ንኩርኳሕ ኣሊና መገዲ ዓወት ንጽረግ

2014-11-27 04:24:18 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4417 times

ንመገዲ ዓወት ዝዕንቅጽን፡ ሓሊኹ ዝሕዞን መሰረታዊ ይኹን ዘይመሰረታዊ ግርጭት መሚኻ መዕለቢ ዘይምግባር ካብቲ ሽግራት ሓደ እዩ። ብተወሳኺ ሓደ ሕብረተሰብ በቲ ሕጊ ድሑር ማሕበረ ባህላዊ ዝምድናታት ተገዚኡ  ንዝጎዓዘሉ ኣተሓሳስባታት ንምእላይ ዘይምብቃዕና እውን ጸገም እዩ። ምኽንያቱ እዚ ድሑር ምትእስሳራት ዘምጽኦ ሳዕቤን  ናብቲ ቀንዲ ተልእኾ ዘብጽሕ ፖለቲካዊ ይኹን ቅኑዕ ማሕበራዊ ዝምድናታት ዝብሕጉግ ኮይኑ፡ ነቲ ንዓወትና  ዓንቃጺ ዝኾነ ጉዳይ  ንኸየነድህብ ዝጋርደና እዩ።

ዝኾነ ይኹን፡ ብድሑር  ምትእስሳራት ዝጥርነፍ ዘበለ ሕብረተሰብ፣ ነቲ ቅኑዕን ኣገዳስን ጉዳያት ግጉይ ሚዛናትን ገምጋምን ይህብ እሞ፡ ደቂ ሰባት ሓቢሮም ንዘለዎም ጸገማት ብዕምቈት ብዘይሻራነት ንኽይመራመሩ ይዓግቶም። እዚ  ከኣ ብወገኑ ነቲ ሕብረተሰብ ፖለቲካዊ ብስለት ከም ዝስእን ይገብሮ፣ ነቲ ክውንነት ብቄናን መገዲ ክፍታሕ ናብ ዝብል የምርሕ። ካብ ፖለቲካዊ ዘይብስለት ዝነቐለ ድማ፡ ንጸቢብ ረብሓታት ክብል ፈሊጥካ ምድንቋር እውን ሰለዘስዕብ፣ ነቲ ሓቅታትን ጭብጥታትን ናይ ምድፋንን ሰብ ክርድኦ ከምዘይክእል ንምግባር እውን ሓጋዚ ተራ ኣለዎ። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ናይ ቀቢላዊ ወይ ናይ ዓሌት ዝተመርኮሰ ኣተሓሳስባ ይነግስ እሞ፣ ነቲ ሓባራዊ ሃገራዊ ስምዒት ይሃስዮን ይቖጽዮን ንድሕሪት ይጎቶን። ውጽኢቱ ከኣ ናብ ዕዉር እምነት ማለት ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት፡ ይኹን ቀቢላዊ ወይ ብሄራዊ ወይ ኣውራጃዊ ምጥርናፋት ገጹ ከም ዝጽጋዕ ይገብሮ። ነቲ ሓቢርካ ክተዐዉቶ ዝግባእ ሃገራዊ ረብሓ ድማ ይዕንቅጽ።

እዚ ከምዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ናብ ናይ ዓሌት ወይ ሃይማኖታዊ ጥርፉነት ወይ እውን ብሄራዊ ወይ ኣውራጃዊ ጽጊዒነት ገጹ ምስ ዘምርሕ ነታ ሃገር ክትሃንጽ ይኹን በደላት ዝፍትሑሉን ግፍዕታት ዝውገዱሉን ኣይሕግዝን እዩ። ብተወሳኺ  እቲ መራኸቢ ብዙሃን ማለት ማሕበራዊ መድያ ከም ፓልቶክ፡ ፈስቡክ …ወዘተ በዚ ኣተሓሳስባታት እዚ ምስ ዝጽሎ  ስነምግባር ዝጎደሎ ኣገባብ ስለዝኽተል መሃሪ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ንፋሕ ብትን ዝዕድም ይኸውን።  እዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ነጥብታት ተደማሚሩ  ደቂ ሰባት ኣየብዚ ኣየብቲ  ላንጋላንጋ ኮይኖም ነቲ ሓቂ ንምጭባጥ ከምዝሳቐዩ ይገብሮም።  በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ጎደና ይብሕጎግን ነቲ ዓወት ድማ ኣብ ክንዲ ዝቀላጠፍ ይደናጉዮ።

