×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ክልተ ዓይኒ ርኢኻ ኣይከውንን እዩ

2014-08-26 11:50:28 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 24132 times

ኣርዓዶምበርሀ

ብናተይ ግምት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ መርበብ ሓበሬታታት ኣብ መዓልቲ ብኣማኢት ዝግመቱ ዜናታት፡ ሓተታታት፡ ቃለ መጠይቓት፡ ግጥምታትን መዘክራትን ይዝርግሑ ኣለዉ። ናይ ሬድዮን ካልእ ዘመናዊ ኤልክትሮኒካዊ ሚድያታት ዝርጋሐታት እንተወሲኽናሉ ድማ እቲ ብዝሒ ሰማይ እዩ ዝዓርግ። እዞም ዜናዊ ስረሓት ዝመሳሰልሉ ነጥብታት ኣለዎም። ዝፈላለይሉ’ውን ከምኡ። ገሊኦም መርበባት ናቶም ዘንቅዱ ኣበርከቲ ኣካላት ዘየብሎም ተጸበይቲ ይመስሉ። ገሊኦም ግና ብዘይካቲ ካብ ደገ ዝለኣኸሎም ካብ ውሽጦም ኣንቂዶም ዘበርክቱ ኣካላት ከም ዘለውዎም ምዕዛብ ይከኣል። ብዘይካቶም ውሱናት ኣብ ናይ ጉጅለ ህግደፍ መርበባት ዝወጹ መልእኽትታት፡ ኩሎም እቶም ካለኦት ዕምቆቱ፡ ወድዓወነቱ፡ ርትዓውነቱን ስፍሓቱን ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ይወርድ ብዛዕባ ዘሎ መከራ ይረዳድኡ እዮም። ስርዓት ህግደፍ ንክውገድ ምጽዓት እውን ከምኡ ካብቲ ዘመሳስሎም መምዘኒ እዩ ኢልካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ። ሕጂ እውን ወድዓውነቱን ዕምቆቱን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ናይ ድሕሪ ህግደፍ መተካታ ከመይን ይኹን ኣብ ዝብል’ውን ነናቶም ኣማራጺ ወስ የብሉ እዮም። እሞ እዚ ኩሉ ኣብ መዓልቲ ብክንድዚ ደረጃ ዝዝርጋሕ ዜናዊ መልእኽትታት ኣንባብን፡ ኣንቢቡን ትሕዝቶኡ ተረዲኡን ፍትሓዊ ትርጉም ዝህብ ኣካልከ ይረክብዶ? እቲ ኣብ ምቅዋም ጉጅለ ህግደፍ ዝረዳዳእ መርበባትከ ኣብ ሕድሕዱ ከመይ ይመላላእ? ንዝብሉ ሕቶታት ግና መልሱ ዘዳዲ እዩ።

መብዛሕትኡ ጽሑፋትና ተመሳሳልን ተደጋጋም ምዃኑ ንናበብ ከም ዘየለና ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውሱን መድረኽ ብምድግጋፍ ይኹን ብምንጽጻግ እንሕዞም ኣርእስትታት’ውን ዝተዘባረቑ እዮም። ገሊኦም እዋናውያን ገሊኦም ድማ እዋናውነት ዘይሓለዉ፡ ወይ ኣዝዮም ድሕሪት ዝተረፉ ወይ ድማ ናይ ሎሚ ጓስዮም ኣዝዮም ንቕድሚት ዝሃድሙ። እቲ ካልእ ባህሪ መልእኽታትና ድማ ኣብ ክንዲ ንገዛእ ርእስኻ ኣቐዲምካን ኣካል እቲ ጸገም ወሲድካን፡ ደሓር ድማ ኣካል እቲ ፍታሕ ጌርካ ከተዋሳእ ምጽዓት፡ነብስኻ ኣርሒቕካ ኣብ ደጋዊ ፍርዲ ምሃብ ምትኳር ካልእ ጸገምና እዩ። ርግጽ እዩ ናይዚ ጸገም መሰረት እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሕዛ ዘለና ሱር ዝሰደደ ጸገም እዩ። ኣብ ዝተዘርገ ፖለቲካዊ ሃዋህው ህዱኡን ዕላምኡ ዘይስሕትን ሚድያ ክህልው ኣዝዩ ስለ ዘጸግም።

