ብፍትዊ ክፍለ

ብዕለት19/11/14: ብሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ው ወልደኢየሱስ ዓማር: ዝምራሕ ልኡኽ ሰልፊ: ምስ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራሲ ናይ ሃገረ ስዊስን ምስ  ወጻኢ ምኒስትሪ መንግስቲ ስዊስን ብምርኻብ: ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራን ስቅያትን ጸገማትን ህዝብናን ገሊጹ፣ መዘክራት ከኣ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣመሓላሊፉ።  ካልኦት ኣባላት እቲ ልኡኽ ሰዲህኤ:ሓው ፍትዊ ክፍለ: ሓላፊ ዜናን-ባህሊን ዞባ ኤውሮጳን: ኣቦ-ወንበር ጨንፈር ስዊስ ሓው ተስፋጋብር ገብረን ነይሮም።

እዚ ርክባት እዚ ናይ ንግሆ ምስ ዓለምለኻዊ ሰክረታሪያት ናይ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራሲ ስዊስ ክኸውን ከሎ፣ናይ ዕድመ ኣጋባብ እውን ብወግዒ ብኣኦም ኢዩ ተኻናዊኑ። ኣርእስቱ: ህሉው ኩነታት ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሽግራት ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ክኣ ጉዳይ ስደኛታት ንምምያጥ ነይሩ። ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክርብ ምስ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢዩ ተኻይዱ።

ናይ ምልላያት ስነ-ስሪዓት ድሕሪ ምክያድ ኸም መእተዊን ዕድመና ኣኽቢርኩም ምምጻእኩም እና ኣመስገንኩ ፖለቲካዊ ኹነታት ኤርትራ ኣሰካፊ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሰንኪ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ስርዓት፣ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ጸገማት ስለ ዘሎ፣ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ ናብ ስደት የምርሕ ምህላዉ እንሪኦን እንግንዘቦን ዘለና እዩ። ምስክሩ ክኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ላምፐዱዛ ንኹሉ ዓለም ዘሰንበደ ህልቀት ኤርትራዊያን ዝዚከር ኮይኑ፣ብዘይ ምቁራጽ ናብ ሲዊስን ኻሊኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዓለምን ዑቕባ ዝሓቱ ስቕ ኢልካ ዝስገር ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ሰሪትናዮ ዝጸናሕና ዝምድና ንምድልዳልን ሓቢርና ፍታሕ ንምርካብ ሃሰስ ንምባል ኢልና ዓዲምናኩም። ዕድመና ኣኽቢርኩም ምምጻእኩም ደጊመእናኣመስገንኩ ብኣኽብሮት እትህቡናሓበረታ ይጽበ ብምባል ዘረብኡ ደምደመ።

ሓው ወልደእየሱስ ዓማር ንዝተገብረልና ዕድመ ድሕሪ ምምስጋን፣ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ኸም እትካታተልዎ ንፈልጥ: ኣድንቖትና እውን ወሰን የብሉን፣እዚ ኽኣ እቲ ዲሞክራሲያዊ ራኢን: ተሓላቕነት ማሕበራዊ ፍትሕን: ካልእ ሽግራት ደቂ ሰባትን ንምፍታሕ ዝቃለስ ዕላማ ሰልፍኹምን ሰልፍናን ዝጠምረና ስለ ዝኾነ ኣብ ሓደ ጽላላት፣ ናይ ዲሞክራሲያውያን ውድባቲን ሰልፍታትን ፣ኸምኡ ሶሻሊስት ፓርትታት ብሓደ ኾይና ንዋሳእ ምህላውና ንባዕሉ ሓደ ምስክር እዩ። እሱ ጥራይ ዘይኮነስ በቢግዚኡ ብወገና ምስ ሓለፍትን ኣካየድትን ዲሞክራስያዊያን ውድባት ብምርኻብ ናይ ስራሕ ምትሕብባርን ሓቤሬታ ብኣካል ብምርኻብ ይኹን ብመዘክራትን መጽሔታትን እንገብሮ ዕለታዊ ስርሓት ንዝምድነታትና ክብ ከብሎ ይርከብ።

ከም እትፈልጥዎ: እቲ ውልቀ-መላኺ ዝዝውሮ ስርዓተ ኣስመራ: ኣብ ልዕሊ ህዝብና እዚ ዘይብሃል ገበናት ፈጺሙን: ክፍጽምን ይርከብ። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ፣ማሕበራዊ፣ ቑጠባዊ ቕልውላዋት: ወዲ ሰብ ክጾሮ ዘይከኣል ኢዩ።  ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ ህዝብና ብዘይ ድልየቱ ንስደት ከምርሕ ዝርኤ ዘሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ካብ ውሽጢ ሃገር ጀሚሩ ናብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ይርኤ ኣሎ።  ኣብ ሲናይ ስጋብ ኣካላት ወይ መሓውር ጠቢሕካ መሸጣ ብዝተወደቡ በድውናውያን ሓኻይም እውን ዝትሓባበርዎም ንሰብገረሞ ተፈጺሙን ይፍጸም ኣሎን። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽካዮ ህልቀት ላምፐዱዛ ፣እሱን ኻልእ ኣብ ማዕክናት ዘየቃልሕውዎ ጥፍኣት ህዝብና ብዙሕ እዩ። ኣብ ግብጽን የመንን ኣብ ጅቡትን እስራኤልን ሰሜን ኣፍሪቃን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሕማቕ ሃለዋት ይርክበ። ብሓፈሻ ከኣ በታ ንግህሰታት መሰል ወዲ ሰብ ክትምርምር እተወከለት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን በቲ ኣብ ቀረባ ወርሓት ዝቖመ መርመራሪ ኮሚሽንን ዝቐረበ ሰነዳት ነቲ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ 300,000 ዘይውሑድ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሎዉ። ዝኣክል ዓለማዊ ቈላሕታ ክግበረሎም ካብ እንጒስጒስ ሓያለይ ዓመታት ኰይኑ። መብዝሕትኦም መንእሰያትን ዝኣክል ትምህርቲ ዘይቀሰሙን ኢዮም። ነዚኦም ኣብቲ ዝረከቡሉ ቦታ ዕድል ትምህርቲ ኣካዳመዊን ተክኒካዊን ሲጋብ ዕድል-ስኮላርሺፕ ምሃብ ንህንጸት መጻኢት ኤርትራ እውን ሓጋዚ ምኾነ።

ነዚ ዓበይቲ መደባት ዝሽፍን ገንዘብ ካብቲ ንስርዓት ህግደፍ ከይውሃብ ብሓያለይ መንግስታት  ተቛሪጹ ዘሎ ተክኒካዊ ሓገዛት ክመጽእ ይኽእል ወይ ኣለዎ ንብል። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክወሃብ ዝነበሮ ተክኒካዊ ሓገዛት ስርዓት ህግደፍ መሰላት ወዲ ሰብ ስለዘየኽብር  ተባሂሉ ኢዩ ተቛሪጹ። ነቶም ብዕድል ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዝሰገሩ ኤርትራውያን ካብቲ እተቛረጸ ተክኒካዊ ሓገዛት ክበጽሖም እንተዝግበር ቊሩብ ፍትሓዊ ምኾነ። ነዚ ጒዳይዚ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራት ስዊስ ክደፍኣሉ ትጽቢት ንገብር።

ብዓቢኡ ከኣ ንጸማት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ሕቶ ኣብ ፍሉይ መጋባእያ ናይቲ ክልተና እንርከቦ ገስጋሲ ምሕዝነት ክልዓልን ክዝረበሉን ይግባእ። ሰልፍኹም ምስ ናይ ኢጣልያን ጀርመንን ሽወደን ካልኦት ሓው ሰልፍታት ኰይኑ ነዚ ጒዳይዚ ተበግሲ ወሲዱ ክደፍኣሉ ንጠልብ።

ብዛዕባ ኤርትራዊያን ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ክኣ ኣብ ስዊስ በጺሖም ዘለዉ ዑቕበኛታት እውን እንተኾነ ኸምቲ ኣብ ሰነድ ተገሊጹ ዘሎ: ካብ ንእስነቶም ሒዞም ዝቐመስዎ ትምህርቲ ብዘይካ ጐነጽን ጽልእን ካልእ ኣይኮነን። እቲ መንእሰይ ትሕዝቶቱን ኣፍልጦኡን ኣዚዩ ትሑት ስለ ዝኾነ: ንርእሱ ምሉእ ሰብ ክኸውን: ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ከኣ ጠቓሚ ዜጋ ኰይኑ ክነብር ብዙሕ ሓገዝ ዘድልዮ ኢዩ። ነዚ ሃጓፍ ንምምላእ ኣኻሊ ኣካዳምያውን ተክኒካውን ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ክግበር ኣለዎ ንብል። ነዚ ንምስላጥ ከም ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ስዊስ ምትሕብባር ክግበር ይጥለብ። ናይ ሓባር ዕማም ስራሕ እተካይድ ሽማግለ ካብ ኤርትራዊ ኮሚኒቲን ምምሕዳራት ከተማን ምልቲ-ኩልትራል ትካላት ወጻእተኛታትን ቈይማ ነቲ ዘሎጸገማት ክትርእዮን ክትፈትሖን ዘይከኣል ኣይኮነን።

ብምቕጻል: ብዛዕባ እዚ ኣብ ሃገር ስዊስ ዘሎ ጸገማት ክገልጹ ንሓው ፍትዊን ሓው ተስፋጋቢር ዕድል ተዋሂብዎም። 

ሓው ፍትዊ ከምቲ ሓው ወልደእየሱስ ዝገለጾ መንእሰያትና ካብ ንኡስ ዕድሚኦም ጀሚሮም ካብ ስድሮኦም ተፈልዮም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት: ትምህርቲ ብጉቡእ ኸተማልእ ዘይካኣል: ማሕበራዊ ሂወት፣ ስነፍልጠታዊ ትምህርቲ ኽትቀስምን ከተማዕብልን ዝሕረመካ ናብራ ዘሕለፉ፣ ብዘይካ ጸገም ሲቭላዊሂወት እንታይ ምዃኑ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘይተዋስኡ ፣ ተምክሮ ስነጥበብ ዝጎደሎም ስለዝኾኑ እዩ ሰነድ ሰልፍና ኣብ ትምህርቲን ናይ ስራሕ ልምምድ ብጻዕቂ ጥራይ ዘይኮነስ ሓንቲ ኮሚሽን ኣድ ሆክ ክትህሉ ዝጠልብ።

ሓው ተስፋጋብር ብወገኑ እዚ ውልቐ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ነቦታት ኣዴታት ኸይተረፈ ስጋብ 70 ዕድመ ዘለዎም ኣጽዋር ብምዕዳል ኣብ ክተት: ኣብ ራዕድን ናብራኻ ከተማላኣሉዘይትኽእል ጸልማት ናብራን ኢዩ ዘንብር ዘሎ፣ ንወለዲ ዝገብሮ  ከይኣኽሎ ንደቆም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርና ሸሚምዎም ይርከብ። ኣብዚ ደሞክራሲያዊ ሃገራትምስ በጽሔ ኸም ባህሊ ይኹን ሲቭላዊ ናብራ ንዑዑ ኹሉ ሓዲሽ ብምዃኑ ሰፍ ዘይብል ጸገማት የጓንፎ። ስለዚ እታ ናይ ሓባር ሽማግለ እተባህለት ተድሊ ጥራይ ዘይኮነስ እሱ እዩ እቲ ቅኑሕ መፍትሒ ጸገማት ክሕብርን ከምጽእን ዝኽእል ብምባል ደሚዲሙ።

ወከልቲ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራስን ወጻኢ ምኒስትርን ነቲ ዝቐረበ ገለጻታትን መዘከክራትን ናብ ዝምልከቶም ከመሓላልፍዎን መልሲ ክህቡን ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ብፍላይ ወኪል ማሕበራዊ ሰልፊ ስዊስ: ምስ ካልኦት መሓዙት ሰልፍታት ብምዃኑ ንጒዳይ ኤርትራ ኣቓልቦ ካብ ምሃብ ክሰንፍ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ። 

ከምኡውን ኣብ ሃገር ስዊስ ንዘለዉ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ብደረጃ ሰልፎም ምስ ማሕበረ ኮማት ርክብ ክካየድን ክስርሓሉን ምዃኑ ገሊጹ። ቀጻሊ ርክብ ምስ ወከልቲ ሰዲህኤ ኮነ ምስታ ቈይማ ኣላ ተባሂላ እተገሓበረቶ ናይ ኲሎም ኤርትራውያን ኣወሃሃዲት ሽማግለ ክራኸብ ኣድላይ ኣድራሻታት ተዋሂብዎ። 

ከምቲ እተጠቕሰ: ናይ ድሕሪ ቐትሪ ርክብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ምኒስትሪ ስዊስ ኢዩ ነይሩ። ሰፊሕን ጡሉቕን ልዝብ ከኣ ተኻይዱ። እቲ ርክብ ምስ መንግስቲ ስዊስ ንሳልሳይ ጊዜ ምንባሩ እውን ብኹሉ ሸነኻት ተገሊጹ። ኣብ ሕሉፍ ኣኼባታት ብሰዲህኤ ንዝቐረበ ጠለባት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኢና ተባሂሉ ምንባሩን ግን ኣብ ግብሪ ከምዘተዋዕለ ተጠቒሱ።

ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረቦ ክልተ መዘክራት ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ዘትኮረ ኢዩ ነይሩ:-

  1. ኣድላይነት ፍሉይ መደባት ዝሓዘ ፕሮጀክት ኣካደሚያዊ ትምህርቲን ስልጠናን ንስደተኛታት ኣብ መዕስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያ፤
  2. ንቡር ርክብ ኣህዛብን ሃገራትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክርከብ ኣብ ዝምልከቶ መንግስታት ጽዑቕ ጸቕጢ ምክያድ፣
  3. ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ ቀያድን ናይ መወድእታን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ምስ እትቕበል ከኣ : ስርዓት ህግደፍ ምስምስ ከም ዝስእን ክግበር ከም ዝከኣል፣
  4. ብሸነኽ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞራት ከኣ ብጒዳይ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ መጋባእያ ገስጋሲ ምሕዝነት ሰሚናር ክካየድ።
  5. ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ካብ 25,000 ዘይውሑድ ሓደስቲ ኤርትርውያን ስደተኛታት: ምስ ማሕበረ-ኮማቶምን ናይ ከባቢ ምምሕዳራትን ትካላትን ብምትሕብባር ዘድልዮም ናይ ትምህርትን ተክኒካዊ ስልጠናን ናይ ስራሕ ምርካብ ሓገዛትን ክግበረሎም።

ብሓላፊ ባህልን-ልምድን ዞባ ኤውሮጳ

ፍትዊ ክፍለ

ኣርዓዶም በርሀ

ሃገርና ኤርትራ እዚ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት “ክልተሻብ ተራእያ” ኣብ ዘብላ ደረጃ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ክርህዋ እንከሎ ዝርህወና ክጨንቃ እንከሎ ድማ ዘቐንዝወና ደቃ፡ ንማንም ደላይ ጽቡቕ ፍጡር ብሩህ እዩ። ዝኾነት ሃገር ካብ ካለኦት ሃገራት ተፈልያ እትጥመተሉ መለለይ ኣለዋ። ሃገራት ከከም ኩነታቱ፡ ብቑጠባዊ ዕቤተን፡  ብዝሓቖፈኦ ተፈጥሮኣዊ ሃብተን፡ ብዘለወን ንግዳዊ ምቹእነት፡ ብህዝባውነት ወይ ብጸረ ህዝብነት ዝምረሓሉ ስርዓት፡ ብዘለወን ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ወይ እውን ብታሪኻዊ ኣገዳስነተን ይበሃጋ። ሃገርና ኤርትራ እውን ብዙሕ ብፍሉይ ዓይኒ እትበሃገሉ መምዘንታት’ኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ቀንዲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዝያዳ ሚእቲ ዓመታት ክትልለየሉስ ዝጸንሐት ምእንቲ ነጻነትን ሉኣላውነትን ሃገሩ ሰፍ ዘይብል ነዊሕዎ ቃልሲ መሪርዎ ክምህ ብዘይብል ጽንዓት ህዝባ እያ ክትነኣድ ጸኒሓ። እንተኾነ ምስዚ ምዕሩግን ሕቡንን መምዘኒኣ ክትቅጽል ኣይከኣለትን። እነሆ ድማ ሎሚ “ካብ ከርሳ ብዝተወልደ ሕሱም ገዛኢ ኣብ ዘየናሕሲ መግዛእታዊ ኣርዑት ሓጺን እትነብር ሃገር” እንዳተባህለት ኣብ ኣደባባያትን መገባእያታትን ዓለም ትግለጽ ኣላ።

ጉጅለ ህገደፍ ግና ብኣንጻር’ቲ ዝረአ ክውንነት ከምቲ “ጠሪጣስ ተትሓንከለይከ” ዝበሃል ምስላ ወለድና፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ ዘሎ መዳርግቲ ዘየብሉ፡ ኩለመዳያዊ ዕንወት ከይኣኽሎ፡ ኣብ ጉዳይ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ሕቶ ክቐርቦ እንከሎ “ሃገር ኢናኮ ንሃንጽ ዘለና” ብዝብል ከሽካዕልልን ክሕጭጭን  ንሰምዖ ኣለና። ነዚ ሰሚዖም መዓንጣኦም ዝሓርር ኤርትራውያን ብዙሓት ምዃኖም ኩልና እንከታተሎ ዘለና እዩ። ስርዓት ህግደፍ ግና ብትዕቢትን ትምክሕትን ተሰንጢቑ ንብዙሓት መንእሰያት ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኮሊፉ ካብ ቤተሰቦም ፈልዩ፡ መጀመርታኡን መወዳእትኡን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕላምኡ እውን ኣብ ዘይፍለጥ መዝማዚ ናይ ጉልበት ስራሕ ጸሚድዎም ኣሎ። ነዚ እዩ ድማ እቲ ጉጅለ ህግደፍ “ንኤርትራ ንሃንጻ ኣለና” ኢሉ መኸወሊ ክፋኡ ክገበሮን ክንየተሉን ዝፍትን ዘሎ። ርግጽ እዩ መንእሰያት እምኒ ክፍንቅሉ፡ ዕንጸይቲ ክፍልፁ፡ ጐዳጉዲ ክኹዕቱ፡ ሓጽብታትን መንገድታትን ክሰርሑን ክጽግኑን ሓሓሊፍና ብናይ ጉጅለ ህግደፍ ተለቪዥን እንዕዘቦ እዩ። እቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ዕድሜኦምን ርሃጾምን እሞ ድማ ኣብ ጥሙይ ከብዶምን ዕሩቕ ዝባኖምን ዘባኽንዎ ዘለዉ ናይ ባርነት ግዜ፡ ንምህናጽ ኣባይትን ምልማዕ ሕርሻዊ መስኖን ናይቶም “ህዝበይን ሃገረይን ድሕሪ ከብደይ” ኢሎም ዝበልዕሉ ጻሕሊ ዝሰብሩ ሒደት  ጠላማት ኣዘዝቲ ምዃኑ ድማ ዝያዳ የሕዝን።

እቲ ጉጅለ ህግደፍ ምጽራግ መንገድን ምስራሕ ሓጽብታትን ዝብሎ ከምቲ ዝፍክሮ ዘነይት ኣይኮነን። ምናልባት ኣብኡታት ኣድሚዑ እንተዝኸውንከ፡ንኤርትራ ይሃንጻ ኣሎ መተባህለ ማለት ድዩ። ንሕናኸ ንምስራሕ መንገድን ምዕቋር ማይን ካብቲ ህልዊ ኩነታት ህዝብና ቆንጪልና፡ ከም ዘተኣማምን ምህናጽ ሃገር ጌርና መወሰድናዮ ማለት ድዩ። ሓቂ እዩ ዝተወሰና ዝተዓረያ መንገድታት፡ ሓጽብታትን ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ህንጻታትን ኣብ ኤርትራ ተሰሪሐን ይኾና። እተን ህንጻታት ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሰባት ዝዘናግዑለን ሆተላትን፡ ዓቕሚ ንዘለዎም ውሱናት ኣካላት እንዳካረዩ ዶላር ዝሓፍሱለን ቪላታት ኣለዋ። ኣብ ከባቢ ሰንበል ዝርከብ  እንዳ ኮርያ ዝበሃል፡ምስ መነባብሮን ስእነት መጽለልን ህዝብና ዝምድና ዘየብሉ ህንጻታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ምናልባት ምስቲ ጉጅለ ተመሻኺኖም ንእሽቶ ገዛ ስለ ዝሰርሑ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዘይዓጦም ቁንጣሮ ወገናት እውን ኣይሰኣኑን። እዚ እውን ምስ ምህናጽ ሃገር ይጽብጸብ ይኸውን። እዚ ከምቲ “ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን” ዝበሃል ማለት እዩ።

ነዓይ ምስራሕ መንገዲ ከም ናይ ልምዓት መርኣያ ዘዕግበኒ፡ ብሳላ እቲ መንገዲ ኣብ መነባብሮ ናይቲ ህዝቢ ነጸብራቑ ክርእይ እንከለኹ ጥራይ እዩ። መንገዲ ተሰሪሑ ከብቲ ዘዒማሉ ወይ ቆልዑት ኩዕሶ ዝጻወትሉ እንተኾይኑ ግና በየናይ ምለክዒ እዩ እሞ ምስ ምህናጽ ሃገር ክጽብጸብ። ነዓይ ምስራሕ ሓጽቢ ከም መርኣያ ህንጻ ሃገር ኮይኑ ዘዕግበኒ፡ ህዝቢ በዚ ሓጽቢ ዝዓቖሮ ማይ ስረሓት መስኖ ኣካይዱ ብዝረኽቦ ፍርያት ቅድም ንገዛእ ርእሱ ተዓንጊሉ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዕዳጋ ከውርድ እንከሎ እዩ። ናብ ሸዊት ዕፉን፡ ጉዕ በርበረ፡ ኮሚደረን ድንሽን ዘይሽረፍ ዝኣገለ ማይ መርኣይ ህንጸት ሃገር ኮይኑ ክጥቀስ ኣሽካዕላ ጥራይ እዩ። ነዓይ ምህናጽ ገዛውቲ ከም ናይ ምልማዕን ምህናጽን ሃገር ኮይኑ ዝርደኣኒ፡ ህዝቢ ብሳላቲ ዝስራሕ ህንጻታት ቅድም ናይ መጽለሊ ሕቶኡ ክፍተሓሉ እንከሎ፡ ወይ ድማ ብሳላቲ ዝስራሕ ህንጻታት ሕክምናውን ትምህርታውን ጸገማቱ ክፍታሕ እንከሎ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ምህናጽ ሃገር ይካየድ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል እቲ ጉልበቱ ኣፍሲሲ ዝሃንጽ ዘሎ ህዝቢ ዕላማ ናይቲ ድኻሙ ተረዲእዎ ክወፍር እንከሎ እዩ። ዕላማ ረሃጹ ከይተረደኦ ብኣፈሙዝ እንዳተሓለወ ዘካይዶ ስርሕ ግና ጉልበቱ ጥራይ ዘኮነስ ሕልናኡ’ውን ዝምዝምዞ እዩ። ስለምንታይ እቲ ኣርሒቑ ዘማዕድዎ ምህናጽ ሃገር ዘይኮነስ ናይ ቀረባ ጻማ ረሃጹ እውን ይረክብ ስለ ዘየለ። ከይዛረብ ኣፉ ተለጒም ብውሽጡ ግና ክራገም ዝውዕ ህዝቢ ዘፍስሶ ረሃጽ እምበኣር ናይ ምዝመዛ እምበር ናይ ምህናጽ ሃገር ዋጋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብኣስገዳድ እሞ ድማ ናይቲ ህዝቢ ድሌትን ቀዳምነታትን ብዘየጋናዘበ ጻዕሪ፡ ኣብ ዝኾነ መዳይ ሃኒጸ ምባል ግና ከቶ ዕንወት እምበር ህንጸት ኣኮነን። በቲ ካልእ መልክዑ ሓደ ስርዓት ደሞክራሲያውን ሃናጽ ሃገርን እዩ ክበሃል  ከማለኦ ዝገኦም ረቛሒታት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ እቲ ቀንዲ መእሰሪኡስ ናይ ህዝቢ መነባብሮ ከመሓይሽ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ። ንናይ ህዝቢ መነባብሮ ቅድሚት ከይሰረዐ ዝጐዓዝ መስርሕ ግና ዝኾነ ስም ይወሃቦ ደሞክራሲያዊ፡ ሰላማዊ ወይ ልምዓታዊ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ነቲ ጉዳይ ንምሕጻሩ ደሞክራሲያዊ ብዘይኮነ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ክትዓኑ እንተዘይኮይኑ ክትህነጽ ኣይትኽእልን እያ ኢልካ ምጥቕላል  እቲ ዝሓሸ እዩ። ኣብቲ ቅኑዕ መንገዲ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ንመንግስቲ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ዝለዓለ እጃም ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ከተባብዕ፡ ነቶም ዝርካቦም ብጽፍሮም ኣብ ምልማዕ ሃገር ክኣትዉ ፈቲኖም ዝነበሩ ዜጋታት ምስምሳት ብምፍጣር ፈቓዳቶም እንዳመንዘዓ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነቶም ምስ መንዘዖም ዕረ እንዳተኦኣሞም ሃገራት እንዳማቶም ይሃንጹ ከም ዘለዉ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሎሚ ዓለም ናብ ሓንቲ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ፡ ንጹልን ብሕትዉን መንገዲ ምምራጹ ካልእ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምህናጽ ሃገር ዘይኮነስ ኣብ ምዕናዋ ከም ዘሎ ዘረድእ መርኣያኡ እዩ።

