መኽሰቡ ኮነ ክሳርኡ ናይ ኩልና እዩ!

2017-12-15 19:55:53 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2364 times

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካ ጉጅለ ህግደፍን ኣዝዮም ውሑዳት መዳኸርቱን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሻቕሎት ይነብር ከምዘሎ ብሩህ እዩ። እቶም ካብዚ ሕማቕ ሃለዋት ንምውጻእ ዝብህጉን ንምርግጋጹ ዝጽዕቱን ከኣ እቶም ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕሱም ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ብውዱብ ይኹን ብዘይውዱብ ኣገባብ ራህዋን ቅሳነትን ዝብህጉ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ባህጎም ንምግሃድ ኣብ ቃልሲ እዮም ዘለዉ። ብኣንጻሩ ከኣ ብውጽኢት ቃልሶም ዕጉባት ዘይምዃኖም  ኣሻቓሊ እዩ። ኣሻቓሊ ዝኾነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ እቲ ክህቦ ዝግበኦ ፍረ ምድንጓዩ ዕድመ ህግደፍን ወጽዓኡን ዘንውሕ ስለ ዝኾነ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ብውዱብ መልክዕ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዘይምዕዋቱን ዘተኣማምን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ልባዊ ደገፍ ዘይምርካቡን መሰረታዊ ኣሻቓሊ ተርእዮ እዩ። እዚ ኩነታት ተቐይሩ ህዝብን ውድባቱን ብሓባር ኣብ መስርሕ ለውጢ መርሾም ርኡይ ውጽኢት ዝረኽብሉ ኩነታት ምፍጣር ከኣ ኣብ ቅድሚ ኩልና ሓይልታት ለውጢ  ተገቲሩ ዘሎ መሰረታዊ ዕማም እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ናተይ ኢሉ ዘይተቐበሎን ዘይደገፎን ውደባ ኣብ ዓወት ክበጽሕ ስለዘይክእል። ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝጥቀስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ወጽዓ ሓለንጊ ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ፡ ኣበይን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ይነብሩ ኣለዉን ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ተጻዒኑ ዘሎ ዕዳ እዩ። እዚ ዕዳን ወጽዓን ከኣ ኩሉ በብደረጃኡ ብዘበርክተሉ ህዝባዊ ቃልሲ እምበር፡ ሓደ ተሳታፊ እቲ ካልእ ተዓዛባይ ኣብ ዝኾነሉ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ብመጽናዕትን ተመኩሮታትን ዝተረጋገጸ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ እቲ ኣብ ቃልሲ ምስታፍ ንኹሉ ዝምልከትን ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ተሳትፎ ዘይስገርን ምዃኑ ንምንጻር “ዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ” እንብል።

ናይ ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ቃልስና ትሕቲ ትጽቢትና ናይ ምዃኑ ምስጢር ክንፈልጥ ህርድግ ምባልና ኣይተረፈን። ብርግጽ እዚ’ዩ እቲ ምኽንያት ኢልካ ቁሩጽ ምኽንያት ምስፋር’ኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ወትሩ እንጠቕሶም ግና ድማ ከነእርሞም ዘይበቓዕና ምኽንያታት ግና ኣለዉ። እቲ ውሱን ዓቕምና ዝርካቡ ኣብ ሓደ ኣምጺእና ብግቡእ ከነውፍሮ ዘይምኽኣልና፡ ሓደ ካብ ምኽንያታትና እዩ። እዚ ዕማም ድማ ናይ ሓደ ውሱን ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበር ወይ ምሁር ዕማም ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ሓላፍነት ክነሱ ነቲ ተሓታትነት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከላግበሉ ንዕዘብ ኢና። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና፡ ብምብቃዕና ዝምዝገብ መኽሰብ ኮነ ብዘይምብቃዕና ዘጋጥም ክሳራ ናይ ኩሉና ስለዝኾነ እቲ ኩልና መምስ ዝንባለናን ፍልልይናን ኣብቲ ንሰማማዓሉ ዘዋስእ ሜዳ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ሕጅ’ውን ናይ ኩልና እዩ። እቲ ውዱብ ሓይሊ ናብቲ ህዝቢ፡ እቲ ህዝቢ ከኣ ናብቲ ውዱብ ሓይሊ ኣጻብዕትኻ ምቕሳር ግና ውጽኢት ኣየምጽእን እዩ። ኣብ ክንዲ ወይለኻ ኣጆኻ ክንበሃሃል ከኣ ክንበቅዕ ይግበኣና።

