ጨንፈር ኖርወይ ብ18 ጥቕምቲ 2014 ሳልሳይ ዓመታዊ ጉባኤኡ  ኣብ ቲሕቲ «ለውጢ ብናይ ሓባር ቓልሲ እዩ ዝረጋገጽ!»  ዝብል ጭረሖ ብዓወት ኣሰላሲሉ::

ኣብ መእተዊ ጉባኤ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንተጋባእቲ ንኩነታት ሃገርን፣ ሓርነታዊ ቓልስን፣ ኩነታት ሰልፍን ጨንፈርን ዝድህስስ ሰፊሕን ዓሚቑን ሓበረታ ኣስኒቁ:: ብጻይ ዳዊት ንስፍሓተ ተቓውሞ ናይ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብሪሂ፣ እቲ ንዓመታ ብናይ እግሪ ተቓውሞ ማለት ሃገር ገዲፍካ ንስደት ብምምራሕ ዝገለጽ ዝጸንሐ ተቓውሞ፣ ሎሚ ብፍላይ ድማ ካብ ስርሒት ፎርቶ 23 ጥሪ 2013 ጀሚሩ ግብርን ድምጽን ዘለዎ ናይ ተቓውሞ ስጉምትታት እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር እንዳ ሰሰኑ ይመጹ ከምዘሎ ኣብሪሁ:: 

ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝር ብጻይ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብመሊሻን ዕቁር ሰራዊትን ዝግበር ዘሎ ናይ ምኽታት እምቢታ፣ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧ ኣብ ቲሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተዘርገሐ ገታር ሰፊሕ ጽሑፋዊ መተሓሳሰቢ፣ ብሽድሽተ ኣድባራት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝተጻሓፈን ዝተዘርገሓን ዘየናሕሲ ናይ ኩነኔን ውገዛን ዕላዊ ቅሉዕ መልእኽትን ጠቒሱ:: ንሱ ብተወሳኺ ምትእኽኻብን ምሕያልን ደለይቲ ለውጢ እውን እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓቀኛ መስመሩ እንዳሓዘ ኣብ ዘተስፉ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎን ሓቢሩ:: ከም ገለ ካብ ጨቡጥ ኣብነት ናይዚ ነገር እዚ ኢሉ ብጻይ ዳዊት ንኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ ዝተበጽ ብኣዋጅ ፕሪቶርያ ዝፍለጥ ናይ ምሁራት ነጥበ ስምምዓትን፣ ንኻልኣይ ግዜኡ ዝተኻየደ መትእኽኻብ በሎኛን፣ ብኣላይነት ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነሓሰ 2014 ዝተኻየደ ፈስቲቫል ፍራንክፎርትን ንሱ ዝፈጥሮ ናይ ምቕርራብን ዘተን መድረኽን በብሓደን ብሰፍሕን ገሊጹ:: ብጻይ ዳዊት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ እውን ብኣባልነት ዝርከቦ ጽላል ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኢርትራውያን ሓይልታት ኣብ ኖርወይ እውን ኣብ ምውህሃድ ናይ ቃልሲ ዕማማትን ምቕርራብን ምጥርናፍን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኣካላኣትን ቀሊል ታራ ይጻወት ከም ዘየሎን ናይ ምትእኽኻብ ኣብነታዊ ሞደል ኮይኑ ከምዘሎን እውን ጠቒሱ::

ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣስዒቡ ኣብ ህይወት ጨንፈር ዘተኮረ ዓመታዊ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ርኽካውን፣ ማሓበረ ሰብኣውን ጉዳያትን ዘጠቃለለ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ሂቡ:: ንሱ ኣብ መወዳታ ምስ ናይ ዕቁባ ኩነታትን ክበድ መነባብሮናን ኣዛሚድካ ክረአ እንከሎ ኣብ ኩሉ መዳያት ዓቅምና ንገብር ኣሎና ክንብል እኳ እንተኺኢልና፣ እዋናዊ ኩነታት ሃገርና ዝጠልቦ ዘሎ ንምምላስ ግን ካብ ዘገምታዊ ኣካይዳ ናብ ዝተዓጻጸፈ ናህሪ ኣብ ዘለዎ ቃልሲ ክንሰጋገር የድልየና ብዝብል ለበዋ ጻብጻቡ ድምዲሙ::

ቀጺሉ ብጻይ ማሕደር ዑቁባዝጊ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር፣ ኣብ ገንዘብን ካልእ ንብረትን ዘተኮረ ሰልፋውን ጨንፈራውን ጸብጻቡ ብዝርዝር ኣቕሪቡ::

ንሕቶን ርኢቶን ኣብ ዝተዋህበ ግዜ፣ ጉባኤኛታት ብዝተዋህበ ጻብጽብ ዕጉባት ምዃኖም ሓቢሮም:: ብምቕጻል ድማ ተጋባእቲ ብመሰረት ኣብ ቁዋም ሰልፊ ዝሰፈረ ዓንቀጽ መረጻ መርሕነትን ኣገባቡን፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንኣብ ስልጣን ዝጸንሓ መርሕነት ከምዘሎ ሕጅውን ንዝመጽእ ዓመት ከገልግል መሪጽም::

ኣስዒቦም ተሳተፍቲ ኣብ ዛዕባ ማሕበረ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ኩነታት ኣብ ካሳላ ሱዳን ዝርከቡ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ፣ ንኣብ ወዲ ሸሪፎይ ዝርከም ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኩነታቱን፣ ንመደባት ናይ ማዕዶ ወላድን፣ ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ሓተቲ ዕቁባን ዝተኮረ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዶም. ኣብ መወዳእታ እውን ነዚ ነገራት እዚ ሓላፍነት እትወስድ ክልተ ዝኣባላታ ሽማገለ ኣቚሞም::

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ ነቲ ከይተሓለለን ደኺመን ደኽየን ከይበለን ብተወፋይነት ዝቓለስን ዝመርሕን ዘሎ መርሕነት ሰልፊ ሞጒሶም፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰልፊ እውን ኣሰር መርሕነት ሰልፉ ተኸቲሉ ድርብ ተወፋይነት ብምርኣይ ንድሕነት ህዝቡን ሃገርን ከቐላጥፍ ተላብዮም::

ጉባኤ ብዝኽረ ሰማዕታት ተዓጽዩ.

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ጨንፈር ኖርወይ

ኣርዓዶም በርሀ

ኣድማዕነታቱ ከመይ ነይሩን ኣሎን? ንዝብል ሕቶ ሰፊሕን ምሁራውን መልሲ ዘድልዮ ኮይኑ፡ ህልውና ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ’ውን ማሕበር ኣብ ኤርትራ ካብ ኣርበዓታት ዝጀመረ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ መድረኽ ካብ ሓደ ንላዕሊ ውዳበታት የድልያ ነይረንን ኣለዋን ዝብል እውን ከምኡ ነብሱ ዝኸኣለ ከከም ፍሉይ ኩነታት ናይተን ውድባት ወይ ሰልፍታት ዝምስረተለን ሃገራትን ነናይ እዋኑ ምዕባለታትን ኣዛሚድካ፡ ብዝካየድ መጽናዕቲ ክንጽር ዝግበኦ እዩ። ብሓጺሩ ግና ናይዘን ዝበልናየን ፖለቲካዊ ትካላት መስረትን ሰዓብተንን፡ ከካብ’ቲ ዘጋጥም መድረኻዊ ፖለቲካዊ ጸገማት ወጺእካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ በበይኑ መንገድን ኣገባብን ስለ ዝመርጹ እዩ ውዳበታት ዝበዝሕ። እዚ ኣብ ሃገርና ካብ ኣርበዓታት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ብዙሕነታዊ ውዳበ ሎሚ ከም ሓደ ዲሞክራሲያዊ መርኣያ ዝውሰድ ዘሎ እዩ። እቲ ፍልልይ ከምቲ ኣብ መንጎ ሕድሕድ ውድባት ዝረአ ደኣ ኣይከውንን እምበር ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣብ ዝተሰለፉ ኣባላት እውን ኣይጠፍእን እዩ፡ ግና ድማ ኣብ ክንዲ ንናእሽቱ ፍልልያት ንዓበይቲ መሰመማዕቲ ነጥብታት ቀዳምነት ብምሃብ ስለ ዝቕለሱ ጐሊሑ ኣይረአን። ጐሊሑ ክውጽእ እንከሎ ሳዕቤኑ ዘይቅቡል ምፍንጫላት ምዃኑ ብቐረባ ንርእዮ ዘሎና ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ መድረኽ ብዙሓት ነናተን መንገዲ ዝመረጻ ፖለቲካዊ ውዳበታት ክህልዋ እንከለዋ፡ ናይቲ ኣብ ቅድሚአን ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ግና ሓደ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት ኣብ ድንበ ተቓውሞና ናይ ኩላትና ቀዳማይ ዕላማ ምውጋድ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ስለዚ ኩሉ ነናቱ ውድብ ወይ ሰልፊ ወዲቡ መፍትሒ ከምጽእ ክቃለስ እንከሎ፡ ከምቲ ዝድለ ነቲ ቅኑዕ ፍታሕ ሒዝዎ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ምናልባት ግና እተን ውዳበታት ልቦናን ሓላፍነትን ዘለወን እንተኾይነን፡ ኣዋጺአን፡ ኣብ ሓደ ማእከላይ ናይ ፍታሕ ቦታ ተራኺበን ኣብ መዋጸኦ ይበጽሓ ይኾና። ነዚ ንምግባር ግና ካብ ናይ “ወይ ነዓይ ወይ ነዓኻ” ናይ ህልኽ ዓንኬል ክወጻ ይግበአን

ውድብ ወይ ሰልፊ ብቐዳምነት ነቶም ወደብቱን ሰዓብቱን ናይ ብሕቶም መቃለሲ መድረኽ እዩ። ብጽቡቑ ዝምጐሱን ብሕማቑ ድማ ዝሕተቱ ንሳቶም እዮም። ውዳበታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሰረታዊ መትከላትን ኣገባባትን ተመስሪተን ይቃለሳ ባዕላተን ኣብ ዝጥዕመን መድረኽ ግይባአ ድዩ ኮንፈረንስ እየን ዝውስና። ኣብዚ መሰረታዊ ውሳነአን ከም መንቀሊ ዝወስደኦ መለክዒ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ድዩ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ብሄር ድዩ ጀኦግራፊያዊ ኣሰፋፍራ ባዕላተን እየን ዝውስነኦ። ኣብ ምርጫ እዚ ውሳነአ ዝኽተለኦ ጥንቃቐ ድማ ንምዕዋትን ዘይምዕዋትን ናይቲ ውዳበ ጥራይ ዘይኮነ ንምህላዉን ዘይምህላዉን እውን ወሳኒ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ዝረኣይ ቅኑዕ ኣተሓሕዛ ናብ ኣውንታ እዩ ዘምርሕ፡ ኣብዚ ዝረኣይ ጌጋ ድማ ናብ ግጉይ መደምደምታ እዩ ዝመርሕ። ስለዚ እዚ ወሳኒ መሰረት ክምድመድ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ብሩህ እዩ። ኣባና ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ሓደሓደ ግዜ ውድብ ንምምስራት ዝካየድ ናይ ሸበድበድ መስርሕ ብመንጽር እዚ ክምመ ዝግበኦ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ውድብ መስሪቱ ከምዝ ኦኣይነት ሃገራዊ ኣጀንዳ ኣዕዊቱ ዘይኮነስ፡ ውድብ ሃልይዎ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ተሳቲፉ ንክትበሃል ጥራይ ምንቃድ  ጌጋ ጥራይ ዘይኮነስ ዝሕትት እውን ክኸውን መተገብኦ።