ሎሚ ኤርትራ መንእሰያታ ክመሃርሉ ዝግበኦም ዕድመ ኣብ ዕላምኡ ዘይፈልጥዎ፡ ናይ ጉልበት ስራሕ የጥፍእዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ ከም ኣማራጺ ዝወስድዎ ዘለዉ ከዓ ሃገር ገዲፍካ ምስዳድ እዩ። ስለዚ ንመጻኢ ዘማዕዱ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ዝወነነ ተካኢ ሓይሊ ኣብ ኤርትራ ይጠፍእ ኣሎ። ብናተይ እምነት ሃገር ብሰባት እሞ ድማ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ምቕያር ዓቕሚ ብዝውንኑ እያ እትህነጽ። ሎሚ ጉልበት በይኑ ኣይኮነንዶ ሃገር ናይ ብሕቲ ቤተሰብ እውን ክሃንጽ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ውሱናት መንገዲታት ርኢና ሃገር ትህነጽ ኣላ ዘይኮና ክንብል ዝግበኣና ናይታ ሃገር ናይ ጽባሕ ተስፋ መንእሰይ ዘርሞዘርሞ ይጠፍእ ስለ ዘሎ ሃገር ትዓኑ ኣላ እንተ ኢልና ኢና ወድዓውያን እንኸውን። እቲ ዕንወት ኣብ ናይ መንእሰያት ዘይምምሃር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ፡ ኣብ ምኽባር እምነት፡ ኣብ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ እንተላይ ብብኩራት ስኒት ዜጋታት ዝንጸባረቕ ዘሎ ምዃኑ እውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ኣብ ኤርትራ ንቕድሚት ዘማዕዱ ናይ ሓባር ሃናጺ ኣተሓሳስባ ዘይምህላዉ ካልእ ነቲ እንፈርሆ ግና ብምፍራህ ጥራይ ጠጠወ ከነብሎ ዘይንኽእል ዕንወት ሃገር ዘመላኽት እዩ። ሕብስቲ፡ ላምባ፡ ዝስተማይ፡ መጐዓዝያ፡ መብራህቲ፡ ዋላ በቲ ዝተሓተ ደረጃኡ ክትረብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት ኮይንካ “ሃገር ትህነጽ እያ ዘላ” ምባል ምውርዛይ ምዃኑ ዘይርዳእ ኤርትራዊ እንተሃልዩ ገለ ኣበር ኣለዎ  ማለት እዩ። ዝተባህለ እንተተባህለ እቲ ሓቂ ባዕሉ ክዛረብ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ዋላ ዕረ ይጥዓመና ጉዕዞ ሃገርና ንድሕሪት እዩ ዘሎ። ንድሕሪት ዝምለስ ድማ ‘ይዓኑ ኣሎ’ እምንበር “ይህነጽ ኣሎ” ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ጉጅለ ህግደፍ እውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉዕዞ ናብ ዕንወት ክሓብኦ ኣይክእልን እዩ። እቲ ከም መህደሚ ክጥቀሞ ዝደሊ፡ ናብቲ ቅድሚ 24 ዓመት ዝነበረ ኩነታት ተመሊሱ ኣብቲ “ነዛ ሃገር እኮ ኣብ ጥራዩ ካዛና ኢኣ ተረኪብናያ” ዝብል ኣረጊት መህደሚ እዩ ክሕባእ ዝፍትን። እቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ዘካይዶ ቃለመጠይቓት “ሰኣን ጸዓት ስሚንቶ ስኢና” ዝበለና እሞ ኣይንረስዕ። ኢሳይያስ ምዝራቡ ኣሕኒኽዎ እንተዘይኮይኑ ፋብሪካ ስሚንቶ ትራይ ዘይኮነት፡ እተን ኣብ ግዜ ግዝኣት ኢጣልያ ዝተሰርሓ ፋብሪካታት ሎሚ ኩለን ተዓጽየን እየን። እዚ እንዳረኣኻስ “ሃገር ትህነጽ እያ ዘላ” ክትበሃል። እስኪ ነዚ ምስ ከባቢና ነወዳድሮ፡ ገለን ሓድሽ ፋብሪካታት ክምስርት ፈንጠርጠር ክብልን ናብ ህንጸት ሃገር ከመዓዱን፡ ኣባና ድማ ዝነበራና ናባዪ ስኢነን ክዕጸዋ’ሞ ናይ ዕንወት ጋህሲ ኣፉ ከፊቱ ክጽበየና።

ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ነብሱ ዝፈቱ፡ ኣብ ውሱን ክሊ ዘኹድድ  በሓቲ፡ ሃገር ክሃንጽ ኣይክእልን’ዩ። ስለምንታይ ብዘይ ተሳትፎ ህዝብን ዝተጸንዐ ትልምን ሃገር ክትሃንጽ ስለ ዘይከኣል። ነቲ ህዝቢ ኣብ ልምዓት ከተሳትፎ ድማ ብመጀመርያ ከም ቀንዲ ናይ ልምዓት ባእታ ንቃለ ዓለም ዘይኮነስ ሕገመንግታዊ ውሕስነት ብዘለዎ ናይቲ ብህንጸት ሃገር ኣቢሉ ዝሕፈስ ጸጋ ቀንዲ ዋናን ተጠቃምን ምዃኑ ከተረጋግጸሉ ይግባእ። ኣብ ከም’ዚ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይቲ ህዝቢ ጉልበት እንዳበሃግካ፡ ናይቲ ድኻም ውጽኢት ግና ናብ ቆፎኻ እንዳ ወተፍካ ግና ሃገር ኣይትህነጽን እያ። ንኣዕናዊ ተንኮላትካ ብናይ ሓሶት “ብመግቢ ነብስና ክንክእል ኢና” ጭረሖ ክትሓብእ ከዓ ኣይከኣልን እዩ።

እምበኣር ስርዓት ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፡ ነቲ ብሰንኩ ዝበኾረ ብቐንዱ ሃገር ናይ ምድሓንን ምህናጽን ሓላፍነት ክትስከም ድልዊ ምዃን ከም ዘድሊ ብዓንተቦ ምስትውዓል ከድልየና እዩ።ነዚ ክንበቅዕ ድማ ከምቲ ፈላጣት “እቲ ለባም ካብ ጸላኢኡ’ውን ይመሃር እዩ” ዝብልዎ፡ ናይ ህግደፍ ናይ ፍሽለት ተመኩሮ ምድህሳስ ከድልየና እዩ። ነዚ ረዚን ሓላፍነት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሰደህኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ  ብፍላይ ድማ ኣብቲ ቁጠባዊ መዳይ “ ኣብ እዋን ምስግጋር ህዝብና ብቍጠባ ከይህሰ ንውሽጣዊ ዝጸንሐ ዓቕምታት ቀጻልነት ክረክብ ምእሙእ ኵነታት ምፍጣር። ብተወሳኺውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነጋዶ ብዝተሓተ ቐረጽ ክነግዱ ኣተባባዒ ሃዋህው ምኽፋት። ምስ ጐረባብትን ዓለምን እናተረዳዳእካውን ሕማቕ ኵነታት ንኸየጋጥም ኩሉ ጻዕርታት ምግባር።” ዝብል ሓደራ ሰፊሩ ኣሎ።

21 ሕዳር 2014

 

ክሓተክን ስምዓኒ ሃማደአ በጃኽን

እዚ ኩሉ ሸበድበድ እንታይ‘ከ ደሊኽን

መርዓ ጓልክን‘ድዩ መርዓ ወድኽን

መርዓ ትቋጸራ ሓዘን ናይ ደቅኽን

ቍሩብ ዘይትሓስባ ንህዝብኽን

መመሊሱ ዝቕጽል ጌጋኽን።

                ዘርእና ጠፊኡ ንሳተን ይዘላ

                ለይቲ ምስ መዓልቲ ምስ ተኸላ ጓይላ

                ጥዕና ዘየብለን ኩለን ዝዘንበላ

                ኢሳያስ ክነብር ዝምህለላ

                ዕድመ እንተደፊአን ዝጽለላ

                ኢሳያስ ዘየብላ ሃገርስ ትጥፋእ ዝብላ።

እገርመኒ ከመይ ከም ዝተፈጥራ

ባሩኳ ተሰዂዐን ከይሓፈራ

ኣብ ቲቪ ክወጻ ዘዕገርግራ

ምእንቲ ክኾና ሕሉፋት ኤርትራ

ጽቡቕ ኣሎ ዝብላ ንመከራ

ጐበዝ ተሳኢኑ ንሬሳ ዝቐብራ

ሓሶት ይጭርሓ ከይሓፈራ።

                ዘይኣኽለን ጓይላ ምስ ጸወታ

                ሓጎስን ሓዘንን ብእልልታ

                ወላዲት ትነብር ብሃንቀውታ

                ካብ ዘለዋ ይበዝሓ ዝሞታ

                ኣካ ተሳቐየት ቅድሚ ሞታ

                ጐበዝ ተሳኢኑ መቓብር ዝዂዕታ

                ሃገር መንእሰይ ጸኒታ

                ቆልዓኣ ሓንጊራ ናብ ስደታ

                ነዚ ድማ ይህባሉ ኣሉታ።

እዘን ጽሉላት ከመይ የሽበድብዳ

መርዓ ጓል‘ድዩ መርዓ ወዲ ዝኸዳ

ወርቂ ተለቂሓ ናብ ክሳዳ

ሒና በዊኣ ኣብ እግራ ኣብ ኢዳ

ወርቂ ሚዶ ኣብ ርእሳ ሰጒዳ

ምሓፈረት እንተዘይዓቢዳ

ዝሞተ እንተሞተ እንታይ ግዳ

ኣብ ቲቪ ክትወጽእ ኣሽበድቢዳ።

                ኣለዋና ቀደም ዝገስገሳ

                በቲ ስቓይ ህዝበን ዘይደቀሳ

                ኣብ ግብረሰናይ ዝሕወሳ

                ንሃገረን ብዙሕ ዝግደሳ

                ነቲ ሕማቕ ተግባር ዘይምጒሳ

                ኣብ ቅርሕንቲ ኢደን ዘይሓወሳ

                ብሕማቕ ተግባር ዘይክሰሳ

                 ኣእምሮአን ብቑዕ ዘይፈዀሳ

                 ባህሊ ኣዴታተን ዝወረሳ።

 

እተን መጣቓዕቲ ተውሳኺተን

ገንዘበን ሓንጐለን ተዘሚተን

መብዛሕትአን ኣእሙሮአን ስሒተን

ብእኡ ትምሕል እታ ጥዕይተን

ክንደይ ዓመት ብእኦም ተጓቲተን

ውድብና ዝብላኦ ንመንግስተን

ዘብዘብ ዝብላ ነጸላ ጓቲተን

እንታይ‘ከ ትጽበ ካባታተን

ኣምላኽ የድሕነና ካብቲ ናተን

ኣባዛር ዘድልየን ዘጻውተን።

                አረ ክነግረክን ብሓጺሩ

                ሓለቓኽን ስራሕ ተቐጺሩ

                ኣስመራ ገዲፉ በረኻ ሰፊሩ

                ኣብ ገርገራ ቴንዳኡ ገቲሩ

                መሃንድስ ክኸውን ተቐጺሩ

                በይኑ‘ድዩ ግዒዙ ምስ ሓዳሩ

                ገዓቱ ክበልዕ ከም ሃገሩ

                ጐበዝ ተሳኢኑ እንታይ ክገብሩ

                ኤርትራዊ ዕድል እንተጌሩ

                ስግር ተዝብለልና ብኣ ጌሩ

                ኣብ ተንቤን ክነብር ንሓዋሩ።

 

 

ክንድሽሕ ገ/ዝጊ

ብክብሮም ግሬነት           

ሓወይን ኣነን ሓንቲ ቋንቛ ኣደ ንዛረብ ። ንሳ ከኣ ትግራይት ትብሃል ።ከም ኩሎም ተዛረብቲ ትግራይት ከኣ ወለድና ዘጽንሑልና ባህሊ ስለ ዝዀነ ከኣ ንኾርዓሉን ንንየተሉን ጸኒሕናን ኣሎናን ። ካብ ኣባሃህላ ህግደፍ እንፍለየሉ ነገር እንተሎ ኩሉ ትግራይት ዝዛረብ ትግሬ ማለት ከምዘይኮነ ከኣ ንኣምን። ምክንያቱ ኩሉ እንግሊዘኛ ዝዛረብ እንግሊዛዊ ማለት ስለ ዘይኮነ። ብተወሳኺ ሓወይን ኣነን ካልኦት ሰባት ይኹኑ ወይ እውን  መንግስታዊ ትካላት ብዘይ ፍቓድና  እንታውነትና ክውስኑልና ኣይንፍቅድን። ንዝዀነ ሕብረተሰብ  ብሐይሊ እንታውነት ክዕድል ዝኽእል ሰልጣን ዘለዎ ሓይሊ የለን እልና ስለንኣምን። ኣብ ኤርትራ ካብ ዙላን ኣፍታን ጅሚርካ ክሳብ ቓሮራን እምኒሓጀርን እዚ ኩሉ መታሕት ኣውራጃ ሰንሒት ሓዊስካ ዳርጋ ዝበዝሕ ትግራይት ክሰምዕን ክዛረብን ከም ዝክእል እቶም ኣብቲ ሰውራ እተሳተፉ ምስክርነት ክህቡ ይክእሉ እዮም ።

