ናይ በይንኻ ውድብ’ምበር፡ ሃገርስ ኣይውነንን’ዩ!

2014-10-30 18:18:59 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2520 times

ኣርዓዶም በርሀ

ኣድማዕነታቱ ከመይ ነይሩን ኣሎን? ንዝብል ሕቶ ሰፊሕን ምሁራውን መልሲ ዘድልዮ ኮይኑ፡ ህልውና ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ’ውን ማሕበር ኣብ ኤርትራ ካብ ኣርበዓታት ዝጀመረ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ መድረኽ ካብ ሓደ ንላዕሊ ውዳበታት የድልያ ነይረንን ኣለዋን ዝብል እውን ከምኡ ነብሱ ዝኸኣለ ከከም ፍሉይ ኩነታት ናይተን ውድባት ወይ ሰልፍታት ዝምስረተለን ሃገራትን ነናይ እዋኑ ምዕባለታትን ኣዛሚድካ፡ ብዝካየድ መጽናዕቲ ክንጽር ዝግበኦ እዩ። ብሓጺሩ ግና ናይዘን ዝበልናየን ፖለቲካዊ ትካላት መስረትን ሰዓብተንን፡ ከካብ’ቲ ዘጋጥም መድረኻዊ ፖለቲካዊ ጸገማት ወጺእካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ በበይኑ መንገድን ኣገባብን ስለ ዝመርጹ እዩ ውዳበታት ዝበዝሕ። እዚ ኣብ ሃገርና ካብ ኣርበዓታት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ብዙሕነታዊ ውዳበ ሎሚ ከም ሓደ ዲሞክራሲያዊ መርኣያ ዝውሰድ ዘሎ እዩ። እቲ ፍልልይ ከምቲ ኣብ መንጎ ሕድሕድ ውድባት ዝረአ ደኣ ኣይከውንን እምበር ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣብ ዝተሰለፉ ኣባላት እውን ኣይጠፍእን እዩ፡ ግና ድማ ኣብ ክንዲ ንናእሽቱ ፍልልያት ንዓበይቲ መሰመማዕቲ ነጥብታት ቀዳምነት ብምሃብ ስለ ዝቕለሱ ጐሊሑ ኣይረአን። ጐሊሑ ክውጽእ እንከሎ ሳዕቤኑ ዘይቅቡል ምፍንጫላት ምዃኑ ብቐረባ ንርእዮ ዘሎና ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ መድረኽ ብዙሓት ነናተን መንገዲ ዝመረጻ ፖለቲካዊ ውዳበታት ክህልዋ እንከለዋ፡ ናይቲ ኣብ ቅድሚአን ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ግና ሓደ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት ኣብ ድንበ ተቓውሞና ናይ ኩላትና ቀዳማይ ዕላማ ምውጋድ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ስለዚ ኩሉ ነናቱ ውድብ ወይ ሰልፊ ወዲቡ መፍትሒ ከምጽእ ክቃለስ እንከሎ፡ ከምቲ ዝድለ ነቲ ቅኑዕ ፍታሕ ሒዝዎ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ምናልባት ግና እተን ውዳበታት ልቦናን ሓላፍነትን ዘለወን እንተኾይነን፡ ኣዋጺአን፡ ኣብ ሓደ ማእከላይ ናይ ፍታሕ ቦታ ተራኺበን ኣብ መዋጸኦ ይበጽሓ ይኾና። ነዚ ንምግባር ግና ካብ ናይ “ወይ ነዓይ ወይ ነዓኻ” ናይ ህልኽ ዓንኬል ክወጻ ይግበአን