መገዲ ዓወት ደኣ ከመይ ዝበለ ጥጡሕን ልሙጽን ጎደና ክኸውን ይከኣል? ዝብል ሕቶ ከቀላቐል ናይ ግድን እዩ።  መጀመርያ ትልሚ መገዲ ዓወት ውዳቤ እዩ። ዋላ እኳ ውዳቤ ግጉይን ቅኑዕን ውደባ እንተሃለወ፡  ውዳቤ ካብ ናይ ሓባር ዕላማን ራእን ዝብግስ ስለዝኾነ ደቂ ሰባት ነቲ ዝኣመኑሉ ንኸዕዉቱ ተኾይኖም ክውደቡ ኣለዎም። ምኽንያቱ  ካብ ውዳቤ ወጻኢ ዝካየድ ቃልሲ እቲ ህዝቢ መምዩ ዘርብሖ ኣየናይ እዩ ግጉይ ኣየናይከ እዩ ቅኑኦ ክፈሊ ስለዘይክእል ብዙሕ ሓደጋታትን ጉድኣታትን  ከስዕብ ይኽእል። እቲ ወጻኢ ካብ ውደባ ዝንቀሳቐስ ማለት ብደገ ኰንካ ንውደባ ምስንኻሉን ወይ  ኣየድልን ብምባል ምቁንጻቡን ነቲ ስነፍልጠት ዝጻረር ኮይኑ ብቐንዱ ድማ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ምድጋፍ መለሳ የብሉን። ከምይሲ፡ ጨቋኒ ስርዓት ኩሉ ግዜ ንውደባ እዩ ዝጻረርን ዝጸልእን።

እዚ ውዳበ እዚ ፖለቲካዊ ይኹን በርጌሳዊ ብመሰረቱ (hierarchy) ጽፍሕታት መስርዕ ሓለፍነት ወይ መዝነት ዝስከምን ዝመርሕን እንተዘይሃልይዎ ብፍንው መገዲ ዝኸይድ  መደብን ዕላማን ዝዕወት የሎን። ከመይሲ ‘’ዘራጊት ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ’’ እዩ ክኸውን ነገሩ። ነቲ ዝተተለመ ትልሚ ኣቕጣጭኡ ሒዙ ንኽጎዓዝ ዘኽእሎ ስትራተጂ ወይ ክሳድ ውጥን ምስ ኣውጻእካሉ፡ ነቲ ውጥን  ዝከታተሎን ዝኣልዮን ወይ ዝመርሖን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ዕላማን መደብን  ክሕንጸጽ ከሎ ናብቲ እትደልዮ ሸቶ የብጽሕ ድዩ ኣይብጽሕን ብእትቕይሶ ኣወዳድባን  ስትራተጂን (ክሳድ) ብእትምዝዞ መሪሕነትን እዩ። ንኣብነት ሰላማውን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ፡ ወይ ከኣ ምልኪ ንምልጋስ እንተኾይኑ እቲ ዕላማ፡ ናብዚ ከብጻሓካ ዝኽእል ኣወዳድባ ኣውራጃዊ፡ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ዝይኮነስ ሃገራዊ ውደባ እዩ ክኽውን ዝግበኦ። እቲ እትኽተሎ  ስትራተጂ ድማ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ዝኸውን ከኣ ናብ ፖለቲካዊ ፋታሕን ፍትሕን ኣየብጽሕን እዩ። ከመይሲ ካብ ሃገራዊ ውደባ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ነታ ሃገር ብቦምብታት ክሳብ ሓሪጭ ትኸውን እንተደብደባ  ናብ ፍትሒን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ወይ ግዝኣተ-ሕጊ  የብጽሓካ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ እምበኣር ናብ ስልጣኔ ገጹ ዘምርሕ ኣገባብ ብምኽታል ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዕላማ ዘውሕስ ጥጡሕን ዘተኣማምንን  ባይታ ብምፍጣር እዩ ንዓወት ዝምርሕ። ካብኡ ብዝተረፈ ስትራተጂና ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም  ወይ እውን ውዳቤና ንሃገር ዝይሓቍፍ መሰለይ እንዲዩ እልካ ፊን ብዝበለካ ምውዳብን ናብ ሰላምን ምርግጋእን ዘየብጽሕ መገዲ ዕንወት እዩ ክኸውን።