ባህርያቱን መንቀሊኡን ብዘየገድስ ሓደ ውዳበ ክድኮን እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግበኦ ናይታ ምእንተኣ ዝቃለሰላ ዘሎ ሃገርን ህዝባን ኩነታት እዩ። ኣባና ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ምርዳእ ማለተይ እየ። ምኽንያቱ እተን ውድባትን ሰልፍታትን እየን ናይ’ቲ ጸቢብ ዋነአን እየን ዝበልናየን እምበር፡ እታ ሃገርስ ናይ ኩሎም እቶም ኣብተን ሰልፍታትን ውድባትን ዘለዉን፡ ብናታቶም ምርጫ ናይ ዝኾነት ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ክኾኑ ዘይመረጹ ዜጋታትን ስለ ዝኾነት። ስለዚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ውዳበኻ ክትሓስብ እንከለኻ ኩሉ ግዜ ምስ ኩነታት እታ “ጽባሕ ዘተኣማምን ተቐባልነት እንተረኺበ ካብ ምንጋጋ ዲክታተራት ኣውጺአ ብዝሓሸ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክመርሓ እየ” እትብላ ሃገርን ህዝብን ዋላ ንሓንቲ ካልኢት እውን ክትዝንግዓ ኣይግባእን። ናይ በይንኻ ሃገር ክትውንን ምህቃን እምበኣር ከቢድ’ዩ ኢልካ ዝሕለፍ  ዘይኮነስ ፈጺምካ ዘይከኣል እውን እዩ። ምናልባት ኣጻዕዲኻ ሕንክኻ ቀንጢጥካ ኣብ ናይ “ሓይሊ ሕጊ እዩ’ ዓመጸኛ ፖሊሲ እንተዘይተወጢሕካ።

እዚ ንጉዳያት ብኹሉ መልክዑ ኣብ ኣብ ግምት ኣእቲኻን ልቢ ኣስፊሕካን ናይ ምጉዓዝ ዕማም ዘድምዕ፡  ብኹሉ ውዳበታት ክኽበር ዝግበኦ መባእታዊ ግዴታ እዩ። ነዚ ጉዳይ ብሓላፍነት ከይረኣየ፡ ብዙሕነታዊ መልክዕ እታ ሃገር ከየገናዘበ፡ ኣጠርሚሙ ኣብ ናይ በይኑ ውዳበ ጸቢብነት ጥራይ ዝተጸምደ ወገን ግና ዓብይ ጉድለት ከም ዘለዎ ክርዳእ ይግበኦ። ምናልባት ውድቡ ወይ ሰልፉ በቶም ውሱናት ሰዓብቱ ዝፍተውን ዝድገፍን ኮይኑ፡ ሃገራውን ህዝባውን ባይታኡ ዘይልሙዕ እንተኾይኑ ናይ ህዝብን ሃገርን ሓላፍነት ናይ ምስካም ዓቕሚ ስለ ዝነእሶ፡ ኣብ ዘይትግበር መብጸዓታት ክንሳፈፍ ዝነብር ዘይስስን ናይ ውሱናት ዜጋታት ምትእኽኻብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ንኩነታት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ምእታው ማለት ብናተይ ርኢቶ፡ ናይታ ሃገር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ናብ ሃገራውነትን ሉኣላውነትን ዝመጸትሉ መስርሕ ቃልስን ዝተኸፍላ ዋጋን፡ ናይ ህዝባ እምነታትን ባላዊ ልምድታትን፡ ምስ ጐረባብታ ብፍላይ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ዝጸንሓ ዝምድናታት፡ ንዕቤታ እትምርኮሰሉ ተፈጥሮኣዊ ጸጋን ቁጠባዊ ጽላትን፡ ናይ ቋንቋታታን ብሄራታን ምንባብ ኣብ ግምት ምእታው እምበር ካልእ ከቢድ ነገር ኣይኮነን። ዝያዳ ንምብራህ፡ ውድብካ ሓደ ብሄር መሰረት ዝገበረ እንተኾይኑ፡ ብዛዕባቶም ካለኦት ውድባት ክትሓስብ ናይ ግድን እዩ። መሰረት ውዳበኻ እምነት እንተኾይኑ’ውን ከምኡ እታ ሃገር ናይ ሓደ ዓይነት እምነት ዘለዎም ዜጋታት ጥራይ ከም ዘይኮነት ኣብ ግምት ምእታው የድሊ ዘይኮነስ ናይ ግድን እዩ ንምባል ዝኣክል እዩ።

በቲ ካልእ መልክዑ ኣብ ከምዚ ንሕና ከም ውድባት ኤርትራ ንቃለሰሉ ዘለና ኩነታት፡ እቲ ፖለቲካዊ ሻቕሎትን ናይ ቃልሲ ኒሕን ሓላፍነትን ኣብ ወውድብና ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነስ ነቶም ካብ ውድባትና ወጻኢ እኳደኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየዱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት እንተላይ ኣብ ግምት ዘእተወ መደባት ክንሕንጽጽን ውሳነታት ክንውስንን ከም እንግደድ ከነስተውዕል ይግኣበና። ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ 21 ጥሪ 2013 ምንቅስቓስ ሰራዊ ኤርትራ፡ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጳጳሳት ምልዕዓል፡ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ገዳማት ውግዘት ኣብ ልዕሊ ወከልቲ ህግደፍ ኮይኖም ሃይማኖታዊ ትካላት ክምሕምሱ ዝጸንሑ ልኡኻት ጉጅለ ህግደፍ፡ ከምኡ እውን ንኣብያ ተመሃሮ ጉዕዞ ናብ ሳዋ ብጉልባብ መበል 28 ዙርያ ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ኩሉ ግዜ ኣብ ግምትና ምእታው የድልየና። እዚኣቶ እቶም እዉጃት እዮም። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ገዛ ዘሎ ኣብ ኣደባባይ ናይ ምውጻእ ኦድል ዘይረኸበ ኣንጻር ህግደፍ ዝሓመመ ሕልና ህዝብና’ውን ክንቋመቶ ይግበኣና። እቲ ኣብ መደረኻት ፈስቲቫል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍራንክፈርትን ኣብ ቦለኛን ዝተንጸባረቐ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢን  ኣብ ውሽጥን ዘሎ ተቓውሞታት ምትእስሳሩ  ዝብል ሓሳብ ድማ ቀንዲ ሕመረቱ  እዚ እዩ።

እዚ ንናይ ለውጢ ሓይልታት ምቅርራብ፡ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ዝተዓወቱ ኮነ ዘይተዓወቱ ቃልስታት ተመኩሮ’ውን  ዘረደኣና እዩ። ማለት በይኖም ምስ ኩነታት ሃገሮም ህዝቦምን ከይተናበቡ ደገደገ ዝበሉ ሓይልታት፡ ንፖለቲካዊ  ውዳበኦም ካብ ህዝቢ ነጺሎም ንሶም ክንዲ ውድብ ንሶም ክንዲ ሃገርን ህዝብን ገይሮም ዝወሰዱ ከም ዘይተዓወቱ፡ ንውዳበኦም ውድብ ድዩ ሰልፊ ወይ ማሕበር፡ ከም ናይ ውሱናት ኣብ ውሱን ነጥብታት ዝረዳድእሉን ዝተኣከብሉን ናይ ቃልሲ መሳርሒ ወሲዶም፡ ንመትከላቶም ምስታ ናይ ሓባር ሃገርን ህዝባን ዘዛመዱን ንናይ ቃልሲ ሓይልታት ዝኣከቡን ወገናት ድማ ከም ዝተዓወቱ። ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣብቲ ጉዕዞኡ ከመዓድዎ ዝግበኦ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ጥቓኡ  ብየማኑ ድዩ ብጸጋሙ ዝተሰለፈ ፖለቲካዊ ውዳበታት እውን ከስተብህለሉ ናይ ግድነት እዩ። ውሳነታት ክውስን እንከሎ’ውን ንመትከላቱ ኣብ  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርድ ብዘየኽእል ኣገባብ፡ ናይቲ ካልእ ውድብ ድምጺ ምጭንጫን ናይ ውሕልነትን ሓያልነትን እምበር ናይ ስንፍና ምልክት ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ኩነታት፡ ሓደ ውድብ እቲ መስርሕ ቃልሲ ከመይ ክኸውን ከም ዝደልዮ ምርጫ ኣለዎ። እቲ ካልእ ውድብ ነዚ ምርጫኡ ክቕበለሉ ክደልን ጽልዋ ከሕድር ክቃለስን ድማ ውሁብ እዩ። ንኣብነት ብኸመይ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምስራሕ ከም ዝከኣል ሓደ ውድብ ናቱ እማመ ኣለዎ። እቲ ካልእ ውድባት ነዚ ሓባራዊ እማመኡ ክቕበለሉ ጠለባቱ የቕርብ። እዚ ኣገባብ ጐነጽን ዘለፋን ክሳብ ዘይሓወሰ ቅኑዕ እዩ። ግና ድማ እቲ ነቲ ጠለባትካ ክቕበል’ሞ ብሓደ ክትከይድ ትጽወዖ ዘለኻ ወገን እውን ክትሰምዖ ቅሩብ ምዃን ከም ዘድሊ ምዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ብሓፈሻ ከም’ቲ ውድባት ንዓኻ ክኾነኦ እትደልዮ፡ ንስኻ’ውን ሓሳቦም ክትሰምዖምን ዝውሰድ ክትወስድን ዝንጸግ ክትነጽግን ቅሩብ ምዃንካ ምርእዮም ኣድላይ እዩ። እቲ እንካን ሃባን ግና ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ዝቐርብ እምቢታን፡ ገዳፍ ንምምሳል ኢልካ ዝውሰድ ምእዙዝነት ዘይኮነስ፡ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ምድሓን ሃገርን ህዝብን ዝተመስረተ ምኽኑይ ክኸውን ይግበኦ። ከምዚ እንተገይርና ኢና ድማ ኣብ ጥዑይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ፡ ናይ በይንኻ ውድብ እምበር ናይ በይንኻ ሃገር ምውናን ከምዘይከኣል ክንርዳእ እንኽእል። ሓደ መዋጸኦ ይኸውን ተባሂሉ ብዋናታቱ ንዝቐረብልካ መጸዋዕታ መልሲ ዘይመሃብ፡ ወይ ድማ እዚ ድማ ናተይ መዋጸኦ ኣለኒ ክትብል እንተዘይክኢልካ ግና ኣብቲ መድረኽ ቃልሲ ምህላውካ’ውን ኣጠራጣሪ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መግለጺ 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ፡ ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ህልዊ ምርሕሓቕ ኣተሓሳሲብዎ “… ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተወከሉ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝርከብዎ ንህልዊ ኵነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ።” ብዝብል ንዘቕረቦ እዋናውን ሓላፍነታውን መጸዋዕታ በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ዝተዋህቦ ምላሽ ከምቲ እዋናውነቱን ህጹጽነቱን ዘይምዃኑ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።