እቲ ካልእ ከም ልሙድ እንጠቕሶ ብሓባር ክንሰርሕ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር፡ ኣብ ክንዲ ዝያዳ ዓቕምና ንቕድሚት ዘማዕዱ፡ ኣብ ዝሓለፉን ክንመሃረሎም እንተዘይኮይና ንድሕሪት ክንመልሶም ዘይንኽእል ተመኩሮታት ናብ ምጽብጻብ ዝያዳ  ስለ እነድህብ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ጉዕዞና “ኣበይ ኣለኻ ኣብኡ፡ ናይበከ ኢኻ ናብኡ” ይኸውን ኣሎ። ንከምዚ ኣየእቱ ኣየውጽእ ኣካይዳ ዘይድግፉ ወለዲ ክምዕዱ እንከለዉ “ኣብ ዝኣረገ እቶን ምስሓን ኣየምውቕን’ዩ” ይብሉ ነይሮም። ተፈቲኑ ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ ባዕሉ ምስ ዝዛረብ ተመኩሮ ቃልኪዳን ኣሲርካ ምኒን ምባል ከኣ ናይዚ ኣብነትዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ግደና ከም ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣብ ክንዲ እነድምዕ፡ ኣብቲ ግደ ህዝብን ሕገመንግስታዊ መእሰሪ ዘድልዮን ናይ ጽባሕ ዛዕባታት ሎሚ ምውጣጥ ካልእ ብሓባር ንቕድሚት ከይንስጉም ቀፊዱና  ዘሎ እዩ። ካልኦት ከም ናይ ውልቀሰባት ፍሉይ ባህሪ ከም ዓብይ ፖለቲካዊ ነጥብታት ምውሳድን፡ በዚ ተረሳሲንካ ክሳብ ምፍንጫል ምኻድ’ውን ኣብቲ ናይ ጸገማትና ዝርዝር ዝርከብ ተርእዮ እዩ።

“ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ፡ ቆርበት ብርሕሱ ቆልዓ ብንእሱ … ወዘተ” ዝብሉ ኣበሃህላታት ሓንሳብ ዘሕለፍካዮ ዕድል ደሓር ምምላሱ ዘጸግም ምዃኑ ዘመልክቱ እዮም። ኣብ ከምዚ ሎሚ እንርከበሉ ዘለና መስርሕ ቃልሲ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ንሓንሳብ ንቃልስኻ ዘዕንቅፉ ንሓንሳብ ድማ ዘቀላጥፉ ዕድላት የጋጥሙ እዮም። ነዚ ዕድላት እንዳጽናዕካ በቲ ዓንቃፊ ከምዘይትህሰ እንዳተኸላኸልካ፡ በቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ድማ ንቕድሚት እንዳሰጐምካ ክትጥቀም ምኽኣል ናይ ብቕዓት መምዘኒ እዩ። ብመንጽር እዚ ከም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ክንጥቀመሎም ዝግበኣና ግና ዘይተጠቐምናሎም ዕድላት ኣባኺንና ኢና። እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ዕድል ኣይተዓጽወን። ነቲ ዘይተጠቐምናሉ ዕድላት ከኣ ክንጠዓሰሉን ክንትክዘሉን ዘይኮነ ክንመሃረሉ  ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ተቐራሪብካ እህንምሂን ምብህሃል፡ ነንነብስና እንዳተኽላኸልና፡ ነቲ ተሓታትነት ናብ ካልእ ከነላግቦ እንተፈተና፡ መኽሰቡ ኮነ ክሳርኡ ናይ ኩልና ስለ ዝኾነ መፍትሒ ኣይኮነን’ሞ ካብኡ ንውጻእ።

Last modified on Friday, 15 December 2017 20:58