ጨንፈር  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዱብ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ

2014-11-26 05:27:16 Written by  ጨንፈር  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3471 times

25.11.2014 

ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 23 ሕዳር 2014 ምዱብ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ።  ኣብቲ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ መንእሰያት ተሳቲፎም ነይሮም። እቲ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ብዘቕረቦ ናይ ሰናይ ትምኒትን ምስጋናን መግለጽን ዛዕባታት ኣኼባን ብምሕባር'ዩ ተጀሚሩ።

ኣስዒቡ፡ ሓው ክብሮም ዓንዶም ኣባል ምምሕዳር ጨንፈር፡ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ሕሰምን ጭቆናን መግለጺ ዘይብሉ ዋሕዚ ስደትን ብራህዋን ቅሳነትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ክትካእ፣ ኤርትራውያን መሪሕ ግደ ናይ ቃልሲ ክንሕዝ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ግን ንበይንና ተነጺልና እነካይዶ ጻዕሪ ዘይኮነስ፡ ነፍሲ-ወከፍና ኣብ እንነብረሉ ቦታታት ጀርመናውያን መሓዙት ናይ ቃልሲ ንምጥራይን ጉዳይና ንምርዳእን ከቢድ ጻዕሪ ከነካይድ ይግባእ። እዚ ክንገብር ከለና ልኡኻት ህግዲፍ ብዙሕ ማሕለኻታት ክገብሩ ኣይፍትኑን ኢዮም ማለት ግን ኣይኰነን። ንሕና ድማ ብጽንዓትን ብትብዓትን ክንገጥሞም ኣለና። ሎሚ ኣብ ዓዲ ፍትሕን ዲሞክራስን ስለዘለና ድማ ክንፈርሕ የብልንን። ኣብ ሃገርና ከለን ዝፈራህናዮ ይኣኽለና። ፍርሂ ዕንቅፋት ናይ ቃልሲ ስለዝኾነት ሎሚ ዘፍራሃና ነገር የለን። ንቃለስ ክንብል እንከለና ሎሚ ብረትን ካራን ሒዝኩም በረኻ ውጹ ዝበለና የለን። ኣብ ገዛናን ኣብ ከባቢና እዩ እቲ ዝካየድ ወፍሪ። ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ሕዳር 2014 ናይ ጀርመናውያንን ኤርትራውያንን ኣኼባ ኣብዝተገብረሉ ግዜ፡ ሓደ ክልተ ልኡኻት ህግዲፍ መጺኦም ክጽይቑ ፈቲኖም ነይሮም እዮም። ግን ክዕወቱ ስለዘይካኣሉ ነቲ ኣኼባ ገዲፈሞ ከይዶም። ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ጀርመናውያንውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገምን መንቀሊኡን ዲክታቶርነት ኣብርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ስርዓት ካብ ሂትለር ዝሓለፈ፡ ምስቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ወታሃደራዊ ምልኪ ዝማሳሰል እዩ ክብሉ ምግላጾም ሓቢሩ።

ካብዚ ብምቕጻል ወይዘሮ ፈቨን ግዲዎን ሓላፊት ስርርዕ ጨንፈር፡ ናይቲ ኣብ ከተማ ጎፒንገን ሃገረ ጀርመን ብዕለት 22.11.2014 ዝተኻየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምንባሩ ክትሕብር እንከላ፡  ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ክብቶም ህዝቢ ንምልዕዓልን ኣንጻር መደባት ህግዲፍ ከነዘውትሮም ዝግባኣና ኣገባባት ናይ ቃልሲ እዮም። ኣብዚ መዓንልት'ዚ ግን ዳርጋ ክልተ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ ውዒሉ ክባሃል ይካኣል'ዩ፡ እቲ ሓደ ኣንጻር ዲክታቶርነትን ብስም ሃማዳኤ ዝጽዋዕ ኢደ-በይዛ ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ማሕበርን ክኸውን ከሎ፡ ብኣንጻሩ ድማ ነዚ ዝቃወም በቲ ስርዓት ዝተላእካ "ወሰደ እየ ወሰደ፡ ኢሳያስ ወሰደ" ዝብላ ናይ ኮበሮን ጓይላን ኣዳኸርቲ ምንባረን ተገሊጹ። ብምቕጻል ንሕና ኣብዚ ዘለና ኣባላት ሰልፊ ካልኦት ተቓወምትን ግና፡ ብናይ ሎሚ ጫውቻውታ ከይተደናገርና ህዝብና ንምድሓን ቀጥ ኢልና ክንቃለስ ኣለና። እቶም ሕጂ ምስቲ ስርዓት ዝጐዩ ዘለዉ'ውን እቲ ሽግር ኣብርእሲኦም ወሪዱ ስለዘሎ፣ ጽባሕ ክመጹ እዮም፡ ክትብል ሓበረት።