ኩልና ንውድብና፡ ንሰልፍና፡ ንማሕበርና፡ ንመርበብ ሓበሬታናን ንውልቅናን ወወኪልና ክንጽሕፍ እንከለና፡ ሓፈሻዊ መንፈስ መልእኽትና “ኣነ ምስ ህዝበይን ባህግታቱን እየ” ዝብል እዩ። “ኣነ ኣብ ጐድኒ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን እየ ዝስለፍ” ኢና እንብል። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ፖለቲካዊ ተሓላቕነት፡ መንነትን እንታይነትን ብክለሳ ሓሳብ ጥራይ ገሊጽካዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ መምዘኒ ናይቲ ፖለቲካዊ መንነት ነቲ ዝኣተኻዮ ክለሳ ሓሳባዊ ቃል ዝምጥን ግብራዊ ስራሕ ምርኣይ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኻ ብዙሕ ነገራት ሓቢእካ ብመደረን ኣዋጅን ጥራይ ናይ ህዝቢ ወገን ክትከውን ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኻ መሳጢ ዓንቀጻት ኣስፊርካ ከተብቅዕ እንተዘይተግቢርካዮ’ውን ከምኡ። ብመሰረቱ እቲ “ኣነ ምስ ህዝበይ ወይ ምስ ሓይልታት ምክልኻል እየ” ምባል፡ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ እየ ዝብል ሓቀኛ መልእኽቲ ዝሓቖፈ ምዃኑ ኣቐዲምና ንረዳደኣሉ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ረብሓን ኣሰላልፋ ሓይልታትን፡ በቲ ሓደ ወገን ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝብን ሰራዊትን ዝርከብዎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ወገን በበይኖም እዮም ጥራይ ዘይኮነስ ተጻረርቲ እዮም። ንህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ሓደ ዝገበሮም ብዘይካቲ ኤርትራዊ ዜግነቶምን ኣብ ሓደ ከባቢ ብናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና ተቖሪኖም ዝነብሩ ዘለዉ ምዃኖም ካልእ የለን። ሓደ ኣካል ኣንጻር ህግደፍ ዘለዎ መርገጽ ከየነጸረ፡ ወረ ሓሓሊፉስ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሳዪ እንዳኾነ፡ ተገልቢጡ ምስ ህዝበይን ምስቲ ውጹዕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን እየ ዝብል እንተኾይኑ ግና፡ ይሕጭጭ ከም ዘሎ ጥራይ ኢና ክንርደኦ ዝግበኣና። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምድንጋር እዩ። ምናልባትውን ከምቲ “ሓወይ ዝብል ኣይቓዕካ” ዝበሃል ተቓዋሚና መሲልካ ደግፈና ዝተባህለ ልኡኽ’ውን ይኸውን።”ካብ ፈታውያዪ ደኣ ሓልወኒ እምበር ናይ ጸላኢየይስ ባዕለይ ኣለኹዎ” ንዝብል ምስላ ከነቕልበሉ ዘገድደና’ውን እዩ። ነተን ጉልባበን ዝቐለዓ በዓል ሻባይትን ኣለናልክን እንዳተቛመትና፡ በተን ልብና ዘይስሕተን ዓይንና ግና ዘይርእየን ከይንጉጠይ ምጥንቃቕ ከድልየና እዩ።