ኣቦታትና ሓንቲ እምነት ከምዝነበረቶም ተሰኒዱ ዝጸንሓና ይኹን ብኣፋዊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዘርከብናሉ ሓቀኛ ዛንታ ኣሎና። ኣብ ከባቢ  18 ክፍለ ዘመን ጅሚሩ ግን ገለ ካብ ወለድና በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸም ዝነብረ  ተደጋጋሚ ወራራት መሳፍንቲ ኢትዮጵያ፡ ጽላል ይዀነና ዝበልዎ ስርዓት ግብጻውያን ብወገን ሱዳን ስለ እተቀልቀለ እምነቶም ክቕይሩ ድፊኢት ኮይኑዎም እዩ። እዚ ይኹን እምበር እቶም ዝተረፉ ነቶም እምነቶም ዝቐየሩ ኣሕዋቶም ምርጭኦም ስለ ዝዀነ መሰሎም  ከይትንከፍ ብሕውንትን ፍቅሪን እናተላዘቡ ሓወይን ኣነን እውን ኣርኪብናሎም ።

ብዝዀነ እዚ ዝጸንሔ  ባህሊ ናይ ፍቅሪን ሕውነትን መግዛእቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ካብ ጣልያን ነጻ ኣብ ዘውጸኣሉ ካብ 1941 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክልቲኡ እምነታት ጽልእን ፍርሕን ዘይምትእምማን ክዘርእ ተራእዩ ። ካብዚ እተላዕለ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ሓድ ሓደ ናይ ህይወት ምሕላፍ ፍጻሜታት ተራእዮም  እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ከምቲ ኣብ ካበሳ ዝምስረቱ ዝነበሩ ሰልፊታት ኣብ ከረን እውን ናይ ኣመንቲ ምስልምና ሰልፊ ራቢጣ ኤልእስላሚያ ዝብል እውን ተመስሪቱ እዩ ። እዚ ሰልፊ እዚ ግን ናይ ሽርክነትን ምድልዳል ጸጋታት ሃገር እንተ ዘይኮይኑ ንኤርትራ ብሃይማኖታዊ ሕጊ ከምሓድር ከምዘይነቀለ ታሪኽ ይምህረና ። እዚ ሓቂ እዚ ዝገልጽ እዚ ሎሚ ቅነ ኣብ መርበብ ዓዋተ ተሰቂሉ ዘሎ ናይቶም ክልተ ኣመንቲ  ሃይማኖታት ስእሊ ይገልጾ እዩ ።እዞም ሕጂ ዘለዉ ውድባት ግን እምነቶም ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ስርዓት ንምትካል ከም ዝኮነ ካብ ኩሉ መግለጺታቶም ንላዕሊ መረዳእታ ምንዳይ ኣየድልን  ። እዚ ማለት ናይ ሃይማኖታዊ ኣድዮሎጂ ሓይልታት እዮም ። ብተውሳኺ ሓወይን ኣነን ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ስርዓት ክምስረት እናተቓለስና እንከሎና ፣እቲ ክንምስርቶ እንደሊ ስርዓተ መንግስቲ ግን ንክልተና  ብሓባር ከምቲ ናይ ወለድና ብሰላምን ፍቅሪን ከንብረና ከምዘክእል ውሕስነት የብልናን ።

ኣነ ሊበራል ደሞክራሲ ንኤርትራ ሃገርና ዝሓሸ ስርዓት እዩ ክብል እንከሎኩ ፣ ንክልቲኣ እምነታት ብማዕረ ስሪዑ እቲ ዝግባኣ ክብርን መስልን ከውሕስ ዝክእል ምዃኑ ስለ ዝኣምን እየ። ብተወሳኪ ኩሎም ዜጋታት ብዘይ ኣፋላይ ብዋሕስና ዘለዎ ተሳተፍቲ ጸጋታት እዚ ሃገር ንምዃን ዝዕድም ኣሳታፉ ስርዓት ስለ ዝኮነ ። ሓወይ ከኣ ክገርመኩም እዛ ድሞክራሲ እትብል ቓል ብፍጹም ክሰምዓ ከምዘይደሊ ኣይሓብኣለይን ። ንሱ ክጥቀመሎም ዝደሊ እስማት ፍጥሒ ፤ ልምዓት ፣ሕውነት ፣ ዝኣመሰላ ቃላት እንተ ዘይኮይኑ ጠንቀስ እሉ ደሞክራሲ እትብል ቓል ክጥቀም ኣይደልን ። ብወገነይ ክግምት እንከሎኩ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ዝፈለሰት ቓልዶ ኮይናቶ ? ወይ ከኣ ኣብቲ ንሱ ዝኣምና እምነት ቅብልቲ ዘይምዃና ዲዩ ? ብዝኮነ ዝገበርና እንተ ገበርና ሓወይን ኣነን ፍልልይና ክነጽብብ እሞ ኣብ ሓደ  ናይ ልፍንቲ መኣዲ ክንሳተፍ ኣይከኣልና ። ምክንያቱ ከኣ ክንተኣማመን ኣይከኣልና ። እዚ ናይ ክልተና ዘይምትእምማን ብግዜኣ ክፍታሕ ናይ ኩሉኩም ሓገዝ ከድልየና እዩ።

ሓወይ  ቅድሚ ጉዳይ ሃገር ውልቓዊ እምነቱ ብምቅዳም ኤርትራ ብንሱ ዝኣምኖ ስነ-ሓሳብ ከመሓድር ቆሪጹ ዝተላዕለ ምኳኑ ደጋጊሙ ክእምነኒ ይፍትን እዩ ። ኣነ ግን ኣብ ኩሉ ፖለትካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ጽላታት ሃገርና ብፍትሓዊ ኣጋባብ  ሓወይ መሰሉ ክሕሉወሉ ምዃኑ ንዘቅረብኩሉ መብጸዓ  ነጺጉዎ ። ምክንያቱ ፣ ኣንጻር መለኮታዊ ተልእኮኡ ምዃኑ ኣብ ግምት ከምዘይኣቱ ብዘይ ስክፍታ ገለጹለይ። ብድሕሪ እዚ ናይ ሓወይ ናይ ቀርባ ርሑቅን መደባት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ መጻኢ መደበይ እንታይ ከከውን ኣሎዎ እናበልኩ ኣብ ሓሳብ ኣትየ እንከሎኩ ምስ ሓወይ ተፋላሊና ።

ዝከበርኩም ተኸታተልቲ ሓርነት ዶት ኮም፡ ካብ ሓወይ ተፈልየ  ንገዛይ እናተጓዝኩ ከምዚ ናይ ሓወይን ናተይን ሰኩላርን ሃይማኖታውን ፍልልያት ብልፍንቲ ክፍታሕ ዝክእል እንተኮይኑ ክሕጉዙና ዝክእሉ ኣብ ከባቢና ይኩን ኣብ ዓለም ከም ኣብነት ተወሲዶም ክንጥቀመሎም እንክእል ፍጻሜታት እንተ እሊዮም ተባሂሉ ዝገበርኩዎ ዳህሳስ ንጨና ዝኮውን ሓበሬታ ኣይረከብኩን  ።

እምበኣርከስ እቲ ዝምድና ናይ ሓወይን ናተይን ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጥቅሰ ካብ ኮነ ብኸመይ ደኣ ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ኩዳ ብዘይ ስብራ ክንወጽእ ንክእል ዝብል ሕቶ ኩሉና ደለይቲ ፍትሒ ዝምልከት ይኽውን ። ብወገነይ ካብ ክልቲኡ እምነታት ኣብ ቅድሚ ግምባር ደው ክብሉ ዝክእሉ ሓርበኛታት ተሳኢኖም ኣለው እየ ዝብል ። እዚ ናይ ኣውራጃታት ውደባ ዓጀውጅው ናይ ዝጠፈሹ መዘናግዒ እዩ ። እቲ ቀንዲ ማሕለኻ ኣብ ዓወት ከይንብጽሕ ዓሪዱና ዘሎ እዚ ናይ ሓወይን ናተይን ኣተሓሳስባ እዩ ። እዞም  ኩሉ ግዜ ውግሔ ጽብሔ ዝፍጠሩ ዘሎው ውድባት ቅውም ነገር ክሰርሑ እልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራሕ እዩ። ምኽንያቱ ሪሳይክሊን እዮም ዝገብሩ ዘለዉ ።

            ኣብ መወዳእታ

ኣብ መርበብ ዓዋተ ካብ ዘበርክቱ ኤርትራውያን ብመሓመድ ኣሕመድ ዝብሃል እተጻሕፈት ኣገዳሲት ጽሕፍቲ ኣላ ። ብመጠኑ እቲ ፍርሒ ናይ ሃይማኖታዊ ሕጊ ከምዘሎ ግን ከኣ እቶም በሃልቱ ናይ ምትግባሩ ዓቅሚ ከምዝሓጽሮም ይጠቅስ ። ብዝዀነ እቲ ናይ ሊባኖን ሚዛን እምነታት ንጥቅሚ ሓደ ወገን እናዘምበየ ይኸይድ ምህላውን ኣብ ኤርትራ እውን ክርኤ ከም ዝክእል ይሕበር‘። እዚ ሓበሬታ እዚ  ከም መጠንቀቅታ ክውስድ ይክኣል። ብሓፈሻ ግን እዚ ሰብ እዚ ካብቶም ዝሓሹ ናይ እምነታት ተጻዋርነት ይኹን ምክእኣል ስነ ሓሳብ ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ ።

 ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፍውሱ። መድሓኒትና  ኣብ ኢድና እንከሎ ኮለል ኣይንበል ።

ክብሪ ንስዉኣትና !

ክብሮም ግረነት

 

 

ኣባላት ጽላል ኤርትራውያን ሓይልታት ንለውጢ ኣብ ኖርወይ ዝኾና ኣብ ከተማ ኦስሎን ከባቢኣን ዝርከባ 4 ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ብመንገዲ መራሕተን ብዕለት 16. 11. 2014 ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ተራኺበን ናይ ምውህሃድ ዜተ ኣካዪደን:: እዘን መቃልስቲ ኣሕዋት ዝኾና ኣርባዕተ ማሕበራት ኣብዚ ፈላሚ ዝኺነ ናይ ዜተ መድረኽ ብቀዳምነት ንሕሉፍ ጉዕዞ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ክርነዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኦስሎ ብኹሉ መዳያቱ ገምጊመን:: ኣብቲ ናይ ዜተ ገምጋሞም ብሓደ ወገን፣ ኩሉ ንጡፍ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ማሕበር ኮነ ውልቀሰብ ዓቕሙ ከበርክትን ብዓቅሙ ክውፈን ከምዝጸንሐን፣ ከም ውጺኢቱ እውን ኣብ ሜዳ ደለይቲ ፍትሒ ዘይነዓቕ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከምዝተመዝገበ ክግምግሙ ከለዉ፣  ብኻልእ ወገን ድማ ብኩራት ሓድነትን ዝተወሃሃደ ኣድማዒ ናይ ሓባር ስረሓትን ንዕድመ ቃልሲ ከምዘናወሐ፣ ንዓቅምታት ተቃለስቲ ከምዘዳኸመ፣ ንተሳታፍነት ህዝቢውን ከምዘውሓደ ኣስሚሮምሉ::

 

መራሕቲ እዞም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ኣርባዕተ ማሕበራት ቀጺሎም ንብድሕሪ ሕጅኸ እሞ ጉዕዞ ቃልስና ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ሰፊሕ ግዜ ሂቦም ተመያዪጦም:: ምምሓው ውልቀ መላኺ ዝኾነ ስርዓት ህግዲፍን ምምስራት ሓቀኛ ዝኾነ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓትን ብሓድነትን ብምውህሃድን እዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምእማን፣ ንብድሕሪ ሕጂ ብመሰረት ዕላማታት ናይቲ ጽላል ስረሓቶምን መደባቶምን ከወሃህዱን፣ ናይ ሓበር ቃልሲ ከካይዱን ተሰማሚዖም:: ነዚ ስምምዕዚ ክውን ንምግባር ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ብኽለተ ኣባላት እትውክል 8 ዝኣባላታ ሽማገለ ሓላፍነት ወሲዳ::  እቶም ማራሕቲ 4 ማሕበራት ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ዕለትን ኣጀንዳን ድሕሪ ምጽዳቕ፣ ፈላማይ ናይ ዜተን ምውህሃድን ኣኼባኦም ብዓወት ዛዚሞም::

 

እቶም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብዝወሰዶ ተበግሶ ናብዚ ናይ ዜተ ኣኼባ ዝተረኽባን ኣባላት ናይቲ ዜተን ስምምዕን ዝኾንና ማሕበራት፣ 1. በርገሳዊ ማሕበር ሕብረት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን፣ 2. ምንቅስቃስ ስምረት ኤርትራውያ ንድሕነት ሃገር ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን፣ 3. ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን እዮም::

 

ዓወት ንዲምክራስያዊ ቃልሲ

 

 

እዚ ብናይ ኡክረንያ ቁልውላው ተዋጥሩ ኣብ ኣውስትረልያ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ሕመኣ ፕረስደንት ባራክ ኦባማ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኡክረንያ ትገብሮ ዘላ ወተሃዳራዊ ምትእትታው ኮኒኑ። እዞም ናይ ዓለም መራሕቲ ብ ጉጅለ 20 ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ብሪስባነ ኣውስትረልያ ኢዮም ተራኺቦም። ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዘረብኡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኡክረንያ ትገብሮ ዘላ ምጽባእ ዘባህርር ኮይኑ ንዓለምውን ዘስግእዩ ኢሉ። ቀዳማይ ኣጀንደኦም ቁጠባን ዕብየትን ኮይኑ ቁልውላው ኡክረንያ ነቲ ኻልእ ኣጀንዳ ካብ ዘጻላልወዩ።