ውድብ ወይ ሰልፊ ብቐዳምነት ነቶም ወደብቱን ሰዓብቱን ናይ ብሕቶም መቃለሲ መድረኽ እዩ። ብጽቡቑ ዝምጐሱን ብሕማቑ ድማ ዝሕተቱ ንሳቶም እዮም። ውዳበታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መሰረታዊ መትከላትን ኣገባባትን ተመስሪተን ይቃለሳ ባዕላተን ኣብ ዝጥዕመን መድረኽ ግይባአ ድዩ ኮንፈረንስ እየን ዝውስና። ኣብዚ መሰረታዊ ውሳነአን ከም መንቀሊ ዝወስደኦ መለክዒ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ድዩ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ብሄር ድዩ ጀኦግራፊያዊ ኣሰፋፍራ ባዕላተን እየን ዝውስነኦ። ኣብ ምርጫ እዚ ውሳነአ ዝኽተለኦ ጥንቃቐ ድማ ንምዕዋትን ዘይምዕዋትን ናይቲ ውዳበ ጥራይ ዘይኮነ ንምህላዉን ዘይምህላዉን እውን ወሳኒ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ዝረኣይ ቅኑዕ ኣተሓሕዛ ናብ ኣውንታ እዩ ዘምርሕ፡ ኣብዚ ዝረኣይ ጌጋ ድማ ናብ ግጉይ መደምደምታ እዩ ዝመርሕ። ስለዚ እዚ ወሳኒ መሰረት ክምድመድ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ብሩህ እዩ። ኣባና ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ሓደሓደ ግዜ ውድብ ንምምስራት ዝካየድ ናይ ሸበድበድ መስርሕ ብመንጽር እዚ ክምመ ዝግበኦ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ውድብ መስሪቱ ከምዝ ኦኣይነት ሃገራዊ ኣጀንዳ ኣዕዊቱ ዘይኮነስ፡ ውድብ ሃልይዎ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ተሳቲፉ ንክትበሃል ጥራይ ምንቃድ  ጌጋ ጥራይ ዘይኮነስ ዝሕትት እውን ክኸውን መተገብኦ።

ባህርያቱን መንቀሊኡን ብዘየገድስ ሓደ ውዳበ ክድኮን እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግበኦ ናይታ ምእንተኣ ዝቃለሰላ ዘሎ ሃገርን ህዝባን ኩነታት እዩ። ኣባና ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ምርዳእ ማለተይ እየ። ምኽንያቱ እተን ውድባትን ሰልፍታትን እየን ናይ’ቲ ጸቢብ ዋነአን እየን ዝበልናየን እምበር፡ እታ ሃገርስ ናይ ኩሎም እቶም ኣብተን ሰልፍታትን ውድባትን ዘለዉን፡ ብናታቶም ምርጫ ናይ ዝኾነት ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ክኾኑ ዘይመረጹ ዜጋታትን ስለ ዝኾነት። ስለዚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ውዳበኻ ክትሓስብ እንከለኻ ኩሉ ግዜ ምስ ኩነታት እታ “ጽባሕ ዘተኣማምን ተቐባልነት እንተረኺበ ካብ ምንጋጋ ዲክታተራት ኣውጺአ ብዝሓሸ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክመርሓ እየ” እትብላ ሃገርን ህዝብን ዋላ ንሓንቲ ካልኢት እውን ክትዝንግዓ ኣይግባእን። ናይ በይንኻ ሃገር ክትውንን ምህቃን እምበኣር ከቢድ’ዩ ኢልካ ዝሕለፍ  ዘይኮነስ ፈጺምካ ዘይከኣል እውን እዩ። ምናልባት ኣጻዕዲኻ ሕንክኻ ቀንጢጥካ ኣብ ናይ “ሓይሊ ሕጊ እዩ’ ዓመጸኛ ፖሊሲ እንተዘይተወጢሕካ።