ኣብቦታ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ንጉጅለ ህግደፍ ክንመዝኖ እንከሎና፡ ድሕሪ ሕጂ እዚ ጉጅለ፡ ግዜኡ ዝሓለፈ መብጸዓታት እንዳኮመረን ደም እንዳንበዐን፡ ዝቕጽል እምበር ካብቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ከካይዶ ዝጸንሐ ኩለ-ዳያዊ ወጽዓ ፈትዩ ንድሕሪት ዘይምለስ ክሳብ ግዜ ሞቱ ካብ ወጽዓ ዘይእደብ ምዃኑ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ንሱ ዝሕልኖ ገለ ኣርሕIቕም ዘይርእዩ ብግዝያዊ ረብሓ ዝዓወሩ ወገናት’ውን ዘዳምቕሉ ብዘይካ ዝተወሰኑ ብደጋዊ መብጸዓታት ዝተሰልቡ ኣካላት፡ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ደገፍ ኣለኒ ዝብሎ ዘይኮነስ፡ መላእ ህዝብን ናይ ለውጢ ተረባሕቲ ወገናት ኤርትራውያንን ብሓደ ቃል ብዘይመፈናፈኒ “ጸላኢና ኢኻ” ዝብልዎ ዘለዉ እኩይ ጉጅለ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ “እቲ ንኤርትራ ዝፈቱን ሉኣላውነታ ዘኽብርን ንዓመጸኛ ምምሕዳረይ ዝቕበል ክኸውን ይግበኦ” ዝብሎ ህውተታ ሎሚ ተቓሊዑ እዩ። ሎሚ ንኤርትራ ከም ሉኣላዊት ሃገር ምኽባርን ንጉጅለ ህግደፍ ከም ወጻዒ ስርዓት ምቅዋሙን ምጽራሩን በበይኑ ምኻኑ’ውን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ተረድኦ ኣብ ዝረኸበሉ ደረጃ ተበጺሑ እዩ። ስለዚ ከምቲ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014 ፍራንክፈርት “ህግደፍ፡ ንመስዋእትን መብጽዓታትን ሰውራና ዝጠለመ ስርዓት ስለዝዀነ፡ ሕጂ ዝገብሮ መብጽዓታት ክፍጽሞ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ወይ ምጽባይ የዋህነት ኢዩ። ብተመን ዝተነኽሰስ ብልሕጺ ተዳህለ ከምዝብሃል፡ ካብ'ዚ ንህዝብና ደም ዘንብዐ ጠላም ስርዓት ኢሳያስ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ክትረክብ ምጽባይ ማይ ምሕቋን ኢዩ።” ዝበሎ ሎሚ ኣብ ልቢ ህግደፍ ሕድገትን ህዝባውነትን ክጥጥዕ ይኽእልዩ ዝብሉ ወገናት ወይ መርበባት እንተልዮም ናብ ባህርያዊ ህዝባዊ ቦታኦም ክምለሱ ይግበኦም። ወይ ድማ ኣጻዕድዮም ምስ በዓል ሻባይት፡ ማዶትን ተስፋኒውስን ክስለፉ’ሞ ምልኪ ምውዳሶም ክቕጽሉ ይሕሾም።

ጉጅለ ህግደፍ በይኑ ተሪፉ ተወቒዑ ከም ዝደሚ ብኡ ኣቢሉ’ውን ከም ዝመወት ስለ ዝፈልጥ ኣብ ህዝብን ልኡላውነትን እዩ ክሕባእ ዝደሊ። ነዚ ንክጥዕሞ ድማ ጉጅለኡን ህዝቢ ኤርትራን ከም ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጽ ኣምሲሉ ከቕርቦም እዩ ዝፍትን። ከም ናይዚ መርኣያ ናይ ጉጅለ ህግደፍ መራሒ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ብሓደ ናይዛ ሎሚ ብዙሕ ደሃያ ዘይስማዕን ስሩዕ ዝርጋሐኣ ዝቆራረጽ ዘሎን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጋዜጠኛ “ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ከመይ ይመስል?” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ኣቶ ኢሳያስ ብናህሪ ነቲ ሕቶ “ እዞም ዝጠቐስካዮም ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን መንዩ ክልተ ተዛመድቲ ገይርዎም?” ብዝብል ናይ ቁጠዐ ሕቶ እዩ መሊስሉ። እዚ ድማ እኩብ ድምር ናይቲ “ ኣነ ኩሉ እየ፡ ኣነ ከኣሊ ኩሉ እየ” ዝብል ናይ ኣቶ ኢሳያስን ጉጅለኡን ትምክሕታዊ ሕልሚ እዩ። ኢስያስ ይፍቶ ይጽላእ እምበር ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራንስ ኣብ መንጎኡን ከም ውልቃዊ ዲክታተርን መንጎ ጉጅለ ህግደፍን እውን ፍልልይ ክህልው ባህርያዊ እዩ። ውጽኢት ናይዚ እዩ ድማ እሙናተይ ዝብሎም ዝነበረ ባእታታት በብግዜኡ እንዳተመሸቱ ዝርሕርሕዎ ዘለዉ።