18 ጥቅምቲ 2014

ኣብ ዓለምና፡  ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ክሳብ እዚ  ዘሎናዮ  ግዜ ነፍሳት እናሃለቓን እናባደማን ኢየን። ብርግጽ ድማ እቲ ኣብ

ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ከም ዝዝረበሉ ዳርጋ 60 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኢዩ ሃሊቑ። ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም  ንነጀውከ ክንደይ

ነፍሳት ሃሊቐን ኣለዋ ጌና ብሕጂ ክጻረ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ብዝኾነ ግን ካብቲ ናይ 60 ሚልዮን እንተዘይበዚሑ ዝውሕድ ኣይክኽውንን እዩ።እዚ

ኩሉ ህልቂት ድማ ንምስፍሕፋሕ መሬትን ብኡ ኣቢሉ ድማ  ንልዕልን ትሕትን ጸጋታት  መሬት ንምጉሕጓሕ እዩ። ዓለምና እምበኣር ክሳብ

ሕጂ በዚ ናይ ጅኦፖለቲክ ምኽንያት ጌና ትሕመስ ኣላ።  እኒ ሂትለር እኒ መሶሊኒ ከምኡ እውን ካልኦት ክሳብ እቲ ህዝቢ ዝነጽጎም ነዛ ዓለም

በጽቢጾማ ሓሊፎምን ይሓልፉን ኣለዉ። እቲ ናይ ምልኪ ኣሰራቶም እውን ኣብ መላእ ዓለም ሳዕሪሩ፣ ንስልጣኖም ክብሉ ንማሕበርሰባዊ ጥምረት

ብዝዘርጉ ሰባት ጌና  ትሳቐ  ኣላ።
እቲ ከም ካልኣይ ነጥቢ ንዓለምና ዝሳቕያ ድማ እቲ ናይ ስልጣን ምብሓት ወይ ከኣ ቅኑዕ ምሕደራ ዘይምህላው እዩ። እዚ ከኣ እቲ ነፍሳት

ዝሃልቃሉ ዘለዋ ቀንዲ ጠንቂ እዩ። ንኣብነት ከም ሃገረ ኤርትራ ዝኣመሰላ፡ ህዝቢ ክከላበትን ክእሰርን ኣደዳ ሞት ክሳጣሕ ንርኢ። እቲ መዐቀኒ

ናይ ቅኑዕ ምሕደራ እምበኣር እቲ ስልጣን ህዝቢ ክርከቦ ምግባርን እቲ ህዝቢ ዝቆጻጸሮ መንግስቲ ምፍጣርን ፍትሒ ይነግስ እሞ ሃገርን ህዝብን

ይቐስን።  ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ንምብጻሕ ግን ፍትሓዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምህናጽ ብቐዳምነት ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ እዩ። ስለዚ ከምዚ

ዝዓይነቱ ምሕደራ ንምህናጽ  ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝግዝኦ ሕጊ ኣለዎ። እዚ ሕጊ እዚ ከኣ ስነፍልጠት ሒዙ  ምስዝኽተል ምልኪ ብሱሩ

ይጠፍእ።  ምኽንያቱ ብሃውሪ ወይ ብሃቦ ተረከቦ ዘይኮንስ ብመጽናዕትን መደበን ንህዝቢ ንኸሳትፍ እሉ ዝምስረት ስለዝኾነ። እዚ ምስ ዘይከውን

ድማ ሓንቲ ሃገር ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ መደያታ ትሀሰን ቅሳነት ትስእንን ።
ኣብ ሃገርና ሓደ ካብቶም ሰለስተ ዓይነታት ምልኪ እዩ ዘሎ። እዞም ሰለስተ ዓይነት ምልኪ እቲ ቀዳማይ ወተሃደራዊ፡ እቲ ካልኣይ ውልቀ፡(ሓደ

ሰብ) እቲ ሳልሳይ ድማ እንኮ ሰልፋዊ ምልኪ እዮም። ስርዓት ኤርትራ እምበኣር ውልቀ መላኺ ወይ ከኣ እቲ ካልኣይ ዓይነት ምልኪ ምዃኑ

ደጊም ኩልና ደቂ ሃገር ንፈላለየሉ ኣይመስለንን።  ስለምንታይ ደኣ እሞ ዕድመ ስልጣን ናይ መለኽቲ ዝናዋሕ።? ህዝቢ ዘይቆጻጸሮ ስርዓት ዋላ

እውን ዝቃወሞ ሓይሊ ክለዓል እንተኸኣለ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ  ዘኽእሎ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። እዚ ዝለዓል ተቓውሞ ሓይሊ እዚ ይብዛሕ

ይውሓድ ናይ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ጸጸኒሑ ክጥጥዕን  ዘይተወሃህደን ወይ ከኣ ፊን ብዝበሎ ስለዝቃለስን፣ ነቲ ሃገራዊ መቖሚታት

ስሒቱ ማለት ድሕሪ ምውዳቕ ምልኪ  እንታይ ዝዓይነቱ ምሕደራ እዩ ዘድሊ  ነቲ ህዝቢ ብሩህ ምስ ዘይከውን፣ እቲ ህዝቢ  መሰረት ኣዕኑድ  

ናይ ምልኪ ዝተክል ከይከውን ዓቢ ስግኣታት ከሕድር ይኽእል። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ዝዓግበሉ ኣገባብ ኣመራርሓን ምሕደራን ካብቲ ምልኪ

ዝፍጽሞ ዝሓሸን ንወጽዓ ህዝቢ ዝጠመተን ፍትሒ ዘንግስን ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ።ደምበ ተቓውሞ ቀዳማይ ዕማሙ ነዚ ምልኪ ምልጋስ እኳ

ይኹን እምበር ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝኸይድን ክፍታሕ ዘለዎን ጉዳይ ድሕሪ ምውዳቕ እዚ ስርዓት ዝትከል መንግስቲ ብብሩህ ክንጸር ዘለዎ

ጉዳይ እዩ። ካብኡ ብዝተረፈ ነቲ ምልኪ ጥራሕ ነልግስ ዝብል ኣተሓሳስባ ተበለጽቲ ከይብለጹሉን መሰረት ናይ ምልኪ ከይክውንን ምስትብሃል

ከድልየና እዩ። ካብ ብሕጂ ኣዕኑድን ሰረታት ዲሞክራሲን ዲሞክራሲያውነትን ክነዘውትሮም እንተዘይክኢልና ከይዱ ከይዱ  ስልጣን ናይ

ምብሓት ዝእንፍት ምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓይልታት እዚ ካብቲ ስርዓት ንላዕሊ ንሓድነቱን ንልኡላውነት ሃገሩን ዝዘርግ እዩ

ዝብል ስግኣታት ክሓድሮ ከም ዝኽእል ንጹር እዩ።
ካልእይ ኣገዳሲ ነጥቢ ሓደ ውልቀ መላኺ በቲ ዝኽተሎ ናይ ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ምቕታል፡ ምድስካል፡  ምንጪ ሓብረታ ዓፊንካ ምሓዝ …ወዘተ

ከምኡ እውን  ነቶም ከገልግልዎ ዝኽእሉ ስባት በቲ ዝጻወቶ ሜላን ሽርሕን ጉርሕን  ነቲ ሓደ ሒዙ ደሓር ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ እናገለፈ እዩ

ስልጣኑ ዘደልድል። እዞም ኣገልገልቲ እዚኦም ንውልቆም እምበር  ንዓሌታት ወይ ኣውራጃታት ወይ  ብሄራት ዝውከሉ ኣይኮኑን። ብኣገልገልቲ

እቲ መላኺ  ኣመኻኒኻ ንዝተወልዱሉ ኣውራጃ ይኹን ብሄር መጥቃዕቲ ምክያድ ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዘይብሉን ብድሑር ዝምባሌታት

ዝተላዕጠጠን ብዝሓለፈ ተረኽቦታት ዝጽሎን  ሰብ ጥራሕ እዩ ዝጥቀመሉ። ኣብ ከምዚ ሃዋህው እዚ ድማ  ሓደ መላኺ ስርዓት ብፖለቲካዊ

ይኹን ቁጠባዊ  ቅልውልውላው ተዳኺሙ ከሎ  ኣብ ስልጣኑ ንኽቕጽል  ህይወት ክሶዅዓሉ ይኽእል። በዚ ዝኣክል  ኩሎም መለኽቲ እምበኣር

ገለ ንሓጺር ግዜ ገለንከ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከጽንሖም ዝኽእል ከከም  ተቐባልነት  ናይቲ ህዝብን ኩነታትን እዩ። ስለዚ ስርዓት እስያስ ኣብ

ስልጣኑ ከጽንሖ ዝኽእል  ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ኣለዋ። ንሳተን ድማ፡ ሓደ እቲ ዝሰፍሐ ህዝቢ ነቲ ስርዓት ኣሜን ኢሉ ክምእዘዞ  ከሎን፣  

እቲ ስርዓት ነቲ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ንኽስለፍ ዝወስዶ ስጉምትታትን ሜላታትን እዩ። ሓደ ካብኡ ነቲ ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕምማት ብዝትንክፍ

ወይ እውን ብረብሓታት ኣቢሉ ስለዝጥቀም እዩ።  እቲ ናይ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ከም ምኽኒት ተጠቒሙ ወግሐ ጸብሐ መፈራርሂ ይጥቀመሉ  

እሞ እቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ምሕረቱ ተዓቝቡ ዘሎ ገይሩ ይወስዶ። ከምኡ እውን ነቲ ደጋዊ ሓይልታት ኣብ ልዕሊኡ ዝወስዶ እገዳ ንዕቤት

ቁጠባዊ ልምዓት ዝዕንቅጽን፣  ኤርትራ ርእሳ ከይትኽእልን ድኽምቲ ሃገር ክትከውን ንምግባር እዩ ብዝብል  ነቲ ህዝቢ ንህላዌ ሃገርን ህዝብን

ካብኡ ንላዕሊ ርግእት ዘለዋ ሃገር ዝፈጥር ሓይሊ የለን ኢሉ  ንከእምነሉን ናብቲ ተቓውሞ ቁልሕ ንኸይብልን ይሕግዞ እዩ።
 እቲ ካልኣይ ነጥቢ ከኣ እቲ ዝቃወም ሓይሊ ዘይተጥርነፈን ዘይተወደበን ምስ ዝኸውን፣ ማለት ዘይተጥርነፈን ዘይተወሃሃደን  ዘይዝሰፍሐን

ተቓውሞ ንምልኪ ፈጺሙ ከዳኽሞ ኣይክእልን።   ከምኡ እውን እቲ ደምበ ተቓውሞ ንባዕሉ ተቓውሞ ንተቓውሞ ኮይኑ ከናሹን ከጸልምን፣

ብኣውራጃታት ኣምሲሉ ሓማሴንዶ ሰራየ ኣከለጉዛይ እናበለ ክፈላሊ ዝውዕልን፣  ስርርዕን፡ ጥርናፈን፡ ውዳበን፡ ሰልፍን ኣየድልን እዩ ዝብልን፣

ኩሉ ንረብሓ እቲ ስርዓትን፣  መናዊሒ ስልጣኑን  ኮይንዎ ኣሎ። ወረ ሎምስ ብሃገር ደረጃ ተሪፉ በብኣውራጃኡ ተጠርኒፉ ይቃለስ ዝብል ናይ

ዘመነ ክፍልታት ክድገም ዝደሊ ሓይሊ ኣውን ይቀላቀል ኣሎ።  እቲ ስርዓት ኣስተሪሑ  ድማ  ርኢኹምዶ እዚኦም እዮም እምበኣር እቶም

