ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ብመራኸቢ ብዙሃን ፓል ኣቢሎም ኣኼባ ኣካይዶም

2014-12-10 19:18:27 Written by  ሓላፊ ዜናን ባህሊን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ክፍለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2298 times

ብዕለት 05-12-14 ናይ ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ብመራኸቢ ብዙሃን ፓል ኣቢሎም ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣቦ ወንበር ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ህሉው ኹነታት ሃገርና ኻብቲ ናይ ቅድም እናገደደ ቀረብ ዘይርከበሉ ብነፍሒ ወይ ፕሮፓጋንዳ ስርዓተ ውልቀ መላኺ  ዓይኒ ህዝብና ንምድፋንን እዝኑ ንምጽማምን ዕለታዊ መደበ-ስርሑ ኣብ ርእሲ ምዃኑ  ኣብዚ እዋን እዚ ኽኣኸምቲ ሉሙድ ሓሶቱ ሓዲሽ ወረ ወተሃደራዊ ኣጎልጉሎት ሓደ-ዓመቲን ሾመንተ ወሪሒን ኪከውን ኢዩ ዝብል ኽነፍሕ ጀሚሩ ኣሎ ።እዚ ወረ እዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ኸደናግር ዘይክእል እኳ ኣንተኾነ ኒቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ምስ ዲክታተር ዝዳናገጽ ዝዓለመ እዩ፣እዚ ሽጣራ በቢግዚኡ ዝጥቀመሉ፣ ግዜ ምንዋሕ ግዝኣቱ ንምንዋሕ ኢሉ ፉሹል ስራሕ፣ ኑኹሉ ቡሩህ ኮይኑ ቓልስኻ ብዘይ ምድኻም ምቕጻል እዩ።እታ ሓንትን መጠርሽታ ኽገብራ ዘለዎ ስልጣን ንህዝቢ ምስርካብ እዩ ፣እዚ ግን ኣብ ርእስን ሓሳብን ውልቀ መላኺ ስለ ዘየሎ ህዝቢና ብቓልሱ ኣቢሉ ባዕሉ ስልጣን ኻብ እዚ ዲክታተር መንጢሉ ህዝባዊን ዲሞክራሲያዊት ስርዓትን ሉእላዊት ሃገርን ሓድነቱን ዘጠንክረልሉ ባዕሉ እዩ።   

ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብ ደኒማርክ ነዞም ሓደሽቲ ዕቑባ ዝሓተቱ ኣስጋኢ ወረ ይስማዕ ኣሎ፣ መንግስቲ ደኒማርክ ኸም ዝብሎ ሉኡኹ ናብ ኤርትራ ሰዲዱ ምስ ስርዓተ ኢሳያስ ተራኺብና ዝረኸብናዮ መረጋገጺ ምሕረት ኽግበረልሎምን ብሓገዝ መንግስቲ ደኒማርክ ናብርኦም ከጣጥሑ ይኽእሉ ብምብእል ንቡዙሓት ዜጋታትና ናብ ሃገሮም ኽመልሶም ይቃራረብ ምህላዉ እንሰምዖ ዘለና ወረ እዩ።

ንሕና ብወገና እዚ ምትላል ስርዓተ ኢሳያስ መጀመርታን መጠረሽታን ኣይክኸውንን እዩ፣ስለዚ ንምድሓን ዜጋታትና ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ማሕበራትን ፣ ዲሞክራሲያን ውድባትን ፣ ምስ ኹሎም ዉዑል ጅነቭራ ዝቕበሉ ባእትታትን። ዝተፋላለዩ ኣመንቲ ቤተ ክርስትያናት ደቂ ደኒማርክ ብምትሕብባር ናይ ዕቑበኛ ሰባዊ መሰላቶም ኽሕሎ ኽንጽዕር ኣለና።

ብዛዕባ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ፣ኹሉ ናብ ጉባኤታቱ ዝኸይድን ገሊኡ ኽኣ ድሮ ዝገብርን ብሚዲያ እንሰምዖ ዘሎና ሃዋሁው እዩ፣ ብወገና እቲ ሓቢርካ ምስራሕን ኣብ ሓደ ንኹላትና ኽጥርንፍ ዝኽእል ጽላል ንምብጻሕ ጺዕርናን ኽንጽዕርን ምዃና ደጊምና እነራጋግጾ ጉዳይ እዩ።

ንሕና እውን ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ስልፋዊ፣ ዞባዊ፣ ጉባኤታትን ፈስቲቫልን ከነካውን ስለ ዝኾንና መደባትን፣ ምቅሊት ስርሓትን ጌርና ጉዕዞ ስራሕ ብምጅማር ኑጡፉን እሩሙን ኣጋባብ ምኽታል ኸድሊየና እዩ ኽብል መድሩ ደምደመ።

ሓለፍቲ ዞባ ነቲ ዝተዋህበ ኣርእስቲ ዘትዮም ዘድሊ ስጉምትታት መደብ ስራሕ ኣውጺኦም ንስራሕ ንምጓዓዝ ብሙሉ ሓይሎም ኽሰርሑ ተራዲዶም።

ሓላፊ ዜናን ባህሊን ዞባ ኤውሮጳ

ፍትዊ ክፍለ 

Last modified on Wednesday, 10 December 2014 20:21