መልእኽቲ ምሕዝነት መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014 (ፍራንክፈርት)
Wednesday, 03 September 2014 15:36 Written by ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስኣቐዲመ ምውቕ ሰላምታይ አቕርብ።
ኣስዒበ፡ ኣብ'ዚ ፈስቲቫል'ዚ ንምስታፍ ንዚተገብረልና ዕድመ ብልቢ አመስግን። ኣብ'ዚ ሃገራዊ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ምትእኽኻብ'ዚ፡ ብስም መድረኽ ሃገራዊ
ዘተ መልእኽቲ ምሕዝነት ከቕርብ ድማ፡ ዓቢ ደስታ ይስምዓኒ።
ኵላትና ከም እንፈልጦ፡ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ደንደስ ጸድፊ፣ ህዝብና ኣብ ሕሱም ስቓይ ኣለዉ። ጠለብን ቃልስን ህዝብና፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ቆራጽ ፈተነ ወዲ ዓሊ፡ ተባዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳሳትና፡ እዚ ናትና ምትእኽኻብ'ዚ፡ ህያው መርኣያታት ናይ'ዚ ተርእዮ'ዚ ኢዮም።
መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም፡ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ
Sunday, 31 August 2014 17:29 Written by መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን
ክቡራት ኣቦታትን ኣዴታትን
ክቡራት ደቂ ሃገር ብሓበራ
ብቐዳምነት እንቋዕ ናብ መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቅዓና። ኣስዒበ ድማ፡ እዚ ፈላሚ ተጋድሎ'ዚ፡ ብሳላ ዝረኾቦ ህዝባዊ ደገፍ ዓብዩን ጐልቢቱን ብ1991 ዓ.ም ንሰራዊትን ጐበጣን ባዕዳዊ ገዛኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ደምሲሱ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ክትከውን ስለዝገበረ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ዮሃና፣ ንሰማእታትና ድማ ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ከብጽሕ ኣፍቅዱለይ።
ከም መእተዊ ክኾነና ብኣኡ ንጀምር እንተዘይኢልና፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ኣሻዅ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ ስለ ዝኾነ ምጥቃሱ’ውን ኣድላይ ኣይምኾነን። ብዛዕባ “ከመይ ጌርና ካብዚ ዘለናዮ ናይ ሻቕሎት ሃለዋት ናብ ራህዋ ንበጽሕ” ዝብል ግና ጌና ክዝረበሉን ክጸሓፈሉን ዝግበኦ እዩ። እዚ እውን ከም ሓድሽ ኣይኮናን ንግደሰሉ። እንታይ ደኣ ካብ ምጽሓፍን ምዝራብን ሓሊፍና እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይረኽብናዮ፡ ክሳብ ንረኽቦ ከነኮማስዖ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ እዩ።
ኣብ'ዞም ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ 2,000 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም
Thursday, 28 August 2014 22:16 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ካብ ሽግራት ናጻ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ሽግራት እቲ በዓልቤታዊ ክኸውን ይኽእል ወይ እውን ባህሪያዊ።(subjective or natural) ሽግራት እምበኣር ሓቢርካ እሂን ምሂን እናበልካ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ጸገማት ብግልጺ ብምዝርዛር ንበዳልን ተበዳልን ዝዕግብ ቅኑዕ ፍታሕ ምንዳይ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ዝቐርብ ፍታሕ ድማ ንኹሉ ብማዕረ ዝጠመትን ኣድልዎን ሻርነትን ዘይብሉ ክኸውን የድሊ። ኣብ ግርጭት ይኹን ፍልልያት ተመርኵስካ ዝመጽእ ረብሓ ከምዘየለ ተረዲእና ኩልና ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ከተሓቛቝፈና ዝኽእል ክንሓስብን ክንተሓላለን ይግባእ።
