ብ22 ነሓሰ 2014 ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኣውሮጳ ሰዲህኤ ተኻይዱ

2014-08-28 06:53:00 Written by  ፍትዊ ክፍለ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ዞባ ኣውሮጳ ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 18722 times

ኣብ ዕለት 22.08.14 ብፈጻሚት ኣካል ዞባ ኤውሮጳ ዝተጸውዔ ናይ ሙሉእ ዞባ ኣካየድቲ ንኡስ ዞባታትን ጨናፍርን ንኡሳት ጨናፍርን ዝተሳትፎዎ ፖልቶካዊ ኣኼባ ተኻይዱ።
ኣቦ ወንበር ዞባ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ኣብ መኽፈቲኡ ንኹሎም ዝተሳተፉ ናይ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም ቓል ምስማዑ ፡ንዝኽረ ሱዋኣትና ናይ ሓደ ደቒቕ ስቕታ ብምኽባር ኽጅምር እንኮሎ ንተሳተፍቲ ብድሓን ካብ መገሻታትኹም ነንቦታኹም ተመሊሽኩም ክትህልዉ ብምባል ምንየቱ ብምግላጽ ናይ መኤከቢ ዛዕባታት ዘርዚሩ።

1. ዓመታዊ ጉዕዞ ሽማግለ ዞባ ኤውሮዻ
2. ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ዝምድንኡ ምስ ዞባዊ ኩነታት
3. ፈስቲቫል 2014 ውጺኢቱን ዝተሰርዔ ፕሮጀክትን
4. ንውስኸሎም ነጥብታት ንኣጋባብ ስራሕን ተሓታትነትነትን ትካላት ዞባ ኤውሮዻ
እንዛረበሉ ኣጀንዳ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኮይኑ ፣ ኣቐዲመ ግን ኩነታት ህዝብናን ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ ውን፡ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ኩነታት ከነስተብህለሉ ወይ ትዕዝብቶና ኣቐሚጥና ስራሕና ሰሪዕና ሁጹጽነት ኩነታቱን፣ዝያዳ ክንሰርሕን ዑቱብ ቓልሲ ከነካይድን ስለ ዝድርኸና ሕጽር ዝበለ ምትንባህ ኣገዳስነት ኣለዎ ኢሉ።
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ፣ማይ ፣ እኽሊ ፣ ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ መድሃኒት ወዘተ ትንቢት እናኾኑ ዝኸደሉ፡ ህዝቢ ዓቕሊ ኣጽቢቡ ፡ መንእሰያት ድማ ሃገር ራሕሪሖም ዝወጽሉ፣ ህዝቢ ዓው ኢሉ ስርዓት ጥፍኣት ኢሉ ዝዛረበሉ ንለውጢ ዝዕድመሉ ክርኤ ከሎ ኣብ ዞባና ክኣ መንግስቲ ኢትዮጱያ ምስ መንግስቲ ሱዳን ናይ ሓባር ስራሕ ንምክያድ ውዑላት ዝካየደሉ እዋን ፣ ከምኡ ው፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጱያ ንስርዓት ኣስመራ ናይ ምእላዩ ጊዚኡ በጺሑ እዩ ኢሉ ኣብ ማዕክን ረድዮ ዝዛረበሉ ኣብ ሃገራት ሚድል ኤስት ኸም ኢራቕ ሶርያ ሊብያ ፍልስጢኤም  ኣብ ኤውሮጳ ኡክራንያ ወዘተ  ዝኽትል ዘሎ ምጥፋእ ህዝብታት ፡ ሓጎጽጎጻት ውግእ ወዲ ውግእ ኩላትና እንርእዮ ዘይተኣወጀ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝካወነሉ ነስተብህለሉ ዘለና ሃዋሁ ኣብ ቅድሜና ጎሊሑ ይርኣየና ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ውልቀ መላኺ ፡ ሃገርና  ግደ ናይዚ እንርእዮ ዘለና ህልቀታት ህዝብታት ከይትኸውንን ኣብ ዘይውዳእ ዓዘቕቲ ከይትኣቱን  ዓቢ ስራሓትን ቆራጽነትን ትግሃትን ይጽበየና ኣሎ። ኣስዒቡ ጹሟቕ፣ ኣብ ኩለን ትካላትና ንኡሳት ዞባ ጨናፍርን ንኡሳት ጨናፍርን በቢመስርዕኡ ዝተላእኸና ገምጋም ስርሓቴን ከቕርብ እየ።
ኸማሕጽኖ ዝደሊ ግን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣወንታዊ ስርሓት ምድሃብ ፣ ኣብቲ ኣሎ ዝባሃል ጉድለታትና ተመርኲስና ፍታሕን ሓቤሬታ ተዋሃሂብና ምምሕያሽ ስርሓት ክንገብር እዩ ብምባል ጽማቕ ጸብጻብ ብቡሩህ መገዲ ኣቕሪቡ።
ብድሕሪ ኣቦወንበር ሓላፊት ቦርድ ዞባ ስርርዕ ሓብቲ ትዕበ ተኪኤ   ኣብ ስርርዕና ክሕዞ ዘለዎ ኣጋባብን ጹፉፍ ኣሰራርሓን ብምሕባር ጥልቕ ዝበለ ሓቤሬታ ኣማሓላሊፋ። ብድሕሪ እዚ ኦዲተር ሓው ዘርኣቡሩክ       እውን ስርሓትና ዝያዳ ብንጹርን ጹፉፍን ክኸውን ምእንቲ ክግበር ዘለዎን ክማሓየሽ ዝግብኦን ከብርህ ከሎ ንንገብሮ ስርሓት ዋላ እኳ ብተወፋይነት ይኹን እምበር ጹፉፍን መስርዑ ዝሓዘን ክኸውን ከሎ እቲ መስርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ሰልፍና ይዓኩኽ ንዜጋታትና እውን ኣብነታዊ ኣሰራርሓ  ክኸውን ይኽእል ክብል መግለጺ ኣቕሪቡ።
ስዒቡ ኩሎም ተሳተፍቲ ንተሞክርኦም ምብራህን ምግምጋምን ንዝተራእዩ ጉድለታት ብምእራም ሓድሽን ምዕቡሉን ኣጋባብ ምትእታውን ነዚ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ቦርደዊ ወይ ጋንታዊ (team) ኣሳራርሓ ዕዙዝ ዝኾነሉ ምድግጋፍን ተሞክሮታት ምልውዋጥ ከም ዘድሊ ተገንዚቡ።
ምስ ከባቢና ብፍላይ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራውያን ዝተካየደን ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ስርሓት ዝያዳ ክዕየየሉን ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ ንላዕሊ ክስጉም  ኣገዳስነት ከምዘለዎ ተገንዚቡ። ምስ እተን ኣብ እንነብረለን ዘለና ሃገራት ዘለዋ ውድባት ሲቪካዊ ሜሕበራት ሰልፍታት ጹኑዕ ናይ ስራሕ ምትእስሳር ብዝያዳ ከነዕብዮ ክንጽዕር ከምዘለና ተራዳዲኡ።
ኣኼበኛ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ  ሃገራዊን ዞባዊን ኣህጉራዊን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው  ብወገና ጻዕርና እነኻዕብተሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስታ ብምስታፍ እቲ ቁኑዕ እንብሎ መርሆ ወይ ሮድ ማፕ ክሕዝ ምግባር  ውድባዊ ጉቡእናን ድልየት ህዝብና እውን እነማላኣሉ ክኸውን ብምባል ንዝመጽእ ቆጸራኡ ብምስራዕ ተፋላልዩ። 

Last modified on Thursday, 28 August 2014 13:29