እዚ ንጉዳያት ብኹሉ መልክዑ ኣብ ኣብ ግምት ኣእቲኻን ልቢ ኣስፊሕካን ናይ ምጉዓዝ ዕማም ዘድምዕ፡  ብኹሉ ውዳበታት ክኽበር ዝግበኦ መባእታዊ ግዴታ እዩ። ነዚ ጉዳይ ብሓላፍነት ከይረኣየ፡ ብዙሕነታዊ መልክዕ እታ ሃገር ከየገናዘበ፡ ኣጠርሚሙ ኣብ ናይ በይኑ ውዳበ ጸቢብነት ጥራይ ዝተጸምደ ወገን ግና ዓብይ ጉድለት ከም ዘለዎ ክርዳእ ይግበኦ። ምናልባት ውድቡ ወይ ሰልፉ በቶም ውሱናት ሰዓብቱ ዝፍተውን ዝድገፍን ኮይኑ፡ ሃገራውን ህዝባውን ባይታኡ ዘይልሙዕ እንተኾይኑ ናይ ህዝብን ሃገርን ሓላፍነት ናይ ምስካም ዓቕሚ ስለ ዝነእሶ፡ ኣብ ዘይትግበር መብጸዓታት ክንሳፈፍ ዝነብር ዘይስስን ናይ ውሱናት ዜጋታት ምትእኽኻብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ንኩነታት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ምእታው ማለት ብናተይ ርኢቶ፡ ናይታ ሃገር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ናብ ሃገራውነትን ሉኣላውነትን ዝመጸትሉ መስርሕ ቃልስን ዝተኸፍላ ዋጋን፡ ናይ ህዝባ እምነታትን ባላዊ ልምድታትን፡ ምስ ጐረባብታ ብፍላይ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ዝጸንሓ ዝምድናታት፡ ንዕቤታ እትምርኮሰሉ ተፈጥሮኣዊ ጸጋን ቁጠባዊ ጽላትን፡ ናይ ቋንቋታታን ብሄራታን ምንባብ ኣብ ግምት ምእታው እምበር ካልእ ከቢድ ነገር ኣይኮነን። ዝያዳ ንምብራህ፡ ውድብካ ሓደ ብሄር መሰረት ዝገበረ እንተኾይኑ፡ ብዛዕባቶም ካለኦት ውድባት ክትሓስብ ናይ ግድን እዩ። መሰረት ውዳበኻ እምነት እንተኾይኑ’ውን ከምኡ እታ ሃገር ናይ ሓደ ዓይነት እምነት ዘለዎም ዜጋታት ጥራይ ከም ዘይኮነት ኣብ ግምት ምእታው የድሊ ዘይኮነስ ናይ ግድን እዩ ንምባል ዝኣክል እዩ።

በቲ ካልእ መልክዑ ኣብ ከምዚ ንሕና ከም ውድባት ኤርትራ ንቃለሰሉ ዘለና ኩነታት፡ እቲ ፖለቲካዊ ሻቕሎትን ናይ ቃልሲ ኒሕን ሓላፍነትን ኣብ ወውድብና ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነስ ነቶም ካብ ውድባትና ወጻኢ እኳደኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየዱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት እንተላይ ኣብ ግምት ዘእተወ መደባት ክንሕንጽጽን ውሳነታት ክንውስንን ከም እንግደድ ከነስተውዕል ይግኣበና። ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ 21 ጥሪ 2013 ምንቅስቓስ ሰራዊ ኤርትራ፡ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጳጳሳት ምልዕዓል፡ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ገዳማት ውግዘት ኣብ ልዕሊ ወከልቲ ህግደፍ ኮይኖም ሃይማኖታዊ ትካላት ክምሕምሱ ዝጸንሑ ልኡኻት ጉጅለ ህግደፍ፡ ከምኡ እውን ንኣብያ ተመሃሮ ጉዕዞ ናብ ሳዋ ብጉልባብ መበል 28 ዙርያ ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ኩሉ ግዜ ኣብ ግምትና ምእታው የድልየና። እዚኣቶ እቶም እዉጃት እዮም። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ገዛ ዘሎ ኣብ ኣደባባይ ናይ ምውጻእ ኦድል ዘይረኸበ ኣንጻር ህግደፍ ዝሓመመ ሕልና ህዝብና’ውን ክንቋመቶ ይግበኣና። እቲ ኣብ መደረኻት ፈስቲቫል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍራንክፈርትን ኣብ ቦለኛን ዝተንጸባረቐ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢን  ኣብ ውሽጥን ዘሎ ተቓውሞታት ምትእስሳሩ  ዝብል ሓሳብ ድማ ቀንዲ ሕመረቱ  እዚ እዩ።

