ምጉጅጃል ንረብሓ ተጻባእትና ሓቢርና ከይንሰርሕ ዓጋቲና

2014-10-15 10:27:07 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 5711 times


ኣብ ሃወኽን ተርባጽን ዝነብር፣ ንኩነታት ካብ ስነ-መጎት ወጻኢ ከምድላዩ ገይሩ ዘቕርብን፣ እቲ ንሱ ጥራሕ ዝረኣዮ እምበር፣ ካልእ ሸነኽ እንታይ ከምዝሓስብን ከምዝምድብን ፈጺሙ ኣብ ግምት ከየእተወ ትኽ ኢሉ ኣብ ምጉጅጃል ገጹ እዩ ዘድህብ። ቀጺሉ ድማ ኣፋ ዝሃቦ ይምድርን ይገልጽን። በቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳብ ምስ ካልኦት ተወሃሂዱን ተዛሚዱን ክኸይድ ከኣ ፈጺሙ ኣይሓስቦን። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ቅድሚ ሎሚ በታቲኑናን ጎጃጅሉናን እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበርና  ኩልና ተቓለስቲ ተራ ይኹን መሪሕነት ንናጽነትን ንዲምክራስን እዩ ነይሩ ቃልስና። እዚ ከኣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ሃገርና ኣልጊስካ መተካእትኡ ሰላም ራህዋ ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ሓቢርና ክንሃንጽ ዝነበረ ዕላማና ብሰንኪ ዝፈጸምናዮ ጌጋታትን ምጉጅጃልን፣ ሃገርና ክንሃንጽ ኣይከኣልናን። ኣብ ክንድኡ ከኣ ኣብ ዝገደደ ሽግራትን ፍልልያትን ብምጥሓል ምትእስሳርን ሓድነት እቲ ሕብረተሰብና ከም ዝበታተኽን ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት ከምዝኣቱን ገይርናዮ ንርከብ። ኩልና ኤርትራውያን ደግፍቲ ይኹን ደለይቲ ፍትሒ ዝተጋገናዮ ጌጋ ኣርሒቕና ክንሓስብ ዘይምኽኣልናን ናይ ጽባሕ ዘይምሕሳብናን እነሆ ንስደትን ብረሰትን ተሳጢሕና ንርከብ ኣሎና። ሕጂ እውን ነዚ መላኺ ስርዓት ክነልግስ ብሓዲሽ መንፈስ ኣብ ክንዲ ንለዓዓል  በቲ ዝሓለፈ ወይ ብስምዒት ተደሪኽና፣ ነቲ ናይ ጽባሕ ኣብ ግምት ከየእቶና፡ በቲ መዓልታዊ ቅጥዒ ዝሰኣነን፡ ምርምር ዘይተኻየደሉ ዝጸሓፍ ጽሑፋትን፡ መልሓሱ ዝሃቦ ዝውርውርን ነቲ ሓቂ ካብቲ ሓሶት ነጺልና ንኸይንፈልጥ ዓጊቱና ኣሎ።  እዚ ኩሉ ሓቁን ሓሶቱን ተሓዋዊሱ ዝዝረብን ዝጸሓፍን ከኣ ብመን ይውንጨፍ ኣሎ ብዘየገስ ነታ እንኮ ዝነበረትና ርእሰ ተኣማንነት ተጎጃጂልና ከም ነህስሳ  እዩ ጻዕርታት ዝካየድ ዘሎ።

ብሓፈሻኡ ደምበ ደላይ ፍትሒ እምበኣር፣ ውድባቱ ይኹን ሰልፍታቱ ወይ በርጌሳውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ተራ ውልቀሰባትን፡ ንሃገራዊ ጉዳይ ዘዕኵኽ ጉዕዞ ጌና ስለዘይተተሓሓዞ ሃገራዊ ጥምረት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ። እዚ ከኣ ዘይተኣደነን ሕልኽልኽ ዝበለን ፍልልያት እናተጋፈሐን እናተንዝሐን ይቕጽል ኣሎ።እዚ እውን ብግዲኡ ንውሽጣዊ ዲሞክራሲያዊ ህይወት ዝሰኵዕ ኣገባብ ከይምዕብል ጋሪድዎ ይርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ  ሓባራዊ ወይ ሓድነታዊ ቃልሲ ከውሕስ ዝኽእልን፣  ንሃገራዊ ስምዒትን ጥምረትን  ዘደልድል መርሆ ከይሕንጽጽ ተጸጊሙ ኣሎ።  

