“ንጻወት’ሞ ንተሓዋወስ ዘበን ክምለስ”

2014-09-15 09:19:42 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 52506 times

 

ኣርዓዶም በርሀ

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወርሒ መስከረም ብፍላይ ድማ ካብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ክሳብ መስቀል ኣብ ዘለዉ መዓልታት፡ ኣብ ዝተወሰን ከባቢታት ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ብኹሎም መንእሰያት ብፍላይ ድማ ብመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝዝውተሩ ባህላዊ ፍጻመታት ብዙሓት እዮም። ደቂ ተባዕትዮ ሸግ ሰሪሖም “ሆያሆየ” ብምባል መጻኢ ሰናይ ትምኒት ብምግላጽን ኣብ ሓንባሲት ብምውድዳርን ኣብዚ ዝጠቐስኩዎ ግዝያት ካብ ዘዘውትርዎ ባህላዊ ፍጻመታት ብኣብነት ዝጠቐስ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ኮይነን ካብ መሮር ዝኣከበኦ  ኣሽንዳ ዝበሃል ሓምላይ ሳዕሪ ዲና ክንብሎ ተኽሊ ኣሊመን ኣብ መዓንጣኣን ዓጢቐን፡ ኣብ ግንባረን ድማ ሕዮባ ዝበሃል ብተፈጥሮ ዝወቀበ ሕብራዊ መልክዕ ዘለዎ ሳዕሪ ወቂበን ብዝተፈላለየ ተወሳኺ ናይ ክሳድን እዝንን ስልማት ኣጊጸን፡ ብዝተፈላለየ ግጥምታት ዝተቓነየ መሳጢ ዜማታት እንዳስመዓ፡ ንዝሓለፈ ዘመን የመጉሳ ብዛዕባ መጻኢ ዘመን ዘለወን ብሩህ ሰናይ ትምኒት ይገልጻ። ኣብቲ መንጎ` ድማ ፍቲ ዝበሃል ተንበርኪኽካ ብምኹባዕ ዝካየድ ውድድር የካይዳ። ኣብዚ ደርፍታተን፡ ጅግንነት፡ ልምዓት፡ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ሃገርን ካልእን የመጉሳ። ንለጋስ ይንእዳ ንበቃቕ ድማ ይነቕፋ። ካብቲ ሽዑ ዘስመዐኦ ግጥምታት፡ “ኣነ ዝምነ ንዓመታ ዛእዋን ከምዛቅነ፡ ዝለል ኮታ ዝለል ኮታ ፍልሖ ኣለዎ”ዚ ባይታ፡ ሃንሰይ መስቀለይ ተሎተሎ ሃበኒ ሹተለይ ክኹልኮሎ፡ እንተላይ እዚ ከም ኣርእስቲ መሪጸዮ ዘለኹ፡ “ንጻወት’ሞ ንተሓዋወስ ዘበን ክምለስ” ዝብል ይርከቦ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ኣጋጣሚዚ ዝበላ እንተበላ ናይ ዘይተሓታትነት ባህላዊ ውሕስነት ኣለወን። ሎሚ ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ናይ መንእሰያት መድረኽ የለን። ስለምንታይ መንእሰያትና ብናይ ግዱድ ዕስክርና ለበዳ ኣብ ዝተሓየርሉ ክፉእ ኣጋጣሚ ንርከብ ስለ ዘለና።

ናይ ጽሑፈይ ቀንዲ መንቀሊ ብዛዕባ’ዚ ዝጠቓቐስኩዎ ባህላዊ መንነትና ዝገልጽ ፍጻመታት ንምዝርዛር ወይ ኣስተምህሮ ንምሃብ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ማሕፉዳ ኩላትና  ዘሎ ንመጻኢ ኢደይኢድካ ኢልና ናብ ቀጻሊ ወለዶ ክነመሓላልፎ ዝግበኣና ሓደ ካብ መግለጺ ኤርትራዊ መንነትና ስለ ዝኾነ ኩላትና እንፈልጦን ክንግድሰሉን ዝገበኣና ምዃኑ ኣብቲ ቅኒኡ ኣዘኻኺርካ ምሕላፍ ግና ኣገዳስነት ኣለዎ። እቲ ቀንዲ መበገስየይ እምበኣር እስኪ ነዚ ከም ኣርእስቲ ጠቒሰዮ ዘለኹ ሓሳብ ናብ “ንቃለስሞ ንተሓዋወስ ዓወት ክምለስ” ቀይርና ነስተማቕሮ ክብል ስለ ዝደለኹ እየ። ብመሰረቱ እቲ ናይ ኣዋልድና ባህላዊ ፍጻመ ኢለ ዝጠቐለስኩዎ ብዜማ ዝተሰነየ ግጥምታት እውን ዘሳዕስዕ ጥራይ ዘይኮነ ከበድቲ ሃገራዊ  ሓደራታት ናይ ምስካም ላዛ’ውን ኣለዎ። እስኪ “ሰስኑ ሰስኑ፡ ሽሕን ዋልታን ኩኑ ኣታ’ዛ ዓድና ከይኣትዋ ጓና” ንዝብል ዝበሃህላአን ነስተብህለሉ። ኪኖ’ቲ መሳጢ ዜማኡ፡ ዓብይ ሃገር ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘሰክም እዩ። ኤርትራና ከዓ ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ናይ ቀራና መንገዲ ህሞት እዩ መዓንጣኡ ሸጥ ኣቢሉ፡ ንነገራት ብውልቃዊ ስምዒት ዘይኮነስ ብህዱእ መንፈስ እንዳማመየ፡ ንናይ የማነ ጸጋም ጸፍዒ እንዳወገን፡ ሉኣላውነታን ሓድነታን ከይተተንከፈ ዓዲ ሰላምን ደሞክራስን ክትከውን ሓለዋ ዘድልያ ዘሎ።