ተቓወምቲ፡ ጽባሕ  ንግሆ ኣብታ ሃገር እንተኣትዮምሲ ንሓደ ልብን ሓደ ህዝብን  ዝነብረ ክዘርጉ እዮም ብምባል  ህዝቢ ናብ ኣብያ ገጹ

ከይየድህብ ይገብሮ ። ከምኡ እውን እቲ ደምበ ተቓውሞ  ብብረት ክንዘብጠካ እና እናበለ ክጭድር ከሎ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ነቲ

ስርዓት ፎእ ኣብ ክብለሉ እናተቐራረበ እንከሎ መሓውር ስለያታት እቲ ስርዓት ንኽድልድልን ምስምስ ረኺቡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ

ከምዘይተኣማመንን ከርዕድን፡ ሜላ ንኽፈጥር ይሕግዞ። እቲ ህዝቢ እውን እታ ብሓባር ክትጥርንፎ እትኽእል ናይ ሰላማዊ ኣገባብ ኣቀላልሳ ኣብ

ክልተ ከምቀል ይገብሮ እሞ ሞራሉ የውድቕ እቲ ስርዓት ከኣ ግርም ገይሩ ይብለጸሉ። ምስናይ እዚ ድኽመት ናይቲ ደምበ ተቓውሞ  ልዕሊ

እቲ ምልኪ ኮይኑ እታ እንደልያ ኤርትራ ደቃ ሓቝፋ፡ ህዝባ ብፍትሕን ዲሞክራስን ማዕርነትን ዝነብረላን ምዃኑ ዘነጽር ስእሊ ብሓባር ከቐምጥ

ብዘይምኽኣሉ ነቲ ህዝቢ ኣእምኑ ነቲ ምልኪ ከምበርክኾ ኣይከኣለን። ካልእ ክጥቀስ ዘለዎ ድማ፡ እቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ምሁራን ኣብ ክንዲ ኣብ

ጎኒ እቲ  ህዝቢ  ኮይኖም ብድፍረት ዝምክቱን ንህዝቦም ድማ ዘለዓዕሉን ንገዛእ ርእሶም ኣብታ ዓንኬል ናይቲ ስርዓት ተረባሕቲ ኮይኖም

ስለዝጠሓሉ፣ እቲ ህዝቢ ንሶም እኳ ዘለውዎ ብማለት  ኣስቂጡ ይግዛእ ኣሎ።
ስለዚ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ስርዓት እሳያስ ናይ ሓደ ሰብ  ምልኪ ማለት ንሱ ገባርን ሓዳግን ንሱ ሕጊ ንሱ ክሉ ነገር ምዃኑ ካብ ፈለጥና ከምቲ

ምስላ ኣቦታት ዝብልዎ፡ ‘’ ንጎይታ ፈሪሆምሲ ንጊላ።’’ ንኸውንሲ ስለምንታይ።? ስለምንታይከ ነቲ ስነፍልጠታዊ ዝኾነ ኣገባብ ገዲፍና ነቲ ስርዓት

ብዘገልግል ውዳበ ክንገብር ንፍትን? እዚ ስርዓት እዚ ንማንም ዝውከል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ  እቶም ዝድግፍዎ በጻብዕ ዝቑጸሩ እዮም። እቲ

ዝተረፈ በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያታት  ኣፉ ሒዙ ሱቕ ክብል ተገዲዱ ዘሎ።  እቲ ዕድመ ምልኪ ክናዋሕ ዕድል ዝህቦ ዘሎ ቀንዲ

ምኽንያት እምበኣር እቲ  ንተቓውሞ ተቓውሞ ተፈጢሩ ዘሎ ሓይልታት ደው ክነብሎ ዘይምኽኣልናን ወግሐ ጸብሐ ምፍልላይናን እዩ።

ብድራር መንታይ

 

ተጋዳላይ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊለይቲ  ዕለት 22 ጥቅምቲ 2014 ብሞት ካብ'ዛ ዓለም ምፍላዩ፡ ንቤተሰቡን ንመቓልስቱ ደልዪቲ ፍትሕን ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ተረኽቦ ኢዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም፡ ጠሉ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ'ቲ ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

ስውእ ተወልደ ቫካሮ ብስጋ እኳ ካባና እንተተፈልየ፡ ብመንፈስ ግን፡ ዝኽሩ ነባሪ ኢዩ።

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

23 ጥቅምቲ 2014

 

نعي أليم

 

تلقت قيادة حزب الشعب الديمقراطي الارتري ببالغ الحزن والأسى نبأ وفاة المناضل/تولدي تسفاماريام (ودِّي فكارو).

 

وأمام هذا الفقد الوطني الجلل لا يملك حزبنا إلا أن يشارك أسرة الفقيد الأحزان متمنياً للفقيد الرحمة ولأسرته وشعبه جميل الصبر وحسن العزاء.

 

منقستئاب أسمروم

 

رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري

23 اكتوبر 2014م

ብዕለት 12-10-2014 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዝተሳተፉዎ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ሓጅ ሳልሕ እዩ ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩምን  አጀንዳ ኣኼባ ብምግላጽን ተኸፊቱ።

ቀጺሉ፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ብምልውዋጥን፡ መለለይታት ሰልፍኻ ምፍላጥን ዝብሉ ኣርእስትታት ብምልዓል ኣስተምህሮታት ብምቕራብ ስሩዕ መደብ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብቲ ቀዳማይ ኣርእስቲ ናይ ሓበሬታታት ምልውዋጥ፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምሉእ ዓለም ክካየድ ዝቐነየ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱሳ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ናይ ጀርመን ከተማታት ዳርምሽታትትን ፈራንክፎርትን ቃሬዛታት ሒዝካ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ነቲ ጠንቂ ናይ‘ዚ ኩሉ ጸገማት ዝኾነ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን፡ ብስም ኣገልግሎት ዝካየድ ዘሎ ባርነትን ውርደትን መንእሰያትናን ዝገልጽ፡ ብመንእሰያት ዝቐረበ ድራማን ከም ዝነበረ ተንቲኑ ኣቕሪቡ።

ብዘይካዚ ኣብቲ ህልቂት ዝተፈጸመሉ ደሴት ላምፓዱዛ ዝተኻየደ ዝኽሪ፤ ተሳትፎ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ፍራንሲስን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳን ሰበ-ስልጣን ጣልያንን ንስደተኛታት ዝምልከት ዘቕረብዎ መግለጽን ድሕሪ ምሕባር፡ ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው ወልደሱስ ዓማርን ካልኦት ተወከልቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትንውን ተሳቲፎም ምንባሮም ገሊጹ። መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲከኛታት ሕብረት ኤውሮጳን ንዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ብዘስካሕክሕ ጥፍኣት ክዝክሩ እንከለዉ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ግን ብሩሑቕ ይኹን ብቐረባ ዘይምዝካሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣባላቱ ዕጅብ ከይበሎም ኣብ ጀርመን ከተማ ጊስን ንጓላይን ዕንደራን ዝኸውን መደባት ሰሪዖም ኣብ ትልሂት ምሕዳሮም፣ ናይ ሕፍረት ሕፍረት ምዃኑውን ኣዘኻኺሩ።      

ብተወሳኺ ኣብ መግለጺኡ፡ እዚ ኩሉ ጸገማት‘ዚ ክፍታሕ ዝኽእል፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምቕያሩ ብምቅላስ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ከም ውዑይ ሓይሊ መጠንን ተካእቲ ወለዶ ብምዃኖምን ተቢዖም ክቃለሱ ሓላፍነት ክወስዱ ከም ዘለዎምን ተማሕጺኑ። ኣብ ርእሲዚ‘ውን፡ ገለ መንእሰያት፡ ካብቲ ናይዚ ኩሉ ናይ ምድረበዳን ባሕርን ህልቂት ጠንቂ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኣምሊጦም ከብቕዑ፡ ኣብ ዝዕቆቡሉ ቦታ በጺሖም ኣብ ስደቶም ናይ ምንባር መሰላቶም ምስ ኣረጋገጹ፡ ተመሊሶም ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ክትርኢ ከሎኻ ኣዝዩ ሕማቕን ዘሕፍርን ተግባር ስለ ዝኾነ፡ ኩላቶም መንእሰያት ካብዚ ጌጋ ስጉምቲ‘ዚ ተቖጢቦም ኣብ ዝመረጽዎ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ውዳቤታት ጸኒዖም ክቃለሱ ተላብዩ።

ኣብ ርእሲ‘ዚ መንእሰያት ክብሮምን ፌቨንን፡ ኣባላት ጨንፈር ሽማግለ ብወገኖም፡ ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሎም፡ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዘሎ ናይ ኣቀላልሳ ሃለዋቶምን፡ ብሕጂ ከኣ ከም ናይ ቃልሲ ተካእቲ መጠን ክገብሩዎ ዝግባእን ብምጥቃስ አተባባዕን መሃርን መግለጺ ኣቕሪቦም።

ካብዚ ብምቕጻል፡ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ናይ ኣጀንዳ ብምእታው፡ መለለይታት ሰልፍኻ ምፍላጥ ዝብል ኣርእስቲ ብምልዓል፡ ብፍላይ ንሓደስቲ ኣባላት ኣስተምህሮ ክኸውን ዝኽእል ፖለቲካውን ማሕበራውን መለለይታት ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ዝሕብር ሰፊሕ መግለጺ፡ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ቀሪቡ። ኣብ ርእሲኡ‘ውን ገለ ኣባላት በብተራ ተወሳኺ መብርሂታት ብምቅራብ፣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ሰልፎም ዝህልዎም ተረድኦን ኣፍልጦን ንኽሰፍሕ ሓጋዚ ግደ ኣበርኪቶም።

 

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት መሪሕነት ጨንፈር፡ ብዛዕባ ኣገባባት ስርርዓዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንጨንፈር ዝምልከት መግለጺ ብምሃብ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።  

ንጉጅለ ህግደፍ እንኸሰሉ ምኽንያታት ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ፍሉጥን ቅድሚ ሕጂ ደጋጊምና ዝዘርዘርናዮ መዓንጣ ከብድና ዘሕረረ ስለ ዝኾነ ሕጂ መሊስካ ምድግጋሙ ኣድላይ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።  ኣጠቓሊልካ ንምስፋሩ ግና “ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ሎሚ ኩነታት ዘይድህስስ፡ ናይ ጽባሕ ዘይእምትን ኣብ ናይ ትማሊ ኩነታት ክነብር ዝህቅን ካብ ናይ ሎሚ ውድዕነት ክሃድም ዝፍትን መታለሊ እዩ” ኢልካ ገሊጽካዮ ምሕላፍ ዝከኣል ይመስለኒ። እዚ ጉጅለ ነቲ ናይ “ሪትለስ ወይ ንድሕሪት ተመለስ” ጉዕዘኡ ብዙሕ ስም እዩ ዝህቦ፡ ኣበሩ ንምሕባእ ዝምህዞ ማእለማታት እውን ከምኡ ብዙሕ እዩ። እቲ ጉጅለ በታ ብሕታዊት ተሓቢኡላ ዘሎ ልሳኑ ኤሪ-ቲቪ ኣቢሉ፡ ንሓንሳብ መደብ “ጉዳያት ብጋህዲ” ንሓንሳብ ድማ መደባት “መርሓባ” ይምህዝ። ንውርሻን ያታን ዝግደስ መሲሉ ክቐርብ ድማ ይመጣጠር። እቲ ናይ ዝሓለፈ ገድሊ ያታን ውርሻን ምዝካርስ ንሕናውን ኣይመጸላእናዮ። ግና ብዋጋ ምሕባእ ህልዊ ኣጸጋሚ ኩነታት ህዝብና ክኸውን እንከሎ ምትላል እዩ ዝኸውን’ሞ ንቃወሞ። ጉዳይ ህልቂት ደሴት ላምፓዱሳ ጓሲኻ፡ ብዛዕባ ሓደ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእን ሽዑ ዝተማረኸ ኣጽዋርን ክትዛረብ ምውዓልስ ምስ ምንታይኮን ይቑጸር።

