×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ናይ ደገፍ መግለጺ ንፈስቲቫል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር _ጀርመን ሮትሊንገር

2014-08-26 11:56:38 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 19479 times

ዝኸበርካ ኣቦ ወንበር ኣሰናዳኢት ፈስቲቫል 2014 ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ

ዝኸበርኩም ኣቦ ወንበራት ውድባትን ሲቪክ ማህበራትን . . .

ዕዱማት ኣጋይሽ

ኣቐዲመ ልዑል ናይ ቃልሲ ስላምታይ ይብጻሕኩም ፦

ኣብዚ ዓቢ ኣጋጣሚ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ፡ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣባላቱን ወኪለ ተሳተፊ ናይ'ዚ ፈስቲቫልኩም ክከውን ቃል ከስምዕን ንዝገበርኩሙለይ ዕድመ እናኣመስገንኩ ፡እንተኾነ ብናይ ፓስፖርት ጸገም ከምቲ ናይ መብዛሕቱኡ መሪሕነታት ሰልፍታት ዘለዎም ድሩት ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ኣብዚ ፈስቲቫል ክሳተፍ እኩዋ እንተዘይካኣልኩ በዚ ናይ ደገፍ መልእክቲ ግን ኣብዚ ሃገራዊ ፈስቲቫል ተሳታፊ ብምኹዋን ኣብ ኩለ መዳዩ ብዓወት ክዛዘም ዘለኒ ምንዮት እገልጸልኩም።

እዚ ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ዝግበር ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ከየሞገስክዎ ክሓልፍ ኣይንደልን ፡ ስለምንታይ ንሕና ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ብርሰትን ምብትታንን ደረጃ በጺሕና እንርከብ ብእትወስድዎ ዘለኹም ተበግሶ ሕዝቢ ብከምዚ ዓይነት ናይ ፈስቲቫልን በዓልን ኣጋጣሚታት ካብ መላእ ዓለም ብምትእኽኻብን ብዝፍጠረሎም ናይ ዲሞክራሲ መድረክ ዕድላት ብምጥቃም ንቓልሲ ንዲሞክራያዊ ለውጢ ንቕድሚት ዘሶግም  ናይ ዝተፈልለዩ ሽነኻት ሓሳብ ምፍሳስ ጥራይ ዘይኮነስ ፤ ኩሉ ደላይ ለውጢ ብምርኻብን ብምልላይን ሽግርና ብምዝታይን መድረኻት ቃልሲ በጺሕዎ ንዘሎ ኩነታት ንምብራህን መፍቲሒታት ኣብ ምንዳይ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ስለ ዛኣምንን እዩ ።

ዝኸበርኩምን ዝኸብርክንን፡

እዚ ዓመትዊ ዝካየድ ሃገራዊ ፈስቲቫል ፡ ሃገርና ኤርትራ ዓቢ ድነ ኣድራዕ ናይ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ዝነበሮ ብዝተዓጻጸፈ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ምክያደ ፍሉይ ይገብሮ ጥራይ ዘይኮነስ ስርዓት ህግደፍ ሓይለ ጸንቒቑ ኣብ ድነ ጥፍኣት በጺሒሉ ዘሎ ግዜ ይካየድ ምህሊዉን ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ እዚ ድማ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ እዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣስታት ርብዒ ዘበን ምጽናሓ ከያኣክል እቲ ዝተጸንቀቐ ሓይሉ ዳግማይ ብደቆም ነቶም ዕማኾ ጉጀታት ንምውዳብ ነቲ ዘሎ መግዛእቲ ናይቲ ስርዓት ክቕጽል ዳግማይ ይዓዩ ከምዘለዉን እዩ ፡በዚ ድማ ንኩለ ኢኮኖምን ፖሊቲካን ናብቶም ተካእቲ እቲ ስርዓት ንምቅላስ ብምሉእ ዓቕሙ ይስረሕ ምህላዉ ብዕምቆት ብምርኣይ ንተሳተፍቲ'ዚ ፈስቲቫል ዓቢ ሓላፍነት የሰክሞ ምህላዉ እንዳዘኻኸርኩ ፡ ሰልፍና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነዚ ፍትሕን ስርዓትን ረጊጹ ንህዝቢ ኤርትራ ብጸቕጥን ማእሰርትን ዝተሰነየ ንነዊሕ ዝዓለመ ምልካዊ ኣካይዳ ዝዕንድር ዘሎ ገባቲ ስርዓት ቃልስና ምስ ውልቀ መላኺ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ምሉእ እቲ ስርዓት ምኹኑን በዚ ድማ ቃልስና ንመሰረታዊ ለውጢ ምኩዋኑ ከብርህ ይፈቱ ።