ሎሚ ኤርትራናን ህዝባን ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ምድሪ ኮነ ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ መረበቶም ኮነ ኣብ መደበር ስደተኛታት፡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት መራግእቲ ዘየብሉ ሕማቕ ምዃኑ ኩልና ኤርትራውያን እንረዳዳኣሉ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ እዩ። እቶም ዝጠምዩን ዝዓርቁን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ዝጸግቡን ዝኽደኑን ዝመስሉ ወገናት እውን ውሽጣዊ ሕልናኦም ጥሙይን ዕሩቕን ምዃኑ ባዕላቶም ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ኣብቲ ጸገምናን ጠንቁን እንዳተረዳዳእና ኣብ ምፍታሑ ዘይምርድዳእናን ሓቢርና ዘይምውፋርናን ድማ ነዓይ ኣዝዩ  የስደምመኒ። ብሓባር ምውፋር ሰሪሕካ ኮነ ተቓሊስካ ዘዕውት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰናይ ዘበን ዝመልስ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ከም ኣርእስቲ ኣስፊረዮ ዘለኹ ናይ ኣዋልድና ነባር ባህላዊ ግጥሚ ተጠቒሱ ኣሎ። በቲ ካልእ ብልሒ ናይዚ ግጥሚ፡ እንተዘይ ተሓዋዊስካን ሰሚርካን፡ ሰሪሕካ ኮነ ተቓሊስካ ከም ዘይተድሚ ከምኡ እውን ሰናይ ዘበን ከተዕቁብ ከም ዘይትኽእል እዩ መልእኽቲ ዘመሓላልፈልና።

ምናልባት ብናይ ቀደም ፖለቲካን ጸገማቱን ኣብ ዘይሳዕረረሉ ግዜ፡ “ዘበን ተመሊሱ ወይ ሰናይ ዘበን ኮይኑ” ክበሃል እንከሎ፡ ፍቕሪ በዚሑ፡ መዓርን ጸባን ፈሲሱ፡ መሬት ለጊሳ እቶት በርኪቱ፡ ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ዝብል ስርዓት ተዘርጊሑ … ወዘተ ዝብል ትርጉም’ዩ ነይርዎ። ኣብዚ ዘለናዮ ሓርካፍ ዘመን፡ “ዘበን ተመሊሱ” ክበሃል ዝኽእል፡ ሰላም ሰፊኑ፡ ልዕልና ህዝቢ ተረጋጊጹ፡ ልምዓትን ደሞክራስን ከምኡ’ውን ልዕልና ሕግን ሕጋውነትን ኣስፋሕፊሑ፡ መሰረታዊ መስል ሰባት ተኸቢሩ፡ ናብ ዝብል ከም ዝማዕበለ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሰላምን ቅሳነትን ናይ ዕቤት ወሰንቲ ረቛሕቲ ምዃኖም፡ ዋላ’ኳ እቲ ኣገላልጻኡ ፍልይ ዝበለ እንተኾነ ኣብ ህዝብና ካብ ቀደም “ ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ዘየብሉ ኣይትሕረስ ወሓለ ሰበይቲ ኣብ ዘየብሉ ኣይትሕፈስ” ብዝብል ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ንግደ ፍትሒ ኣብ ሃገር፡ ንግደ ወሓለ ሰበይቲ ድማ ኣብ ገዛ ብምብራኽ።

