ሃገሮም ብሓለንጊ ድክታቶርያዊ ስርዓት ተለብሊቦም መጻኢ ዕድሎም ንምርኣይ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም እንከለዉ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዱሳ ምስ በጽሑ ማእከላይ ባሕሪ ጠሊሙ ብሓደ መዓልቲ ዝዋሓጦም 367 ነፍሳት ኤርትራውያንን ገለ ካልኦት ዜጋታትን ውን ዝርከብዎም ንኽብሪ ዝተገብረ ምስንዳእ እዩ ነይሩ። ዝኽሪ ሓደ ዓመት ህልቂት ላምፓዱዛ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ ፍራንክፎርት ዝርከብ ኮንስላዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓት ህግዲፍ ብዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ’ዩ ተጀሚሩ። ኣብዚ ናይ ሓዘን ሰልፊ’ዚ ዝተሳተፉ 98% እቶም ዕድሎም ኣጸቢቕሎም ነቲ ኩሉ ጸገማት ናይ ስደት ጉዕዞ ሰጊሮም ብሂይወት ዝተረፉ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

ሰላማዊ ሰልፊ  ኣለም ኣሰፋው (ዕንባባ) ዝመርሖ ናይ ሳክስፎን/ጡሩምባ ናይ ሓዘን መዝሙር እዩ ተኸፊቱ። ኣለም ኣሰፋው ብዘለዎ ብልጫታት ነቲ ህዝብና ዝርድኦ ዝተፈላለየ ናይ ሓዘን መዛሙር ኣብ ጥቓ’ቲ ኣብ ማእከል ጽርግያ ተቐሚጡ ዝነበረ ክልተ ናይ ሬሳ ሳናዱቕ ቀሪቡ ከስምዕ ምስ ጀመረ፡ ተሳተፊ ናይ ሓዘን ሰልፊ ብትካዘ ተዋሒጡ ዘየስተንተነ ኣይነበረን። ኣዒንቲ ብዙሓት በቑባቛት ንብዓተን ዛርዩ፡ ገለውን ኣዒንቶም ቁጽርጽር ምስ በሎም ካብ ሰልፊ ወጺኦም ተኸዊሎም ክነብዑ ተራእዮም። ፍዳ ናይታ ብደም ህዝቢ ነጻነታ ዘረጋገጸት ሃገርን ህዝባን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ከምዚ ኰይኑ ክትርእዮ እንከለኻ ድማ ተደራራቢ ሓዘን እዩ ዝፈጥረልካ።

 

ድሕርዚ፡ ኣማሓደርቲ ናይቲ ሰልፊ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፡

ህልቂት ላምፓዱዛ የብቕዕ!

ስደት ኤርትራውያን ንኸብቕዕ ብሓባር ንላዓል!

እምቢ ንምልኪ፡ እወ ንፍትሒ/እወ ንዲሞክራሲ

ውድቐት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ

ሕሰም ህዝብና ብራህዋ ክድበስ፡ ምልኪ ይደምሰስ ዝብሉን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ሓርነት ጭርሖታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብተደጋጋሚ ክቃልሑ ጀመሩ።

ስዒቡ ሓደ ካብ ኣሰናዳእቲ ናይ ሓዘን ሰልፊ፡ ንጠቐማጦ ናይቲ ከባቢ እቲ ብስም ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጥቕኦም ሰፊሩ ዘሎ ኣካል፡ ተሓታትነቱ ዘጥፋኤ፡ መጥፍእ ህዝብን ጠላምን ምዃኑ፡ ኣብ ውሽጦም መሳርሒ ዲክታቶርነት ሓቚፎም ይነብሩ ምህላዎን፡ ንህዝቢ ናይቲ ከባቢ ዝልክም ስራሓት ከካይድ ከምዝኽእልን ዝሕብርን  እንታይነቱ ዝገልጽን ብጀርመንኛ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።

 

ብዘይካዚ፡ ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ዝገልጽ ብጀርመንኛ ዝተዳለወ ጽሑፋት ብብዝሒ ኣብ ህዝቢ ከምዝዝርጋሕ ተገይሩ። ምስዚ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፡ ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ፡ ዝብል ምልክት ዝሓዘ ማልያታትውን ንተሳተፍቲ ቀሪቡ።

እቲ ብስም ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራ ዝፍለጥ ገዛ ግን፡  ብስም ዝተፈላለየ ግብርታት መእምረሪ ገንዘብ ካብ ኤርትራውያን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዝገብሮ ኣገልግሎት ከምዘይብሉ ኩሉ ዝፈልጦ እዃ እንተኾነ፡ ሰልፈኛታት ምርኣይ ዓቕሉ ስለዘጽብበሉን ተጻዋርነት ዝብሃል ስለዘይፈልጥን ትማሊ ንሳልሳይ ግዝያኡ ተዓጽዩ ምውዓሉ ዝዝከር እዩ።

ናይ ሓዘን ሰልፊ፡ ኣብዝተመደበሉ ሰዓት 12፡00 ብሰላም ክድምደም ከሎ፡ ኣብቲ ካልኣይ ዝግበር ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰልፊ ንምርኻብ ግዜን ቦታን ብምዝኽኻር ተዓጽዩ።   

 

 

 

 

Last modified on Saturday, 04 October 2014 09:13