ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ጀርመን ጨንፈር 3 (ከለንን ከባቢኡን) ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ

2014-12-09 18:51:33 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2619 times

ብዕለት 06-12-2014 ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 18.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ጨንፈር ከሎንን ከባቢኡን ብዓወት ከምዝዛመ ካብኡ ዝተመሓላለፈ ዜና እነሆ።

Koln-EPDP1ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምጅማር ነቶም ኣኼበኛታት ብናይ ሕድሕድ ምልላይ ገይሩ ነቲ ኣኼባ ከፈትዎ።

ሓው ዓንደብርሃን ዮሃንስ ብዛዕባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኵሉ መዳይ ዘካይዶ ቃልሲ ሰፊሕ መግለጺ ንጨንፈር ገሊጹ።                                                                                                                    ብድሕሪዚ ጨንፈር ኮሎን ብዛዕባ ውሽጣዊ ምምሕዳሩ ዝምልከት  ምምይያጥ ብምግባር  ኣሰራርሓ ጨንፈር ክግምግምን ክሰርሓሉ ዘለዎ መንገዲን ተዘራሪብሉ። ኣብ ርእሲኡ ኣኸበኛ ጨንፈር ብዛዕባ ዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ዓመት 2015 መደብ ዕዮ ሰልፊ ብምክትታል ሕኑን ቃልሲ ከካይድ  ብዃኑ ቃል ኣትዩ።

Koln-EPDP2ኣስዒቡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣውጺእዎ ዘሎ እማሜ መሰረት ምስ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ናይ ምስራሕ ዝብል ኣምር ጨንፈር ከሎንን ከባቢኡን ነዚ እማሜ ኣዚ ከም ዝደገፎን ኣብ ስራሕ ከተግብሮ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ መወዳእታ ኣኸበኛ ርእይቶታቱን ለበዋኡን ብምሃብ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ፈጸመ።