“ንሕበር! ሓቢርና ንኩላትና ዘርበሓና ዕማም ንዕመም” ክበሃል እንከሎ ኣዝዩ ቀሊል ኣበሃህላ ይመልስ። ኣተገባብራኡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ግና ተመኩሮና ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣርእዩና ኢና። ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም፡ ልምዓት፡ ደሞክራሲ ልዕልና ፍትሒ፡ ኩላትና ውድባትን ማሕበራትን ንምድርን ንእውጅን። ብዛዕባ ኣዕናውነት ዲክታተርን ሳዕቤናቱን ዝምልከት ንዝምርን ንእውጅን። ሃገርናን ህዝባን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓጺን ጉጅለ ህግድፍ የሕልፍዎ ብዛዕባ ዘለዉ ሕሰምን መከራን ንሓዝን፡ ብዛዕባኡ ድማ ንምድርን ንእውጅን። ነዚ ናይ ሕማቕ ዘበን ደልሃመት ናብ ራህዋ ቀይርካ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምኽሓሱ ሓላፍነት ናይ ኩልና ምኳኑ’ውን ብሓሳብን ኣብ ወረቐት ብምስፋርን ንኣምን። ናይ ኩላትና ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ብሓንሳብ እንተዘይደሪጉ በበይንና ምውፋር መፍቶ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፍና ከም ዘይነድምዓሉ’ውን ኩልና ንረዳደኣሉ ክነስና፡  ብሓባር ክንወፍር ግና ኣይበቓዕናን። እቲ ዝኸበደ ኣብ ክብደት ኩለመዳያዊ ጸገማትና ናይ ሓባር ተረድኦ ናይ ምሓዝ ዓቐበት ደይብናዮ ከነብቅዕ፡ ኣብቲ ጫፍ ምስ በጻሕና ሕቖና ተገዚዙ ጥልዕ ንብል። ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ሕድገት ዋጋ ክንከፍል ኣይንተብዕን።

ሎሚ “ ስለምንታይ ኢና ዝከኣል ክኢልና፡ ልቢ ኣዕቢና፡ ንተመኩሮና ዳህሲስና፡ ምእንቲ ዓብይ ጉዳይ ንእሽቶ ሓዲግና፡ ብሓባር ዘይንስለፍ?” ዝብል ሕቶ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ብብዙሓት ዘይኤርትራውያን ክነሶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ሓመድ ድፋጫኡ ሰትዩ ክነሱ ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ ዘርሞዘርሞ ብምዃኑ ዘሕዘኖም ወገናት’ውን ዝቐርበና ዘሎ ርሱን ሕቶ እዩ። ውድባትናን ማሕበራትናን፡ ነዚ ዝምልከት መልስና ሓደ ዓይነትን ርትዓውን ከም ዘይኮነ ይርእደኣኒ እዩ። መልስታትና ንነብስኻ ኮነ ንውድብካን ማሕበርካን ካብ ተሓታትነት ኣህዲምካ፡ ንካልእ ኣካል ተሓታቲ ኣብ ምግባር ዝተመስረተ ምዃኑ’ውን ለልብና ዝፈልጦ ፈጣጥ ሓቒ እዩ። ናይቲ ጸገም ኣካል እንዳሃለኻ ነብስኻ ካብ ተሓታትነት ከተውጽእ ምፍታን ድማ ናይቲ ፍታሕ ኣካል ካብ ምዃን ምህዳም እዩ ዘስዕብ። ሕጂ ሕጂ ሓደ ነገር ትዝ ክብለኒ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ኣብኡ ፍልልያት የብልና ኢለዮ ዘለኹ ጉዳያት እውን ፍልልያት ከይህልወና ሃሰስ ክንበሎ ይግበኣና። ምናልባት’ውን እቲ “ኣብዚ ዛዕባ’ዚ እዚ እዩ ሚዛነይ” እንዳበልና ድሕሪ ኣኼባታትን ጉባአታትን እንእውጆ ካብ ልቢ ዝነቐለ ዘይኮነስ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ናይ ሓሶት ዕግበት ከይከውን።