ኣብ 60ታት፡ “ለኣሎ ላሎ፡ ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ፡ እቲ ገዛና ዓብዪ ህድሞ ቁንጪ ቱኻን መሊኦሞ፡ ሽገይ ሃቡኒ ኣይተታልሉኒ … ወዘተ” ክድረፍ እንከሎ፡ መግለጺ ናይቲ ሽዑ ኣብ ልቢ ህዝብና ተደጒሉ ዝነበረ ሃረርታ ነጻነትን ትጽቢት ሃገርነትን ስለ ዝነበረ እዋናውነቱ ዘዳዲ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ልብን ቀልብን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክሳብ ሎሚ ምድሙድ ቦታ ረኺቡ። ከምቲ ዝነቐለሉ ድማ ኣድሚዑ። ከምቲ “እንዳ ኣንበሳስ ዓጽሚ ኣይሰኣኖን” ዝበሃል፡ እቲ ናይ ሽዑ ርሾ ፍቕሪ ሃገር ሎሚ እውን ካብ ሕልና ህዝብና ኣይተሓኸኸን እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ቀጻልነቱ ግና ዘተሓትት እዩ። እቲ ናይ ሽዑ ደርፍታት ኣብዚ ሎሚ ህዝብና ዘለዎ ኩነታት ቅድሚት ሰሪዕካ ከተቃለሖ ምፍታን ዕላምኡ ንህዝብና ንድሕሪት ክትመልሶ ምፍታን እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም ክወህቦ ኣይከኣልን። ሎሚ ህዝብና ዘለዎ ኩነታት ተመዚኑ  ንዓኡ ዘንጸባርቕ መዝሙር፡ ዜማን ግጥምን እንተ ዝዝውተር ኣብ ልቢ ህዝብና ቦታ መረኸበ “ኣብዚ እነኻ ዘረባ” ድማ መተባህለሉ። እቲ ምስ ናይ ሎሚ ርኡይ ኩነታቱ ዘየሳኒ ዜማታት ክሰምዕ እንከሎ ህዝብና  “እንታይ ዋጋ ኣለዎ ሽዑስ ግዜ ነይሩ፡ ንሕበን ድማ ኔርና፡ ሎሚ ግና ብሰንኪ ባዕልና ተማህሊልና ዘምጻእናዮ ጉጅለ ህግደፍ  ከምሽንቲ ገመል እንዲና ንድሕሪት ተመሊስና፡ ናይ ሎሚ ግዳ ዘይንገብር” ናብ ዝብል ጣዕሳ እዩ ዝወስዶ። እዞም ነዚ ዘሳስዩ ዘለዉ በዓል ኣስመሮም ሃብተማርያም ድዩ ኢንጅነር ኣስጐዶም ወልደሚካኤል፡ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ወይ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣብ ልቢ ህዝብና ሞያዊ ቦታ ንክረኽቡ፡ “ ፍሽኽታ ኣመለይ ወይ እምኒ መሲሉካ ከይትረግጽ ዓፍራ” ንዝብሉ ግዜ ዘይሓለፎም ማዕረ ህልዊ ስምዒት ህዝብና ዝጐዓዙ፡ ዜማታት ግቡእ ቦታ ክህብዎ ምተገብኦም። ምስ ህግደፍ ኣይመሳነዩን ብህዝብና ግና ክብሪ ኣምበይተፈልዮምን። ካብኡ ሓሊፎም ቀደም ናይ ህዝቢ ትርግታን ክውንነትን ዳህሲሶም ሃገራዊ ምልዕዓል ከም ዘይፈጠሩ፡ ሎሚ ናይ ሓደ ገበነኛ ጉጅለ ኣበር ሓባእቲ ኮይኖም ክልተሻብ ካብ ዝረኣዩ ስቕ መሓሾም። “ይገርመና ኣሎ” ንዝብል ዜማ ቦታ እንተዝህብዎ’ሞ ከከም ተርጓሚኡ እንተዝትርጎም’ውን ኣምበይመኸፈአን።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ተስፋኡ ጸንቂቑ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ልቢ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይርህርህ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተረዲእዎ እዩ። ከም መግለጺ ናይ’ዚ ዘሻቕል ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ኣማንየይ “ነዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ኣረመናዊ ተግባራትሲ ከመይ ትርእዮ?” ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፡ “እዚ ሓደ ስርዓት ኣሪጉ ናብ ሞት ገጹ ብቕልጡፍ ክጐዓዝ እንከሎ ዘርእዮ ምልክት’ዩ” ኢሉ ዝመለሰለይ ንዝነበረኒ ግምት ኣድሚቑለይ። ሕጂ ህዝብና ናብቲ “ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊደ ለውጢ ከረጋግጽ እየ” ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ደንበ ተቓውሞ እዩ ብምሉእ ልቡ ዘጨናጭን ዘሎ። እሞ እዚ ደንበ ተቓውሞኸ ልቢ ኤርትራዊ ኣረስሪሱ ነቲ ወሳኒ ፈተና ክሓልፎ ድዩ  ወይስ ኣይፋሉን? ጌና መዕለቢ ዘይረኸበ ኣብ መስርሕ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ወዮ በቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጠልሞ፡ ግዲ ሰኪሑ፡ ንመብጽዓታት ደንበ ተቓውሞ ሃንደፍ ኢሉ ክቕበሎ እንጽበዮ ኣይኮነን። ህዝብና “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ከይኮኖ እንተተጠራጠረ  ኣይፍረዶን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሕልሚ ፈሪሕካ ካብ ድቃስ ምህዳም ከም ዘይከኣል፡ ህዝብና”ውን እምብዛ ከይረሓቐ፡ ንውድባቱ ገናጺሉ ብምርኣይ “እዚ ጥዑይ እዚ ግና ኣይፋሉን” ናይ ምባልን ምስቲ ጥዑይ ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ከም ዘሎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ከምኡ ዘይምግባር ግና ተሓታትነት ከስዕብ ባህርያዊ’ዩ። ደንበ ተቓውሞና ከዓ ኣብ ልቢ ህዝብና ቦታን ተቐባልነትን ንክረክብ ኣዝዩ ግሉጽ፡ ጸዋር፡ ገዳፍ፡ ሓላዪን ሓላፍነታውን ዋጋ ምኽፋል ይጽበዮ ከም ዘሎ ክግንዘብ ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝቐበጸ ጥራይ ሓላይን ደጋፍን ደንበ ተቓውሞ ክኾነልካ ምጽባይ  ቅቡል ኣይኮነን። ህዝብና ካብ ብእምነትን ግርህነትን ምድጋፍ ፍረ ስለ ዘይረኸበ፡ ንኩነታት ብግብራዊ ውጽኢት ክዕቅኖ  ግድን ክኸውን እዩ። ተቓውሞና በታ ውስንቲ ዓቕሙ’ውን፡ ኣብ ልብን ቀልብን ህዝብና ቦታ ንምርካብ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝያዳ ሓላይ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋግጽ ተግባር ክፍጽም ይግበኦ። ህዝብና ነዚ መረጋገጺ ክሳብ ዘይረኸበ ኣይምስ ህግደፍ ኣይምስ ተቓውሞ ናይ ምዃን ኩነት ዘይፍጠረሉ ምኽንያት የለን። ድሮ ነዚ ዝመስል ምልክታት ስለ ዘሎ እዩ ድማ “ተሳትፎ ህዝብና ኣብዚ ቃልሲ ከም ዘንቀሳቕሶ ማዕበል ስለ ዝሰኣነ ዝረግአ ባሕሪ” ዝምሰል ዘሎ።

ናይ ሓደ ሓይሊ ወይ ውድብ ብቕዓት ዝልከዓሉ መምዘንታት፡ ከከም መድረኹን ናይቲ ዝተሰለፍሉ ቃልሲ ባህርን ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ምእንቲ ነጻነት እቲ ጐሊሑ ዝመጽእ መምዘኒ ናይ ሓደ ውድብ ብሓይሊ ናይ ጸላኢ መዛግብ ምፍራስን ቦታታት ምሕራርን ናይ ብቕዓት መምዘኒ ነይሩ። ሓቂ እዩ ድማ እቲ መድረኽ ከምኡ ዝጠልብ’ዩ ነይሩ። ንህዝቢ ባህግታቱ ኣለሊኻ ኣብ ጐንኻ ንምስላፍ ምንቃሕ፡ ምውዳብን ምንቃሕን እውን ከምኡ ካብ ቅድም ካልእ መምዘኒ ነይሩ። እቲ ናይ ቃልሲ እዋንን ናይ ቃልሲ ባህርን ክቕየር እንከሎ ድማ እቲ በሪኹ ዝረአ ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ናይ ብቕዓት መምዘኒ ሓቢሩ ዝቕየር’ዩ። ክምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና፡ ነቲ ናይ መድረኽን ባህሪ ቃልስን ለውጢ ኣብ ግምት ከየእተኻ ኣብቲ ግዜኡ ዝሓለፎ  መምዘኒ ተወጢሕካ ምንባር ግና “ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ነቲ ዓይኑ ኣፍጢጡ “ኣብዚ ኣለኹ” ዝብል እዋናዊ ሕቶታት ዝምልስ፡ ናይ ነበረያነበረ ኣረግቶት ታንክታት ከሰልፍ ዝሃልኽ ማለትና እዩ።

