ንዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ

2014-10-16 19:49:10 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 36244 times

ንጉጅለ ህግደፍ እንኸሰሉ ምኽንያታት ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ፍሉጥን ቅድሚ ሕጂ ደጋጊምና ዝዘርዘርናዮ መዓንጣ ከብድና ዘሕረረ ስለ ዝኾነ ሕጂ መሊስካ ምድግጋሙ ኣድላይ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።  ኣጠቓሊልካ ንምስፋሩ ግና “ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ሎሚ ኩነታት ዘይድህስስ፡ ናይ ጽባሕ ዘይእምትን ኣብ ናይ ትማሊ ኩነታት ክነብር ዝህቅን ካብ ናይ ሎሚ ውድዕነት ክሃድም ዝፍትን መታለሊ እዩ” ኢልካ ገሊጽካዮ ምሕላፍ ዝከኣል ይመስለኒ። እዚ ጉጅለ ነቲ ናይ “ሪትለስ ወይ ንድሕሪት ተመለስ” ጉዕዘኡ ብዙሕ ስም እዩ ዝህቦ፡ ኣበሩ ንምሕባእ ዝምህዞ ማእለማታት እውን ከምኡ ብዙሕ እዩ። እቲ ጉጅለ በታ ብሕታዊት ተሓቢኡላ ዘሎ ልሳኑ ኤሪ-ቲቪ ኣቢሉ፡ ንሓንሳብ መደብ “ጉዳያት ብጋህዲ” ንሓንሳብ ድማ መደባት “መርሓባ” ይምህዝ። ንውርሻን ያታን ዝግደስ መሲሉ ክቐርብ ድማ ይመጣጠር። እቲ ናይ ዝሓለፈ ገድሊ ያታን ውርሻን ምዝካርስ ንሕናውን ኣይመጸላእናዮ። ግና ብዋጋ ምሕባእ ህልዊ ኣጸጋሚ ኩነታት ህዝብና ክኸውን እንከሎ ምትላል እዩ ዝኸውን’ሞ ንቃወሞ። ጉዳይ ህልቂት ደሴት ላምፓዱሳ ጓሲኻ፡ ብዛዕባ ሓደ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእን ሽዑ ዝተማረኸ ኣጽዋርን ክትዛረብ ምውዓልስ ምስ ምንታይኮን ይቑጸር።