ምናልባት ከምቲ “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝበሃል ነቲ ሓቀኛ እምነትና ሓቢእና ብናይ ሓሶት መቃነይ ኣዋጃት ነቲ በሃጊ ለውጢ ህዝቢ ነዳህልሎ ወገናት ከይንህሉ ዘየጠራጥር ኣይኮነን። ብመሰረቱኸ፡ እትእውጆ ካልእ፡ ኣብ ጸቢብ መድረኽ እትብሎ ካልእ፡ እትትግብሮ ድማ ካልእ ምዃን ካብ ዘየዕውት ጭንጭራ ዓበደ ምዃን ሓሊፉ ኣበይ ከብጽሕ ይኽእል። ምናልባት ተመሊሱ ከም ጨው ከሕቅቐካ ከም ዝኽል ምስትብሃል የድልዮ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ እንተገደደ ቁሩብ ዕድመ ዘወስኽ እምበር ዘንብር ስለ ዘይኮነ፡ እምንቶና ካብ ኮነ፡ ዋላ ነቲ ካልእ ከነዕሽዎ እንደሊ ወገን ኣይመቅሮ ነዚ ሓቀኛ እምነትና ሒዝና ኢና ኣብ መድረኽ ውድድር ክንወጽእ ዝግበኣና። ኣብ ፖለቲካ ምውሳእ ካብ ውድድር ፈሊኻ ክርአ ስለ ዘይከኣል። እንብሎን እንገብሮን ሓደ ክኸውን ይግበኦ። ስለምንታይ ከምዚ ኢልኩም ግና ከምኡ ኣይገብርኩምን ክንበሃል እንከለና ድማ ኣብ ምስምስ ከይተሓባእና ምእንቲ ናትና ሓቂ ግንባርና ክንህብ ይግበኣና። ንርኢቶና ዝረትዕ ሓያል መርተዖ ክቐርበና እንከሎ ድማ ክንቅበል ይግበኣና። እቲ ሓጥያት ምግጋይ ዘይኮነስ ብብሩህ ጌጋኻ ክንገረካ እንከሎ ክሳደይ ትቆረጽ ኢልካ ኣብቲ ጌጋ ምድራቕ’ዩ። እቲ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ ካብ መሰረታዊ ኣዕኑድ ሓደ ዝኾነ ግሉጽነት ከዓ  ኣብ ከምዚ እዩ ዝምዘን።

ንሓደ ኣካል ውድብ ድዩ ማሕበር ምናልባት’ውን ውልቀሰብ፡ መኻይደይ እዩ፡ ናተይን ናቱን ዓቕሚ ይመጣጠን ኣይመጣጠን ብዘየገድስ ተተደጋጊፉ ጥራይ ኢና ነድምዕ፡ ኢልካ ንዝኣመንካሉ ዓቕሚ፡ ኣብ ክንዲ እንዳደጋገፍካ ምሳኻ ምስላዩ፡ ተመሊስካ ምስትንዓቑን ካብ መድረኽ ቃልሲ ከተጥፈኦ ምህቃን ኣብ ጉዳይና ዝረአ ዘሎ ካብ መግለጺ ድኽመታትና ሓደ እዩ። እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያት ብኹለመዳያዊ ኣወዳድባኡ፡ ዓቕምን ስፍሓትን ዝውሕዶ ወገንከ፡ ኣብ ክንዲ ብግጉይ ብመትከል “ድልድል ከም ስኒ ኣድጊ” ደሪቑ ኩልና ሓደ ኢና ዝብል፡ ካብ ትምክሕትን ጸቢብነትን ነጺሁ፡ ነቶም ካብኡ ዝሕሹ ወገናት “ካባይ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለኩም” እንተበሎም እሞ እቲ ናይ ሓባር ወፍሪ በዚ ዓዓቕምኻ ምፍላጥ ዝተቓነየ እንተዝኸውንስ ክሳብ ክንደይኮን መሓገዘ። እንተ’ቲ ኣብዚ  ዘለናዮ ናይ ለውጢ ቃልሲ እሞ ድማ ኣይኮነንዶ ብዙሕ ዝጐድለና ውድባትን ማሕበራትን፡ ኣብ ዓለምና ዋላ እቲ ሓያል እየ ዝብል ስርዓትን መንግስትን ብዘይተሳትፎ ናይቲ ድኹም’ዩ ዝብሎ ወገን  ህልውናኡ ኣብ ዘየውሕሰሉ፡ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረት ዓለም “በይነይ እየ” ዝበሃል ብሂል ፍጹም ተቐባልነትን ውጽኢትን የብሉን። ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ከዓ ንጹልነት’ዩ ዝኸውን። እዚ ማለት ግና ኣብ ሓደ ቦታ ተረይዕካ ብዘይብኣይ ምልኣት ስለ ዘየብሎም ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን” ዝብል ሓረግ እንዳኳማሳዕካ ምንባር ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ማለት ከም ዘይኮነ ከነስተውዕሎ ይግበኣና። እቲ ሰብ፡ እቲ ውድብ፡ እቲ ማሕበር ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ግዜን መድረኽን እውን ናይቶም ዓለውቲ ዕንክሊል ፍጊዕ ምስ በሎ ከም ዝሰግሮም ምርሳዕ ኣይግባእን። ንኹሉ ነገር መጀመርታ ጥራይ ዘኮነ መወዳእታ’ውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ እየ ከዓ “ንቃለስ’ሞ ንተሓዋወስ ዓወት ክምለስ” ዝበልኩ።

15 መስከረም 2014

Last modified on Monday, 15 September 2014 11:22