ናይ ኤውሮጳ ወጻኢ ምኒስተራት ንሰኑይ ንቑልውላው ኡክረንያ ክዛረብሉዮም። ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክግበር ከም ዘለዎ ከኣ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቦ መንበር ሄርማን ቫን ሮምፒው ኣተንቢሁ ኣሎ። ሩስያ ምጉራት መሳርያ ውግእን ወታሃደራትን ካብ ምድሪ ኡክረንያ ጠጠው ከተብልን ድሮ ኣጓሪታቶ ዘላ ክትስሕብን ካብቲ ጠለባትዩ። ሩስያ ግን ንኢድ ኣእታውነታ ኣይትኣምንን ዘላ። ናይ ሩስያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኣፈኛ ዩሪ ይስያኮቭ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ የብልናን ክብልዩ ኣዊጁ ዘሎ። ናይ ጀርመን ቻንስለር ኣንጀላ መርከል ምስ ናይ ሩስያ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብዚ ዓመትዚ ርክብ ክትገብር መደብ ኣለዋ። እንተኾነ ካብ ርክባ ዓይነታዊ ለውጢ ዲፕሎማሲ ከምዘይትረክብዩ ዝትንባህ ዘሎ። ብመሰረት ናይ ጀርመን ሓላፊ ንሮይተር ዝሃቦ ቃል ፑቲን ንሰንበት ነቲ ኣኼባ ገዲፉ ከም ዝኸይድውን ገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣኼባ ግን ብጉዳይ ኡክረንያ ጥራይ ኣይተታሕዘን። ንተላገብ ኤቦላ ንምጥፋእ ተስማሚዑ ኣሎ። ኣባላት ጉጅለ መራሕቲ ዓበይቲ መንግስታት ንኣህጉራዊ ዋሕስነት ን ቫይረስ ኤቦላ ካብ ሱሩ ንምጥፋእን ንዋጋ ቁጠባን ሰብኣውነትን ናይዚ ሓደጋ ንምሕጋዝን ከም ተስማምዐ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ቀዛፊ ቫይረስ ድሮ ካብ 5000 ሰባት ዝበዝሑ ኣብ ጉነያን ላይበርያን ሰራልዮንን ኣጥፊኡ ኣሎ።

ካብ ጋዜጣ ሽወደን ስቨንስካ ዳግብላደት ዕለት 16 ሕዳር ዝተተርጎመ።

 

ኣርዓዶም በርሀ

ኣብዚ ግዜ እዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኤርትራ ዳርጋ ምስ ኩለን ጐረባብታ ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ሕማቕን ንጹልን እዩ። ሓደ ካብቲ ካልእ ዝምድና ናይ ደረጃ ፍልልያት ስለ ዘለዎ፡ ብፍላይ ኢርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶ ናይቲ ሕማቕ ዝምድና ግዳያት ኤርትራውያን ንመላእ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘሻቕል ዘሎን ምግላጹ ዘጸግምን እዩ። ብዝኾነ ኣብ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” (no war no peace) ደረጃ ዘሎ ዝምድና እንዳተባህለ እዩ ዝግለጽ። “ኣይክዩድ ኣይቅሙጥ” ወይ ድማ “ኣይርግኦ ኣይጸባ” ከም እንብሎ ኩነት። እዞም ንህልዊ ዝምድና ክልቴን ሃገራት ተላፊኖም ዝገልጽዎ ዘለዉ ሓረጋት ክልቲኦም ማዕዶ ንማዕዶ ዝስለፉ፡ ወርትግ ዘይቃደዉ ኣዕናውን ኣድማዕን ኣምራት እዮም። ውግእን ሰላምን። ድሌትን ትጽቢትን ብሓፈሻ ናይ ዝኾነ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ናይቲ ብነዊሕን መሪርን ውግእ፡ እቲ ዝቐደመ ከይቀምረረ ዳግማይ እንዳረኸሶ ዝኸርደደን ሰላም ዝሓረሞን፡ ሕጂ እውን ዓለም ብብርሃና ኣብ ጸልማት ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ባህግን ውግእ ተወጊዱ ሰላም ክነግስ ከም ዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን። ድሌትን ድሌትካ ከተትግብረሉ ዓቕሚ ምውናንን በበይኖም ምዃኖም ግና ኣይንረስዕ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና፡ ዝያዳቲ ኤርትራ ምስ ካለኦት ሃገራት ተሕልፎ ዘላ ንጹል ሃለዋት ኣሻቓልን ኣዛራብን ዝኸውን፡ ኣዝዩ መሪር ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣጋጢሙ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግም መሪር ውግእ ዝሓለፎ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ጀኦግራፊያዊ፡ ባህላዊ፡ ቋንቋዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቁጠባዊ ኮታ ደሚርካ ኩለ-መዳያዊ ኣከዋውናኡ ኣዝዩ ዝዛመድ ብምዃኑ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝመርሕ ዘሎ ኣካላት ቅድሚ እቲ ትማሊ ኣብ ሕድሕዱ ዘካየዶ መሪር ደማዊ ውግእ፡ ቅድሚ ትማሊ ሓቢሩ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ደሪጉ ተዋጊኡ ናይ ሓባር ደም ኣፍሲሱ ናይ ሓባር ዓወት ኣመዝጊቡ ናይ ብዙሓት ናእዳ ሓፊሱ ዝነበረ ብምዃኑ ድማ ነዚ ናይ ሕጂ ኢኖ ሓርፋፍ ሓርፊፉ ዘሎ ዝምድና ቆላሕታ ብዙሓት ንክስሕብ ሓጊዝዎ እዩ። “ክቱር ፍቕርስ ክቱር ጽልኢ ፈጠረ” ኢሎም ዝገልጽዎ መሰልቲ’ውን ብዙሓት እዮም። ክልተ ግዜ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ፡ ሓንሳብ ብኣውንታ ደሓር ድማ ብኣሉታ። እዚ ኣሉታዊ እጃምን ተሓታትነትን ጉጅለ ህግደፍ በሪኹ ዝተራእየሉ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ክብ ለጠቕ ብዝብል ዋሕዚ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ፡ ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ግና ንሓንቲ ካልኢት እውን ካብ ኣእምሮኡ ዘየልግስ መናብርቱ ኮይኑ ዘሎ ዘይተፈትሐ ግድል እዩ።

እዚ ክልቲኡ ህዝብታት በቲ ኩነታት ምሽቓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሐሕልናኡ ተቐይሩ ማለት እዚ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ሃለዋት ምሉእ ሰላማዊ ኮይኑ ናይ ምርኣዩ ሕልምን ትጽቢትን ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ክልቲኡ ህዝቢ ትምኒቱ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ትምኒቱ ናብ ተግባር ንምስግጋር ከቢብዎ ዘሎ ኩነታት ግና ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ፍልልይ ኣብ ሕቶ ሰላም ምስ ጐረቤት ህዝቢ ጥራይ ዝተደረት ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወቱ ምዃኑ ከዓ ክንዝንገዖ ኣይግበኣናን። እቲ ኣብ ሀገሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ግዜ ብሰንኪ ተንኮላት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣይኮነንዶ ምስ ህዝቢ ኢትዮዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ምስቲ ኣብ ጥቕኡ ኣብ ገጠር ድዩ ኣብ ከተማ ዘሎ ጐረቤቱ ብኽመይ ተመላሊኡ ከም ዝነብር ንምቕያስ ዝዛረበሉን ዝዛተየሉን ኩነታት የለን። ምስቲ ኣብ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ብመንገዲ ሕገመንግስታዊ ምርጫታት ተተይ ዝብል ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ሰላማዊ ዝምድና ናብቲ ንቡር ደረጃኡ ንምምላስ ድሌት እምበር ዓቕምን ተኽእሎን ከም ዘየብሉ ኣፍና መሊእና እንዛረቦ ይመስለኒ። ብመሰረቱ እውን ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ልዕልና ዘውሕስ መድረኽ ስለ ዝበኾረ ኢና ዳግማይ ንምምላሱ ንቃለስ ዘለና። እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ኩሉ ዓለም ተዘርዩ ዘሎ ዲያስፖራ እንብሎ ኤርትራዊ’ውን ካብዚ ኣብ ህዝብና ዘሎ ናይ ዘይምትእምማን ጸግመ “ሕጹብ ከም ጲላጦስ እዩ” ኢሉ ነብሱ ከየዕሹ ከዓ ሓደራ እብል። ብወገን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ገዚፍ ኣገንዳ ሰላም ናይ ምሕሳብን ናይ ምዝራብን ዝሓሸ ዕድል ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ እዩ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጊዮን ሆቴል “ዓለም ለኻዊ ትካል ኢትዮጵያ ንሰላምን ልምዓትን” ዝተባህለ ኣካል ዘሰናድኦ ኣኼባ ዝተኻየደ። ኣብዚ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ሰላማዊ ቦታኡ ናይ ምምላስ ተኽእሎታት ንምድህሳስ ዝተወደ ኣኼባ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ፡ ብዕድመ፡ ብዝተዋፈርዎ ስራሕን ብእምነትን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ትጡሕ ኩነታት ተጠቒሞም ነቲ ኣጋጣሚ ንዝፈጠሩ ወገናት ምስጋና ይብጸሓዮም።

ኣብዚ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ (citizen diplomacy) ንከሕይል ተስፋ ዝተነብረሉን ናይ “ክንገብሮ ንኽእል ኢና” ኒሕ ዝተንጸባረቐሉን ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ፡ ነቲ ኩለመዳያዊ ጥቡቕ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ዘትርሩ ኣብነታትን ተመኩሮራታን ቀሪቦም። ኣብቲ ዝርዝር ካብ ግዜ ንእስነቶም ብሓደ ዝተማህሩ፡ ብሓደ ዝሰርሑን ኣብ ስደት ብሓባር ሓበሻ ዝብል ስም ዝተጠመቑን ተመኩሮም ብሰፊሑ ተገሊጾም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰናይ ዘበን ግዜ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” መድረኽ እውን ጌና ተስፋ ዝህብ ዝከናኸኖ እንተረኺቡ ክጥጥዕ ዝኽእል ናይ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድናታትን ተስፋታት ከም ዘሎ ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ምስ ዘዝፈልጥዎ ኣብነታት እንዳሰነዩ ገሊጾም። ብፍላይ ድማ ካብቲ ዝዳወብ ከባቢታት ዝመጹ ተሳተፍቲ ኣብቲ ከባቢ ኪኖ’ቲ ጀኦግራፊያዊ ደረት ናይቲ ህዝቢ ማሕበራዊ ዝምድና ከም ዝዓዝዝ ኣስማት ሰባት ከይተረፈ እንዳጠቐሱ ገሊጾም። ነዚ ዓቢሩ ዘሎ ዝምድና ንምህጣሩ ነንኽእሎ ክንገብር ኢና ኢሎም ቃል ዝኣተዉ ናይ ዝተፈላለየ ዓውዲ ፍልጠት ክኢላታት እውን ንከበርክቱ ቃል ኣትዮም። ሓደ ርዱእ ጉዳይ ግና ኣሎ እዘን ብዛዕባ ዝምድና ህዝበን ንዛረበለን ዘላና ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናተን ነጻነት ኣለወን ነናተን ሉኣላውነት’ውን። ፖለቲካዊ ባህርያቶምን ንህዝቢ ዝህብዎ ክብርን መሰልን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ ነናተን መንግስታዊ ምምሕዳራት’ውን ኣለወን። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዛዕባ ኤርትራ ክንሓስብ እንከላና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ፡ ጸረ ደሞክራስን ኩሉ ነጻነታትን መሰላት ህዝብን ጓዕጻጺ ጉጅለ ህግደፍ እያተመቊሓ ዘላ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝባዊ ሰላማዊ ዲፕሎማሲ ክንፈጥር፡ ክንብል እንከለና ነቲ ህዝቢ ካብቲ መንግስታቱ ፈሊና ነናቱ ሃገር ክንፈጥረሉ ማለትና ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ። ነዓይ ከም ዝረደኣኒ እዚ ህዝብታት ኣገዳስነት ሰላምን ጥዑይ ዝምድናን ኣብ ዕቤቱን ቀጻልነቱን ወሳኒ ምዃኑ ተገንዚቡ ነኒመንግስቱ ናብዚ ሃናጺ መድረኽዚ ንክመጽእ ከገድደሉ ዝኽእል ዓቕሚ ክፈጥር ምኽኣሉ ማለት እዩ። ሰላማዊ ዝምድና ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትርጉሙ ዘይምውጋእ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ነንሕድሕዱ ቀጻሊ ተጠቓቓምነትን ሓቢርካን ተማላሊእካን ናብ ዓዲ ዕቤት ምግስጋስ ማለት እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