ብናተይ ርኢቶ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ እቲ ናይ ብቕዓት መምዘኒ ክኸውን ዝግበኦ ነቲ ቀንድን መሰረታውን  ሕቶታት ከከም ክብደቱ ክትምልስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣየናይ እዩ እሞ እቲ ቀንዲ  መድረኻዊ ዕማም ኣብ ደንበ ተቓውሞ?  ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ምምላስ ምናልባት ፍልልያት ክህልወና ይኽእል ይኸውን። ክሳብ ተመሳሳሊ መልሲ ንውንን ከኣ ክንጽዕት ናይ ግድን እዩ። ብናተይ እምንቶ፡ እቲ ቀንዲ እዋናውን መሰረታውን ጉዳይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዚ ብሓባር ክስለፍ  ስለ ዘይከኣለ፡ ዓቕሙ ተበቲኑ፡ ክብደቱ ንኢሱ፡ ተቐባልነቱን ከዓ ሃሲሱ ዛህሩ ጠፊእዎ በታ ዝርካባ ዓቕሙ ኣብ ሕድሕዱ ክናቖት ዝውዕል ዘሎ ሓይልታት ብሓባር ከተሰልፎ ምኽኣልን ዘይምኻልን ሓደን ቀንድን ናይ ውድባትና ናይ ብቕዓት መለክዒ እዩ እብል። ካለኦት በብደረጃኦም ዝስርዑ ዕማማት የለዉን ማለት ግና ኣይኮነን። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ርኡይ ሓላፍነታዊ ሓቛፊ እጃም ዘበርከት ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር፡ ምናልባት እውን ግዱስ ኤርትራዊ ባእታ “ከምዚ ገይረ እየ” ኢሉ እንተዝንየት ጥራይስ የውዕሎ እምበር  መመልከዓሉን ምተመጐሰን በሃላይ እየ። እቲ ዝጽላእስ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ተሰንጠቕኩ ምባልን ኣብ ልዕሊ መሓዛኻ ውድብ ኲናት ከፊትካ መን ከማይ ምባልን እዩ። ሎሚ ሓጥያት ደንበ ተቓውሞና በዚሑስ “ኩዳ ብዘይ ስብራ” ዝብል ምድጋሙ ዘሰክፍ ስም ክወሃቦ እንከሎ ዘየሳሕየና እንተኾይኑ፡ ብሓቂ “ብደውና ሞይትና ወይ ጥዕና ስኢና ኣለና” እንተበልና እንተዘይውሒዱና ይበዝሓና እዩ ኣይብልን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብዙሕ ዓይነት ኣወዳድባ ኣለና። ኣብዚ ብዙሕነታዊ ኣወዳድባ ዘለና ኣረኣእያ ዝተፈላለየ እዩ። ምናልባት ገሊኡ ውዳበታት ምስ ኤርትራዊ ባይታ ዘየሳኒ፡ ትርግታ ህዝቢ ዘየጨናጨነ እቶም ወደብቱ ካብ ጸቢብ ድሌት ዝፈጠርዎ ክኸውን ይኽእል። ገሊኡ ውዳበ ከዓ ኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝፈጠሮ ካብ ኤርትራዊ ትንፋስ ዝነቅል መግለጺ ብዙሕነትና እዩ። በዚ ይኹን በቲ እዚ ዝተፈላለየ ኣወዳድባ መልክዕናን ግርማናን እምበር መጻልኢና ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ካብ ጸቢብ ባዕላዊ ድሌት መሃዝቱ ዝነቅል፡ ኣብ ኤርትራዊ ኣከዋውና ግና ባይታ ዘየብሉ ውዳበ እውን ክሳብ ኣብ ግዜኡ ህዝባዊ ፍርዲ ዝወሃቦ’ሞ ንወደብቱ ቅቡል ካብ ኮነ፡ ተቐቢልናዮ ብውሕልነት ንሓባራዊ ጉዕዞ ኣብ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይዕንቅጽ ኣገባብ ክንቃወሞ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ ዘይገሃስ ሉኣላዊ መሰል መንዚዕና ካብ ሕጂ ካብ መድረኽ ቃልሲ ከነወግዶ ክንፍትን ቅኑዕ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ኣይኮነን። ንሓደ ርኢቶ ኣኽቢርካዮ ማለት ናትካ ገይርካዮ ማለት ከም ዘይኮነ ንፈላለዩ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለኒ። ነቲ ዘይንቕበሎ ርኢቶ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ኣብቲ እዋኑ ህዝቢ ኣእሚና ባይታ ከነስእኖ ክንቃለስ ግና ዝኽልክለና የለን። እቲ ቃልሲ ንሰባት ኣእሚንካ እቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ከም ናቶም ቅኑዕ ገይሮም ከም ዝወስድዎ ናይ ምኽኣሎም ሰላማዊ መስርሕ ምዃኑ ግና ኣይንረስዕ። ኣዚ እምንቶና ንቓለ ዓለም ክኸውን ኣይግበኦን። ኣብዚ መስርሕ ምእማንን ምትግባሩን ሓደ ካብ በሓቲ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ዝፈልየና፡ ኣውንታዊ መምዘኒ ኮይኑ ክም ዝምዝገብ ከዓ ኣይንረስዕ። እቲ ናተይ ቅኑዕ ንዓኻትኩም’ውን ቅኑዕ፡ እቲ ናተይ ግጉይ ድማ ንዓኻትኩም’ውን ግጉይ እንተዘይኮነ ኢልካ ከተገድድ ምፍታን ግና ብባህሪኡ እምንቶ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ በሃላይ እየ። ከምቲ ወለድና “ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ” ዝብልዎ፡ ከሎ ጌና ኢና ነዚ “ብፈቓድ ህዝቢ ዝምእዘዝ” ናይ ብዙሕነት ኣመሓዳድራ ክንርዕሞን ከነኽብሮን ዝግበኣና። እቲ ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና መርገጻትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ኤርትራ ናይ ኩላትና ምዃና እዩ። ብዘይናይኩላትና እኩብ ድምር ኣበርክቶ ድማ ክርህዋ ኣይኮነን። ስለዚ እየ ድማ ኣይንገዳደፍ ንከይንጸድፍ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፡  ቅድሚ ሕጂ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበልኩን ሎሚ ናይዚ ጽሑፈይ’ዚ ኣርእስቲ “ንዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ” ኢለዮ ዘለኹ።

ዓይኒ ጸላኢ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት.ኮም ይደፈን

16 ጥቅምቲ 2014

ዶን ማከይ mirro.co.uk | dailymail.co.uk

ኣብ ንግዲ ኣካላት ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣብ ቍጽጽር ከምዝወዓሉ ሰበስልጣን ጣልያን ኣፍሊጦም። እዞም 5 ኤርትራውያን፡ ካብ'ቶም ብጀላቡ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ዝነበሩ እሞ ናይ መጓዓዚኦም ወጻኢታት ክኸፍሉ ዘይክእሉ ስደተኛታት ኰላሊታቶምን ካልኦት ክፍላት ናይ ኣካላቶምን እናተቐንጠበ ክሽየጥ ተሓባቢሮም፤ ከምኡ ድማ፡  ካብ'ቶም ምሉእ ናይ መጓዓዚኦም ዋጋ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ስደተኛታት፡ ኣብ ኣውሮጳ ምስ በጽሑ ሰሪሖም ክኸፍልዎ የገድዱ ነይሮም ብዝል ክሲ ተኣሲሮም ምህላዎም ሰነዳት ቤት ፍርዲ የረጋግጹ ይብል ዶን ማከይ።

ብላምፓዱዛ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት 150,000 ኣቢሎም ምዃኖምን ካብኦም ድማ 3,000 ኣቢሎም ኣብ ባሕሪ ከምዝሃለቁ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

እቶም ተታሒዞም ዘለዉ፡ ሚኪኤል ብርሃነ ዝብሃል ተሓዝ ገንዘብ ናይ'ቲ ገበነኛ ጕጅለ፡ ምስ ሃይለ ሰይፉ፡ ርእሶም ገብረሚካኤል፡ ሚኪኤል ሀኖክን ተስፋይ ባህታን ዝተባህሉ ብጾቱ  ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገዳልያ ቶበር እተባህለ ፍሉጥ ናይ ክፍለ-ኣካላት ናይ ደቂ ሰባት ኣብ ምንጋድ ዝተዋፈረ እስራኤላዊ ኣብ ጣልያን ከምእተታሕዘ ዝፍለጥ ኢዩ። ንሱ ካብ ብራዚል ኰላልቲ ብሕሱር ዋጋ እናገዝአ ኣብ እስራኤል ብኽቡር ይሸጦ ምንባሩ ይዝከር። እቲ መጥባሕቲ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይፍጸሞ ምንባሩ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።  

http://eastafro.com/Post/2014/10/14/5-eritrean-gang-members-arrested-for-human-trafficking/


ኣብ ሃወኽን ተርባጽን ዝነብር፣ ንኩነታት ካብ ስነ-መጎት ወጻኢ ከምድላዩ ገይሩ ዘቕርብን፣ እቲ ንሱ ጥራሕ ዝረኣዮ እምበር፣ ካልእ ሸነኽ እንታይ ከምዝሓስብን ከምዝምድብን ፈጺሙ ኣብ ግምት ከየእተወ ትኽ ኢሉ ኣብ ምጉጅጃል ገጹ እዩ ዘድህብ። ቀጺሉ ድማ ኣፋ ዝሃቦ ይምድርን ይገልጽን። በቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳብ ምስ ካልኦት ተወሃሂዱን ተዛሚዱን ክኸይድ ከኣ ፈጺሙ ኣይሓስቦን። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ቅድሚ ሎሚ በታቲኑናን ጎጃጅሉናን እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበርና  ኩልና ተቓለስቲ ተራ ይኹን መሪሕነት ንናጽነትን ንዲምክራስን እዩ ነይሩ ቃልስና። እዚ ከኣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ሃገርና ኣልጊስካ መተካእትኡ ሰላም ራህዋ ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ሓቢርና ክንሃንጽ ዝነበረ ዕላማና ብሰንኪ ዝፈጸምናዮ ጌጋታትን ምጉጅጃልን፣ ሃገርና ክንሃንጽ ኣይከኣልናን። ኣብ ክንድኡ ከኣ ኣብ ዝገደደ ሽግራትን ፍልልያትን ብምጥሓል ምትእስሳርን ሓድነት እቲ ሕብረተሰብና ከም ዝበታተኽን ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት ከምዝኣቱን ገይርናዮ ንርከብ። ኩልና ኤርትራውያን ደግፍቲ ይኹን ደለይቲ ፍትሒ ዝተጋገናዮ ጌጋ ኣርሒቕና ክንሓስብ ዘይምኽኣልናን ናይ ጽባሕ ዘይምሕሳብናን እነሆ ንስደትን ብረሰትን ተሳጢሕና ንርከብ ኣሎና። ሕጂ እውን ነዚ መላኺ ስርዓት ክነልግስ ብሓዲሽ መንፈስ ኣብ ክንዲ ንለዓዓል  በቲ ዝሓለፈ ወይ ብስምዒት ተደሪኽና፣ ነቲ ናይ ጽባሕ ኣብ ግምት ከየእቶና፡ በቲ መዓልታዊ ቅጥዒ ዝሰኣነን፡ ምርምር ዘይተኻየደሉ ዝጸሓፍ ጽሑፋትን፡ መልሓሱ ዝሃቦ ዝውርውርን ነቲ ሓቂ ካብቲ ሓሶት ነጺልና ንኸይንፈልጥ ዓጊቱና ኣሎ።  እዚ ኩሉ ሓቁን ሓሶቱን ተሓዋዊሱ ዝዝረብን ዝጸሓፍን ከኣ ብመን ይውንጨፍ ኣሎ ብዘየገስ ነታ እንኮ ዝነበረትና ርእሰ ተኣማንነት ተጎጃጂልና ከም ነህስሳ  እዩ ጻዕርታት ዝካየድ ዘሎ።

ብሓፈሻኡ ደምበ ደላይ ፍትሒ እምበኣር፣ ውድባቱ ይኹን ሰልፍታቱ ወይ በርጌሳውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ተራ ውልቀሰባትን፡ ንሃገራዊ ጉዳይ ዘዕኵኽ ጉዕዞ ጌና ስለዘይተተሓሓዞ ሃገራዊ ጥምረት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ። እዚ ከኣ ዘይተኣደነን ሕልኽልኽ ዝበለን ፍልልያት እናተጋፈሐን እናተንዝሐን ይቕጽል ኣሎ።እዚ እውን ብግዲኡ ንውሽጣዊ ዲሞክራሲያዊ ህይወት ዝሰኵዕ ኣገባብ ከይምዕብል ጋሪድዎ ይርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ  ሓባራዊ ወይ ሓድነታዊ ቃልሲ ከውሕስ ዝኽእልን፣  ንሃገራዊ ስምዒትን ጥምረትን  ዘደልድል መርሆ ከይሕንጽጽ ተጸጊሙ ኣሎ።  