ኣብ 60ታት፡ “ለኣሎ ላሎ፡ ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ፡ እቲ ገዛና ዓብዪ ህድሞ ቁንጪ ቱኻን መሊኦሞ፡ ሽገይ ሃቡኒ ኣይተታልሉኒ … ወዘተ” ክድረፍ እንከሎ፡ መግለጺ ናይቲ ሽዑ ኣብ ልቢ ህዝብና ተደጒሉ ዝነበረ ሃረርታ ነጻነትን ትጽቢት ሃገርነትን ስለ ዝነበረ እዋናውነቱ ዘዳዲ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ልብን ቀልብን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክሳብ ሎሚ ምድሙድ ቦታ ረኺቡ። ከምቲ ዝነቐለሉ ድማ ኣድሚዑ። ከምቲ “እንዳ ኣንበሳስ ዓጽሚ ኣይሰኣኖን” ዝበሃል፡ እቲ ናይ ሽዑ ርሾ ፍቕሪ ሃገር ሎሚ እውን ካብ ሕልና ህዝብና ኣይተሓኸኸን እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ቀጻልነቱ ግና ዘተሓትት እዩ። እቲ ናይ ሽዑ ደርፍታት ኣብዚ ሎሚ ህዝብና ዘለዎ ኩነታት ቅድሚት ሰሪዕካ ከተቃለሖ ምፍታን ዕላምኡ ንህዝብና ንድሕሪት ክትመልሶ ምፍታን እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም ክወህቦ ኣይከኣልን። ሎሚ ህዝብና ዘለዎ ኩነታት ተመዚኑ  ንዓኡ ዘንጸባርቕ መዝሙር፡ ዜማን ግጥምን እንተ ዝዝውተር ኣብ ልቢ ህዝብና ቦታ መረኸበ “ኣብዚ እነኻ ዘረባ” ድማ መተባህለሉ። እቲ ምስ ናይ ሎሚ ርኡይ ኩነታቱ ዘየሳኒ ዜማታት ክሰምዕ እንከሎ ህዝብና  “እንታይ ዋጋ ኣለዎ ሽዑስ ግዜ ነይሩ፡ ንሕበን ድማ ኔርና፡ ሎሚ ግና ብሰንኪ ባዕልና ተማህሊልና ዘምጻእናዮ ጉጅለ ህግደፍ  ከምሽንቲ ገመል እንዲና ንድሕሪት ተመሊስና፡ ናይ ሎሚ ግዳ ዘይንገብር” ናብ ዝብል ጣዕሳ እዩ ዝወስዶ። እዞም ነዚ ዘሳስዩ ዘለዉ በዓል ኣስመሮም ሃብተማርያም ድዩ ኢንጅነር ኣስጐዶም ወልደሚካኤል፡ ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ወይ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣብ ልቢ ህዝብና ሞያዊ ቦታ ንክረኽቡ፡ “ ፍሽኽታ ኣመለይ ወይ እምኒ መሲሉካ ከይትረግጽ ዓፍራ” ንዝብሉ ግዜ ዘይሓለፎም ማዕረ ህልዊ ስምዒት ህዝብና ዝጐዓዙ፡ ዜማታት ግቡእ ቦታ ክህብዎ ምተገብኦም። ምስ ህግደፍ ኣይመሳነዩን ብህዝብና ግና ክብሪ ኣምበይተፈልዮምን። ካብኡ ሓሊፎም ቀደም ናይ ህዝቢ ትርግታን ክውንነትን ዳህሲሶም ሃገራዊ ምልዕዓል ከም ዘይፈጠሩ፡ ሎሚ ናይ ሓደ ገበነኛ ጉጅለ ኣበር ሓባእቲ ኮይኖም ክልተሻብ ካብ ዝረኣዩ ስቕ መሓሾም። “ይገርመና ኣሎ” ንዝብል ዜማ ቦታ እንተዝህብዎ’ሞ ከከም ተርጓሚኡ እንተዝትርጎም’ውን ኣምበይመኸፈአን።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ተስፋኡ ጸንቂቑ እዩ። ድሕሪ ሕጂ ልቢ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይርህርህ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተረዲእዎ እዩ። ከም መግለጺ ናይ’ዚ ዘሻቕል ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ኣማንየይ “ነዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ኣረመናዊ ተግባራትሲ ከመይ ትርእዮ?” ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፡ “እዚ ሓደ ስርዓት ኣሪጉ ናብ ሞት ገጹ ብቕልጡፍ ክጐዓዝ እንከሎ ዘርእዮ ምልክት’ዩ” ኢሉ ዝመለሰለይ ንዝነበረኒ ግምት ኣድሚቑለይ። ሕጂ ህዝብና ናብቲ “ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊደ ለውጢ ከረጋግጽ እየ” ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ደንበ ተቓውሞ እዩ ብምሉእ ልቡ ዘጨናጭን ዘሎ። እሞ እዚ ደንበ ተቓውሞኸ ልቢ ኤርትራዊ ኣረስሪሱ ነቲ ወሳኒ ፈተና ክሓልፎ ድዩ  ወይስ ኣይፋሉን? ጌና መዕለቢ ዘይረኸበ ኣብ መስርሕ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ወዮ በቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጠልሞ፡ ግዲ ሰኪሑ፡ ንመብጽዓታት ደንበ ተቓውሞ ሃንደፍ ኢሉ ክቕበሎ እንጽበዮ ኣይኮነን። ህዝብና “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ከይኮኖ እንተተጠራጠረ  ኣይፍረዶን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሕልሚ ፈሪሕካ ካብ ድቃስ ምህዳም ከም ዘይከኣል፡ ህዝብና”ውን እምብዛ ከይረሓቐ፡ ንውድባቱ ገናጺሉ ብምርኣይ “እዚ ጥዑይ እዚ ግና ኣይፋሉን” ናይ ምባልን ምስቲ ጥዑይ ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ኣብ ዝባኑ ከም ዘሎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ከምኡ ዘይምግባር ግና ተሓታትነት ከስዕብ ባህርያዊ’ዩ። ደንበ ተቓውሞና ከዓ ኣብ ልቢ ህዝብና ቦታን ተቐባልነትን ንክረክብ ኣዝዩ ግሉጽ፡ ጸዋር፡ ገዳፍ፡ ሓላዪን ሓላፍነታውን ዋጋ ምኽፋል ይጽበዮ ከም ዘሎ ክግንዘብ ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝቐበጸ ጥራይ ሓላይን ደጋፍን ደንበ ተቓውሞ ክኾነልካ ምጽባይ  ቅቡል ኣይኮነን። ህዝብና ካብ ብእምነትን ግርህነትን ምድጋፍ ፍረ ስለ ዘይረኸበ፡ ንኩነታት ብግብራዊ ውጽኢት ክዕቅኖ  ግድን ክኸውን እዩ። ተቓውሞና በታ ውስንቲ ዓቕሙ’ውን፡ ኣብ ልብን ቀልብን ህዝብና ቦታ ንምርካብ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝያዳ ሓላይ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋግጽ ተግባር ክፍጽም ይግበኦ። ህዝብና ነዚ መረጋገጺ ክሳብ ዘይረኸበ ኣይምስ ህግደፍ ኣይምስ ተቓውሞ ናይ ምዃን ኩነት ዘይፍጠረሉ ምኽንያት የለን። ድሮ ነዚ ዝመስል ምልክታት ስለ ዘሎ እዩ ድማ “ተሳትፎ ህዝብና ኣብዚ ቃልሲ ከም ዘንቀሳቕሶ ማዕበል ስለ ዝሰኣነ ዝረግአ ባሕሪ” ዝምሰል ዘሎ።

