ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ.)፣ ኣኼባ ምስ ኤራትርውያን ተቐማጦ ቺካጎን ከባቢኡን ኣካይዱ

2014-09-29 05:32:33 Written by  EPDP North america Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 95761 times

 

28 መስከረም 2014

 

 

3ይ ዞባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምዝዛም ሰለስተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፣ ተስፋይ ወልደሚካኤልን ኤርትራ ኣልኣዛርን ዝመርሕዎ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ በብተራ፡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ከምኡ’ውን ኣብ ጕዕዞ ስደትን ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ስቓይ ብዝርዝር ሓቢሮም። ጠንቂ ናይዚ ስቓይ ዝዀነ ስርዓት ኢሳያስን ጕጅልኡን ንምልጋስ ነብስና ወዲብና ክንቃለስን ከይወዓልና ከይሓደርና ሃገር ከነድሕን ንጥለብ ብምባል ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

 

ኣቋቕማን ዕላማታትን ሰ.ደ.ህ.ኤ. ማለት ካብ ድሕረ-ባይታ ተሞክሮ ሰውራና ዝዀና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ዝቖመ፣ ንዝሓለፍናዮ ናይ ፍልልያት መናድቕ ዘፍረሰ ናይ ሓድነት ሰልፊ ምዃኑ ሓቢሮም። ሓድነት ህዝብን መሬትን ዝዓቀበት ሰላማዊትን ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽ ዝቃለስ ሰልፊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፤ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝዕወት ለውጢ ስለዘይህሉ ህዝብና ኣብ መኣዲ ቃልሲ ክሳተፍን ዓወቱ ከቃላጥፍን ኣገንዚቦም።

 

ኤርትራ ኣልኣዛር ኣብነታት ካብ ማህደር ተሞክሮታት ቃልሲ ዓለም ብምውካስ፣ ንታሪኻዊ ግደ ደቀንስትዮ ዓለም ኣብ ለውጥን ምዕባለን ኣመልኪታ መብርሂ ኣቕሪባ። ኣብ ኤርትራ’ውን ብተሳትፎ ደቀንስትዮ ዝተረጋገጸ ዓወታት ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ ምዃኑ ኣስሚራትሉ። ኣብ ዝኸይድ ዘሎ መሪር ጭቆና ዝያዳ ውጹዓት ደቀንስትዮ ምዃነን ብምብራህ እቲ እነማዕድዎን እንጽበዮን ለውጢ ድማ ንኽብርን መሰልን ደቀንስትዮ ዘዕቆበ ክኸውን  ከምዘለዎ ኣስሚራትሉ።

 

መደብ ሕቶን መልስን፡

 

Ø  ንሓድነት ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዝምልከት

 

Ø   ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎናን ክህልወና ዘለዎን ዝምድና

 

Ø  ሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ

 

Ø  ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኢሳያስ ዝተቐረበ መሰጋገሪ መደብ እንታይ እዩ

 

ዝብሉ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐረቡ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ተዋሂቡ ከምኡ’ውን ካብ ተሳተፍቲ ዝተውህበ ርእይቶን ለበዋን ተቐቢሉ፤ ንዝኽሪ ህልቀት ላምፓዱዛ  ሽምዓ ብምብራህ ናይ ሕልና ጸሎት ተገይሩ ኣኼባ ዛዚሙ።