እዚ ንናይ ለውጢ ሓይልታት ምቅርራብ፡ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ዝተዓወቱ ኮነ ዘይተዓወቱ ቃልስታት ተመኩሮ’ውን  ዘረደኣና እዩ። ማለት በይኖም ምስ ኩነታት ሃገሮም ህዝቦምን ከይተናበቡ ደገደገ ዝበሉ ሓይልታት፡ ንፖለቲካዊ  ውዳበኦም ካብ ህዝቢ ነጺሎም ንሶም ክንዲ ውድብ ንሶም ክንዲ ሃገርን ህዝብን ገይሮም ዝወሰዱ ከም ዘይተዓወቱ፡ ንውዳበኦም ውድብ ድዩ ሰልፊ ወይ ማሕበር፡ ከም ናይ ውሱናት ኣብ ውሱን ነጥብታት ዝረዳድእሉን ዝተኣከብሉን ናይ ቃልሲ መሳርሒ ወሲዶም፡ ንመትከላቶም ምስታ ናይ ሓባር ሃገርን ህዝባን ዘዛመዱን ንናይ ቃልሲ ሓይልታት ዝኣከቡን ወገናት ድማ ከም ዝተዓወቱ። ሓደ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣብቲ ጉዕዞኡ ከመዓድዎ ዝግበኦ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ጥቓኡ  ብየማኑ ድዩ ብጸጋሙ ዝተሰለፈ ፖለቲካዊ ውዳበታት እውን ከስተብህለሉ ናይ ግድነት እዩ። ውሳነታት ክውስን እንከሎ’ውን ንመትከላቱ ኣብ  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርድ ብዘየኽእል ኣገባብ፡ ናይቲ ካልእ ውድብ ድምጺ ምጭንጫን ናይ ውሕልነትን ሓያልነትን እምበር ናይ ስንፍና ምልክት ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ኩነታት፡ ሓደ ውድብ እቲ መስርሕ ቃልሲ ከመይ ክኸውን ከም ዝደልዮ ምርጫ ኣለዎ። እቲ ካልእ ውድብ ነዚ ምርጫኡ ክቕበለሉ ክደልን ጽልዋ ከሕድር ክቃለስን ድማ ውሁብ እዩ። ንኣብነት ብኸመይ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምስራሕ ከም ዝከኣል ሓደ ውድብ ናቱ እማመ ኣለዎ። እቲ ካልእ ውድባት ነዚ ሓባራዊ እማመኡ ክቕበለሉ ጠለባቱ የቕርብ። እዚ ኣገባብ ጐነጽን ዘለፋን ክሳብ ዘይሓወሰ ቅኑዕ እዩ። ግና ድማ እቲ ነቲ ጠለባትካ ክቕበል’ሞ ብሓደ ክትከይድ ትጽወዖ ዘለኻ ወገን እውን ክትሰምዖ ቅሩብ ምዃን ከም ዘድሊ ምዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ብሓፈሻ ከም’ቲ ውድባት ንዓኻ ክኾነኦ እትደልዮ፡ ንስኻ’ውን ሓሳቦም ክትሰምዖምን ዝውሰድ ክትወስድን ዝንጸግ ክትነጽግን ቅሩብ ምዃንካ ምርእዮም ኣድላይ እዩ። እቲ እንካን ሃባን ግና ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ዝቐርብ እምቢታን፡ ገዳፍ ንምምሳል ኢልካ ዝውሰድ ምእዙዝነት ዘይኮነስ፡ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ምድሓን ሃገርን ህዝብን ዝተመስረተ ምኽኑይ ክኸውን ይግበኦ። ከምዚ እንተገይርና ኢና ድማ ኣብ ጥዑይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ፡ ናይ በይንኻ ውድብ እምበር ናይ በይንኻ ሃገር ምውናን ከምዘይከኣል ክንርዳእ እንኽእል። ሓደ መዋጸኦ ይኸውን ተባሂሉ ብዋናታቱ ንዝቐረብልካ መጸዋዕታ መልሲ ዘይመሃብ፡ ወይ ድማ እዚ ድማ ናተይ መዋጸኦ ኣለኒ ክትብል እንተዘይክኢልካ ግና ኣብቲ መድረኽ ቃልሲ ምህላውካ’ውን ኣጠራጣሪ እዩ ዝኸውን። ንኣብነት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መግለጺ 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ፡ ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ህልዊ ምርሕሓቕ ኣተሓሳሲብዎ “… ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተወከሉ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝርከብዎ ንህልዊ ኵነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ።” ብዝብል ንዘቕረቦ እዋናውን ሓላፍነታውን መጸዋዕታ በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ዝተዋህቦ ምላሽ ከምቲ እዋናውነቱን ህጹጽነቱን ዘይምዃኑ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን።

18 ጥቅምቲ 2014

Last modified on Thursday, 30 October 2014 19:21