ኣርዓዶም በርሀ
ብዛዕባ ሓደ ዓብይ ንብዙሓት ዝምልከት ዕማም ክንሓስብ ወይ ክንሻቐል እንከለና፡ ክንጥንቀቐሉ ካብ ዝግበኣና ብዙሕ ጉዳያት እቲ ሓደ “እታ ሓቂ ወይ መዋጸኦ ምሳይ ጥራይ እያ ዘለና” ኢልና ከይንድምድም እሞ በበይንና ከይንተሓላለው እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሕና ኤርትራውያን ሓደ ዓብይ ኣይኮነንዶ በበይንና “ሓቢርና’ኳ እንተኽኢልናዮ” ዘብል ኣሰካፊ ዋኒን ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኣለና። ካብዚ ንኹልና ዘሰክፈና ዘሎ መከረ ንምውጻእ ፍልልይ ሃይማኖትና፡ ቋንቋና፡ ከባቢያዊ መበቆልናን ፖለቲካዊ እምንቶናን ብዘየገድስ ናይ ኩላትና ናይ ሓባር ሓሳብ፡ ጉልበትን ንዋትን ኣበርክቶ ዝሓትት እዩ። ናይዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓጺር መልእኽቲ ብመትከል እንካን-ሃባን እንዳ ተመላላእካ ክሳብ እቲ መዋጸኦ ዝርከብ ብሓባር ንቕድሚት ምድፋእ ዝብል እዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት EPDP
ክቡር አቦ መንበር አሰናዳኢት ሽማግለ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣዳለውቲ ፈስቲቫል 2014