እዚ ዕማምዚ ንምዕዋት ቅድም ቀዳድም እዚ ኣብ ሰላም እምበር ኣብ ውግእን ህውከትን ረብሓ ዘየብሉ ህዝቢ ኣብ ሃሃገሩ ክሰርሖ ዝግበኦ ዕዮ ገዛ ኣለዎ። ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድዩ ምስ ህዝቢ ካልእ ጐረቤት ሃገር ሰላማውን ሓባራውን ዝምድና ምፍጣሩ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናቱ ሰላምን ነጻነትን ኣብ ኢዱ ክጭብጥ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ኤርትራ እያ ካብ መግዛእቲ ነጻ ወጺኣ እምበር ህዝባ ካብ ኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ነጻ ከም ዘይወጸ ርኡይ ስለ ዝኾነ። ኣብ ገዛእ ባይታኡ ኣጣጢሑ ዘይረገጸ ሰላም፡ ምስ ጐረቤት ዝቛጽሮ ዝምድና ጽባሕ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓዲ ዘይጣጠሐ ባይታ ተደጊሱ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ክንርስዕ ኣይግበኣናን። እዚ ሰላም ምስ ጐረባብቲ ናይ ምርግጋጽ ዕማም እምበኣር ካብቲ ሓፈሻዊ ንኤርትራ ናብ ሓድሽ መድረኽ ደሞክራሲን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ንምብቃዓ ዝግበር ቃልሲ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ጉዳይ ሰላምን ህዝባዊ ዲፕሎማስን ካብ ጉዳይ ፖለቲካ ፈሊኻ ምርኣዩ ዘጸግም። ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ሰላም፡ ደሞክራሲን ልምዓትን ዝጸውር ባይታ ዘይፈጠረ ህዝቢ ምስ ጐረባብቱ ሰላም ክህልዎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነን። ብመሰረቱ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ብሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ንከይነብር ዓጊትዎ ዘሎ መጻወዲያ መንቀሊኡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተዘሪኡ ዘሎ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ምትእምማን ንከይፍጠር ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጻወደ መፈንጠርያ እዩ። ኣብ ሕድሕዱ ዝጠራጠር ህዝቢ ቀዳምነት ክህቦ ዘለዎ እምበር ኣብ ውሽጡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ምውጋን እዩ። እቲ ናብ ጐረባብቲ ዝልሑዅ ሰላም ኮነ ህውከት፡ እቲ ናይ ምሽጢ ምስ መለአ ዝፈስስ እምበር ካብቲ ናይ ውሽጢ ተነጺል ኣብ ደገ ዝፍጠር ዘይምዃኑ ከዓ ፍሉጥ እዩ።

17 ሕዳር 2014

ብዕለት 31-10-2014 ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ  ምስ ንኡስ ዞባታትን ጨንፍርን ኤውሮጳ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ።

መዛረቢ ዛዕባ፡-

1-     ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሀገርናን ዓለምን፡

2-   ሃለዋትን ጉዕዞን ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን (ደምበ ተቓውሞ)

3-   ኩነታት ሰልፍናን ተተሓሒዝዎ ዘሎ መደብ ዕዮ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ዞባ ኤውሮጳ ምግምጋም።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምዝታይ ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ ንኹሎም ኣካየድትን ኣባላትን ዝካፈልዎ ኣኼባ እዚ ንዝተራእየ ጉድለታት እንግምግመሉን ንመጻኢ ንኽንሰርሓሉ እንኽእልል ኣብ ዝብል ሓሳባት ጠርንፍና ነቲ ዝምልከቶ ኣካል እነመሓላልፈሉ ብምባል ዝዓለመ ንኹሉ ኣባላትና ኣብ ውድብ እኹል ኩፉት ብምዃን ዝነቅፍ ውዕውዕ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ኣቦ መነበር ዞባ ኣቶ ብርሃነ ገበረክርስቶስ ድሕሪ ሕውነታዊ ሰላምታን ንምንታይ እዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ ምጽዋዕ ምግላጹ ኣብ ኣርእስታትት ኣትኵሩ መግለጺ ብተረታ ኣቕሪቡ።

        ሀ) ህልው ከነታት ሃገርናን ዓለምን ዝብል፡

ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዘጓንፎ ዘሎ ጸገማት ብሓቂ ወደሲብ ክረኽቦ ዘይግበኦ ጸገምን ግፍዕን ይረክብ ምህላዉ ኩላትና እንርድኦን እንሰምዖን ዘለና እዩ። ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ውሽጢ ሃገርና ቀረብ መግቢ፡ ማይ፡ ሓይሊ መብራህቲ ።ሕክምና ስእነት ኣፋውስ፡ ትምህርቲ ትሕቲ ምድሪ ዘቢጡ ህዝቢ ዓቕሊ ኣጽቢቡ እምቢታኡ ብምስማዕ፡ ከምዚ ኢልካ ንቕድሚት ክኸየድ ኣይካእልን ምባል ጀሚሩ ኣሎ። ኣብነት ብምጥቃስ ቅድም ብኣቡናት ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን  ኣበይ ኣሎ ሓውካ ዝብል ጽሑፍ ኣንቢብናን ስሚዕናን፡ ብድሕሪኡ ካብ ሽዱሽተ ደብርታት ኣቡናት ቤተ ክርስትያን ተውህዶ ዝተጻሕፈን ዘስዓቦ ውጽኢትን እውን ናብ ናዕቢ ግጹ ዝጎዓዝ ምዃኑ ብሩህ ኮይኑ ብወገና ትኩር ኣድህቦን ነዚ ምዕቡል መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ነዚ ናይ ህዝብና ናዕቢ ምትብባዕን ዝተወደበ ኣሰራርሓ ክካየድ ዘድሊ ሓበረታን ጥርኑፍ ኣገባብ ክነውፊ የማሕጽን። እዚ ኮይኑ ነዚ ምዕባሌ ውሽጣዊ ምንቅስቓስ እንተኾነ ኣቐዲምና ብዝተረፈ ማዕረ ማዕሪኡ እኹል ምቅርራብን ጽኑዕ ምትእስሳር ሰልፍና ምስ ህዝብና ዓቢ ጻዕርን ስራሕን ይጽበየና ከም ዘሎ ምግንዛብ ምውሳእን የድሊ ክብል ኣብሪሁ። ብምቕጻል ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ዘሎ ዘይርጉእ ሃለዋት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኹላትና ብሩህ ኮይኑ ገለ ገለ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዝግበር ምቅርራብ ንስርዓት ኢሳያስ ዝያዳ የነጽሎ ዘሎ ስለዝኾነ ውልቀ መላኺ ብወገኑ ዘይተኣደነ መናፍሕ ምግባርን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ንኽፋጠጣ ዝኽእላ ናይ ቦታ ምዕዳልን ዝተጠዋወየ ጽንኩር ፖለቲካ ከካይድ እንስተብህለሉን እንከታትሎን ዘሎና እዩ።  እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ይካየድ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ምግምጣል መንግስቲ ኣብ ቦርኪና ፋሶ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተላዕለ ኣብ ጀነራላት ወዲቑ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ከምኡ ኣብ ኩሉ ዞባ ኤውሮጳ በብዓይነቱ ምንቅስቓሳት ንርግኣት ኣፍሪቃን ዲሞክራስን ዝነግሰሉ ክፍሊ ሃገር ከይትኸውን ዝዕንቅጽ ዘሎ ጉዳይ ኣትኵርና ክነስተብህለሉ ዝግባእ እዩ።  

ኣብ ሓድ ክፋል ሃገረ ኣፍሪቃ ኤቦላ ዝበሃል ሕማም ተላገብ ንደቂ-ሰባት ዘይምሕር ኣሽሓት ዜጋታት ኣፍሪቃ ዝሃልቁሉ ዘለዉ  ሕማም እዚ ንዓለም ኣስጋኢ ብምዃን ዓለምና ብምሉእ ኣትኩሮ ዝርእዮን ዝዛተየሉን ፍታሕ ንምርካብ ሃሰውሰው ዝብለሉ እዋን ምዃኑ እውን ኩልና ብማዕከናት ዜና እንሰምዖ እዩ። እንተ ናይ ውግእ ወረ ውግእ ግን ኣብ ኤውሮጳ ዩክረን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዒራቕ፣ ሶርያ፣ ሊብያ፣ ዝካየድ ዘሎ ውዑይ ውግኣት  ህንጸት ህዝብታት እንታይ ንመሃር እውን ኣገዳሲ ኣርእስቲ ስለዝኾነ ናይ ህዝባዊ ናዕቢ ብኸመይ ክተመሓድሮ ዝብል ብተደጋጋሚ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ኣርእስቲ ስለዝኾነ ብዝለዓለ ኣካል ዝሳተፍዎ ሰፊሕ ትምህርትን ምሉእ ምይይጥ ክግበር ክንዕድም ኢና ክብል እውን ኣብሪሁ።

        ለ) ሃለዋት ጉዕዞ ደንበ ፍትሕን ዲሞክራስን (ደምበ ተቓውሞ)

ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ከም ትዕዝብትና ሓዲሽ ኣገባብ ኣዋዲዱ ንኹላትና ዘጽልል ጽላል ንኽህሉ ዝብል እቲ ዝለዓለ ክግበር ዘለዎ ስራሕ ምዃኑ እኳ ተረዲኡ ናብዚ ንምብጻሕ ህርድግ ይብል ከምዘሎ ንዕዘብ። እቲ ብወገን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ንምብጻሕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት የካይድ ምዃኑ ኩላትና ዘይንስሕቶ እኳ እንተኾነ እዚ እቲ ቀንዲ ጻዕርታቱ ነቲ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ኣብ ሃገራውን ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ዝምስረት ኣዋዳድባ ምዃኑ ክንሱ፡ ህዝብና ግና ጌና ዘይተገንዘቦ ወይ ተገንዚብዎ ንምእራሙ ቅሩብ ዘይምዃኑ የርእየካ። ይኹን እምበር ሰልፍና ብዘይሕለል ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን መሰል ዜጋታት እተኽብር ሃገር ንምምጻእ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ሓደ ጽላል ንምብጻሕ እተን በረኣእያአን ሓደ ዝኾና ኣብ ሓደ ክጥርነፋን ምስተን ብኣረኣእያ ዝፈላለየና ድማ ሓቢርካ ብምስራሕ ነቲ ንኹላና ዘጽልል ዲያስፖራዊ ጽላል ጽኑዕ ምትእስሳር ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ምንቅስቓሳት ንምብጻሕ ጻዕሩ ብተደራረቢ ይካየድ ምህላ ከም ዝቕጽሎ እውን ኣብሪሁ። ከም እንርእዮ ዘሎና ናብዚ ንምብጻሕ ዝተፈላለየ ኮንፈረንስን ሰሚናራትን ተግይሩን ይግበር ከምዘሎን ንምሕባር ኣብ ደቡባፍሪቃ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ብድሕሪኡ እውን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ንብዙሓት ተቃውሞ ዘሳተፍ ሓባራዊ ሰሚናር፡ ከምኡ እውን ቦሎኛ ፎርም ኣብዚ መጠረስታ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ብዕድመ ናይ ምሁራት ኣካላት ኤርትራዊ ንምጥጣዕ ዘተ ዝብል ኮነፈረንስ ብዝለዓለ ኣካል ሰልፍና ተኻፊልዎን እቲ ብወገን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይጠቅምን ኣድላይን ዝበሎ ፍታሕ ኣቕሪቡን ንብድሕሪ ሕጂ እውን ድሕር ከምዘይብል ርጉጽ እዩ ክብል ሰፊሒ መብርሂ ሂቡ።

        ሐ) ኩነታት ሰልፍናን ተተሓሒዝዎ ዘሎ መደብን፡-

ብወገን ዞባ ኤውሮጳ በጺሕናዮ ዘለና ፍጻሜ መደብ ዕዮ ንምግምጋምን እንእምቶ ስራሕን ከመይ ይመስል ዝብል ነዊሕ ዘካተዐን ኣገድሰቲ ኣርእስትን ንጉድለታትና ዝእርሙ ሓሳባትን ጠሊቑ ተዛትዩ። እቲ ዘሕጉስ ድማ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ካብ ሓለፍቲ ንኡስ ዞባን ጨናፍርን ውልቀ ኣባላትን በቲ ዝተሰርሐ እኳ እንተተናእደ ጌና ከምቲ ኣባላትናን ብማዕዶ ዝርእዩና ዘሎው ዜጋታትና: (እቶም ብዓይኒ ጽልኢ ዝርእዩናን ባእታታት ገዲፍካ) ዕጉባት ኣይኮናን ዝያዳ ክንሰርሕን ምምሕዳራዊ፣ንምዕቡል ምንቅስቓሳትን ሓሳባትን ምስ ብመትከል ካባና ዘይፍለዩ ሓቢርካ ምስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ መንደቕ ምፍልላይ ስዒርና እንሕይለሉ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ዝድንፍዓሉ ክነማልእ ይግባእ ብምባል ምሕጽንታቶምን ድሌት ቃልሱ ብምግላጽ፡  ርሱንን ምክብባርን ዝመልኦ  እወንታዊ ዘተ ተኻይዱ።

ብሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ

ፍትዊ ክፍለ 

ኣርዓዶም በርሀ

ሎሚ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ሃለዋት ሃገርና ኮነ ደንበ ተቓውሞና ክንዕዘብ እንከለና ብጸገም ዘይኮነስ ብጸገማት ተኸቢብና ከም ዘለና ንኹላትና ብሩህ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ጥሜት፡ዕርቃን፡ ጽምኢ፡ ጸልማት፡ስደት፡ ብዓብይኡ ድማ ሞትን መጭወይትን እንዳ ኩልና ስለ ዘሎ ብዛዕባኡ ሓደ ኣዘንታዊ ሓደ ድማ ሰማዒ ዛንታ እንኾነሉ ኩነታት የለን። ሎሚ ጸገም ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ማዕጾ ኤርትራዊ ኣብ ዝኩሕኰሓሉ ዘይኮነስ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ እንዳ ኩሉ ማዕጾ ተኸፊትሉ ኣብ ምድሪ ቤትና ሸናዕ ይብል ኣብ ዝሃለወሉ ደልሃመት ኢና በጺሕና ዘለና። ከምቲ ሃገርና ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደቃ ብጽንዓት፡ ሕድሕድ ምፍቓርን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓቢርካ ብምኽታትን ዝልለዩላ ዝነበረት፡ ሎሚ ግና እነሆ፡ ወረ ደሓን ሓሪምዋ ናይ ኩሉ ጸገማት መጉሓፊ ኮይና ኣለና። ብዛዕባ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዜና ክንገር እንከሎ ስማ ይጽዋዕ። ሰናይ ዜና ክዝርጋሕ እንከሎ ግና “ኤርትራየ” እንተበልካስ ወይከ። ኣብ ከምዚ ደረጃ ምህላውና ዘሕዝን ኮይኑ፡ ካብዚ ጸገምዚ መውጽኢ መንገዲ ጠፊኡና ኣብ ሕንብሊል ምህላውና ድማ “ኣዝዩ ዘሕዝን” ዝብል ሓረግ ካብ ዝገልጾ ንላዕሊ እዩ። ንጸገማት መፍቲሕኦም መንገዲ ወጢንካ በቲ ዝወጠንካዮ መንገዲ ምጉዓዝ እምበር ደጋጊምካ ምጽብጻቦምን ምምራርን መፍትሒ ኣይከውንን’ዩ። ናይዚ ሓቅነት ድማ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዝያዳ 23 ዓመታት ተመስኪሩ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት እቲ ዝዓበየ መርኣያ ናይ ጸገማትና እዩ። ንህዝብና እቲ ካብዚ መውጽኢ መንገዲ ይጠፍኦ እዩ ኣይብልን። ዓይነስውር እንተኾይንካ እቲ መሰረታዊ ድሌትካ ክትርኢ ዘኽእለካ ዘመናዊ ሕክምና ድዩ ማይጸሎት ከም ዘድሊ ነቲ ናይቲ ጸገም ግዳይ ዝኾነ ኣካል ኣይጠፍኦን እዩ። ምፍላጡ ጥራይ ግና እኹል ፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕስ በቲ መዋጸኦ እዩ ኢልካ ዝኣመንካሉ መንገዲ ብቐጻሊ ክሳብ ውጽኢት እትረክብ ክትምርሽ ምብቃዕ እዩ። ስለዚ ኣብ ተመኩሮና እቲ መዋጸኦ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥን በቲ ዝፈለጥካዮ መንገዲ ናይ ተግባር ጉዕዞ ምክያድን ጌና ኣይተመጣጠነን እንተ ኢልና፡ እዚ ንኩነታትና ካብ ዝገልጹ ተረኽቦታት ሓደ። እኳደኣ እቲ ቀንዲ ገለጻና እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕማቕ መዓልቲ ዝስለፈሉ ፈታዊ የብሉን። ብኣንጻሩ ብመትከል “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ሎሚ ንዝፈተዎ ጽባሕ እንዳኣሰረን እንዳቐተለን ዝጐዝ “ንኺድ ጥራይ” ዝመምርሒኡ ዛርቲ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ዋላ ነቲ ተጋዲሉ ኣብዚ ዘብጸሖ ተጋዳላይ እውን ንዝኣተወሉ ቃል እንዳዓጸፈ ዘየናሕስየሉ። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ክፋእ በቶም ቁንጣሮ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ምስ ዲክታቶር ኢሳያስ ክሰኣሉን ክምድሩን እንዕዘቦም ካልእ ኩሉ ንሕስያ ገዲፍካ፡ ሰብኣውነት እውን ዝረሓቖም ሰባት ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ነዞም ዝበልኩዎም ውሑዳት ዘርኢ መርገም በብውልቆም እውን እንተጸላእናዮምን ሕማቖም እንተተመነናን ኣየኽፈኣልናን። እቲ ቀንዲ ክንጸልኦን ከነወግዶ ክንቃለሶን ዝግበኣና ግና እቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ኣረሜናዊ ምህዞ ምዃኑ ብብሩህ ክንግንዘቦ ዝግበኣና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ወይ ኢሳያስ ወይውን ካብዞም ዕማኾ ዝኾኑ ደቂ መዛሙርቱ፡ ብተፈጥሮ ይኹን ብኢድሰብ እንተዝሓልፉ’ውን ጉዳይና ይፍታሕ ማለት ኣይኮነን እንብል። ፍታሕ ክርከብስ እቲ ንሳቶም በቚሎምስ ከም ሮማዲ ከስፋሕሉ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ግና ማይ ከም ዝሰኣነ ዋላኻ ፍንካሕካሕ ኢሉ ዝነቅዕ ዘሎ ፖለቲካዊ መሬት ብህዝባውን ደሞክራሲያውን ኣርሒቑ ዝጥምት ባይታ ክትካእ ይግበኦ እንብል ዘለና። ነዚ ኣተኻኽኣ መሰረታዊ ድዩ ጽገናዊ ዝብል ስም ኣብ ምጥማቕ ዘይኮነስ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣብ ምስፋርን ምትግባሩን ኢና ክንጭነቕ ዝግበኣና። ኣብ ተግባር ዘይኮነስ ኣብ ምዕዳል ኣርእስቲ ክትወራዘ ምፍታን ግና ምናልባት ምስቲ “ኣዴኻስ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝብል መደዓዓሲ ኣበሃህላ ይሰማማዕ ይኸውን። እስኪ “ርቡሕ እቶት ኣይካብ ባይታን ካብ ባይቶ” ዝበሃል ወረጃ ኣዘራርባ ወለድና ንዘክር። ባይቶ ህግደፍ እምበኣር ፍትሒ ጥራይ ኣይኮነትን ተቐይንን፡ ማእቶት ኣህጒጓ ጥሜት፡ዓጸቦን ሕማምን እውን እትዕድም እያ።

ጸገማትና ካብ ኣረሜናዊ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ካብ ናትና ድኽመት ዝቕዳሕ ምዃኑ ከይንርስዕ ሓደራ እብል። ብዛዕባ ህግደፍ ክንዛረብ፡ መፍትሒ ከነነናድን ክንራገምን ናይ ግድን እዩ። እቲ ዝያዳ ዘምሕረልና ግና ብዛዕባናን ድኽመትናን እንተላይ ክንዛረብ እንከለና እዩ። ምናልባት እውን ብኣኡ እንተንጅምር ዝያዳ የምሕረልና። እቲ ንህደፍ ወቒዑ ዘድምን ንህዝቢ ጸዊዑ ዘስምዕን ዓቕሚ ኣብዚ ናትና መድረኽ ስለ ዝፍጠር። እዚ ዓቕሚዚ ውድባትን ማሕበራትን ተኣኪብካ ብምስራሕ ዘይኮነስ ቅድም ኣብ ውድብካ ዝጅመር እዩ። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና “ ናታ ኣቐሚጣስ ናይ እንዳማታ” ክንበሃል ናይ ግድን እዩ። ብናተይ እምነት ጉጅለ ህግደፍ ናትና ኣቐሚጥና ብዛዕባኡ ጥራይ ክንራገም ውዒልና ክንራገም እንተሓደርና ኣይከሻቕሎን እዩ። ንዕኡ ዘሻቕሎስ፡ እቲ ኣርዑት ካብ ዝባኑ ከየውረድና ውሽጥና ንምጥዓይ ብዛዕባና እሞ ድማ ካብ ልብና ክንዛረብ እንተኽኢልና ሽዑ እዩ ጉጅለ ህግደፍ ከይደቀሰ ዝሓድር። ብሰንኪ ንጉዳይና ርኢና ከምዘይረኣና ኮይና ክንሓልፍ ምጽናሕና ዝኸፈልናዮን ንኸፍሎ ዘለናን ዋጋ ቀሊል ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ቃለዓለማዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ውድባትና ሎሚ እውን ኣይሓየላን ድኹማት እየን። ድኻም በቲ ዋናኡ ኣፍልጦ እንተረኺቡ ኣበሳ ዘይኮነስ መምህር እዩ። እንተ ተሓቢኡ ግና ካልእ ለኪሙ ክጠፍእ ናይ ግድን እዩ። ድኽመት ኣብ ደንበ ተቓውሞና፡ ብብዙሕ ኣገባብ ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቲ ዝኸበደ በሰላ ናይቲ ድኽመት፡ ኣብ ልቢ ናይቲ ካብ ለውጢ ረብሓ ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ቦታ ክንረክብ ዘይምኽኣልና እዩ። ህዝብና ኣብዚ እዋን’ዚ “ለውጢዶ ትደሊ ኢኻ?” ክበሃል እንከሎ፡ መልሱ ብዘየማትእ “እወ እደሊ እየ” ዝብል ከም ዝኸውን ብቐጻልን ንጹርን ቋንቋኡ ኣሚቱልና እዩ። “እሞ እቲ ለውጢኸ ብመንዩ ክመጽእ?” ዝብል ሕቶ እንተ ኣስዒብናሉ ግና፡ መልሱ “እንድዒ” ዝብል ናይ ዝሓርበቶ ኣካል መልሲ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ንሕና እቶም መሪሕ ግደ ከም እንጻወት ዝኣወጅና ኣካላት ሓርቢቱና ኣብ ኣቕጣጫኡ ዘይተፈለጠ መኼዳ ከነኹድድ እንከለና፡ እቲ ኣብ ቀጥታዊ ኣርዑት ሓጺን ጉጅለ ህግደፍ ዘሎ ህዝብና እንተሓርበቶ የምሕረሉ እዩ እኳ ተዘይበልና ኣየኽፈኣሉን እዩ። ንድኽመት ፖለቲካዊ ውድባትና ክገልጽ እንከለኹ ኣበሃህላይ ሓፈሻዊ ኮይኑ፡ እቲ ጽዕነት ናይቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ብደረጃታት ከም ዝፈላለ ዘንጊዐ ኣይኮንኩን።

ብግቡእ ዘይረገአ ጸባ ሓቚንኳ ጠስሚ ከም ዘይርከብ ኩልና ንፈልጦ እዩ። ንሕና ግና ሓደሓደ ግዜስ እቲ መባእታዊ ነገራት እውን እንዳጠፈኣና ነዚ መስርሑ ብግቡእ ዘይሓዘ ውዳበታት ኣላጊብና ዘድምዕ፡ ናይ ሓባር ግንባር ድዩ፡ ኪዳን ወይ ጻላል ክንምስርት ንምነ። ተግባር ዝያዳ ዘይጭበጥ ትምኒት ስለ ዝዛረብ ግና እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ውድባትና ዘሎ ስንፍና ተኣኪቡ ሓያል ውሕጅን ህቦብላን ፈጢሩ ሰንከልከል ከብለና ንዕዘብ ኣለና። ኣይኮነንዶ ሓደራ ህዝቢ ዝስከም ፖለቲካዊ ምቅርራብ፡ ሓዊ እውን ምስ ኣጐድካዮ እንተዘይ ኣንበድቢድካዮ እቲ ካብ ሓዊ እትጽበዮ ብርሃን ድዩ ሙቐት ኣይርከብን እዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ተመኩሮ፡ ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን ርኢና ከም ዘይረና ክንሓልፎ እንተዘይኮይና ተነጊሩና እዩ። እንተኾነ ናይዞም መድረኻት ተዋሳእትን ኣለይትን እውን ነቲ ብመንጽር ትጽቢት ኤርትራን ህዝባን ዝየሕጉስ ተመኩሮኦም ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ዓባቢጠምዎ ክሓልፉ እንተደለዩ፡ እቲ ኩነታት ግና ይርእዮም ከም ዘሎ ከስትብህሉ መተገብኦም። ነዚ ኩነታት ኣብ ክንዲ ተመሊስካ፡ ጉዕዞኻ ኣህዲእካን መሚኻን ካብ መሰረቱ ከተእርሞ ምፍታን፡ መመሊስካ ነቲ ኣብ ዘዝኸድካዮ ኩርናዕ ዝጸንሓካ ጌጋታት፡ ጌጋ ምውሳኽ፡ “ዘየለኻ ክነስኻ ኣለኹ እምበር” ካብ ምባል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። መሰረቱ ዘይጠዓየ ንቕሎ ኣብ መስርሕ፡ ነቲ ክትልግብ ነቲ ክትውትፍ ዝግበር ጻዕሪ ግዜን ጉልበትን ካብ ምብላዕ ሓሊፉ ጠቕሚ ከም ዘየብሉ እነሆ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ።

