ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ጀርመን ጨንፈር 3 (ከለንን ከባቢኡን) ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ
2014-12-09 18:51:33 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2619 timesብዕለት 06-12-2014 ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 18.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ጨንፈር ከሎንን ከባቢኡን ብዓወት ከምዝዛመ ካብኡ ዝተመሓላለፈ ዜና እነሆ።
ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምጅማር ነቶም ኣኼበኛታት ብናይ ሕድሕድ ምልላይ ገይሩ ነቲ ኣኼባ ከፈትዎ።
ሓው ዓንደብርሃን ዮሃንስ ብዛዕባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኵሉ መዳይ ዘካይዶ ቃልሲ ሰፊሕ መግለጺ ንጨንፈር ገሊጹ። ብድሕሪዚ ጨንፈር ኮሎን ብዛዕባ ውሽጣዊ ምምሕዳሩ ዝምልከት ምምይያጥ ብምግባር ኣሰራርሓ ጨንፈር ክግምግምን ክሰርሓሉ ዘለዎ መንገዲን ተዘራሪብሉ። ኣብ ርእሲኡ ኣኸበኛ ጨንፈር ብዛዕባ ዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ዓመት 2015 መደብ ዕዮ ሰልፊ ብምክትታል ሕኑን ቃልሲ ከካይድ ብዃኑ ቃል ኣትዩ።
ኣስዒቡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣውጺእዎ ዘሎ እማሜ መሰረት ምስ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ናይ ምስራሕ ዝብል ኣምር ጨንፈር ከሎንን ከባቢኡን ነዚ እማሜ ኣዚ ከም ዝደገፎን ኣብ ስራሕ ከተግብሮ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኣብ መወዳእታ ኣኸበኛ ርእይቶታቱን ለበዋኡን ብምሃብ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ፈጸመ።