ስለዚ ደምበ ተቓውሞና፡ ካብቲ ካብ ፖለቲካዊ ሃልኪ ወጺኡ  ንሕሉፍ ጉዕዞኡ ዳግመ ገምጋም ብምግባር ናብ ከዋጽእ ዝኽእል ሃገራዊ ራኢ ክጥምትን ክሕንጽጽን የድሊ። ምኽንያቱ ኩሉ ንፍትሕን ዲሞክርስን እቃለስ ኣሎኹ ዝብል ሓይልታት ኣብ ሓደ ዝተጠርነፈ ራኢ ዘየዕስሎ ምኽንያት ዋላ ሓንቲ የለን። ስለምንታይ ደኣ ነቲ ካብ ምልኪ ንዲሞክራሲ ዝብል ኣምር ገዲፉ፡ ነቲ ሓደ ክሰጉግ ነቲ ሓደ ክሓቍፍ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ምዕልባጥ መዋጽኦ ስኢኑ ገሊኡ ውዳበ ኣየድልን፡ ገሊኡ ድማ ጋድምዶ ትኹል እናበለ ትልኽ  ዝብል ዘሎ።? እዚ ዘብርሆ ጉዳይ እንተልዩ እቲ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ጠለብ ህዝብና ክምልስ ዝኽእል ሓባራዊ ራኢ ዘይምውናን እዩ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ዘተሓቓቝፍ ዝበታትን፣ ነቲ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ስሒቱ ኣብ ጓል ነገር ብምሽማሙ፣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዛዕባ  ንፍልልያትናን ሽግራትናን ከመይ ንፍትሕ ዝብል የለን እንትርፎ ንመቓልስቱ ክፈላልን፡ ክድውንን ከካፍእን ከነውርን።

ብመሰረቱ ኩሉ ኣባል ደምበ ተቓውሞ፣ እቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ  ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃኑ ክዝንግዕ የብሉን። ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃኑ ካብ ፈለጠ ድማ ክተሓሓዞ ዝግበኦ ስራሓት ኣብ ክንዲ ደገፍቲ ህግድፍን ተቓወምትን፣ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ጐነጻውን ዘይጐነጻውን፣ በርጌሳውን ዘይበርጌሳውን፡  እንበለ ዝጐጃጀል፣ እዛ ሃገር ንኹሉ ከምእትምልከትን፡ ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብማዕረ ከምትብጽሖን ገይሩ ክቐርብ እዩ ዝግባእ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ  ንሓባራዊ ረብሓ ዘደልድል ኣዕኑድ ገዲፉ፡ ንኹሉ ብዘይጥርንፍ ኣገባብ ኣሰራርሓ እዩ ዝኽተል ዘሎ።  ንኣብነት ንጉዳይ ሃገር ዝምልከት ሓቢርካ ናይ ምብጋሱን ቅጥዒ ናይ ምትሓዙን ፈጺሙ ኣየዘውተርን። እቲ ዝገደደ ድማ እቶም ንሰላማዊ ቃልሲ ዝብሉ ተጠርኒፎም ኣለዉ፡ ንሕና ድማ እቶም ብጐነጽ እንበል ክንጥርነፍ ኣሎና ዝብል ሓሳብ ምጉጅጃል ናይ ደለይቲ ፍትሒ ድዩ።? እታ እንደልያ ፍትሒኸ ብብረት ክትመጽእ ትኽእል ድያ።?

ስለዚ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ግዝኣተ ሕግን ከምኡ እውን ፖለቲካዊን ቁጠባውን ማበራውን ምዕብልናታት ንመላእ እቲ ዜጋ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ እቲ  ንቕሎኡን ኣበጋግሳኡን ንመላእ ህዝቢ ዝጠመተን ዘሳትፍን ክኸውን እምበኣር ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ንካልኦት ከየሳተፈ ዘዳሎ ፖለቲካ ንኹሉ ብሒቱ ብኣነ ዝበልኩኹም ጥራሕ ኢኹም ዝዓይነቱ ኣካይዳ ስለዝኸይድ፣ ጽባሕ ንግሆ እውን እታ ኣሰያስ ፡’’ ስልጣን ብሓይለይ ኣምጺኤያ፡ ብሓይሊ ከኣ ውሰድዋ’’ ዝበላ ኢያ ክትከውን። ስለዚ፡ ኩሉ ጻዕርናን ቃልስናን ምጉጅጃል ዝውገደሉን ሃገራዊ ርኢና ዝሰምረሉን ኣገባብ ክንክተል ኣሎና ። እዚ ድማ  ኣብቲ ዝካየድ ፖለቲካዊ ንጥፈታት  ሰላማዊ  ኣገባብ ቃልሲ  ዋሕስ ናይ ዲሞክራስን ሰላምን ስለዝኾነ ንፍቶ ንጽላእ ንኣና ንህዝቢ ኤርትራ ንሱ ጥራሕ እዩ ዝዋጻኣና። ስለዚ ሰላም ፍትሒ ንደሊ እንተዀንና ነቲ ናይ ጐነጽን ሰላማውን ኣገባብ  ዝብል ስነፍልጠታዊ  ትንታኔኡ ተገንዚብና  ንምጉጅጃል ኣብ ክንዲ ንጥቀመሉን ስምዒታዊ ሚዛናት ንህበሉን ኣየናዮም እዩ ንረብሓ ህዝብናን ዋሕስ ዲሞክራሲያውነትናን ዝውዕል መሚና ክንፈልጦን ክንርድኦን የድሊ። በዚ ኣቢልና ድማ ኣብ ክንዲ ኣንጻር ሓድሕድ ንቃለስን ንጎጃጀልን ንረብሓ ኩሉ ሓብርና ምስራሕ ክንጸምድ ይግባእ።

 

 

ክልተሻብ’ባ ከይንርአ

Wednesday, 15 October 2014 12:23 Written by

ሓደ ህዝቢ ዝልለየሉን ከም ባህሊ ዝወሰዶን መፍለዪ ሐለገት ኣለዎ። እዚ ከም ባህሊ ዝወስዶ መለለይኡ ብዓይኒ ካለኦት ክረኣይ እንከሎ ብኣውንታ ወይ ብኣሉታ ክምዘን ይኽእል። ነቲ ዋናኡ ግና ኣርማኡ እዩ። እዚ መለለይ ባህሊ’ዚ ኣውንታዊ እንተኾይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ናይ ምስግጋር፡ ኣሉታዊ እንተኾይኑ ድማ ከም ዝውገድ ናይ ምግባሩ ዕማም ናይቲ ተካኢ ወለዶ መንእሰይ ሓላፍነት እዩ። እቲ ተካኢ ወለዶ ነዚ ክገብር እንተዘይክኢሉ ግና ኣብ ታሪኽ ተሓታትን ተወቃስን እዩ ዝኸውን። ነዚ ሓላፍነት ዝስከም ድማ መንእሰይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብዙሓት ከም ባህሉ ዝወሰዶምን ዝንየተሎምን መለክዕታት ነይረምዎን ኣለዉዎን። ነዚ መለለይታት’ዚ ናይ ምቕጻልን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ናይ ምትሕልላፍን ሓላፍነት እምበኣር ናይዞም ሕጂ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዘለና ኤርትራውያን ዜጋታት እዩ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምዕዋት ቅድሚ ናይ ብዙሓት ጠቕሚ፡ ውልቃዊ ረብሓ ብምስራዕ፡ ወይ ድማ ንበይናዊ ጻዕሪ ቅድሚ ሓባራዊ ጻዕሪ ብምስላፍ ዝረጋገጽ ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ይግበኣና። ኣብዚ ሎሚ ናይ ጉዳያት ሕድሕድ ምጽልላውን ምምልላእን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጸሓሉ ናይ ግሎባላይዘሽን መዋእል ሓባራዊ ሃገራውን ህዝባውን ዕማም ኣወንዚፍካ፡ በይንኻ ውልቃዊ ፍታሕ ከተምጽእ ዝረአ ዘሎ ስደትን ካልእ ብሕቱው ተበግሶታትን ክውገድ ዝግበኦ ምዃኑ ብጽሞና ክንርደኦ ዝግበኣና እዩ። በይነይ ምባል በይንኻ ስለ ዘትርፍ።

ታሪኽ ህዝብና ከም ዝምስክሮ፡ ፍቕሪ ስራሕን፡ ፍቕሪ ሃገርን ክምኡ’ውን ናይ ሕድሕድ ምትእምማን፡ ካብቶም ብዙሓት ህዝቢ ኤርትራ ዝልለየሎምን ከም ባህሉ ወሲዱ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከመሓላልፎም ዝጸንሐን መለለይኡ እዮም። እዞም ከልተ መለልዪ ህዝብና ኮይኖም ዝጸንሑ ናይ ጽንዓት መለክዕታት ብባህሪኦም ብሓባር እምበር ብውልቂ ዘይዝውተሩን ንዝኾነ ጸቢብነት ገጽ ዘይህቡን ብምዃኖም ንእግረ መንገዶም ጽኑዕ ሓድነት ህዝብና ዘመልክቱ እውን እዮም። ናይ ኣርበዓታት ፖለቲከኛታት ወለድና ንከይጣለሙ፡ ኣስላማይ ዝሓረዶ ብሓባር፡ ክስታናይ ዝሓረዶ’ውን ብሓባር ከም ዝተመገቡ ዘዘንቱ ቀንዲ ብልዕቲ ናይ ሓድነት ታሪኽና ኣይንርሰዖን ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ኣቀማምጣ ጉዳይ ሃገርን ሃይማኖትን ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ እውን ዘመልክት እዩ። ሎሚኸ ንሕና ከምኡዶ ኣለና ወይስ ኣይፋልናን ንምንጻር ድማ እስከ ኣብ ገገዛና ኮይና መምስ ሕልናና ንዛተ። ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክለዓል እንከሎ እውን ናይ ኤርትራውያን ፍቕሪ ስራሕን ፍቕሪ ሃገርን ሓቢሮም ክለዓሉ ዝጸንሑ መግለጺ ክብሩ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ብረሃጽ ጥራይ ዘይኮነስ ብደም እውን ኣረጋጊጽዎ እዩ። እዚ ድማ በቲ ንዓለም ዘደነቐ፡ ነዊሕ፡ መሪር፡ ክቡር ደም ዝተኸፍሎን ዕዉትን ቃልሱ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ኣመስኪርዎ እዩ። እዚ ብኸምዚ ክልለ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ተወፋይነቱ ብላሽ ኮይኑ፡ መለለይኡ ስደትን ዘይምትእምማንን ካለኦት ናይ ዕቤት ዕንቅፋታትን ክኸውን ምርኣይ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝብና “ክልተሻብ ከይረአ” እውን ዘየስግእ ኣይኮነን።