እዞም ዝጠቐስኩዎም ናይ ምቅርራብ ተበግሶታት “ስለምንታይ ክዕወቱ ኣይከኣሉን?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ነዊሕ ዝርዝር ስለ ዘለዎ ሕጂ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፈይ ኣይክትንክፎን እየ። ፈውሲ ግስም ሓደ ጉዳይ ንምጥቃስ ግና “ናብ ምምስራት ናይዚ ግንባራት ከነንቅድ እንከለና፡ ኣብ ክንዲ በዚ መሳርሒ ኣቢልካ ንጉጅለ ህግደፍ ክትስዕር ምምዕዳው፡ ንሓደ ካብቲ ምሳኻ ዝወፍር ግና ድማ ብርኢቶ ዝፍለየካ ውድባት፡ ማሕበራት ወይ ሰልፍታት ምድኻም ቅድሚት ምስራዕ ብሩህ መርኣያ ናይቲ ዘይምዕዋት እዩ። ነዚ ዝምልከት ኣብነት እንተዘይጠቐስካ ዝብለኒ ኣካል እንተልዩ፡ ንተሳትፎ ናይ ሽዑ ኣቦመንበር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኮንፈረንስ ብሩሰልስን ኣንጻሩ ዝተደርበየ ዘይምኽኑይ ኣእማንን ዘኪረ እየ ዝሓልፍ። እዚ ዘሕዝን ግጉይ ኣሰራርዓ ጐንጽታት፡ ናይቶም መሃዝቱ ድኽመትን ብናይ ህዝቢ ዕድል ምጽዋትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተንኮላቶም እውን ኮለል ኣቢሉ ዘርኢ እዩ። ንድኽመትን ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ተንኮል ክወሰኾ እንከሎ እቲ ሳዕቤን እንታይ ከም ዝኸውን ዝርዝር ዘድሎ ኣይመስለንን። ንመጻኢ’ውን እዚ ተንኮልዚ ክሳብ ዘይተወገደ፡ እቲ ዝምስረት ግንባር፡ መድረኽ፡ ምሕዝነት፡ ባይቶን ጽላልን ዝኾነ ስም ይጠመቕ ኣብ ድልዱልን ፍልልያት ዝጸውርን ባይታ ክሳብ ዘይተመስረተ ኣይክዕወትን እዩ፡ ምባል ካብ ተመኩሮኻ ክትመሃር ምብቃዕ እምበር ሕማቕ ምምናይ ኣይኮነን። ካብ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ተበጊሰ ከምዚ ብምባለይ “ነጋሪ ሕማቕ ፋል” ከምዘይትብሉኒ ተስፋ እገብር። ነዚ ክውንነትዚ ከምቲ ዘለዎ ኣቕሪብካ ኣብ ክንዲ ትመሃረሉ፡ ካባኻ ከተርሕቖ ጥራይ ምፍታን ከኣ ብግዜኻ ካብ ምጽዋት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ኣብ ባህልና ነቲ ሓቂ ከም ዘለዎ ምቕባል፡ ኣድላይ ግና ድማ ከቢድ ምዃኑ ንምብራህ “ሓቂ ተዛረብ’ሞ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቅስ” ይበሃል እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ንሃይማኖታዊ፡ ብሄራውን ከባቢያውን ብዙሕነት ካብቲ ዝግበኦ ንላዕሊ ብምምጣጥን ልዕሊ ዓቕሙ ቦታ ብምሃብን ክሳብ ክንደይ ንሻቐል ከም ዘለና ንሪኦ ኣለና። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ምስ ጉዳይ እዞም ዝጠቐስኩዎም ስምዒታት ብምድብላቕና ዘዝሓሰብናዮ ኣብ ፍረ ከከይበጸሐ ዝብተነና ዘሎ ከይኣክል፡ ጸገምን መፈላለዪ ስምዒታትን ከም ዝውሓደና፡ ካልእ ንሓቢርካ ንናይ ሓባር ዕላማ ምውፋር ዘሰኩን ተወሳኺ ዕንቅፋት ክትፈጥር ከይደቀስካ ምሕዳር ዘገርም እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ቅድም ኢሉ ብዙሕ ዘይዝረበሉን ዘየሰንብድን ዝነበረ ኣውራጂዊ ፍልልያት ዝበሃል ሓዲሽ ቁንቁኛ ብዘሕዝን መልክዑ ምቅልቓሉ ስለ ዘሻቐለኒ እየ ኣምበኣር ንኣርእስቲ ጽሑፈይ “ኣብክንዲሓድሽፍታሕስ፡ሓድሽጸገም፡ስለምንታይ?” ክብሎ ተገዲደ ዘለኹ’ሞ እስኪ ኩልና ንሕሰበሉን ንጨነቐሉን። ከምቲ “ብውሽጥኻ እንተሕዚንካ ንብዓት ኣይኣብን” ዝበሃል ብልቢ እንተተሻቒልና መዋጸኦ’ውን ክገሃደልና ስለ ዝኽእል።

6 ሕዳር 2014

ብዕለት 17.10.14 በርሊን ኣቋጻጽራ ስዓት 20h30 ብምጅማር ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝግበር ግቡእ ፖላዊ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ተኻይዱ።

  ዛዕባ

 ገምጋም ስራሕ ሓደ ዓመት ሽማግለ ዞባ ኤውሮዻ

 ብቤት ጽሕፈታት ቦርድታት ዞባ ኤውሮዻ ዝተኻየደ ስራሓት

 ኦዲትን ኣሳራርሕኡን

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዛዕባ ብኣቦ ወንበር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ንምዝካር ክቐርብ ከሎ ብቐዳምነት ግን ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ዞባናን ዓለምናን ሓጺር መእተዊ ኸምዚ ዝስዕብ ሂቡ።

ዓለምና ኣብ ርእሲ እቲ ብተለቪዚዮናት እንርእዮን እንሰምዖን ዞሎና ወረ ውግኣት ኣብ ኢራቕ፣ ሶርያ፣ ሊብያ ፣ኻልእ ኽፍሊ ዓለም ቸቸንያ ሰላማዊ ስልፊ ተማሃሮ ብደገፍ ህዝቢ፣ ሆንግ ኮንግ ወዘተ

ኣብዚ  እዋን እዚ ናይ ተፈጥራዊ ሕማም ተላግቦ ኤቦላ ዝስየም ምሕረት ዘይህብ ንኩሉ ፍጡር ዜጋ ዓለምና ኣሳጋኢን ለባዲን ብምዃኑ ብቕድም ዝስራዕ ዓለምለካዊ ዘተ ብፍላይ ክኣ ናይ ሓያላን መንግስታት ርክባት ዘተታት ብምግባር ህጹጽ ፍታሕ ንምርካብ ሃሰው ዝባሃለሉ ናይ ሕክምና ተማራመርቲ ኣንጻር እዚ ዓይነት ሕማም ፈውሲ ንምርካብ ዓለምለኻዊ ተዋሃሂድካ ምስራሕ ዝካወነሉ ፣ኸምኡ ኤንጅኦ ናይ ሑቡራት ሃገራት ኽፍሊ ጥዕናዊን መግባዊን እትካታተል ኣብ ዓለምና 12 ሃገራት መግቢ ብምስኣን ህልቀት ህጻናትን ዝበዝሔ ስኡን ዜጋታት ይካየድ ከም ዘሎ ጸብጻባ ኸትቕርብ ኸላ ኤርትራ ኻልኣይቲ ኻብተን ብሕጽረት መግቢ ዝጥቅዓ ዘለዋ ሃገራት ኾይና ቐሪባ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ መርማሪት ሽማግለ ዓለም ውልቀ መላኪ ስርዓተ ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕታት ቀጻሊን ምንም ሕድገት ዘየሪኢ ብምዃኑ እቲ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ክቕጽል ምዃኑ ዝሕበረሉ እዋን እውን እዩ።

እዚ ገባቲ ኣግላሊ መጻይ ስርዓት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ዝወስዶ ስጉምታት ካብ ዓለምና ተፈልዩ ፍረ ክህብ ስለ ዘይኽእል ህዝብና ኻብ ጸገም ናብ ዝገደደ ሕሰም እዩ ኽማሓላለፍ ዝኽእል 

ኣብ ውሽጢ ሃገር ስርዓተ ውልቀ መላኺ ብህዝብን ድርጅታት ወይ መንፈሳውያን ትካላት ዝወርዶ ዘሎ ምንጻል ጥራይ ዘይኮነስ ኩናኔ እምቤታ ፣ንኣገልገልቱ ውጋዜን የጋጥሞ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ላምፐዱዛ ዝተገብረ ዝኽሪ ህልቀት ዜጋታትና ኣብ ባሕሪ መዲተራንያ ኣቦ ወንበራት ፓርላማ ኤውሮጳን ሓላፊት ወጻኢ ጉዳት ኢጣልያ ካልኦት ሓለፍትን ዝተሳተፍዎ፣ . .. . ክኣ ብሉኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ወልደ እየሱስ ዓማር ምስ ካልኦት ተቃለስቲ ንፍትሕን ዲሞክራሲን ውድባት ሲቪካዊ ማሕበራት ውልቀ ሰባት ኤርትራውያን እውን ዝተረኽብዎ   ተሳቲፉ ከምዝነበረ እንፈልጦ ኢዮ።

ኣብ ዞባና በቢዓቕመን ኑኡስ ዞባታትን ጨናፍር ኤውሮፓ ኣመሪካን ካልኦት ክፍልታት ዓለም ምስ ኩለን ደለይቲ ፍትሒን ብምትሕብባር ንዝኽሪ ህልቀት ላምፐዱዛን ንኹሉ ብሰንኪ እዚ ስርዓት ዝጸንቱ ዘለው ዜጋታት ዝኽሪ ንምኽባር ነጥፍታ ተኻይዱ።

ኸም እተዓዘብናዮ በቶም ኣርባዕተ ካተሊካዊ ዻዻሳት ዝተጻሕፈ ሓውኻ ፣ሓብትኻ ፣ኣበይ ኣለዉ ሕጂ ክኣ ሸውዓተ ኣቡናት ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኻብ ማእከላይ ምስራቕ ፣ካብ ኤውሮዻ፣ ኣመሪካ  ንኣልገልቲ ስርዓት፣ ኣቶ ዮፍታሔር ድሜጥሮስ ገብረ ማርያም፣ ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ብኡ ኣቢልካ ግብረ ውልቀ መላኺ ዝውግዝ ጠርናፊ ጽሑፍ ብዕለት 1.10.14 ዝወጸ ኩላትና ኣንቢብናዮ ኣለና

እዚ ዓይነት ብሓለፍቲ ቤተክርስትያናት ዝወጽእ ዘሎ ንናይ ህዝቢ ጠለብ ዘንጻባርቕን እምቢ ንምልካዊ ስርዓት ተላዒሉ ኸም ዘሎ ዝሕብር ኾይኑ ፡ብወገን ደምበ ፍትሕን ዲሞክራሲን ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ . . .. ነዚ ጠለባት ህዝብናን ድልየት ዜጋታትናን ኣብ መዓልኡ ክውዕል ዓቢ ስርሓት ኣብ ቅድሜና ይጽበየና ኣሎ።

ብወገን ጎረባብትና ሃገራት እንተ ኾይኑ ኻብቲ ናይ ቅድም ዝጸንሔ ምንጻል ስርዓተ ኢሳያስ ሓሊፉ ዝተራእየ ለውጢ ኣሎ ክብሃል ዝክኣል የለን። 

ኻብዚ ሓሊፉ ውሽጣዊ ጉዳይ ዞባ ኤውሮዻ ብምምልካት ገምጋም ስርሓት ኣካይዲትን ቦርድታትን፣ ዘሎ ምትእስሳር ምስ መሪሕነት ሰልፍን ንኡሳት ዞባታትን ጨናፍርን ኣቕሪቡ።

ብድሕሪኡ ኹሎም ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈታት፣ ቦርድ ዝተማልኡ ስርሓትን ብፍላይ ክኣ ጌና ኽማልኡ ዝግብኦም ዘይተስርሑ ጉድለታት ብምማይ ኣነጺርናን ኣተኲርና ከነካውኖም ከም ዘለና ዝብል ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ።

ኣብ መደምደምታ ድሕሪ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ሓሳባቶም ምቕራብ ፣ኣቦ ወንበር ዞባ ኤውሮዻ ንዝመጽእ 5.12.14 ደምዳሚ ኣኼባ ዓመት ስለ ዝኸውን ንዝመጽእ ዓመት መደብ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ቦርድ ኣቐዲማ ናብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚት ኣካል ዞባ ኤውሮጳ ኽትልእኽን ኣብዚ ዝተሞርኮሰ ጠቕላሊ መደብ ዕዮ ዞባ  ኽሳናዶ ብዝብል ድሕሪ ምርድዳእ ናይ ሓደ ደቒቕ ሕልናዊ ተዘክሮ ንኹሎም ስውኣት ዜጋታትና ብምግባር ኣኼባ ተደምዲሙ።

ብሓላፊ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ

ፍትዊ ክፍለ