ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ሰዲህኤ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2014-10-16 22:35:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 39866 times

ብዕለት 12-10-2014 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዝተሳተፉዎ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ሓጅ ሳልሕ እዩ ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩምን  አጀንዳ ኣኼባ ብምግላጽን ተኸፊቱ።

ቀጺሉ፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ብምልውዋጥን፡ መለለይታት ሰልፍኻ ምፍላጥን ዝብሉ ኣርእስትታት ብምልዓል ኣስተምህሮታት ብምቕራብ ስሩዕ መደብ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብቲ ቀዳማይ ኣርእስቲ ናይ ሓበሬታታት ምልውዋጥ፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምሉእ ዓለም ክካየድ ዝቐነየ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱሳ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ናይ ጀርመን ከተማታት ዳርምሽታትትን ፈራንክፎርትን ቃሬዛታት ሒዝካ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ነቲ ጠንቂ ናይ‘ዚ ኩሉ ጸገማት ዝኾነ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን፡ ብስም ኣገልግሎት ዝካየድ ዘሎ ባርነትን ውርደትን መንእሰያትናን ዝገልጽ፡ ብመንእሰያት ዝቐረበ ድራማን ከም ዝነበረ ተንቲኑ ኣቕሪቡ።

ብዘይካዚ ኣብቲ ህልቂት ዝተፈጸመሉ ደሴት ላምፓዱዛ ዝተኻየደ ዝኽሪ፤ ተሳትፎ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ፍራንሲስን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳን ሰበ-ስልጣን ጣልያንን ንስደተኛታት ዝምልከት ዘቕረብዎ መግለጽን ድሕሪ ምሕባር፡ ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው ወልደሱስ ዓማርን ካልኦት ተወከልቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትንውን ተሳቲፎም ምንባሮም ገሊጹ። መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲከኛታት ሕብረት ኤውሮጳን ንዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ብዘስካሕክሕ ጥፍኣት ክዝክሩ እንከለዉ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ግን ብሩሑቕ ይኹን ብቐረባ ዘይምዝካሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣባላቱ ዕጅብ ከይበሎም ኣብ ጀርመን ከተማ ጊስን ንጓላይን ዕንደራን ዝኸውን መደባት ሰሪዖም ኣብ ትልሂት ምሕዳሮም፣ ናይ ሕፍረት ሕፍረት ምዃኑውን ኣዘኻኺሩ።      

ብተወሳኺ ኣብ መግለጺኡ፡ እዚ ኩሉ ጸገማት‘ዚ ክፍታሕ ዝኽእል፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ንምቕያሩ ብምቅላስ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ከም ውዑይ ሓይሊ መጠንን ተካእቲ ወለዶ ብምዃኖምን ተቢዖም ክቃለሱ ሓላፍነት ክወስዱ ከም ዘለዎምን ተማሕጺኑ። ኣብ ርእሲዚ‘ውን፡ ገለ መንእሰያት፡ ካብቲ ናይዚ ኩሉ ናይ ምድረበዳን ባሕርን ህልቂት ጠንቂ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኣምሊጦም ከብቕዑ፡ ኣብ ዝዕቆቡሉ ቦታ በጺሖም ኣብ ስደቶም ናይ ምንባር መሰላቶም ምስ ኣረጋገጹ፡ ተመሊሶም ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ክትርኢ ከሎኻ ኣዝዩ ሕማቕን ዘሕፍርን ተግባር ስለ ዝኾነ፡ ኩላቶም መንእሰያት ካብዚ ጌጋ ስጉምቲ‘ዚ ተቖጢቦም ኣብ ዝመረጽዎ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ውዳቤታት ጸኒዖም ክቃለሱ ተላብዩ።

ኣብ ርእሲ‘ዚ መንእሰያት ክብሮምን ፌቨንን፡ ኣባላት ጨንፈር ሽማግለ ብወገኖም፡ ብጉዳይ መንእሰያት ኣልዒሎም፡ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዘሎ ናይ ኣቀላልሳ ሃለዋቶምን፡ ብሕጂ ከኣ ከም ናይ ቃልሲ ተካእቲ መጠን ክገብሩዎ ዝግባእን ብምጥቃስ አተባባዕን መሃርን መግለጺ ኣቕሪቦም።

ካብዚ ብምቕጻል፡ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ናይ ኣጀንዳ ብምእታው፡ መለለይታት ሰልፍኻ ምፍላጥ ዝብል ኣርእስቲ ብምልዓል፡ ብፍላይ ንሓደስቲ ኣባላት ኣስተምህሮ ክኸውን ዝኽእል ፖለቲካውን ማሕበራውን መለለይታት ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ዝሕብር ሰፊሕ መግለጺ፡ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ቀሪቡ። ኣብ ርእሲኡ‘ውን ገለ ኣባላት በብተራ ተወሳኺ መብርሂታት ብምቅራብ፣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ሰልፎም ዝህልዎም ተረድኦን ኣፍልጦን ንኽሰፍሕ ሓጋዚ ግደ ኣበርኪቶም።

 

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት መሪሕነት ጨንፈር፡ ብዛዕባ ኣገባባት ስርርዓዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንጨንፈር ዝምልከት መግለጺ ብምሃብ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።  

Last modified on Friday, 17 October 2014 00:41