ናይ ሓደ ሓይሊ ወይ ውድብ ብቕዓት ዝልከዓሉ መምዘንታት፡ ከከም መድረኹን ናይቲ ዝተሰለፍሉ ቃልሲ ባህርን ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ምእንቲ ነጻነት እቲ ጐሊሑ ዝመጽእ መምዘኒ ናይ ሓደ ውድብ ብሓይሊ ናይ ጸላኢ መዛግብ ምፍራስን ቦታታት ምሕራርን ናይ ብቕዓት መምዘኒ ነይሩ። ሓቂ እዩ ድማ እቲ መድረኽ ከምኡ ዝጠልብ’ዩ ነይሩ። ንህዝቢ ባህግታቱ ኣለሊኻ ኣብ ጐንኻ ንምስላፍ ምንቃሕ፡ ምውዳብን ምንቃሕን እውን ከምኡ ካብ ቅድም ካልእ መምዘኒ ነይሩ። እቲ ናይ ቃልሲ እዋንን ናይ ቃልሲ ባህርን ክቕየር እንከሎ ድማ እቲ በሪኹ ዝረአ ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ናይ ብቕዓት መምዘኒ ሓቢሩ ዝቕየር’ዩ። ክምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና፡ ነቲ ናይ መድረኽን ባህሪ ቃልስን ለውጢ ኣብ ግምት ከየእተኻ ኣብቲ ግዜኡ ዝሓለፎ  መምዘኒ ተወጢሕካ ምንባር ግና “ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ከምዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ነቲ ዓይኑ ኣፍጢጡ “ኣብዚ ኣለኹ” ዝብል እዋናዊ ሕቶታት ዝምልስ፡ ናይ ነበረያነበረ ኣረግቶት ታንክታት ከሰልፍ ዝሃልኽ ማለትና እዩ።