ናብዚ ኣሰካፊ ኩነታት ገጽና ከነምርሕ ጠንቅታት ካብ ዝኾኑ ምኽንያታት ሓደ ጉጅለ ህግደፍን ወጻዒ ፖሊሲታቱን ቀዳማይ እጃም ከም ዝወስዱ ንፈላለየሉ ኣይኮነን። እንተኾነ ኩሉ ንዓኡ ኣላጊብናሉ እናሻዕ እንዳተራገምናና እንዳሓርቀምናን ጠጠው ክንብል ቅቡል ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍስ ሕራይ ነቲ ምዕሩግ መርኣያ ህዝብና ኮይኑ ዝጸንሐ ውርሻና ኣፍሪሱ፡ ናይ ህዝብና ሕልናን ንያትን ኣምኪኑ፡ ናቱ ሃንጐሊማ ባህልን ኣሰራርሓን ከተኣታቱ፡ ካብዚ ዝረኽቦ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ዕድል ኣሚቱ ዘንቀደ ኣዕናዊ ጉጅለ እዩ’ሞ ስራሑ ዋኒኑ’ዩ ዝገብር ዘሎ ንበል። በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ከረጋግጾ ዝደሊ ኣዕናዊ ሸቶን ከብርሶ ዝደሊ ህዝባዊ ጸጋን ከም ዘለዎ ድማ ዘዳዲ ኣይኮነን። ንሕና እቶም ረብሓና ምስ ረብሓ ህግደፍ ዘይኮነን ብኣንጻሩ እንስራዕንከ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና። ደድሕሪ ጉጅለ ህግደፍ ዲና ናብ መቓብር ክንወርድ ዝግበኣና ወይስ ናትና ህዝባዊ ምርጫ ኢና ክንወስድ ዝግበኣና ክንሓስበሉ’ሞ ዘዋጸኣና ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ቀራና መንገዲ ከም ዘለናኸ ይረኣየናዶ ኣሎ። ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ስቕ ምባል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ታሪኹን ንክዕንድር መንገዲ ካብ ምጽራግ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከምዘይህልዎ ክንርስዕ ኣይግበኣናን።

ናይ ጸገማትና መሰረታዊ መፍትሒ ዘይኮነ ስደት ክንመርጽ ዘገደደና ጸረ ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ ኩልና ዘይንፈላለየሉ እዩ። ሎሚ ስደት ኣብ ኢርትራ ካብ ሓደ ስድራቤት ሓደ ወይ ክልተ ኣባላት ዝወስድዎ ስጉምቲ ዘይኮነስ ሓንቲ ስድራ ቤት ብምሉኣ፡ ወረ ኣብ ገሊኡስ እንተላይ እንስሳ ዘቤታን ሓርጪ ቤታን ጠቕሊላ እትጐዓዝሉ “ ስደት” ዝብል ቃል ካብ ዝገልጾ ንላዕሊ ዝመረረ እዩ። እዞም ስድራቤታት ነዚ ስጉምቲ ክወስዱ እንከለዉ ኣብ ዝበጽሑ ምዕራባዊ ዓለም እንተበጽሑ “ገዛና ጠዋሪ ዘየብሉ ክዓኑ እዩ” ዝብል ስኽፍታን ሻቕሎትን ዕረፍቲ ከም ዝኸልኦም ፍሉጥ እዩ። እዚ ሻቕሎት’ዚ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ እቲ ዕንወት ግና ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ዓብይ ዕንወት ናይቲ ትማሊ ብፍቕሪ ሃገሩ፡ ሓድነቱን ተወፋይነቱን ዝግለጽ ዝነበረ ህዝብን፡ ናብታ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋን ኩርኳሕ ናይ ቃልሲ ጉዕዞን ዝተረኽበት ሃገር ኤርትራ ክልሕም ከም ዝኽእል ኩልና ኣብ እንሰግኣሉ ናይ ፈተነ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ብመንጽር’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ትኸል ወይ ንቐል መድረኽ፡ ብክንድኡ ደረጃዶ ንሻቐልን ንስከፍን ኣለና ንዝብል ግና መልሰይ እንድዒ እዩ። ማዕረ ክብደት ናይቲ ሓደጋ ንስከፍ ዘለና ኣይመስለንን። ርግጽ’ዩ ሓደ ጸገም ይልመድ እዩ። ኢትዮጵያውያን’ኳ ኑሮ ካሉት መቃብርም ይሞቃል (መነባብሮይ ኢንተኢልካዮ መቓብር’ውን ይመውቕ) ኢሎም ይምስሉ እዮም። እቲ ምስ ጸገም ምልማድ ክሳብ ነቲ ጸገም ተቓሊስካ ተወግዶ፡ ምኽኣሉ እንተኾይኑ ባህርያዊ እዩ። ንሓዋሩ በቲ ጸገም ተመሊኽካ ተለማሚድካዮ ክትነብር እንተተቐቢልካዮ ግና ከለኻ ሞት እዩ ዝኸውን።

ንሕና ኤርትራውያን ትማሊ ብጽንዓትን ጅግንነትን ንረኣየሉ ዝነበርና ባህልናን ክብርናን ተደዊኑ፡ ሎሚ ክልተሻብ ከይንረኣ፡ ምስካፍና ንቡር ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ናይ ምስካፍና መግለጽስ ካብዚ ገጢሙና ዘሎ ናይ ትኸል ወይ ንቐል ግዜ ብኸመይ ኢና እንወጽእ?” ንዝብል ሕቶ ምልሲ ንክትረክብ ብምህርኳትን ምብልሓትን እዩ ክረጋገጽ ዝግበኦ። ነዚ ንክትበቅዕ ድማ ዓይነቱ ብዘየገድስ መስዋእትነት ዝሓትት እዩ። ብመሰረታዊ ዕላማኡ፡ እቲ ነጻነት ንምምጻእ ኣብቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት ኣሻኽ ጉዕዞ ዝተኸፍለ መስዋእትነትን፡ እዚ ሕጂ ዝጽበየና ዘሎ መስዋእትነትን ሓደ እዩ። ህዝባውን ሃገራውን ክብርን ቀጻልነትን ንምርግጋጽ ዝዓለመ። ኣብ ኣፈጻጽማኦምን ክብደት ዝሓትዎ ዓይነት ዋጋን ግና ክፈላለ ይኽእል። እዚ ፍልልይ ካብቲ መስዋእትነት ዝኽፈለሉ መድረኽን ባህሪ ናይቲ ግጥምን ዝነቅል እዩ። እቲ ናይ ቅድም ቃልሲ ዝያዳ ኣብ ናይ ዓውዲ ውግእ ጅግንነት ዘተኩር ዝነበረ ኮይኑ፡ ናይ ሎሚ ድማ ዝያዳ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘተኩር እዩ። ነቲ ናይ ቀድም ኮነ ናይዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ መስዋእትነት ሓደ ካብ ዝገብሮ ካልእ መሰረታዊ ጉዳይ ክልቲኡ ጅግንነት ብሓባር እምበር ብውልቂ ዘይዕመም ምንባሩን ምዃኑን እዩ። ውጽኢቱን ረብሓኡን’ውን ከምኡ ሓባራዊ እዩ። ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቀደም “ሎሚ ዘይከተት ዳርጋ ዝሞተ” እንተበልና ዘኽፈኣልና ኣይኮነን። ቀደም ኣንጻር ባዓዳዊ መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ሎሚ ድማ ኣንጻራ ሃገራዊ ወጻዒ ጉጅለ።

ሓደ ጸገም፡ ከምዚ ሎሚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ገጢምዊ ዘሎ ከጋጥም እንከሎ፡ እቲ መፍትሒ ካብቲ ጸገም ምህዳም ከም ዘይኮነ ንረዳደኣሉ እዩ። ክትሃድመሉ እንከለኻ መሊሱ ሻዲኑ ናብቲ ዘለኻዮ ስለ ዝስዕበካ፡ እቲ ህድማ ናይቲ ጸገም መወዳእታ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ጸገም ደድሕሬኻ ዝኸይድ ምዃኑ ኣብ ናትና ተመኩሮ፡ በቲ ጉጅለ ህግደፍ 2% ካብ ኣታዊኻ ክፈል ዝብለካ ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዓዲ ገዲፍካዮ ዝኸድካ ህዝብን ክብሪ ሃገርን በደል ክፍጸም እንከሎ ምስማዕን ብኣኡ ምኽንያት ወትሩ “ዓሕ” ምባልን ካብቲ ጸገም ብኣካል ሃዲምካ ብሕልና ግና ከም ዘይህደም ዘመልክት እዩ። እዚ ካብ ኮነ እቲ እንኮ እቲ መዋጸኦ፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ፊትንፊት ምግጣም ጥራይ እዩ ዝኸውን። ጸገም ምስ ኣጋጣመ ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ምምራሕ ኣብቲ ዘለኻዮ ኮይንካ ምስቲ ናይ ስደት ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ምግጣም ሓደን ቀዳማይን ተመራጺ እዩ። እዚ ግጥምያ ኣብቲ ዘለኻዮ ጉጅለ ህግደፍ ዝዕንድረሉ መሬት ኤርትራ ኮይንካ ኣብ ዘይተኻእለሉ፡ ቦታ ቀይርካ ማለት ኣብ ስደት ኮይንካ ምጥምጣም ድማ ካልእ ኣገባብ ኣገጣጥማ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ እትፈትዋ ሃገርን ህዝብን ክትገድፍ ተገዲድካ ከተብቅዕ፡ ደሓር መጻንዕ ምስ ሓዝካ ተመሊስካ፡ ንዓኡ ንጉጅለ ህግደፍ “እንታይዶ በዲሉኒ እዩ፡ መን ኣሎ ካብቲ ጉጅለ ዝሓይሽ” ብዝብሉ ሓረጋት እንዳኮሓሓልካ ምሕላቕ፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ ድማ ኣብ’ቲ ሳዕሪ በቚልዎ ዘሎ ኤምባሲታት ናይቲ ኣኼስ ጉጅለ ከይድካ ኢድ ምንሳእ፡ ዘገርም፡ ዘተዓዛዝብን ኤርትራዊ ጽንዓት ዘህስስን እዩ። ብመንእሰያት ክፍጸም እንከሎ ድማ የስደምም። ከምዚ ዓይነት ዘሕፍር ተንበርካኺ ስጉምቲ ንምውሳድ፡  ናይ ተቓወምቲ ውድባት ድኽመት፡ ብሓባር ዘይምስራሕን ዘይኣሳታፍነትን፡ ከም ምኽንያት ምቕራብ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን። ሓቀኛ ትሕዝቶኡስ ቅድሚ ህዝብኻን ሃገርካን ነብስኻ ካብ ምፍታው ዝሓልፍ ኣይኮነን። ርግጽ እዞም ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ድኽመታት የለዉን ንምባል ዘይኮነስ፡ እዞም ጸገማት እዚኣቶም ብቓልሲ እምበር ነብስኻ ካብ ቃልሲ ብምግላል ዝውገዱ ከም ዘይኮኑ ንምእማት እዩ። እዚኣቶምን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉን ጸገማትን እንተዘይህልዉ’ሞ ኸዓ ብመሰረቱ ቃልሲ’ውን ኣይመድለየናን።

8 ጥቅምቲ 2014

 

ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ፡ ሎሚ 8 ጥቅምቲ 2014 ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ከም እተፈልየና ዝሕብር ኣሕዛኒ ወረ ሰሚዕና።

ብስመይን ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፣ ንቤተሰቡን መቃልስቱ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም፡ ጠሉ ድማ የውርደልኩም ብምባል ናይ ወሪድኩም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

8 ጥቕምቲ 2014