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ

ኣብዚ ፈስቲቫል 2014ዓ/ም ክራኣዩ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓበይቲ ጉዳያት ፡ ኣብ ኩነታት ደምበታት ተቓውሞ ኮይኑ ብወገና እቲ ሓድነት ከምዚ ናይ ስርዓት ህግደፍ መዝሙር ዝኾነ ናይ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ኢልካ ዘይኮነ ፡ እቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብተግባር ብመሰረት ፍትሕዊ ሱታፈ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኽኸውከንን ፡ እዚ ኮይኑ ድማ እቲ ደምበታት ተቓውሞ ብዓይነቱን ዓቕሙን ኣገላልጹኡን ናይቲ በቲ ስርዓት ዝወረዶ ወጽዓ ተሞርኪሶም ዝረኣዩ ናይ ናይ መሰረታዊ ለውጥን ናይ ጽገናዊ ለውጥን ነቲ ናይ ቃልሲ ኣገባባት ንከይሓብሩ ይፈላልዮና ምህላውን ርዱእ ኮይኑ ፡ናይዚ ኩሉ ተሓታቲ ድማ እቲ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ንዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ ዘውረዶም ሚዛኖም ዝተፈላለዩ በደላትን ነቲ ስርዓት ብውልቀ መሪሕነቱ ጥራይ ቀይርካ ዳግማይ እቲ መግዛእቲ መልክዑ ቀይርካ ምምጻእ ንዘለዎም ድልየት ንምራዋይ እኩዋ እንተኾነ ፡ እቲ ዘሎና ፍልልያት ኣወጊድካ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምግስጋስ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ተርእዮታት ይቀላቐል ምህላዉን እዩ ፡ እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ናይ ዲሞክራስያዊ መድረኽ ንምብጻሕ ናይ ሓባር ዕማም ምዒያይን ናይ ሓባር ጸላኢ ብዝሓበረ ቅልጽም ዕድመ ስልጣኑ ዘሕጽሩን ነቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ምሒኻ ፍትሕን ልዕልና ሕጊ ዝነገሳ ኤርትራ ሃገር ምፍጣርን ዝኸይድ ፡ ባኣንጻሩ ከም ደቂ ዛግራ ንሕዝብታት ዝበታትን ናይ ወገን ምትእኽኻብ ይቀላቐል ምህላዉ ነዚ ንምብዳህ ድማ እቲ እንኮ መፍቲሒ እቲ ናብ ጉዋል መገዲ ዝወስድ ስነ ሓሳብ ተሪፉ ነቲ ድሮ ተመስሪቱ ንካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝዳሎ ዘሎ ንኹሉ ደምበ ተቃውሞ ዘጽልል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ምስንዳኡ ጀሚርካ ንምዕዋቱ ናይ ኩሉ ኣካላት ደላይ ለውጢ ሓላፍነት ሙኻኑ ብምርዳእ ብሓደ ኢድ ሰሚረን ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ገባቲ ስርዓት ዓንድ ሕቑኡ ብምስባር ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሕላገቱ ስርዓት ምትካል ምኻኑን ብምርዳእ ኣብዚ ፍሰቲቫለ 2014 ዓ/ም ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሓይልታት ተቃውሞን ቆላሕታ ክትገብሩሉን እንዳ ጸዋዕኩ በዚ ድማ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ ብርሰት ንክድሕንን ዘሕልፎ ዘሎ ኣደራዕ ግፍዕን ጸገማትን ንክእለ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝነገሳ ኤርትራ ንምፍጣር እቲ ናይ ቀዳምነት ቅድሚት ዝተሓዝ ዕማምኩም ክኸውንን ፡ቃልስና ንዲሞክራስያውን ማዕርነትን ፍትሕን ድማ ብዝያዳ ናህሩ ብምውሳኽ ኩለ ጎናዊ ጎነጽታት ተጻዊርና ሓድነትና ኣትሪርና ህዝብና ንምድሓን ባኣጋጣሚ እዚ ፈስቲቫል ፡ ናቱ ኣዎንታዊ ኣበርክቶ ክገብረሉ ዘለሊ ጽኑዕ ድሌትይ እገልጽ።

ብኻልእ ወገን ድማ እዚ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ስደተኛታትን ላምፒዲዮዛ ፡ ኣዕሚቑ ክሪኢ እንዳተላበኩ ፡ ነዚ ድማ ከም ተበግሶ ፥ ናይ በዓል ሓፍትና መሮን እስቲፋኖ ኤልሳ ጩሩም ከምኦም ዘኣ መኣሰሉ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰል ኤርትራውያንን ደለይቲ ለውጥን እቲ ስርዓት ኩለመዳይ ዘካይዶ ዘሎ ግህሰት ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብምቅላዕን ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንግታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ቆላሕታ ክረክብ ዝገበረኦን ዝገብሮ ዘለዋ ኣበርክቶታት እንዳሞገስኩ ብተመሳሳሊ ብመራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ዝተወሰደ ምኩናን ነዚ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ብኻለኦት መራሕትን ሰዓብትን ሃይማኖታት ክሳዓብ ዘለዎ ጉዳይ ሙኩዋኑ ንኩሉ ደላይ ለውጢን ህዝብን ጻዊዒተይ የቕርብ ።

ኣብ መደምደምታ

እዚ ፈስቲቫል 2014 ዓ/ም ንሕሉፍ ጉዕዞ ብርሰት ህዝቢ ኤርትራ ፤ ገባቲ ስርዓትን ሓልታት ተቓውሞን ብዝግባእ ክትግምግሙ እንዳተመነኹ ። ንኩሎም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2014 ዓ/ም ብሓባር ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእቲ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ብርሰትን ምብትታንን ንክድሕን ኣንጻርዚ ደሎ ናይ ሓባር ጸላኢና ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ቅድሚ ጽባሕ ሓድነትና ብምእዋጅን ቅልጽምና ኣስሚርና ካብ ሱሩ ክንምሕዎ ይምሕጸን ። ንዝመጽእ ዓመት ድማ እዚ ፈስቲቫል ኣብ ሓርነትን ፍትሕን ዝዓሰላ ኤርትራ ሃገርና ክኸውን ትምኒተይ እንዳገለጽኩብስም ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓቢ ሃገራዊ ኣጋጣሚ ክሳተፍ ዝገበርኩምለይ ዕድመ ዝላዓለ ምስጋና እንዳቕረብኩ ፡ ዕዉት ፈስቲቫል ኤርትራውያን ክኸውን ደጊሙ ብምሉእ ልበይ ይምነ።

ዓወት ንድሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!!

ዓብዱራሕማን ጣሃ ኑር

ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ

07/08/2014

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 14:00