ብናተይ ርኢቶ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ እቲ ናይ ብቕዓት መምዘኒ ክኸውን ዝግበኦ ነቲ ቀንድን መሰረታውን  ሕቶታት ከከም ክብደቱ ክትምልስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣየናይ እዩ እሞ እቲ ቀንዲ  መድረኻዊ ዕማም ኣብ ደንበ ተቓውሞ?  ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ምምላስ ምናልባት ፍልልያት ክህልወና ይኽእል ይኸውን። ክሳብ ተመሳሳሊ መልሲ ንውንን ከኣ ክንጽዕት ናይ ግድን እዩ። ብናተይ እምንቶ፡ እቲ ቀንዲ እዋናውን መሰረታውን ጉዳይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዚ ብሓባር ክስለፍ  ስለ ዘይከኣለ፡ ዓቕሙ ተበቲኑ፡ ክብደቱ ንኢሱ፡ ተቐባልነቱን ከዓ ሃሲሱ ዛህሩ ጠፊእዎ በታ ዝርካባ ዓቕሙ ኣብ ሕድሕዱ ክናቖት ዝውዕል ዘሎ ሓይልታት ብሓባር ከተሰልፎ ምኽኣልን ዘይምኻልን ሓደን ቀንድን ናይ ውድባትና ናይ ብቕዓት መለክዒ እዩ እብል። ካለኦት በብደረጃኦም ዝስርዑ ዕማማት የለዉን ማለት ግና ኣይኮነን። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ርኡይ ሓላፍነታዊ ሓቛፊ እጃም ዘበርከት ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር፡ ምናልባት እውን ግዱስ ኤርትራዊ ባእታ “ከምዚ ገይረ እየ” ኢሉ እንተዝንየት ጥራይስ የውዕሎ እምበር  መመልከዓሉን ምተመጐሰን በሃላይ እየ። እቲ ዝጽላእስ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ተሰንጠቕኩ ምባልን ኣብ ልዕሊ መሓዛኻ ውድብ ኲናት ከፊትካ መን ከማይ ምባልን እዩ። ሎሚ ሓጥያት ደንበ ተቓውሞና በዚሑስ “ኩዳ ብዘይ ስብራ” ዝብል ምድጋሙ ዘሰክፍ ስም ክወሃቦ እንከሎ ዘየሳሕየና እንተኾይኑ፡ ብሓቂ “ብደውና ሞይትና ወይ ጥዕና ስኢና ኣለና” እንተበልና እንተዘይውሒዱና ይበዝሓና እዩ ኣይብልን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብዙሕ ዓይነት ኣወዳድባ ኣለና። ኣብዚ ብዙሕነታዊ ኣወዳድባ ዘለና ኣረኣእያ ዝተፈላለየ እዩ። ምናልባት ገሊኡ ውዳበታት ምስ ኤርትራዊ ባይታ ዘየሳኒ፡ ትርግታ ህዝቢ ዘየጨናጨነ እቶም ወደብቱ ካብ ጸቢብ ድሌት ዝፈጠርዎ ክኸውን ይኽእል። ገሊኡ ውዳበ ከዓ ኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝፈጠሮ ካብ ኤርትራዊ ትንፋስ ዝነቅል መግለጺ ብዙሕነትና እዩ። በዚ ይኹን በቲ እዚ ዝተፈላለየ ኣወዳድባ መልክዕናን ግርማናን እምበር መጻልኢና ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ካብ ጸቢብ ባዕላዊ ድሌት መሃዝቱ ዝነቅል፡ ኣብ ኤርትራዊ ኣከዋውና ግና ባይታ ዘየብሉ ውዳበ እውን ክሳብ ኣብ ግዜኡ ህዝባዊ ፍርዲ ዝወሃቦ’ሞ ንወደብቱ ቅቡል ካብ ኮነ፡ ተቐቢልናዮ ብውሕልነት ንሓባራዊ ጉዕዞ ኣብ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይዕንቅጽ ኣገባብ ክንቃወሞ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ ዘይገሃስ ሉኣላዊ መሰል መንዚዕና ካብ ሕጂ ካብ መድረኽ ቃልሲ ከነወግዶ ክንፍትን ቅኑዕ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ኣይኮነን። ንሓደ ርኢቶ ኣኽቢርካዮ ማለት ናትካ ገይርካዮ ማለት ከም ዘይኮነ ንፈላለዩ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለኒ። ነቲ ዘይንቕበሎ ርኢቶ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ኣብቲ እዋኑ ህዝቢ ኣእሚና ባይታ ከነስእኖ ክንቃለስ ግና ዝኽልክለና የለን። እቲ ቃልሲ ንሰባት ኣእሚንካ እቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ከም ናቶም ቅኑዕ ገይሮም ከም ዝወስድዎ ናይ ምኽኣሎም ሰላማዊ መስርሕ ምዃኑ ግና ኣይንረስዕ። ኣዚ እምንቶና ንቓለ ዓለም ክኸውን ኣይግበኦን። ኣብዚ መስርሕ ምእማንን ምትግባሩን ሓደ ካብ በሓቲ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ዝፈልየና፡ ኣውንታዊ መምዘኒ ኮይኑ ክም ዝምዝገብ ከዓ ኣይንረስዕ። እቲ ናተይ ቅኑዕ ንዓኻትኩም’ውን ቅኑዕ፡ እቲ ናተይ ግጉይ ድማ ንዓኻትኩም’ውን ግጉይ እንተዘይኮነ ኢልካ ከተገድድ ምፍታን ግና ብባህሪኡ እምንቶ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ በሃላይ እየ። ከምቲ ወለድና “ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ” ዝብልዎ፡ ከሎ ጌና ኢና ነዚ “ብፈቓድ ህዝቢ ዝምእዘዝ” ናይ ብዙሕነት ኣመሓዳድራ ክንርዕሞን ከነኽብሮን ዝግበኣና። እቲ ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና መርገጻትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ኤርትራ ናይ ኩላትና ምዃና እዩ። ብዘይናይኩላትና እኩብ ድምር ኣበርክቶ ድማ ክርህዋ ኣይኮነን። ስለዚ እየ ድማ ኣይንገዳደፍ ንከይንጸድፍ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፡  ቅድሚ ሕጂ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበልኩን ሎሚ ናይዚ ጽሑፈይ’ዚ ኣርእስቲ “ንዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ” ኢለዮ ዘለኹ።

ዓይኒ ጸላኢ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት.ኮም ይደፈን

16 ጥቅምቲ 2014

Last modified on Thursday, 16 October 2014 21:51