ኢሳይስን ጉጅለኡን ነዚ ሕልሞም ከተግብሩ ኣብ ዝተጓዕዝዎ ሰጣጥን ሸፋጥን ጉዕዞ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተዳምዮም ስለ ዝኾኑ፡ እሞ ካብዚ መስመርዚ ንድሕሪት እንተተመሊሶም ዝኸፍልዎ ዕዳጋ ከቢድ ምዃኑ፡ ካብቲ በቲ ዝሓዝዎ ናይ ጥፍኣት ጐደና ንክቕጽሉ ዘገድዶም ምኽንያታት ሓደ እዩ። ምናዳምናዳ ኢሳያስስ ብሰንኪ ተሓናፋጢ ባህርያቱ ካብዛ ሓኪሉላ ዘሎ በዓቲ እንተወጺኡ ብዋጋ ደም፡ ርሃጽን ንብዓትን ህዝብና ዝኣከቦ ንዋይ እንዳበለዐ ዝዕቆበሉ ሃገር’ውን ኣይክረክብን እዩ። ናብቲ ርኡይ ሓቂ ክንመጽእ እንከለና እምበኣር፡ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ኣካላት እኳደኣ ዘይዕረቕ ፍልልያት ዘለዎ ስለ ዝኾኑ ናይ ክልቲኦም ፈታዊ መሲልካ ምኹርንባዕ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን። ንህግደፍ ዝድግፍ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕለቕ ድማ ኣንጻር ህግደፍ ክስለፍ ናይ ግድን እዩ።

ሎሚ ስምካ ምጽያቕን ዝሓለፈ ታሪኽካ ንምድዋንን እንተዘይኮይኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነንዶ፡ ናይ ውድባት ኣዋጃት እንዳቖራረጽካን ምንጩን ዋንኡን ብዘይፍለጥ ዓንቀጻት እንዳ ለጠፍካ፡ ወይ ዘይተባህለ ተባሂሉ እንዳበልካ፡ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ መጽሓፍ ደሪስካ እውን ከተድሕኖ ኣይከኣልን እዩ። ካብ ንጉጅለ ህግደፍ ክተድሕን ክትብል ጽባሕ ናይ ዘጣዕስ ታሪኽ በዓል ዕዳ ምዃን፡ ይኣኽለኒ ኢልካ ኢደ-እግርኻ ምእካብ ይሓይሽ። በታ ዘላትካ ዓቕሚ ምእንቲ ውጹዕ ህዝብን ፍትሓዊ መስመርን ተሰሊፍካ ዓቕምኻ ዝፈቕዶ ምብርካት ድማ ዝያዳ ይሓይሽ። ነዚ ተዘይክኢልካዮ ግና ከምቲ ሓደ ተዛራባይ “ዕዳ ዘይብሉ ድኽነትን፡ ሕማም ዘየብሉ ዕብራንን ኣይትጽላእ” ዝበልዎ ምእዳብ። ካብዚ ሓሊፍካ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሓንጺጹ ናይ ኣተገባብራኡ ሜላታት ስኢሉ፡ ኣብዚ መደቡ ዝኣምኑ ቅሩባት ወገናት ወዲቡ፡ ናይ ህዝቡ ባህግታት ክሳብ ዝዕወት ንክቃለስ ንዝወሰነ ፖለቲካዊ ኣካላት፡ ምስ መን ከም እትዛመዱ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት እንታይ መርገጻት ከም እትሕዙ፡ ኣበይ ከም እትእከቡ …. ወዘተ እቲ ኣንጻሩ ትቃለሱ ዘለኹም ጉጅለ ህግደፍ እንተዘይመረጸልኩም ኢልካ ፍንጭራዕ ምባል ግና ንብዙሓት ዘገርምን ዘስደምምን ኮይኑ ንበሃሊኡ ድማ ዘሕፍርን ንጉዳያት ብጥዑይ ኣእምሮ ካብ ዝመዝን ኣካል ዝመጸ እዩ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ።

18 ነሃሰ 2014

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 13:56