ካብዚ ብምንቃል እምበኣር፡ ነቲ መጠርስታ ክትበጽሖ እትደሊ ዕላማ ብግቡእ ክተጽንዖን ክትመራመረሉን ብኡ መጠን ከኣ ህዝቢ ሓንጎፋይ እሉ ዝቕበሎን ክኸውን ኣለዎ። እዚ እቲ ናይ መጠርስታ ውጽኢት ምስቲ ኣገባብ እትወስዶ ምስ ዘይወሃሃድን ብእወንታውን  ስነፍልጠታውን  ኣተሓሳስባ  ምስ ዘይስነን ግና ዝጭበጥ ዓወት ንዕላማ ሃገራዊ ረብሓ ከውሕስ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ንምግባር እምበኣር፡ ሓደ እቲ  እንደልዮ ዕላማ ንዘሎና ግድላትን ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታትን  ክፍጠሩ ዝኽእሉ ስግኣታትን ዘጓሃህር ድዩ ወይ ዘደቓቕስ ማለት ፍታሕ ዘምጽእ ኢልና ኣቐዲምና ክንሓስበሉ ይግባእ። ከምኡ እውን ነቲ እንደልዮ ዕላማ ንህዝቢ ዘዕግብን ንህዝቢ ዘቕስንን ውጽኢት ክህብ ድዩ ኣይክህብን ክምርመርን ክጽናዕን ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ነዚታት ከየጽናዕና እንወስዶ ኣገባብ ይኹን እንትልሞ ዕላማ፣  ሰላም፡ ቅሳነት ምርግጋእ፡ ሓድነት፡ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ።  ካልእ ምስ እዚ ዝኸይድ ድማ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ምምስራትን ምዕንባብን የድሊ። ብዚ መሰረት እቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ ምፍላላይ፣  ንጉዳያቱ ባዕሉ ፍታሕ ናይ ምርካብ ኣንፈት ክሕዝን፡ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ርጉእ ባይታ ንኽምድምድ ይሕግዞ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ዝርከብ ህዝብና ኩሉ ውጹዕ ብምዃኑ ደጋፍን ተቓዋምን ብምባል ኣብ ክልተ መቒልና ክንዋሳእ ከሎና ብምልኣት እታ ሃገር ንቋመር ኣሎና እዩ ዘስምዕ። ምኽንያቱ እቲ ደጋፊ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ፍርሂ፡ ውልቃዊ ረብሓ፡ ወይ ክቱር መግዛእቲ ዘስረጾ ተማእዛዝነት ንምልኪ ኣንተዘይከይኑ፡ ከም ሰቡ ካብቶም ግፉዓት ክፍሊ ናይ ሕብረተሰብና እዩ። ስለ'ዚ ድማ ከም ናብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ንኽጽንበር፡  ተኸታታሊ ጻዕርታት ምክያድ እምበር፡ ከም ዝርሕቕ ምግባሩ ኣየድልን። ደገፍቲ ምልኪ፡ ግዜ ዘታለሎም፡ ኣካል ጭቑን ክፍሊ ሕብረተሰባን እዮም። በዚ መሰረት እዚ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ጥራሕ  ብምምቃል ዝካየድ ወፈራ ንልቦና ደምበ ተቓውሞ የህስሶ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ክድሕን ኣንደልዮ ዘሎና ሃገርን ህዝብን እውን፡ የሰናኽሎ ወይ ኣንተወሓደ ንምዕዋትና የደናጒዮ እዩ ዝእምት። ካልኣይ ነጥቢ ድማ ነቲ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ጉዳይ ሃገር፡ ኣበየና መስርዕ ኣሎ ብዘየግድስ፡ ንኹሉ ሃገራዊ ዝምልከት ምዃኑ ክዝንግዕ የኽእል እዩ። ዘይነዓቕ ኣካል ናይ ህዝብና ድማ ኣብ ክንዲ ተግባራዊ ምውሳእን ምሕጋዝን፡ እዘን ውድባት ጸጸኒሔን ብምጭጭሐንን፡ ሓደ ብዘይምዃነንን፣ እዚ ኣይገበራን ሓንቲ ኣይሰርሓን ኢሉ ኣብ ምምራርን ምጥራዕን ከምዝሕጸር ክገብሮ ይኽእል እዩ። ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ፋሕፋሕ ኢሉ ዘሎ ደምበ ፍትሒ ክሰምርን ሓደ ክኸውንን ተጽዕኖ ክገብር ናቱ ሓላፍነት ጌሩ ዝሰርሓሉ፡ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ከም ዝስሕትን ከም ጉዳዩ ገይሩ ንኸይወስዶን ይገብሮ። ስለዚ፡ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓባር ኮይኑ ነዛ ሃገርን ንኹልና ብሓባር ክጠምርናን ከቀራርበናን ዝኽእል ጎደና ክጸርግ የድሊ። እቲ ኣብ መገዲ ዓወት ዘብጻሕና ከኣ ሓባራውን ሃገራውን ረብሓ እምበር ብናይ ዓብላልን ተዓብላልን፣ ወይ እውን ብደጋፍን ተቓዋምን ዝምስረት  ዕላማ  ናብቲ እንደልዮ ምህናጽ ዲሞክራሲያዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ኣየኺደናን እዩ።