ስለዚ ደምበ ተቓውሞና፡ ካብቲ ካብ ፖለቲካዊ ሃልኪ ወጺኡ  ንሕሉፍ ጉዕዞኡ ዳግመ ገምጋም ብምግባር ናብ ከዋጽእ ዝኽእል ሃገራዊ ራኢ ክጥምትን ክሕንጽጽን የድሊ። ምኽንያቱ ኩሉ ንፍትሕን ዲሞክርስን እቃለስ ኣሎኹ ዝብል ሓይልታት ኣብ ሓደ ዝተጠርነፈ ራኢ ዘየዕስሎ ምኽንያት ዋላ ሓንቲ የለን። ስለምንታይ ደኣ ነቲ ካብ ምልኪ ንዲሞክራሲ ዝብል ኣምር ገዲፉ፡ ነቲ ሓደ ክሰጉግ ነቲ ሓደ ክሓቍፍ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ምዕልባጥ መዋጽኦ ስኢኑ ገሊኡ ውዳበ ኣየድልን፡ ገሊኡ ድማ ጋድምዶ ትኹል እናበለ ትልኽ  ዝብል ዘሎ።? እዚ ዘብርሆ ጉዳይ እንተልዩ እቲ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ጠለብ ህዝብና ክምልስ ዝኽእል ሓባራዊ ራኢ ዘይምውናን እዩ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ዘተሓቓቝፍ ዝበታትን፣ ነቲ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ስሒቱ ኣብ ጓል ነገር ብምሽማሙ፣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዛዕባ  ንፍልልያትናን ሽግራትናን ከመይ ንፍትሕ ዝብል የለን እንትርፎ ንመቓልስቱ ክፈላልን፡ ክድውንን ከካፍእን ከነውርን።

ብመሰረቱ ኩሉ ኣባል ደምበ ተቓውሞ፣ እቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ  ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃኑ ክዝንግዕ የብሉን። ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃኑ ካብ ፈለጠ ድማ ክተሓሓዞ ዝግበኦ ስራሓት ኣብ ክንዲ ደገፍቲ ህግድፍን ተቓወምትን፣ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ጐነጻውን ዘይጐነጻውን፣ በርጌሳውን ዘይበርጌሳውን፡  እንበለ ዝጐጃጀል፣ እዛ ሃገር ንኹሉ ከምእትምልከትን፡ ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብማዕረ ከምትብጽሖን ገይሩ ክቐርብ እዩ ዝግባእ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ  ንሓባራዊ ረብሓ ዘደልድል ኣዕኑድ ገዲፉ፡ ንኹሉ ብዘይጥርንፍ ኣገባብ ኣሰራርሓ እዩ ዝኽተል ዘሎ።  ንኣብነት ንጉዳይ ሃገር ዝምልከት ሓቢርካ ናይ ምብጋሱን ቅጥዒ ናይ ምትሓዙን ፈጺሙ ኣየዘውተርን። እቲ ዝገደደ ድማ እቶም ንሰላማዊ ቃልሲ ዝብሉ ተጠርኒፎም ኣለዉ፡ ንሕና ድማ እቶም ብጐነጽ እንበል ክንጥርነፍ ኣሎና ዝብል ሓሳብ ምጉጅጃል ናይ ደለይቲ ፍትሒ ድዩ።? እታ እንደልያ ፍትሒኸ ብብረት ክትመጽእ ትኽእል ድያ።?

ስለዚ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ግዝኣተ ሕግን ከምኡ እውን ፖለቲካዊን ቁጠባውን ማበራውን ምዕብልናታት ንመላእ እቲ ዜጋ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ እቲ  ንቕሎኡን ኣበጋግሳኡን ንመላእ ህዝቢ ዝጠመተን ዘሳትፍን ክኸውን እምበኣር ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ንካልኦት ከየሳተፈ ዘዳሎ ፖለቲካ ንኹሉ ብሒቱ ብኣነ ዝበልኩኹም ጥራሕ ኢኹም ዝዓይነቱ ኣካይዳ ስለዝኸይድ፣ ጽባሕ ንግሆ እውን እታ ኣሰያስ ፡’’ ስልጣን ብሓይለይ ኣምጺኤያ፡ ብሓይሊ ከኣ ውሰድዋ’’ ዝበላ ኢያ ክትከውን። ስለዚ፡ ኩሉ ጻዕርናን ቃልስናን ምጉጅጃል ዝውገደሉን ሃገራዊ ርኢና ዝሰምረሉን ኣገባብ ክንክተል ኣሎና ። እዚ ድማ  ኣብቲ ዝካየድ ፖለቲካዊ ንጥፈታት  ሰላማዊ  ኣገባብ ቃልሲ  ዋሕስ ናይ ዲሞክራስን ሰላምን ስለዝኾነ ንፍቶ ንጽላእ ንኣና ንህዝቢ ኤርትራ ንሱ ጥራሕ እዩ ዝዋጻኣና። ስለዚ ሰላም ፍትሒ ንደሊ እንተዀንና ነቲ ናይ ጐነጽን ሰላማውን ኣገባብ  ዝብል ስነፍልጠታዊ  ትንታኔኡ ተገንዚብና  ንምጉጅጃል ኣብ ክንዲ ንጥቀመሉን ስምዒታዊ ሚዛናት ንህበሉን ኣየናዮም እዩ ንረብሓ ህዝብናን ዋሕስ ዲሞክራሲያውነትናን ዝውዕል መሚና ክንፈልጦን ክንርድኦን የድሊ። በዚ ኣቢልና ድማ ኣብ ክንዲ ኣንጻር ሓድሕድ ንቃለስን ንጎጃጀልን ንረብሓ ኩሉ ሓብርና ምስራሕ ክንጸምድ ይግባእ።

 

 

Last modified on Wednesday, 15 October 2014 12:33