ድሒሩ፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየዶም ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታት ሓደ ብሓደ ዘርዙሩ ድሕሪ ምቅራብ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣትይዎ ንዘሎ ዲፕሎማስያዊ  ተነጽሎ ዝያዳ ክሕይልን ተጽዕኖታቱ ክዛይድን እንተደኣ ደምበ ተቃውሞ ሰሪሕሉ ዓወት ተቓላሳይ ህዝብና ቀረባ እዩ። እዚ ማለት ግን ቅድሚ ቃልስን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራ ዝስራዕ ስለዘይኰነ መመላእታ ገርና ክንወስዶ ይግባኣ። ሓይሊ ናይ ለውጢ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ንሕና ከም ተቃውሞ፣ ህዝቢ ካብ ዙርያ ስርዓት ምልኪ ክርሕቕ፡ ውልቃዊ ረብሓታት ኣብ ክሊ ህዝባውን ሃገራውን ጠቕምታት ከምዝረጋገጽ ከነርእዮ፡ ካብ ህዝቢ ዝተነጸለ ስርዓት ድማ ክውዕል ክሓድር ከምዘይክእል ፍሉጥ ምዃኑ ከይተሓለልና ክንገልጽ ኣለና። ብኣንጻሩ ናይ ህዝብና ስምዒታትን ድልየትን እውን ክንሰምዕን ክንማሃረሉን ኣለና። ስለዚ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ሰዲህኤ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ወከልቲ ሰልፍን ኣባላት ፓርላማን ስዊዝ ዝገበሮ ርኽክብን ኣብ ኣወስትራልያ ብኣባል መሪሕነት ዝተመርሐ ህዝባዊ ኣኼባን ካብ ኣገደስቲ ንጥፈታት ምንባሮም ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

 Frankfurt-branch-Novembermeeting4

Frankfurt-branch-Novembermeeting45ሓው የዕብዮ ክንፈ ብሸነኹ፡ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ስሳታትን ሰብዕታትን ተመልስና እንተርኢናዮ ናይ ቃልስን ናይ መኸተን መንእሰይ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማዩ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ኣካሉ ሰንኪሉ ክሉ ሕሰማት ሓሊፉ ሃገር ነጻ ዝገበረ። ድሕሪ ነጻነት ግን ተጠሊሙ።እቲ ጥልመት ንዓኻትኩም ነዞም ናይ ሎሚ መንእሰያትውን ኣርኪብልኩምስ፡ ብሕሰሙ ተገሪፍኩም፡ ናብራን ትምህርትን ኣልቦ ገርኩም፡ ስቓይ ሳሃራን ቀላያትንውን  ኣብ ነብስኹምን ኣብ መሓዝትኩምን መታዓብይትኹምን እዩ ወሪዱ። እዚ ካብ ኮነ፡ ዝያዳ ሕሰምን ስቅያትን ዝራኣየ ሰብ፣ ህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን ንቃልሲ እዩ ክዕጠቕ ዘለዎ። ኣብ ሃገር ድሕነትን ሕርነትን በኢሕኩም ካብ ሃለኹም ንስኻትኩም መንእሰያት ኢኹም ነቲ ቃልሲ ክትትክእዎ ዘለኩም። ንሕና ኣብ ቃልሲ ግዴና ገርናስ፤ ነቲ ቃልሲውን ኣጽኒሕና ኣለና፡ ሕጂ ግን ሓላፍነት መንእሰያት እዩ። ይኣክል ምስ ህግዲፍን ንሱ ኣብዝኣጐዶ ጓይላን መጋርያን ሆ ምባል ክንብል ኣለና ክብል መግለጺኡ ደምደመ።

ኣብ መጠረስታ፡ ናይ መጻኢ መደብ ኣኼባታት ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ተሓቢሩ፡ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ተደምዲሙ።

Last modified on Wednesday, 26 November 2014 06:49