መልእኽቲ ምሕዝነት መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014 (ፍራንክፈርት)

2014-09-03 13:36:01 Written by  ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 86523 times

ኣቐዲመውቕ ሰላምታይ አቕርብ።

ኣስዒበ፡ ኣብ'ዚ ፈስቲቫል'ዚ ንምስታፍ ንዚተገብረልና ዕድመ ብልቢ አመስግን። ኣብ'ዚ ሃገራዊ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ምትእኽኻብ'ዚ፡ ብስም መድረኽ ሃገራዊ ዘተ መልእኽቲ ምሕዝነት ከቕርብ ድማ፡ ዓቢ ደስታ ይስምዓኒ።

ኵላትና ከም እንፈልጦ፡ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ደንደስ ጸድፊ፣ ህዝብና ኣብ ሕሱም ስቓይ ኣለዉ። ጠለብን ቃልስን ህዝብና፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ቆራጽ ፈተነ ወዲ ዓሊ፡ ተባዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳሳትና፡ እዚ ናትና ምትእኽኻብ'ዚ፡ ህያው መርኣያታት ናይ'ዚ ተርእዮ'ዚ ኢዮም።

 

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ሃገርና ስሩዕ ምስግጋር መንግስታዊ ስልጣን ንምግባር ዘኽእል ትካላዊ ኣገባብ ኮነ ብሓባር ዘቲኻ ንምእላዩ ዘፍቅድ ፖለቲካዊ ሃዋሃው የለን። ብውሕልነትን ልቦናን ዘይተኣልየ ፍኑው ለውጢ ዕግርግርን ደም ምፍሳስን ከስዕብ ከም ዚኽእል ኣይስሓትን። ሰለ'ዚ፡ ነቲ ፈቲና ጸሊእና ዘይተርፍ ለውጢ፡ ንምእላይን ዘተኣማምን ደሞክራስያዊ መኣዝን ንምትሓዝን፡ ክሉ ፕሮ-ደሞክራሲ ኤርትራዊ ቀዳምነት ሂቡ ኪተሓሓዞ ኣለዎ። ማለት፡ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት፡ ምብትታን ሃገር ከም ዘየስዕብ ምርግጋጽ፡ ዓቢ ሓላፍነት ኣለና።

ነቲ ብኤርትራዊ ዋንነት ዚካየድ መስርሕ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ምቹእ ባይታ ዘንጽፍ፡ ዞባውን ኣህጕራውን ምሕዝነት ንምጥራይ፣ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ምስ ኵለን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዚተመርኮሰ ምትሕግጋዝ ንምዕዛዝ ይሰርሕ። ኣብ ዞባና ብፍላይ፡ ሃገራዊ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዘኽብር፣ ሓባራዊ ልምዓት ዚድርኽ፣ መቓን ናይ ፍትሓዊ ሰላም፡ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝ፡ ቍጠባዊ ምምልላእ ንምምዕባል ይሕልን።

ብቐንዱ ግን፡ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ንዅሉ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዚደሊ ኤርትራዊ፡ ስሩዕ ፖለቲካዊ ምስግጋር ንምርግጋጽ ብሓባር ንምስራሕ ክቀላጠፍ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንዚካየድ ውዳበን ምቅርራብን ንምሕያል፣ ብዛዕባ'ቶም ኣብ'ቲ መሰጋገሪ መድረኽ ኪውሰዱ ዚግብኦም፡ ከም ብምርጫ ዚቐውም ሃገራዊ ኣካል ወከልቲ ምምስራት፣ ሃገራዊ ቅዋም ምጽዳቕ፣ ብኣድማሳዊ ሕርያ መንግስቲ ምምራጽ፣ ዚኣመሰሉ ኣገደስቲ ስጕምቲታት፡ ሓባራዊ ኣረኣእያ ንምህናጽ ይሰርሕ። መበገሲ ዕላማኡ ድማ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ፡ ንዅሉ ኤርትራዊ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት፡ ፍጹም ማዕርነት ዘውሕስ፡ ኣብ ቅዋም ዚተመስረተ ምዕሩይ ምምሕዳራዊ ስርዓት ምትካእ ኢዩ።

ስሩዕ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ንምቅልጣፍ፡ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ነቲ ኣወንታዊ ባህላዊ ክብርታትን ምሕደራዊ ልምድታትን ህዝብና ዚሓቍፍ (1) ኣሳታፊ ዘተ ንምድንፋዕ፡ (2) ሰፊሕ ሃገራዊ ልፍንቲ ንምምስራት፡ (3) ኣብ መንጐ ፕሮ-ደሞክራሲ ኤርትራውያን ኣብ ስደትን ኣብ ዓድን ፖለቲካዊ ድንድል ንምህናጽ ይሰርሕ። ነዚ ሽቶ'ዚ ንምውቃዕ፡ ምስ ኵሎም ደሞክራስያዊ ምስግጋር ዚድግፉን ንፖለቲካዊ ኣጀንዳ ሃገራዊ ተሓድሶ ዝሓቕፉን ብሓባር ንምስራሕ፣ ኵሉ ዓቕምታቱ፡ እንተላይ ዜናዊ መሳለጢታቱ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ዕላማ ንምውዓል ድልው'ዩ። ብዘይ ኵነት ግን ኣይኰነን። (1) ትሕዝቶኡ ናብ'ቲ ደመኛ ጸላኢ ህዝብና ዚቐንዐ ኪኸውን ኣለዎ፣ (2) ንዚዀነ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይሊ/ጕጅለ/ተቓላሳይ ዘጸልም፡ ዘጥቅዕ፡ ዘናሹ ኪኸውን የብሉን።

ስለ'ዚ ሃገርና ካብ ውድቀት፡ ህዝብና ካብ ስቓይ ምድሓን፡ ቀንዲ ውራይናይ ጌርና ንስራሕ።

1. ንዅሉ'ቲ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ዚተኸስተ ጋዕ-ገልጠምን ኣፈላላይን፡ ንሱ ዘስዓቦ ስምብራትን ቅርሕንትን ህልኽን ዘይምትእምማንን፡ ምእንቲ ረብሓን ደሞክራስያዊ መጻእን ሃገርና፡ ብንቕሓት ክንኣሊ ይግባእ።

2. መኣዲ ናይ ሓባር ዘተ ፈጢርና ሓድነት ዕላማን ሓባራዊ ኣርኣእያን ምዅስኳስ፡-

·        ሕጋውነትን ፍትሓውነትን ናይ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ንናጽነት ምክልኻል።

·        ክብሪ ሰማእታትናን ኵሉ'ቲ ብተጋዳላይን ህዝብን ዚተኸፍለ መስዋእቲታትን ምዕቃብ።

·        ኵሉ ዓቕምና - ፖለቲካዊ፡ ዜናዊ፡ ዲፕሎማስያዊ - ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ምቅናዕ።                                                   

3. ዋንነት ሃገራዊ ውሳኔና ዋሕስ ሓድነትና፣ ሰላምን ርግኣትን ሃገርና፣ ነባሪ ቅሳነትን ራህዋን ህዝብና ምዃኑ ተገንዚብና ኣትሪርና ምሓዝ።

4. ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምትካል ኣብ እነካይዶ ቃልሲ፡ ፍልጠት ቀንዲ መምርሒና፡ ሓቂ ዕጥቅና፡ ሓድነት መሳርሒና ንግበር።

ኣብ መወዳእታ ዕዉት ፈስቲቫል ንኪኸውን እናተመነኹ፡ ጽን ኢልኩም ስለዚሰማዕኩምኒ አመስግ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና                                                       

Last modified on Friday, 05 September 2014 11:56