ካልእ  ንህዝብን መንእሰያትን ዘደናግሩ ክነስተውዕለሎም ይግባእ። እዚ ማለት ኩልና ደለይቲ ፍትሒ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ንገበነኛን ንተጠቃዕን ብማዕረ ዝርኢ ሕጊ ንምሕንጻጽን ብኡኡ ምምእዛዝን  እምበር ሕነ-ንምፍዳይ ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ እቲ ቀዳማይ ዕላማና ግደፍዶ እቲ ንስልጣን ራሕርሑ ክጽምበረኩም ዝበለ  ሓላፊ ይኩን ተራ፣  ነቲ ምስቲ ስርዓት ዝደጋገፍ ኣካል ካብቲ ስርዓት ናይ ምምምዝሓቑ እዩ ቃልስና። በዚ ምኽያት እቲ ኣብ ድምበ ፍትሒ ክጽምበር ዝሃቀነ ኣካል ነቲ ሕሉፍ ታሪኹ ዝምርምር እቲ ህዝቢ ዝመረጾ ቅዋም ምስ ተሓንጸጸ እምበር ሎሚ ንህዝቢ ይቕረታ ስለዝበለ ካብ ደሙ ነጺሁ ማለት ስለዘይኮነ መርሓባ ኢልና ክነሳትፎ እዩ ዝግባእ።  ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ  ፍረ ኣድሪ ዝደቐቐት እውን ትኹን ትፈላልይና ነጥቢ ክነቐልቅል ኣይግባእን። ምኽንያቱ ጸላኢ ብኡ ኣቢሉ እዩ ኣብ ጉዳይና ፎግፊጉ ክኣቱን ክፈላልየናን ዝጽዕር። እሞ ብፍላይኳ ምሁራትና ነቲ ስርዓት ራሕሪሖሞ ንዝመጹ ኣብ ክንዲ ይቕረ ኣይበሉን ዝብል ኣበር ዘለዎ ኣስተምህሮ ዝህቡና ገዲፍና፣ ንገዛእ ርእሱ እቲ ምሁር እንታይ እጃም የብርክት ኣሎ እልና  ክንጸባጸብ ይግባእ። እዚ ይቕረ ኣይበሉን ኢልካ ናይ ምኽሳስ ብቐጥታ ነቲ ስርዓት ኣይትራሕርሕዎ እንታይ ደኣ ህዝቢ ንኽጭቆንን ክግፋዕን ኣገልግልዎ ዝብል ኣስተምህሮ እዩ ዘስምዕ።

ብተወሳኺ ኩልና ከም እንርድኦ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ እቲ ጉድለታት ኣብ ኩልና ከምዘሎና ንኣምን እና። እቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ግን ነቲ ጎደሎታትን ጌጋታትን ኣሎና ምባል እምበር መንን ስለምንታይከ እዩ እቲ ናብ ከምዚ ዘብጸሐ ክንመራመርሉ ኣይንደልን። እዚ ከኣ ከም ጋሻ ውሒጅ ንኹሉ ብኣልማማ ኣሕቢርካ ምጽራጉ፣ ነታ ሓቂ ምድፋን ስለዝኾነ ጌጋታት ኣሎ ካብ ተባህለ ዛንጣ -መዓንጥኡ ክነውጽኡ ናይ ኩልና ግደ እዩ። እዚ ምስ ንገብር ድማ እዩ እቲ መገዲ ዓወት ጥጡሕ ባይታ ረኺቡ እቲ ኣሎ ዝበሃል ኵርኳሕ ዝጽረግን ብዘይዕንቅፋት ዝቀላጠፍን።

ሎሚ እምበኣር፡ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ፣ ኣብቲ ስርዓት ኢስያስ ዝነበሮ እምንቶ እናጎደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስርዓት ኢሳያስ እውን እንተኾነ፡ እቲ ዝነበሮ ክብሪ ኣዝዩ እናጎደለን እናሓሰረን ይኸይድ ስለዘሎ እቶም  ጽባሕ ገዲፎሞ ዝኸዱ ዉሑዳት መጋበርያታቱ፡  ጥራሕ እዩ ሒዙ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ህሞት እዚ፡  ኣብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ ሕጊ ረብሓ ዘለዎም እቶም ውጹዓትን እንተላይ እቶም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ ኩሎም ማሕበራዊ ሓይልታት ዘጠቓልል ዕላማን መደብን ምሕንጻጽ ንመገዲ ዓወት ጥጡሕን ልሙጽን ይገብሮ።

ብድራር መንታይ

Last modified on Thursday, 27 November 2014 05:52