ብ22 ነሓሰ 2014 ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኣውሮጳ ሰዲህኤ ተኻይዱ
Thursday, 28 August 2014 08:53 Written by ፍትዊ ክፍለ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ዞባ ኣውሮጳ ሰዲህኤኣርዓዶም በርሀ
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ኢንታታት ሓደ ምኽዋል ወይ ምጭዋይ ሓቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ህዝቢ ብገዛእ ዋኒኑ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ሓበሬታ ንከይረክብ ዝዓግቶ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምናልባት እውን እቲ ህዝቢ ብናቱ ጻዕሪ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ክይዛረብን ከይዝትን እሞ ካብቲ ዲክታቶርያዊ መቑሕ ምእንቲ ከይወጽእ ኮነ ኢሉ ይሕልዎ። ክሳብ ኣብ ገዝኡ እውን ስለያዊ መውረርያ ይዝርገሓሉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ኣብ ነንሕድሕድ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ናይ ህዝብን ሃገርን ኣብነታዊት መሰረት ዝኾነት ቤተሰብ’ውን ዘይምትእምማን ይፈጥር። ብኸምዚ ደረጃ ኣብ ዝፈጠሮ ናይ ምጥርጣር ዓለም ድማ እቲ ጉጅለ ዓገብ ዝብሎ ዘየብሉ ክዕንድር ይውጥን። እዚ መርዛም ጉጅለ ምናልባት ብሰንኪ እዚ ሓደገኛ ምህዞኡ ንዝተወሰነ ግዜ ትንፋስ ይረክብ ይኸውን። እንተኾነ ህዝቢ ናይዚ ሓደገኛ መውረርያ ቀንዲ ተሃሳዪ ንሱ ምዃኑ እንዳ ሓደረ ስለ ዝተረድኦ፡ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ሕማቕ ምህዞ እቲ ጉጅለ ምቅላዑ ኣይተረፎን። እዚ ከም ሓደ ኣብነት ናይቲ “ሓቅስ ብርእሳ ተሓዝካያ ብእግራ ትወጽእ” ወይ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ጌርካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ።
ኣርዓዶምበርሀ
ብናተይ ግምት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ መርበብ ሓበሬታታት ኣብ መዓልቲ ብኣማኢት ዝግመቱ ዜናታት፡ ሓተታታት፡ ቃለ መጠይቓት፡ ግጥምታትን መዘክራትን ይዝርግሑ ኣለዉ። ናይ ሬድዮን ካልእ ዘመናዊ ኤልክትሮኒካዊ ሚድያታት ዝርጋሐታት እንተወሲኽናሉ ድማ እቲ ብዝሒ ሰማይ እዩ ዝዓርግ። እዞም ዜናዊ ስረሓት ዝመሳሰልሉ ነጥብታት ኣለዎም። ዝፈላለይሉ’ውን ከምኡ። ገሊኦም መርበባት ናቶም ዘንቅዱ ኣበርከቲ ኣካላት ዘየብሎም ተጸበይቲ ይመስሉ። ገሊኦም ግና ብዘይካቲ ካብ ደገ ዝለኣኸሎም ካብ ውሽጦም ኣንቂዶም ዘበርክቱ ኣካላት ከም ዘለውዎም ምዕዛብ ይከኣል። ብዘይካቶም ውሱናት ኣብ ናይ ጉጅለ ህግደፍ መርበባት ዝወጹ መልእኽትታት፡ ኩሎም እቶም ካለኦት ዕምቆቱ፡ ወድዓወነቱ፡ ርትዓውነቱን ስፍሓቱን ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ይወርድ ብዛዕባ ዘሎ መከራ ይረዳድኡ እዮም። ስርዓት ህግደፍ ንክውገድ ምጽዓት እውን ከምኡ ካብቲ ዘመሳስሎም መምዘኒ እዩ ኢልካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ። ሕጂ እውን ወድዓውነቱን ዕምቆቱን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ናይ ድሕሪ ህግደፍ መተካታ ከመይን ይኹን ኣብ ዝብል’ውን ነናቶም ኣማራጺ ወስ የብሉ እዮም። እሞ እዚ ኩሉ ኣብ መዓልቲ ብክንድዚ ደረጃ ዝዝርጋሕ ዜናዊ መልእኽትታት ኣንባብን፡ ኣንቢቡን ትሕዝቶኡ ተረዲኡን ፍትሓዊ ትርጉም ዝህብ ኣካልከ ይረክብዶ? እቲ ኣብ ምቅዋም ጉጅለ ህግደፍ ዝረዳዳእ መርበባትከ ኣብ ሕድሕዱ ከመይ ይመላላእ? ንዝብሉ ሕቶታት ግና መልሱ ዘዳዲ እዩ።
